S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቀሺ ድየ ክብሃል?!

ስሕለት ሴፍ ዘምለጠ፡ ሰሃራ እናበልዖ፡ ሰሃራ ዘምለጠ ሲናይ ተቐቢሉ ባሕሪ እናወሓጦ፡ ደቂ ህዝበይ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ከም ባሮት ተሸይጦም፡ 

ከም እንስሳ ተጎዝዮም፡ ልቦና ልቢ ክጾሮ ዘይክእል ስቅያት ጼሮም እናተወድኡ፡ ርእየ ከምዘይረኣኹ ስቕ ኢለ ምስቃጠይሲ፡ እቲ ክንዲ ገለ መጠምጠምያይ፡ እቲ ኩምራ ጭራ፡ እቲ ምርኩስ፡ እቲ መስቀል፡ ንሱ ድዩ ቀሺ ምዃነይ ክምስክር?! በዚ ከምዚ ድየ "ቀሺ'" ተባሂሉ ክምስከረለይ?! ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ! መጽሓፍ ሰኣን ምፍላጠይ 'ንታ ጠፋእኩ?! “እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ ኣሕሊፉ ይህብ። እቲ ጓሳ ዘይኮነ በዓል ዓስቢ ግና፡ እተን ኣባጊዕ ዘይጥሪቱ ስለዝኾና፡ ተዅላ ክመጽእ እንተረኣየ፡ ነተን ኣባጊዕ ሓዲግወን ይሃድም፡ እቲ ተዅላ ድማ ነተን ኣባጊዕ ይዝርፈን ፋሕውን የብለን፡ ብዓል ዓስቢ ስለዝኾነ ይሃድም፡ ግዲ እተን ኣባጊዕ'ውን የብሉን፡ዮሃ1011-13። እዋይ ክብርትዕ ሓይለ-ቃል፡ ክንደይ ሳዕ ኮን ኣንቢበዮ ይኸውን?!

ሓለፈልና ክብሉ ዝተኾልፉ፡ ሰገርና ክብሉ ዝተረፉ፥ ልቢ ዘይቈጸሩ ንጹሃት፡ ነፍሰማተን ዝጾራ ጥኑሳት፥ ኣቦታት፡ ኣዴታት፡ ኣሕዋትን ኣሓትን፥ ቀሪብና እናሉ፡ ባሕሪ ውሒጥዎም ከመ-ቅጽበት ዘስቀጡ፥ "መንፈሰ መናህየ ወመናዝዘ፡ ለሰብኦሙ ፈኑ" ኢለ ጸልየ ዘየጸናናዕኩስ፡ ሰንበተ-ሰንበት ምግዓረይ፡ ትኪ ዕጣን ኣህጊገ፡ ወለል ብዘለ ልብሲ፡ ዘወነ-ዘወን ምባለይ፡ በዚ ድየቀሺ'ተባሂሉ ክምስከረለይ?! ኣቤት ፈሪሳውነት! ግብዝነት ይብሉኹም ከምዚ'!!

ሓቂ ተዓሚጻ፡ ቤተክርስቲያን ተደፊራ፡ ኣቦታት ተኣሲሮም፡ ሊቃውንቲ ተሞቊሖም፡ ኣሕዋት ተዳጒኖም፡ ኣሓት ተዓፊነን፡ ኮታ፡ ከምቲ ሰሎሞን ዝረኣዮ፥ እከይ ኣብ ምድሪ፡ባሮት በፍራስ መሳፍንቲ ብእግሪክኸዱ እናረአኹ፡ ፍርሒ ዓብሊሉኒ፡ ምስቲ ገፋዒ ምሕባረይ፡ ወይስ ብውሽጠይ ደንጊጸ ጥራይ እህህ ምባለይ፡ በዚ ከምዚ ድየ "ቀሺ'" ተባሂሉ ክምስከረለይ?! ቀሽን ፈራሕን፡ ቀሽን ፈታው ነብሱን ከኣ ዘይመሳንይቲ! መስቀል ሒዝካ ፍርሒ'' ደቀይ!?

ብመሰረቱ፡ ቀሽን ምቕሻሽን ክላገባ ዘይግብአን ክንሱ፡ ብዙሕ ሳዕ ግን ግርም ተሳንየን ክርእየን ከለኹ፡ ብዙሕ' ዝጉሂ። ህይወት ናይቶም ብሓንሳብ ልዕሊ 400 ዝኾኑ ኣብ ባሕሪ ተሰጢሞም ዝሃለቑ ኤርትራውያን ኣብ እንዝክረሉ ዘለና ወርሒ መጋቢት፡ መፈጠረይ ክሳዕ ዝጸልእ ብዛዕባ ገዛእ ርእሰይ ሓሲበ።እቲ ምናልባት ሓንሳእ፡ ወይውን ክልተ ሳዕ፡ ወይ ከኣ ኣይፍለጥን ምናልባት'ውን ሰለስተ ሳዕ ዝተቐሸሸ ቀሺ፡ ሃንደበት ነቒሑ ቀሺ ምዃኑ እንተርኣየ፡ ደንጉዩ እንተኾነ፡ ግና ሰናይ ዝገበረ፡ይብለኒ' ሓደ መኣዝን ኣንፈት ሕልናይ።ሓንሳእ ዝተቐሸሸ ቀሺ፡ ብእኡ ኣቢሉ ብዝተቐሸሾ መዋእሉ ክቕሽሽ እንተረአኻዮ ግን እንታይ ኢኻ ክትብሎ?! ብምባል ድማ ይሓትት ኣሎ እቲ ካልእ ክፋል ሕልናዊ ሓሳበይ!

ንቀሺ ቀሺ ዘብሎ እንታይ እዩ? ኢልኩም እስከ ሕተቱኒ፡ መልሲ እንተለዋ ድማ ንልበይ ሃሰስ ክብላ'የ። "ፍትሒ ጐደለ፡ ድኻ ተበደለ!" ዘይትብለሉ ጎሮሮ'ኸ፡ ዝድላዩ ጣዕሚ ዜማ እንተዝየመ፡ እንታይ ፋዕራ ኣለዎ! ንገሩኒ'ስከ ምናልባት ዝሰሓትክዎ ነገር እንተሎ። ከምቲ ንሕዙን ልቢ፡ ደርፊ ዝደርፉሉ ኣይኮነን?! እወ፡ ንቐሺ ቀሺ ዘብሎስ፡ ንስለ ፍትሕን ርትዕን፡ ንስለ ሓቅን ጽድቅን ደው እንተበለ' እምበር! ከም ኩሎም ናይ እምነት ጀጋኑ ድማ ሕቆኡ ብሓቂ ተዓጢቑ፡ ነቲ ገፋዒኣይትግፋዕእንተበለ፡ ንድኻን ንመበለትን ድማ ፍትሒ ከምዝረኽቡ እንተገበረ እዩ እምበር! ኣይመስለኩምንዶ?!! ከምዚ ምስ ዘይገብር ግን፡ እቲ ቀሺ፡ ካብ ብኽዳን ምቕሻሽ ሓሊፉ፡ ብግብሪ ግን ቀሺ ንምዃን ብቕዓት ዘለዎ ኣይኮነን። ቀሺ ክንሰይ፡ "ምምጻእ ጐይታይ ክድንጒ እዩ" ኢለ ነቶም ምእመናን ክብድልን ከሳቕን መሪጸ እንተለኹ ግን፡ ጐይታይ፡ ኣነ ብዘይፈ ሰዓት ክመጽእ እዩ'ሞ፡ ሽዑ ደበኽ እንተበለንስ፡ ወይለይ!

ስለዚ ቅድመ ኩነት ንርእሰይ አዋጥራ ኣለኹ፡ "ዓገብ ንምባል ዘይደፍርሲ፡ ቀሺ ድየ ክበሃል?” ግዴኹም ድማ ሕጂ ከምኡ ግበሩ። ርእስኹም ከምቲ ኮይናቶ ረኺብኩማ ዘለኹም ጌርኩም ሓዝዋ እሞ፡ ደው ኣቢልኩም ድማ ኣዋጥርዋ። ርእየ ከምዘይረኣኹ ምስቃጠይን ዓገብ ክብል ዘይምኽኣለይንሲመምህር ድየ ክበሃል? ኣማኒ ድየ ክበሃል፡ ዲያቆን ድየ ክበሃል፡ እከለ ድየ ክበሃል፡ እከሊት ድየ ክበሃል?” ወይ'ውን ምናልባትኤርትራዊ ድየ ክበሃል?” ወይስኤርትራዊት ድየ ክብሃል?” ብምባል ተገዲስኩም ኣዋጥርዋ እሞ መልሲ ኸኣ ሃሰስ በሉ!

ኣምላኽ ዘስተውዕልን ዝድንግጽን ልቢ ሂቡ፡ ስለ ራህዋ ህዝብና ክንጽሊ ጸጋ ከብዝሓልና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን!!

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div