“ሽዑ ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህቡኹምን ኪቐትሉኹምን’ዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም፡ ሽዑ ብዙሓት ኪዕንቀፉ፡ ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪወሃሃቡ፡ ንሓድሕዶም’ውን ኪጸላልኡ’ዮም።” ማቴ 24፡9-10።
እዚ ነዚ ዕለት’ዚ ተሰሪዑልና ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታን መወዳእታ ዓለምን’ዩ ዚዛረብ። ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ እዚ ሰንበትን ሳምንትን’ዚ “ደብረ-ዘይት” ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። ምኽንያቱ ጐይታ ነዚ ንምጽኣቱ ዚምልከት ሰፊሕ ኣስተምህሮ ዝሃበሉ ቦታ፡ ኣብ ጥቓ ኢየሩሳሌም ዚርከብ “ደብረ-ዘይቲ” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ከረን (ጎቦ) እዩ። ኣብቲ ዘንበበናዮ ሰፊሕ ንባብ፡ እዚ ናይ ምጽኣት ኣስተምህሮ፡ ደቀ-መዛሙርቱ ብዘልዓልዎ ሕቶ’ዩ ዝተበገሰ። ኣብ ውሽጢ ኸተማ ኢየሩሳሌም ኣብቲ ኸባቢ ቤት መቕደስ ከለዉ፡ ብጽባቐ ናይቲ ህንጻ ቤት መቕደስ ኣዝዮም ተመሰጡ’ሞ፡ ንጐይታና “ረኣዮ’ሞ’ዚ ህንጻ ኪጽብቕ” ዝዓይነቱ ዘረባ ተዛሪቦም፡ ንጐይታ ናብቲ ናቶም ተመስጦ ኼእትውዎ ፈተኑ። ጐይታ ግና በዚ ብኢድ ሰብ ዝተሃንጸ ህንጻ ዘይድነቐሉ፡ እንተ ወሓደ ኽልተ ብቑዕ ምኽንያታት ነበሮ። ቀዳማይ ንሰማያትን ንምድርን ኣብኡ ንዘሎ ዅሉን ብቓሉ ዝፈጠረ ጐይታ፡ ሰባት ነቲ ንሱ ዝፈጠሮ ኣእማንን ኣዕጻውን ጨሪሖም ብዝሰርሕዎ ህንጻ ኺድነቕ ፈጺምካ ኽትጽበዮ ዘይከኣል ነገር’ዩ። ካልኣይ ድማ ናይዚ ህንጻ’ዚ መጻኢ እንታይ ከም ዚኸውን ባዕሉ ዝወሰኖን ኣጸቢቑ ዚፈልጥን ጐይታ ምዃኑ ኪዝንጋዕ ኣይግባእን’ዩ። ሆሳእና መዓልቲ ብኽብሪ ናብ ኢየሩሳሌም እናኣተወ፡ ናይዚ ህንጻ’ዝን ናይ ከተማ ኢየሩሳሌምን ናይ መጻኢ ጽሕፍቶ እንታይ ምዃኑ፡ እናበኸየ ብድጕዓ ገሊጽዎ’ዩ1። ከምቲ ዝበሎ ድማ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ገዛእቶም ሮማውያን ብዓመጽ ምስ ተላዕለት፡ ብሮማዊ ጀነራል፡ ብቲቶስ፡ ንዓለም ብዘስክሐ ጭካነ፡ ሰባን ህንጻኣን ከም ዝበረሰ፡ ኣብ ታሪኽ ኣይሁድ ኰነ ኣብ ታሪኽ ዓለም፡ ብዘይሃስስ ቀለም ዝተጻሕፈ ዘይርሳዕ ታሪኽ’ዩ። እንሆ ድማ እቲ መስተንክር ዝነበረ ህንጻ- መቕደስ ክሳዕ ሕጂ ኣሰር ዘይብሉ ተደምሲሱ፡ ኣብ ክንዳኡ ድማ መስጊድ ኣስላም ተሃኒጽዎስ፡ ጠንቂ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ከይከውን ኬስግእ ይነብር ኣሎ።
ጐይታ ኺድነቐሎም እናተጸበይዎ፡ ብኣንጻሩ ብዛዕባ ዕንወቱ ምስ ተበነየሎም፡ ኣብ ልቦም ሓደ ዓብይን ኣገዳስን ሕቶ ተላዕለ። ናብቲ ኣዘውቲሮም ዜዕርፉሉን ዚሓደሩሉን ደብረ-ዘይቲ ምስ ከዱ ድማ፡ ብሕት ኢሎም ናብኡ ቐረቡ’ሞ፡ “እዚ (ዝበልካዮ) መኣዝ’ዩ ዚኸውን፧ ናይ ምጽኣትካን ናይ (መወዳእታ) ዓለምን ምልክትከ እንታይ’ዩ፧” ዚብል ነባሪ ትምህርቲ ዝወለደ ሕቶ ሓተትዎ። ንሱ ድማ ነቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኪፈልጦን ኣካይዳኡ ኼማእዝነሉን ዚግባእ ትምህርቱ ኣውሓዘልና። እቲ ኣዝዩ ዜሕዝን ግና፡ ነዚ መለኮታዊ ቓል’ዚ ኣዕሚቑ ዚፈልጦ ሰብ በጻብዕ ዚቝጸር ውሑድ ምዃኑ’ዩ። በዚ ትምህርቲ’ዚ ሕይወቱ ዚመርሕን ዜማእዝንን እሞ ኸኣ፡ “ፈጺሙ የለን” ኪበሃል ዚቐልል’ዩ። ናብዚ መደምደምታ’ዚ ንምብጻሕ መጠነ-ሰፊሕን ዝርዝራውን መጽናዕቲa ክትገብር ኣየድልየናን’ዩ። ናይ ገዛእ ርእስና ዀነ ኣብ ከባቢና ናይ ዘለዉ ሰባት ቅዲ-ሕይወትb ብምዕዛብ ጥራሕ ክንበጽሖ እንኽእል መደምደምታ’ዩ። ናይ ምጽኣት ጐይታ ነገር፡ ልዕሊ ዅሉ ኣብ ቤተ ክርስትያንን ኣብ ኣባላታን’ዩ ተረሲዑ ዘሎ። ብዛዕባኡ መሰረትና ዚንቕንቕን ዚፍትሽን ስብከት ድሕሪ ምስማዕናን ምንባብናን’ውን፡ ናብ ገዛና እናተመላለስና ኸለና ፈተና እንርስዖ ኣርእስቲ ዀይኑ ተሪፉ ኣሎ። ምጽኣቱ ወርትግ እንዝክር ሰባት ምዃንና ዚፍለጥ፡ ጐይታና ሎሚ ኸም ዚመጽእ ኣረጋጊጽና ተዳሊና እንጽበዮ ሰባት ኴንና ብምንባር’ምበር እቲ ሓሳባት መዓልቲ መጸ ኣብ መትንታት ሓንጐልና ኼሽከርክር ብምፍቃድ ጥራሕ ኣይኰነን። እንተ ዀነ ዅላትና፡ እንተ ወሓደ መብዛሕትና፡ ንናይ ጐይታ ምጽኣት ካብ ናይ መቓብር ድቃስና ተበራቢርና ኢና ኽንርእዮን ክንቅበሎን። መዓስን ብኸመይን ከም እንመውት ስለ ዘይንፈልጥ፡ ሞትናስ ነንውልቅና ምጽኣት ጐይታና’ያ። ድሕሪ ሞት ኣብ ሕሉፍ ሕይወትናን መጋብርናን እነምጽኦ ዝዀነ ይኹን ለውጢ ስለ ዘየልቦ፡ ንምልክት ምጽኣት ጐይታ ኣብ ከባቢና ዘይኰነስ ኣብ ውሽጥና እንተ ደሊናዮ’ዩ ዜሕሸና።
ምልክታት ምጽኣት ጐይታ፡ እንታይ እንታይ’ዮም፧ ንምልክታት ምጽኣት ጐይታ ኣብ ክልተ ጕጅለታት ከፋፊልና ኽንርእዮም ንኽእል ኢና። እቲ ቐዳማይ ከም’ኒ ውግእ፡ ወረ ውግእ፡ ፌራ ወዘተ ዝኣመሰለ ኣብ ከባቢና ዚረኣይ ወይ ዚስማዕ ምልክታት ኪኸውን ከሎ፡ ብዛዕባኡ “ኢታብኣና (ኣይተእትወና)” ኢልና ኻብ ምጽላይ ሓሊፍና ዋላ ሓንቲ ኽንገብሮ እንኽእል የልቦን። እቲ ኻልኣይን ንሕና ጽቡቕ ጌርና ኽንዋስኣሉ እንኽእል ጕጀለ ምልከታት ግን፡ እቲ ኣብ ናይ ነፍስ ወከፍና ውልቀ-ሕይወት ዚረኣይ ናይ ምጽኣት ምልክታት’ዩ። ንርእስኻ ምዕንቃፍ፡ ንኻልኦት ምዕንቃፍ፡ ብርቱዕ ጽልኢ፡ ዝሑል ፍቕሪ፡ ኣሕሊፍካ ምውህሃብ፡ ዕዙዝ ርኽሰት ወዘተ ኺጥቀስ ይከኣል’ዩ። እዞም ምልክታት’ዚኣቶም እንተ ጸላእና ኸነርሕቖም፡ ቃሕ እንተ በሉና ኸኣ ፈቲና ናብ ውሽጥና እነስርጾምን እነንግሶምን ኣጋንንታዊ ባህርያት’ምበር፡ ንሕና ናይ ምጽኣቱ ምልክት ኴንና ምእንቲ ኸነገልግል ኣመንጊጉ ዜውሕጠና ወይ ኣገዲዱ ዜጹረና ኣካል የልቦን። ነዚ ዕለት’ዚ ተዳልዩልና ዘሎ ኣርእስቲ’ምበኣር፡ ካብ ሕይወትና ኸነርሕቖም ካብ ዚግብኣና ናይ ውልቀ-ሕይወት ምልክታት ምጽኣቱ ሓደ ዝዀነ “ተዓንቃፊ ሰብ” ብዛዕባ ምዃን ዜስተምህር’ዩ።
ሳዕቤን ዕንቅፋት ብሓፈሻ፡ ናይ መንፈሳዊ ዕንቅፋት ብፍላይከ እንታይ’ዩ፧ መብዛሕትኡ ጊዜ፡ ሳዕቤን ዕንቅፋት ከቢድን መሪርን፡ ንሓንሳእ’ውን ነባሪ ስለ ዝዀነ፡ ኣዝዩ ዜፍርህ’ዩ። ድሕሪ ዕንቅፋት፡ ዚበዝሕ ጊዜ ምውዳቕ ኣሎ። ድሕሪ ውድቀት ከኣ ምልሕሓጽ፡ መስበርቲ፡ ስንክልና፡ ሞት’ውን ኣሎ። ሰብ ብእግሪ፡ ብብሽክለታ፡ ብመኪና፡ ብመርከብ፡ ብኣውሮፕላን እናተጓዕዘ ይዕንቀፍ’ዩ። “ምግጫው፡ ምጽዳፍ” ኢልና ኽንሰምዮ መሪጽና’ምበር፡ መኪና ምስ ሰብ ወይ ምስ መኪና ኽትጋጨው ወይ ክትገጭው ከላ’ኮ ተዓንቂፋ’ላ ማለት’ዩ። እግርና ምስ ገለ ነገር ተጋጭዩ ስንከልከል ምስ በልና ወይ ምስ ወደቕናዶ’ይኰነን፡ “ተዓንቂፈ” እንብል። ነዚ ዅሉ ኣብ ዓለምና ዜጋጥም ሓደጋታት፡ ውግኣት፡ ወዘተ በቲ ሓቀኛ ስሙ ብዕንቅፋት እንተ ጸዊዕናዮ፡ ዕንቅፋት ኣብዛ ዓለም’ዚኣ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ውልቀ ሰባት ዜውርዶ ዘሎ ዕንወት፡ ብዝዀነ ዓይነት መለክዒ ብትኽክል ኪሰፍሮን ኪቘጽሮን ዚኽእል የልቦን።
እቲ ኣብ ዓለምና ዜጋጥም መንፈሳዊ ዕንቅፋት’ሞ ካብቲ ኣካላዊ ዕንቅፋት ኪግመት ብዘይክእል ዕጽፍታት ኣዝዩ ዝበዝሐ’ዩ። ዓይነቱን ክብደቱን ብዘየገድስ፡ ነንውልቅና ዜጋጥመና ኣካላዊ ዕንቅፋት፡ ምስቲ መዓልቲ መጸ ብተደጋጋሚ ዜጋጥመና መንፈሳዊ ዕንቅፋት ፈጺሙ ኺወዳደር ኣይክእልን’ዩ። ብሓሳባት ኣእምሮና፡ ብቓላት ኣፍና፡ ብተግባር ኣካላትና (ኣእዳውና፡ ኣእጋርና፡ ኣዒንትና፡ ጾታዊ ኣካላትና ወዘተ) መዓልታዊ እንዕንቀፎ መንፈሳዊ ዕንቅፋት ማእለያ የብሉን። ምጽኣት ጐይታ እናቐረበ ብዝኸደ መጠን ከኣ፡ እዚ ዕንቅፋት’ዚ ብዕጽፍታት እናወሰኸ ኪኸይድ’ዩ። ሎሚ፡ “ብኻልእ’ምበር ብኸምዝስ ኣይዕንቀፍን’የ” ኢልና ኽንተኣማመነሉ ዝጸናሕና መርገጺና፡ ሽዑ ግን ብዘይ ብእኡ ሕይወት ክትሰገርን ክትንበርን ዘይትከኣል ምስ ኰነትና፡ ርእስና’ኳ ኸይሓኸክና ብዘይ ሰገጥ-መገጥ ዘሊልና ኽንኣትዎ ኽንፍተን ኢና። ብዛዕባ እምነትካ፡ ከም ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ክሳዕ ሞት ክትጸንዕ ትኽእል ዝመስለካ ዝነበረ፡ ሰይፊ ዝተዓጥቁ ዘይኰነስ፡ “ሎሚ ንክርስቶስ እንተ ዘይከሓድካ፡ ማሕተም ናይቲ ኣራዊት እንተ ዘይተቐበልካ፡ ዝዀነት ትኹን ነገር ክትዕድግን ክትሸይጥን ኣይትኽእልን ኢኻ” ዚብል ሕጊ- ዓመጻ ኣብ ቅድሜኻ ተገቲሩ ጕልበትካን ሞያኻን ሼጥካ ደሞዝ ከይትቕበል፡ ብዝረኸብካዮ ገንዘብ ምግቢ ዓዲግካ ርእስኻን ደቅኻን ከይትምግብ ምስ ከልከለካ፡ ብጥምየት ምስ ተዋላእካ፡ ማሕደር ስኢንካ ግዳም ሓደር ምስ ኰንካ፡ ዕርቃን ምስ ኣዋረደካን ምስ ኣሳቐየካን፡ ሽዑ ፈቲኻ ክትዕንቀፍ፡ ወይ ኸኣ ንኸይትዕንቀፍ ሞትን ውርደትን ክትመርጽ ዓብዪ ፈተና ይዀነካ2። ካልእ በብዓይነቱን ማእለያ ዘይብሉን ዓንቃፊ ፈተናታት’ውን ኣሎ። እቲ ዅሉ ዚፈልጥን ንዅሉ ልብታት ዚመዝንን ጐይታ፡ “ሽዑ ብዙሓት ኪዕንቀፉዮም” ኢሉ ኣረጋጽልና’ዩ። ናትና ግደን ውሳነን ድማ፡ ምስቶም ብዙሓት ተዓንቀፍቲ ወይ ከኣ ምስቶም ውሑዳት ምስ ጐይታ ዝወገኑ ጽኑዓት ንምዃን ምምራጽን ንምርጫኻ ክትነብሮ ምኽኣልን’ዩ። ጐይታ “ብዙሓት ኪዕንቀፉ’ዮም” እናበለ፡ ንሕና’ውን ምዕንቃፍ ዘይበትከሎም ድኹማት ሰባት ክነስና፡ ብዛዕባኡ ኸይሓሰብናን ገለ ውሳነን ስጕምትን ከይወሰድና፡ ዝዀነ ነገር ከም ዘይተባህለ ዄንና ኽንነብር እንተ መሪጽና፡ ነገር-ጥዕና ኣይኰነን። ድሮ ነቲ ዝኸበደ ዕንቅፋት ተዓንቂፍናዮን ብዙሕ ተጐዲእናሉን ከም ዘለና ርጉጽ መርትዖ’ዮ።
“ምዕንቃፍ” ግን እንታይ ማለት’ዩ፧ ምዕንቃፍ ማለት “ምሕጣእ፡ ካብ ጽድቂ ምውዳቕ” ማለት’ዩ። ሰብ ኣብ ልዕሌኻ ብዝፈጸሞ በደል ናብ ምቕያምን ናብ ጽልእን እንተ ኣቲኻ፡ ብኸቢድ ተዓንቂፍካ ኣዚኻ ተሃሲኻ ኣለኻ ማለት’ዩ። ብቝንጅና ኣንጻር-ጾታኻ ተሃኒንካ ብፍትወትካ ስጋ እንተ ተቓጺልካ፡ ተዓንቂፉ ኣብ ሓዊ ኸም ዝወደቐ ሰብ ምዃንካ ኽትፈልጥ ይግባእ። በቲ ኣብ ኣካላትካ ዚፈጥሮ ናይ ባህታ ስምዒት ተመሲጥካ፡ ናይ ስእለ-ጽዩፍ (ፓርኖግራፊ) ዓሚል ክትከውን ንርእስኻ ኣሕሊፍካ እንተ ሂብካ፡ ብዓይንኻ ኽትዕንቀፍን ክትስበርን መሪጽካ ወዲ ጥፍኣት ክትከውንን ኣብ ርእስኻ ክትፈርድን መሪጽካ ኣለኻ። ንዅሉ ኣብ ምድርን ኣብ ልዕሊ ሰብን ዚኽሰት መንፈሳዊ ዕንቅፋት ዘርዚርና ኽንወጾ ኣይከኣልን’ዩ። ምዕንቃፍ ማለት ምሕጣእ ምዃኑ ብንጹር እንተ ተረዲኡና፡ ንምዕንቃፍ ኣዚና ኽንፈርሆ ኸም ዚግባእ መብርሂ ዘየድልዮ ሓቂ’ዩ። ጐይታ ብዛዕባ’ዚ ኣርእስቲ’ዚ ተዛሪብዎ ዘሎ ሃይለ-ቃል ኣዝዩ ኸቢድ’ዩ።
“መዓንቀፊ ኸይመጸ ኣይተርፍን’ዩ’ሞ፡ ወይለኣ ንዓለም ብሰሪ መዓንቀፊ። ምናዳ ነቲ ብሰሩ ስሕተት ዚመጽእ ሰብ ወይለኡ።” ማቴ 18፡7
ኣብዛ ሰይጣን ዚገዝኣን ዜመሓድራን ዓለም ምንባር ማለት፡ ኣብ መዓንቀፊ ተጸሚድካ/ተኣሲርካ ኸም ምንባር ዚቝጸር’ዩ። ንሓደ መዓንቀፊ ብዓወት እንተ ሰጊርካዮ’ኳ፡ ካልእ መዓንቀፊ ተጻዊዱ ኺጸንሓካ’ምበር፡ ትንፋስ ረኺብካ ኸተዕርፍ ክትጽበይ ኣይከኣልን’ዩ። መዓንቀፊ ኣብ መኣድና፡ ኣብ መደቀሲ ኣሚን፡ ኣብ ስራሕና፡ ትምህርትና፡ ቤተ ክርስትያንና ኣብ ኵሉ ቦታ ኣሎ። ብዝገጠመና ዅሉ መዓንቀፊ ንዕንቀፍን ንወድቕን እንተ ዄንና፡ እቲ “ወይለኣ ንዓለም ብሰሪ መዓንቀፊ” ዚብል ቃል ጐይታ ኣባና ይፍጸም ኣሎ ማለት ስለ ዝዀነ ወይለና!! ብረድኤት ጐይታ፡ ኣብ ቅድሜና ንዝተደቀነ ኵሉ መዓንቀፊ ብዓወት ንሰግሮ እንተ’ሊና ድማ ብሓቂ ብጹኣን ኢና። ምኽንያቱ ነቲ ኼውድቐናን ኬዕንወናን ዝመጸ ዕንቅፋት፡ ናብ ሰማይ ዜደይብ መሳልል ጌርና ንጥቀመሉ ኣለና። ስለዚ ዕንቅፋት፡ ነቲ ብዘይምስትውዓል ወይ ድማ ፈትዩ ዜዕንቀፈሉ ሰብ፡ ንጥፍኣቱ ኸም ዝተጻወደ ነታጕ ዀይኑ’ዩ ንዘለኣለም ዜዕንዎ። ነቲ ንመገዱ ዚጥንቀቐላ፡ ኣብዛ ናይ ዕንቅፋት ዓለም፡ ብፈሪሃ-እግዚኣብሔር ተደሪኹ ብጥንቃቐ ዚመላለስ ሰብ ግን፡ መዓንቀፊ ሓለፋ’ምበር ፈተና ኣይኰነን። ንበዳሊኡ ብትዕግስትን ምሕረትን ፍቕርን ዚሓቍፍ ሰብ፡ ካብ ተበዲሉስ ተሰሊሙ ኽትብሎ’ዩ ዚቐልልን ዚምረጽን።
ስለዚ ብሓቂ ንምድሓን ዝለበምና ሰባት እንተ ዄንና፡ ንመዓንቀፊ ኸም ወጽዓ ዘይኰነስ ከም ሓለፋ ኽንርእዮ ንኽእል ኢና።
ብምንታይ ኢና እንዕንቀፍ፧ ዓንቃፊና ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ፡ ገሌና ብሰባት ንዕንቀፍ፡ ገሌና ብዅነታት፡ ገሌና ኸኣ ብገዛእ ርእስና ኢና እንዕንቀፍ። ብገዛእ መሓውርና ወይ ብገዛእ ክዳንና ተዓንቂፍና ብኣካል ከም እንወድቕ፡ ብገዛእ ኣተሓሳስባና፡ ስምዒታትና፡ ተግባራትና ተዓንቂፍና እንወድቀሉ እዋን’ውን ብዙሕ’ዩ። ሰባት’ውን ፈጺሞም ከይሓሰብዎ፡ ወይ’ውን ኰነ ኢሎም ኪዕንቅፉና ይኽእሉ’ዮም። ዕድሜና ምሉእ፡ ዳርጋ መዓልታዊ እንምከሮ ስለ ዝዀነ፡ በዚ ነገር’ዚ ኵሉ ሰብ ክኢላ ወይ ውሕሉል (ስፐሻሊስት)’ዩ ኽንብል ንኽእል ኢና። ብሰባት ምዕንቃፍና ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ንሰባት ብምዕንቃፍ’ውን ውህሉል ተመክሮ ዘሎና ኢና። ኣብቲ ልዕል ኢልና ዘንበብናዮ ናይ ጐይታ ጥቕሲ፡ ነቲ ዚዕንቅፍ ኰነ ነቲ ዚዕንቀፍ “ወይለኡ” ተባሂሉ ኸም ዘሎ ነስተውዕል።
ገሌና ኸኣ ብዜጋጥመና ጽቡቕን ሕማቕን ኵነታት ንዕንቀፍ ኢና። ብድኽነቱ ተዓንቂፉ ናብ ስርቂ፡ ምጕርምራም፡ ባእሲ፡ ቂምታ፡ ርእሰ ቕትለት ዚወ ድቕ ሰብ ብዙሕ’ዩ። ብሕማሙ ተዓንቂፉ ናብ ኢድ ጠንቈልቲ ዚወድቕ፡ “ዘይገበረለይ፡ ዘይበጽሓኒ፡ ወዘተ” ብዚብል ስምዒት ዚጻላእ ዚቕየም፡ ስቓይ ከቢድዎ፡ ጊዜ ነዊሕዎ ርእሱ ኼዕርፍ ያኢ ሕይወቱ ዜጥፍእ፡ ንኣምላኽ ዜማርርን ዚጸርፍን’ውን ማእለያ የብሉን። ካብ ኵሉ ዝኸፍአ ኸኣ ብጽቡቕ ኵነታት ዚዕቀፍ ሰብ ምብዝሑ’ዩ። ኣምላኽ ብዝሃቦ ሃብቲ፡ ጥዕና፡ ስልጣን፡ ትምህርቲ፡ ሓይሊ ተዓንቂፉ ናብ ገሃነም ዚወድቕ’ውን ኪቝጸር ዘይክእል’ዩ። ብሰሪ’ቲ ዝረኸቦ ሰናይ ነገር ብትዕቢት፡ ብጃህራ፡ ብግፍዒ፡ ብዝሙትን ምንዝርናን፡ ብስስዐ ይህብትም። ነቲ እግዚኣብሔር ዝሃቦ ሰናይ ነገር፡ ብጽድቂ ኣመሓዲሩ ኣብ ሰማይን ምድርን ክንዲ ዚረብሓሉ፡ ብእኡ ተዓንቂፉ ውሉድ ገሃነም ናብ ምዃን ይወድቕ።
ካልእ መዓንቀፊ ኣብ ዘይብሉ፡ ብገዛእ ኣተሓሳስባናን ልምድታትናን ስምዒታትናን ተግባራትናን እንዕንቀፈሉ እዋን’ውን ውሑድ ኣይኰነን። ንእኡ እንተ ነዐርዮ፡ ዕንቅፋትና ብብዙሕ ሚእታዊት ኪጐድል ዚኽእል’ዩ። “ኣነ ክቡር ሰብ’የ’፡ ከምዝን ከምትን ዝበለ ኽብሪ ይግብኣኒ’ዩ፡ እከለ እዝን እትን ኪገብረለይ ይግብኦ” ዚብል ልዑል ርእሰ-ግምትንc ዘይርትዓዊ ትጽቢታትን እንተ ኣሕዲርና’ሞ፡ ኣጋጣሚ ዀይኑ ሰባት ማዕረ ትጽቢትና ኺገብሩ እንተ ዘይከኣሉ፡ ብገዛእ ኣእጋሩ ተሓሊኹ ኸም ዚወድቕ ሰብ፡ ኣዋድቓና ነኽፍእ ማለት’ዩ። ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሎም፡ ሃነጽቲ ዘይኰኑ ልምድታት ምስ ዚህልዉና፡ ንኣታቶም ከነዘውትሮም ዘየኽእል ኵነታት ምስ ዚፍጠር፡ ዋላ ንጊዚኡ’ውን ይኹን ንልምድታትና ኣወንዚፍና ኻልእ እዋናዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ተግባር ክንገብር ዝዕድም ሰብ ወይ ኵነታት ምስ ዚመጽእ፡ በቲ ፈቲና ዘጥረናዮ ልምዲ ተመሊኽናን ተዓንቂፍናን ካብ ምዕዋት ንበኵር፡ ብሰሩ’ውን ምስ ሰባት ክንበኣስ፡ ክንተዓዛዘብ ክንነዓዓቕ፡ ክንቀያም ንኽእል። ልማድ ኣዝዩ ገዛእን መላኽን ስለ ዝዀነ፡ ዘይንደልዮን ዘየድልይን ክንገብር፡ ክንሓጥእ ኪደፋፍኣና ይኽእል’ዩ።
ጠንቁን ዓይነቱን ብዘየገድስ፡ ንዕንቅፋት ብኸመይ ንዕወተሉ፧ እቲ ቐዳማይ ዓወት፡ በቲ መዓንቀፊ ኸይተዓንቀፍካ፡ ናብ ሓጢኣት ካብ ምውዳቕ ርእስኻ ምድሓን’ዩ። እቲ ኻልኣይን ዝዓበየን ዓወት ግን፡ ነቲ ሓጢኣትካ ኼብዝሕ ዝመጸ ዕንቅፋት፡ ብጥበብን ብምስትውዓልን ተመሪሕካ፡ ጽድቅኻ ንምዕዛዝ ክትጥቀመሉ ምኽኣል’ዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ እንተ ጸረፈካ፡ ክትገብሮ እትኽእል ውሑድ ዘይኰነ ኣማራጺታት ኣሎ። እቲ ዝኸፍአ ምርጫ፡ ደርግ ዳርጋ እናመለስካ ምጽራፍ፡ ምኽሳስ፡ ምብኣስ፡ ዝምድናኻ ምብታኽ፡ ወዘተ’ዩ። ዝሓሸ ኣማራጺ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ውሽጥኻ ዚፈልሕ ዘሎ ጕሁር ስምዒታት ንምዕጋት፡ ኣፍካ ኣስጢምካ ምዕጻዉ፡ እንተ ተኻኢሉ ኻብቲ ኸባቢ ምህዳም (ምርሓቕ)፡ ዋላ ፈጺምካ እንተ ዘይተባተኽካ ርሕቀትካ ብምሕላው ውሑድ ከባቢd ምሕንጻጽ፡ ወዘተ ዝኣመሰሉ ተግባራት’ዮም። ኣዝዩ ዝበለጸ ክርስቶሳዊ ኣማራጺ ኸኣ ኣሎ። እናጸረፈካ ምንኣድ፡ እናረገመካ ምምራቕ፡ እናረሓቐካ ምቕራብ፡ ኣብ መልትሕካ እንተ ጸፍዓካ፡ ነታ ኻልኣይቲ ምቕራብ (ካልኣይ መውቃዕቲ ንምዕጋስን ንምጻርን ድሉው ምዃን)፡ ንሱ ብሓይሊ ገለ ነገር ኪወስደልካ እንተ ደለየ፡ ዘይሓተተካ፡ ካብቲ ንሱ ዚጠልቦ ዚበዝሕ ንምሃብ ፍቓደኛ ምዃን፡ ወዘተ ዝኣመሰሉ ምርጫታት፡ ንዕንቅፋት ካብ ወጽዓ ናብ ረብሓን ሓለፋን ናይ ምልዋጥ ውህሉልን ውሕሉልን ተመክሮ ዀነ ዓቕሚ ዘጥረኻ፡ ብቑዕ ዓቐይታይ ክርስቶስ፡ ናብ ምሉእ መንፈሳዊ ብጽሕና ዝዓበኻ ብሱል ክርስትያን ምዃንካ ዜረጋግጹ ወርቃውያን ኣማራጺታት’ዮም። ዋላ ምሉእ ብምሉእ ብዓቕሚ ስጋ ጥራሕ እንተ ዘይኰነ፡ ኣብ ረድኤት ኣምላኽ ተወኪልና፡ ንምዕንቃፍ ከም ተኽእሎን ከም ኣማራጽን ዚነጽግ ጽኑዕ መርገጺ ክንሃንጽን ክንውንንን ይግብኣና። ኣቦና እዮብ በዚ ኸምዚ ልዑል ኣርኣያና’ዪ። እቲ ናብ ፍጹምነት ዘብጽሖ ጽኑዕ መንፈሳዊ መርገጺ፦
“እስትንፋሰይ ኣብ ውሽጠይ፡ መንፈስ ኣምላኽውን ኣብ ኣፍንጫይ ክሳዕ ዘሎ፡ ከናፍረይ ከቶ ሕሰም ኣይኪዛረባን፡ ልሳነይውን ሓሶት ኣይከተውስእን እያ። ንኣኻትኩም ቅኑዓት ኢኹም ምባለይስ ካባይ ይርሐቕ፡ ክሳዕ ሞተይ ካብቲ ብዘይ ጒድለት ምዃነይ ኣየግልስን። ንጽድቀይ ኣጽኒዐ እሕዞ፡ ከቶ ኣይሰዶን፡ ካብተን መዓልትታተይ ልበይ ስለ ሓንቲ እኳ ኣይነቕፈንን። ጸላእየይ ከም ረሲእ፡ ዝቃወመኒ ኸም እኩይ ይኹን።”
ብምባል ገሊጽዎ ይርከብ3። ኣብ ጸጋ ኣምላኽ ተወኪልካ ከምዚ ዝበለ መንፈሳዊ መትከል እንተ ዘይወኒንካ፡ ይትረፍ ንዕንቅፋት ክትዕወተሉ፡ ከተጕድለሉ’ውን ኣይከኣልን’ዩ።
ምጽኣት ጐይታ እናቐረበ ብዝኸደ መጠን፡ ሰይጣን ዕንቅፋትና ንምብዛሕ፡ ብዝለዓለ ዓቕሙ ኺጋደልን ኪሰልጦን ምዃኑ ጐይታ ኣረጋጊጹልና’ዩ። ኣብ ኣብ እምነቶም፡ ዝምድናታቶምን ውሁብ ኵነታቶም፡ ኣብ ኣገልግሎቶም፡ ብሓፈሻ ኣብ ኵሉ ገጻት ናይ ሕይወቶም ዚዕንቀፉ፡ ንዕንቅፋቶም ቍጽሪ ብዘይብሉ መጠን ዜብዝሑ ሰባት ማእለያ ኣይኪህልዎምን’ዩ። ኣዝዮም ውሑዳት ከኣ፡ ብዛዕባ ጐይታን እምነቶምን፡ ብዛዕባ ሰባትን ምሳታቶም ዘለዎም ጕዳያትን ኪዕወቱ’ምበር ኪዕንቀፉ ዘይመርጹ ኪዀኑ’ዮም።
እቲ መሰረታዊ ሕቶ’ምበኣር፡ “ንሕና በብውልቅናኸ ምስ’የኖት ኰን ኢና ኽንውግን፧” ዚብል’ዩ ዚኸውን። እቲ ጕዳይ ናይ ምርጫ ሕቶ ጥራሕ’ዩ። ንምዕንቃፍ፡ ከም ዘይተርፍን ንቡርን ፍጻመ እንተ መሪጽናዮ፡ ዋላ ኣብቲ ዝቐደመ ውድቀትና ኸይተንሳኣና’ውን ኣብቲ ዘለናዮ ደጋጊምና እናተዓንቀፍና፡ ዜስክሕ ናይ ዕንቅፋትን ውድቀትን፡ ናይ ዘይጽገን መስበርትን ትንሳኤ ዘይርከቦ ሞትን ታሪኽ ክንሰርሕ ኢና። “ኣይፋለይን” ዕንቅፋትን ውድቀትን ናይ ሕይወተይ ጽውዓ ኣይኰነን፡ ውሉድ ትንሳኤ’ምበር ውሉድ ሞት ኣይኰንኩን” ኢልና፡ ወገን ክርስቶስ ናይ ምዃን ክቡር ምርጫ እንተ’ልዒልና ግን፡ ጐይታን መላእኽቱን ዜኽብርዎ፡ ጻማ ዘለዎ ታሪኽ ክንሃንጽ ኢና። እምበኣር ንክርስቶስ፡ ወዲቕና ኣብ ሓጢኣትና እናንገርገርና ዘይኰነስ፡ ብጽድቅን ብጽንዓትን ደው ኢልና ንጸበዮ። ቅድሚ ምጽኣቱ ሞት ዜርክበና እንተ መሰለ’ውን፡ ብደውና’ምበር ብውዱቓትና ኣይንሙት!! ከመይሲ ድሕሪ ሞት ካብ ውድቀትካ ምትንሳእ ከቶ ኣይርከብን’ዩ። ኣባላት ናይቲ ዘይዕንቀፍን ዘይዕንቅፉን ውሑድ ወለዶ ደኣ ንኹን!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ መጋቢት 24, 2013 ግዕዝ (4 ሚያዝያ 2021) - መበል 30 ሰንበት: ቊ.36 (፴፮) |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
1ተሰ 4፡13 ፍጻ |
2ጴጥ 3፡7-15 |
ግብ 24፡1-22 |
ማቴ 24፡1-36 |
ዘአትናቴዎስ |
መዝ 49: 2-3 እግዚአብሔርሰ ገሀደ ይመጽእ፤ ወአምላክነሂ ኢያረምም፤ እሳት ይነድድ ቅድሜሁ። ኣምላኽና ይመጽእ ስቕ ድማ ኣይብልን፣ ኣብ ቅድሚኡ ዚባላዕ ሓዊ ኣሎ፣ ህቦብላ ንፋስውን ይኸቦ። |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ