S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ትምህርቲ ስነ-መለኮት ቀውዒ 2005 ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰመስተር ብዝውሃብ ትምህርትታት እንዳዓሞቐ እንዳሃብተምን ድሕሪ ምምጻእ፡ተማሂርካ ምስትምሃርብዝብል ቴማ፡ ደቂቀ እንጦንዮስ፡ ትምህርቲ ስነ-መለኮት ናብ ዝሰፍሐ ኣካል ቤተክርስትያ (ናብ ውሉደ ክህነት፡ ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ምእመናንን) ዝበጽሓሉ መገዲ ኣብ ምድላው ይርከቡ።

ልዑል ዘመናዊ ትምህርቲ  ዝቐሰሙ ካህናት፣ ድያቆናትን መማህራን ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ናይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ . ኤርትራ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ተጠቀምቲ ናይዚ ኣብ ኮለጅ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዚውሃብ ፍሉይ መደብ ካብ ዚኾኑ ራብዓይ ዓመቱ ጌሩ ኣሎ። ኮለጅ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኣብ ሕቡራት ሃገራት አመሪካ: ክፍለ ሃገር ቴክሳስ ዚርከብ ብጂኦግራፍያዊ ኣቐማምጣኡ ይኹን ብትሕዝቶኡ ከም ሽሙ ነታ ብጽርየት ስነ-መለኮታዊ ትምህርቲ እትፍለጥ መንበረ ማርቆስ ዚውክል ቅዱስ ናይ ትምህርትን ጸሎትን ቦታ እዩ።

ክሳብ ሕጂ ኣስታት 21 ኮርሳት ኪውዳእ ከሎ፡ ኣብዚ ሰመስተር እዚ ኸኣ ትምህርቲ ዶግማ 2 ክፋል (Dogmatic Theology Part-2) ሓድሽ ኪዳን 2 ክፋል (New Testament Part-2) ከምኡውን መንፈሳዊ ጉስነት (Theology of Pastoral counseling) የጠቓልል።

ኣብ ትምህርቲ ዶግማ (2 ክፋል) ታሪኻውን መንፈሳውን ትሕዝቶ ሸውዓተ ምስጢራተ ቤተክርስትያን ብዕምቆት ቀሪቡ።  እቲ ኻልኣይ ኮርስ ሓድሽ ኪዳን 2 ክፋል፡ ታሪኻውን ቀኖናውን መርትዖን፡ ሕመረት መልእኽትታት ናይ ነፍሲ ወከፍ መልእኽቲ ካብ መልእኽቲ ያዕቆብ ክሳብ ራእይ ዮሃንስ ብዝርዝር ተዋሂቡ። ኣገዳስነት እዚ ሳልሳይ ኮርስ፡ መንፈሳዊ ጉስነት (Theology of Pastoral counseling) ብፍላይ ኣብዚ ማሕበራውን ሞራላውን ቅልውላው ገኒኑሉ ዘሎ ዘመን ኣዝዩ ዓቢ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፤ ቤተክርስትያን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ቆሲሉን ተጓሳቚሉን ንዝመጸ ውላዳ፡ ብፍቕሪ እንዳሳለየት ናብቲ ልቢ ሰብ ኪዝንን ዝኽእል እንኮ መድሓንን መወዳድርቲ ዘይብሉ ሓኪምን ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኪትመርሖን፡ ከም ሽማ ናይ ዕረፍቲ ቦታ ኪትከውን ከምዝግብኣ ተገሊጹ።

ካልእ ኣገዳሲ ነጥቢተማሂርካ ምስትምሃርብዝብል ቴማ ኣብዚ ፍልጠት ቴክኖሎጂ ሰፊሑ፡ ብመራኸቢ ብዙሓን ዳርጋ ናብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ኪብጻሕ ኣብ ዝክኣለሉ እዋን፡ ተመሃሮ ስነ-መለኮት ትምህርቶም ናብ ዝሰፍሐ ኣካል ህዝብና ዝበጽሓሉ መገድታት ብዕምቆት ተዛራሪቦም።  ንኡስ ሃገረስብከት ንመንእሰያትን ውሉደ ክህነትን ዝዓለመ ዓመታዊ ናይ ስልጠና ማእከላት ብውሑድ ዓቅሚ ድሮ ጀሚርዎ ከምዝሎ ይፍለጥ። እቲ ናይ መንእሰያት መደብ ኣብ ምብራቓውን ምዕራባውን ዞብታት ኣመሪካ ዝውሃብ ኮይኑ፡ መንፈሳዊ፡ ማሕበራዊ፡ ስነ-ጥዕናን ሞያውን ምኽርታት ሓቊፉ ንሰለስተ መዓልትታ ዝካየድ ሰፊሕ መደብ እዩ። ስልጠና ውሉደ ክህነት ክኣ ብተመሳሳሊ፣ ውሉደ ክህነት ብመንፈሳውን ማሕበራውን ፍልጠት ንምዕጣቕን፡ ኣብዚ ናይ ፈተና እዋን ውሉደ ክህነት ነንሕድሕዶም ዝባላልሕሉን መደብ ኮይኑ 2-3 መዓልትታት ይካየድ። ከምቲ ነብዪ ሆሴእ ዝበሎህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ። ፍልጠት ስለ ዝኣቤኻ፡ ኣነ ድማ ካህን ከይትኾነኒ ኽኣብየካ እየ”(ሆሴእ 46) ቀንዲ ጸገም ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ድሕረት ትምህርቲ (ዘመናውን  ሃይማኖታውን ትምህርቲ) ብምዃኑ ነባሪ ፍታሕ ዚርከብ፡ ዓለም ለኻዊ መምዘኒ ዘማልአ ናይ ስነ-መለኮት ኮለጅብምኽፋት ንኣገልገልትን ምእመናን ብምስትምሃር ምዃኑ ዳርጋ ኩሎም እቶም ንቤተክርስትያንና ብቐረባ ዝፈልጥዎ ምሁራትን ለባማትን ዝሰማምዕሉ ነጥቢ እዩ። ምኽንያቱ ኣብዚ ፍልጠት ዝገነነሉ ዘመን፡ ኣብ ርድኢትን ብቑዕ ትምህርትን ዘይተሰረተ፡ ብርቱዕን ጽኑዕን እምነት ኪህሉ ኣይከኣልን፤ ቀጻልነት ቤተክርስትያንውን ኣብ ሓደጋ ኪወድቕ ከምዝኽእል ምግንዛብ የድሊ።

እዚ ኤርትራውያን ካህናትን ድያቆናትን እንዳተሳተፍዎ፣ ብመዓልታዊ ቅዲሴ፣ ጸሎተ ነግህን ጸሎተ ሰርክን እንዳተሰነየ ዝወሃብ ጽዑቕ ትምህርቲ ብሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ዮሴፍ እንዳተመርሐ፣ በቶም ዝተፈልጡ መማህራን ስነ-መልኮት ዝወሃብ ኣዝዩ ዓሚቕ ትሕዝቶ ዘሎዎ ትምህርቲዩ። ካብቲ ክልሰ-ሓሳባዊ ትምህርቲ ንላዕሊ ድማ ካብ ህይወትቶም ኣገልገልቲ ቤተክርስትያን ዓቢ ትምህርቲ ትምሃር። ምኽንያቱ ንቓል እግዝኣብሔር ብዕምቆት ይፈልጥዎ ጥራይ ይኮኑስ ይነብርሉ ድማ እዮም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጸሎት ድማ ስለቶም ስለ እምነት ተዋህዶን፣ ሕጊ ቤተክርስትያንን ምእንቲ ከይጠሓስ ኪብሉ ህይወቶም ዜወፈዩ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ 3 ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ . ኤርትራ ፍሉይ ጸሎት ይግበር ኔሩ።

እዚ ሰመስተርዚ ክሳብ ግንቦት ኪቕጽልዩ፡ ኣብ መጀመርታ መስከረም ድማ ሓድሽ ሰመስተር ኪጅምር'ዩ። እዚ ብሉጽ መደብ፡ ኣብ ከባቢና ዓይነታዊ ኣገልግሎት ከነብርክት ዚድግፍ ብምዃኑ፡ ክሉኹም ኪትምሃሩ ትኽእሉ ኣቦታት ካህናት፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ መደብኩም ከተእትውዎ ንላቦን ንመክርን።

/ስነ ጽሑፍ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ (May 22-25/2009)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div