“እቲ ኻብ ደም ኣቤል ጻድቕ ጀሚሩ፡ ክሳዕ ደም ናይ’ቲ ኣብ መንጎ ቤት መቕደስን መሰውእን ዝቐተልኩምዎ ዘካርያስ ወዲ በራክያስ፡ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ዅሉ ጻድቕ ደም ኣባኻትኩም ኪበጽሕ’ዩ። እዚ ዅሉ ነዚ ወለዶ’ዚ ኸም ዚበጽሖ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።” ማቴ 23፡35,36።
ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቘጻጽራ ግእዝ መስከረም 8 “ዘካርያስ” ተባሂላ’ያ እትጽዋዕ። እዚ ዘካርያስ’ዚ ዓሌቱ ካብ ቤት ኣሮን ዝዀነ፡ ካህን ወዲ ኻህናት’ዩ ዝነበረ። ኣብ ርእሲ’ቲ ናይ ክህነት ኣገልግሎቱ ድማ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ናይ ትንቢት ኣገልግሎት ዝጸገዎ ሓቀኛን ተባዕን ነብዪ ነበረ። ብወላዲት ኣዲኡ ድማ ካብ ዓሌት ነገስታት ይሁዳ፡ ካብ ዓሌት ንጉስ ዳዊት ነበረ። ኣዲኡ የውሻብዓት ጓል ንጉስ ዮራም (ወዲ ንጉስ ዮሳፋጥ) ነበረት። እቲ ዚቐትሎ ዘሎ ንጉስ፡ ወደ’ሙኡ ምዃኑ’ዩ። ኣቦኡ ዮያዳ ድማ ተራ ካህን ዘይኰነስ፡ ሊቀ ካህናት ነበረ። እዚ ሊቀ ካህናት’ዚ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ይሁዳ ኽልተ ዓበይቲ ታሪኽ ዝፈጸመ’ዩ። ቀዳማይ ተግባሩ ንግስነት ይሁዳ ካብ’ታ ደመኛ ንግስቲ፡ ዓታልያ ጓል ንጉስ ኣከኣብ፡ ናብ ቤት ዳዊት ዝመለሰ ጅግና ነበረ። ካልኣይ ተግባሩ ድማ፡ ንህዝቢ ይሁዳ ካብ ኣምልኾ ጣኦት ናብ ኣምልኾ እግዚአብሔር ዝመለሰ መንፈሳዊ ጅግና ነበረ፡ ኣብ ዘመኑ ኽሳዕ ዕለተ ሞቱ፡ ንጉስን መሳፍንትን ህዝብን ናይ ይሁዳ መገዶም ምስ እግዚአብሔር ኣጽኒዖም ዝተመላለሱሉ ወርቃዊ ዘመን ነበረ። ሊቀ ካህናት ዮያዳ (ኣቦ ነብዪ ዘካርያስ)ምስ ሞተ ግና እቲ ንጉስን መሳፍንቱን ተሰማሚዖም ናብ ኣምልኾ ጣኦት ተመልሱ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ’ዩ እቲ ካህንን ነብዪን ዝዀነ ወዱ ዘካርያስ፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ተመሊኡን ተደሪኹን ንንጉስን ሹማምንትን ህዝብን ናይ ይሁዳ ብትብዓት ዝገሰጾም። እዚ ታሪኽ’ዚ ኣብ ካልኣይ መጽሓፍ ዜና መዋእል ካብ ምዕራፍ 22 ክሳዕ ምዕራፍ 24 ሰፊሩ ንረኽቦ። ብዛዕባ መልእኽትን ኣማውታን ናይ ነብዪ ዘካርያስ ድማ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ሰፊሩልና ኣሎ።
“ዘካርያስ ወዲ ኻህን ዮያዳ ድማ መንፈስ ኣምላኽ ለበሰ’ሞ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ህዝቢ ደው ኢሉ በሎም፡ <ስለምንታይ ኢኹም ትእዛዛት እግዚአብሔር ዘፍረስኩም፧ ሰናይ ኣይክትረኽቡን ኢኹም። ንእግዚአብሔር ስለ ዝሓደግኩምዎ፡ ንሱ ኸኣ ሓዲጉኩም’ዩ።> ሽዑ ንእኡ ተመሓሓሉሉ፡ ብትእዛዝ ንጉስ ድማ፡ ኣብ’ቲ ኣጸድ ቤት እግዚአብሔር፡ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ። ንጉስ ዮኣስ ነቲ ኣቦኡ (ንዘካርያስ) ዝገበረሉ ምሕረት ኣይዘከሮን። ነቲ ወዱ ደኣ ቐተሎ። (ዘካርያስ) ግና፡ ኪመውት ከሎ፡ “ነዝስ እግዚአብሔር ይርኣዮ፡ ይድለዮ’ውን” በለ።” 2ዜና 24፡20-22
ከም’ታ ነብዪ ዘካርያስ ዝበላ፡ ሶርያውያን ወሪሮም ሕነ ደም ናይ’ቲ ነብዪ ኣውረዱሎም። እቶም ሹማምንቲ ይሁዳ ብምሉኦም ተቐትሉ። እቲ ንጉስ ብኸቢድ ቈሲሉ ኣብ ዓራቱ እናተሳቐየ ኸሎ ኣሞናውን ሞኣባውን ገላውኡ ብውዲት ቀተልዎ። ኵሉ ሃብቲ ይሁዳ ድማ ብምርኮ ናብ ደማስቆ ናይ ሶርያ ገዓዘ። እግዚአብሔር ንደም ናይ’ቲ ጻድቕ ነብዪ ብዜስክሕ መገዲ ሕነ ፈደዮ።
እቲ ኣብ’ዚ ዕለት’ዚ ብሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያን ዝተዘመረ “በቀዳሚ ገብረ እግዚአብሔር” ዘርእስቱ መዝሙር-ሰንበት ነዚ ጻድቕን ፍትሓውን ግብሪ ናይ እግዚአብሔር ዚገልጽ’ዩ። እቲ ነዚ መዝሙር’ዚ መሰረት ብምግባር ዝተሰርዐ ንባባት ሓድሽ ኪዳን’ውን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ጻድቃን ዚወርድ ግፍዕን መከራን እንታይ ከም ዚመስልን ማዕረ ኽንደይ መሰክሕ ምዃኑን ዚገልጽ’ዩ። እቲ ብድያቆናትና እናተመራሕና ዜዘምናዮ ምስባክ’ውን፡ እግዚአብሔር ንኣውያት ቅዱሳኑን ነቲ ዝፈሰሰ ጻድቕ ደሞምን ከም ዘይርስዖ፡ አረ ሕነ ኸም ዚፈድዮ፡ ብዛዕባ’ዚ ጻድቕን ፍትሓውን ባህርዩ’ዚ ድማ ብመዝሙር ኪውደስን ኪቕደስን ከም ዚግብኦ ዜዘክርን ዜስተምህርን’ዩ። ጐይታና ኣብ’ቲ መሪሕ ጥቕስና ገሊጹልና ኸም ዘሎ ድማ፡ ኣብ’ዛ ምድሪ ዝፈሰሰ ናይ ጻድቃን ደም፡ ሕኒኡ ኸይተፈድየ ኸም ዘይተርፍ ብዜፍርህ መገዲ ዜረጋገጸልና’ዩ። አረ’ዚ ናይ ጐይታና ሓያል መልእኽትስ ከቢድን ኣሻቓልን ሕቶ ዜለዓዕል’ዩ።
ካብ ኣቤል ክሳዕ ዘካርያስ ኣብ ዝነበረ ዘመን ናይ ዝተቐትሉ ጻድቃን ሕነ-ደም በብእዋኑ ኣይተፈድየን ድዩ፧ ንምንታይ’ዩኸ እዚ ሽዑ ዘይነበረ ወለዶ እንደገና ሕነ ደሞም ዚፍደዮ፧ እዚ ናይ እግዚአብሔር ምፍዳይ ሕነኸ ኣይበዝሐንዶ፧ ኣይከበዶንዶኸ፧ ብርግጽ እግዚአብሔር ነቲ ኣብ ጻድቃንን ንጹሃት ሰባትን ዝወረደ ግፍዕን ቅትለትን በብእዋኑ ፈድይዎ’ዩ። ንኣቤል ጻድቕ ዝቐተለ፡ እቲ ምዕባዩ ሓዉ ቃኤል’ዩ። እግዚአብሔር ንቃኤል እንተ ዘይቀተሎ’ኳ፡ ካብ ሞት ብዚኸፍእ መርገም ቀጺዕዎ’ዩ። ቃኤል’ውን ክብደት ናይ’ቲ ዝተመደበሉ መቕጻዕቲ ተረዲእዎስ፡ “በደለይ ክጾሮ ዘይከኣለኒ ዓብዪ’ዩ” ክሳዕ ምባል በጺሑ’ዩ (ዘፍ 4፡1-14)። ስለ’ዚ ምፍሳስ ደምን ሞትን ኰይኑ ስለ ዘይመጸስ፡ እግዚአብሔር ዘይቀጽዐ ኺመስለና ኣይግባእን’ዩ። ናይ ነብዪ ዘካርያስ ሕነ ደም ድማ እግዚአብሔር ብዜሰክሕ መገዲ ኸም ዝፈጸሞ ኣብ 2ዜና 24፡23-26 ብንጹር ተገሊጹ’ዩ። ዋላ ንደም ናይ’ቶም ኣብ መንጎ’ዞም ክልተ ሰባት ኣብ ዝነበረ ዘመናት ዝተቐትሉ ጻድቃን’ውን በብእዋኑ ኸም ዝተፈድየ መጽሓፍ ቅዱስ ዘርዚሩ’ዩ ዚትርኸልና።
ጐይታና ኣብ መሪሕ ጥቕስና ገሊጽዎ ዘሎ ሓሳብ ግና፡ እቲ ናቱ ወለዶ ነቶም ካብ ኣቤል ክሳዕ ዘካርያስ ዝነበሩ ጻድቃን ከም ዝቐተለ ገይሩ’ዩ፡ “ዝቐተልኩምዎ” ብምባል ገሊጹ ዘሎ። ቀተልቲ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ተፈደይቲ ሕነ’ውን ምዃኖም ኣግሂዱ ነገሮም። ንጹህ ደም ድማ ኣሽንኳይ ናይ ኣእላፋት ሰባት ተደሚሩ፡ ናይ ሓደ ውልቀ ሰብ ደም’ኳ ከመይ መሪር ፍዳ ኸም ዜውርድ፡ በዛ ናይ ነብዪ ዘካርያስ ጥራሕ እኹል መረዳእታ ንረክብ ኢና። እዚ ኣብ ዘመን ጐይታና ዝነበረ ወለዶ፡ ውሉድ ናይ’ቶም ቀተልቲ ጻድቃን’ዩ ዝነበረ። ካብ’ቶም ዝፈረይዎ ወለዶታት ዚሓይሽ ባህርይን ግብርን ዘይነበሮ፡ ደም ጻድቃን ዚጸምእ ወለዶ’ውን ነበረ። ስለ’ዚ ኸኣ ጐይታና ኸም’ዚ ዚስዕብ ብምባል ንመንነቶም ኣፍለጦም።
“ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ መቓብር ነብያት ትሰርሑ፡ መቓብር ጻድቃን’ውን ትስልሙ ኣለኹም’ሞ፡ ወይለኹም!! “ብዘመን ኣቦታትና ኔርና እንተ ንኸውንሲ፡ ኣብ’ቲ ደም ነብያት ኣይምተጸምበርናን ኔርና” ትብሉ ኣለኹም። እምበኣርስኸ ደቂ ቐተልቲ ነብያት ምዃንኩም ባዕላትኩም ትምስክሩ ኣለኹም። ንስኻትኩም’ውን መስፈር ኣቦታትኩም መልኡ። ኣቱም ኣትማን፡ ውሉድ ናይ’ቲ መንደላይ ተመን፡ ከመይ ጌርኩምከ ኻብ ፍርዲ ገሃነም ክትመልቁ (ትኽእሉ)፧ ስለ’ዚ እንሆ፡ (ሕጂ’ውን) ነብያትን ጠቢባንን ጸሓፍትን እልእከልኩም ኣለኹ። ንገሊኦም ትቐትሉን ትሰቕሉን፡ ንገሊኦም ከኣ ኣብ ቤት ጸሎትኩም ትገርፍዎም፡ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ’ውን ትሰጕጉዎም ኣለኹም።” ማቴ 23፡29-34
ጐይታና፡ ነዚ ድሕሪ ምዝራቡ’ዩ፡ ነቲ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ዘሎ ፍርዳዊ ቓል ዝተዛረበ። እቲ ወለዶ’ቲ ነቲ ኣቦታቱ ዝገበርዎ ዅሉ ቕትለትን ግፍዕን እናፈጸመ ኸሎ፡ ነብያትን ጻድቃንን ዜፍቅር መሲሉ ምእንቲ ኺረኣይ ግን፡ ነቶም ኣቦታቱ ዝቐተልዎም ጻድቃን ውሩዕ (ስሉም) መቓብር እናሰርሐ ግብዝነቱ ይቐልዕ ነበረ። ነቲ ናይ ኣቦታቱ ናይ ደም መስፈር ግና ይመልኦ ደኣ ነበረ። እቲ “መንደላይ ተመን” ዚበሃል ዘሎ፡ ድያብሎስ ባዕሉ’ዩ። ጐይታና ድማ ግብሪ ናይ’ዚ መንደላይ ተመን እንታይ ምዃኑ፡ ነቶም ቀተልቲ ጻድቃን ንምንታይ “ኣትማን፡ ውሉድ ናይ’ቲ መንደላይ ተመን” ከም ዝበሎም ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹሎም ኣሎ።
“ንስኻትኩም ግብሪ ኣቦኹም ደኣ ትገብሩ ኣለኹም፡ ..... ንስኻትኩም ካብ’ቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም። ነታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩ’ውን ትደልዩ ኣለኹም። ንሱ ኻብ መጀመርታ (ኣትሒዙ) ቐታል ነፍሲ’ዩ። ...... (እቲ ሰራቒ ድያብሎስ) ኪሰርቕን ኪሓርድን ኬጥፍእን (እንተ ዘይኰይኑ) ኣይመጽእን’ዩ።” ዮሃ 8፡41,44 ፣ 10፡10
ስለ’ዚ ናይ’ቲ ኣቦኦም ድያብሎስ ትምኒትን ግብርን ይፍጽም፡ ነቲ ኣቦታቱ ኺመልእዎ ዝጀመሩ ናይ ደም ጽዋእ ይመልእ ስለ ዝነበረ ሕነ ደም ናይ ኵላቶም ጻድቃን ኣብኣቶም ኪወርድ፡ ፍትሓውነት ናይ እግዚአብሔር ዜመስክር ቅኑዕ ውሳነ’ዩ። ናይ ሓደ ድያብሎስ ኣገልገልቲ፡ ናይ ሓደ መስፈር መላእቲ ስለ ዝዀኑ፡ ናይ ሓንቲ ፍርዲ ተኻፈልቲ ኪዀኑ ናይ ግድን’ዩ። ደሓር ከኣ ናይ’ቲ ርእሲ ዅሎም ነብያትን ካህናትን ጻድቃንን ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ደም ዜፍስስ ወለዶ፡ እዚ ወለዶ’ዚ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ዝኸፍአ ወለዶ’ዩ። ደም ናይ’ቶም ዝተቐትሉ ጻድቃን ብምሉኡ ተደሚሩ፡ ክንዲ ሓንቲ ነጥቢ ደም ናይ ጐይታና ኸም ዘይከውን ኣይንዘንግዕ። ምኽንያቱ ደም ናይ’ቶም ጻድቃን፡ ደም ሰብ ጥራሕ ኪኸውን ከሎ፡ ደም ክርስቶስ ግና ደም ናይ’ቲ ስግው መለኮት’ዩ። ናይ’ቶም ጻድቃን ደም፡ ደም ባሮት-ኣምላኽ’ዩ። ደም ክርስቶስ ግና፡ ደም ወዲ ኣምላኽ፡ ደም ንጉስ’ዩ። ጐይታና ነዚ ዅነታት’ዚ ኣብ’ቲ “ምስላ ኣታኽልቲ ወይኒ” ዝተሰምየ ትምህርቱ ብስእላዊ መገዲ ገሊጽዎ ኣሎ (ማቴ 21፡33-46)። እቲ ኣረማዊ ሮማዊ በዓል ስልጣን ጲላጦስ፡ “ኣነ ኻብ ደም ናይ’ዚ ጻድቕ’ዚ ንጹህ’የ” ምስ በሎም፡ “ደሙ ኣባናን ኣብ ደቅናን ይኹን” ኢሎም ርእሶም ዝዀነኑን ከይተረድኦም ኣብ ገዛእ ርእሶም ቅኑዕ ዝፈረዱን ዓያሱ’ዮም (ማቴ 27፡24,25)።
“ጻድቕ ደም” ዚበሃል ግን ናይ መን ደም’ዩ፧ ኣብ ሓጥኣን ንዝተፈጸመ ግፍዕን ቅትለትንከ እግዚአብሔር ኣይፈድዮን ማለት ድዩ፧ “ጻድቕ ደም” ወይ “ንጹህ ደም” ዚበሃል ብሞት ወይ ካልእ መቕጻዕቲ ዜቕጽዖ በደል ዘይፈጸመ፡ ቅጽዓት ኪቕበል ብኣምላኽ ዘይተፈርዶ ሰብ ማለት’ምበር፡ “ጻድቕ ናይ ዝዀነ ሰብ ደም” ማለት ጥራሕ ዘይምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር’ዩ ዚገልጸልና። እግዚአብሔር ንደም ናይ’ቶም ጻድቃን ዝዀኑ ሰባት’ምበር፡ ንደም ናይ’ቶም ሓጥኣን ሕነ ዘይፈድይ እንተ ዚኸውን፡ ባዕሉ “ፍትሓዊ’የ” ኺብልን፡ ብሰብ “ፍትሓዊ’ዩ” ኺበሃልን ኣይምበቕዐን ነይሩ። እግዚአብሔር ግና፡ ክብሪ ንእኡ ይኹን፡ ብፍትሓውነቱ ዝዀነት ትኹን ኣበርን መንቅብን ዘይትርከቦ ፍጹምን ጻድቕን ኣምላኽ’ዩ። እቲ ንእግዚአብሔር ዝነዓቐን ንሓዉ ዝቐተለን ቃኤል፡ “ዝረኸበኒ ዘበለ ኪቐትለኒ’ዩ” ምስ በሎ፡ “ጽቡቕ፡ ድፍእ የብሉኻ፡ ኢድካ’ዩ” ኣይበሎን። ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ፡ “ንቓኤል ዝቐተለ ዅሉ፡ ሾብዓተ ኻዕበት (ሾብዓተ ዕጽፊ) ሕነ ኺፍደዮ’ዩ” ዚብል ዜገርም ፍርዲ ፈረደ። ዝረኸቦ ዅሉ ምእንቲ ኸይቀትሎ ኸኣ፡ ንቃኤል ምልክት ብምግባር ተኸላኸለሉን ሓለዎን (ዘፍ 4፡14,15)። ሓደ፡ እንተ በዝሐ ኸኣ ክልተ ኻዕበት ዘይኣኽሎ፡ ንምንታይ ሾብዓተ ዕጽፊ ዚፈድየሉ፧ ንበዳሊኡ፡ ንኸም’ዚ ዝበለ ዝኸፍአ ሓጥእ ሰብ፡ ብፍትሒ ዜናብር ብሕያውነት ዚሕልውን ዚከላኸልን ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ኣምላኽ’ዩ፧ ፍትሒ ኣምላኽ ልዕሊ ዓቕሚ ኣእምሮና ዚምጠጥ እምብዛ ረቀቕ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ብዛዕባ ሰባት፦
“እዚኣቶም መገዲ እግዚአብሔርን ፍትሒ ኣምላኾምን ዘይፈልጡ’ዮም’ሞ፡ ድኻታትን ዓያሱን’ዮም።”ዚብል (ኤር 5፡4,5)።
እቲ ኣብ ጊብዖናውያን ዝተፈጸመ ታሪኽ’ውን ብዛዕባ’ቲ ፍጹም ፍትሓውነት ናይ እግዚአብሔር ዜገርም መረዳእታ ዚህበና’ዩ። ጊብዖናውያን ካብ’ቶም ኪጸንቱ ዝተፈርዶም ከንኣናውያን ኣህዛብ ሓደ’ዮም። እንተ ዀነ ብሓሶት ኣታሊሎም እያሱ ብስም እግዚአብሔር ምሒሉ ኸይቀትሎም ኪዳን ኪኣተወሎም ዝገበሩ ህዝቢ’ዮም። ብተለሎ (ምትላል) ዝተኣትወ ኺዳን’ኳ እንተ ዀነ፡ ብስም እግዚአብሔር ዝተፈጸመ ኺዳን ስለ ዝነበረ፡ ነዛ ኺዳን’ዚኣ ዘፍረሰ እስራኤላዊ ንጉስን ህዝብን ምስ እግዚአብሔር’ዩ ዚበኣስ። ነቲ ዝርዝራዊ ታሪኽ ካብ መጽሓፍ እያሱ ምዕራፍ ትሽዓተ ኽንረኽቦ ንኽእል ኢና። እቲ ምስትውዓል ዝጐደሎን ዓለወኛን ንጉስ ሳኦል ግና፡ ኬጽንቶም ኢሉ ብዙሓት ቀተለሎም። በዚ ኸኣ ጊብዖናውያን ኣዝዮም ሓዘኑ፡ እግዚአብሔር ከኣ ኣዝዩ ተቘጥዐ’ሞ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እስራኤል ፈረደ። እቲ ፍርዲ ኸኣ ድሕሪ ምፍራስ መንግስትን ሞትን ናይ ሳኦል፡ ኣብ ዘመነ ንጉስ ዳዊት ተፈጸመ። ንሰለስተ ዓመታት ዚኣክል ብኸቢድ ደርቅን ጥምየትን ቀጽዖም። በዚ ፍርዲ’ዚ ብዙሓት ካብ ህዝቢ እስራኤል ብሞት ከም ዝረገፉ ጥርጥር የልቦን። ቅዱስ ዳዊት እቲ መዓት ጠንቂ ኸም ዘለዎ ተረዲኡ፡ ብጸሎት ገጽ እግዚአብሔር ምስ ደለየ ግና እግዚአብሔር፦
“እዚ (መዓት’ዚ) ብሰሪ ሳኦልን ብሰሪ’ታ ደም ዘለዋ ቤቱን፡ ንጊብዖናውያን ስለ ዝቐተሎም’ዩ።”በሎ (2ሳሙ 21፡1)። ንጉስ ዳዊት ንጊብዖናውያን ጸዊዑ፡ “ንርስቲ እግዚአብሔር (ንህዝቢ እስራኤል) ክትምርቑስ እንታይ ክገብረልኩም ብምንታይከ ዕርቂ ኽገብር’የ፧ ..... ነቲ እትብልዎ ኽገብረልኩም’የ” ምስ በሎም፦
“ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ሳኦልን ቤቱን ናይ ብሩርን ወርቅን ነገር የብልናን፡ ኣብ እስራኤል’ውን ሰብ ክንቀትል ኣይግብኣናን’ዩ። ....... እቲ ዝወድኣናን፡ ኣብ ኵሉ ዶብ እስራኤል ከይንነብር፡ ምእንቲ ኽንጸንት እተተናዀለናን ሰብኣይ፡ ኣብ’ታ እግዚአብሔር ዝሓረያ ጊብዓ ናይ ሳኦል ንእግዚአብሔር ክንሰቕለሉስ፡ ካብ ደቁ ሾብዓተ ሰባት ይሃቡና።”
በልዎ (2ሳሙ 21፡4-6)። ንጉስ ዳዊት ከም’ታ ዝበልዎ ሃቦም’ሞ፡ ንደቁ ኣብ ዕንጸይቲ ሰቒሎም ቀተልዎም። በዚ ኸም’ዚ ኸኣ ሕነ ደም ጊብዖናውያን ኣብ ልዕሊ ቤት ሳኦል ተፈድየ። ንጉስ ዳዊትን ህዝቡን ናብ እግዚአብሔር ምስ ተማህለሉ ኸኣ፡ እግዚአብሔር ነታ ሃገር ተለመና’ሞ፡ እቲ ኸውሒ ዀይኑ ዝነበረ ሰማይ ዝናም ሃበ፡ (2ሳሙ 21፡14)። እግዚአብሔር ከም ንህዝቢ ከንኣን ገይሩ ዝጸልኦን ኪጠፍእ ዝፈረዶን ሓጥእ ህዝቢ ኣይነበረን። ብዘይ ፍትሒ ብማሕላ ዝተኣትወ ኺዳን ፈሪሱ ግፍዒ ምስ ወረዶም ግና፡ ንደሞም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እስራኤልን ቤት ሳኦልን ፈደዮ። ንጉስ ኣከኣብን እታ ጨካን ሰበይቱ ኢዛቤልን ንሓደ ድኻ ናቡተ ብግፍዒ ቐቲሎም ርስቱ ምስ ወረሱ፡ ኣብ ልዕሊ ቤት ኣከኣብ እንታይ ከም ዝፈረደን ብኸመይ ከም ዝተግበሮን ቅዱስ መጽሓፍ መሃሪ ብዝዀነ ኣገባብ ኣዘንትዩልና ኣሎ (1ነገ 21፡1-26 ፣ 22,34-38 ፣ 2ነገ 9፡24-27,30-37)፡፡
እግዚአብሔርከ ሕነ ናይ’ቶም ደሞም ናብ መሬት ዝተኻዕወ ጥራሕ ድዩ ዚፈድይ፧ እቶም ደም ብዘየፍስስ ኣገባብ ዝተቐትሉኸ ሕነ ይፍደየሎም ድዩ፧ ምስ ቅትለት ንዘይተሓሓዝ ግፍዕታትከ ይፈድዮ ድዩ፧ እቲ “ምፍሳስ ደም” ዚብል ቃል፡ ነቲ “ቕትለት ወይ ሞት” ዚብል ቃል ዚውክል’ምበር፡ ካልእ ትርጉም የብሉን። ብሰይፊ፡ ብጥይት፡ ብዳርባ እምኒ ንዝተቐትለ ሰብ ሕኒኡ ፈድዩ፡ ብገመድ ተሓኒቑ፡ ተመሪዙ፡ ብጥምየት ሓሊቑ ንዝሞተ ግና ዘይፍደየሉ እንተ ዚኸውን፡ ካብ ናይ ሰብ’ኳ ዚኸፍእ ፍትሒ ምዀነ ነይሩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያናንና ነቶም ብዘይ ምፍሳስ ደም ዝተቐትሉ ቅዱሳን “ሰማዕት ዘእንበለ ደም” እትብለሉ ምኽንያት ንሱ’ዩ። ናይ ኣቦና ቅዱስ እንጦንዮስ ሰማእትነት ብዘይ ደም ዝተፈጸመ’ዩ።
እግዚአብሔር ንዅሉ እኩይ ግብሪ ድማ’ምበር፡ ንቕትለት ጥራሕ ኣይኰነን ዚፈድዮ። ካብ’ታ ተራ ናይ ልሳን ጸርፍን ጸለመን ክሳዕ’ቲ ዝለዓለን ዝኸፍአን ቅትለት ንዅሉ ብፍትሒ’ዩ ዚፈድዮ። እቲ ብምፍሳስ ደም ይኹን ብዘይ ምፍሳስ ደም ዚፍጸም በደላት፡ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዘለኻ ንኣኻ፡ ብድሕረኻ ድማ ንወለዶታትካ’ዩ ዜሳድድ። ነብዪ ህዝቅኤል ንኽብደት ኣበሳ ናይ ምፍሳስ ደም ብስእላዊ መገዲ ኣብሪሁልና ኣሎ።
“ናይ ሓዋሩ ጽልኢ ስለ ዝነበረካ፡ ንደቂ እስራኤል በቲ ጊዜ ጸበባኦምን በቲ ኣበሳኦም እተፈጸመሉ ጊዜን ንኣደዳ ሰይፊ ስለ ዝወፈኻዮም፡ ስለ’ዚ፡ <ኣነ ህያው’የ > ይብል እግዚአብሔር፡ ንደም ክውፍየካ’የ፡ ደም ከኣ ኪሰጕጐካ’ዩ፡ ደም ኣይጸላእካን’ሞ፡ ደም ኪሰጕጐካ’ዩ።” ህዝ 35፡5,6
እምበኣር ደም ምፍሳስ፡ ብግፍዒ ነፍሲ ሰብ ከም እትሓልፍ ምግባር፡ መሪር ሳዕቤን ዘለዎ ናይ ዓያሱ ተግባር ምዃኑ ኪስወረና ኣይግባእን። እግዚአብሔር ብነብዪ ሙሴ ገይሩ፦
“ደም ምፍሳስ፡ ነታ ሃገር የርክሳ’ዩ’ሞ፡ ነታ ዘለኹምዋ ሃገር (ብደም) ኣይተርክስዋ። እታ ብደም ዝረኸሰት ሃገር፡ (ብምፍሳስ ደም ናይ’ቲ) ደም ዝኸዓወ (ሰብ ወይ ህዝቢ)’ያ እትነጽህ።”
ብምባል፡ ክፍኣትን ሳዕቤንን ናይ’ዚ ኣበሳ’ዚ ኣነጺሩ ገሊጹልና’ዩ10። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነቲ መዝሙር፡ ነቲ ምስባክ ኰነ ነቲ ንባባት ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ምስ ምፍሳስ ደም ኣተሓሒዛ ዘቕረበትሉ ምኽንያት ድማ፡ ንርእስናን ንወለዶታትናን ንምድርናን ካብ’ዚ ሰራም ኣበሳ’ዚ ምእንቲ ኸነድሕን’ዩ።
ሳዕቤን ናይ ምፍሳስ ደም፡ ደም ናይ’ቲ ቐታሊ ስለ ዝፈሰሰ ጥራሕ የብቅዕ ድዩ፧ ወይስ ነባሪ ሳዕቤን’ውን ኣለዎ’ዩ፧ ነዚ ኣበሳ’ዚ ኣዝዩ ዝኸፍአ ዚገብሮ ደኣ፡ እቲ ነባሪ ሳዕቤኑ እንድኣሉ። እቲ ቐታሊ ዝተፈድዮ ኸይኣክል፡ እቶም ወለዶታት ናይ’ቲ ቐታሊ’ውን እናተፈድይዎ’ዮም ዚነብሩ። ነቲ ናይ ኣቤል ጻድቕ ደም፡ ቃኤል ኣኺሉ ኽሳዕ ዚተርፎ ተፈድይዎ ኽነሱ፡ እቶም ኣብ ዘመን ጐይታ ዝነበሩ ወለዶታት’ውን ከም ዚፍደይዎ፡ እቲ ፈራዲ ጐይታና ባዕሉ ኣፍሊጡና’ዩ። ምኽንያቱ በቲ መቕጻዕቲ ለቢሞም ብንስሓ ኣብ ክንዲ ዚምለሱ፡ ኣብ’ቲ ናይ ኣቦታቶም ተግባር ስለ ዝቐጸሉ፡ ናይ’ቲ ባዕላቶም ዘፍሰስዎ ውዑይ ደምን፡ ናይ’ቲ ኣቦታቶም ዘፍሰስዎ ጥንታዊ ደምን ሕነ እናተፈድይዎ ይነብሩ። ነታ ናይ ኣቦታትካ መስፈር ትመልእ እንተ’ሊኻ፡ እታ መስፈር ኣብ ልዕሌኻ እትግልበጠሉ ምዱብ ጊዜ ምስ ኣኸለ፡ ናትካን ናይ ኣቦታትካን’ዩ ዚግልበጠካ’ምበር፡ ነተን ናትካ ፈልዩ ጨብ ኣየብለልካን’ዩ። ንስኻ ነቲ ናይ ኣቦታትካ ኽትቅጽሎ እንተ ዘየጽሊኡካ፡ እቲ ፈዳዪ ኣምላኽ ናይ ኣቦታትካ ፍዳ ኣብ ልዕሌኻ ካብ ምፍሳስ ዚንሕፈካ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የብሉን። ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ታሪኽ ህዝብታት ዓለም ነዚ ሓቂ’ዚ’ዩ ደጋጊሙ ዜረጋግጸልና።
እዚ ዘየባትኽ ፍርዲ’ዚ መዓስ’ዩ ዜብቅዕ፡ ንምዃኑኸ መወዳእታ ኣለዎ ድዩ፧ ነዚ ፍርዲ’ዚ መኸተምታ ዚገብረሉ፡ ሓቀኛን ግብራውን ንስሓ ጥራሕ’ዩ። ንንስሓ እንተ ተሓሲምናዮ ግን፡ እቲ ደም ንዘለኣለም እናሰጐጐና’ዩ ዚነብር። ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ’ዚ ምድሪ ዝተፈደናዮ፡ ኣብ ገሃነም’ውን ንዘለኣለም እናተፈደናዮ ኢና ንነብር። ነታ ኣቐዲምና ኣብ ማቴ 23፡33 ዘንበብና’ያ፦
“ኣቱም ውሉድ መንደላይ ተመን፡ ከመይ ጌርኩምከ ካብ ፍርዲ ገሃነም ክትመልቁ፧” ዝበላ ቓል ፈጺምና ኣይንረስዓያ። ስለ’ዚ እቲ ብምፍሳስ ደም ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ እትፍደዮ ፍርዲ፡ ናብ ገሃነም ደኣ’ዩ ዜፋንወካ ዘሎ’ምበር፡ ነቲ ናይ ፍርዲ ሕሳብካ ኣይዓጽዎን’ዩ። ስለ’ዚ ኻብ’ቲ ናይ ምፍሳስ ደም ፍርዲ፡ ብንስሓ ብደም ክርስቶስ ተሓጺብና እንተ ዘይነጻህና፡ ንዘለኣለም ክንፍደዮ ኽንነብር ኢና። ምኽንያቱ ዝዀነ ይኹን ሓጢኣት፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ዚፍጸም በደል ስለ ዝዀነ፡ ፍርዱ’ውን ዘለኣለማዊ ስቓይን ሞትን’ዩ (መዝ 51፡3,4)። ትእዛዛቱ ኣፍሪስና ንሰባት ብምብዳልና ኢና እንብድሎ’ምበር፡ ንኣምላኽ ደኣ ኣበይ ክንረኽቦ፧ እቲ ኣብ ሰባት እንገብሮ ጽቡቕ ይኹን ክፉእ ተግባር፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዚፍጸም ጐይታና ኣረጋጊጹልና’ዩ (ማቴ 25፡34-46 ፣ 10፡40,41 ፣ ግብ 9፡4,5 ፣ 1ተሰ 4፡8)።
ፈጺምና ኽንዝንግዖ ዘይግብኣና ሓቂ ድማ፡ ብሕነ ደም እንፍደይ፡ ናይ ግድን ባዕላትና ዘፍሰስናዮ ደም ኪኸውን ኣየድልን’ዩ። ሳኦል ዘፍሰሶ ደም ጊብዖናውያን፡ ንሱ ጥራሕ ዘይኰነ ደቁን ህዝቡን’ዮም ተፈድዮምዎ። ስለ’ዚ መራሕትና ዝፈጸምዎ ዅሉ ቕትለትን ግፍዕን፡ ብውልቂ ይኹን ብጕጅለታት ዚፍጸም ምፍሳስ ደም፡ ኵላትና ሓቢርና ኸም ህዝቢ ኢና ንቕጽዖ’ምበር፡ እቶም ፈጸምቱ ጥራሕ ኣይኰኑን። ዋላ ብኢድና ባዕላትና እንተ ዘይፈጸምናዮ’ኳ፡ ነቶም ቀተልቲ ብምድጋፍን ብምጥቓዕን፡ ብዝተፈላለየ መገዲ ነታ ዓመጸኛ ኢዶም ክትጸንዕ ብምግባር፡ ነቲ ዚፍጸም ዘሎ ግፍዕን ምፍሳስ ደምን “ዓገብ” ኢልና ብዘይ ምቅዋም፡ እቶም ደም ዜፍስሱ ሰባት ነቲ ግፍዖም ምኽኑይ ንምግባር ዚደርስዎ ሓሶት ብልሳንካ ምቅላሕ፡ ብኢድካ ደም ካብ ምፍሳስ ዘይንእስ ኣበሳ ምዃኑ፡ ኣብ ዘይወዓልካዮ ቕትለት ፈቲኻ ባዕልኻ በቲ ዝፈሰሰ ደም ኢድካ ምጽያቕ ምዃኑ ኪስወረና ኣይግባእን።
እምበኣር፡ ኢድና ይኹን ልሳንና በቲ ዝፈሰሰ ደም ንጹሃትን ግፉዓትን ከም ዘይተጸየቐ ነረጋግጽ። ኢድካ ብደምን ግፍዕን ናይ ንጹሃት ጠልቅዩ ኽነሱ፡ ከም ጲላጦስ “ኣነ ኻብ ደም ናይ’ዞም ንጹሃት ሰባት ንጹህ’የ” ኢልካ ምምጽዳቕ ወጽዓ’ምበር ረብሓ ስለ ዘይብሉ፡ ብመሪሕነት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንናን ኣገልገልታን፡ ብዛዕባ እንፈልጦን ዘይንፈልጦን ብዝቐደሙ ወለዶታት ኰነ በዚ ናትና ወለዶታት ብዛዕባ ዝተፈጸመ ምፍሳስ ደም ሓቀኛን ግብራውን ንስሓ ንፈጽም። እዚ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት (decades) እናቘጸረ ንዘዝፈረናዮ ወለዶ ብውግእ እናለቝመጸ መበለታትን ዘኽታማትን ናይ ወላድ መኻናትን እናገበረ ዜሳቕየናን ዜጽንተናን ዘሎ፡ ኣብ ዘመን ቀዳሞት ኣቦታትናን ንሕና ባዕላትና ኣብ ዘርከብናሉ ዘመናትን ዝፈሰሰን ዚፈስስ ዘሎን ማእለያ ዘይብሉ ደም ንጹሃት ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ኣይንኽሓዶ ኸኣ። ኣብ ገዛእ ሃገርና ኣብ ዘመነ “ሓርነት” ብዝተናውሐን መሪርን ዝዀነ ግፍዕን መከራን ክንነብር ዚገብረና ዘሎ፡ ገዛእ ምድርና ተፊኣትና ዘላ፡ ዘርኢ ምድሪ ዄንና ናብ ምሉእ ዓለም ንብተን ዘለና፡ ኣብ ዝኣተናዮ ሃገር ውርደትን ግፍዕን መናብርትና ዀይኑ ዘሎ፡ ኣብ ሃገር ዕረፍትን ራህዋን ኣቲና’ኳ ብጭንቀትን ቅዛነትን ተናዊጽና፡ ብጽላለ ተወቒዕና ገዛእ ርእስና ኽንቀትል ንሓድሕድና ኽንቃተል ዚገብረና ዘሎ፡ እቲ ዝፈስስ ደም ናይ ኣእላፋት ንጹሃት ሰባት ናብ ዝኣተናዮ ዅሉ ደድሕሬና ስዒቡ የሳድደናን ይስጕጐናን ስለ ዘሎ’ዩ። እምበኣር መዓትናን ስቓይናን ኪዛርይ፡ ብቕሳነት ክንነብር፡ ናይ ነፍስን ስጋን ዕረፍቲ ኽንረክብ ንደልይ እንተ ዄንና፡ በብውልቅና ብዛዕባ ገዛእ ሓጢኣትናን ሓጢኣት ዝቐደሙ ወለድናን ሓቀኛ ንስሓ ንነሳሕ። ከምኡ’ውን ብደረጃ ምልእቲ ቤተ ክርስትያን ኰነ ብደረጃ ሃገርን ህዝብን ሓቀኛን ግብራውን ንስሓ ንእተው። እቲ ጥፍኣትናን ስቓይናን ዘይፈትው መሓሪ ኣምላኽ፡ ነተን ቅዱሳት ኣእዳዉ ዘርጊሑ ብሕያውነትን ትዕግስትን ይጽበየና ኣሎ። ንሕውየትና ብንስሓ ነቀላጥፎ’ምበር፡ ንስቓይናን ጥፍኣትናን ብዕሽነትና ኣይነብዝሓዮ፡ ኣይነንውሓዮ ኸኣ።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ መስከረም ፰, ፳፻፲፭ ግዕዝ (18 መስከረም 2022 ፈ) [2ይ ሰንበት: ቊ.5/፭, 2022] |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ |
||||
ዲያቆን |
ንፍቅ ዲያቆን |
ንፍቅ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
እብ 11፡32-ፍጻመ | 1ጴጥ 4፡12-ፍጻመ | ግብ 19፡1-7 | ማቴ 23፡29-ፍጻመ | ዘኤጲፋንዮስ |
መዝ 9፡11,12: “ወንግርዎሙ ለአሕዛብ ምግባሮ። እስመ ተዘከረ ዘይትኀሠሥ ደሞሙ። ወኢረሥዐ አውያቶሙ ለነዳያን።” “እቲ ሕነ ደም ዚፈድይ ዘኪርዎም፡ ንኣውያት ጥቑዓት ከኣ ኣይርስዖን’ዩ’ሞ፡ ነቲ ኣብ ጽዮን ዚነብር እግዚአብሔር ዘምሩሉ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ግብርታቱ ንገሩ።” |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ