“ምናልባሽ ንስኻ፡ ‘ኣነ ምእንቲ ኽትከል’ዮም እቶም ጨናፍር እተሰብሩ፡’ ትብል ትኸውን። ጽቡቕ፡ ንሳቶም ሰኣን ምእማኖም ተሰብሩ፡ ንስኻ ግና ሳላ ዝኣመንካ ደው ኢልካ ኣለኻ። ፍራህ ደኣ’ምበር ብልብኻ ኣይትተዓበይ። ኣምላኽ ነቶም ብባህርዮም ጨናፍር ዝነበሩ ኻብ ዘይነሓፎም፡ (ብሰሪ ትዕቢትካ) ንኣኻ’ውን ኣይኪንሕፈካን’ዩ።” ሮሜ 11፡19-21
ነዚ ናይ ዘመነ-ጽጌ ሳልሳይ ሰንበት ተሰሪዑ ዘሎ መዝሙር-ሰንበት “ወመኑ መሐሪ ዘከማከ” (መን’ዩ ከማኻ መሓሪ) ዚብል’ዩ። ነዚ መዝሙር’ዚ መሰረት ብምግባር ተሰሪዖም ካብ ዘለዉ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ሓደ ድማ፡ እዚ ናይ ሮሜ 11፡13-28 ንባብ’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ መልእኽቲ’ዚ ናብ’ቶም ሮማውያን ኣህዛብ ዝጸሓፎ’ዩ። እዛ ናይ ሮማ ቤተ ክርስትያን፡ ብቕዱስ ጳውሎስ ዝቘመት ኣይነበረትን። እንተ ዀነ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ’ዛ ቤተ ክርስትያን’ዚኣ ፍሉይ ጾር ይስምዖ ስለ ዝነበረ፡ ናብኣ ኪኸይድ ሓያል ድልየት ነበሮ። ፍቓድ ኣምላኽ ስለ ዘይነበረ ግና፡ ኪሰልጦ ኣይከኣለን (ሮሜ 1፡10,11 ፣ 15፡20-22 ካ.ት)። ናብ ሮሜ ዝኸደሉ ምዱብ ጊዜ፡ ብጐይታ ተሰሪዑሉ ነበረ። ጐይታና ንቄሳራት (ነገስታት) ሮማ ወንጌል ኪንገሮም መዲቡ ስለ ዝነበረ፡ ነዚ ኺገብር ዝመረጾ ሃዋርያ ድማ ቅዱስ ጳውሎስ ኰነ። ብቐሊሉን ከም ዝደለኻዮን ዘይርከቡ ሰበ-ስልጣን ስለ ዝዀኑ፡ ከም እሱር ኰይኑ ንፍርዲ ኣብ ቅድሚ’ቲ ቄሳርን ሹማምንቱን ኪቐርብ ወሰነ። ከም’ቲ ኣብ ቅድሚ ራእሲ ፌሊክስን ራእሲ ፌስጦስን ንጉስ ኣግሪጳን ዝገበሮ፡ ኣብ መጋባእያ ምስ ቈመ ድማ ንቄሳርን መኳንንቱን ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ኬስምዖም መኸረ (ግብ 24-26)። ተኣሲሩ ኣብ ናይ ቂሳርያ መጋባእያ ምስ ቀረበ፡ “ይግባይ” ኢሉ ናብ ቄሳር ኪቐርብ ብራእይን በቲ ሽዑ ዝተኸስተ ዅነታትን ብመንፈስ ቅዱስን ዝመርሖ ድማ ጐይታና ባዕሉ’ዩ። ቅላውዴዎስ ሊስያስ ዝተባህለ ንኢየሩሳሌም ዜመሓድር ዝነበረ ሓለቓ ሽሕ፡ ነቲ እሱር ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ኣይሁድ ድሕሪ ምቕራቡ ኣብ ዝነበረ ለይቲ፡ ጐይታና ብኣካል ኣብ ቅድሚ ሃዋርያ ጳውሎስ ደው ኢሉ፡
“ጳውሎስ፡ ከም’ቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ብዛዕባይ ዝመስከርካዮ ኸምኡ’ውን ኣብ ሮማ ኽትምስክረለይ ይግብኣካ’ዩ’ሞ፡ ኣጆኻ።” ኢሉ፡ ናብ ሮማ ዝኸደሉ ጊዜ ኸም ዝኣኸለ ሓቢርዎ ነበረ (ግብ 23፡11)። ኣይሁድ ብእሱሩ ኣብ ኢድ ሓለውቱ ወተሃደራት ከሎ ኪቐትልዎ ምሕሳቦም’ውን፡ ናብ ሮማን ናብ ቄሳርን ኪኸይድ “ይግባይ” ንኺብል ደራኺ-ኵነት’ዩ ዝነበረ (ግብ 23፡12-30 ፣ 25፡1-12)። ብመርከብ ናብ ሮማ እናኸደ ኸሎ ማዕበል ኪውሕጦም ምስ ደለየ ድማ፡ ጐይታና ብመልኣኹ ገይሩ፡ “ኣብ ቅድሚ ቄሳር ደው ክትብል ኢኻ” ኢሉ ደጊሙ ኣረጋገጸሉ (ግብ 27፡23-26)። ስለ’ዚ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ሮማን መራሕታን ኪበጽሕ፡ ጥንታዊ መደብ ናይ’ቲ ልዑል ኣምላኽ’ዩ ዝነበረ። ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ’ዛ ናይ ሮማ ቤተ ክርስትያን ዝነበሮ ልዑል ግዳሰ ድማ፡ ኣካል ናይ’ቲ ጥንታዊ መደብ-ኣምላኽ ምዃኑ ኺዝንጋዕ ኣይግባእን’ዩ።
ስለ’ዚ ገና ብኣካል ከይበጽሖምን ከይረኣዮምን ከሎ’ኳ ብዙሕን ዓሚቝን ምስጢራት ዝሓዘ ሰፊሕ መልእኽቲ ጸሓፈሎም። እቶም ካብ ዓሌት ኣህዛብ ዝዀኑ ሮማውያን ክርስትያን ነቶም ክርስትና ምቕባል ዝኣበዩ ኣይሁድ ኪምክሑሎምን ኪዕበዩሎምን ከም ዝጀመሩ ስለ ዝፈለጠ፡ ኣብ’ቲ መበል 11 ምዕራፍ ናይ’ቲ መልእኽቱ፡ ነዚ ዓንቃፊ ኣበሳ’ዚ ዚፍውስ እምብዛ ረቂቕ ግን ከኣ መሰረታዊ ዝዀነ ትምህርቲ ጸሓፈሎም። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተገሊጹ ናይ ድሕነት ሓድሽ ኪዳን ቅድሚ ምቛሙ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበሩ ኣይሁድ ጥራሕ’ዮም። ኣይሁድ ንክርስቶስን ንክርስትናን ምስ ነጸጉ ግና፡ ወንጌል ንኣህዛብ ተሰቢኹሎም ምስ ኣምላኽ ተዓሪቖም ህዝቢ ኣምላኽ ኰኑ። እቶም ቀደም ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበሩ ኣይሁድ ግና ብሰሪ ዘይምእማኖም ዘይናይ ኣምላኽ ህዝቢ ዀይኖም ካብ ኣምላኽ ረሓቑ (ግብ 13፡44-52 ፣ 28፡23-31 ፣ ኤፌ 2፡11-22)። እንተ ዀነ፡ እቶም ኣህዛብ በቲ ዝረኸብዎ ፍሉይ ምሕረት ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ኪምክሑን ኪዕበዩን ኣይነበሮምን። ምኽንያቱ ንኣይሁድ ዘውደቖም እቲ “ደቂ ኣብርሃም ኢና፡ ደቂ ኣምላኽ ኢና፡” ዚብል ትምክሕቶም’ዩ። (ማቴ 3፡7-10 ፣ 8፡1-12 ፣ 21፡28-32,33-46 ፣ ዮሃ 8፡30-44)። ስለ’ዚ ብዛዕባ’ቲ ዝረኸብዎ ምሕረትን ድሕነትን፡ ፍርሃት ኣምላኽን ትሕትናን’ምበር፡ ትዕቢትን ትምክሕትን ኪስምዖም ከም ዘይግባእ ምእንቲ ኺምህሮም፡ ነዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብን ኣርእስትን ጸሓፈሎም።
“ትዕቢት” እንታይ ማለት’ዩ፧ ንምንታይ’ዩኸ ከም ከቢድ ሓጢኣት ዚቝጸር፧ ትዕቢት ማለት ንርእስኻ ልዕሊ ዚግባእ ምዕባይ፡ ዘይናትካን ዘይግብኣካን ክብሪ ኽትወስድ ምፍታን፡ ንኻልኦት ሰባት ድማ ካባኻ ኣትሒትካ ምርኣይን ምውራድን ማለት’ዩ። ናይ ኵሉ ኣበሳ ሸቶ (Target)፡ በይኑ እግዚአብሔር’ዩ። እቲ ኣብ ልዕሌኻን ኣብ ልዕሊ ኻልኦትን እትፍጽሞ ኣበሳ፡ ናይ መወዳእታ ዕላማኡ እግዚአብሔር’ዩ። ቅዱስ ዳዊት ነዚ ሓቂ’ዚ ኣብ’ቲ መሃርን ኣብነታውን ንስሓኡ ብንጹር ገሊጽዎ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ባትሴባ ጾታዊ ዓመጽ፡ ኣብ ልዕሊ ብዓል ቤታ ኡርያ ድማ ቅትለት ፈጺሙስ እግዚአብሔር ብባርያኡ ነብዪ ናታን ገሲጹ ምስ ረትዖ፦
“.....ኣነ ንኣኻ ጥራይ በደልኩ፡ ኣብ ቅድሜኻ እከይ ገበርኩ።” ብምባል፡ ናይ ኵሉ ሓጢኣት ሸቶ፡ እግዚአብሔር ምዃኑ በቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተደረኸ ቅኑዕ ንስሓኡ፡ ነቲ ሓቂ ኣግሃዶ (መዝ 51፡4)። ዳርጋ መብዛሕትኡ ኻብ’ቲ ብሰብ ዚፍጸም ሓጢኣት፡ ብተዘዋዋሪ መገዲ፡ ብመገዲ ኻልእ ኣካል ኣቢሉ’ዩ ናብ ኣምላኽ ዚበጽሕ። ግሁድ ትዕቢት ግን ብቐጥታ ናብ እግዚአብሔር ዝቐንዐ ናይ ድፍረት ሓጢኣት’ዩ። ንኣብነት ንሓደ ሰብ ብምኽንያት ድኽነቱ ዜባጭወሉ ወይ ዚጭቍኖ ሰብ፡ ዘየስተውዕሎ ዀይኑ’ምበር፡ ንኣምላኽ ይጸርፍ ከም ዘሎ፡ ንጉስ ሰለሞን ነጊሩና ኣሎ (ምሳ 14፡3 ፣ 17፡5)። እቲ መባጨዊ ሰብ ግን ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ድኻ ሰብ ዚገብሮ ዘሎ’ምበር፡ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ይፍጽሞ ኸም ዘሎ ኣየስተውዕልን’ዩ። ንጉስ ዳዊት ንባትሴባ ኺዕምጻ ኸሎ፡ ኣብኣ’ምበር ኣብ እግዚአብሔር ይብድል ከም ዘሎ ኣይተገንዘቦን ነይሩ። እግዚአብሔር ግና በቲ ነብዪ ገይሩ “ንኣይ ስለ ዝነዓቕካኒ” ብምባል ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ ናይ ድፍረት ሓጢኣት ምዃኑ ኣፍለጦ። ንኽብደት ናይ’ቲ ሓጢኣት ዚምጥን ከቢድ ፍርዲ ብምሃብ ድማ ብዝመረረ ኣገባብ ቀጽዖ፡ (2ሳሙ 12፡7-12)። እቲ ዝተፈጸመ ሓጢኣት ናብ ሰብ ዝቐንዐ በደል ደኣ ይምሰል’ምበር፡ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዝተፈጸመ ዘይቀጥታዊ ሓጢኣት’ዩ።
ከም ብዓል ፈርኦን ናይ ግብጽን ንጉስ ናይ ኣሶርን ዝኣመሰሉ፡ ብቐጥታ ኣብ ልዕሊ እግዚአብሔር ዝተበድዑ ናይ ትዕቢት ሰባት’ውን ኣለዉ። ፈርኦን፡ ንእስራኤል ኪለቅቕ ብስም እግዚአብሔር ምስ ተነግሮ፡ ብኽቱር ትዕቢት፦
“እቲ ንቓሉ ሰሚዐ ንእስራኤል ዝሓድግሲ፡ እግዚአብሔር መን’ዩ፧ ንእግዚአብሔር ኣይፈልጥ፡ ንእስራኤል ኣይሓድግ።” ኢሉ መለሰ (ዘጸ 5፡2)። ንጉስ ኣሶር ብዛዕባ እግዚአብሔር ዝተዛረቦ ቓላት’ውን ብዙሕን ዘይጽወርን’ዩ (ኢሳ 36፡15-20) ፣ 37፡10-14)። እግዚአብሔር ነዞም ብድፍረት ዝተዓበዩሉ ነገስታት እንታይ ከም ዝፈደዮም’ውን መጽሓፍ ቅዱስ ኣነጺሩ ገሊጹልና ኣሎ።
ትዕቢት፡ ኣብ ሰማያት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብመላእኽቲ ዝተፈጸመ በዅሪ ዅሉ ሓጢኣት’ዩ (ኢሳ 14፡12-15 ፣ ህዝ 28፡2,12-18)። ሰይጣን፡ ብሰሪ ትዕቢቱ ቅድሚ ምድርባዩ፡ ንዝፋን ኣምላኽ ብኽንፉ ዜጽልል ኪሩብ’ዩ ዝነበረ። እግዚአብሔር ብኽብሩ ቐናእ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ንእኡን ነቶም ምስኡ ዝወገኑ መላእኽትን ካብ መንግስቱ ደርብዩ፡ ናብ መላእኽቲ ጸልማት፡ ናብ ኣጋንንቲ ለወጦም። ብትዕቢት ንርእሱ ኬኽብርን ንኣምላኽ ኬሕስርን ዝተላዕለ ዅሉ ድማ፡ ውሉድን ባርያን ናይ ኣጋንንቲ ዀይኑ’ዩ ዚተርፍ።
ጠንቂ ዀይኑ ናብ ትዕቢት ዜውድቐና እንታይ’ዩ፧ ብዘይ ዝዀነ ግሁድ ጠንቂ ናብ ትዕቢት ክንወድቕ ይከኣል ድዩ፧ ናብ ትዕቢት ዜውድቐና ግሁድን ስዉርን ዝዀነ ብዙሕ ጠንቅታት ኣሎ። ገሊኡ ኻብ’ቲ ጠንቅታት፡ ዋላ ንመላእኽቲ’ውን ዝዓንቀፈን ዘውደቐን’ዩ። መብዛሕትኡ ናብ ትዕቢት ዜውድቐና፡ ካብ’ቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ሰብን ህዝብታትን እንበልጸሉ ረቛሒታት ምስ ዚህልወና’ዩ። ዋላ ንዅሉ ዘርዚርና ኽንርእዮን ክንገልጾን እንተ ዘይከኣልና’ኳ መጽሓፍ ቅዱስና ዚገልጾም ጠንቅታት ትዕቢት ውሑዳት ኣይኰኑን። ሃብቲ (1ጢሞ 6፡17 ፣ ህዝ 28፡5)፡ መልክዕ (ህዝ 28፡17) ፣ ሓይሊ (ህዝ 30፡6)፡ ቍመት (ህዝ 21፡14) ፣ ስልጣን (ዳን 4፡30-33,37) ፣ ጽጋብ (ሆሴ 13፡6)፣ ወለዶ ወይ ዓሌት (ማቴ 3፡9 ፣ ዮሃ 8፡33,37,39) ገለ ኻብ’ቶም ብስጋ ኽንምካሕን ኽንዕበይን ዚገብሩና ግሁዳት ጠንቅታት’ዮም። እዚ ድማ ኣብ’ቲ ማሕበራዊ ህይወትና ዝውቱር ኰይኑ ስለ እንርእዮ፡ ንኽንርድኦ ምትንታን ዜድልዮ ኣይኰነን።
ንትዕቢት ዚድርኹ መንፈሳውያን ጠንቅታት’ውን ኣለዉ። ናይ ኣምላኽን ቅዱሳት ጽሑፋትን ፍልጠት ንሰብ ብትዕቢት ኪነፍሖ ይኽእል’ዩ (1ቈረ 8፡1)። ዋላ ዘይእዘዝዎ ይኹኑ’ምበር፡ ናይ ኣይሁድ መራሕቲ ሃይማኖት (ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን)፡ በቲ ኣብ ኢዶም ዝነበረ ሕጊ ኣምላኽ ይምክሑ ነበሩ (ሮሜ 2፡17-20,23,24)። ብምኽንያት’ቲ ዝረኣዮ እምብዛ ብሉጽ ራእይ ንቅዱስ ጳውሎስ ብትዕቢት ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ስለ ዘንጸላለዎ፡ እግዚአብሔር ርእሱ ኺንዕቕ ብዚገብሮ ሕማም ስጋ ኸም ዝሓለዎ ባዕሉ ተኣሚኑ ኣሎ (2ቈረ 12፡7-10)። ብዝሒ ህዝቢ ዘለዎም መራሕትን ሃገራትንውን ብትዕቢት ኪፍተኑ ይረኣዩ’ዮም። ስለ’ዚ ኸኣ እግዚአብሔር ንጊደዎን ቍጽሪ ናይ’ቲ ንውግእ ዚስለፍ ህዝቢ ኼውሕድ ኣዘዘ (መሳ 7፡2)። ክትዕበይ ዚገብር ጠንቅታት ዘይብልካ ምዃን ግን፡ ትዕቢት ከም ዘይብልካ ኣየስምዕን’ዩ። ብዓይኒ ስጋ ዘይረኣዩ ሰዉራት ጠንቅታት ከም ዘለዉ ኺዝንጋዕ ኣይግባእን’ዩ። ብወዲ ሰብ ዚፍጸም ኵሉ ሓጢኣት፡ ብትዕቢት ዝተደረኸ’ዩ። ናይ ትዕቢት ማይ ብሑቝ ዘይብሉ ሓጢኣት ስለ ዘየለ፡ ንርእስና ኻብ ትዕቢታዊ ድርኺት ኽንሕልው፡ ሓጢኣት ብዝገበርና መጠን ድማ ብዛዕባ ትዕቢትና ምንሳሕና ኸነረጋግጽ ይግባእ። ሰይጣንን ኣጋንንቱን፡ ናይ ኵሉ ኽፉእ ግብሮም ጠንቅን መጀመርታን ትዕቢት ከም ዝዀነ፡ ኣባና’ውን ናይ ኵሉ ሓጥእ ተግባርና ደፋኢ ሓይሊ፡ ትዕቢት ምዃኑ ክንስሕቶ ኣይግባእን። ቅዱስ ዳዊት፡ ንስዉርነት ናይ ትዕቢት ዚገልጽ፦
“ንጌጋታቱ ዚፈልጥ መን’ዩ፧ ካብ’ቲ እተሰወረኒ (ሓጢኣት) ኣንጽሃኒ። ንባርያኻ ኻብ ትዕቢት ሓልዎ፡ ኣብ ልዕለይ ከይስልጥን’ውን ዕገቶ፡ ሽዑ ምሉእ (ሰብ) ክኸውን፡ ካብ ዓብዪ ኣበሳ ኸኣ ክነጽህ’የ።” ዚብል ጸሎት ኣቕሪቡ ኣሎ (መዝ 19,12-13)። ዝዀነ ሰብ ብዛዕባ ዝተዛረቦ ጸርፊ እንተ ተነስሐ’ኳ፡ ብዛዕባ’ቲ ናብ ጸርፊ ዝደረኾ ትዕቢቱ ግን ኣይንሳሕን’ዩ። ስለ’ዚ ብትዕቢት ኪነፍሓና ዚኽእል ስጋዊ ይኹን መንፈሳዊ ብልጫታት ስለ ዘይብልና ጥራሕ፡ ካብ ትዕቢት ርሑቓት ከም ዝዀንና ጌርና ንርእስና ኽንጥብራ ኣይግባእን።
ነቲ እግዚአብሔር ፈትዩ ዝሃበና፡ ንሕና ግና ብትዕቢት እንስሕተሉ ብልጫታት ከም “ኣኽሊል ትዕቢት” ጌርና ኢና ንጥቀመሉ (ኢሳ 28፡1,3)። ነቲ እግዚአብሔር ከም ኣኽሊል ጸጋ ገይሩ ዝሃበና ብልጫታት፡ ንሕና ግን ከም’ዚ ባዕላትና ዘምጽእናዮ ጌርና ናብ ኣኽሊል ትዕቢት ንልውጦ’ሞ፡ ናብ ጥፍኣትና ነውዕሎ። በቲ ንእግዚአብሔር ከነኽብረሉ ዝተዋህበና ጽቡቕ ህያብ፡ ንኣምላኽ ኣሕሲርና ንርእስና ብምኽባር፡ ናይ ዓመጻን ጥልመትን ድፍረታዊ ኣበሳ ንፍጽም። ስለ’ዚ ካብ ትዕቢት ምእንቲ ኽንድሕን፡ ነቶም እግዚአብሔር ዝሃበና ሃብቲ፡ ሓይሊ፡ ፍልጠት፡ ስልጣን፡ ይኹን በብዓይነቶም መንፈሳውያን ጸጋታት ብፍርሃት እግዚአብሔር ከነመሓድሮም ይግብኣና።
መርኣያ ትዕቢት እንታይ’ዩ፧ ትዕቢት ብኸመይ’ዩ ዚግለጽ፧ ትዕቢተኛ ሰብ በቲ ዜርእዮ ኣካላዊ ምልክታት ጥራሕ ድዩ ዚልለይ፡ ወይስ ካልኦት ግብራውያን ምልክታት’ውን ኣለዉ’ዮም፧ ንመብዛሕትና፡ ናይ ትዕቢት ምልክታት ኰይኑ ዚስምዓና፡ ክሳዱ ኣንቃዕሪሩ፡ ኣፍ ልቡ ነፊሑ፡ ግንትእ እናበለ ኪኸይድ እንተ ርኢና፡ ርእሱ ኬኽብርን ኬመጕስን፡ ንኻልኦት ኬስተናዕቕን ኬቃልልን ወዘተ እንተ ርኢና ጥራሕ’ዩ። ከም’ዚ ዝበለ ትዕቢት፡ ጕልባቡ ዝቐልዐ፡ ነቲ ትዕቢት’ውን ዘይክእሎ ናይ ዓሻ ሰብ ትዕቢት’ዩ። እቲ ናይ ትዕቢት ጀማርን እምብዛ ወሓለን ዝዀነ ድያብሎስ፡ ኣዝዩ ስዉር ብዝዀነ ኣገባብ ኬጥፍኣና’ምበር፡ ለባምን ዓሻን ብዜለልዮ፡ ብዜኽዕበናን ብዜገስጸናን ኣገባብ ክንዕበይ ኣይደልየናን’ዩ።
ንሕና ኸም ምልክታት ትዕቢት ዘይንፈልጦም፡ ቃል እግዚአብሔር ግና መርኣያታት ትዕቢት ምዃኖም ዘግሃደልና ብዙሓት ኣበሳታት ኣለዉ። ዋላ ንነፍሲ ወከፍ ተንቲንና ኽንሓልፎም እንተ ዘይከኣልና’ኳ፡ ብዛዕባ ርቅቀት ናይ ትዕቢት ዜርእዩና መርኣያታት ክንጠቅስ ንኽእል ኢና።
1. ንኣምላኽ ምርሳዕ፡ ንኣምላኽ ዘይትደልዮ ምዃን፡ ካብ’ቲ ግጉይ መገድኻ ናብኡ ክትምለስ ዘይምድላይ፡ ርኡይ ምልክት ናይ ትዕቢት’ዩ (ዘዳ 8፡14 ፣ ሆሴ 13፡6 ፣ 7፡10)። ከምኡ እንተ ዘይከውን፡ እቲ ዓብዪ ኣምላኽዶ ብሰብ ምተረስዐ!! ንእግዚአብሔር ክሳዕ ምርሳዕን ዘይምድላይን ዜብጽሓና “ዚገብረኒ የብሉን፡ ኣየድልየንን ከኣ’ዩ” ኢልና ካብ ገዛእ ርእስና እምብዛ ኣትሒትና ምስ እንርእዮ’ዩ።
2. ነቲ ኣምላኽ ዝገበረልና ዓብዪ ውሬታን ኬርነትን ምስ ዘይምምላስ’ውን፡ ናይ ትዕቢት መርኣያ’ዩ። እቲ ኻብ ኣፍ ሞት ተመሊሱ ናይ 15 ዓመታት ዕድመ ዝተወሰኸሉ ንጉስ ህዝቅያስ፡ በዚ ትዕቢት’ዚ ተበላሽዩ ንዘርኡ ዜጥፍእን ዜዋርድን ዓብዪ በደል ዝበደለ ሰብ’ዩ (2ዜና 32፡35 ፣ ኢሳ 39፡1-8)። እቶም ብሰብ ፍንፉናት ዝነበሩ’ሞ፡ ጐይታ ዝፈወሶም ለምጻማት፡ ንኣምላኽ ክብሪ ብምሃብ ውሬታ ኺመልሱ ብዘይ ምምጽኦም፡ ትዕቢቶም ኣንጸባሪቖም’ዮም። ብዛዕባ ምሕዋዮም’ምበር፡ ብዛዕባ’ቲ መሕወዪ ጐይታ ኸይሓስቡ ትዕቢቶም ዓንቀፎም (ሉቃ 17፡11-19)።
3. ክሳድካ ምትራር፡ ብትእዛዛቱ ዘይምምልላስ’ውን ጭቡጥ መርኣያ ናይ ትዕቢት’ዩ (ነህ 9፡16,29 ፣ መዝ 119፡21,85 ፣ ዳን 5፡20)። እግዚአብሔር ነቶም ትእዛዛቱ ዜፍርሱ፡ ልቦም ኣትሪሮም ከም ፍቓድ ርእሶም ዚኸዱ ኸም ዚፈርድ እናተነግረካን እናፈለጥካን፡ ብኸምኡ ኽትነብር ምምራጽ፡ ንልብኻ ትዕቢት ብዘፍረዮ ንዕቀት መሊእካዮ ኸም ዘለኻ ዜመልክት’ዩ (መዝ 10፡2,3)።
4. ባእስን ቍጥዓን’ውን መረኣያታት ናይ’ቲ ስዉር ትዕቢት’ዮም (ምሳ 13፡10 ፣ 21፡24)። “ተበዲለ” ዚብል ስምዒት ኪህልወና ኸሎ፡ ከይንተክኽ ክሳዕ ዜስግእ ብቝጥዓ ንቃጸል። ብእኡ ተደሪኽና ድማ ኣብ ኣካላዊ ባእስን ናይ ቃላት ኲናትን ንጽመድ። ንኣና እቲ በደል ዝደረኾ ምኽኑይ ቍጥዓን ባእስን ኰይኑ’ዩ ዚረኣየና። ቃል እግዚአብሔር ግና እቲ ብኻልእ ሰብ ዝተፈጸመ በደል ዘይኰነስ፡ እቲ ኣብ ውሽጥና ተደጕሉ ዘሎ ትዕቢት ዝወለዶ ቝጥዓን ባእስን ምዃኑ’ዩ ዚነግረና። ትዕቢት እንተ ዘይህልወና፡ ነቲ ዘጋጠመ ኽስተት ብፍቕርን ብትዕግስትን ብምሕረትን ምፈታሕናዮ። ቍጥዓ፡ ኪምኽነዮ ዘይግባእ ትዕቢት ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ዚቝጣዕ ሰብ፡ ነቲ ንጉስ ትዕቢት ዝዀነ ድያብሎስ ዝተመደበ “ሓዊ ገሃነም” ተፈርዶ (ማቴ 5፡22)።
5. ንኻልኦት ክትጐድእ ምህቃን’ውን ናይ’ቲ ስዉር ትዕቢት ቅሉዕ ምልክት’ዩ። ትዕቢት፡ ሰይጣናዊ ባህርይ’ዩ። ናይ ሰይጣን ዕላማ ድማ ንዅሉ ዘርኢ ሰብ ንዘለኣለም ምጕዳእ’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ትዕቢት ናይ ሰይጣን ዝወረሰን ዝለበሰን ሰብ፡ ነቲ ንዅሉ ሰብ ናይ ምጕዳእ ዕላማ ናይ ጐይታኡ ፈልዩ ኺገድፎ ኣይክእልን’ዩ። ምኽንያቱ ኣብ ሓደ ዘምቢል (package) ተጠርኒፉ ዚወሃበካ’ዩ። ስለ’ዚ ንሰባት ከተፈንጥር፡ ከተጻውድ፡ ከተጽድፍ ዚከኣለካ ዅሉ ኢኻ እትገብር (መዝ 11985 ፣ 140፡5)። እቲ ምኽንያት ድማ እቶም ካልኦት ተጐዲኦም ኪወድቁን ኪዋረዱን ንስኻ ድማ ካብኣቶም ልዕል ኢልካ ምእንቲ ኽትረኣይ’ዩ። ነቲ ብኣምላኽ ዘይተዋህበካ ልዕልናስ፡ በቲ ሰይጣናዊ ኣገባብ ንኽትበጽሖ’ዩ።
6. ካብ ሰባት ናእዳን ውዳሰ ኸንቱን ምድላይ’ውን መርኣያ ናይ’ቲ ስዉር ትዕቢታዊ ባህርይ’ዩ። “ንኣዱኒ፡ ወድሱኒ” ኽትብል ብሰባት ስለ ዜኽዕበካ፡ ነቲ ብዘይካ ኣምላኽ ካልእ ኪርእዮን ኪፈልጦን ዘይግባእ፡ መንፈሳዊ ስነ-ምግባራት ዝገበርካ ጌርካ ሰባት ከም ዚርእዩልካ ብምግባር ክትረኽቦ ኢኻ ትጋደል። ሰብ ኪርእየልካ’ሞ ብሰብ ክትውደስ ኢልካ ስለ ዝገበርካዮ፡ ብዘይካ’ቲ ጥበራዊ ውዳሰ፡ ዝዀነ ኺጥቀስ ዚኽእል ካልእ ረብሓ ኣይትረኽበሉን ኢኻ። እዚ ውዳሰን ናእዳን’ዚ ንትዕቢትካ ኣዝዩ ስለ ዜዕፍሮ፡ ስዉር ምዃን ሓሊፉ ኣብ ደጋዊ ኣካላትካ፡ ማለት ኣብ ኣዘራርባኻ፡ ኣካይዳኻ፡ ኣጣምታኻ ኽሳዕ ዚገሃድ ዕሉል ናይ ዓያሱ ትዕቢት’ዩ ዚኸውን። ጐይታና ብዛዕባ’ዚ ኣጋንንታዊ ምርጫ’ዚ ኣብ’ቲ ናይ ከረን ስብከቱ ብኣጽንዖት ኣጠንቂቕና’ዩ (ማቴ 6፡1-6,16-18)። እቲ “ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይተንፍሕ” ዚብል ናይ ጐይታ ኣገላልጻ፡ ንኣነዋርነት ናይ’ዚ ዓሻ ምርጫ’ዚ ዚቐልዕ’ዩ። እቲ ኣዝዩ ዜሕዝን ድማ ዳርጋ ዅላትና በዛ መርዛም ምርጫ’ዚኣ ንፍተን ምዃንና’ዩ።
እዚ ኽሳዕ ሕጂ ዝተጠቕሰ መርኣያታት ትዕቢት፡ ከም መረዳእታ ወይ ከም ኣብነት ንኼገልግለና ዝተመርጸ’ምበር፡ ንዅሉ መርኣያታት ዜጠቓልል ኣይኰነን። ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ኣበሳ ዀይኑ ዚድርኽ ሓይሊ፡ ትዕቢት ምዃኑ ፈጺምና ኽንስሕቶ ወይ ክንጠራጠሮ ዘይግባእ ሓቂ’ዩ።
ሳዕቤን ትዕቢት ወይ ንትዕቢት ዚወሃብ ፍርዲ ናይ ኣምላኽ እንታይ’ዩ፧ ቅዱስ ወንጌል ከም ዜረጋግጸልና፡ ዓስቢ ናይ ኵሉ ዓይነት ሓጢኣት፡ ሞት’ዩ። እዚ ሞት’ዚ፡ ነቲ ኣካላዊ ሞት ዚምልከት ኣይኰነን። ብርግጽ ብትዕቢት መስፈር ሓጢኣቶም ምስ መልኡ፡ ብስጋ ዚቕጽዑ ወይ ዚቕዘፉ ሰባት ከም ዘለዉ ዘይከሓድ’ዩ። ናይ ሓጢኣት ሓቀኛ መቕጻዕቲ ግን፡ እቲ ዘለኣለማዊ ሞት’ዩ። እዚ ሞት’ዚ ድማ ስጋኻን ነፍስኻን መንፈስካን ብትንሳኤ ሙታን ተንሲኡ ዳግማይ ተዋሂዱ፡ ኣብ’ቲ ናይ ሓውን ዲንን ቀላይ፡ ኣብ ገሃነመ እሳት እናተሳቐኻ ምንባር’ዩ። ትዕቢት፡ ሰይጣናዊ ባህርይ ስለ ዝዀነ ብትዕቢት ዝተለኽፈ ዘበለ ዅሉ ሰብ፡ ኣብ’ቲ ንሰይጣንን ነጋንንቱን ዝተዳለወ ናይ ፍርዲ ቦታ’ዩ ዚነብር (ራእ 20፡7-15 ፣ 21፡8 ፣ 2215 ፣ 14፡9-11)። ስለ’ዚ ኢና ንትዕቢት ኣዚና ኽንጽየፎን ክንፈርሆን፡ ንኸይጠብቀና’ውን ኣዚና ኽንጥንቀቐሉ ዚግብኣና። በቲ ደምዳምን ዘለኣለማውን ሳዕቤኑ ኣጠቓሊልና ኽንገልጾ ደኣ መሪጽና’ምበር፡ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ኰነ ብደረጃ ህዝብን ሃገርን ንዝተፈጸመ ትዕቢት ዚወሃብ ምድራዊ መቕጻዕቲ፡ ብዓይነቱ ዀነ ብመጠኑ ኣዝዩ ብዙሕን መሰክሕን’ዩ። ኣብ’ቲ ናይ መሰረተ እምነትና ናይ ስነ-ምግባር ትምህርትና ብዕምቈትን ብስፍሓትን ክንመሃሮ ዚግባእ ትምህርቲ’ዩ።
መሪሕ ጥቕስና “ፍራህ ደኣ’ምበር፡ ብልብኻ ኣይትተዓበይ” ብምባል ፍታሕ ናይ’ዚ ሰራምን ለካምን ኣበሳ’ዚ ፈሪሃ እግዚአብሔር ምዃኑ ድሮ ኣግሂዱልና’ዩ፡ ፍርሃት እግዚአብሔር ንዓመጻን ረሲእነትን ተጸዪፍካ ንጽድቅን ቅድስናን ከተፍቅር ስለ ዚረድእ፡ ልብና ዅሉ ጊዜ ብፍርሃት ኣምላኽ ኪመልእ ይግባእ። (ምሳ 23፡17,18) ንጉስ ሰለሞን፦ “ንእግዚአብሔር ምፍራህ ንኽፍኣት ምጽላእ’ዩ፡ ኣነ’ውን ትዕቢትን ትምክሕትን ክፉእ ኣካይዳን ቄናን ኣፍን እጸልእ’የ።” ዝበለሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ (ምሳ 8፡13)። ንልብና ብፍርሃት እግዚአብሔር እንተ ዘይመላእናዮ፡ ብትዕቢትን ንሱ ብዚወልዶ ዅሉ ሓጢኣትን ኪምላእ ንልብና ዀስቲርናን ኣጽሪናን ንዕድሞ’ለና ማለት’ዩ።
እምበኣር ብፈሪሃ እግዚአብሔር ተደሪኽና፡ ካብ’ቲ ኽሳዕ ሕጂ ኼነውረናን ኬበላሽወናን ዝጸንሐ ትዕቢትን ሓድግታቱን ብንስሓ ህይወትና ነጽርይ። ዳግማይ ናይ ትዕቢት ግራት ገይሩ ሰይጣን ከየበላሽወና ድማ፡ ብረድኤት መንፈስ ቅዱስ ልብና ንሓልው። ነቲ እግዚአብሔር ዚህበና፡ ኣኽሊል ጸጋ ናብ ኣኽሊል ትዕቢት ለዊጥና ዘለኣለማዊ መጻኢና ኸይነጸልምት፡ ከቶ ዘይድህለሉ ብልህታት ክርስትያን ንኹን!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ጥቅምት 13, 2015 ግዕዝ (23 ጥቅምቲ 2022 ፈ [7ይ ሰንበት: ቊ.10/፲ ]) |
||
ምስባክ መዝ 110(111)፡4-5 “መሐሪ ወመስተሣህል እግዚአብሔር። ወመሀቦሙ ሲሳዮሙ ለእለ ይፈርህዎ። ወተዘከረ ኪዳኖ ዘለዓለም።” “ንተኣምራቱ መዘከርታ ገበሮ፡ እግዚኣብሄር መሓርን ርሕሩሕን’ዩ። ንዚፈርህዎ ምግቢ ይህቦም፡ ኪዳኑ ንዘለኣለም ይዝክር።” |
ንባባት |
ኣንባቢ
|
ሮሜ 11፡13-28 |
ዲያቆን |
|
ያእ 1፡9-21 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 7፡23-ፍጻመ |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 20፡1-16 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘእግዝእትነ ማርያም |
|
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ