“ደጊም ክርስቶስ ምእንታና (ብስጋኡ) ሓሳረ መከራ ኻብ ጸገበስ፡ ብስጋኡ መከራ ዚጸግብ (ክርስትያን)፡ ንሱ ንሓጢኣት ሓዲግዎ’ዩ’ሞ፡ እቲ ብስጋ ዝተረፈ ዘመን(ኩም) ንፍቓድ ኣምላኽ’ምበር፡ ንፍትወት (ስጋ) ምእንቲ ኸይትነብሩ፡ ነዚ ሓሳብ’ዚ ኸም ኣጽዋር ጌርኩም (ተዓጠቕዎ)።” 1ጴጥ 4፡1,2
ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስ.17 ክሳዕ መስ.23 (መስ.27 - ጥቅ.3ፈ) ዘሎ ቕንያት፡ “መስቀል” ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። ብመሰረት ትውፊት ቤተ ክርስትያንና በዓለ መስቀል ዝተሰርዐ፡ ንግስቲ ኢለን፡ ኣደ ንጉስ ቈስጠንጢኖስ ነቲ ኣይሁድ ብጐሓፍ ኢየሩሳሌም ዝደበይዎ መስቀል ጐይታና ፍሒራ ዝረኸበትሉ ዕለት ንምዝካር’ዩ። ኣገዳስነት ናይ’ቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ግብሪ ምድሓን ንኸነስተንትነሉ ዝተሰርዐ መዓልቲ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ናይ’ዚ ዕለተ ሰንበት መዝሙርን ንባባትን ምስባክን፡ ንእኡ ዚገልጽን ዚድርዕን’ዩ። እቲ ብሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያን ዝተዘመረ ነዚ ዕለት’ዚ ዝተሰርዐ መዝሙር-ሰንበት፡ “ዝንቱ ውእቱ መስቀል” ዚብል ኰይኑ፡ ክብሪ ናይ’ቲ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ግብሪ ምድሓን ዚገልጽ’ዩ። ኣብ’ቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል (ማር 8፡27-ፍጻመ)፡ ጐይታና ባዕሉ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብን ኪነዓቕን ኪቕተልን፡ ድሕሪ ሳልስቲ’ውን ኪትንስእ ከም ዚግብኦ ብምግላጽ፡ ኣገዳስነት ናይ’ቲ ኣብ መስቀል ዚፍጸም ሞቱ ኣብሪሁ ገሊጹ ኣሎ። እቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝጸሓፎ ናይ 1ቈረ 1፡17-ፍጻመ ንባብ’ውን፡
“......ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት’ዩ፡ ንኣና ንእንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ’ዩ። .....ንሕና (ሃዋርያት) ግና ነቲ ንኣይሁድን መዓንቀፊ ነህዛብን ዕሽነት ዝዀነ እተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣለና። (ክርስቶስ) ነቶም ጽዉዓት - ንኣይሁድ ኰነ (ነህዛብ) - እቲ ሓይሊ ኣምላኽን ጥበብ ኣምላኽን’ዩ።”
ብምባል፡ ምድሓን ዚርከብ በቲ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዘግሃዶ ሓይልን ጥበብን ናይ ኣምላኽ ምዃኑ ኣብሪሁ ገሊጹልና ኣሎ (1ቈረ 1፡18,19,23,24)። ኣብ’ቲ ናይ ግብ 2፡22-23 ንባብና’ውን ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ኣብ መዓልቲ ጰራቅሊጦስ (በዓል ሓምሳ)፡ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተመልኡላ መዓልቲ፦
“ነዚ፡ ከም’ቲ ምዱብ ምኽሪ ኣምላኽን ዘለኣለማዊ ፍልጠቱን (ኣብ መስቀል ንሙማት) ዝተወፈየ ኢየሱስ ብኢድ’ቶም ሕጊ (ኣምላኽ) ዘይብሎም (ኣህዛብ) ሰቐልኩምዎን ቀተልኩምዎን።”
ብምባል፡ እቲ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ሞት ክርስቶስ፡ ናይ’ቶም ሕሱማት ኣይሁድ ኰነ ናይ ኣህዛብ ምኽርን ተግባርን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ዘለኣለማዊ መደብ ናይ እግዚአብሔር ከም ዝዀነ ኣነጺሩ ኣብሪሁልና ኣሎ (ግብ 2፡23 ካ.ት)። እቲ ብድያቆናትና ተመሪሕና ዜዘምናዮ ምስባክ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ’ውን፡ ብዛዕባ’ቲ ናይ ቤተ ክርስትያንን ህዝበ ክርስትያንን ሰንደቕ ዕላማ ዝዀነ መስቀል ዝተነግረ ትንቢታዊ ምስባክ’ዩ (መዝ 60፡4)።
ኣብ’ዚ “መስቀል” ዝተሰምየ ቕንያት፡ ብፍትወት ስጋ ኸይንነብር እንመሃረሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ መስቀልን ፍትወት ስጋን እንታይ ኣራኸቦም፧ እዚ ሕቶ’ዚ ዓብዪ መንፈሳዊ ብርሃን ዚኸስት ኣገዳሲ ሕቶ’ዩ። ነዚ ሕቶ’ዚ ቓል እግዚአብሔር እናመርመርና ብተገዳስነት ምስ እነስተንትኖ፡ መስቀል ታሪኽን ሃይማኖታዊ ወይ ህዝባዊ በዓልን ካብ ምዃን ዝዓበየ ምስጢር ከም ዘለዎ ኽንርዳእ የኽእለና’ዩ። መብዛሕትና፡ አረ ዅላትና’ውን ኪበሃል ዚኽእል’ዩ፡ መስቀል ንጐይታና ጥራሕ ዚምልከት ኣብኡ ተፈጺሙ ዘብቅዐ ታሪኽ ጌርና ጥራሕ ከም ንርእዮ ዘይከሓድ ሓቂ’ዩ። ኣብ ህንጻታት ኣብያተ ክርስትያንና፡ ኣብ መቓብርና፡ ኣብ እድያትና፡ ኣብ መጋየጺ ስልማታትና፡ ኣብ ኢድ ቅቡኣት ኣገልገልትና፡ ንርእዮን ንሳለሞን ኢና። ኣብ’ቲ ዕለታውን ውልቃውን ህይወትና ዀነ ናብራና ግን ንመስቀል ኣይንነብሮን ኣይነኽብሮን ከኣ ኢና። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ንኣና መስቀል፡ ናይ ክርስቶስ ታሪኽ’ምበር፡ ናትና ታሪኽን ናብራን ኣይኰነን። “ክርስትያን’የ” ኼብለና ዚኽእል ግን፡ ንመስቀልን ስቕለትን ገዛእ ታሪኽናን ዕለታዊ ናብራናን እንተ ገበርናዮ’ምበር፡ ከም ታሪኽን በዓልን ጥራሕ እንተ ረኣናዮ ኣይኰነን። ኣብ’ቲ ሎሚ ዘንበብናዮ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ግን፡ ጐይታና ንመስቀል ታሪኽናን ናብራናን ክንገብሮ ኸም ዚግባእ ኣመልኪቱና ኣሎ።
“ዝዀነ ይኹን ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደልይ (ሰብ) እንተ’ሎ፡ ገዛእ ርእሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ (ኣብ ጸጽባሕ) የልዕል’ሞ፡ ይስዓበኒ።” ማር 8፡34 (ሉቃ 9፡23)
ካብ’ዚ ከቶ ዘየሻምው ንጹር ኣበሃህላ ናይ ጐይታና ዝዀነ ይኹን “ሰዓቢ ክርስቶስ ወይ ክርስትያን” ምዃኑ ዚእመን ሰብ፡ ነናቱ መስቀል ኬልዕልን ኣብ’ታ መስቀሉ ኺስቀልን ናይ ግድን’ዩ። ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማውን ኣቦ ዘለኣለምን ስለ ዝዀነ፡ “ሓንሳእን ንሓዋሩን (ሓንሳእን ንዘለኣለምን)” እትኸውን መስቀል’ዩ ተሰኪሙን ተሰቒሉን (A)። ንሕና ግና ጊዝያውያንን መወትትን ፍጡራት ስለ ዝዀንና፡ ንመስቀልና ኣብ ጸጽባሕ (መዓልቲ መጸ) ኢና ነልዕላን ንስቀለላን’ምበር፡ ከም ጐይታና “ሓንሳእ ንሓዋሩ” እትኸውን ስቕለት ክንፍጽም ኣይንኽእልን ኢና። መስቀልና ኸየልዓልናን ከይተሰቐልናን ንነብር እንተ’ሊና ግን፡ ስማዊ ክርስትያን’ምበር ሓቀኛ ክርስትያን ዘይምዃንና ኸይተማታእና ኽንእመን ይግብኣና። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ርእሱ ዝሰቐለ፡ ካብ መስቀል ዘይተፈልየ ኣርኣያዊ ሃዋርያ’ዩ ዝነበረ። ነዚ ሓቂ’ዚ ድማ በዚ ዚስዕብ ተኣምኖኡ ገሊጹልና ኣሎ።
“........በቲ መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዓለም ብእኡ ንኣይ እተሰቕለት፡ ኣነ’ውን ንዓለም እተሰቐልኩ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ትምክሕቲ ዘበለ ኻባይ ይርሓቕ።” ቀ.ት
“ኣነ ግና በቲ ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ መስቀል እንተ ዘይኰይኑ (ብኻልእ) ኣይምካሕን’የ። (ምኽንያቱ) በዚ መስቀል’ዚ ዓለም ኣብ ቅድመይ ምውትቲ’ያ፡ ኣነ’ውን ኣብ ቅድሚ ዓለም ምዉት’የ።” ካ.ት ገላ 6፡14,15
እምበኣር፡ ንሕና ኣብ’ቲ ክርስቶስ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ዝተነደቕና ስድራ ቤት ኣምላኽን ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን እንተ ዄንና፡ ነቲ ኣምላኽና ኢየሱስን ቅዱስ ሃዋርያኡን ዝሓደጉልና ኣስተምህሮን ኣርኣያን ክንስዕቦ ናይ ነፍሲ ወከፍና መንፈሳዊ ሓላፍነት’ዩ (ኤፌ 2፡19,20)።
ግብራዊ ትርጕም ናይ’ዚ “መስቀልካ ኣልዒልካ ኣብ ጸጽባሕ ርእስኻ ምስቃል” ዚብል መንፈሳዊ ኣምር እንታይ’ዩ፧ ነቲ ቓል ከም ዘለዎ ወሲድና፡ ናይ ዕንጸይቲ መስቀል ኣዳሊና ገዛእ ርእስና ንሰቅል እንተ ንኸውን፡ “ክርስትና ናይ ህይወት ዘይኰነስ ናይ ርእሰ ቕትለት ናይ ሞት ሃይማኖት” ምተባህለ ነይሩ። ኣብ’ታ ቐዳመይቲ ዝተሰቐልናላ መዓልቲ ስለ እንመውት ድማ፡ እቲ “ኣብ ጸጽባሕ” ዚብል ቃል፡ ትርጕም ኣልቦ ብሂል ኰይኑ ምተረፈ ነይሩ። ስለ’ዚ እዚ ኣበሃህላ’ዚ ልዑል ምስትውዓል ዚሓትት ዓሚቝ መንፈሳዊ ምስጢር ከም ዘለዎ ዘየማትእ ሓቂ’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትን መሪሕ ጥቕስን ነዚ ምስጢር’ዚ ንኺገልጽ ዝተጻሕፈልና ሃዋርያዊ ቓል’ዩ። ነዚ መሪሕ ጥቕስና ክንርድኦ ዜኽእለና ኻልእ ሃዋርያዊ መልእኽታት’ውን ተዋሂቡና ኣሎ። እዚ ብቕዱስ ጴጥሮስ ዝተጻሕፈ መሪሕ ጥቕስና፡ ንፍቓድን ፍታውን ናይ ኣምላኽ’ምበር፡ ንፍቓድን ፍታውን ናይ ስጋና ኽንነብር ከም ዘይግብኣና ኣዚዙና ኣሎ። ሓጢኣት ድማ፡ ንፍቓድ ፈጣሪኻ ሓዲግካ ንፍቓድ ርእስኻ ከተንግስን ክትግዛእን ምምራጽ ማለት’ዩ። “ንፍቓድ ኣምላኽ’የ ዝግዛእን ዝነብርን” ንዚብል ሓሳብ ከም ኣጽዋር ተዓጢቕካዮ እንተ’ሊኻ ግን ንፍቓድ ስጋኻ ሰቒልካዮን ቀቲልካዮን ምህላውካ ግብራዊ መረጋገኢ’ዩ። ብኣንጻሩ “ንፍትወት ስጋይ’የ ዝነብርን ዝግዛእን” ዚብል ዕጥቂ ኣእምሮ ተዓጢቕካ እንተ’ሊኻ ድማ፡ መስቀልካ ዝደርበኻ፡ ዘይክርስትያን ሰብ ትኸውን ማለት’ዩ።
“ደጊም ንሓጢኣት ከይንግዛእ፡ እቲ ሓጥእ ሰብነትና (እቲ ሓጥእ ባህርይና) ምእንቲ ኺጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብነትና (እቲ ሓጥእ ባህርይና) ምስኡ ኸም እተሰቕለ ንፈልጥ ኢና። ከመይ እቲ (ተሰቒሉ) ዝሞተ (ሰብ)፡ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ’ዩ።........ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ሓጢኣት ንኸይትገብሩ ኸም ዝሞትኩም፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ግና (ጽድቂ ንምግባር) ንኣምላኽ ህያዋን ከም ዝዀንኩም ርእስኹም ቍጸሩ።” ሮሜ 6፡6,7,11 ካ.ት
ምዉት ሰብ ዋላ ሓንቲ ኺገብር ኣይክእልን’ዩ። ነቲ ሓጢኣት ጥራሕ ዝምርጫኡ ሓጥእ ባህርይና (ወይ ኣረጊት ሰብና)፡ ኣብ ጸጽባሕ እናሰቐልና ቐቲልናዮ ማለት፡ ሓጢኣት ኪገብር ዘይክእልን ዘይኰነሉን ሰብ ኴንና ኣለና ማለት’ዩ። እቲ ብፍትወት ስጋኡ ዚምራሕ ሰብ፡ መስቀሉ ኣልዒሉ ሓጥእ ባህርዩ ዘይስቐለ ሰብ’ዩ።
ንምዃኑኸ ፍትወት ስጋ እንታይ ማለት’ዩ፧ መብዛሕትና ነዚ ሕቶ’ዚ ዘሎና መልሲ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መልሲ ይትረፍ ኪምጥኖ፡ ናብ ጥቓኡ’ኳ ዘይቀርብ’ዩ። ፍትወት ስጋ ዚመስለና፡ እቲ ዚስምዓና ጾታዊ ትምኒት ወይ ጾታዊ ስምዒት ጥራሕ’ዩ። ቃል እግዚአብሔር ግና፡ ሓጢኣት ዘበለ ዅሉ “ፍትወት ስጋ” ምዃኑ’ዩ ዚነግረኣ። ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ “ትምኒት ስጋ፡ ፍትወት ስጋ፡ ግብሪ ስጋ” ዚብሉ ቓላት እንታይ ከም ዜጠቓልል ብብሩህ መገዲ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹሎም ኣሎ፡
“ኣነ ግና፡ “ብመንፈስ ንበሩ (ተመላለሱ)’ሞ፡ ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም” እብለኩም ኣለኹ። ከመይ ትምኒት ስጋ ምስ መንፈስ መጻርርቲ’ዩ፡ መንፈስ ከኣ ምስ ትምኒት ስጋ መጻርርቲ’ዩ። ስለ’ዚ ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ ክልቲኦም መጻርርቲ’ዮም።......... ግብረ ስጋ ግሁድ’ዩ። ንሱ ኸኣ፡ ምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ዝርጋን (ዕብዳን)፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ገዛእ ርእስኻ ምፍታው፡ (ሻራ)፡ ምፍልላይ፡ መናፍቕነት (ዝርግርግ)፡ ቅንኣት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኻልእ’ውን (የጠቓልል)’ዩ። ከም’ቲ ኣቐዲመ ዘጠንቀቕኩኹም፡ እቶም ነዚ ኸም’ዚ ዝኣመሰለ ዚገብሩ (ሰባት) ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ (ደጊመ) እብለኩም ኣለኹ። ፍረ መንፈስ ግና፡ ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ሰላም (ዕርቂ)፡ ትዕግስቲ (ዓቕሊ)፡ ለውሃት (ልግሲ)፡ ሕያውነት፡ እሙንነት (እምነት)፡ ርእስኻ ምግታእ (ይኣኽለኒ ምባል)’ዩ፡ ነዚ ኸም’ዚ ዘመሰለ (ፍረ መንፈስ) ዚጻረሮ ሕጊ (ናይ ኣምላኽ) የልቦን። እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ፡ ነቲ ስጋኦም ምስ ናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ’ዮም።” ገላ 5፡16-24 ካ.ት
እዚ ኣብ’ዚ ጥቕስና ተዘርዚሩ ዘሎ ናይ “ትምኒት ስጋ፡ ግብሪ ስጋ” ኣበሳታት መብዛሕትና ኸም “ፍትወት ስጋ” ኸም ዘይንፈልጦ ዘይከሓድ’ዩ። ኣብ ቅትለት፡ ቍጥዓ፡ ጽልኢ ወይ ሻራ ምስ ተጸመድና፡ “ፍትወት ስጋ’ዩ ዚስምዓንን ዝፍጽምን ዘለኹ” ኢልና ዝሓስብናሉ መዓልታት ይህልውዶ ይኸውን። ምስ ሕጊ ኣምላኽ ዚጻረር፡ ንኣምላኽ ዜጕህዮ፡ ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ዜትርፈና ዘበለ ዅሉ ሓጢኣት፡ ፍትወት ስጋ ወይ ትምኒት ስጋ’ዩ። በዚ ሓቂ’ዚ ዋጋ ዕዳጋ ወይ ምስምስ ዚበሃል የልቦን። ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ኣብ እንመሃረሉ ዅሉ ኣጋጣሚታት፡ ብኸመይ “ፍትወት ስጋ” ከም ዝዀነ ምምሃርና ዘይተርፍ’ዩ። ንጓይላ፡ መን’ዩ ኻብ መንግስተ ሰማያት ከም ዜትርፍ ፍትወት ስጋ ወይ ሓጢኣት ዚፈልጦ፧ ኣብ ዝኣተናዮን ኣብ ዘለናዮን ኵሉ፡ ጓይላ ኸም መለለዪ ባህልና ኽሳዕ ዚኸውን፡ ብዚኸውንን ብዘይከውንን ምኽንያት እምብዛ እነብዝሖ ህዝቢ ኢና። “ናይ ክርስቶስ ክርስትያን’የ” ዚብል ህዝቢ ኻብ ኰንና ን፡ ነዚ ንምድራዊ ህይወትና ዀነ ንዘለኣለማዊ መጻኢና ዜጸልምትን ዜበላሽውን ሽሕን ሚእትን መልክዓት ሒዙ ዚጻወተልና ዘሎ ፍትወት ስጋ ብጽኑዕ ክንዋግኦን ኣብ ጸጽባሕ ክንሰቕሎን’ዩ ዚግብኣና።
ፍትወት ስጋ ብኸመይ’ዩ ዚዋግኣናን ዚጐድኣናን፧ ውሉድ ኣዳም ዝዀነ ዅሉ ሰብ፡ ብሰለስተ ኣካላት ዝቘመ ስሉሳዊ ፍጥረት’ዩ። እተን ስሉሳውያን ዚገብራና ኣካላት ከኣ ስጋ፡ ነፍሲ፡ መንፈስ’የን። ብኣርኣያ ቅድስት ስላሴ ናይ ምፍጣርና ጭቡጥ መረጋገጺና ድማ እዘን ሰለስተ ኣካላት’የን። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ’ዚ፦
“ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ኸኣ ንዅለንተናኹም ይቐድሶ። (ብመዓልቲ) ምጽኣት ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብዘሎ መንፈስኩምን ነፍስኹምን ስጋኹምን፡ ብዘይ መንቅብ ኪርከብ ይተሓለው።”
ብምባል ብዛዕባ’ቲ ስሉሳዊ ኣቃውማና ኣብሪሁልና ኣሎ (1ተሰ 5፡23)። ሰይጣን ንወዲ ሰብ ኬውድቖን ኪጐድኦን ምስ ተዓጥቀ፡ ነቲ ባህርያዊ ናይ ስጋ ድልየታቱ መዝሚዙ፡ ገና ኣብ ገነት ኤድን ከሎ ኣንጻር ሕጊ ኣምላኽ ኪቐውምን፡ ንፍቓድ ስጋኡ ጥራሕ ኪግዛእን ኣስሓቶ። በዚ ኸም’ዚ ኸኣ፡ ከም’ቲ ልዕል ኢልና ኣብ ገላ 5፡16-24 ዘንበብናዮ፡ ንመንፈስናን ስጋናን ዘይዕረቑ መጻርርቲ ኸም ዚዀኑ ብምግባር ናብ መንፈሳዊ ናይ መንነት ቅልውላው ኣእተወና። ንስጋና ባርያ ፍቓዱ ገይሩ ንኺገዝኦ ዚጥቀመሉ ሜላ፡ ንፍትወት ስጋና ብምዕፋርን ካብ ዓቕሚ ቝጽጽርና ንላዕሊ ኸም ዚኸውን ብምግባርን’ዩ። ፍትወት ስጋ ምስ ነገሰ ኸኣ፡ ዝተፈላለየ ናይ ሓጢኣት መልክዓት ሒዙ ይገሃድ። ፍትወት ስጋ ህያው ኰይኑ ኺገዝእ ከሎ፡ ነፍስናን መንፈስናን ንምውጋእ ዚጥቀመሉ ኣጽዋር፡ ፍትወት ወይ ትምኒት ስጋ’ዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ነዚ ሓቂ’ዚ፦
“ኣቱም ፍቁራተይ፡ ከም ኣጋይሽን መጻእተኛታትን (መጠን) እመኽረኩም ኣለኹ፡ ካብ’ቲ ምስ ነፍሲ ዚዋጋእ ስጋዊ ትምኒት (ፍትወት-ስጋ) ርሓቑ።”
ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (1ጴጥ 2፡11)። ኣብ’ቲ ልዕል ኢልና ዘንበብናዮ ናይ ገላ 5፡17 ጥቕሲ ድማ፡ ትምኒት ስጋ ንመንፈስና ኸም ዚጻረሮ ተነጊሩና ኣሎ። ስለ’ዚ ውግእ ፍትወት ስጋናን ሰይጣንን፡ ምስ’ተን ዘለኣለማውያን ዝዀና ዘይሞታን ዘይብስብሳን ኣካልና፡ ማለት ምስ ነፍስናን መንፈስናን’ዩ። ንፍትወት ስጋኡ ዚግዛእ ዘበሉ ዅሉ ጸላእ ኣምላኽን ውሉድ ጥፍኣትን’ዩ (ገላ 6፡8 ፣ ኤፌ 2፡1-3 ፣ 4፡17-24 ፣ ቈሎ 1፡21 ፣ 2፡13 ፣ ቲቶ 3፡3)።
ካብ’ዚ ለካሚና ዝዀነ ፍትወት ስጋ ብኸመይ ኢና ክንናገፍ ንኽእል፧ ንምዃኑኸ ይከኣል ድዩ፧ ከመይ ደኣ ዘይከኣል!! እግዚአብሔር ዚኣክል ጻድቕን ፍትሓውን ኣምላኽ፡ ዘይንኽእሎ ነገር ኣይእዝዘናን’ዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስጋና ለቢሱ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ኣብ ማእከልና ዝተመላለሰሉ ዕላማ’ኮ፡ ከም ዚከኣልን ብኸመይ ከም እንኽእሎን ብቓል ኪምህረና ብግብሪ’ውን ንኼርእየና’ዩ። እዚ ዘልዓልናዮ ሕቶ፡ ናብ ትምህርቲ-መስቀል’ዩ ዜእትወና።
1.ንፍትወት ስጋኻ ምቕታል፦ ኪቐትለካ ተሃንዲዱ ኻብ ዝመጸ ጸላኢ እትድሕነለን ክልተ መገድታት፡ ወይ ንእኡ ምቕታል’ያ፡ ወይ ከኣ ንሱ ኼርክበካ ብዘይክእል ፍጥነት ምህዳም’ያ። ካብ ፍትወት ስጋና ኽንሃድም ግን ኣይከኣልን’ዩ። ምኽንያቱ ኣብ’ቲ ስጋና ተሰዅዑ ዚነብር ባህርይ’ዩ። ካብ ፍትወትካ ምህዳምን ካብ ጽላሎትካ ምህዳምን፡ ዘይስምረልካ ከንቱ ፈተነ’ዩ። ካብ ምንዝርና ኣርሒቕና ኽንሃድም ንኽእል ኢና፡ ካብ’ቲ ዚስምዓና ጾታዊ ፍትወት ግን ክንሃድም ኣይንኽእልን ኢና። ካብኡ እንሃድም ምስ እንመውት ጥራሕ ወይ ከኣ ብትንሳኤ ዘፉባኤ እዚ ውዱቕ ስጋና ስጋ ክርስቶስ ናብ ምምሳል ተለዊጡ ኸም መላእኽቲ ኣምላኽ ምስ እንኸውን ጥራሕ’ዩ (ፊሊ 3፡20,21 ፣ ሉቃ 20፡36)። ስለ’ዚ ዘላትና እንኮ መዋጽኦ፡ ነቲ ዚለዓለናን ዚደፍኣናን ፍትወት ስጋ፡ ከይቀተለና ኸሎ ቐዲምካ ምቕታሉ’ያ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ቅዱስ ጳውሎስ፦
“ስለ’ዚ፡ ነቲ ስጋዊ ስምዒትኩም፡ ማለት ምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ነቲ ኣምልኾ ጣኦት ዝዀነ ስሰዐ ቅተሉ።”
ዝበለና (ቈሎ 3፡5 ካ.ት)። ጐይታና’ውን ገዛእ ርእስና ቐቢጽና፡ መስቀልና ኣብ ጸጽባሕ ኣልዒልና፡ ነቲ ኣብ ስጋና ሓዲሩ ዚዋግኣና ፍትወት ክንሰቕሎን ክንቀትሎን ነጊሩና’ዩ። ፍትወት ስጋ ግን ኣጽዋር ሰይጣን ምዃኑ ከቶ ኣይንረስዕ። ጥራሕ ኢድካ ዄንካ፡ ብዘይ ኣጽዋር ብዘይ ዕጥቂ ዚቕተል ጸላኢ ኣይኰነን። ክብሪ ንኣምላኽ ይኹን፡ ንሰይጣንን ነጽዋሩን ዚስዕር ኣዝዩ ብርቱዕ መንፈሳዊ ኣጽዋር ተዳልዩልናን ተዋሂቡናን’ዩ (ኤፌ 6፡10-18 ፣ 2ቈረ 10፡4,5 ፣ 1ተሰ 5፡6-8 ፣ ሮሜ 13፡12)። ነቲ መሪሕ ጥቕስና ገሊጹልና ዘሎ ሓያል መንፈሳዊ ዕጥቂ ድማ ኣይንረስዓዮ። “ንሓጢኣት ሓዲገዮ’የ፡ ኣብ’ዚ ተሪፉኒ ዘሎ ዘመን ህይወተይ፡ ንፍቓድ ኣምላኽ’ምበር ንፍትወት ስጋይ ኣይነብርን’የ” ዚብል ጽኑዕ ውሳነን መትከልን ድማ፡ ኣዝዩ ሓያል ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ዕጥቂ’ዩ። እዞም ኵሎም ቅዱሳን ሰማእታትና፡ ንሃልሃልታ ሓዊ፡ ንብልሒ ሰይፊ፡ ንጭካነ ኣራዊት፡ ንሓይሊ ጭጕራፍ፡ ንሕሰም ጥምየትን ዕርቃንን በዲሆም ንፍትወት ስጋን ንፍሪኡን ዝሰዓሩ፡ ነዚ ዘይጸዓድ ኣጽዋር ኣእምሮ ስለ ዝዓጠቑ’ዩ።
2. ኣካላትካ ንኣምላኽ ምውፋይ፦
“እምበኣር ንፍትወት ስጋ ምእንቲ ኸይትግዝኡ፡ ኣብ’ዚ መዋቲ ስጋኹም ሓጢኣት ኣይንገስ። ሞይቶም ከም ዝተንስኡ (ሰባት መጠን) ገዛእ ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩ’ምበር፡ ኣካላትኩም ኣጽዋር (ወይ መሳርሒ) ኽፍኣት ኪኸውን ንሓጢኣት ኣይትሃብዎ። ኣካላትኩምሲ ኣጽዋር (ወይ መሳርሒ) ጽድቂ ኪኸውን ንኣምላኽ ደኣ ወፍይዎ። (ምኽንያቱ) ትሕቲ ጸጋ’ምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይመልከኩምን’ዩ፡ ........ ከም’ቲ (ቕድሚ ሕጂ)ንርኽሰትን እናገደደ ንዚኸይድ ክፍኣትን ኪግዛእ ኣካላትኩም ዝወፈኹም፡ ከምኡ ድማ (ሕጂ) ናብ ቅድስና ንዜብጽሕ ጽድቂ (ኺግዛእ) ኣካላትኩም ወፍዩ።” (ሮሜ 6፡12-14,19 ካ.ት)
ብኣና ገይሩ ጽድቁ ኺገልጽ ኣካላትና እንተ ወፊናሉ፡ እግዚአብሔር ብጸጋኡን ብሓይሉን ስለ ዚድግፈና፡ ዘይንኽእሎ ግብሪ ጽድቂ፡ ዘይንስዕሮ ግብሪ ሓጢኣት ኣይህልወናን’ዩ። ነቲ ኸየቋረጸ ኣፍ ደገ ልብና ዚዅሕኵሕን “ወደየ ልብኻ ሃበኒ” እናበለ ዚልምነና ዘሎ ጐይታ፡ ማሕደሩ ኪኸውን ኣካላትና ፈቲና እንተ ወፊናሉ፡ ኣባና ሓዲሩ ኣጽዋር ጽድቂ ኣቕሓ ኽብሪ ኪገብረና’ዩ (ራእ 3፡20,21 ፣ ምሳ 23፡26 ፣ ገላ 2፡20 ፣ 1ዮሃ 4፡13,15,16 ፣ ዮሃ 15፡5 ፣ 2ቈረ 3፡4-6)።
እምበኣር ምልስ ኢልና ህይወትና ንመርምር። እዚ ተሰሪዑልና ዘሎ ናይ “መስቀል” ቅንያት፡ ታሪኽ መስቀል፡ ታሪኽ ናይ ጐይታና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ታሪኽ ናይ ህይወትና’ውን ምዃኑን ዘይምዃኑን ነጣልል። ንመስቀል ዕለታዊ ናብራኻን ታሪኽ ህይወትካን ከይገበርካ ምንባር፡ ናብራ ዕሽነት’ዩ። እቲ ልዑል ኣምላኽን ቅዱሳን ሃዋርያቱን ንምድሓን ዜለብመና ቃል ህይወትን ግብራዊ ኣርኣያን ሓዲጎምልና’ዮም። እንተ ሰማዕና’ሞ እንተ ተኣዘዝና፡ ምስኣቶም ኣብ የማን እግዚአብሔር ኣቦ ኽንቀውም፡ እቲ እተሰቕለ ኢየሱስ ብዚኸብረሉ ኽብሪ ኽንከብር ኢና። ክብርን ረብሓን ናይ ስጋና ንዒቕና፡ መስቀልና ብፍታውን ብሓጐስን ኣልዒልና፡ መዓልቲ መጸ ፍትወትን ትምኒትን ናይ ስጋና ከይስቐልናን ከይቀተልናን፡ ንመስቀል ከም ሃይማኖታዊ ጽምብልን ጥንታዊ ታሪኽን ጥራሕ ንርእዮ እንተ’ሊና ግን ፡ ከም’ቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ፡ ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ’ምበር፡ ክርስትያን ዘይምዃንና ኣይንጠራጠር (ፊል 3፡17-19)። ስለ’ዚ ንፍትወት ስጋና መዓልቲ መጸ ብምስቃል፡ ንታሪኽ መስቀል ታሪኽ ህይወትና ንግበሮ!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
መስከረም 22, 2015 ግዕዝ (2 ጥቅምቲት 2022 ፈ[4ይ ሰንበት: ቊ.7/፯, 2022]) |
||
ምስባክ መዝ 59(60)፡4 "ወወሀብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ። ከመ ያምሥጡ እምገጸ ቅሥት። ወይድኀኑ ፍቁራኒከ።" "ስለ ሓቂ ምእንቲ ኺለዓሉ፡ ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሃብካዮም። ፈተውትኻ ምእንቲ ኺናገፉ፡ ብየማነይትኻ ኣድሕን’ሞ ስምዓና።" |
ንባባት |
ኣንባቢ
|
1ቈረ 1፡17-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
1ጴጥ 4፡1-11 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 2፡22-32 |
ንፍቅ ካህን |
|
ማር 8፡27-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘእግዚእነ |
|
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ