“ምስናይ’ዚ ኸኣ፡ ጽቡቕ እናገበረ፡ ካብ ሰማይ ዝናምን ዘመን ፍርያትን እናሃበ፡ ንልብኹም’ውን ብመብልዕን ሓጐስን እናጽገበ፡ ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሓደገን።” ግብ 14፡17
ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 9 ኽሳዕ መስከረም 15 (መስ.19 -25ፈ) ዘሎ ቕንያት “ፍሬ” (ፍረ) ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። ብሓቂ ድማ እዚ ቕንያት’ዚ ኣብ ሃገርና እቲ ኣብ ክራማት ተዘሪኡ ዝበቘለ ዘራእቲ ፍሪኡ ዚስውተሉ ቕንያት’ዩ። እቲ ኣብ’ዚ ዕለት’ዚ ብሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያን ዚዝመር “እኩት አንተ” ዘርእስቱ መዝሙር-ሰንበት’ውን ብዛዕባ ፍረ ዚገልጽ ሃብታም ትሕዝቶ ዘለዎ’ዩ። እቲ ነዚ መዝሙር’ዚ መሰረት ገይሩ ዝተሰርዐ ንባባት ሓድሽ ኪዳንን ምስባክን ድማ ፍረ-ጠቀስ ትሕዝቶ ዘለዎም’ዮም። እቲ ናይ ማቴ 12፡1-8 ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ጐይታና ምስ ደቀ መዛሙርቱ ብማእከል ዝሩእ ግራውቲ ኸም ዝሓለፉ’ሞ፡ ጠምዮም ስለ ዝነበሩ ካብ’ቲ ሰዊት ከም ዝበልዑ ኣዘንትዩልና ኣሎ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን እቲ ብኸቢድ ጻዕሪ ኺዓይዪ ዝኸረመ ሓረስታይ ካብ’ቲ ዘፍረዮ ፍረ ቕድም ግዲኡ ኺወስድ ዚግብኦ ንሱ ምዃኑ ኣብ’ቲ ናይ 2ጢሞ 2፡1-13 መልእኽቱ ጽሒፉ ኣሎ። ቅዱስ ያእቆብ’ውን ኣብ’ቲ ናይ ያእ 5፡1-9 መልእኽቱ፡ ብዛዕባ’ቶም ካብ ግራውቶም ብዙሕ ፍረ ዝረኸቡን፡ ግን ከኣ ነቶም ግራውቶም ዝዓጸዱ ዓየይቲ ውዕለቶም (ደሞዞም) ምኽፋል ብምእባዮም ድሕሪ ምግሳጹ፦
“እምበኣርሲ፡ ኣሕዋተየ፡ ክሳዕ ምጽኣት ጐይታ ተዓገሱ። እንሆ፡ ሓረስታይ ነቲ ኽቡር ፍረ ምድሪ ይጽበዮ፡ ኣኸዛን ማይ ጽብሓትን ክሳዕ ዚኸውን’ውን ይዕገስ’ዩ።”
ብምባል ምጽኣት ጐይታን ፍረ ህይወትናን ዜዛምድ መሃሪ መልእኽቲ ኣስኒቑና ኣሎ (ያእ 5፡7)። እቲ መሪሕ ጥቕስና ዝተወሰደሉ ናይ ግብ 14፡14-19 ንባብ’ውን፡ እግዚአብሔር ካብ ሰማይ ዝናምን ዘመን ፍርያትን ከም ዚህበና፡ እዚ ተግባሩ’ዚ ድማ ናይ ህላወኡ ዀነ ናይ ሕያውነቱን መጋቢነቱን ግሁድ ምስክር ምዃኑ ዚነግር’ዩ። ምልስ ኢልና ነቲ ብድያቆናትና ተመሪሕና ዜዘምናዮ ምስባክ እንተ ተመልከትናዮ’ውን፡ እግዚአብሔር ምድርና ፍርያታ ኸም እትህብ ብምግባር፡ ነቲ ሰናይ ባህርዩ ኸም ዚገልጸልናን፡ ብእኡ ኸም ዚናብየናን ዚገልጽ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ እዚ እግዚአብሔር ብዚህበና ሰናይ ክራማት እንሓፍሶ ፍረ ምድሪ፡ ምስክር ናይ እግዚአብሔር ኰይኑ ኸም ዜገልግለና ብንጹር የመልክተና ኣሎ። እዚ ምስጢር’ዚ ኣዝዩ ዓብዪ መንፈሳዊ ብርሃን ዚህብ’ዩ።
እግዚአብሔር ንምንታይ’ዩ ምስክር ዚደልይ፧ ስለምንታይ’ዩኸ ኣብ ማእከል ህዝብታት ርእሱ ብዘይ ምስክር ኪሓድግ ዘይደልይ፧ እግዚአብሔር ምስክር ዚደልየሉ ምኽንያት ክልተ’ዩ። እቲ ቐዳማይ ምኽንያት፡ ብዓይኒ ዘይረኣይ ረቂቕ መለኮት ብምዃኑ’ዩ። ኵሉ ህላወ፡ ኵሉ ዅነታት፡ ኵሉ ግብርታት ብእኡ’ዩ ዚስራዕን ዚትግበርን። ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ዘሎን ዚኽሰትን ኵሉ፡ ብእኡ ኸም ዚኽሰትን ከም ዚግበርን ቃል እግዚአብሔር ብልክዕነት’ዩ ዜረጋግጸልና።
“ብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብ’ቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን።” ዮሃ 1፡3
“ንሕናስ ኵሉ ኻብኡ ዚኸውን፡ ንሕና’ውን ንእኡ እንኸውን ሓደ ኣምላኽ ጥራይ ኣቦ ኣሎና። ኵሉ ብእኡ ዚኸውን፡ ንሕና ኸኣ ብእኡ እንኸውን፡ ሓደ ጐይታ’ውን፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሎና።” 1ቈረ 8፡6
ዘይርአ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ግን ብእኡ ይኸውን ከም ዘሎ ኣይንፈልጥን ኢና። ንሕና ንርእስና ብህይወት ዘለናን፡ ኵሉ ተግባርና ንሰርሕ ዘለናን ብእኡ ኽነሱ፡ ባዕላትና ንገብሮ ዘለና እናመሰለና ኢና ንነብር።
“እቲ ንዓለምን ኣብኣ ዘሎን ዝገበረ ኣምላኽ፡ ንሱ ጐይታ ሰማይን ምድርን’ዩ’ሞ፡ ንሱ ህይወትን ትንፋስን ኵሉ ነገርን ንዅሉ ዚህብ’ዩ፡ .......ሓያሎ ኻብ’ቶም ተቐነይትኹም ድማ፡ <ንሕና ኻብ ዓሌት ኣምላኽ ኢና> ኢሎም ከም ዘለዉ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንወሳወስን፡ ብእኡ ኸኣ ኢና ዘለና’ሞ፡ ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዅላ ምድሪ ኺነብሩ፡ ኵሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ......” ግብ 17፡24-28
ስለ’ዚ ብዓይኒ ስጋ ኸይተራእየ፡ ግን ከኣ ንኣና ሕያውነትን ሰናይ ነገርን ካብ ምግባር ከይበዀረ፡ ንዅሉ ፍጥረት የናብርን ይናብይን ኣሎ። ስለ ዘይረኣናዮ ጥራይ ንዅሉ’ቲ ዚኸውን ዘሎ ባዕላትና ኸም ዝገበርናዮ፡ ወይ ድማ ብዕድል ወይ በጋጣሚ ኸም ዝዀነልና ጌርና ናይ ምሕሳብ ፈተና የጋጥመናን ይዕወተልናን’ዩ። ስለ’ዚ’ዩ እቲ ዕለት መጸ ዚገብረልና ዅሉ፡ ምስክር ናይ ህላወኡን ናብዮቱን ኪኸውን ዚደልይ። ነዚ ሓቂ’ዚ ቅዱስ ጳውሎስ ኣነጺሩ ኣብሪሁልና ኣሎ።
“ቍጥዓ ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ኽፍኣትን ሓጢኣትን ናይ’ቶም ብኽፍኣቶም ንሓቂ ዚኸድንዎ ሰባት፡ ካብ ሰማይ ይግለጽ’ዩ። ኣምላኽ ስለ ዝገለጸሎም፡ እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ኪፈልጥዎ ዚግባእ ኣብኣቶም ግሉጽ’ዩ። ከመይ ዜመኻንይዎ ምእንቲ ኺስእኑ፡ እቲ ዓለም ካብ እትፍጠር ጀሚሩ ተራእዩ ዘይፈልጥ (ብግብሩ ዚፍለጥ) ባህርይ እግዚአብሔር፡ ማለት ዘለኣለማዊ ሓይሉን መለኮቱን፡ ብፍጥረቱ ኣጸቢቑ ተጋህደ። ምኽንያቱ ንኣምላኽ እናፈለጥዎስ፡ ከም ኣምላኽ ገይሮም ኣየኽበርዎን፡ ከምኡ’ውን ኣየመስገንዎን። እኳ ደኣ ብሓሳቦም ከንቱ ዀኑ፡ እቲ ዘየስተውዕል ልቦም’ውን ጸልመተ። “ለባማት ኢና”’ኳ እንተ በሉ፡ ዓሽዮም ተረፉ።” 1፡18-22 ካ.ት
እዚ ቓል’ዚ ብዛዕባ’ቶም ጣኦታት ዜምልኹ ኣህዛብ ኣመልኪቱ ዝተጻሕፈ’ዩ። ነዚ ጥቕሲ’ዚ ኣብ ክልቲኡ ትርጕማት ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እነንብቦ፡ እግዚአብሔር ብዘይርአ ባህርይ ግን ብግሁድ ግብሩ ዚፍለጥ ኣምላኽ ምዃኑ’ዩ ዚገልጸልና። እግዚአብሔር ብዘይ ዝዀነ ሰብከት፡ በቲ ዝፈጠሮ ፍጥረትን በቲ ዚገብሮ ዅሉን ህላወኡ ኺገልጸልናን ኬረጋግጸልናን ስለ ዚኽእል፡ ነቲ ዘይርድኦን ዘይቅበሎን ዘይኣምኖን ሰብ፡ ኬመኽንዮ ዚኽእል ዝዀነ ምኽንያት የብሉን። በቲ በዒንቱ ዚርእዮ ተረቲዑ እንተ ዘይኣመነ፡ ከም ክሕደት’ዩ ዚቝጸረሉ። ምኽንያቱ እናፈለጠ’ዩ፡ ምእንቲ ኸየመስግኖን ከየኽብሮን ንልቡ ብኽሕደት ዝዓጸዎ። እቶም ከምኡ ዚገብሩ ለባማት ስለ ዝዀኑ፡ ናብ’ዚ “ቅኑዕ” ዝብልዎ መደምደምታ ኸም ዝበጽሑ ገይሮም’ዮም ዚሓስቡ። እቲ ሓቂ ግን ብኣንጻሩ’ዩ። ብናይ ከንቱነት ኣተሓሳስባን ብዝጸልመተ ኣእምሮን ስለ ዝተበላሸዉ’ዮም፡ ናብ ከም’ዚ ዝበለ ሕሱር ህይወት ዝወደቑ። ስለ’ዚ ንእግዚአብሔር ብኣካል ስለ ዘይረኣኻዮ ጥራሕ ከም ዘየሎ ጌርካ ምሕሳብ፡ ኣብ ውዱቕን ብልሹውን ኵነተ ኣእምሮ ኸም ዘለኻ ዓብይ ምስክር’ዩ። ምኽንያቱ ብህይወት ምህላውካ፡ ወፊርካ ምእታውካ፡ ካልእ ኵሉ ኣብ’ዛ ምድሪ ዚኽሰት ባህርያውን ተፈጥሮኣውን ፍጻመታት ኣሉ ዘይበሃል ናይ ህላወኡ ምስክር’ዩ። እዚ ዝተጠቕሰ ዅሉ፡ ምስክር ኰይኑ ኼረድኣካን ኬእምነካን እንተ ዘይክኢሉ፡ ብዛዕባ ህላወ ኣምላኽ ዘይኰነስ ብዛዕባ ኵነተ ኣእምሮኻ ኽትጠራጠር’ዩ ዚግባእ። እቲ ዅነተ-ኣእምሮኡ ዝተበላሸወን ዝጸልመተን ሰብ፡ ናይ’ቲ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ፍጥረትን ዚገብሮ መልእኽቲ ስለ ዘይስቈሮ፡ ወይ ናብ “ኣምላኽ የለን” ዚብል ፍጹም ክሕደት ይወድቕ፡ ወይ ከኣ መተካእታ ዀይኑ ናብ ዚስምዖ ብዓይኒ ናብ ዚረኣይ ኣምልኾ ጣኦት’ዩ ዚወድቕ።
እቲ ኻልኣይ እግዚአብሔር ብዛዕባ ህልውናኡን ባህርዩን ምስክር ዚደልየሉ ምኽንያት ከኣ ሰብኣዊ ድኻም’ዩ። ብምኽንያት ሓጢኣት፡ ሰብ ካብ ኣምላኽ ተፈልዩ ኺነብር ናይ ግድን’ዩ ዀይኑ። ሰብ ከኣ ንኣምላኽ ብዓይኑ ርእይዎስ ብህይወት ኪነብር ናብ ዘይክእለሉ ደረጃ’ዩ ወዲቑ። እዚ ኸኣ ንሓጥእ ኰነ ንጻድቕ ሰብ ብማዕረ ዚምልከት’ዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ብልሳን መለኮት ብኽብሪ ኻብ ዝተመስከረሎም ሰባት ሓደ ነብዪ ሙሴ’ዩ። ክልቲኦም ኣሕዋቱ፡ ሊቀ ካህናት ኣሮንን ነብዪት ሚርያምን፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ንኡስ ሓዎም ብቕንኣት ምስ ተላዕሉ እግዚአብሔር ዝሃቦ ምስክርነት ዓብዪ መረጋገጺ’ዩ።
“ዘረባይ ደኣ ስምዑ፡ ኣብ ማእከልኩም ነብዪ እንተ’ሎ፡ ኣነ እግዚአብሔር ብራእይ እግለጸሉ፡ ብሕልሚ እዛረቦ፡ ባርያይ ሙሴስ ከምኡ ኣይኰነን። ንሱ ኣብ ብዘላ ቤተይ እሙን’ዩ። ብግልጺ’ምበር፡ ብኽውል ዘረባ ኣይኰነን፡ ኣፍ ንኣፍ እዛረቦ፡ ንሱ ምስሊ እግዚአብሔር ከኣ ይርእይ። ከመይከ ኣብ ባርያይ ኣብ (ልዕሊ) ሙሴ ንምዝራብ ዘይፈራህኩም።” ዘሁ 12፡6-8
ነዚ ብኸም’ዚ ዝበል ቓል ዝመስከረሉ ባርያኡ፡ ምስሉ ጥራይ’ምበር፡ በቲ ምሉእ መለኮታዊ ኽብሩ ኣይተራእዮን። ከም ኵላትና ድማ፡ ነብዪ ሙሴ ንእግዚአብሔር በዒንቱ ኺርእዮ ደለየ’ሞ እምበኣር “በጃኻ ኽብርኻ ኣርእየኒ” ኢሉ ለመኖ። እግዚአብሔር ከኣ ከም’ዚ ኢሉ መለሰሉ።
“ኵሉ ለውሃተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸሕልፍየ፡ ስም እግዚአብሔር ኣብ ቅድሜኻ ክእውጅ’የ፡ ነቲ ኽምጕሶ ዝደለኹ ክምጕሶ’የ፡ ነቲ ኽምሕሮ ዝደለኹ ድማ ክምሕሮ’የ። ሰብ ርእዩኒ ብህይወት ኣይነብርን’ዩ’ሞ፡ ገጸይ ክትርእይ ኣይትኽእልን ኢኻ።” ዘጸ 33፡18,19
በታ ዝኣተዋ ቓል መሰረት ድማ ብዜርዕድ ግርማ መለኮት ብኸውሊ ደበና ብቕድሚኡ ብምሕላፍ ክብሩ ኣርኣዮ። ብድሕሪ’ዚ’ውን ነብዪ ሙሴ “ኣብ ዓይንኻ ጸጋ እንተ ደኣ ረኺበስ በጃኻ፡ ጐይታይ ኣብ ማእከልና ይኺድ” ኢሉ ለመነ። ሕጂ’ውን እግዚአብሔር፡
“...... ኵሉ’ቲ ኣብ ማእከሉ ዘለኻ ህዝቢ ግብሪ እግዚአብሔር ኪርእይ’ዩ፡” ኢሉ መለሰሉ (ዘጸ 34፡9,10)። ካብ’ዚ ዅሉ ኸም እንርድኦ’ምበኣር፡ እግዚአብሔር ንሰብ በቲ ዚገብሮ ግብሪ ይገሃደሉ’ምበር፡ ብዓይኒ ኺረኣይ ብዚኽእል ኣካል ኣይረኣዮን’ዩ። ናይ ለውሃት፡ ናይ መጐስ፡ ናይ ምሕረት፡ ናይ ጸጋ ግብሪ ብምግባር ህላውነቱን ባህርዩን ይገልጸሉ። እዚ ድማ ንስጋ ለበስ ሰብ ብዛዕባ እግዚአብሔር ንኺፈልጥ ብቑዕ መረጋገጽን ምስክርን’ዩ። ሰብ ኪርእዮ ብዚኽእል ቅርጺ ብግህዶ ኺረኣዮ ዘይምምራጹ ንርእሱ ናይ ለውሃትን ናይ ምሕረትን ተግባር’ዩ። ምኽንያቱ ገና ናብ ምርኣይ ከይበጽሐ ኸሎ፡ ከም ትኪ በኒኑ ኺጠፍእ’ዩ። ስለ’ዚ ኣካላዊ ኣስተርእዮ ወይ ግልጸት ናይ እግዚአብሔር፡ ፍርዳዊ ወይ ቅዝፈታዊ ተግባር’ምበር ካልእ ኣይኰነን። እግዚአብሔር ግና ለዋህን መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ነዚ ነፍሳዊ ስጋ ዝለበሰ ሰብ በቲ ዘየቋርጽ ግብሪ ሕያውነቱ’ምበር፡ በቲ ኸም ሓዊ ዚባላዕ መለኮታዊ ኣካሉ ኸይረኣዮ፡ ብምሕረቱ ወሰነ። ድሕሪ ምጽኣት ክርስቶስ ግና፡ እቲ ሓላፍን ነፍሳውን ስጋና ናብ መንፈሳውን ዘለኣለማውን ስጋ፡ ነቲ ኽቡር ስጋ ክርስቶስ ናብ ምምሳል ምስ ተለወጠ፡ ሽዑ በዒንትና እናረኣናዮ ኽንነብር ኢና።
“ሕጅስ ብመረጸን ዋግዋጎ ንርእይ ኣለና፡ ሽዑ ግና ገጽ ንገጽ ክንርእይ ኢና’ሞ፡ ሕጂ ምቃል እፈልጥ ኣለኹ፡ ሽዑ ግና ከም’ቲ ኣነ እተፈለጥኩ ኽፈልጥ’የ።” 1ቈረ 13፡12
እቶም ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ብሓጢኣት ንሰይጣን ክንመስሎ’ምበር፡ ብጽድቂ ንእኡ ኽንመስል ዘይመረጽና፡ ነቲ ብግብሩ ዝሃበና ምስክር ዝነዓቕናን ዝኸሓድናን ሓጥኣን ከኣ በቲ ሽዑ ዚግለጽ ክብሪ መለኮቱ ንዘለኣለማዊ ጥፍኣት ክንፍረድን ክንቅጻዕን ኢና (2ጴጥ 3፡10-12 ፣ 2ተሰ 1፡6-10)።
ብዘይካ’ዚ ብፍጥረትን ብዅሉ ግብርታቱን ዚህበና ምስክር፡ ካልእ ኣማራጺ ምስክር ይህበና ድዩ፧ ካልእ ምስክር ሂቡና እንተ ዀይኑኸ፡ እንታይ እንታይ ዓይነት ምስክር’ዩ ሂቡና፧ እግዚአብሔር ብሓደ ምስክር ጥራሕ ኣይሰርሕን’ዩ። ክንጽብጽቦን ክንርድኦን ካብ ንኽእል ንላዕሊ ዓይነትን ብዝሕን ናይ ምስክር ዜቕርብ ኣምላኽ’ዩ። ኣብ ሰብኣዊ ይኹን ኣብ መንፈሳዊ ጕዳያት፡ ብሓደ ምስክር ጥራሕ ፍርዲ ኸይወሃብ ዝሓገገ፡ ኣምላኽ’ምበር፡ ሰብ ኣይኰነን። ወዲ ሰብ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ብናይ እግዚአብሔር ደበና-ምስክር ተኸቢቡ’ዩ ዚነብር (እብ 12፡1)። እቶም ኣብ’ዚ ሓጺር ጽሑፍናን ትምህርትናን ክንጠቕሶም እንኽእል ናይ እግዚአብሔር ምስክር እዞም ዚስዕቡ’ዮም።
1.ቃል እግዚአብሔር፦ እቲ ኣዘውቲርና እንረኽቦን ኣሉ ዘይብሃልን ምስክር ናይ ኣምላኽ፡ ቃል እግዚአብሔር’ዩ። ብመሰረቱ’ውን ቃል እግዚአብሔር ካብ ዚጽውዓሎም ስማት ሓደ፡ “ምስክራት” ዚብል’ዩ። ነዚ ናይ ቃል እግዚአብሔር መጸውዒ ስም’ዚ፡ ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ መዝሙረ ዳዊት ብጻዕቂ ኢና እንረኽቦ (መዝ 93፡5 ፣ 119፡14,22,24,31,36)። ቅዱስ ዳዊት፦
“ብመገዲ ምስክራትካ ኸም ብዅሉ ሃብቲ ገይረ ተሓጐስኩ። ....... ምስክራትካ ድማ ባህታይን መኸርተይን’ዮም።”
ብምባል፡ ቃል እግዚአብሔር፡ ምስክር ናይ ኣምላኽ ምዃኑ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (መዝ 119፡14,24)። ኣብ ሓድሽ ኪዳን’ውን፡ ብፍላይ ኣብ ራእይ ዮሃንስ፡ ነቶም ብእኡ ዝተዋግኡን ዝተሰውኡን ቅዱሳን ኣመልኪቱ ኺዛረብ ከሎ፡ “ቃል ምስክር” ኢሉ’ዩ ዚጽውዖ (ራእ 12፡11 ፣ 20፡4 ፣ 1፡9)። ስለ’ዚ፡ ቃል እግዚአብሔር ከነንብብ ከለና፡ ወይ’ውን ኪስበኽ ክንሰምዖ ኸለና፡ ምስክር ናይ እግዚአብሔር ንሰምዕ ከም ዘለና ኸነስተውዕል ይግብኣና። ነዚ ቓል’ዚ እንተ ዘይተቐበልናዮ፡ እንተ ዘይኣመንናዮ፡ ካብኡ ሓሊፍና’ውን እንተ ዘይተኣዘዝናዮ፡ ነቲ ኣምላኽ ብቓሉ ዚህበና ዘሎ ምስክር ንንዕቆን ነቃልሎን ከም ዘለና ኺስወረና ኣይግባእን’ዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ቅዱስ ዮሃንስ ብንጹር ገሊጹልና ኣሎ።
“እቲ (እግዚአብሔር ኣቦ) ብዛዕባ ወዱ ዝመስከሮ ምስክር፡ እዚ እቲ ምስክር ኣምላኽ’ዩ’ሞ ምስክር ሰብ ንቕበል እንተ ዄንናስ ምስክር ኣምላኽ ካብኡ ይበልጽ’ዩ። ብወዲ ኣምላኽ ዚኣምን እቲ ምስክር (ናይ ኣምላኽ) ኣብ ውሽጡ ኣለዎ። እቲ ንኣምላኽ ዘይኣምን፡ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ወዱ ዝመስከሮ ምስክር ስለ ዘይኣመኖ፡ (ንኣምላኽ) ሓሳዊ ገይርዎ ኣሎ።” 1ዮሃ 5፡9,10
ነቶም ንቓል ኣምላኽ ከም ምስክር ዘይቅበልዎ፡ ኣብ መወዳእታ ፈራዲኦም ኰይኑ ዚቐውም እቲ ቓል ባዕሉ ስለ ዝዀነ፡ ኣዝዩ ዓሻን ክፉእን ምርጫ ኸም ዘልዓሉ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ኺበርሃሎም’ዩ (ዮሃ 12፡48 ፣ እብ 4፡12)
2.ልኡኻት ኣምላኽ ዝዀኑ ሰባት፦ ካብ ጥንቲ ኻብ ፍጥረት ኣትሒዙ፡ እግዚአብሔር ንሰብ ብመልክዑን ብምስሉን ስለ ዝፈጠሮ፡ ከም ህያው ምስክሩ ገይሩ’ዩ ዚገልጾ። እግዚአብሔር ንሰብ፡ ነዚ ድኹም ፍጥረት ከም ምስክሩ ገይሩ ምምራጹ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ማዕረ ኽንደይ ክቡር ፍጥረት ምዃኑ ዓብይ መረጋገጺ’ዩ። እቲ ብኣምላኽ ዚኣምን ኵሉ ሰብ ፡ ብግብራዊ ናብራኡ ዀነ ብቓላት ልሳኑ ናይ እግዚአብሔር ምስክር ናይ ምዃን ጽውዓን ተልእኾን ኣለዎ። ብግብዝነት ንገጽ-ርአ ኢልካ ዘይኰነስ፡ ብቕንዕና ዚግበር ኵሉ ግብርን ዚንጸባርቕ ኵሉ ባህርይን ናይ ሰብ፡ ናይ ኣምላኽ ግሁድ ምስክር’ዩ (ማቴ 5፡13-16 ፣ 1ጴጥ 2፡12 ፣ እብ 11፡39,40 ፣ 12፡1)።
ብዓብዩ እቲ ናይ ኣምላኽ ዝዀነ ሰብ ቃል ወንጌል ኪሰብኽ ከሎ ድማ ንኣምላኽ ምስክር’ዩ ዚዀኖ። ንቅዱሳን ሃዋርያት፡ ምስክር ኪዀንዎ ኸም ዝሓረዮምን ከም ዝለኣኾምን ጐይታና ባዕሉ ገሊጹ’ዩ (ሉቃ 24፡46-48 ፣ ዮሃ 15፡27 ፣ ግብ 1፡8)። ሃዋርያት ባዕላቶም’ውን ምስክር ምዃኖም ይእመኑ ነበሩ (ግብ 1፡21,22,31 ፣ 3፡15 ፣ 4፡33 ፣ 5፡32)። ንዅላቶም ነብያትን ነቶም ግብሩ ዝረኣዩ ህዝቢ እስራኤል’ውን፡
“ንስኻትኩም ምስክረይ ኢኹም” ይብሎም ነበረ (ኢሳ 40፡10,12 ፣ 8፡16)። ስለ’ዚ፡ ከም’ቲ እቲ ቓል ባዕሉ ምስክር ዝዀነ፡ እቶም ነቲ ቓል ዚሰብክዎ ዅላቶም ድማ፡ ናይ እግዚአብሔር ምስክር’ዮም።
3.መንፈስ ቅዱስ፦ እቲ ብምስጢረ ሜሮን ኣብ ውሽጥና ዝሓደረን መቕደሱ ዝገበረናን እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ’ውን፡ ዓብዪ ምስክር’ዩ። ነቶም ልኡኻት ኣምላኽ ኣብ ውሽጦም ኰይኑ ምስጢራት ብምግላጽ ህያዋንን እሙናትን ምስክር ዚገብሮም፡ መንፈስ ቅዱስ’ዩ (1ቈረ 4፡1 ፣ 2ቈረ 3፡6)። ጐይታና’ውን መንፈስ ቅዱስ ምስክሩ ምዃኑ ደጋጊሙ ገሊጹልና’ዩ (ዮሃ 15፡26 ፣ 16፡13-15 ፣ 14፡26)። እዚ መንፈስ ቅዱስ’ዚ ኣብ ውሽጥና ዀይኑ ብዛዕባ ውልድነትና ዀነ ብዛዕባ ዅሉ ኻልእን ንኣና ዚምስክር እሙን ምስክር’ዩ (ሮሜ 8፡14-16)። እቲ ንቕዱስ ዮሃንስ ብዙሕ ነገራት ዘርኣዮ መልኣኽ’ውን ምስክር ናይ ኢየሱስ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ገሊጹሉ ኣሎ (ራእ 19፡10)። ቅዱስ ዮሃንስ’ውን፦
“እቲ መንፈስ’ውን ሓቂ’ዩ’ሞ፡ እቲ መንፈስ’ዩ ዚምስክር ዘሎ።”
ኢሉና ኣሎ (1ዮሃ 5፡7)። ስለ’ዚ እዚ መንፈስ’ዚ እንተ ዘይብልና፡ እቲ ኣብ ህይወት ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘለዎ ሓቀኛ ምስክር ጐዲሉና ስለ ዘሎ፡ እምነትና ኣብ ሓደጋ’ዩ ዚወድቕ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ፡ “እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዘይብሉ፡ ንሱ ናቱ ኣይኰነን” ብምባል ነዚ ሓቂ’ዚ ኣረጋጊጹልና’ዩ (ሮሜ 8፡9)።
4.ኢየሱስ ክርስቶስ፦ ጐይታና ኻብ ዚጽወዓሎም ክቡራት ስማት ሓደ፡ “እሙንን ሓቀኛን ምስክር” ዚብል’ዩ (ራእ 3፡14)። ካብ ዘርኢ ሰብ ናብ ሰማይ ዝደየበ’ሞ፡ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ኺነግረና ዝኸኣለ ሓደ’ኳ የልቦን። እቲ ናይ ሰማይ ምስክር ኣብ ህይወትና ዘለዎ ዕዙዝ ግደ ስለ ዝፈለጠ ድማ፡ እግዚአብሔር ነቲ ሓደ ናይ ባህርይ ወዱ ምስክር ኰይኑ ኼገልግለና ብምስጢረ ተዋህዶ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ኣብ ማእከልና ኺሓድር ለኣኾ። ጐይታና ባዕሉ፦
“ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፡ እንፈልጦ ንዛረብ፡ ዝረኣናዮ’ውን ንምስክር ኣለና፡ ነቲ ምስክርና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም። ........ ብጀካ’ቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ፡ ኣብ ሰማይ’ውን ዘሎ ወዲ ሰብ፡ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ’ኳ የልቦን።”
ብምባል ምስክር ምዃኑ ኣረጋጊጹልና’ዩ (ዮሃ 3፡11,13)። ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ፡ ክርስቶስ እቲ ሓቀኛ ምስክር ምዃኑ ብንጹር ሃይለ-ቃል ካብ ዝመስከሩ ቕዱሳን ሓደ’ዩ።
“....... እቲ ኻብ ሰማይ ዚመጽእ ዘሎ (ኢየሱስ) ግና፡ ንሱ ልዕሊ ዅሉ’ዩ። ነታ ምስክሩ ዚቕበላ ደኣ የልቦን’ምበር፡ ንሱስ ዝረኣዮን ዝሰምዖን’ዩ ዚምስክር። እቲ ነታ ምስክሩ ዝተቐበላ ግና፡ ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ ሓተመ (ኣረጋገጸ)።” ዮሃ 3፡31,32
እቲ ንምስክር ክርስቶስ ዘይተቐበለን ኣብ ውሽጡ ዘየሕደረን ግና፡ ከም’ቲ ኣቐዲምና ኣብ 1ዮሃ 5፡9,10 ዘንበብናዮ፡ ንኣምላኽ ከም ሓሳዊ ዚርእዮን ከምኡ ምዃኑ ኼረጋግጽ ዚፍትንን ዓመጸኛ ሰብ’ዩ። ከም’ቲ ቅዱስ ዮሃንስ ገሊጽዎ ዘሎ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ላዕሊ ዝመጸ ልዕሊ ዅሉ’ዩ። እቲ ንሱ ዚህቦ ምስክር ከኣ፡ ልክዕ ከምኡ፡ ልዕሊ ዅሉ ዝዀነ ምስክር’ዩ። እታ ኻብ ላዕልን ልዕሊ ዅሉን ዝዀነት ምስክር ኢየሱስ ኣብ ውሽጡ ዘላቶ ሰብ፡ ልክዕ ከም ጐይታና ኻብ ዓለም ዘይኰነ ኻብ ላዕሊ ዝተወልደ፡ ናይ ላዕሊ ሰብ’ዩ ዚኸውን (ዮሃ 3፡31 ፣ 8፡23 ፣ ፊሊ 3፡14 ፣ ቈሎ 3፡1-3)። እቲ ምስክር ኢየሱስ ኣብ ውሽጡ ዘይብሉ ሰብ ግና፡ ብባህርዩ ምድራውን ዓለማውን ስለ ዝዀነ፡ ናብ’ታ መንግስቲ ክርስቶስ ኪኣትው ኣይበቅዕን’ዩ (ሉቃ 13፡27)። ነቶም ንምስክር ክርስቶስ ብምእማኖም ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ ዘረጋገጹን ዝተኣመኑን ጻድቃን፡ ክርስቶስ ብዛዕባኦም ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣቦን ኣብ ቅድሚ ዅሎም ቅዱሳን መላእኽቱን ብዛዕባኦም ኪምስክር’ዩ።
“ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ኣታ ሕያዋይን እሙንን ባርያ” ዚብሉ ቓላት፡ ነቶም ብምስክሩ ኣሚኖምሲ፡ ንርእሶም እሙናት ምስክሩ ናብ ምዃን ዝዓበዩ ቅዱሳኑ ዚወሃቡ መለኮታውያን ቅጽላት’ዮም።
እምበኣር፡ በዚ ዘርዚርና ኽንርእዮ ዝጸናሕና ሓቅታት መሰረት፡ ንሕና ደቂ ሰባት፡ ብፍላይ ከኣ እቶም ክርስትያን ዝዀንና ሰባት፡ ዕድመና ምሉእ ብደበና ምስክር ተኸቢብና ንነብር ከም ዘለና፡ ናብ ምሉእ ግንዛበ በጺሕና ኣለና (እብ 12፡1)። እቲ ግብራዊ ምስክሩ ኻብ ዕለተ ልደትና ኽሳዕ’ዛ ዕለት’ዚኣ፡ መዓልቲ መጸ ንርእዮን ንጓሰየሉን ኣለና። እንተ ብንባብ እንተ ብምስማዕ፡ ቃል እግዚአብሔር መዓልቲ መጸ ይምስክረልና ኣሎ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ዝቐብኣቶም ኣገልገልቲ፡ ኣብ ኣብያተ ክርስትያንናን ኣብ ኣባይትናን ብዛዕባ እግዚአብሔር ይምስክሩልና ኣለዉ። እቶም ክልተ መለኮታውያን ምስክራት፡ ክርስቶስን መንፈስ ቅዱስን፡ ድማ ነቲ ሓቀኛ ምስክሮም ኣብ ውሽጥና የውሕዝዎ ኣለዉ። በዚ ዅሉ ምስክራት’ዚ ተመሊእናን ተኸቢብናን ክነስና እግዚአብሔር ኣብ ህይወትና ዝዀነ ምስክር ከም ዘይሓደገ ዄንና፡ ናይ ክሕደት ናብራ ንነብር ከይንህልው ርእስና ንመርምር፡ መገድና ኸኣ ነቕንዕ። እቶም ሎሚ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚምስክሩልና ዘለዉ፡ ኣብ ምጽኣት ጐይታ ብዛዕባና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪምስክሩ ስለ ዝዀኑ፡ እቲ ሽዑ ብዛዕባና ኽንሰምዖ እንደልይ ምስክርን ታሪኽን፡ ሎሚ ኣብ’ዚ ምድሪ’ዚ ዄንና ንስርሓዮ (እብ 13፡17)።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
መስከረም 15, 2015 ግዕዝ (25 መስከረም 2022 ፈ[3ይ ሰንበት: ቊ.6/፮, 2022]) |
||
ምስባክ መዝ 84(85)፡12,13 "እግዚአብሔርኒ ይሁብ ምሕረቶ። ወምድርኒ ትሁብ ፍሬሃ። ጽድቅ የሐውር ቅድሜሁ።" "እግዚኣብሄር ድማ ሰናይ ኪህበና’ዩ። ሃገርና’ውን ፍርያታ ኽትህብ’ያ። ጽድቂ ቐቅድሚኡ ኽትከይድ፡ ኣስኣሰሩ ኸኣ ክትስዕብ’ያ" |
ንባባት |
ኣንባቢ
|
2ጢሞ 2፡1-13 |
ዲያቆን |
|
ያእ 5፡1-9 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 14፡14-19 |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 12፡1-8 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘወልደ ነጐድጓድ |
|
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ