“.........ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ ክነሱ፡ ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩ (ኢሉ)፡ ንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረታትን ሓገገሎም።” ግብ 17፡26-28
እዚ ዘለናዮ ሰንበት’ዚ፡ ካልኣይ ሰንበት ናይ ዘመነ ጽጌ’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ከም ዝረኣናዮ፡ ካብ መስከረም 26 ክሳዕ ሕዳር 5 (ብግእዝ) ዘሎ ጊዜ “ዘመነ ጽጌ” ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። መስከረም 25 “ፀአተ ክረምት” (ምውጻእ ክረምቲ) ይብሃል። ብመሰረት ክሊማ ሃገርና ክረምቲ ካብ ሰነ 25 (በአተ ክረምት ወይ ምእታው ክረምቲ) ክሳዕ መስከረም 25’ዩ ዚዝርጋሕ። እቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ዘፍረናዮ ፍረ እንእክበሉ ናይ ቀውዒ ወቕቲ ኸኣ “ዘመነ ጽጌ (ዘመነ-ፍረ)” ይብሃል። ነዚ ዕለት’ዚ ተሰሪዑ ዘሎ መዝሙር ሰንበት “ኪነ ጥበቡ መንክር ወዕፁብ” ኰይኑ፡ ንእኡ መሰረት ብምግባር ተሰሪዑልና ዘሎ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳንን ምስባክን ድማ ነዚ ንመሃሮ ዘለና ኣርእስቲ ዘማእከለ’ዩ። ሕይወት ሰብ፡ ልክዕ ከም ሕይወት ዘራእቲ’ዩ። ውሱን ጊዜ ተመዲቡሉ’ዩ ዚነብር። እዚ ውሱን ዘመን’ዚ፡ ፍረ ዜፍርየሉ ጊዜ’ዩ። ኣብ’ዚ ንባባትን ምስባክን ናይ’ዚ ዕለት፡ ወዲ ሰብ ህይወቱ ምስ ሳዕርን ዕምባባ መሮርን ተመሳሲሉ ኣሎ። ኣብ’ቲ ናይ 1ጴጥ 1፡17-ፍጻመ ንባብ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ትንቢት ኢሳይያስ ጠቒሱ፦
“ኵሉ ስጋ (ኵሉ ሰብ) ከም ሳዕሪ፡ ኵሉ ኽብሩ’ውን ከም ዕምባባ ሳዕሪ’ዩ። እቲ ሳዕሪ ይነቅጽ፡ እቲ ዕምበባ’ውን ይረግፍ።” ብምባል፡ ኣብ ምድሪ ሕይወት ሰብ እንታይ ከም ትመስል ኣፍሊጡና ኣሎ (1ጴጥ 1፡24 ፣ ኢሳ 40፡6-8)። ኣብ’ቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል’ውን ጐይታና ንሕይወት ሰብ ምስ ዕምባባ መሮር ብኸም’ዚ ዚስዕብ ኣዛሚዱ ገሊጽዎ ኣሎ።
“ከመይከ ብናይ ክዳን እትጭነቑ ንዕምበባታት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዚዓብዩ ተመልከቱ፡ ኣይደኽሙ ኣይፈትሉ፡ ምስናይ’ዚ ግና ‘ሰለሞን’ኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻብኣቶም ከም ዘይተኸድነ’፡ እብለኩም ኣለኹ። ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበይ ሳዕሪ መሮር ከም’ዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ ደኣ፡ ኣቱም ጕዱላት እምነት፡ ንኣኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፧” ማቴ 6፡28-30
ንሕና’ውን ሎሚ ሃሊና ጽባሕ ዘይንህልው፡ ሰብ ውሱን ዕድመ ስለ ዝዀንና፡ በቲ ሎሚ ዘሎ ጽባሕ ግና ዘይህልው ሳዕሪ መሮር ክንምሰል ግቡእ ኣገላልጻ’ዩ። እቲ ኻብ ናይ ቅዱስ ዳዊት መዝሙራት ዝተወስደ ምስባክ’ውን ነዚ ዝተገልጸ ናይ ሰብ ሕይወት እንታይነት ዜረጋግጽ’ዩ።
“ፍጥረትና ይፈልጥ’ዩ’ሞ፡ ሓመድ ምዃንና ይዝክር’ዩ። ሰብሲ መዓልትታቱ ኸም ሳዕሪ’ዩ። ከም ዕምበባ መሮር ይዕምብብ። ንፋስ ብልዕሊኣ ይሓልፍ’ሞ፡ ከቶ ኣይትርከብን’ያ፡ ቦታኣ’ውን (ኣይፍለጥን’ዩ)።” መዝ 103፡14-16
ኣብ’ዛ ምስባክ’ዚኣ ኽልተ ኣገደስቲ ባህርያት ናይ ሰብ ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ቐዳማይ ሓመድ ምዃንና፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ሳዕሪ ምዃንና’ዩ። ሳዕሪ’ውን ሓመድ’ዩ። ካብ ሓመድ ይወጽእ፡ ምስ ነቐጸ ድማ በስቢሱ ናብ ሓመድ’ዩ ዚቕየር። ኣዳም ብሓጢኣት ምስ ወደቐ፡ እግዚአብሔር፦ “ናብ’ታ ዝተፈጠርካላ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስ፡ እንጌራኻ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ፡ መሬት (ሓመድ) ኢኻ’ሞ፡ ናብ መሬት ድማ ትምለስ።” ኢሉ ዅነታት መጻኢኡ ኣፍለጦ (ዘፍ 3፡19)። ስለ’ዚ ምድራዊ ህላወና ክንሰግሮ ብዘይንኽእል ደረት ዝተሓጽረ’ዩ። ኣቦና እዮብ’ውን ነዚ ሓቂ’ዚ ብስእላዊ መገዲ ገሊጽዎ ኣሎ።
“ዕድመ ሰብ ምዱብ’ዩ፡ ኣዋርሑ ኣባኻ ቍሩጽ (ውሱን)’ዩ፡ ዘይሓልፍ ደረት’ውን ወሰንካሉ። ንሱ ኸም ብዓል ውዕለት ኣበርቲዑ ዚዓይይ እዩ’ሞ፡ መዓልቱ ኽሳዕ ዚፍጽም ኪዓርፍሲ፡ ገጽካ ኻብኡ ምለስ። ኦም ተስፋ ኣለዎ፡ እንተ ተቘርጸ’ኳ መሊሱ ይጥጥዕ’ዩ፡ ውልዶታቱ ይዓብይ።.......... ሰብ ግና ይመውት’ሞ ወዲቑ ይተርፍ፡ እስትንፋሱ እንድሕሪ ሓሊፋስ ኣሰሩ ኣይርከብን’ዩ። ከም’ቲ ኣብ ርባ ዘሎ ማይ ዚነጽፍን ዚደርቕን፡ ሰብ ከኣ ከምኡ ሞይቱ ኣይትንስእን፡ ሰማያት ክሳዕ ዚሓልፍ ከቶ ኣይነቅሕን፡ ካብ ድቃስ ኣይበራበርን።” እዮ 14፡5-7, 10-12 ካ.ት
ንምንታይ’ዩ እግዚአብሔር ንዕድመና ብሞት፡ ንናብራና ድማ ብሕጋጋት ደረት ዝገበረሉ፧ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ነዚ ሕቶ’ዚ ንኺምልሰልና ዝተሰርዐ’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣነጺሩ ኣብሪሁልና ኸም ዘሎ፡ ሕይወትና ብውሱን ዓመታት ናብራና ድማ ብድዉብ ደረታት (ብሕጋጋት) ዝተደረተሉ ዕላማ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኽንደልዮ፡ ካብ ምድላይ ሓሊፍና’ውን ምእንቲ ኽንረኽቦ’ዩ። እግዚአብሔር ብህላወኡ ምሉእ ዝዀነ፡ ኣብ ኵሉ ሰማያትን ምድርን፡ ኣብ መዓሙቝ ሲኦል ከይተረፈ ዚርከብ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ዝሃለና ሃሊና ምስ ኣምላኽ ኢና እንነብር። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ መሪሕ ጥቕስና፡ ካብ ነፍሲ ወከፍና ርሑቕ ከም ዘይኰነ ዝሓበረና። እንተ ዀነ ብዓይኒ ስጋ ዘይረኣይ ረቂቕ መንፈስ ስለ ዝዀነ፡ ምሳና ኸም ዘሎ ኣይፍለጠናን’ዩ፡ ኣይንፈልጥን ከኣ ኢና። ስለ’ዚ ነዚ ምሳና ዘሎ ግን ከኣ ዘይንርእዮ ኣምላኽ ሃሰስ ኢልና ኽንደልዮን ክንረኽቦን፡ ናይ’ዛ ሓጻር ዕድመና ተልእኾ (Mission) ኰይኑ ተዋህበና። ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ብሕይወት እናነበረ፡ ንኣምላኽ ምድላይን ምርካብን ዝረስዐ ሰብ፡ ትርጕም ህላወኡ ዝረስዐን ዝኸሓደን ሰብ’ዩ። ነዛ ሓጻር ዕድመ ንበይና ኸም ዓባይ ቍምነገርን ረብሓን ቈጺሩ፡ ንኣኣ ሒዙ ዝዀብለለ ሽፍታ’ዩ። ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ንዚዕዘበና ዀነ ብዛዕባና ንዚሰምዕ ኵሉ ሰብ፡ ዋላ ንገዛእ ርእስና’ውን ዜገርም “ጽቡቕ” ዚበሃል ሕይወት ክንነብር ንኽእል ኢና። ነቲ ንኣምላኽ ናይ ምድላይ ተልእኾና ኣወንዚፍና ንነብር እንተ’ሊና ግን፡ እቲ ዝኸፍአ መስክሕ ዝዀነ ናይ ዕሽነት ናብራ ኸም ዝነበርና፡ ኣብ መዓልቲ ትንሳኤ ኪገሃድ’ዩ። ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ሰብ ካብ ህዝቢ ወይ ካብ መንግስቲ እንተ ሸፈተ፡ ኣብ በረኻ ኪሕባእን ከይርከብን ይኽእል’ዩ። ካብ’ቲ ኻብኡ ዘይፍለይ፡ ኵሉ ግዜ ምስኡ ዚነብር ኣምላኽ ኪስወር ግን ፈጺሙ ኣይክእልን’ዩ። እግዚአብሔር ዘይርአ ኣምላኽ ምዃኑ፡ ህላወኡ ኽንክሕድ ወይ ክንርስዖን ክንርሕቆን ኪቕስበና ዘይኰነ፡ ንኽንደልዮን ክንረኽቦን ብርቱዕ ጽምኣትን ናፍቖትን ኬለዓዕለልና’ዩ ዚግባእ። እግዚአብሔር ርእሱ ዚስውረሉ መሰረታዊ ዕላማኡን ምኽንያቱን ከኣ ንሱ’ዩ።
“ዎ ኣምላኽ እስራኤል፡ ዎ መድሓኒ፡ ብሓቂ ንርእስኻ እትስውር ኣምላኽ ኢኻ።” ኢሳ 45፡15
“ንእግዚአብሔር እነኽብሮ ንዅሉ ነገር ሰዊርዎ ስለ ዚነብር’ዩ፡ ንነገስታት እነኽብሮም ግና ንዅሉ ነገር መርሚሮም ስለ ዚገልጹልና’ዩ። (ክብሪ እግዚአብሔር (ኣብ) ምስዋር ነገር’ዩ፡ ክብሪ ነገስታት ግና ኣብ ምምርማር ነገር’ዩ።” ምሳ 25፡2 (ካ.ት+ቀ.ት)
ስለ’ዚ ንስወራ (ንምስዋር)ናይ ኣምላኽ፡ ካብ’ቲ ናይ ሕይወት ተልእኾና ንምብኳር ከም ምኽንያት ክንጥቀመሉ ኣይግባእን’ዩ። ብኣንጻሩ ንኣምላኽ ናይ ምድላይን ናይ ምኽባርን ብርቱዕ ሃንቀውታን ድርኺትን ኬለዓዕለልና’ዩ ዚግባእ። በቲ ናብ ድልያ ናይ ኣምላኽ ኪድርኸካ ዝተፈጸመ ተግባር ተዓንቂፍካ፡ ካብ ድልያ እንተ በዂርካ፡ ንሓጢኣትካ ዚበቅዕ ምኽንያት ከም ዘየልቦ ንኺገልጽ ጐይታና፦ “ኣነ መጺአ እንተ ዘይነግሮም፡ ሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ። ሕጂ ግና (መጺኣ ስለ ዝነገርክዎም) ንሓጢኣቶም ምኽንያት የብሎምን።” ብምባል ብንጹር ኣፍሊጡና’ዩ (ዮሃ 15፡22)። ባዕሉ ብኣካለ-ስጋ ተገሊጹ፡ ንቕዱሳን ሃዋርያቱ ብመንፈስ ቅዱስ ልኢኹ፡ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ናይ ምፍጣርናን ናይ ምንባርናን ዕላማ “ንኣምላኽ ሃሰስ ኢልካ ምድላይን ምርካብን” ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ፡ ንኣምላኽ ካብ ምድላይን ካብ ምኽባርን ዝበዀረ ሰብ፡ ንሓጢኣቱ ምኽኑይ ዚገብረሉ ዝዀነ ዓይነት ምስምስ ኪህልዎ ኣይክእልን’ዩ። ምኽንያቱ ነቲ ዘይርአ ኣምላኽ፡ ባዕሉ ክርስቶስ ኣግሂድዎ’ዩ (ማቴ 11፡27 ፣ ዮሃ 6፡46 ፣ ዮሃ 14፡9,10 ፣ ዘዳ 33፡20)።
“ሓደ’ኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን፡ እቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዱ (ዝዀነ ኢየሱስ)፡ ንሱ ኣግሃዶ።” ዮሃ 1፡18
ስለ’ዚ ይትረፍ በቲ “ንኣይ ዝረኣየ፡ ነቦ ረኣየ” ዝበለ ኢየሱስ ጐይታናን ተጋሂዱስ፡ እቶም ኣብ ናይ ብሉይ ኪዳን ጸልማት ዚነብሩ ዝነበሩ ኣህዛብ’ኳ፡ ነቲ ንኣምላኽ ዘይምድላዮምን ዘይምርካቦምን፡ ካብ ፍርዲ ዜድሕኖም ምኽንያት ኪረኽቡሉ ኣይከኣሉን። ምኽንያቱ ብኣካል መጺኡ ዜግህደሎም’ኳ እንተ ዘይረኸቡ፡ ብግብሩ ዚገሃድ ኣምላኽ ምዃኑ ስለ ዘየስተውዓሉ’ዩ።
“ኣምላኽ (ነህዛብ) ስለ ዝገለጸሎም፡ እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ኪፈልጥዎ ዚግባእ ኣብኣቶም ግሉጽ’ዩ። ከመይ ዜመኻንይዎ ምእንቲ ኺስእኑ፡ እቲ ዓለም ካብ እትፍጠር ጀሚሩ ተራእዩ ዘይፈልጥ ባህርይ እግዚአብሔር፡ ማለት ዘለኣለማዊ ሓይሉን መለኮቱን፡ ብፍጥረቱ ኣጸቢቑ ተጋህደ። ምኽንያቱ ንኣምላኽ (ብፍጥረቱ) እናፈለጥዎስ ከም ኣምላኽ ገይሮም ኣየኽበርዎን፡ (ኣየመስገንዎን’ውን)፡ እኳ ደኣ ብሓሳቦም ከንቱ ዀኑ፡ እቲ ዘየስተውዕል ልቦም’ውን ጸልመተ። “ለባማት ኢና” እንተ በሉ’ኳ ዓሽዮም ተረፉ። ንኽብሪ ናይ’ቲ ዘይመውት ኣምላኽ፡ ናብ ምስሊ መዋቲ ሰብን (እንስሳታትን) ለወጥዎ። ስለ’ዚ ኣምላኽ፡ ሰብነት ሓድሕዶም ኬሕስሩ፡ ብትምኒት ልቦም ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሃቦም።” ሮሜ 1፡19-24 ካ.ት
ምኽንያቱ ነቲ ዘይርአ ሓቀኛ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይደልዩ፡ ግሁድ መርኣያ ናይ ዕሽነቶም ዚኸውን ዚርአ “ኣምላኽ” ባዕላቶም ጠፍጢፎምን ቀጥቂጦምን ሰርሑ። ስለ’ዚ ኸኣ እቲ ኣብ ሮሜ 1፡18 ዘሎ ናይ ፍርዲ ሃይለ-ቃል ብዛዕባኦም ተጻሕፈ። “ቊጥዓ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ኣብ ረሲእነትን ዓመጻ ዘበለ ዂሉን ነቲ ሓቂ ብዓመጻ ኣብ ዚኸድንዎ ሰባት ይግለጽ’ዩ።”
እቲ ዕላማ ምፍጣርና ንኣምላኽ ምድላይ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ናይ ድልያ ዘመንና ንምንታይ ክሳዕ ክንድ’ዚ ኺሓጽር ኣድለየ፧ እቲ ዕድመ እንተ ዚነውሕ፡ ነቲ ንእኡ ናይ ምድላይ ባህግናን ተኽእሎናን ኣይመዕበዮንዶ፧ ታሪኽ ኰነ ትዕዝብትና ኸም ዜረጋግጸልና፡ እቲ ሓቂ ብኣንጻሩ’ዩ። ኣብ ዘመን ሎጥን ዘመን ኖህን ዝነበረ ዕድመ ኣዝዩ ነዊሕ’ዩ ዝነበረ። እንተ ዀነ ትዕግስቲ ኣምላኽ ዚጽንቅቕ ዝርጋንን ክሕደትን ደኣ በዝሐ’ምበር፡ ንኣምላኽ ምድላይን ብመገዲ ጽድቂ ምምልላስንሲ ከቶ ኣይተራእየን። ኣብ ሰዶምን ጎመራን ብዘይካ ሎጥ ዝዀነ ኻልእ ጻድቕ ሰብ ኣይተረኽበን። ስለ’ዚ ኸኣ ንሱን ሳላኡ ኸኣ ስድራ ቤቱን ጥራሕ ካብ’ቲ መዓት ደሓኑ። ናይ ኖህ’ውን ተመሳሳሊ ታሪኽ’ዩ። ዝነውሐ ዕድመ እንተ ተዋህበና፡ ዝሰፍሐ ናይ ምሕጣእ ዕድል ከም ዝተዋህበና ናይ ምሕሳብ ዝምቡዕ ኣተሓሳስባ ስለ ዘማዕበልና፡ ነቲ ብምሕረቱ ዝረኸብናዮ ትዕድልቲ፡ ብዝኸፍአ መገዲ ንመነወሪና ኢና ንጥቀመሉ። ነታ ናይ መወዳእታ መዓልትና ዘይንፈልጣ ኽነስና፡ ክሳዕ መወዳእታ ኸም ደስ ዝበለና ጌርና ኽንዕንድር’ሞ፡ ኣብ’ታ ኣፋን ዕርበታን ብንስሓ ኽትምለስ ናይ ምድላይ ጠባርን በለጻውን ዝንባለ’ዩ ዘሎና። መዓልቲ ሞትና ዀነ መዓልቲ ምጽኣት ጐይታ መዓስ ምዃኑ ናይ ምፍላጥ ባህግና፡ ካብ’ዚ ዓለወኛ ኣተሓሳስባ’ዚ’ዩ ዚነቅል። ገና ኽንውለድ ከለና ልክዕ ኣብ ሰማንያ ዓመትና ኸም ንመውት እንተ ዚንገረና፡ ክሳዕ ድሮ ናይ 80 ዓመት ዕለትና ዓንዲርና፡ ብሒደት ናይ ንስሓ ቓላት ናብ ኣምላኽ ክንምለስ ምመረጽና። እዚ እኩይ ምርጫ’ዚ ደለይቲ ኣምላኽ ምዃንና ኼረጋግጸልና ዚኽእል ድዩ፧ ፈጺምካ ዘይሕሰብ’ዩ። ዋላ ብኣካል ናብ ቤተ ክርስትያን ሰንበት መጸ እናተመላለስና’ኳ ኣብ ምስጢረ ንስሓ ዀነ ኣብ ምስጢረ ቍርባን ከይተሳተፍና እንነብር ሰባት ማእለያ የብልናን። ዓቕምና ጠሊሙና፡ ኣካላትና ደሪቑ፡ ንናይ ሓጢኣት ባህግና ኼማልእ ዘይክእል ምስ ኰነ፡ ብሰብን ብምርኩስን ተደጊፍናን ተጐቲትናን ክንቈርብ እንደልየሉ ምኽንያት፡ ብሓጢኣት ንሰይጣን’ምበር፡ ብጽድቂ ንኣምላኽ ናይ ምግልጋል ባህጊ ስለ ዘይብልና’ዩ። ነዚ ዓመጸኛ ባህጊ’ዚ ብምንዋሕ ዕድመ ኸተዐርዮ ወይ ክትልውጦ ኣይከኣልን’ዩ። ነቲ ጐይታና፦
“ብሒደት እሙን ዝዀነ (ሰብ)፡ ብብዙሕ ድማ እሙን’ዩ። እቲ ብሒደት ዚዕምጽ (ሰብ) ድማ ብብዙሕ’ውን ዓማጺ’ዩ።” ዝበሎ ቓል ድማ ኣይንረስዓዮ (ሉቃ 16፡10 ፣ 19፡17)። ብናይ ሓጥእን ውዱቕን ሰብ ኣእምሮን ኣተሓሳስባን ስለ ንመላለስ፡ ዕድመ እንተ ወሰኽና ሓጢኣት ኣባና ዚዕንድረሉ ጊዜ ጥራሕ’ዩ ዚሰፍሕ።
እቲ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ብጽድቂ ዚመላለስ ሰብ ግና፡ ንኣተሓሳስባኡን ዓይነት ህይወቱን ብምናሕን ምሕጻርን ናይ ዕድሚኡ ዘይኰነስ፡ ብትእዛዝ ኣምላኽን ንኣምላኽ ብዘለዎ ፍቕርን’ዩ ዜማእዝኖ። ስለ’ዚ ሰብነቱ ነቀይ ነቀይ ምስ በለ ዘይኰነስ፡ ካብ ዘመን ቍልዕነቱን ንእስነቱን ጀሚሩ’ዩ ንኣምላኽ ብምሉእ ልቡ ዚደልዮን ዚስዕቦን፡ ብፍቕሪ ከኣ ዜገልግሎ። ከም’ኒ ቅዱስ ዳዊትን ዮሴፍን ዝኣመሰሉ ኣቦታትና፡ ንእግዚአብሔር ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም ዘፍቀርዎ፡ ዝሰዓብዎ፡ ዘገልገልዎ ኣብነታውያን ኣቦታት ኣለዉና (መዝ 71፡4-6,17 ፣ 22፡9,10 ፣ ኤር 2፡2-3 ፣ 3፡4)። ሓይልን መኣዛን ናይ ንእስነትና ብሓጢኣት ዘባኸንናን ዘቃጸልናን ሰባት እንተ ዀንና’ውን ካብ’ቲ ዝተመሃርናሉን ዝፈለጥናሉን ጊዜ ጀሚርና፡ ኣብ’ተን ተሪፈናና ዘለዋ ዝርካበን ዕድመና ብምሉእ ልብናን ብልዑል ተወፋይነትን ክንደልዮን ክንስዕቦን’ዩ ዚግብኣና። ምኽንያቱ እግዚአብሔር ብዛዕባ’ቶም ንእኡ ናይ ምድላይ ናይ ሕይወት ተልእኾም ዝደርበዩ ሰባት፦
“ነቶም ካብ እግዚአብሔር ዚርሕቁን ንእግዚአብሔር ዘይደልይዎን ዘይሓትዎን (ሰባት) ከጽንቶም’የ።” ብምባል ኣፍሊጡና’ዩ (ጸፎ 1፡6)። ኣቦታትና “ገ እናበሉኻዶ ትጋገይ” ከም ዚብሉ፡ ንኣምላኽ ናይ ምድላይ ረብሓን ንኣምላኽ ናይ ዘይምድላይ ሳዕቤንን ብግህዶ እናተነግረካ ምግጋይ መዋጽኦ ናብ ዘይርከቦ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ዚመርሕ ከቢድ ዕሽነት’ዩ።
ነቲ ምድላይስ ሕራይ ንቀበሎ፡ ብኸመይ ኢናኸ ኽንደልዮ፧ ዓይነት ኣደላልያና፡ ኣብ ዓይነት ናይ’ቲ እንደልዮ ኣካል’ዩ ዚምርኰስ። ሰብን ንብረትን ብኸመይ ደሊኻ ኸም ዚርከብ ናይ ምሉእ ዕድመ ተመክሮ ስለ ዘሎና፡ እቲ ኣገባብ ንዅላትና ግሁድ’ዩ። መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ ኣብ’ቲ ዝተመደበልና ውሱን ዓመታት ክንነብረሉ ዝተዋህበና ድዉብ ደረታት’ውን ኣሎ። ኣብ’ዘን ውሑዳት ዓመታትና፡ ካብ’ቲ ዝተዋህበና ዶብን ደረትን ከይወጻእና ንነብር እንተ ዄንና፡ ናይ ብሓቂ ደለይቲ ኣምላኽ ኢና፡ ናይ ብሓቂ ድማ ረኺብናዮስ ምስኡ’ውን ንነብር ኣለና ማለት’ዩ። ነቲ ንሱ ዝሓንጸጸልና ዶብን ደረትን ጥሒስና፡ ከም ቃሕ ዝበለና ንመላለስ እንተ’ሊና ግን፡ ሽዑ ገጽ እግዚአብሔር ንዘይምድላይ ኰብሊልና ሸፊትናን ምህላውና ግሁድ ምልክት’ዩ። በቲ ንሰብ እንደልየሉ ኣገባብ ጌርና፡ ንእግዚአብሔር ኣብ ህንጻታት፡ ኣብ ጐደናታት፡ ኣብ ኣደባባያት ክንደልዮ ኣይንኽእልን ኢና። ከምኡ ጌርካ ዚድለይ፡ እቲ ብዓይኒ ዚረኣይ ግዙፍ ኣካል ዘለዎ ጥራሕ’ዩ። እቲ ንኣምላኽ እንደልየሉ “ድዉብ ደረታት” ድማ እቲ ኽንምርሓሉ ዝተዋህበና ቓል እግዚአብሔር’ዩ። ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ምስ ተፈጥሩ፡ እቲ ኺገብርዎ ዚግብኦምን ዘይግብኦምን ብንጹር ተሓቢሮም “ድዉብ ደረት” ተገብረሎም። ስለ’ዚ ናይ ብሓቂ ደለይቲ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም፡ ነዛ ዝተሓገገትሎም ደረት ኬኽብርዋ’ምበር፡ ኪጥሕስዋ ኣይነበሮምን። ነታ ደረት ምስ ጠሓስዋ ግን፡ ንኣምላኽ ኪደልይዎ ዘይኰነስ፡ ንሱ ንኣታቶም ደልዩ ምስ መጸ ከኣ ኪሕብእዎን ኪርሕቅዎን ደኣ መረጹ (ዘፍ 3፡1-11)። ስለ’ዚ እቲ ዕለት መጸ’ኳ እንጥሕሶ ትእዛዛቱ፡ ደለይቲ ኣምላኽ ዘይምዃንና፡ ዓብይ መርትዖ ዀይኑ የቃልዓና ኣሎ። ብሓቂ ደለይቱ እንተ ዄንና፡ ትእዛዛቱ ናይ ምኽባር ድልየትና እናዓዘዘ’ዩ ዚኸይድ። ንኣምላኽ ፈጺምና ዘይንደልዮ ምስ እንኸውን ከኣ፡ ንትእዛዛቱ ኣፍሪስና ብዕንደራን ፋሉልነትን ናይ ምምልላስ ባህግና ይዓዝዝ። ብፍቕሪ ገዲፍና ብጽልኢ፡ ብምሕረት ገዲፍና ብቒምታ፡ ብልግሲ ገዲፍና ብንፍገት፡ ብሕያውነት ገዲፍና ብጭካነ ንመላለስ። ነቲ መጋብርና ጽቡቕ ጌርና ስለ ንፈልጦ፡ ጽቡቕ ከም ዘየፍድየና’ውን ስለ ንፈልጥ፡ ህላወ ኣምላኽ የሰቅቐና’ምበር፡ ኣየገድሰናን’ዩ። ሓጺር ዕድመ ዘሎና ምዃንና ኣዝዩ ዜፍርሃና ኸኣ፡ በቲ ሓደ ወገን ካብ’ቲ እነፍቅሮ ሓጢኣት ስለ ዚፈላልየና ኪኸውን ከሎ፡ በቲ ኻልእ ወገን ከኣ፡ ድሕሪ ሞት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንፍርዲ ደው ከም እንብል ምፍላጥ’ዩ (እብ 9፡27,28 ፣ መክ 11፡9,10 ፣ 2ቈረ 5፡9,10)። ናይ ሕዝቢ እስራኤል ባሕርይ፡ ከም’ዚ ናትና’ዩ ዚመስል። ብዓይኒ ስጋ ንዝጠመቶም ሰብ፡ “ከምኦም ገይሩ ንኣምላኽ ዚደልይ ህዝቢ የለን” ኢሉ ምደምደመ። እቲ ኻብ ነፍሲ ወከፎም ዘይረሓቐ፡ ኣብ ሕቡእን ግሁድን ቦታ፡ ኣብ ብርሃንን ጸልማትን፡ ኣብ በይኖምን ምስ ሰብን ኰይኖም ዚገብርዎ ዚፈልጥ፡ ንልቦምን ኰላሊቶምን ብደቂቕ ዚምርምር ኣምላኽ ግን በቲ ጥበራዊ ድልያኦም ስለ ዘይተታለለ ይቐልዖም ነበረ።
“ንሕዝበይ ኣበሳኦም ንቤት ያእቆብ ድማ ሓጢኣቶም ንገሮም። ኣብ ጸጽባሕ ይደልዩኒ፡ መገድታተይ ኪፈልጡ ድማ ይፈትዉ። ከም’ቲ ጽድቂ ዚገብርን ሕጊ ኣምላኹ ዘይሓደገን ሕዝብስ፡ ሕጊ ጽድቂ ኻባይ ይደልዩ፡ ናብ ኣምላኽ ኪቐርቡ’ውን ይፈትዉ። .....እዚ ሕዝቢ’ዚ ብኣፉ የምልኸኒ (ይቐርበኒ)፡ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ካባይ ርሑቕ’ዩ። ንኣይ ከኣ (ብምህሮ) ባህሊ ሰብ ገይሮም’ዮም ዜኽብሩኒ ዘለዉ።” ኢሳ 58.2 (ቀት) ፣ 29፡13 (ካ.ት)
ከም’ዚ ዝኣመሰለ ሕዝቢ፡ ንገዛእ ርእሱ ከም ደላይ ኣምላኽ እንተ ቘጺርዋ፡ ኣዝዩ ዝተጠበረ ሕዝቢ’ዩ። እግዚአብሔር ግና ብመስዋእቲ፡ ብጾም ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ’ቲ ማሕበራዊ ናብራኦም ብዚነብርዎ ግብራዊ ናብራ ኬኽብርዎ ከም ዚደልይ ኣግሂዱ ነገሮም (ኢሳ 1፡10-17)። ብግብሪ ስጋ (ብሓጢኣት) ዘይኰነ ብፍረ መንፈስ (ብግብሪ-ጽድቂ) ንመላለስ እንተ ዄንና፡ ናይ ብሓቂ ደለይቲ ኣምላኽ ምዃንና ንዚዕዘበና ኣምላኽን ሰብን፡ ከምኡ’ውን ንገዛእ ርእስና ኸነረጋግጽ ኢና (ገላ 5፡16-24 ፣ ፊል 1፡9-11 ፣ ቈሎ 1፡10 ፣ 1ጢሞ 6፡10 ፣ 2ጢሞ 2፡22)።
እምበኣር እቲ ንምድሓን ዝለበመ ክርስትያን ሰብ፡ ብዛዕባ ምንዋሕን ምሕጻርን ናይ ዕድሚኡ ዘይኰነ፡ ብዛዕባ’ቲ ዚነብሮ ዓይነት ናይ ሕይወት’ዩ ዚግደስ። ኣብ’ተን ሃሰስ ኢሉ ንእግዚአብሔር ኪደልዮን ኪረኽቦን ዝተሰርዓሉ ዝርካበን ዓመታት፡ ንእግዚአብሔር ብምሉእ ልቡ ኣብ ምድላይ’ዩ ዜተኵር። ምኽንያቱ ናይ ሕይወት ተልእኾኡ ንሱ ምዃኑ ኣጸቢቑ ይፈልጥ’ዩ። እግዚአብሔር ከኣ እሙን ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ነቶም ዚደልይዎ ይርከበሎም’ምበር፡ ኣይስወሮምን’ዩ። ነቶም ዝረስዕዎን ዝሓደግዎን ግና፡ ይሓድጎምን ይስወሮምን’ምበር፡ ኣይቀርቦምን’ዩ (2ዜና 15፡2,4)። እቲ ነቶም ዘይደልይዎን ዘይስዕብዎን ዝበሎ ቓል ፍርዲ ድማ፡ ይትረፍ ኣብ ልዕሌና፡ ኣብ ልዕሊ ጸላእትና ኺወርድ’ኳ ዘይንምነዮ’ዩ።
“ኣቱም ዓያሱ፡ ክሳዕ መኣዝከ ዕሽነት ክትፈትዉ ኢኹም፧ (ነቶም)መላገጽቲ ኸኣ ክሳዕ መኣዝ ላግጺ ባህ ኪብሎም∶ (እቶም) ደናቝርቲ’ውን (ክሳዕ መኣዝ) ፍልጠት ኪጸልኡ’ዮም። ናብ ተግሳጸይ ተመለሱ፡ እንሆ፡ መንፈሰይ ከፈልፍለልኩም ቃላተይ’ውን ከፍልጠኩም’የ። ጸዊዐስ “እምቢ” ስለ ዝበልኩም፡ ኢደይ ዘርጊሐውን ዘስተብሃለ ስለ ዘየልቦ፡ አረ ምኽረይ ዘበለ ደኣ ኣበኹም፡ ተግሳጸይ ከኣ ኣይተቐበልኩምን። ኣነ’ውን፡ እቲ እትፈህዎ ኺመጽእ ከሎ፡ እቲ እትፈርህዎ ኸም ህቦብላ ኺመጽእ፡ መከራ ኸም ሸምቦባ ዀይኑ ኺበጽሓኩም፡ ጸበባን ጭንቀትን ኪወርደኩም ከሎ፡ ብመከራኹም ክስሕቕ’የ፡ ኣነ ኸባጭወልኩም’የ። ሽዑ ናባይ ኪምህለሉ’ዮም፡ ኣነ ግና ኣይክመልሰሎምን’የ፡ ኣንጊሆም ኪደልዩኒ፡ ግናኸ ኣይኪረኽቡንን’ዮም። ፍልጠት ስለ ዝጸልኡ፡ ፍርሃት እግዚአብሔር ስለ ዘይመረጹ፡ ምኽረይ ስለ ዘይፈተዉ፡ ንዅሉ ተግሳጸይ ስለ ዝነዓቕዎ፡ ፍረ መገዶም ኪበልዑ፡ ካብ’ቲ ምኽሮም ከኣ ኪጸግቡ’ዮም። እወ፡ ነቶም ዓያሱ ዕልወቶም ኪቐትሎም፡ ነቶም ደናቝርቲ ኸኣ እቲ ሸለል ምባሎም ኬጥፍኦም’ዩ። እቲ ዚሰምዓኒ ግና ብደሓን ኪነብር፡ ንኽፉእ ከይፈርሀ ኸኣ ኪሃድእ’ዩ።” ምሳ 1፡22-33
ሕይወት፡ ኵሉ ጊዜ ብምርጫ’ያ ትንበር። እግዚአብሔር ከኣ ይዕድምን ይምዕድን’ምበር፡ ኣየስገድድን’ዩ። እዛ ሓጻር ዕምርና፡ ናይ ተልእኾ ዘመን ምዃና፡ እቲ ተልእኾ ድማ ንኣምላኽ ምድላይ፡ እቲ ናይ ድልያ ሜላ ድማ ንቓሉ ምእዛዝ ምዃኑ ተነጊሩና ኣሎ። ነቶም ብልቦና ዝተኣዘዙ፡ ብንውሓቱ ደረት ኣልቦ ዝዀነ ዘለኣለማዊ ሕይወት፡ ብዓይነቱ ኸኣ ናይ ክብርን ሓጐስን ንግስነትን ዘመን ተሰሪዑሎም ኣሎ። ነቶም ንዕሽነቶም በካይዳኦም ዘግሃዱ ድማ፡ ናይ ስቓይን ውርደትን ዘለኣለም ተሰሪዑሎም ኣሎ። እምብኣር ንለብም’ሞ፡ ነዚ ዝተመደበልና ውሱን ዕድመን ድዉብ ደረትን ናብ ረብሓና ንለውጦ’ምበር፡ ብዕሽነትና ንዘለኣለም ኣይነጸልምቶ!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ጥቅምት 6, 2015 ግዕዝ (16 ጥቅምቲ 2022 ፈ [6ይ ሰንበት: ቊ.9/፱ ]) |
||
ምስባክ መዝ 102(103)፡14-15 “ተዘከር እግዚኦ ከመ መሬት ንሕነ። ሰብእሰ ከመ ሣዕር መዋዕሊሁ። ወከመ ጽጌ ገዳም ከማሁ ይፈሪ።” “ፍጥረትና ይፈልጥ’ዩ’ሞ፡ ሓመድ ምዃንና ይዝክር’ዩ። ሰብሲ መዓልትታቱ ኸም ሳዕሪ’ዩ፡ ከም ዕምባባ መሮር ይዕምብብ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ
|
ኤፌ 6፡1-9 |
ዲያቆን |
|
1ጴጥ 1፡17-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 17፡23-ፍጻመ |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 6፡19-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘእግዝእትነ ማርያም |
|
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ