“ነቲ ኣባይ ዘሎ፡ ፍረ ዘይፈርይ ዘበለ ዅሉ ጨንፈር (ኣቦይ) የርሕቖ። ነቲ ፍረ ዚፈርይ ዘበለ ጨንፈር ግና፡ ኣዝዩ ምእንቲ ኺፈርይ (ኣቦይ) የጽርዮ። ንስኻትኩም ከኣ ሳላ’ቲ ዝነገርኩኹም ቃል፡ ድሮ ንጹሃት ኢኹም።” ዮሃ 15፡2,3።
ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 26 ክሳዕ ሕዳር 5 (ጥቅ.6 ክሳዕ ሕዳ.14ፈ.) ዘሎ ቕንያት፡ “ኣባ ዮሐኒ ጽጌ” ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። ነቲ ብምኽንያት ንጉስ ሄሮድስ ዝሓሰቦ ቕትለት ህጻናት ቤተ-ልሄም፡ ብትእዛዝ መልኣኽ እግዚአብሔር፡ ጐይታና ኣብ ጊዜ ናጽላነቱ ምስ ቅዱስ ዮሴፍን ምስ ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ናብ ግብጺ ዝገበሮ ስደት ንምዝካር ዝተሰርዐ ጊዜ ኸኣ’ዩ። ካብ ጥቅ 30 - ሕዳር 5 ግእዝ ዘሎ ሰሙን ድማ “ጸገየ ወይን” ይብሃል። እዚ ዝተጠቕሰ ወቕቲ’ዚ ድማ፡ ኣብ ሃገርና ፍረ ክራማት ዚሕፈሰሉ ናይ ፍርያት ወቕቲ’ዩ። ነዚ ዕለት’ዚ ዝተሰርዓልና ንባብ ቅዱስ ወንጌል ከኣ፡ ብዛዕባ’ቲ ፈራዪ ጕንዲ ወይኒ ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ብዛዕባ’ቶም ከም ጨንፈር ኣብኡ ኣብ ክርስቶስ ተተኺሎምን ጸኒዖምን ዚፈርዩ ሰዓብቱ ዚገልጽ’ዩ። እቲ ሓቢርና ዜዘምናዮ ምስባክ’ውን፡ ብዛዕባ’ታ ኻብ ግብጺ ወጺኣ ዝተተኽለት ጕንዲ ወይኒ’ዩ ዚገልጽ። እዚ ምስባክ’ዚ ብዛዕባ’ቲ ኻብ ባርነት ግብጺ ወጺኡ ኣብ ምድሪ ኸንኣን ዝተተኽለ መንግስትን ህዝብን ናይ እስራኤል ዚገልጽ’ኳ እንተ ዀነ፡ ብዓቢኡ ግን ብዛዕባ’ቲ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ ዝዀነ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ዝተዘርበ ትንቢታዊ ቓል’ዩ። ምኽንያቱ ክርስቶስ፡ እቲ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ ደኣ’ዩ ምድሪ ዝመልአ’ምበር፡ ህዝቢ እስራኤልሲ ይትረፍ ንምድሪ ኺመልእ፡ ነታ እግዚአብሔር ዝሃቦ ርስቲ’ኳ ኺመልእ ኣይከኣለን።
እዚ ሎሚ ዝተነብበልና ቅዱስ ወንጌል፡ ጐይታና ኣብ’ታ ምስጢረ ቍርባን ዝሰርዓላ፡ ድሮ ስቕለቱ ዝነበረት ምሸት ንደቀ መዛሙርቱ ዝተዛረቦ መለኮታዊ ቓል’ዩ። መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ ፍረ ዘይፈርይ ሰብ ኣብ ክርስቶስ ኪነብር ኣይክእልን’ዩ። ናይ ክርስቶስ ምዃንና ዜረጋግጸልና፡ እቲ ናይ ክርስቶስ ዝዀነ ፍረ ጽድቂ ንፈርይ ምህላውና’ዩ። ነቲ ብመሰረቱ ፈጺሙ ፍረ ዘይፈርይ ክርስትያን፡ እግዚአብሔር ኣቦ ባዕሉ’ዩ፡ ብፍርዲ ዜርሕቖን ዚድርብዮን። ነቲ ዚፈርይ ግና፡ ኬርሕቖ ዘይኰነስ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ኪፈርይ’ዩ ዚደልዮ። ብዙሕ ምእንቲ ኺፈርይ ዚገብረሉ ዓብይ ረድኤት ከኣ፡ “የጽርዮ” ብዚብል ቃል ተገሊጹልና ኣሎ። ካብ’ዚ ቓል ጐይታና ኸም እነስተውዕሎ’ምበኣር፡ ንጽህና (ወይ ጽርየት) ኣብ ፍርያምነት ናይ ሓደ ክርስትያን ኣዝዩ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። እቶም ተቘሪጾም ዝተደርበዩ ዅሎም፡ ሰኣን’ዛ ንጽህና’ዚኣ መኺኖም ከም ዝተረፉ ዜመልክተና ቓል’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትና “ፈራዪ ጨንፈር” ዘይኰነ “ፈራዪ ንጽህና” ዝዀነሉ ምኽንያት’ምበኣር፡ ኣብ ፈራይነትና ዝለዓለ ግደ ዘለዎ፡ ጨንፈር ምዃንና ዘይኰነስ፡ ንጽህናና ምዃኑ ንምምልካት’ዩ። ምኽንያቱ እቶም ዝፈረዩን ዘይፈረዩን ኵላቶም፡ ጨናፍር’ዮም ዝነበሩ። ኣብ መንጎኦም ርኡይ ፍልልይ ዘምጽአ ግና፡ ንጹሃት ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ኰይኑ ተረኽበ። ስለ’ዚ ብምስጢረ ጥምቀት፡ ጨናፍር ናይ’ቲ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ፡ ኣካል ሰብነት ክርስቶስ ዝዀንና ክርስትያን ህዝቢ ኸም ምዃንና መጠን፡ ብዛዕባ’ዚ ፈረይቲ ዚገብረና ንጽህና’ዚ ኣዚና ኽንግደስን ክንጥንቀቐሉን ይግብኣና።
ጐይታና ንቕዱሳን ደቀ መዛሙርቱ፡ “ድሮ ንጹሃት ኢኹም” ብምባል ኣረጋጊጹሎም’ዩ። እዚ በቲ ንዅሉ ሰብን ግብርን ዚፈርድ ጐይታ ዝተዋህበ ምስክርነት ኣዝዩ ዓብይ ክብርን ጸጋን’ዩ። ሳላ’ዚ ንጽህና’ዚ ንዅላትና ስለ ዝፈረዩና ድማ፡ እዚ ንጽህናኦም’ዚ ብግብሪ ዝተረጋገጸ’ዩ። ብዛዕባና፡ ብዛዕባ’ዞም ኣብ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ከም ዘለና እንእመን ሰባትከ፡ ጐይታና እንታይ ኢሉ ዀን ምመስከረ ይኸውን፧ ድሮ ብዛዕባና ዝሃቦ ምስክርነትን ርእይቶን ከም ዘሎ፡ ከቶ ዘየጠራጥር’ዩ።
ብዛዕባ’ዛ ንጽህናና መን’ዩ ኺነግረና፧ ቅድሚ’ታ ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ ምጽኣትን ፍርድን፡ “ንስኻ ንጹህ ኢኻ፡ ንስኻ ግን ኣይኰንካን” ኢሉ ዚነግረና ዝዀነ ይኹን ኣካል ከም ዘይህልው፡ ርጉጽ ነገር’ዩ። ግን ከኣ ብዘይ ዝዀነ ሓበሬታ ኣብ ጸልማት ዝተደርበና ሰባት ኣይኰንናን። ንጽህናና እነረጋግጸሉ ብዙሕ ምስጢራት ኣብ ቃል እግዚአብሔር ተገሊጹልና ኣሎ። ኣብ ሓንቲ ገረብ ዙብ ኢሉ ዝተንጠልጠለ ፍረ ወይኒ እናረኣኻ፡ ተኽሊ ወይኒ ምዃናን ዘይምዃናን ክትጠራጠር ኣይከኣልን፡ ኣይግባእን ከኣ’ዩ። ስለ’ዚ ንጹሃት ምዃንና ኸነረጋግጽ እንተ ደሊና፡ እቲ ምስጢር ኣብ ህይወትና ፍረ-ንጽህና ምህላዉን ዘይምህላዉን ዓቲብካ ምፍታሽ ጥራሕ’ዩ ዚሓትት። እቲ ዝዓበየ ሽግርና፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ንጽህና ኣዝዩ ትሑት ግዳሰን ርድኢትን ዘሎና ምዃንና’ዩ። ብሓቂ ኸም’ቲ እግዚአብሔር ብዛዕባ ንጽህና ዚግደሶ ጌርና ብዕቱብ ንግደስ እንተ ንኸውን፡ ብዛዕባ ንጽህናና ኽንፈልጥ ክሳዕ ክንዲ’ዚ ኣይምኸበደናን ነይሩ። ናይ ብሓቂ ኣብ ንጽህና እንተ’ሊና፡ እቲ ንጽህና ዜፍቅር ኣምላኽ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ምስክርነት መረጋገጸልናን መተባብዓናን ነይሩ።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ብዛዕባ ንጽህናኦም ምሉእ ርጉጽነት ዝነበሮም ኣብነታውያን ኣቦታት ከም ዘለዉ ተመስኪሩልና ኣሎ። ብውሑዱ ንቕዱስ ዳዊት፡ ሊቀ መዘምራን ኣሳፍ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። ብዛዕባ ሕልናኦም፡ ውልቃዊ ህይወቶም ኰነ ግብሮምን ኣገልግሎቶምን ጽቡቕ ኣፍልጦ ዘለዎም ኣብ ርእሲ ምንባሮም፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝሓደሮምን ዚመርሖምን ስለ ዝነበሩ ናቱ ምስክርነት’ውን ኣብ ልቦም ዝነበሮም’ዮም። ቅዱስ ዳዊት ብዛዕባ ንጽህናኡ ዝሃቦ ተኣምኖ፡ ኣዝዩ ኣብነታውን ኣብ ውሽጥና ቅዱስ ቅንኣት ኬለዓዕለልና ዚግባእን’ዩ።
“...ዎ እግዚአብሔር ከም ጽድቀይን ከም ንጽህናይን ፍረደኒ (መዝ 7፡8)። ...ንመገድታት እግዚአብሔር ሓሊወየን፡ ብረሲእነት ካብ ኣምላኸይ ኣይረሓቕኩን፡ ንዅሉ ሕጋጋቱ ኣብ ቅድመይ ሒዘዮ’የ፡ ንስርዓታቱ ድማ ካብ ኢደይ ኣይፈለኽዎን’ሞ፡ እግዚአብሔር ብመጠን ጽድቀይ ክሒሱኒ፡ ከም መጠን ንጽህና ኣእዳወይ ፈድዩኒ’ዩ። ምስኡ ኸኣ ፍጹም ነይረ፡ ካብ ሓጢኣተይ’ውን ተሓልየ። ስለ’ዚ እግዚአብሔር ብመጠን ጽድቀይ ብመጠን’ቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ዝዀነ ንጽህና ኣእዳወይ ፈደየኒ (መዝ 18፡20-24)። ...ዎ እግዚአብሔር ብንጽህና ተመላሊሰ፡ ከይተሓንኰልኩ ኸኣ ኣብ እግዚአብሔር ተወኪለ’የ’ሞ፡ ፍረደለይ፡ ... ዎ እግዚአብሔር ነእዳወይ ብንጽህና እሓጽበን....ኣለኹ። ... ኣነስ ብንጽህናይ’የ ዝመላለስ፡ ኣድሕነኒ መሓረኒ’ውን (መዝ 26፡1,6,7,11)።”
ከም’ቲ ኣቦና ዳዊት ባዕሉ ተኣሚንዎ ዘሎ፡ “ብንጽህናይ ፍረደኒ” ኺብል ዚኽእል፡ እቲ ብዛዕባ ንጽህና ህይወቱ ኣዝዩ ዚጥንቀቕን፡ ንህይወቱ ብቕንዕናን ብዕምቈትን ዚምርምር፡ ከምኡ’ውን ውሽጣዊ ናይ መንፈስ ቅዱስ ምስክርነትን ርጉጽነትን ዝረኸበ ጥራሕ’ዩ።
ቅዱስ ጳውሎስ’ውን፡ “ኣነ ካብ ደምኩም ንጹህ’የ” ኺብል ክሳዕ ዚተብዕ፡ ብኣገልግሎቱ ብዛዕባ ዝነበሮ ንጽህና ዝተኣመነ ኣርኣያዊ ሃዋርያ’ዩ (ግብ 18፡6 ፣ 20፡26,27)፡፡ ብዛዕባ ንጽህና ውልቃዊ ህይወቱ’ውን ብፍሉይ ትብዓት ተኣሚኑ’ዩ።
“ትምክሕትና ብጥበብ ስጋ ዘይኰነስ፡ ብጸጋ ኣምላኽ ከም ዝተመራሕና፡ ንሕና ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ፡ ምናዳ ኣባኻትኩም፡ ብቕድስና ኣምላኽን ብንጽህናኡን ከም እተመላለስና፡ እዚ ናይ ሕልናና ምስክር’ዩ።”
“ኣገልግሎትና ምእንቲ ኸይጽረፍ፡ ንሓደ’ኳ ብገለ መዓንቀፊ ከቶ ኣይንህብን ኢና። ብብዙሕ ትዕግስቲ፡ ብመከራ፡ ብጭንቀት፡ ብጸበባ፡ ብመውቃዕቲ፡ ብማእሰርቲ፡ ብጋሮ፡ ብጻዕሪ፡ ብምንቃሕ፡ ብጾም፡ ብንጽህና፡ ብፍልጠት፡ ብዓቕሊ፡ ብለውሃት፡ ብቕዱስ መንፈስ፡ ተጒላባ ብዘይብላ ፍቕሪ፡ ብቓል ሓቂ፡ ብስልጣን ኣምላኽ፡ በጽዋር ጽድቂ ብየማነ ጸጋም፡ ብዅሉ ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእስና ነርእይ ኣለና፡" 2ቈረ 6፡3-7
ኣብ ህይወት ክርስትና፡ ንጽህና ኽሳዕ ክንዲ’ዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዚዀነሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ንጽህና፡ ዓሚቚ ናይ ቃል ፍልጠትን ዕዙዝ ግብራዊ ተመክሮን ስለ ዝነበሮ፡ ነቶም መገላግልቱ ዀነ ነቶም ተገልገልቱ ደጋጊሙ ይጽሕፈሎምን የዘኻኽሮምን ነበረ። ብመሰረቱ ሃዋርያዊ ተልእኾን ኣገልግሎትን፡ ነቶም ብቓል ወንጌል እተገልግሎም ሰባት ናብ ደረጃ ንጹሃት ደናግል ኣዕቢኻ፡ “ሕጹያት ወይ መርዑት ናይ ክርስቶስ” ምግባር ምዃኑ ብንጹር ዘፍለጠና’ውን ንሱ’ዩ። ኣብ’ቲ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዝጸሓፎ ሃዋርያዊ መልእኽቲ፡ ነዚ ተልእኾ ሃዋርያነት’ዚ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ብንጹር ኣብሪሁልና ኣሎ።
“ብቕንኢ ኣምላኽ እቐንኣልኩም’የ’ሞ፡ (ከም) ንጽህቲ ድንግል (ገይረ ፡ ናብ) ክርስቶስ ምእንቲ ከቕርበኩም፡ ንሓደ ሰብኣይ (ንሱ ኸኣ ክርስቶስ) ኣሕጽየኩም’የ። ግናኸ ከም’ቲ ተመን ብጕርሑ ንሄዋን ዘስሓታ፡ ከምኡ’ውን (ንስኻትኩም) ሓሳባትኩም ካብ’ቲ ንክርስቶስ ዚኸውን ገርህነትን ንጽህናን ምናልባሽ ከይጠፍእ እፈርህ ኣለኹ።” 2ቈረ 11፡2,3
በዚ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ኣገላልጻ መሰረት፡ እቶም ኣብ’ዛ ምድራዊት ናብራኦም ሕጹያት ክርስቶስ፡ ድሕሪ ምጽኣቱ ኣብ ሰማያት ድማ መርዓት ክርስቶስ ዚዀኑ፡ እቶም ብቓል ክርስቶስን ብደም ክርስቶስን ምሉእ ንጽህና ዝተጐናጸፉ ጥራሕ’ዮም። ቅዱስ ወንጌል ከም ዜረጋግጸልና፡ ክርስቶስ መርዓዊ፡ እታ ኣድማሳዊት (Universal) ቤተ ክርስቲያን ከኣ መርዓቱ’ያ (ዮሃ 3፡29 ፣ ማቴ 9፡14፡15 ፣ 25፡1-13 ፣ ራእ 19፡6፡9)። ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ከኣ በቶም ንጽህናኦም ዝሓለዉ ኣገልገልትን ምእመናንን ዝቘመት መርዓት ናይ’ቲ ገንሸል’ያ። ነታ መርዓት ክርስቶስ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ዜቝሙ፡ እቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዚእከቡን ኣብ መዛግብቲ ቤተ ክርስቲያን ስሞም ዝተመዝገበ ዅላቶም ምእመናንን ኣገልገልትን ኣይኰኑን። እቶም ናይ ብሓቂ ዝነጽሁን ንጽህናኦም ሓልዮም ዚነብሩን ጥራሕ’ዮም ኣካላት ናይ’ታ መርዓት ክርስቶስ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ዚዀኑ። ነዚ ሓቂ’ዚ ኣነጺሩ ዜብርሃልና፡ እቲ ጐይታና ብዛዕባ ይሁዳ ኣስቆሮታውን ካልኦት ሃዋርያትን ዝበሎ ቓል’ዩ። መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ ሳላ’ቲ ዝነገሮም ቃል ድሮ ንጹሃት ምዃኖም ኣረጋጊጹሎም’ዩ። ኣቐዲሙ ቕድሚ ምስጢረ ቍርባን ምስራዑ፡ ኣእጋሮም ኪሓጽብ ከሎ ኣብ ዝሃቦ ቓል ግን፡ እቶም ቃሉ ዝሰምዑን ኣእጋሮም ዝሓጸቦምን ኵላቶም ንጹሃት ከም ዘይኰኑ ገሊጹሎም’ዩ። ወንጌላዊ ዮሃንስ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ግሩም ገይሩ ኣስፊሩልና ኣሎ።
“ኢየሱስ ከኣ፡ “እቲ እተሓጽበ፡ ኵለንተናኡ ንጹህ’ዩ’ሞ፡ ብዘይካ ኣእጋሩ ምሕጻብ ኣየድልዮን’ዩ። ንስኻትኩም ከኣ ንጹሃት ኢኹም፡ ግናኸ ኵላትኩም ኣይኰንኩምን፡” በለ። እቲ ዜትሕዞ (መን ምዃኑ) ይፈልጦ ነበረ’ሞ፡ ስለ’ዚ’ዩ፡ 'ዅላትኩም ንጹሃት ኣይኰንኩምን' ዝበለ።” ዮሃ 13፡10,11
ይሁዳ፡ ናይ’ታ ክርስቶስ ዝርእሳን ዝመራሒኣን ቀዳመይቲ ቤተ ክርስቲያን ኣባልን ኣካልን’ዩ ዝነበረ። ኣባል ጥራሕ ካብ ምዃን ሓሊፉ’ውን፡ ናይ ሃዋርያነት ማዕርግ ዝተቐበለ ክቡርን ሕሩይን ሰብ ነበረ። ካልኦት ሃዋርያት ዘይተቐበልዎ ሓላፍነት ተቐቢሉ፡ ናይ’ታ ቐዳመይቲ ቤተ ክርስቲያን ናይ ፋይናንስ (ናይ ቍጠባ) ሓላፍን ተሓዝ ገንዘብን ኰይኑ ነበረ (ዮሃ 12፡6 ፣ 13፡29)። እቲ ኣዝዩ ዜሕዝን ግና ሃዋርያ ይሁዳ፡ ነቲ ዜንጽህ ቃል ሰሚዑ ኼብቅዕ ኣይነጽሀን። ከም ኵሎም ሃዋርያት ብኢድ ጐይታኡ ኣእጋሩ ተሓጺቡ ኽነሱ’ውን ከቶ ኣይነጽሀን። ካብ ኵሉ ዝዓበየ ኸኣ፡ ካብ’ታ ብኢድ ክርስቶስ ዝተፈጸመት “ኣኽሊል ኵሉ ምስጢራት” ዝተሰምየት ምስጢረ ቍርባን ተኻፊሉ’ውን ፈጺሙ ኣይነጽሀን። ጐይታና ባዕሉ፦
“እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይ’ውን ዚሰትይ ኣባይ ይነብር፡ ኣነ’ውን ኣብኡ (እነብር)።” ኢሉ ኼብቅዕ፡ ይሁዳ ኻብ ስጋን ደምን ናይ ጐይታኡ ምስ ወሰደ ግና ካልእ ዝኸፍአ ነገር’ዩ ተኸሲቱ። ነዚ ዘይጽወር ጉድ’ዚ ወንጌላዊ ዮሃንስ፦ “ሽዑ ኸኣ (ኢየሱስ) ቍራስ እንጌራ ጸቢሑ፡ ንይሁዳ፡ ወዲ ስምኦን ኣስቆሮታዊ፡ ሃቦ። ድሕሪ’ታ ቝራስ እንጌራ ኸኣ ሰይጣን ናብኡ ኣተወ። ሽዑ ኢየሱስ፡ “ነቲ እትገብሮ ቐልጢፍካ ግበሮ” በሎ።... ንሱ ነታ ቝራስ እንጌራ ምስ ተቐበለ፡ ብኡንብኡ ወጸ፡ ለይቲ’ውን ነበረ።”ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ዮሃ 13፡26,27,30)።
ንምንታይ፧ እቲ ንዅላቶም ሃዋርያት ዘንጽሀ ሰለስተ መንጽሂ፡ ንምንታይ ንይሁዳ ኼንጽሆ ዘይከኣለ፧ እዚ ዜሕዝንን ዜፍርህን ፍጻመ’ዚ፡ ናብ ሓደ ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎ ምስጢር ገጹ ይመርሓና ኣሎ። ንሱ ኸኣ ኣብ ንጽህናና ዝዓበየ ግደ ዘሎና፡ ንሕና ምዃንና’ዩ። ይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡ ኣብ’ዚ ዅሉ መንጽሂ ምስጢራት ተሳቲፉ ኼብቅዕ ኪነጽህ ዘይከኣለ፡ ኣቐዲሙ ልቡን ኣእዳዉን ስለ ዘየንጽሀ’ዩ። ኣብ ልቢ ይሁዳ ፍቕሪ ገንዘብ፡ ስሰዐ፡ ጥልመት፡ ሓሶት፡ ስርቂ ግብዝነት መሊኡ ነበረ። ከም ኵሎም ብጾቱ ብዛዕባ ጽድቅን ሓጢኣትን ይሰብኽ፡ በቲ ጐይታ ዝሃቦ ስልጣንን ሓይልን ከኣ ሕሙማት ይፍውስ፡ ኣጋንንቲ’ውን የውጽእ ነበረ። እዚ ዅሉ እናገበረ ግና ነቲ ብሓጢኣት ጋዕዝዩ ዝነበረ ልቡን ኣእዳውን ልሳኑን ኬጽርይን ኬንጽህን ኣይፈተወን። ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ፡ ካብ ማሕፉዳ ሰሪቑ ዚረኽቦ ዝነበረ ገንዘብ ኬዕግቦ ስለ ዘይከኣለ፡ ብዓቢኡ ንጐይታኡ ብምሻጥ ነቲ ኣበሳኡ ናብ ሰማይ ኣዕረጎ። ዘይነጽሀ ልቢ፡ መቕደስ ሰይጣን’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ እቲ ደረቐኛ ሰይጣን፡ ኣብ መኣዲ ጐይታን ሃዋርያቱን ተቐሚጡ እናረኣዮ፡ ንኣታቶም ከይሓፈረን ከይፈርሀን፡ ናብ’ቲ መቕደሱ ሰተት ኢሉ ኣተወ።
እቶም ንሕድገት ሓጢኣት ኢልና እንካፈሎም ምስጢራተ ቤተ ክርስቲያን፡ ካብ’ቲ ፈቲና ዝሓደግናዮ ሓጢኣት ዜስዕቦ ተሓታትነት ደኣ’ዮም ዜድሕኑና’ምበር፡ ነቲ ኽንሓድጎ ዘይደለናን ገና’ውን እነዘውትሮ ሓጢኣት ንኼንጽሁልና ኣይተሰርዑን። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ፡ ከይተገብኣና፡ ምስ ሓጢኣትና ኸለና፡ ኣብ’ዞም ምስጢራት’ዚኣቶም እንተ ተኻፊልና ዝገደደ ፍርድን ቅጽዓትን እንቕበል። ነዚ ሓቂ’ዚ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ምስጢረ ቍርባን ኪገልጽ ከሎ፡ ብንጹር ኣብሪሁልና ኣሎ (1ቈረ 11፡28-32)። ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ፡ ብዙሓት ካብ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ሓጢኣቶም ከይሓደጉ ናብ ጥምቀቱ ኺመጹ ምስ ረኣዮም፦
“ኣቱም ውሉድ ኣትማን፡ ካብ’ቲ ዚመጽእ ቍጥዓ ኸም እትመልቁኸ መን ሓበረኩም፧ እምበኣርስኸ ንንስሓ ዚበቅዕ ፍረ (ወይ ግብሪ) ግበሩ። ብልብኹም፡ “ኣብርሃም ኣቦ ኣሎና” ከም (እትብልዎ) ኣይምሰልኩም...” ኢሉ ገሰጾም (ማቴ 3፡7-9)። ጻውዒትካ ኣኽቢሩ ኺጥመቕ ናባኻ ንዝመጸዶ ኸም’ዚ ይበሃል’ዩ፧ ናይ’ቲ “ናይ ጥንቲ ተመን፡ ዓብዪ ገበል” ዝተባህለ ድያብሎስ ባህርይን ተግባርን ዝለበሱ ስለ ዝዀኑ፡ በቲ ዚካፈልዎ ዝነበሩ ምስጢራት ዝዀነ ረብሓ ኸም ዘይረኽቡ፡ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ’ዩ ገሊጹሉ’ዩ (ራእ 12፡9 ፣ 20፡2)። ጐይታና’ውን ደጋጊሙ ኸምኣ ይብሎም ነበረ (ማቴ 12፡34 ፣ 23፡33)። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን፡ እቶም ዚንስሑ ሰባት “ንንስሓ ዚግባእ ግብሪ እናገበሩ ኺንስሑ ኸም ዚግባእ ገሊጹ’ዩ (ግብ 26፡19,20)። እቲ “ንንስሓ ዚግባእ ግብሪ” ዚበሃል ዘሎ፡ ኵሉ’ቲ “ፍረ-መንፈስ ቅዱስ” ዝተሰምየ ግብርታት’ዩ። ናብ ምስጢረ ንስሓ ኽንመጽእ ከለና፡ እቲ እንንስሖ ብዛዕባ ጽልእን ቂምታን እንተ ዀይኑ ናብ ኣበ-ንስሓናን ናብ ኣምላኽናን ቅድሚ ምምጻእና፡ ናብ’ቲ ብጽልእን ብቒምታን ዝበደልናዮ ሰብ ኬድና፡ ይቕሬታ ሓቲትና፡ ፍቕሪ መስሪትና ኽንመጽእ’ሞ ብድሕሪኡ ኽንንሳሕ’ዩ ዚግባእ። ሽዑ እቲ እንፍጽሞ ምስጢረ ንስሓ፡ ካብ ተሓታትነት ናይ’ቲ ድሮ ፈጺምናዮ ዝነበርና’ሞ ዝተጠዓስናሉ ናይ ጽልእን ቂምታን ሓጢኣት ሓራ ኣውጺኡ ሕድገት ሓጢኣት የውሕሰልና። ሽዑ ኢና “ድሕነት ረኺበ፡ ድሒነ” ኽንብል እንኽእል። ነቲ ሓጢኣትና ኸይሓደግናዮ፡ ንንስሓ ብዚግባእ ፍቕርን ምሕረትን ከይተካእናዮ፡ ናብ ምስጢረ ንስሓን ቍርባንን እንተ መጺእና ግን፡ ልክዕ ከም ይሁዳን ፈሪሳውያንን፡ ውሉድ ናይ’ቲ መንደላይ ተመን ስለ ዝዀንና፡ ካብ’ቲ ዝፈራህናዮ ፍርዲ ኣይክንመልቝን ኢና። ልክዕ ከም’ቲ ዘንበብናዮ እቲ ሊቀ ኣጋንንቲ ናብ ልብና ኣትዩ ኣሳፊሑ ኺገዝኣናን ፍረ ኣልቦ ገይሩ ናብ ገሃነም ኪኽብክበናን’ዩ።
እቲ ሓቂ ኸም’ዚ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ብንጽህና ኣዝዩ ፈራዪ ኪኸውን ዚደልይ ሰብ ኪገብሮ ዚግብኦ እንታይ’ዩ፧ መልሲ ናይ’ዚ ሕቶ’ዚ፡ ኣብ’ቲ ልዕል ኢልና ዝተመሃርናዮ ሓሳባት ድሮ ተኣንፊቱ’ዩ። ልብኻን ኣካላትካን ካብ’ቲ ኸተዘውትሮ ዝጸናሕካ ግብሪ ሓጢኣት ምንጻህ’ዩ። ጐይታና ባዕሉን ቅዱሳን ሃዋርያቱን ነዚ ሓቂ’ዚ ብንጹር ኣገባብን ደጋጊሞምን ገሊጾምልና’ዮም።
“ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ዝባን ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ትሓጽቡ፡ ውሽጡ ግና ከትርን ስስዐን ምሉእ’ዩ’ሞ፡ ወይለኹም። ኣታ ዕዉር ፈሪሳዊ፡ ነቲ ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ዝባኑ ድማ ጽሩይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ቅድም ነቲ ውሽጡ ኣጽርዮ። ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ወጻኢኡ ጽቡቕ ኰይኑ ዚረኣይ፡ ውሽጡ ግና ኣዕጽምቲ ምዉታትን ርኽሰትን ዝመልአ ልቕሉቕ መቓብር ትመስሉ አለኹም’ሞ፡ ወይለኹም። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ብላዕሊ ንሰብ ጻድቃን መሲልኩም ትረኣይዎ፡ እቲ ውሽጥኹም ግና ግብዝናን ዓመጻን ምሉእ’ዩ።” ማቴ 23፡25-28
“እምብኣርከ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እዚ ተስፋታት’ዚ ካብ ዚህልወናስ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና እናመላእና፡ ካብ’ቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ነንጽህ።” 2ቈረ 7፡1
“እምብኣርሲ ንዅሉ ኽፍኣትን ኵሉ ጕርሕን ግብዝናን ቅንእን ኵሉ ሕምየትን ኣርሕቕዎ።” 1ጴጥ 2፡1
“ደጊም ክርስቶስ ምእንታና (ብስጋ) ሓሳረ መከራ ኻብ ጸገበስ ፡ ብስጋኡ መከራ ዚጸግብ ፡ ንሱ ንሓጢኣት ሓዲግዎ’ዩ’ሞ፡ እቲ ብስጋ ዝተረፈ ዘመን ንፍቓድ ኣምላኽ’ምበር ፡ ንፍትወት ሰብ ምእንቲ ኸይትነብሩ ንስኻትኩም’ውን ነዚ ሓሳብ’ዚ ኸም ኣጽዋር ጌርኩም ሓዝዎ። እቲ ብዕብዳን ፡ ብፍትወት ስጋ ፡ ብስኽራን ፡ ብጓይላ ፡ ብመስተ ፡ ብርኹስ ምምላኽ ጣኦት ክትነብሩ ኸለኹም ፡ ፍቓድ ኣህዛብ ዝገበርኩምሉ ዝሓለፈ ዘመን ይኣክል’ዩ።” 1ጴጥ 4፡1-3
ነዚ ዚስዕብ ጥቕስታት’ውን ተገዲስና ነንብቦ። ማቴ 15፡18-20 ፣ 1ቈረ 5፡6-8፣ ገላ 5፡19-24 ፣ ኤፌ 4፡17-32 ፣ ፊል 1፡9-11 ፣ ቈሎ 1፡10 ፣ 3፡5-10,12-14 ፣ 1ጢሞ 6፡10-14 ፣ 2ጢሞ 2፡22 ፣ ያእ 1፡26,27 ፣ 4፡7,8 ፣ 1ጴጥ 1፡22,23። እዚ መልእኽታት’ዚ፡ ካብ ምንታይ ነጺህና ብምንታይ ክንትክኦ ኸም ዚግብኣና ብንጹር ዜፍለጠና’ዩ። ኣብ’ቲ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ ጸኒዕና ኽንነብርን፡ ካብ’ቲ መኣዛ ናይ ጸጋኡ እናተመገብና፡ ሚእትን ሱሳን ሰላሳን ናይ ንጽህና ፍረታት ክንፈርይ ዜኽእለናን ዜንጽሃናን ቃል’ዩ።
ኣብ’ቲ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ ዝዀነ ክርስቶስ ጸኒዕና፡ ብንጽህና ብዙሕ ፍረ ኽንፈርይ ዜኽእለና እንታይ’ዩ፧ እቲ ቐዳማይ ቃል እግዚአብሔር ምዃኑ መሪሕ ጥቕስና ድሮ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (መዝ 119፡9)። ካልኣይ መንጽሂ ኸኣ እምነት’ዩ (ግብ 15፡9 ፣ ሉቃ 17፡14,19)። ሳልሳይ መንጽሂ ተስፋ’ዩ (1ዮሃ 3፡3)። ምስጢረ ንስሓ’ውን ንጽህና እንጐናጸፈሉ ራብዓይ መንጽሂ’ዩ (1ዮሃ1፡9 ፣ ዘሌ 16፡30 ፣ እብ 9፡13,14)።
ከም’ቲ ራእሲ ፌሊክስ ካብ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ንጽህና ምስ ሰምዐ ዝሰምበዶ ኽንስምብድን ክንፈርህን ኣይግባእን’ዩ (ግብ 24፡25)። ብዛዕባ ንጽህና ኺሰምዕ ከሎ ዚስምብድን ዚስቀቕን እቲ ብዘይ ሓጢኣት ኪነብር ዘይክእል ኰይኑ ኽሳዕ ዚስምዖ ሓያል ፍቕሪ ሓጢኣት ዘለዎ ሰብ ጥራሕ’ዩ። ንጽህና ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ዀነ ኣብ’ታ እትመጽእ ዓለም ዜርብሕ ተወራሲ መለኮታዊ ባህርይ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ቓል እግዚአብሔር “ንርእስኻ ብንጽህና ሓልው” ኢሉ ደጋጊሙ ዚምዕደና (1ጢሞ 5፡22 ፣ ያእ 4፡8)። ንርእስና ንጹሃት ክሳዕ ምዃን ጥራሕ ዘይኰነ ብንጽህና ንኻልኦት ኣርኣያ ክሳዕ ምዃን ክንዓብይ’ዩ ዚግብኣና (1ጢሞ 4፡12 ፣ ቲቶ 2፡7,8)። ክርስቶስ ጐይታና፡ ካብ ዓመጻ ንኼንጽሃና፡ ኣብ ክንድኡ ኸኣ ብሰናይ ግብሪ ኺስልመና’ዩ ምእንታና ዝተሰውአ (ቲቶ 2፡12-14)።
ስለ’ዚ ብንጽህና ንነብርን ንፈርይን ከም ዘለና ርእስና ኽንምርምር ይግብኣና። ካብ ጥበራ ስጋናን ሰይጣንን ሓራ ኽንከውን ስለ ዘይንኽእል ንጽህና ዘይብልና ኽነስና፡ ንጹሃት ዝዀንና ኺመስለና ዚከኣል’ዩ (ምሳ 16፡2 ፣ 20፡9 ፣ 30፡12 ፣ ኤር 2፡23)። ስለ’ዚ ኣብ’ቲ ናትና ናይ ምምርማር ዓቕሚ ኸይተወከልና፡ “መርምረኒ፡ ሓቀኛ ምስሊ ህይወተይ ኣርእየኒ፡ ካብ’ቲ እተሰወረኒ ኣንጽሃኒ” ኢልና ንእግዚአብሔር ክንልምኖን ክንውከሎን ይግብኣና (መዝ 139፡23,24 ፣ 26፡2 ፣ 17፡3 ፣ 19፡12)። እግዚአብሔር ከኣ ነቶም ብልቦም ንንጽህና ዜፍቅሩን ዚነብርዎን ስለ ዜፍቅሮም፡ ብምሉእ ሓይሉ ኺረድኣናን ኪመርሓናን’ዩ (መዝ 41፡12 ፣ እዮ 8፡6 ፣ 17፡9 ፣ 22፡30)። ስለ’ዚ ኣብ ምድርን ኣብ ሰማይን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ምእንቲ ኽንከብር፡ ንጽህና ነፍቅር፡ ብንጽህና ኸኣ ንንበር። ብንጽህና ነቲ ብመልክዑ ዝፈጠረና ኣምላኽ ንምሰል!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ሕዳር 4, 2015 ግዕዝ (13 ሕዳር 2022 ፈ [10ይ ሰንበት: ቊ.13/፲፫, 2022) |
||
ምስባክ መዝ 79(80)፡8-9 “ዐፀደ ወይን አፍለስከ እምግብጽ። ሰደድከ አሕዛበ ወተከልከ ኪያሃ። ወፄሕከ ፍኖተ ቅድሜሃ።” “ጒንዲ ወይኒ ኻብ ግብጺ ኣውጻእካ፡ ኣህዛብ ሰጒጒካውን ተኸልካያ። ኣብ ቅድሚኣ ቦታ ኣዳሎኻላ፡ ሱር ሰደደት ምድሪ’ውን መልአት።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ኤፌ 5፡1-13 |
ዲያቆን |
|
ያእ 3፡10-18 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 11፡1-11 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 15፡1-11 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘእግዝእትነ ማርያም |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ