“ኣሕዋተየ፡ በበይኑ (ዝዓይነቱ) ፈተና ኺበጽሓኩም ከሎ፡ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ።”ያእ 1፡2 ካ.ት።
ነዚ ናይ ዘመነ ጽጌ ሓሙሻይ ሰንበት ተሰሪዑ ዘሎ መዝሙር፡ “ክርስቶስ ሠርዐ ሰንበተ” (ክርስቶስ ሰንበት ሰርዐ) ዘርእስቱ’ዩ። ብእኡ መሰረት ነዚ ሰንበት’ዚ ኻብ ዝተመደቡ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ሓደ ኸኣ፡ እዚ ናይ ያእ 1፡1-12 ንባብ’ዩ። ቅዱስ ያእቆብ ነቶም ተቐበልቲ መልእኽቱ ሃዋርያዊ ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ፡ ዝዀነ ኻልእ መእተውን ሓተታን ከይወሰኸ፡ ብቐጥታ ነዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መሪሕ ጥቕሲ’ዩ ኣስፊሩ። ነዞም ተገልገልቱ ኣመልኪቱ ኺሓስብ ከሎ፡ ናብ ኣእምሮኡ ብመንፈስ ቅዱስ ዝመጸ ቀዳማይን ዓብይን ሓሳብ፡ ብዛዕባ’ቲ ዜጋጥሞም ዝነበረ ብዓይነቱ ብዙሕን ከቢድን ፈተናታት’ዩ። ንርእሱ ብተመሳሳሊ ፈተናታት ዝሓለፈን ገና ዚሓልፍ ዘሎን ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ውሽጦም ብዛዕባ ዚፈጥሮ ስምዒታት፡ ሓሳባዊ ግምት ዘይኰነስ ግብራዊ ተመክሮ ዝነበሮ ብቑዕ ሃዋርያ’ዩ። ስለ’ዚ ትንተና ኸየብዝሐ፡ ነቲ ኣብ ርእሰ ርእሲ እናተደራረበ ዝተሃላለኾም ዝነበረ ፈተናታት ዚስዕሩሉ ምስጢር፡ ብሓንቲ ሓጻር ዓረፍተ ነገር ኣቐመጠሎም። እታ ኼውድቖም ንዝመጸ ፈተና ዚስዕሩላ ዓባይ ምስጢር ድማ ብዛዕባ ፈተናኦም ምሕጓስ ምዃና ኣፍለጦም። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ብዘይ ቃልዓለም፡ ንሰማዒኡ ብዙሕን ከቢድን ሕቶታት ዜለዓዕለሉ’ዩ።
ብሓቂዶ፡ በቲ ዚበጽሓካ ፈተና ኽትሕጐስ ይከኣል’ዩ፧ እቲ ዚወርዶም ዝነበረ ፈተና እንታይ ዓይነት ድዩ፧ ባዕሉ እቲ መሪሕ ጥቕሲ ኣማቲ መልእኽቲ’ዩ ዘለዎ። ስጋ ዝለበሰ ሰብ ንዚወርዶ ዝዀነ ዓይነት ፈተና ዚህቦ መልሰ ግብሪ፡ ፍርሃት፡ ጓሂ፡ ምርረት፡ ሕላለ (ምሕላል) ወዘተ ምዃኑ፡ ነጋሪ’ውን ኣይምደለናሉን። ምኽንያቱ ንሱ’ዩ’ቲ ዝውቱር ተመክሮና። ከይሓሰብና፡ ከየሰላሰልና ብደመ ነፍሲ (by instinct) እንህቦ ቅጽበታዊ መልሰ ግብሪ እዚ ዝጠቐስናዮ’ዩ። ብምኽንያት እምነትካ ንዚወርደካ ፈተና ግና ከም እንስሳ ናይ ደመ ነፍሲ ግብረ መልሲ ኣይኰነን ዚወሃብ። ምኽንያቱ ነቲ እምነትካ ብኸምኡ ብደመ ነፍሲ ኣይተቐበልካዮን። ሓሲብካ፡ መርሚርካ፡ ክብሪ ረብሓኡ፡ ዚጠልቦ ዋጋ ተሚንካ ብልቦናን ብምስትውዓልን ኢኻ ተቐቢልካዮ። እቲ ሓሲብካን መርሚርካን ፈቲኻን ዝተቐበልካዮ እምነት፡ ብፈተና ኽትሓልፍ ዚጠልብ ምስ ዚኸውን፡ ነቲ ፈተናን ነቲ ንእኡ ኽትህቦ ዚግብኣካ ግብረ መልስን’ውን ሓሲብካ፡ መርሚርካ፡ ኣውሪድካን ኣደዪብካን’ምበር፡ ናይ ደመ ነፍሲ (ባህረታዊ) ኪኸውን ኣይግብኦን’ዩ። እቲ ከይሓሰበን ከይመርመረን ብዘይ ምስትውዓል ብስምዒት ጥራሕ ንእምነቱ ዝተቐበሎ ሰብ፡ ንፈተና ዚህቦ ግብረ መልሲ ኣዝዩ ዜሕፍርን ንዘለኣለማዊ መጻኢኻ ዜጸልምትን ምዃኑ ጐይታና ብንጹር ቃላት ኣፍሊጡና’ዩ።
“እቲ ኣብ ከውሒ ዝወደቐ ኸኣ፡ እቶም ነቲ ቓል ምስ ሰምዕዎ፡ ብሓጐስ ዚቕበልዎ’ዮም። እዚኣቶም ግና ንጊዚኡ ደኣ’ዮም ዚኣምኑ’ምበር፡ ሱር ስለ ዘይብሎም፡ ብጊዜ ፈተና ዚኽሕዱ (ዚጠልሙ)’ዮም (ቀልጢፎም ይዕንቀፉ)።”ሉቃ 8፡13 ካ.ት (ማር 4፡17)
ብኡንብኡ ብናይ ሓጐስ ስምዒት ተቐቢሎም ኬብቅዑ፡ ፈተና ምስ መጸ ድማ በቲ ዝተቐበሉሉ ፍጥነት ብፍርሃት ይጠልሙ። ከም’ዚ ዘመሰለ መሰረት-ኣልቦ እምነት ናይ መንፈሳውን ኣእምሮኣውን ቍልዕነት መርኣያ’ዩ። ንፈተና ብሓጐስ ኪቕበሉ ዚኽእሉ፡ እቶም ናብ መንፈሳዊ ብስለት ዝዓበዩ፡ ካብ ቍልዕነታዊ ኣተሓሳስባ ዝተናገፉ ሰባትጥራሕ’ዮም። ብመንፈሳውነት ንዘይበሰለ ሰብ “ብፈተና ተሓጐስ” ምባልን፡ ሕጂ ንዝተወልደ ናጽላ (Neonate) ጎጎ ወይ በርበረ ዘለዎ ምግቢ ምምጋብን ሓደ ዓይነት’ዩ። ስለ’ዚ በቲ ዚወርደና ፈተና ናይ ምሕጓስ ዓቕሚ እንተ ዘይብልና፡ ገና ኣብ መንፈሳዊ ቝልዕነት ናይ ምህላውና ግሁድ መርትዖ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ እቶም ዜገልግሎም ሰባት መንፈሳዊ ቝልዕነት ተጠቒዖም ከም ዘለዉ ምስ ረኣየ፡ ነዚ ዚስዕብ ሓሳብ ብናይ ጓሂ ስምዒት ጽሑፉሎም ኣሎ።
“ብዛዕባ’ዚ ነገር’ዚ ዚብሃል ብዙሕ ነይሩናስ፡ ዘይትሰምዑ ድንዙዛት ስለ ዝዀንኩም ግና ኽንገልጸልኩም (ኣጸጋሚ)’ዩ። (ክሳዕ) ሕጅስ ድሮ መምህራን ክትኰኑ’ኳ ምተገብኣኩም ነይሩ። እንተ ዀነ፡ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ (ናይ) መባእታ ትምህርቲ ኸም ብሓድሽ ዚምህረኩም (ሰብ) የድልየኩም ኣሎ። (ሕጂ) ጸባ ደኣ’ምበር ዕጹም ብልዒ ኣየድልየኩምን’ዩ። ጸባ ዚቕለብ ዘበለ ዅሉ፡ ቈልዓ ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባ ነገር-ጽድቂ ተመክሮ የብሉን (ፍቱን ኣይኰነን)። ዕጹም ብልዒ ግና፡ ነቶም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብተመክሮ ገዛእ ርእሶም ዜላምዱ ብጹሓት’ዩ።” 5፡11-14 ካ.ት
“ኣነ ግና ኣሕዋተይ፡ ከም ስጋውያን፡ ብክርስቶስ ከኣ ገና ኸም ዘይዓበዩ ህጻናት’ምበር፡ ከም መንፈሳውያን ክዛረበኩም ኣይከኣልኩን። ዕጹም ብልዒ ዘይኰነ ጸባ መገብኩኹም፡ ከመይ (ንዕጹም ብልዒ) ድልዋት ኣይነበርኩምን። ሕጂ’ውን ገና (ድሉዋት) ኣይኰንኩምን። እዚ (ድሉዋት ዘይምዃንኩም) ከኣ ገና ስጋውያን ስለ ዝዀንኩም’ዩ። ኣብ ማእከልኩም ቅንእን ባእስን ካብ ዚህሉስ ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኰነን፧ ከም ባህሊ (ኵሉ) ሰብዶኸ ትኸዱ ኣየለኹምን፧” 1ቈረ 3፡1-3 ካ.ት
እዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ትምህርትና፡ ኣበየናይ ደረጃ ብስለት (ብጽሕና) ኸም ዘለና ኺፍትሽ ዝተሰርዐ’ዩ። ነቶም ድሮ ናብ ብስለት ዝበጻሕና፡ ጽቡቕ መዘኻኸርን ትምህርትን’ዩ። ነቶም ገና ኣብ ስጋውነትን ቍልዕነትን ዘለና ድማ፡ ናብ’ዚ ጸጋ’ዚ ገጽና ኽንዓብይ ባህግን ቅንኣትን ዜለዓዕለልና ኣስተምህሮ’ዩ። ከይዓበኻ ቈልዓ ዄንካ ምንባር፡ ብጓሂ ዚቐርጽ ከቢድ ስንክልና’ዩ። ዝሕታለ ኣእምሮ (Mental Retardation) ዘለዎ ውላድ፡ ሓው ወይ ፈታዊ ኼጋጥመና ኸሎ ኸመይ ኢና ብጓሂ እንዅምተር። ዝሕታለ መንፈሳውነት ድማ ካብ ዝሕታለ ኣእምሮ ብዕጽፍታት ዚኸፍእ ዘለኣለማዊ ሳዕቤን ዘለዎ ስንክልና’ዩ። ምኽንያቱ ዝሕታለ ኣእምሮ ባህርያዊ ሓደጋ ኪኸውን ከሎ፡ ዝሕታለ መንፈሳውነት ግን ሸለልትነትን ዓለማውነትን ዝወለዶ ባዕላዊ ምርጫ’ዩ። ስለ’ዚ ቅዱስ ያእቆብ፡ “በቲ ዚበጽሓኩም ፈተና ተሓጐሱ” ኺብለና ኸሎ፡ ናብ ምልኣት ብጽሕና ገጽና ኽንዓብይ፡ ካብ’ቲ መሪርን መዋጽኦ ዘይብሉን ሳዕቤን ዘለዎ መንፈሳዊ ቝልዕነት ከነምልጥ’ዩ ዚምዕደና ዘሎ። ካብ’ቶም ናይ’ዚ ተናግፎ (ምንጋፍ)’ዚ ግሁድ ምልክታት ሓደ ድማ፡ በቲ ዚወርደካ ፈተና መጠናዊ ዘይኰነስ፡ ዕዙዝ ሓጐስ ዚስምዓካ ሰብ ምዃን’ዩ።
ብመሰረቱ ግን፡ ንምንታይ’ዩ ብፈተና ኽንሕጐስ ዚግብኣና፧ በቶም ዜሐጕሱ ፍጻመታት ጥራሕ እንተ ተሓጐስና ኣይምኣኸለንዶ፧ ብፈተና ኽንሕጐስ ዜድልየና፡ ነቲ ዝተዋሓደ ሓጐስና መመላእታ ንኪዀነና ኣይኰነን። እቲ ቐንዲ ምንጪ ናይ ነባሪ ሓጐስ ስለ ዝዀነ ኢና ብፈተና ንሕጐስ። ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ንሓጐስ ምኽንያት ዚዀኑና መብዛሕትኦም ፍጻመታት፡ ስጋውያንን ምድራውያንን’ዮም። ስለ’ዚ ኸም ጠዓሞት ከም መጻንሒ’ምበር፡ ከም ቀንዲ ምግብና ኽንርእዮም ኣይግብኣናን’ዩ። ከም ሃፋ፡ ከም ትኪ በኒኑ ዚጠፍእ ሓጐስ’ዩ። ዋላ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ንምሉእ ዕድመኻ እንተ ኣሰነየካ’ኳ፡ ኪኖ ሞት ዚሰግረሉ ህላውነት የብሉን። “ተመርዕየ፡ ወሊደ፡ ኣጥርየ፡ ከቢረ ወዘተ” ኢልካ እትሕጐሶ ሓጐስ፡ ዋላ’ቲ ዘሐጐስካ ነገር ኣብ ኢድካ እናሃለወ’ኳ፡ ናይ ሓጐስ መኣዛኡ እናሃሰሰን እናፈዀሰን’ዩ ዚኸይድ።
ብፈተና ኽንሕጐስ ካብ ዚገብሩና ምኽንያታት ነዞም ዚስዕቡ ክልተ ኽንርእይ ንኽእል ኢና።
1ይ እቲ ብምኽንያት ዝወረደና ፈተና እንሕጐሶ ሓጐስ፡ እቲ ምድራዊ ኽፋሉ ኣዝዩ ንእሽቶን ሓጺርን፡ ኪኖ ሞት ዘሎ ሰማያዊ ኽፋሉ ግን ኪግለጽ ዘይክእልን ዘለኣለማውን’ዩ። እግዚአብሔር ነቶም ዚኣምንዎ ፍቁራቱ ብፈተና ኺሓልፉ ዚፈቕደሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። ነቶም ምእንቲ ኽብሩ ብፈተና ተዓጊሶምን ተሓጕሶምን ዚሓልፉ ቅዱሳኑ ዘዳለወሎም ክብሪ ይፈልጦ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ብፈተና ኽንሕጐስ ብቕዱሳኑ ገይሩ ዚምዕድና። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ፦ “ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም’ያ’ሞ ብጹኣን’ዮም። እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን’ ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩም፡ ብጹኣን ኢኹም። ከምኡ ድማ ቅድሜኹም ንዝነበሩ ነብያት ሰጕጎምዎም’ዮም’ሞ፡ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ተሓጐሱ ባህ’ውን ይበልኩም።” ኢሉና ኣሎ (ማቴ 5፡10-12)። ብዓይኒ’ቶም ዚፍትኑኻ ሰባት፡ ኪጸርፉኻ፡ ስምካ ኼጸልሙን ኬካፍኡን ከለዉ ኣዝዮም ዚጐድኡኻን ዜዕንዉኻን ዘለዉ’ዩ ዚመስሎም። ኣተሓሳስባኻ ልክዕ ከም ናይ’ቶም ፈተንትኻ ክሳዕ ምዃን እንተ ጐሃኻ፡ ዘይግብኣካ ኣይኰነን። እንተ ዀነ እቲ ፈተና ዘይኰነስ፡ እቲ ኣተሓሳስባኻ የዋርደካ ኸም ዘሎ ግን ክትስሕቶ ኣይግባእን። እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ዝነበረን ዘሎን ኣተሓሳስባ ኣብ ውሽጥኻ ሓዲሩ እንተ’ልዩ ግን፡ ጓህን ምርረትን ይትረፍ ማሕደሩ ኺገብረካ ብጥቓኻ’ውን ኪሓልፍ ኣይግብኦን’ዩ። ምኽንያቱ መንግስተ ሰማያትን ዘለኣለማዊ ኽብርን ዜጐናጽፍ ፈተናን መከራን፡ ክንዲ ዝደለዮ እንተ መረረ፡ ክንዲ ዝደለዮ’ውን እንተ ነውሐ ንሓጐስካ ኼጕድሎ ኣይክእልን’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቲ ብመከራ ኽንሕጐስ ዚገብረና ምኽንያት ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ፡
“ስቓይ ናይ’ዚ ዘመን’ዚ ነቲ ኣባና ኺግለጽ ዚመጽእ ዘሎ ኽብሪ ኸም ዘይመዓራረዮ እኣምን’የ።” ሮሜ 8፡18 ካ.ት
“እዚ ቐልጢፉ ዚሓልፍን ፈኲስ ዝዀነን ጸበባና ኸኣ፡ ማእለያ ዘይብሉ፡ ብሉጽ፡ ዘለኣለማዊ፡ ምሉእ፡ ረዚን ክብሪ የዳልወልና’ዩ።” 2ቈረ 4፡17 (ካ.ት +ቀ.ት)
ነዚ ሃዋርያዊ ሓቂ’ዚ ዝፈለጠን ዝተቐበሎን ክርስትያን፡ ብዚወርዶ ፈተናን ጸበባን እንተ ጐሃየ የምሕረሉዶ፧ እግዚአብሔርከ ንኸም’ዚ ዝበለ ኣጉል ጓሂ ይዕገሶዶ፧ ናይ ዘይምእማን፡ ናይ መንፈሳዊ ዑረትን ቍልዕነትን ውጽኢት ስለ ዝዀነ ይፈርዶ’ምበር፡ ኣይጻምዎን’ዩ።
2ይ እቲ ኻልኣይ ብፈተና እንሕጐሰሉ ምኽንያት ከኣ፡ እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ፍረ-መንፈስ ኪገሃድ ስለ ዚድግፈና’ዩ። ፈተና እንተ ዘየለ፡ ትዕግስትኻ እተግህደሉን እትለማመደሉን ዕድል ኣይህልወካን’ዩ። ኣብ ጊዜ ፈተና እተድልይ ቀዳመይትን ኣገዳሲትን ባህርይ ከኣ ትዕግስቲ’ያ።
“.......ብተስፋ ተኻፈልቲ ኽብሪ ኣምላኽ ስለ ዝዀንና’ውን፡ ንምካሕ ኣለና። ግናኸ፡ እቲ ጸበባ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና ብጸበባ ድማ ንምካሕ’ምበር፡ (ተኻፈልቲ ኽብሪ ስለ ዝዀንና) ጥራይ ኣይኰነን። ብትዕግስቲ ድማ ጽንዓት፡ ብጽንዓት ከኣ ተስፋ ይርከብ።” ሮሜ 5፡2-4 ካ.ት
“ከመይ ብእምነትኩም ክትፍተኑ ኸለኹም፡ ጽንዓት (ትዕግስቲ)’ዩ ዜፍርየልኩም። ብሓንቲ ነገር ከይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ብትዕግስቲ ኽሳዕ መወዳእታ ጽንዑ።” ያእ 1፡3,4 ካ.ት + ቀ.ት
ትዕግስቲ ድማ ናይ እግዚአብሔር ተወራሲት መለኮታዊት ባህርይ’ያ። እግዚአብሔር ብትዕግስቱ’ዩ ጸይሩና ዚነብር ዘሎ (ሮሜ 3:25፣ 2ተሰ 3:5)። ንዚወርደና ዅሉ ጸበባ በታ ኻብኡ ዝወረስናያ ትዕግስቲ ኽንጻወሮን ክንጸንዕን ኪርእየና ኸሎ፡ ነቲ ኣባና ዘሎ ምስሊ ኣርኣያኡ ኸም ዝዓቀብናዮ፡ ብዝያዳ’ኳ ደኣ መመሊስና እናመሰልናዮ ኽንከይድ ክርእየና ኸሎ፡ ኣዝዩ ይሕጐስ፡ ነታ ብምጽኣት ቅዱስ ወዱ እንኸብረላ መዓልቲ ድማ ብሃረርታ ይጽበያ። ድሕነት ዚረክብ ድማ እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ጥራሕ’ዩ (ማቴ 10፡22 ፣ 24፡13)። ስለ’ዚ ፈተና፡ ትዕግስትና ኺግለጽን ኪዓዝዝን ብምግባር፡ ነቲ ንክርስቶስ ብምእማን ዝረኸብናዮ ድሕነት ውሑስ ስለ ዚገብረልና፡ ብፈተና ፈኲስ ዘይኰነስ ዕዙዝ ሓጐስ እንሕጐሰሉ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና ማለት’ዩ።
ፈተና፡ ይቕረ በሃሊ፡ መሓሪ፡ ሓዳግ ሰብ ምዃንካ ዚግለጸሉ ብሉጽ መድረኽ’ዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ንርእሶም መሓርቲ ዝዀኑ ሰባት ጥራሕ፡ ካብ ኣምላኽ ምሕረት ከም ዚረኽቡ ብግልጺ ነጊሩና’ዩ (ማቴ 5፡7)። ምሕረት ክትገብረሎም ዚግብኣካ ሰባት ድማ እቶም ኣብ ልዕሌኻ ጸበባ እናውረዱ ዚፍትኑኻ ሰባት’ዮም። ኣብ ጊዜ ፈተና፡ ብሰይጣናውን ሰብኣውን ኣተሓሳስባ፡ ኣብ ልዕለኻ ውርደትን መከራን’ዩ ዚኽስከስ ዘሎ። ብኣምላኻውን ክርስትያናውን ኣተሓሳስባ ግን ምሕረት እትገብረሉን ንኣምላኽካ እትመስለሉን ሰፊሕ ናይ ክብሪ መድረኽ’ዩ ዚንጸፈልካ ዘሎ። ነዚ ሓቂ’ዚ ኺገልጸልናን ኣርኣያ ኺሓድገልናን ኢሉ ኸኣ’ዩ፡ ጐይታና ኣብ መስቀል ተሸንኪሩ ኸሎ የላግጹሉ፡ ንጽምኣቱ ምስ ሓሞት ዝተሓወሰ መጺጽ ወይኒ የስትይዎ ንዝነበሩ ጸላእቱ፦
“ዎ ኣቦይ፡ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን’ዮም’ሞ፡ ሕደገሎም” ኢሉ ዝጸለየ (ሉቃ 23፡3-4)። እቲ ነዚ ድሙቕ ኣርኣያ’ዚ ኣዝዩ ዘቕለበሉን ዝወረሶን ቀዳማይ ሰማእት፡ ቅዱስ እስቲፋኖስ፡ ነቶም ኣስናኖም እናሓርቀሙ፡ ብኽቱር ጽልእን ቍጥዓን ብዳርባ እምኒ ይፍጽፍጽዎ ዝነበሩ ጸላእቱ፡ ተምበርኪኹ ብዓብዪ ድምጺ፡ “ጐይታይ፡ ነዚ ሓጢኣት’ዚ ኣይትሓዘሎም፡” ኢሉ ምሕረት ገበረሎምን ለመነሎምን (ግብ 7፡59,60)። በዚ ቕዱስን ክቡርን ናይ ምሕረት ባህርይ ምሕጓስን ምድናቕን ገዲፍና፡ በቲ ጽልእን ቍጥዓን ፍጽፈጻን እንተ ሰካሕና ወይ እንተ ጐሃና፡ ብእግዚአብሔር ኣየኽዕበናንዶ፧ ነቲ መንፈሳዊ ሚዛንናኸ ኣየቕልሎንዶ፧ ነዚ ዜደንቕ ባህርይ’ዚ ኻብ’ዚ መዋቲ ሰብ ጸሚቑ ዘውጽአን ዘግሃደን ግና፡ እቲ ኸቢድ ፈተና ምዃኑ ኣይንኽሓዶ። ነዚ ዚመስል ታሪኽን ኣርኣያን እናፈለጥካ ብፈተናኻ ዘይምሕጓስ፡ ብዘይ ቃልዓለም፡ ናይ ከቢድ መንፈሳዊ ቝልዕነት ቅልውላውን መርኣያ ምዃኑ ከቶ ዘየማትእ ውሁብ ሓቂ’ዩ።
“ምፍታን እምነት” እንብሎ ግን ነየናይ ዓይነት ፈተናታት’ዩ፧ “እምነተይ ተፈቲና” ንኽንብል፡ ብዛዕባ እምነትና ኽንጽረፍ፡ ክንስጐጕ፡ ክንእሰር፡ ክንግረፍ፡ ክንቅተል ናይ ግድን ድዩ፧ ኣይኰነን። ኣብ ዓለምና ኻብ ዘሎ ጠቕላላ ቝጽሪ ክርስትያን፡ ብኸም’ዚ ዝበለ ፈተና ዚሓልፍ፡ ኣዝዩ ዝወሓደ ቝጽሪ’ዩ። እግዚአብሔር ዝሃቦ ውልቀ ሰብን ህዝብን’ዩ ኸኣ በዚ ፈተና’ዚ ናይ ምሕላፍ ክብርን ዕድልን ዚረክብ። ብኸም’ዚ ዝዓይነቱ ፈተና ኣይሓለፍካን ማለት ግና፡ ናይ እምነት ፈተና ኣየጋጠመካን ማለት ኣይኰነን። ግደ ሓቂ፡ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ዚነብር ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ኣብ ዘየቋርጽ ናይ እምነት ፈተና’ዩ ዚነብር። መዋጽኦ ዘይብሉ ደኣ ኣይኰነን’ምበር፡ በቲ እኩይ ድያብሎስ ተታሒዛ ኣብ ዘላ እክይቲ ዓለም ብህይወት ምንባር’ኮ ኣዝዩ ኸቢድ ፈተና’ዩ (ገላ 1፡3,4 ፣ 1ዮሃ 5፡9)። ታኼላ ሓጢኣት ኣብ ዝዀነት ዓለም እናነበርካ፡ “ናይ እምነት ፈተና የብለይን” ኢልካ ምሕሳብ፡ ንኽትገልጾ’ኳ ዜሸግር ድኹም ኣተሓሳስባ’ዩ። ናይ ዝሙት፡ ስሰዐ፡ ቍጥዓ፡ ሓሶት፡ ቂምታ፡ ቅንኣት፡ ባእሲ፡ ሕምየት፡ ጸርፊ፡ ትዕቢት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ ሓጢኣት ክትፍጽሞ ዚድርኽ ኵነታት ኬጋጥመካ ኸሎ’ኮ፡ ከቢድ ናይ እምነት ፈተና ገጢሙካ ኣሎ ማለት’ዩ (ሮሜ 1፡28-29 ፣ ገላ 5፡19-21)። ምስ መዋስብትኻ፡ ምስ ውሉድካን ወላዲኻን፡ ምስ ኣሕዋትካን ኣሓትካን፡ ምስ ኣስራሒኻን ስራሕተኛኻን፡ ምስ ናይ ስጋን ናይ መውስቦን ኣዝማድካ ወዘተ እትነብሮ ናብራ፡ እትዛረቦ ዘረባ፡ እትገብሮ ግብሪ፡ ብምሉኡ ናይ እምነት ጕዳይ’ምበር ናይ ማሕበራዊ ናብራ ጕዳይ ጥራሕ ኣይኰነን። ሓቂ መሪራትካ ወይ ኣፍሪሃትካ፡ ሓሶት ክትዛረብ ምስ መረጽካ፡ ኣብ’ቲ ናይ እምነት ፈተና ኸቢድ ስዕረት ከም ዝተሰዓርካ ፈጺምካ ኣይትስሓቶ። ቀረባኻ ብዝዀነ ሰብ ንዝወረደካ በደል፡ ብልዑል ትዕግስትን ምሕረትን እንተ ተዋሳእካ፡ ኣብ’ቲ ናይ እምነት ፈተናኻ ብዓወት ዝወጻእካ ናይ ኣምላኽ ጅግና ኢኻ። ብኣንጻሩ ጥቓ ሓዊ ኸም ዝቐረበ ነዳዲ፡ ብቝጥዓ ተቓጺልካ፡ ብጽልኢ ኽሒንካ፡ ብቒምታ ሓሪርካ እንተ ተረፍካ ግን፡ ኣብ’ቲ ናይ እምነት ገድሊ ብዜሕፍርን ዜፍርድን ስዕረት ስለ ዝተዋረድካ፡ ድራር ገሃነም’ምበር ወራስ ክብሪ ናይ ምዃን ዕድል ኣይክትረክብን ኢኻ። ስለ’ዚ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ብህይወት ክሳዕ ዘለና፡ ኣብ ዘየቋርጽ ናይ እምነት ፈተና ንነብር ከም ዘለና፡ ንሓንቲ ኻልኢት’ኳ ኽንዝንግዖ ኣይግብኣናን’ዩ። ኣብ’ዚ ዘየቋርጽ ፈተና’ዚ ዘይዕወት ክርስትያን፡ ኣብ’ቲ ብማእሰርትን ብሓለንግን ዚግበር ናይ እምነት ፈተና ኺዕወት ፈጺምካ ዘይሕሰብ’ዩ። ድሮ ወዲቑስ ሓመድ ተነጺፉ ንዝጸንሓካ ሰብ፡ ከተውድቖ ኢልካ ምግዳል ከንቱ’ዩ። ኣብ’ቲ ማሕበራዊ ናይ እምነት ፈተና ተሳዒሩ ንዝወደቐ ክርስትያን፡ ብናይ እምነት መከራ ምፍታን፡ ሰይጣን ፈጺሙ ዘይውዕሎ ከንቱ ሃልኪ’ዩ።
ኣርእስትና ብዛዕባ ብፈተናኻ ምሕጓስ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ስለ’ዚ እቲ ብሱል ክርስትያን፡ ብዛዕባ’ዚ ማሕበራዊ ናይ እምነት ፈተናታት’ውን ወርትግ ሕጉስ’ዩ። ብመዋስብቱ ኺብደል ከሎ፡ ብትዕግስቲ ስለ ዚስዕሮ ይሕጐስ። ናይ ዝሙት ፈተና ኼጋጥሞ ኸሎ፡ ቅድስናኡ ዜግህደሉ ዕድል ስለ ዝረኸበ ይሕጐስ፡። ብቒምታ ዜሕርር በደል ኪዘንቦ ኸሎ፡ ምሕረት ዚምኮረሉ መድረኽ ስለ ዝተዳለወሉ፡ ይሕጐስ ንኣምላኹ’ውን የመስግን። “ብምሕረት ሃብታም ምእንቲ ክኸውንሲ፡ መመሊሶም እንተ ዚብድሉኒ” ኢሉ ኣይምነይን’ዩ። ምኽንያቱ እቲ በደል ነቶም ፈጸምቱ ንዘለኣለማዊ ጥፍኣት ኪምጥዎም’ዩ። ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ግን ዜሐጕስ’ምበር፡ ዜጕህይ ምኽንያት የብሉን።
ፈተና ዝበጽሖ ዅሉ ሰብ ግን ኪሕጐስ ይግብኦ ድዩ፧ በቲ ፈተናዶ በቲ ውጽኢት ኢና እንሕጐስ፧ ኣቐዲምና ኸም ዝገለጽናዮ፡ ረብሓ ፈተና’ዩ ዜሐጕሰና። ስለ’ዚ በቲ ፈተና ወጽዓ’ምበር፡ ረብሓ እንተ ዘይረኺብካ ንምንታይ’ሞ ኽትሕጐስ ኢኻ፧ ብዛዕባ ዝገጠመና ፈተና ብጓሂ ኽንሓርር ዚገብረና’ኮ፡ በቲ ፈተና ተሳዒርና ስለ ንወድቕ’ዩ። በቲ ዘየቋርጽ ፈተና ዅሉ ጊዜ ንወድቕ እንተ ዄንና፡ መንፈሳዊ ህይወትና ብናይ ሓጢኣት በሰላ ዝተደወነ መርኣዪ ዘይብሉ’ዩ ዚኸውን። እቲ ንዝመጾ ዅሉ ፈተና ዚዕወተሉ ግን፡ ብጽድቂ ዜጌጸ ተበሃጊ ህይወት’ዩ ዘለዎ። ናይጀርያውያን፡ “ሓደ ሰብ ‘ብልሂ’ ዚበሃል፡ በቲ ዝተደርበየሉ ኣእማን፡ መጽለሊ ዚዀኖ ገዛ ምስ ዚሰርሕ’ዩ” ዚብል ብሂል ኣለዎም ይበሃል። እቲ በቲ እምኒ ኺጕዳእን፡ ተመሊሱ ናብ’ቶም ዝደርበዩሉ ኺድርብዮ ዚነብርን ግን ብርግጽ ዓሻ ሰብ’ዩ። እቲ ንፈተናኡ ብዓወት ዚዛዝሞ ግና፡ ብጹእን ካብ ሰዓርቲ’ውን ዚበልጽን’ዩ’ሞ፡ ብዘይ ዝዀነ ጥርጥር ኪሕጐስ ዚግብኦ’ዩ።
“ተፈቲኑ ምስ (ተዓወተ)፡ ነቲ እግዚአብሔር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል’ዩ’ሞ፡ እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብ ብጹእ’ዩ።” ያእ 1፡12
“ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን’ዩ፧ ከመዮ “ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል ኣለና፡ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና” ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ መከራዶ፡ ጸበባዶ፡ ስደትዶ፡ ጥምየትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ድንገትዶ ወይስ ሞት፧ እምበኣር ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉ (ፈተናታት) በቲ ዘፍቀረና ክርስቶስ ዓወት ብምርካብ ካብ’ቶም ዝሰዓሩ ኣዚና ንበልጽ ኢና። ስለ’ዚ ሞት ኰነ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ዚመጽእ ወይ ሓይልታት፡ ላዕለዋይ ኰነ ታሕተዋይ፡ ካልእ ፍጥረት’ውን እንተ ዀነ፡ ካብ’ታ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ዘላትና ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ዚኽእል ከም ዘየልቦ ኣረጋጊጸ ኣለኹ።” ሮሜ 8፡35-39 ካ.ት
እቲ ኣብ ጊዜ ፈተና ኣዝዩ ዜሐጕሰና ኻልእ ነጥቢ ኸኣ እግዚአብሔር ምሳና ዚዀነሉን፡ እሙንነቱ፡ ሕያውነቱ፡ ኰነ ኻልእ ዅሉ ባህርያቱ ዚገልጸሉ ዝኸበረ ወቕቲ ምዃኑ’ዩ (1ቈረ 10፡13 ፣ ኢሳ 41፡8-16 ፣ 43፡1,2 ፣ ኤር 1፡18,19)።
እምበኣር፡ ምልስ ኢልና ንሕሉፍ ናይ እምነት ፈተናታትና ብኸመይ ከም ዝሰገርናዮም ንመርምር። ብዓወትዶ ብፍሽለት፡ ብሓጐስዶ ብጓሂ ሰጊርናዮም ንኸውን፧ ፈተና፡ ልክዕ ከም መሳልል (ኣስካላ)’ዩ። ከም ምርጫኻ፡ ክትድይበሉ ወይ ክትወርደሉ ትኽእል ኢኻ። ፈተናታትና እንተ ተዓዊትናሎም ናብ ዘለኣለማዊ ሓጐስን ክብርን ዜደይቡ መሳልል ኪዀኑልና’ዮም። እንተ ተሳዒርናሎም ግን ናብ ዘለኣለማዊ ስቓይን ሓዘንን ኪነቝቱና’ዮም። ስለ’ዚ በቶም ሰይጣን ዚድርብየልና ፈተናታት ነባሪ ናይ ሓጐስ ቤት ንህነጽ። ናይ ሓጐስን ናይ ክብርን መንግስቲ ንውረስ’ምበር፡ ንፈተናታትና ኣይንኽሰሮምን!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ጥቅምት 27, 2015 ግዕዝ (6 ሕዳር 2022 ፈ [9ይ ሰንበት: ቊ.12/፲፪]) |
||
ምስባክ መዝ 1()፡3 “ወይከውን ከመ ዕፅ እንተ ትክልት ኀበ ሙኃዘ ማይ። እንተ ትሁብ ፍሬሃ በበጊዜሃ። ወቈጽላኒ ኢይትነገፍ።” “ንሱ ኸም’ታ ፍሬኣ በብጊዜኣ እትህብ፡ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፡ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉ’ውን ይሰልጦ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ቈሎ 1፡1-11 |
ዲያቆን |
|
ያእ 1፡1-12 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 28፡7-17 |
ንፍቅ ካህን |
|
ሉቃ 12፡22-34 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘእግዝእትነ ማርያም |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ