“ንሕና’ውን ነታ ኣምላኽ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን ኣለና። ኣምላኽ ፍቕሪ’ዩ፡ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር (ሰብ) ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብር፡ ኣምላኽ’ውን ኣብኡ ይነብር።” 1ዮሃ 4፡16
ከም ስርዓት ቅድስት ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ግዝረት (ጥሪ 6) ክሳዕ ጥሪ 10 ዘሎ ቕንያት፡ “ናዝሬት ሕፅነት” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ብግእዝ “ሕፅነት (ሕጽነት)” ማለት፡ ብትግርኛ “ዕብየት” ማለት’ዩ። እምበኣር፡ እዚ ቕንያት’ዚ ጐይታና ኣብ ናዝሬት ብዛዕባ ምዕባዩ እነስተንትነሉ ቕንያት’ዩ። “ኣብ ናዝሬት ምዕባዩ’ሞ እንታይ ፍሉይነት ስለ ዘለዎ’ዩ፡ ብደረጃ ቤተ ክርስትያን ናይ ዝኽሪ መዓልታት ዝተፈልየሉ፧” ዚብል ኣገዳሲ ሕቶ ኺለዓለና ይኽእል’ዩ። ብመሰረቱ ኣገዳስነት ዘይብሉ ሓበሬታ ኣብ ቃል እግዚአብሔር ኣይሰፍርን’ዩ። ኣብ ናዝሬት ምዕባዩ ዘለዎ ኣገዳስነት ድማ፡ መርኣያ ናይ’ቲ ዕዙዝ ትሕትናኡ ስለ ዝዀነ’ዩ። ከተማ ናዝሬትን፡ እታ ንሳ እትርከበሉ ኣውራጃ ገሊላን፡ ኣብ’ቲ ጐይታና ዝነበረሉ ዘመን ኣዝየን ሕሱራትን ንዑቓትን’የን ዝነበራ። ከምኡ ዝዀናሉ ምኽንያት ከኣ፡ ነገስታት ኣሶር ነቲ ኣብ’ዚ ቦታ’ዚ ዝነበረ ህዝቢ እስራኤል ብምርኮ ናብ ምድሪ ኣህዛብ ድሕሪ ምግዓዞም፡ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣህዛብ ድማ ናብ እስራኤል ኣግዒዞምዎ ነበሩ (2ነገ 17፡18-24)። ኣህዛብ ብኣይሁድ ኣዝዮም ንዑቓትን ጽሉኣትን ስለ ዝነበሩ፡ እቲ ንሳቶም ዝተቐመጥዎ ቦታ ድማ ምስኣቶም ተናዕቀ። ገሊላ፡ ነገድ ዛብሎንን ንፍታሌምን ዝተረስተይዎ መሬት’ዩ ዝነበረ። ብሰሪ’ቲ ዝፈጸምዎ ኣምልኾ ጣኦት ግና፡ ንህዝቡ ነቒሉ ኣህዛብ ከም ዚሰፍርዎ ብምግባር ነታ ምድሪ ኣቃለላን ኣሕሰራን። እንተ ዀነ መሓርን ሕያዋይን ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ብርሃን ዓለም ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብኣ ዓብዩ ብርሃን ወንጌል ቅድም ንገሊላ ኺስበኸላ ገበረ። ነቶም ዚንዕቅዋን ዚምክሑላን ኣይሁድ ድማ ኣስተሓፈሮም፡ ነቲ ቕድሚ 600-700 ዓመታት ብነብዪ ኢሳይያስ ዝተነግረ፦
“ግናኸ ኣብ’ታ እትሽገር ሃገርሲ ጸልማት ኣይኪነብርን’ዩ። ኣብ’ቲ ዘመን ቀደም ንምድሪ ዛብሎንን ንምድሪ ንፍታሌምን ከም ዘቃለለን፡ ከምኡ ኣብ’ቲ ዳሕራይ ዘመን ንመገዲ ባሕሪ፡ ንማዕዶ ዮርዳኖስ፡ ነታ ናይ ኣህዛብ ገሊላ ኬኽብራ’ዩ። እቲ ኣብ ጸልማት ዚመላለስ ህዝቢ (ገሊላ) ዓብዪ ብርሃን ረኣየ። ነቶም ኣብ ምድሪ ድነ ሞት ዚነብሩ’ውን ብርሃን ኣብርሃሎም።”
ዚብል ትንቢት፡ ብግብሪ ፈጸሞ (ኢሳ 9፡1,2፣ ማቴ 4፡13-16)። ብኸም’ዚ ድማ ጉይታና ኣብ ናዝሬት ብምዕባይ ኣብ ገሊላ ብምግልጋል፡ ነቲ ሕሱርን ንዑቕን ዝዀነ ህዝብን ምድርን ኣኽበሮ። ናዝሬት ንዕቕቲ ስለ ዝነበረት ናትናኤል እቲ ገርህን ቅኑዕን ሃዋርያ’ኳ፡ “ንዮሴፍ ብዓል ናዝሬት ረኺብናዮ” ምስ በልዎ፡ “ካብ ናዝሬትዶ ገለ ሰናይ ኪመጽእ ይከኣል’ዩ” በለ (ዮሃ 1፡45-51)። እቲ ህዝብን እቶም መራሕቲ ሃይማኖትን’ውን፡ “ክርስቶስዶ ካብ ገሊላ ዚመጽእ ኰይኑ፡ ........መርምር’ሞ ካብ ገሊላ ነብዪ ኸም ዘይትንስእ ክትርእይ ኢኻ” ይብሉ ነበሩ (ዮሃ 7፡40-43,47-53)። ነቲ ብሓጢኣት ዝሓሰረ ስጋና ምልባሱ፡ “ካብ ወለዶኡ መን ሓስቦ፧” ኽሳዕ ዚበሃለሉ ካብ ትሑትን ድኻን ወለዶ ምውጻኡ፡ ኣብ’ታ ንዕቕቲ ኣድጊ ተወጢሑ ሆሳእናኡ ምጽምባሉ፡ ንትሑታት ገሊላውያን ገፈፍቲ ዓሳ ደቀ መዛሙርቱ ምግባሩ፡ “ዓርኪ ተገውትን ሓጥኣንን” ክሳዕ ዚበሃል፡ ነቶም ኣይሁድ ዚጽየፍዎም ሓጥኣን ምሕቋፉ፡ ምስ ገበነኛታት ተሰሪዑ ምስቃሉ ወዘተ ናይ’ቲ ዕዙዝን መዳርግቲ ኣልቦን ትሕትናኡ መርኣያ’ዩ (ማቴ 9፡11፣ 11፡25፣ 1ቈረ 1፡26-29)።
ቅዱስ ያሬድ ኣብ’ቲ ናይ’ዚ ሰንበት’ዚ መዝሙሩ ኣገዳስነት ናይ’ቲ ኣብ ናዝሬት ምዕባዩ ንኼመልክት ኣብ መዝሙሩ “በቤተልሔም ተወልደ፡ ወበናዝሬት ተሐፅነ” (ኣብ ቤተልሄም ተወሊዱ፡ ኣብ ናዝሬት ዓበየ) ኢሉ ኣሎ። ኣብ’ቲ “ድጓ” ዝተሰምየ መዝሙር ናይ ቤተ ክርስትያንና’ውን “ናዝሬት እምገሊላ ትንዕስ በዓፀደ፡ ወበፀጋ ትትሌዓል ፈድፋደ” (ናዝሬት ብቦታ ካብ ገሊላ እታ ዝነኣሰት፡ ብጸጋ ግን ኣዝያ ዝለዓለት’ያ) ዚብል ግሩም ምስጢር ኣሎ።
እግዚአብሔር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓንናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኸም’ዚ ዝበለ ሕሉፍ ትሕትና ኺግለጽ ዝደረኸ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ፡ “ፍቕር ሰሐቦ ለወልድ ኃያል እምመንበሩ” (ፍቕሪ፡ ነቲ ሓያል ወልድ ካብ መንበሩ ሰሓቦ)፡ ኸም ዝበለ፡ እቲ ቐንዲ ድርኺት ናይ መለኮት “ፍቕሪ” ጥራሕ’ዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም’ዚ ገይሩ ርእሱ እምብዛ እንተ ዘየትሕት፡ ነታ ዓባይ ፍቕሩ ኣብ ማእከልና ኼጕልሓን ኬግህዳን ኣይምኸኣለን ነይሩ። ኣብ መስቀል ተሰቒልካ ሙማት፡ ኣብ ስርዓት ሮማውያን፡ ነቶም ዝኸፍኡ ገበነኛታት ዚወሃብ ፍርዲ’ዩ ዝነበረ። እቶም ምስ ጐይታና ዝተሰቕሉ ኽልተ ኸተርቲ፡ ናይ’ዚ ሓቂ’ዚ መርትዖ’ዮም። እቲ ሓጢኣት ዘይብሉ ንጹህ ጐይታ፡ ክሳዕ ሞት መስቀል ብምትሓት’ዩ፡ ነታ ዕዝዝቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ዘግሃደልና። ቅዱሳት ሃዋርያት’ውን ኣብ ወንጌል ኰነ ኣብ መልእኽታቶም ነዚ ሓቂ’ዚ’ዮም ዘረጋገጹልና (ዮሃ 3፡16፣ 15፡13፣ ሮሜ 5፡8፣ ኤፌ 2፡3-5፣ 1ዮሃ 4፡9,10)። ትሕትና፡ ናይ ዕዙዝ ፍቕሪ መርኣያ’ዩ። ፍቕሪ፡ ንርእስኻ ክትንሕፍን ከተኽብርን ኣይተኽእለካን’ያ። ብኣንጻሩ ርእስኻ በጃ ኻልኦት ከተሕልፍ’ያ ትድርኸካ። ፍቕሪ እንተ ዘየላ ግና፡ ትዕቢትን ትምክሕትን ጃህራን’ዩ ዚነግስ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ንፍቕሪ ኺገልጻ ኸሎ፦
“ፍቕሪ ዓቃል’ያ፡ ፍቕሪ ለዋህ’ያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕን (ትሕትቲ’ያ)፡ (ንኻልኦት) ኣይተስተሓፍርን፡ ናታ ኣይትደልን፡ ኣይትምረርን፡ ኣይትቕየምን’ያ (ምሕረተኛ’ያ)።”
ዝበለሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ (1ቈረ 13፡4,8)። ኣብ’ታ ዕዝዝቲ ፍቕሪ ክርስቶስ ድማ እዚ ሓቂ’ዚ’ዩ ተተግቢሩ። ስለ’ዚ ድማ ብዛዕባ’ቲ ፍቕሩ ዝወለዶ ትሕትናኡ፦
“(ክርስቶስ) ብመልክዕ ኣምላኽ (ብባህርዩ ኣምላኽ) ክነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም (ዝተመንዝዐ ገይሩ) ኣይረኣዮን። መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ፡ ሰብ’ውን መሰለ፡ (ብናብራኡ) ከም ሰብ ኰይኑ ተረኽበ። ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሓተ፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል’ኳ ደኣ ተኣዘዘ።”
ተባሂሉ ተመስከረሉ (ፊል 2፡6-8)። ዕባይ ናዝሬት ኪኸውን “ናዝሬታዊ” ኺበሃል ምፍቃዱ ድማ ኣካል ናይ’ቲ ዕዙዝ ፍቕሩን ትሕትናኡን’ዩ። እቲ ብልዕልና መለኮቱ ሰማያት ኪጾርዎ ዘይክእሉ፡ መላእኽቲ ኣብ ቅድሚኡ ዚርዕዱሉ ኣምላኽ-ኣማልኽቲ፡ ንጉስ-ነገስታት፡ ጐይታ-ጐይቶት እግዚአብሔር ወልድ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ’ታ ንርእሶም ሓጥኣን ዝዀኑ ኣይሁድ ዝነዓቕዋ ናዝሬት ኪዓብይ ምፍቃዱ፡ ኣእምሮ ኺበጽሖ፡ ቋንቋ’ውን ኪገልጾ ዘይክእል ዕጹብ ድንቂ ትሕትና’ዩ።
ኣብ’ዚ ዕለት’ዚ ብዛዕባ “ኣብ ፍቕሪ ምንባር” ክንመሃር ዘድለየሉ ምኽንያት ደኣ እንታይ’ዩ፧ እቶም ነዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ዝሰርዑልና ቅዱሳን ኣቦታትና፡ ነቲ ኣብ ናዝሬት ብምዕባዩ ዝገለጾ ትሕትና ምስ ፍቕሪ ዘለዎ ዝምድና ንምግላጽ ዝገበርዎ ምዃኑ ዘየማትእ’ዩ። ጐይታና ባዕሉ ዀነ ቅዱሳን ሃዋርያቱ ፍቕሪ ኣብ ምፍጻም ኵሉ ትእዛዛት ዘለዎ ዓብይ ግደ ገሊጾምልና’ዮም።
“ኣብ’ዘን ክልተ ትእዛዛት’ዚኣተን (ፍቕሪ ኣምላኽን ፍቕሪ ብጻይን) ብዘሎ ሕግን ነብያትን ተሰቒሉ ኣሎ።” ማቴ 22፡40
“እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ’ዩ፡ .......። እዚ፡ <ኣይትዘምው፡ ኣይትቕተል፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣይትመነይ፡> እተባህለ፡ ካልእ ትእዛዝ’ውን እንተ ዀነ፡ በዚ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ዚብል ቃል ክቱት’ዩ። ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይትገብሮን፡ እምበኣርሲ ፍቕሪ መደምደምታ ሕጊ’ያ።” ሮሜ 13፡8-10
“ማለት ኵሉ’ቲ ሕጊ፡ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር”፡ ብ’ትብል ሓንቲ ቓል ይፍጸም’ዩ።” ገላ 5፡14
ካብ’ዚ ዝተጠቕሰ ቓል እግዚአብሔር ኸም ንርድኦ’ምበኣር፡ ንዅሉ’ቲ “ግበር፡ ኣይትግበር” ዚብል ትእዛዛት ኣምላኽ ክንፍጽም እተኽእለና፡ ፍቕሪ’ያ። እቲ ፍቕሪ ኣምላኹን ፍቕሪ ብጻዩን ዘለዎ ሰብ፡ መለለዪ ህይወቱ፡ ተኣዝዞ’ዩ። ጐይታና’ውን እቲ ሓቂ ኸምኡ ምዃኑ ባዕሉን ብሃዋርያኡን ገይሩ ገሊጹልና’ዩ።
“ተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሓልው። ...... እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ’ሞ ዚሕልዎ፡ ንሱ’ዩ ዜፍቅረኒ ...... ዜፍቅረኒ እንተ’ሎ፡ ቃለይ ይሕልው’ዩ ..... ። እቲ ዘየፍቅረኒ ግና ንቓለይ ኣይሕልዎን’ዩ . . . “ ዮሃ 14፡15,21,23,24
“እቲ ንቓሉ ዚሕልው ግና፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ብሓቂ ኣብኡ ትፍጸም። ኣብኡ ኸም ዘለና፡ በዚ ኢና፡ ‘ንፈልጥ። . . . ፍቕሪ ንኣምላኽ ትእዛዛቱ ኽንሕልው’ዩ’ሞ፡ ትእዛዛቱ’ውን ኣይከቢድን’ዩ።” 1ዮሃ 2፡5፣ 5፡3
እቲ ሓቂ እዚ ኻብ ኰነ፡ ትሕትና ድማ ካብ’ተን ትእዛዛት ሓንቲ ስለ ዝዀነት፡ ብዘይ ፍቕሪ ኽትፍጸም ኣይትኽእልን’ያ። ንኣምላኽ ዜኽብርን ንሰባት ኣርኣያ ዚኸውንን ትሕትና፡ ኣብ’ቶም ብፍቕሪ ሃብታማት ዝዀኑ ሰባት ጥራሕ ዚርከብ ጸጋ’ዩ። ፍቕሪ ኣብ ዘለዎ፡ ነቲ ሰይጣናዊ ባህርይ ዝዀነ ትዕቢት ዚኸውን ስፍራ ፈጺሙ የልቦን። ፍቕሪ፡ ካብ’ቲ እግዚአብሔር ዚጸልኦ ዅሉ ኽፉእ ባህርይን ግብርን ሓራ እትገብረና መንጽሂት ባህርይ’ያ። ኣብ’ቲ ልዕል ኢልና ዘንበብናዮ ናይ 1ቈረ 13፡4-8 መልእኽቲ ኸም ዝተገንዘብናዮ፡ ንዅሉ’ቲ ዝተኣዘዝናዮ ተደለይቲ ባህርያት ኣልቢሳ፡ ነቲ ዘይተደላዪ ጽዩፍ ባህርያት ኣርሒቓ ንኣምላኽ እተምስለና፡ እዛ መለኮታዊት ባህርይ ዝዀነት ፍቕሪ’ያ።
“ትእዛዛቱ ኣይከቢድን’ዩ” ዚብል ቃል መብዛሕትኡ ጊዜ ንኽንርድኦ ዀነ ንኽንቅበሎ እምብዛ’ዩ ዚኸብደና። ኵላትና ሓደ ዓይነት ዓቕሚ ወይ ሓይሊ ስለ ዘይብልና፡ ክብደት ኣብ ምጻር ኣዝዩ ዓብይ ፍልልይ’ዩ ዘሎና። ንሓደ ምሉእ ኵንታል ብቐሊሉ ኼልዕል ዚኽእል ሓያል ሰብ ኣሎ። መብዛሕትና ግን ይትረፍ ኵንታል ከነልዕል፡ ነዛ ፍርቂ ዅንታል’ኳ ንማለቱ ነቕ ከነብላ ዘይንኽእል ኢና። ክንዕወት እንተ ዄንና፡ ነቲ ኸነልዕሎ ዝደለና ኽብደት ዚምጥን ሓይሊ ኺህልወና ናይ ግድን’ዩ። ፍቕሪ ድማ ዓቕምን ሓይልን ናይ ሰብ’ያ። ንኣምላኽ ኰነ ንሰብ ዘሎና ፍቕሪ ብመጠኑ እናዓበየ ብዓይነቱ ድማ እናበለጸ ምስ ዚኸይድ፡ ክንፍጽሞ ዘይንኽእል ዚኸብደና ትእዛዝ ኪህልው ኣይክእልን’ዩ። ይትረፍ “ተዓገስ፡ ትሕት በል” ዚብል ቀሊል ትእዛዛት፡ “ህይወትካ በጃ ሃብ” ዚብል ትእዛዝ’ኳ ኣይከብደናን’ዩ። ብዘይ ፍቕሪ ትሑት ክትከውን ምፍታን ልክዕ ሓይልኻ ደርቢኻስ ክብደት ከተልዕል ናይ ምፍታን ዓሻ ሃቐና’ዩ። ሳምሶን ብሓንቲ ኣመንዝራ ሓይሉ ተላጽዩ ኪኸይድ ድሕሪ ምፍቃዱ’ሞ፡ ፍልስጤማውያን ምስ መጽዎ፡ ገና ኸም ቀደም ምስ ሓይሉ ዘሎ መሲልዎ፡ ፍኒሕኒሕ ክብል ፈተነ። ኬስልጥ ግን ኣይከኣለን። ፍቕሪ ደርብዩ ኼብቅዕ ጻድቕ ባህርይን ግብርን ኬዘውትር ዚፍትን ሰብ ድማ፡ ካብ’ዚ ናይ ሳምሶን ዝተፈልየ ታሪኽ ኪህልዎ ኣይክእልን’ዩ። ጸላኢኡ ደኣ’ዩ ኣብ ልዕሊኡ ዚዕወት’ምበር፡ ንሱስ ከቶ ኣይዕወትን’ዩ።
ብዘይካ’ዚ ዝተጠቕሰ ሓቂ፡ ፍቕሪ-ኣልቦ ምዃን እንታይ ካልእ ሳዕቤን ኣለዎ፧ ክሳዕ ሕጂ ኽንርእዮ ዝጸናሕና ሓቂ፡ ፍቕሪ ኣብ ተኣዘዘ ዘለዋ ዕዙዝ ግደ’ዩ። ነታ በዅሪ ዅሉ ትእዛዛት ዝዀነት ፍቕሪ ኺእዘዛ ዘይከኣለ፡ ንኻልእ ትእዛዛት ኪፍጽም እምብዛ ይኸብዶ፡ ኣይኰነሉን ድማ። “ዝገበረ ገይሩ እንተ ፈጸሞከ፡ እንታይ’ዩ ረብሓኡ፧” ኢልና ኽንሓትት’ውን ግቡእ’ዩ። ናይ ፍቕሪ ብልጫ ትእዛዛት ኣብ ምፍጻም ጥራሕ ኣይድረትን’ዩ። ንዅሉ ዝገበርናዮ ተግባር ተቐባልነት እተጐናጽፎ’ውን ፍቕሪ’ያ። ይትረፍ ነቲ ፍረ መንፈስ ዝዀነ ስነ ምግባራት፡ ዋላ ነቲ ናይ መንፈስ ቅዱስ ውህበታት’ውን ተቐባልነትን ክብርን እተጐናጽፎ ፍቕሪ ምዃና፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣነጺሩ ገሊጹልና ኣሎ።
“ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከም ዜድህይ ኣስራዚ ወይ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ምዀንኩ (ነይረ)። ትንቢት እንተ ዚህልወኒ፡ ኵሉ ምስጢራትን ኵሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከንቱ ምዀንኩ ነይረ። ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት እንተ ዝዕድል፡ ስጋይ’ውን ንምንዳድ (ንሰማእትነት) ኣሕሊፈ እንተ ዝህብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ሓንቲ’ኳ ኣይጠቕመንን’ዩ።” 1ቈረ 13፡1-3
ኣብ’ዚ ንባብ’ዚ ተጠቒሶም ዘለው ውህበታትን ስነ ምግባራትን ኣዝዮም ዓበይቲ’ዮም። ፍቕሪ ንዘይብሉ ሰብ ኪህልውዎ ዚኽእሉን ኪፍጽሞም ዚኽእሉን’ዮም። ፍቕሪ ዘይብልካ እንተ ዄንካ ግን እቶም ውህበታት ኣይጠቕሙን ጥራሕ ዘይኰነስ ጐዳእቲ’ዮም ዚዀኑ። ምኽንያቱ መጐልበቢ ናይ ክፍኣትካ ዀይኖም ብኣታቶም ክትጥበርን ናብ ንስሓ ኸይትበቅዕን ክትዕንቀፍን ስለ ዚገብሩ’ዮም። እቲ ኣብ ማቴ 7፡20-23 ዘሎ ቓል፡ ነዚ ሓቂ’ዚ’ዩ ዜረጋግጸልና። እቶም ኣብኡ ተጠቒሶም ዘለዉ፡ ኣብ ሓደ ጊዜ ገበርቲ ተኣምራትን ገበርቲ ዓመጻን ነበሩ። ንሰብ ካብ ምጽላእን ፍቕሪ ዘይብልካ ኻብ ምዃንን ዚኸፍእ ዓመጻ ድማ የልቦን። ምኽንያቱ “ንሓው ዚጸልእ ዘበለ ዅሉ፡ ቀታል ነፍሲ’ዩ” ተባሂሉ ብግልጺ ተነጊሩና’ዩ (1ዮሃ 3፡15)። ቅትለት ነፍሲ ድማ፡ ብሕጊ ኣምላኽ ኰነ ብሕጊ ሰብ፡ እቲ ዝኸፍአ ዓመጻን ገበንን’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ቅዱስ ወንጌል፡ “ኵሉ ግብርኹም ብፍቕሪ ይገበር” ኢሉ ዚእዝዘና (1ቈረ 16፡14)።
ናይ’ዚ ዝተገልጸ ሓቂ ዜሕዝን ኣብነት ዚዀነና ድማ፡ እቲ “መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ኤፌሶን” ተባሂሉ ብጐይታ ዝተጸውዐ መራሕ ቤተ ክርስትያን’ዩ። እዚ ኣገልጋሊ ቤተ ክርስቲያን’ዚ ኣዝዩ ዕዉትን ኣብነታውን ኣገልጋሊ’ዩ ዝነበረ። ነቲ ዅሉ ዓወቱ ከንቱ እትገብር፡ ሓንቲ ግን ከኣ ኣዝያ ዓባይ ጕድለት ተረኽበቶ። እዛ ጕድለት’ዚኣ ነቲ ዅሉ ቝምነገሩ ኣበላሽያ፡ ካብ’ቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝነበሮ ክብርን ማዕርግን እትነቕሎ ጒድለት ነበረት።
“ግብርኻን ጻዕርኻን ትዕግስትኻን፡ ነቶም እኩያት ሰባት’ውን ክትጾሮም ከም ዘይከኣልካን (ብግቡእ ስለ ዝተቓወምካዮምን)፡ ነቶም “ኣይሁድ ኢና” ዚብሉ’ሞ ዘይኰኑ፡ ተዓዚብካዮምሲ ሓሰውቲ ዀይኖም ከም ዝረኸብካዮም እፈልጥ ኣለኹ። ትዕግስቲ ኸኣ ኣሎካ፡ ስለ ስመይ ኢልካ’ውን (መከራ) ተጻወርካ፡ ኣይሰልኬኻን። ግናኸ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሓዲግካያ ኢኻ’ሞ እዚ (ጕድለት’ዚ) ረኺበልካ ኣለኹ። እምበኣርሲ ኻበይ ከም ዝወደቕካ ዘኽር’ሞ ተነሳሕ፡ ነቲ ቐዳማይ ግብሪ’ውን ግበሮ። እንተ ዘይኰነስ ክመጸካ፡ እንተ ዘይተነሳሕካ’ውን፡ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴልካ ኻብ’ቲ ስፍራኡ ኸዝብሎ (ክነቕሎ)’የ። ግናኸ ነቲ ኣነ ዝጸልኦ ግብሪ ኒቆላውያን ንስኻ’ውን ስለ ‘ትጸልኦ፡ ዜመስግን (ግብሪ) ረኺበልካ ኣለኹ።” ራእ 2፡2-6 ካ.ት
ኣብ’ዛ ኽፍሊ’ዚኣ ዘሎ ኣዝዩ ደስ ዜብል ኣገላልጻ፡ ንፍቕሪ፡ “ቀዳመይቲ ግብሪ” ኢሉ ምስማዩ’ዩ። ጐይታና’ውን “ቀዳመይትን ዓባይን ትእዛዝ” ኢሉ ሰምይዋ ኣሎ (ማቴ 22፡34-70፣ ማር 12፡28-34)። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን “ዝዓበየ ውህበትን ዝበለጸ መገድን” ብምባል ገሊጽዋ ኣሎ (1ቈረ 12፡31)። እቲ ዜሕዝን ከኣ እዚ ብጐይታኡ ዝተመጐሰ ብሉጽ ኣገልጋሊ’ዚ ነዛ ቐዳመይትን ብልጽትን መንፈሳዊት ንብረት ምድርባዩ’ዩ። ኣዝዩ ኸቢድ ውድቀት ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ “ካበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር (ፍለጥ)” ኢሉ ኣጠንቀቖ። እታ ቐንዴሉ ኸይተነቕለት ከላ፡ ነታ ዝደርበያ ብልጫኡ ብንስሓ ኼልዕላን ደጊሙ ኺለብሳን ተነግሮ። ንፍቕሪ ኻብ ልብና ኽንነቕላ ኸለና፡ ንርእስና ኻብ መንግስቲ ኣምላኽ ነቒልና ናብ ገሃነም ናይ ምድርባይ ዜሕፍርን ዜነውርን ዓሻ ምርጫ ኸም ዘልዓልና ኸነስተውዕል ይግባእ።
ንምንታይ’ዩ ኻብ ፍቕሪ ምውዳቕሲ ካብ ሰማይ ምውዳቕ ዚኸውን፧ ክሳዕ ክንዲ’ዚ ኸቢድ ኣበሳን ዕሽነት ዚገብሮ ዘሎ እንታይ’ዩ፧ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትን መሪሕ ጥቕስን፡ ነዚ ኣገዳስን ኣማእዛንን ሕቶ’ዚ ኺምልስ ዝተሰርዐ’ዩ። ናይ ብሓቂ መንፈሳዊ ኣእምሮ ንዘለዎ ሰብ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ’ዩ” ተባሂሉ ኺንገሮ ኸሎ፡ ንፍቕሪ ኼልዕላ ወይ ኪድርብያ ኸሎ፡ እንታይ ይገብር ከም ዘሎ ኪስወሮ ኣይክእልን’ዩ። ስለ’ዚ ንፍቕሪ ዚድርብያ እቲ ኣእምሮ ዘይብሉ፡ ኣቐዲሙ ነእምሮኡ ዝደርበየ ሰብ ጥራሕ’ዩ። ብዛዕባ መንፈሳዊ ኣእምሮ’ምበር፡ ብዛዕባ ስጋዊ ኣእምሮ ንዛረብ ከም ዘየለና ኣይንዘንግዕ (ሮሜ 1፡21-23,28፣ 12፡1፣ ኤፌ 4፡17-24፣ ቈሎ 2፡2,3)። ነቶም ኣእምሮ ዘይብሎም ኣመልኪቱ ብቕዱሳን ነብያት ዝተነግረ ቓል ድማ ኣዝዩ ዜርዕድ’ዩ።
“.......ኣእምሮ ዘይብሉ ህዝብስ ኪወድቕ’ዩ። ......ኣእምሮ ዘይብሉ ህዝቢ’ዩ’ሞ፡ ስለ’ዚ እቲ ፈጣሪኡ ኣይድንግጸሉን፡ እቲ ደኳኒኡ ድማ ኣይምሕሮን።” ሆሴ 4፡14፣ ኢሳ 27፡11
ስለ’ዚ እቲ ፍቕሪ ዚድርብይ ሰብ፡ ነቲ ፍቕሪ ዝዀነን ብፍቕሪ ዜናብሮን ኣምላኽ ይድርብይ ከም ዘሎ ስለ ዘይፈልጥ፡ ናይ ብሓቂ ኣእምሮ ዘይብሉ፡ ብኽልተ እግሪ ዚኸይድ እንስሳ’ዩ ዚኸውን። ናይ ከም’ዚ ዝበለ ሰብ መሰረታዊ ጸሎት፡ “ኣእምሮ ሃበኒ፡ ካብ ሕሱር ኣእምሮ ኣናግፈኒ፡ ሰብ ናይ ምዃን ዳግማይ ዕድልን ክብርን ሃበኒ” ኪኸውን’ዩ ዚግባእ (መዝ 119፡125፣ ዳን 4፡34-37፣ ኤፌ 1፡8-10፣ ቈሎ 1፡9)።
መሪሕ ጥቕስና፡ ብፍቕርን ኣብ ፍቕርን ዚነብር ሰብ ናይ ምዃን ክልተ ዓበይቲ ረብሓታት ገሊጹልና ኣሎ።
1ይ. ንስኻ ኣብ ኣምላኽ ትነብር፡
2ይ. ኣምላኽ ኣባኻ ይነብር።
ስጋዊ ኣእምሮ ነዚ ምስጢር’ዚ ኺርድኦ ከቶ ኣይክእልን’ዩ። እዚ ምስጢር’ዚ እንተ ዚርድኣና፡ ባዕሉ’ቲ ሃዋርያ ጽልኢ ዝዀነ ዲያብሎስን እታ ጽልኢ ብቐንዳን ንዘለኣለም ክሳዕ ዚቐብጹና ህይወትና ምተለወጠ ነይሩ። እቲ ስጋዊ ኣእምሮና ንሕና ኣብ ገዛናን ኣብ ከተማናን ከም እንነብር ደኣ’ምበር፡ ገዛናን ከተማናን ኣባና ኣብ ውሽጥና ኺነብሩ ኸም ዘይክእሉ’ዩ ዚፈልጥ። እቲ ሓቂ ኸኣ ከምኡ’ዩ። ኣብ ነገራዊ ዓለም እቲ ሓቂ ንሱ’ዩ። ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ግና እቲ ሓቅን ክውንነትን ኣዝዩ ዝተፈልየ’ዩ። ሰብ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኣብ ገዝኡ ኾፍ ኢሉ ኸሎ፡ ኣብ ጐደናታት ከተማኡ እናተዛወረ ኸሎ፡ ኣብ ትካሉ እናሰርሐ፡ ኣብ ቤት ትምህርቱ እናተማህረ ኸሎ ኣብ ኣምላኽ ኪነብር ይኽእል’ዩ። ነዚ ተኣምር’ዚ ኽዉን ካብ ዚገብሩ ባህርያት ግብርታትን ሓንትን ቀዳመይትን ከኣ ፍቕሪ’ያ። እታ ኣቢጋይል ዝተባህለት ኣእምሮኣ ዝተባረኸ ብልሂ ሰበይቲ፡ ንቕዱስ ዳዊት፡ “ነፍስኻ ኣብ እግዚአብሔር፡ ኣብ’ቲ ኸረጺት ህያዋን ጥቕልልቲ ትኹን (ትንበር)።” ኢላ ኣዝዩ ዜገርም ምስጢር ዝመልኦ ምርቓ መረቐቶ (1ሳሙ 25፡29)። ንፍቕሪ ምርጫና ጌርና ኸነልዕላን ክንነብራን ከለና’ምበኣር፡ ነዚ ኽብርን ተኣምርን’ዚ እንበቅዕ ሰባት ንኸውን ከም ዘለና ነስተውዕል።
እቲ ኻልኣይ ዓብዪ ረብሓ ናይ ፍቕሪ ድማ፡ ኣምላኽ ኣባና ኺሓድር፡ ንሕና ማሕደርን መቕደስን ናይ ኣምላኽ ክንከውን ዜብቅዓና ምዃኑ’ዩ። ኣምላኽ ፍቕሪ ስለ ዝዀነ፡ ፍቕሪ ኣብ ዝመልኦ ሰብ ጥራሕ’ዩ ኺነብር ዚኽእል። መቕደስ ኣምላኽ ምዃንና ቃል እግዚአብሔር ብኣጽንዖት ደጋጊሙ’ዩ ዜረጋግጸልና (1ቈረ 3፡16,17፣ 6፡19,20፣ 2ቈረ 6፡16 ፣ ኤፌ 2፡22 ፣ እብ 3፡6 ፣1ጴጥ 2፡5)። ኣብ’ዚ መቕደስ ስጋና ንኣምላኽ እንዓጥነሉ ምኡዝ ዕጣን ከኣ ፍቕሪ’ዩ። ኣብ’ቲ ንሕና ዝሰራሕናዮ ቤት መቕደስ ዘይኰነስ፡ ኣብ’ቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ መቕደስ ስጋና ኺሓድር ዚመርጸሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ (ኢሳ 57፡15፣ 66፡1,2)። እቲ ሰማይን ምድርን ኪጾርዎ ዘይክእሉ ልዑል ኣምላኽ፡ ኣብ’ዚ ድኹምን መዋትን ስጋና ኺሓድር ዝበሃገ፡ ንፍቕርናን ንኻልእ ኵሉ ቅዱስ ስነ ምግባርን ከም መስዋእቲ ገይሩ ኪቕበል ስለ ዝመረጸ’ዩ። ጽልእን ቂምታን ግን ዕጣንን መስዋእትን ናይ ኣጋንንቲ’ዩ። ኣይግበሮ’ምበር፡ ኣብ’ዛ ቜምናላ ዘለና ቤት መቕደስ፡ ሓደ ኻህን ዕጣን ገዲፎም፡ ዓዲ ዜሕድግ ሽታ ዘለዎ ኽፉእ ነገር እንተ ዚዓጥኑልና፡ እንታይ ምበልና፧ እንታይከ ምገበርና ኔርና፧ ኣብ’ታ ቅድስቲ መቕደስ ስጋና፡ ነቲ ማሕደሩ ዝገበረና መኽበሪና ኣምላኽ ጽልእን ቂምታን ክንዓጥነሉ ኸለናኸ ሰማይን ምድርን ዘይጾሮ ኸቢድ ኣበሳዶ ኣይኰነን!! ስለ’ዚዶ ‘ይኰነን፡ ነቶም ንፍቕሪ ተሓሲሞም ንጽልኢ ዝመረጹ ዓያሱን ሕሱማትን ሰባት፡ ኣብ ገሃነም ብዘለኣለማዊ ስቓይ ዚብቀሎም!!
እምበኣር ናይ ብሓቂ ምስ ኣእምሮናን ቀልብናን እንተ’ሊና፡ ነቲ ዜሕሸናን ጽቡቕ ዜፍድየናን ንምረጽ። ነዚ “እንታይ መጺኡኒ’የ፡ ነዚ ወይ ነዚኣ ዘፍቀርኩ” ዜብለና ዘሎ ኣጋንንታዊ ትምክሕቲ ንደርብይ’ሞ፡ ነቲ ተጸዪፍና ዝደርበናዮ ፍቕሪ ነልዕል። ነቲ ኻብ ልብና ብውርደት ዝሰጐጕናዮ ኽቡር ኣምላኽ ከኣ ናብ’ቲ ዝበሃጎ መቕደሱ ንምለሶ። ዚርእያ ኣዒንቲ ንዘለዋኦ፡ ፍቕሪ መለኮታዊት ኣኽሊል’ያ። ንሓይሊ ሓጢኣት እተሰንፍ መንፈሳዊት ሓይሊ’ያ። ንመዋቲ ናይ ውርደት ስጋ፡ ማሕደር መለኮት እትገብር መንፈሳዊት ጥበብ’ያ። ንስጋና ህያውን ቅዱስን መስዋእቲ እትገብር፡ ንኣምላኽ እተስምር ቅብልቲ ባህርይ’ያ’ሞ ጥሪትናን ሃብትናን ንግበራ፡ ኣብ ፍቕሪ ንንበር፡ ባህሪናን ግብርናን ንግበራ!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ጥር 7, 2015 ግዕዝ (15 ጥር/ጥሪ 2023 ፈ [መበል 19 ሰንበት: ቊ.፳፯/27, 2023] |
||
ምስባክ መዝ.131(132)፡ 6-7 “ናሁ ሰማዕናሁ በኤፍራታ። ወረከብናሁ ውስተ ዖመ ገዳም። ንበውእ እንከሰ ውስተ አብያቲሁ ለእግዚአብሔር።” “እንሆ፡ ብዛዕባኣ ኣብ ኤፍራታ ሰማዕና፡ ኣብ መሮር ያዓር ረኸብናያ። ናብ ማሕደሩ ንእቶ፡ ኣብ መርገጽ እግሩ ንስገድ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ሮሜ 15፡1-13 |
ዲያቆን |
|
1ዮሃ 4፡14-ፍጻ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 13፡32-43 |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 4፡16-32 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘእግዚእነ |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ