“ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና’ሞ፡ ሓደ’ኳ ብቓል ዘይስሕት (ሰብ) እንተ’ሎ፡ ንሱ ንብዘሎ ስጋኡ ኺለጒም ዚከኣሎ፡ ብቑዕ ሰብ’ዩ። .......ግናኸ ንልሳንሲ ሓደ ሰብ’ኳ ኺገዝኣ ኣይተኻእሎን፡ ንሳ ዘይትዓርፍ እክይቲ፡ ዚቐትል ሕንዚ ዝመልአት’ያ።” ያእ 3፡2,8።
እዚ ዘለናዮ ሰንበት ሳልሳይ ሰንበት ናይ ዘመን ኣስተምህሮ፡ (ሕዳ. 6-ታሕ.6)፡ ካልኣይ ሰንበት ናይ ጾመ ነብያትን’ዩ (ሕዳ 15-ታሕ. 29/28)። ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና እዚ ኻልኣይ ሰንበት ናይ ጾመ ነብያት ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሕዳር 20 ኽሳዕ ሕዳር 26 ምስ ዚውዕል፡ “ምኵራብ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። “ምኵራብ” ማለት ቤት ጸሎት ማለት’ዩ። ከምኡ ዝተባህለሉ ምኽንያት ከኣ ጐይታና ኣብ ቤት መቕደስ ወይ ኣብ ቤት ጸሎት ኣትዩ ብዛዕባ ዝሃቦ ትምህርትን ኣብኡ ዝፈጸሞ ዅሉን ንምዝካር ዝተመደበ ሰንበት ስለ ዝዀነ’ዩ። ኣብ ሓንቲ ዓመት ክልተ ናይ ምኵራብ ሰናብቲ’የን ዘለዋና። እታ ቐዳመይቲ እዛ ዘለናያ ኻልኣይቲ ሰንበት ናይ ጾመ ነብያት ክትከውን ከላ፡ እታ ኻልኣይቲ ድማ ኣብ’ቲ ርእሰ-ኣጽዋማት ዝዀነ ዓብይ ጾም (ጾመ’ርብዓ) ዘላ ሳልሰይቲ ሰንበት’ያ።
ኣብ’ቲ ጐይታ ብኣካለ-ስጋ ኣብ ምድሪ እስራኤል ዜገልግለሉ ዝነበረ ዘመን፡ ኵሉ ስርዓተ ኣምልኾ ናይ ኣይሁድ ኣብ’ታ ንጉስ ሄሮድስ ዝሃነጻ ቤት መቕደስ ናይ ኢየሩሳሌም ይፍጸም ነበረ። ኣይሁድ፡ ብሰሪ ሓጢኣቶም እታ ቤት መቕደስ ኣብ ዝፈረሰትሉን ብምርኮ ኻብ ምድሮም ኣብ ዝወጹሉን እዋን ግን፡ እቲ ሃይማኖቶም ዚእዝዞም ስርዓተ ኣምልኾ ኪፍጽሙ ኣይክእሉን ነበሩ። ነቲ ኣብ’ታ ናይ ኢየሩሳሌም ቤት መቕደስ ጥራሕ ዚፍጸም መስዋእትን ካልእ ስርዓትን ኪፍጽሙ እንተ ዘይከኣሉ’ኳ፡ ካብ እምነቶም ምእንቲ ኸይርሕቁ፡ እንተ ወሓደ ትምህርቲ ዚመሃሩሉን ሓቢሮም ጸሎት ዜዕርጉሉን ዕድል ንምርካብ፡ “ምኵራብ ወይ ቤት ጸሎት” ኢሎም ዝሰመይዎ ህንጻታት ኣብ ከከባቢኦም እናሰርሑ ካብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ የንብቡ፡ ኬስተምህር ወይ ኪሰብኽ ዚኽእል ሰብ እንተ’ልይዎም፡ ነቲ ዝተነብበ ኽፍሊ ጽሑፍ ይምሃሩ፡ ብሓባር ጸልዮም ድማ ይፈላለዩ ነበሩ (ግብ 13፡3-16,42-44፣ 14፡1፣ 17፡1-3,10፣ 18፡7,8,16፣ 19፡8)። እዚ ኸኣ ኣብ ምሉእ ዓለም ፋሕ ኣብ ዝበሉ ዅላቶም ኣይሁድ ዝውቱር ኰነ። እቶም ካብ ምርኮን ካብ ስድደትን ዝተመልሱ ኣይሁድ ከኣ፡ ኣብ ከከባቢኦም ኣብያተ ጸሎት ሰሪሖም ይግልገሉ ነበሩ። ጐይታና ድማ ናብ’ዚ ኣብያተ ጸሎት’ዝን ናብ’ታ ቤት መቕደስን እናኣተወ የስተምህርን ይሰብኽን ተኣምራት ይፍጽምን ነበረ (ሉቃ 4፡16,32,41፣ 6፡6፣ ማቴ 4፡23፣ 9፡35)። እዚ ጐይታና ኣብ ምኵራብ ኣይሁድ ዝገበሮ ዅሉ፡ ንቤተ ክርስትያን ኰነ ንኣገልገልታ ኣዝዩ ዓብይ ኣርኣያ ስለ ዝዀነ፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዚ ኽልተ ናይ ምኵራብ ሰናብቲ ሰሪዓትልና ትርከብ።
እዚ ዘለናዮ ወቕቲ፡ ንስጋና ብናይ ጾም ልጓም እንገርሓሉ ቕንያት’ዩ። ቅዱሳን ሃዋርያት ኣነጺሮም ገሊጸምልና ኸም ዘለዉ፡ ስጋና ናይ ኣምላኽ ቤት መቕደስ’ዩ (1ቈረ 3፡16,17 ፣ 6፡19,20፣ 2ቈረ 6፡16፣ ኤፌ 2፡21,22፣ እብ 3፡6፣ 1ጴጥ 2፡4,5)። ኣብ’ዛ “ምኵራብ” ዝተሰምየት ቅድስቲ ዕለት፡ ብዛዕባ መቕደስ ኣይሁድ ሓሲብና፡ ብዛዕባ መቕደስ ስጋና ምሕሳብ እንተ ረሳዕና፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኬኽዕበና’ዩ። ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያን እዚ ናይ ጾም ቅንያት ዚተሰርዓሉ ምኽንያት ድማ፡ ቅድስና ናይ’ቲ ለቢስናዮ ዘለና መቕደስ ስጋና ምእንቲ ኽንሕልው’ምበር፡ እቲ እንምገቦ ምግቢ ኣበሳ ስለ ዘለዎ ኣይኰነን። ጐይታና’ውን፡ ነቶም “ደቀ መዛሙርትኻ ብዘይ ተሓጽባ ኣእዳው በሊዖም” ኢሎም ኪኸስሱ ዝመጹ ፈሪሳውያን፡ ብዛዕባ’ቲ ናብ ኣፍ ዚኣትው ምግብን፡ ብዛዕባ’ቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ ቃላትን ዘሎ ፍልልይ ብዜገርም መገዲ ገሊጽዎ ኣሎ።
“ኵልኹም ስምዑንን ኣስተውዕሉን። ካብ (ኣፍ) ሰብ ዚወጽእ’ዩ ንሰብ ዜርክሶ’ምበር ካብ ወጻኢ ናብ (ኣፍ) ሰብ ዚኣትውስ ገለ’ኳ ኬርክሶ ኣይክእልን’ዩ። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ።” 7፡14-16 (ማቴ 15፡10,11)
ነዚ ዘረባ’ዚ ይትረፍ ፈሪሳውያን፡ ገዛእ ደቀ መዛሙርቱ’ውን ኪርድእዎ ኸበዶም። ቅዱስ ጴጥሮስን ካልኦት ደቀ መዛሙርቱን ድማ፡ ብዛዕባ’ዚ ዘረባኡ’ዚ ሓተትዎ። ቀልጢፎም ኪርድእዎ ብዘይ ምኽኣሎም ስለ ዝጐሃየ ድማ ብተሪር ሃይለ ቃል ብኸም’ዚ ዚስዕብ መለሰሎም።
“ንስኻትኩምዶ ድማ ክሳዕ ክንዲ’ዚ ደናቝርቲ ኢኹም፧ ካብ ወጻኢ ናብ (ኣፍ) ሰብ ዚኣትው ዅሉ ኼርክሶ ኸም ዘይክእልዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ (ብኣፍ ዚኣትው ዘበለ) ናብ ከብዲ’ምበር፡ ናብ ልቢ ኣይወርድን’ዩ፡ ንዅሉ መባልዕ እናጽረየ ድማ’ዩ ንግዳም ዚወጽእ። እቲ ኻብ (ኣፍ) ሰብ ዚወጽእ ደኣ’ዩ ንሰብ ዜርክሶ።” ማር 7፡18-22 (ማቴ 15፡15-20)
ስለ’ዚ ኣብ ዘመነ-ጾም እናሃለና፡ ነቲ ናብ ከስዐና ዚኣትው ምግቢ ልጓመ-ጾም ጌርናሉስ፡ ነቲ ኻብ ኣፍና ዚወጽእ’ሞ ንዅለንተናና ዜርክስ ቃላት ልጓመ-ጾም እንተ ዘይገበርናሉ፡ ከም’ቲ ጐይታና ዝበሎ፡ ገና ሰማዒት እዝኒ ኸም ዘየጥረናን፡ ብዛዕባ ጽድቂ ድማ ኣብ ድንቍርና ኸም ዘለናን ዜመልክት’ዩ። እዚ ሓቂ’ዚ ነዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትና ኣዝዩ ኣገዳስን እዋና’ውን ዚገብሮ’ዩ።
ልሳንካ ምልጓምን ምቍጽጻርን ብሓቂዶ ኽሳዕ ክንዲ’ዚ ኣድላይን ኣገዳስን’ዩ፧ ደስ ዝበለናን ናብ ኣፍና ዝመጻልናን ኵሉ ቓላት እንተ ተዛረብና፡ እንታይ ጸገም ኣለዎ ድዩ፧ ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ ነዚ ሕቶና’ዚ ንኺምልስ’ዩ ነዚ ኣገዳሲ መልእኽቲ’ዚ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ ዝጸሓፈ። ናቱ ጥራሕ ዘይኰነ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብምሉኡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ምልጓም ልሳን’ዩ ዚዛረብ። እቲ ልዑል ኣምላኽን እቶም ብእኡ ዝተላእኩ ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ብዛዕባ ልሳንን ቃላትን ኣስፊሖም ምግላጾም ጥራሕ’ኳ፡ ብዛዕባ ልሳንናን ፍርያታን ልዑል ተገዳስነትን ጥንቃቐን ኪህልወና ኸም ዚግባእ ዜመልክተና ብቑዕ መርትዖ’ዩ። ቃል እግዚአብሔር ንልሳንካ ምግታእን ምቍጽጻርን ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ’ዩ ዜረጋግጸልና። ብፍላይ’ቲ ብቓላት ጥበብ ዝመልአ ናይ ንጉስ ሰለሞን መጽሓፈ ምሳሌ ብተደጋጋምን ብኣጽንዖትን’ዩ ዚገልጸልና።
“ብዙሕ ዘረባን ኣብ ዘለዎ ኣብኡ ኣበሳ ኣይሰኣኖን’ዩ፡ እቲ ኸናፍሩ ዚገትእ ግና ለባም’ዩ። (ምሳ 10፡19) .......ኣፉ ዚሕልው ንህይወቱ ይባልህ፡ ከናፍሩ ጋህ ዜብል ግና ጥፍኣት ይረኽቦ (ምሳ 13፡3)። ...ዓሻ’ኳ ስቕ እንተ በለስ፡ ጥበበኛ መሲሉ ይረኣይ፡ ከናፍሩ ዚዓጽው (ሰብ ከኣ) “ኣእምሮኛ (ለባም)” ይብሃል (ምሳ 17፡28)። . . . እቲ ኣፉን መልሓሱን ዚሕልው ሰብ፡ ንነፍሱ ኻብ ጸበባ ይሕልዋ (ምሳ 21፡23)።
በዚ ዝተጠቕሰ ቓል እግዚአብሔር መሰረት፡ ልሳንካ ምግታእን ምሕላውን፡ ናይ መንፈሳዊ ልቦና ዝለዓለ መለክዒ’ዩ። እቲ ኻብ ኣፍና ዚወጽእ ቃላት፡ ብስጋዊ ልሳንናን ከናፍርናን ዚድመጽ ደኣ ይኹን’ምበር፡ ስጋዊ ዘይኰነስ ነፍሳውን መንፈሳውን’ዩ። ኣብ’ታ ናይ ምሳ 21፡23 ጥቕሲ ተመልኪትናዮ ኸም ዘለና፡ እቲ ንልሳኑ ዚሕልውን ዚገትእን ንነፍሱ’ዩ ኻብ ጥፍኣትን ካብ ጸበባን ዚባልህ። ንእግዚአብሔር ብዛዕባ ፍረ-ልሳንና ኣዝዩ ኺግደስ፡ ካብኡ ሓሊፉውን ዓስቢ ወይ ፍርዲ ዚህበሉ ምኽንያት፡ ምዝራብ መንፈሳዊ ጒዳይ ስለ ዝዀነ’ዩ። ብኣፍ ዚኣትው ዘበለ ዅሉ ዚብላዕን ዚስተይን፡ ስጋዊ ነገር ስለ ዝዀነ ንስጋ ኣገልጊሉ’ዩ ዚፋነው። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን “እንተ በላዕና ኣይንውስኽ፡ እንተ ዘይበላዕና ኣይንንክይ” ብምባል ኣረጋጊጹ’ዩ (1ቈረ 8፡8)። ዘረባን ቃላትን ግን ከምኡ ኣይኰነን። ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ ሰማያት’ውን ዚውስኸልናን ዚንክየልናን ኣለዎ። ስለ’ዚ ብዛዕባ ልሳንካን ቃላትካን ሸለልተኛ ምዃን፡ ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ ሰብ ኪፍጽሞ ዚኽእል ዝኸበደን ዝኸፍአን ዕሽነት’ዩ። ሓደ ሰብ ሽንቱን ደጊኡን ኪቈጻጸር ዘይክእል ምስ ዚኸውን፡ ንገዛእ ርእሱ ዀነ ኣብ ከባቢኡ ንዘለው ሰባት እንታይ ዓይነት ጸበባ ኸም ዚዀኖም ርዱእ’ዩ። ንልሳኑን ቃላቱን ዘይቈጻጸር ሰብ ግና ዝገደደ’ምበር ዝሓሸ ኣይኰነን። እቲ ቐዳማይ፡ ስጋዊ ጸበባ’ዩ፡ ጊዝያዊ ኸኣ’ዩ። እንተ ዀነ ብሕክምና ይሓውይ፡ እንተ ዘይተኻእለ ድማ ጽቡቕ ናብዮት ኪግበረሉ ይከኣል’ዩ። ኪኖ መቓብር ዚሓልፍ ዕድመን ሳዕቤንን ከኣ የብሉን። ልሳኑ ንዘይቈጻጸር ግን እንታይ ክትገብረሉ ወይ እንታይ ክትገብሮ ይከኣል፧ ንጽያፍ ኣፉ ናብ ሰብን ኣምላኽ ዚኽዕዎ ምዃኑ ጥራሕ፡ ነቲ ኣበሳኡ ዘይጽወር ይገብሮ። እቲ ዝኸፍአን ዝኸበደን ሳዕቤኑ ኸኣ ንመቓብር’ኳ ሓሊፉ ንዘለኣለም ዚነብር ምዃኑ’ዩ።
ብመሰረቱ “ንልሳንካ ምልጓምን ምግታእን” እንታይ ማለት’ዩ፧ ዝተለጕመን ዘይተለጕመን ልሳን ብኸመይ’ዩ ዚልለይ፧ ዝተለጕመ ልሳን ማለት እግዚአብሔር ዚፈቕዶን ዚሕጐሰሉን ዘረባ ጥራሕ ዚዛረብ ልሳን ማለት’ዩ። ሓጥእ ቃላት ኪዛረብ ዘይኰነሉን ዜፈንፍኖን ሰብ ብርግጽ ዝተለጕመን ዝተገርሐን (tamed) ልሳን ዘለዎ ሰብ’ዩ። ዘይተለጕመ ልሳን ማለት ድማ ከይመመየ፡ ንኣምላኽ ኰነ ንሰብ ኣብ ግምት ከየእተወ ናብ ኣፉ ዝመጻሉ ዅሉ ቓላት ዚድርጕሕ ልሳን ማለት’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ንልሳንካ ምልጓም ማለት፡ ንልሳንካ ነቲ ፈጣሪኣ፡ ንእግዚአብሔር፡ ምቕዳስ ማለት’ዩ። ልሳንካ ምልጓም ፈጺምካ ዘይሕሰብን ኪግበር ዘይከኣልን ተግባር ጌርና ኽንሓስቦ ኣይግባእን’ዩ። እቲ ቐዳማይ ምኽንያት፡ እግዚአብሔር ክንገብሮ ዘይንኽእል ልዕሊ ዓቕምና ዝዀነ ትእዛዝ ዘይህብ ሕያዋይ ኣምላኽ ምዃኑ’ዩ። እቲ ኻልኣይ ምኽንያት ከኣ ከማና ዝድኻሞም ብዙሓት ቅዱሳን ዝፈጸምዎን ዝተዓወቱሉን ምዃኑ’ዩ። ቅዱሳን ኣቦታትና እዮብን ዳዊትን ግብራውያን ኣርኣያና’ዮም። ቅዱስ ዳዊት ብእግዚአብሔር “ዝኸም ልበይ” ዝተሰምየ፡ ቅዱስ እዮብ’ውን፡ “ፍጹም ቅኑዕን ሰብ” ተባሂሉ ብእግዚአብሔር ዝተመስከረሉ ኣቦ’ዩ (ግብ 13፡22፣ 1ሳሙ 13፡14፣ እዮ 1፡1፣ 2፡3)።
“እስትንፋሰይ ኣብ ውሽጠይ፡ መንፈስ ኣምላኽ’ውን ኣብ ኣፍንጫይ ክሳዕ ዘሎ (ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ)፡ ከናፍረይ ከቶ ሕሰም ኣይኪዛረባን፡ ልሳነይ’ውን ሓሶት ኣይከተውስእን’ያ።” እዮ 27፡3,4
“ብመልሓሰይ ከይስሕት፡ ንመገድታተይ ክጥንቀቐለን፡ ረሲእ ኣብ ቅድመይ ከሎ፡ “ንኣፈይ ብልጓም ክገትእ’የ” በልኩ። ......ንልበይ ተዓዚብካዮ፡ ብለይቲ በጺሕካዮ፡ መርሚርካንስ ገለ’ኳ ኣይረኸብካን፡ ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ’የ።” መዝ 39፡1፣ 17፡3
ከም’ዚ ኸማና ዅሉ ድኻም ዘለዎም ሰባት፡ ከም’ዚ ዝበለ ጽኑዕ ውሳነ ወሲዶም ኬተግብርዎ እንተ ኽኢሎም ብጸጋ ኣምላኽ ተደጊፉ ኺገብሮ ዘይክእል ሰብ ከም ዘየለ፡ ኣሉ ዘይበሃል ውሁብ ሓቂ’ዩ። ከም’ዚ ዝበለ ውሳነ ኺወስድን ኬተግብሮን ዘይደልይ ሰብ እንተ’ልዩ፡ እቲ ንዘለኣለማዊ ሳዕቤኑ ኣብ ግምት ከየእተወ፡ ብልሳኑ መንፈሳዊ ስድነት ኬዘውትር ዚደልይ ሰብ ጥራሕ’ዩ። ናይ ቀይዲ በተኽን ልጓም ኣልቦን ልሳን መንፈሳዊ መልእኽቲ፡ ከም’ቲ ቕዱስ ዳዊት ዝበሎ፡
“ሳላ መልሓስና ንብርትዕ ኣለና፡ ከናፍርና ናትና’የን፡ መን’ዩኸ ጐይታና፧” ዚብል፡ ዕልወታውን ክሕደታውን መልእኽቲ’ዩ (መዝ 12፡3,4)። “ከሓዲ ወይ ዓለወኛ’ዩ” ንኽትበሃል፡ “ኣምላኽ የለን” ኢልካ ህላውነቱ ኽትክሕድ ናይ ግድን ኣይኰነን። “ዝደለኽዎ’የ ዝዛረብ፡ ኣብ ገዛእ ልሳነይ ዚገዝእ ጐይታ የብለይን” ብዚብል ትዕቢታዊ ድፍረት ትዛረብ እንተ ዄንካ፡ እዚ መርገጽን ኣካይዳን’ዚ ኣቦኡን ኣዲኡን ዘፍለጠ ግሁድ ክሕደት ምዃኑ ጥርጥር የልቦን። ልሳንና፡ መስትያት ወይ መርኣያ መንፈሳውነትና’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ብረድኤት መንፈስ ቅዱስን ብቓል ኣምላኽን ተደሪኹ ልሳኑ ኺለጒምን ብጽድቂ ኼመሓድርን ቈራጽ ውሳነ ዝወሰነ ሰብ፡ ካብ’ዞም ዚስዕቡ ንልሳንና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንዅለንተናና ዜርክሱ ኣበሳታት ርእሱ ኺሕልው ይግባእ። ሓሶት ውስለታ፡ ጥበራ፡ ሕምየት፡ ጸርፊ፡ ዘለፋ፡ ጸለመ፡ ምጕርምራም (ምዕዝምዛም)፡ ዕድልካ ወይ ጽሕፍቶኻ ምንቃፍ፡ መርገም፡ ቅብጥሮት፡ ውዳሰ ኸንቱ (ዘይግባእ ደረቱ ዝሓለፈ ናእዳ ወይ ምጐሳ)፡ ላግጺ፡ ዘይጠቅምን ዘይግባእን ዋዛ፡ ቃላት ጥርጥር፡ ክሕደት፡ ጃህራ (ትምክሕቲ)፡ ቃላት- ትዕቢት፡ ተንኰል (ክፍኣት)፡ ክትዕ (ክርክር)፡ ህልኽ፡ ምፍርራህ (ምጒብዕባዕ)፡ ንቕጽና (ድርቅና)፡ ብዕሉግ ወይ ነውራም ዘረባ፡ ልግሚ፡ ምቅላል (ምንሻው) ወዘተ እዮም። በዚ ብዙሕ ዝዓይነቱ ናይ ልሳን ኣበሳታት ንኸይንረክስ ንልሳንና ልጓም እንተ ገበርናሉ፡ ልብና ብፍርሃት ኣምላኽ መሊኡ ኸም ዘሎ ዓብዪ መረጋገጺ’ዩ።
ንምንታይ’ዩ ልሳንካ ምቍጽጻር ኣዝዩ ዚኸብደና፧ ናይ’ዚ ኣሰካፊ ድኻም’ዚ ጠንቂኸ እንታይ’ዩ፧ ውዒሉ ሓዲሩ ብቓላት ደኣ ዚግለጽ ኰይኑ’ምበር፡ እቲ ቐንዲ ጠንቅስ፡ እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ኣተሓሳስባታትን ስምዒታትን ሃቐናታትን’ዩ። ነቲ ምንጪ ማይ ዝዀነ ዔላታትን ዲጋታትን እንተ ዘይፈወስናዮ፡ ነቲ ኣብ ገገዛና ዘሎ ቡምባን ሻምብቆታትን ዋላ ብወርቂ እንተ ሰራሕናዮ፡ ዓይነት ናይ’ቲ ማይ ኪልወጥ ኣይክእልን’ዩ። ነቲ ምንጪ ዅሉ ዝዀነ ልብና (ናይ ውሽጢ ሰብና፡ ሕልናና) እንተ ዘይፈዊስናዮ ኸኣ፡ ንልሳንና ኸነጥዕዮ ዀነ ኽንቈጻጸሮ ኸም ዘይንኽእል፡ ርዱእ ሓቂ’ዩ። ጐይታና ኣብ ማእከል ህዝቢ ኣይሁድ ኣዝዩ ጽቡቕ ትምህርቲ ይምህር፡ ዜገርም ተኣምራት እናፈጸመ ብዙሕ ሰናይ ይገብር ከም ዘሎ እናረኣዩ’ኳ፡ ፈሪሳውያን ብዛዕባ ጐይታ ጽቡቕ ኪዛረቡ ይጽገሙ ነበሩ። ሓደ መዓልቲ፡ ካብ ሓደ ሰብ ኣጋንንቲ ኼውጽእ ከሎ ምስ ረኣይዎ፡ ንኣጋንንትስ በቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ ዝዀነ ሰይጣን (ብብኤል ዜቡል) ገይሩ ኸም ዜውጽኦም ገይሮም ብድፍረት ተዛረቡ። ድሕሪ’ዚ ጐይታና፡ ነዚ ሕቶና ጽቡቕ ገይሩ ዚምልስ መስተንክር ቃል ተዛረበ።
“ኦም ብፍሪኡ ይፍለጥ’ዩ’ሞ፡ ነቲ ኦም ጽቡቕ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ጽቡቕ (ይኸውን)፡ ወይ ከኣ ነቲ ኦም ክፉእ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ክፉእ (ይኸውን)። ኣቱም ውሉድ ኣትማን፡ ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ’ዩ’ሞ፡ ክፉኣት ክነስኹምከ፡ ከመይ ጌርኩም ጽቡቕ ምዝራብ ክትክእሉ፧ እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብ’ቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። ክፉእ ሰብ ከኣ ካብ’ቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ’ዩ ዜውጽእ። ኣነ ግና፡ <ብዘረባኻ ኢኻ ‘ትጸድቕ፡ ብዘረባኻ’ውን ኢኻ ‘ትዅነን’ሞ፡ ሰባት ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኵሉ ቓል፡ ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህቡሉ’ዮም፡> እብለኩም ኣለኹ።” ማቴ 12፡33-37
ካብ’ዚ ናይ ጐይታና ቓል ከም እንርድኦ’ምበኣር፡ ኣፍና ናይ ልብና፡ ናይ’ቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ መዝገብ መተንፈስን መግለጽን’ምበር፡ ካልእ ኣይኰነን። ስለ’ዚ እቲ ናይ ብሓቂ ልሳኑ ኣብ ምቍጽጻር ኪዕወት ዚደልይ ሰብ፡ ቀዳማይ ኣድህቦኡ ኣብ’ቲ ንልቡ ኣጻቢቡ ዘሎ ሓሳባትን ስምዒታትን ኪኸውን ይግባእ። ካብ ዝሓመመ ኸስዐኡ (ጨጐራኡ) ገንፊሉ ንዝመጸ ተምላስ፡ ኣፉ ኣስጢሙ ብምዕጻው ኪዓግቶ ዚኽእል ሰብ ኣሎዶ፧ ይትረፍ ኪትግበር ኣይሕሰብ’ኳ ደኣ። እሳተ-ጎሞራ (volcano)፡ ኣብ መዓሙቕ ምድሪ ዚርከብ ፈሳሲ’ዩ። ንእኡ ኸዲኑ ሒዝዎ ዘሎ መሬት ድማ ኣዝዩ ረጕድን ጽኑዕን’ዩ። እቲ እሳተ ጎሞራ ኺትኰስ እንተ ኣንቂዱ ግን ኪዓግቶ ኣይክእልን’ዩ። ነቲ ኸዲንዎ ዘሎ ኽፍሊ መሬት ከይተረፈ ብዋዒኡ እናምከኸ’ዩ ነቲጉ ዚወጽእ።
ኣብ ውሽጥና ዝተደጐሉ ሓጥእ ኣተሓሳስባታትን ስምዒታትን እንተ’ልዮምና ድማ፡ ካብ ነትጒ ዝተፈልየ ኻልእ ታሪኽ ኪህልወና ኣይክእልን’ዩ። ኣብ ውሽጥና ቝጥዓ ወይ ኵራ መሊኡ እንተ’ልዩ፡ ልሳንና ለጒምና ንኣምላኽ ዜኽብር ንብጻይና ድማ ዚሃንጽ ቃላት ክንዛረብ “ኣይከኣልን’ዩ”’ኳ እንተ ዘይተባህለ፡ ኣዝዩ ኸቢድ ምዃኑ ዘይከሓድ’ዩ። ዋላ ንኸናፍርካ ሰፊኻ ስቕ ክትብል እንተ ትኽእል’ኳ፡ ንጹህን ጽድቕን ኢኻ ማለት ኣይኰነን። ምኽንያቱ ቝጥዓ ንርእሱ ኸቢድ ሓጢኣት’ዩ። ንሕና ግና በቲ ዘሕረቐና ዅነታት እናኣመኽነና፡ ንቝጥዓ ኸም ቅቡልን ሓጢኣት ዘይኰነ ባህርይን ጌርና ኢና ንርድኦ። ጐይታና ግን ናብ ገሃነም ዜእትው ከቢድ ሓጢኣት ምዃኑ ኣግሂዱ ነጊሩና’ዩ።
“ነቶም ቀዳሞት፡ <እቲ ዝቐተለ ኺፍረድ’ዩ’ሞ፡ ኣይትቕተል> ከም እተባህለሎም ሰሚዕኩም ኣለኹም። ኣነ ግና፡ “ንሓዉ ዚቝጥዖ ዘበለ ዅሉ ኺፍረዶ’ዩ፡ ንሓዉ <ኣታ ተኸዳን ጨርቂ (ኣታ ዕሩቕ)> ዚብሎ ድማ ኣብ መጋባእያ ኺፍረዶ፡ “ኣታ ዓሻ” ዚብሎ’ውን ንገሃነም ሓዊ ኺፍረዶ’ዩ፡> እብለኩም ኣለኹ።” ማቴ 5፡21,22
ኣብ ውሽጥኻ ሓጥእ ስምዒታት ተደጒሉ እንተ’ልዩ’ሞ፡ ብልሳንካ ኸይተተንፍሶ እንተ ተጋደልካ’ኳ፡ ተወሳኺ ሓጢኣት ካብ ምፍጻም ኢኻ ትጥንቀቕ ዘለኻ’ምበር ንርእስኻስ ካብ’ቲ ሓዊ ገሃነም ኣየድሓንካያን። ስለ’ዚ ልሳንካ ኣብ ምልጓም ክትዕወት እንተ ዄንካ ነቶም ሓጥእ ቃላት ዚወልዱ ሓጥእ ስምዒታት ካብ ውሽጥኻ ከተወግዶም ይግባእ። ኣብ ውሽጥኻ ብጽልኢ ኽሒንካ ብቒምታ ሓሪርካ ኽነስኻ፡ ቃላት ፍቕርን ሰላምን ከተውስእ እንተ ፈተንካ፡ መሊስካ ናይ ግብዝነት ኣበሳ ትውስኽ ኣለኻ’ምበር ጽቡቕ ተዛሪብካ ማለት ኣይኰነን። ብናይ ጥበራ ኸናፍር ትዛረብ እንተ’ለኻ ቃላትካ መዓር ዝተለኽየ መርዚ’ዩ ዚኸውን። ቅዱስ ዳዊት’ውን፡ “ምስ ረሲኣንን ምስ’ቶም ኣብ ልቦም ክፍኣት ከለዎምሲ፡ ምስ ብጾቶም ሰላም ዚዛረቡ ገበርቲ እከይ ኣይትጕተተኒ።” ብምባል ጸልዩ ኣሎ (መዝ 28፡3)። ነቲ ውሽጥኻ ከየጥዓኻ፡ ብጥዑም ቃላት ጥዑይ ሰብ ክትመስል ምፍታን፡ ንመቓብር ብእምነ በረድን ብቐለምን ከተጸባብቕ ምፍታን’ዩ ዚኸውን (ማቴ 23፡25-28, ሉቃ 11፡39-41)።
እምበኣር ብቑዕ ለጓም ልሳኑ ኪኸውን ዚደልይ ሰብ ብቐዳምነት ነቶም እኩይ ዘረባ ኺዛረብ ዚድርኽዎ ሓጥእ ኣተሓሳስባታትን ስምዒታትን ሃቐናታትን ድርኺታትን ኪፍውስን ልቡ ኼጽርይን ይግብኦ። ብኻልኣይ ደረጃ ድማ፡ ነቲ ውሽጣዊ ዅነታቱ ኼጐልብብ ካብ ዚፍትን ጠባሪ ውርዘያ (ምውርዛይ) ርእሱ ኺሕልው ይግብኦ። ምኽንያቱ ንመንፈሳዊ ዕርቃኑ ኻብ ሰባት ኪሓብኦ እንተ ኸኣለ’ኳ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግን ብዝኸፍአ መገዲ ይቐልዖ ኸም ዘሎ ኺስወረና ኣይግባእን።
ባህርይ ዘይተለጕመት ልሳን እንታይ ይመስል፧ ሰባትከ ንዘይተለጕመት ልሳን ብኸመይ ኢና ንጥቀመላ፧ እቲ ዘንበብናዮ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ መልእኽቲ፡ ንመብዛሕትኡ ባህርያት ናይ ልሳን ጽቡቕ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። እተን ዝዓበያ ናይ ልሳን ተምሳል ዚገልጻ፡ ሓውን ሕንዝን’የን (3፡6-8)። ኣብ ካልእ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ’ውን ብሰይፊ፡ ብጭጒራፍ፡ ብኲናትን ብፍላጻን ተመሲላ ኣላ (እዮ 5፡12,21፣ መዝ 57፡4፣ 58፡4,5)። እዚ ልሳን ተመሲላትሉ ዘላ ተምሳላት እንተ ርኢናዮ ንልሳንና መብዛሕትኡ ጊዜ፡ ንሰባት ከም እነጥቅዓላ ኣጽዋር ጌርና ኸም ‘ንጥቀመላ ዜመልክት’ዩ። ዋላ ብቐጥታ ኸም ናይ መጥቃዕቲ ኣጽዋር ጌርና ኣብ ዘይንጥቀመላ እዋን’ውን፡ ከም ናይ ተለሎ (ምትላል) ወይ ከኣ ናይ ጥበራ መሳርሒ ጌርና ‘ኸነዘውትራ’ውን ልሙድ ተርእዮ’ዩ (መዝ 55፡21፣ 52፡1-5፣ ኤር 9፡3-6)። ብዝደለናዮ ኣገባብ ንጠቐመላ ብዘየገድስ፡ ዘይተለጕመትን ዘይተገርሐትን ልሳን ሒዝካ ምንባር ኣዝዩ ኸቢድ ዕሽነት’ዩ። ምኽንያቱ ነቲ ሕጂ ንጊዚኡ ልሳንና ኣብ ሰባት ተስልጦ ዘላ እከይ’ምበር፡ ነቲ ድሒራ ኣባና እተውርዶ ዘለኣለማዊ ሳዕቤን ንጥምት የለናን። እቲ ለባማት ኣቦታትና “ከልብስ ነቲ ኣብ ትሕቲኡ ዘሎ ዓጽሚ’ምበር፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ሓኽሊ (በትሪ) ነይርእይ” ዚብልዎ ምስላ ኣባና ይበጽሕ ኣሎ ማለት’ዩ። ንጉስ ሰለሞን ንኸም’ዚ ዝበለ ዕሽነት፦
“ቃላት ኣፍ ናይ’ቲ ጥበበኛ መጐስ ኣለዎ፡ ንዓሻ ግና ከናፍሩ ይውሕጦ፡ መጀመርታ ቓላት ኣፉ ዕሽነት’ዩ፡ መወዳእታ ዘረባኡ ድማ ሕሱም ዕብዳን’ዩ።”
ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (መክ 10፡12,13)። ብርግጽ፡ ብቓላት ከናፍርካ ተዋሒጥካ ካብ ምጥፋእ ዚኸፍእ ዕብዳን ኪህልው ኣይከኣልን’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ፦
“......ብኣፍካ ኣይትተሃወኽ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምዝራብ ልብኻ ኣይቐልጥፍ። .......ስለ’ዚ ቓላትካ ሒደት ይኹን። ...... ስጋኻ ሓጢኣት ከይገብርሲ ንኣፍካ ፍቓድ ኣይትሃቦ፡ .......ስለምንታይከ ኣምላኽ (ብዘረባኻ) ዚዅርይ፡ .......ንስኻስ ንኣምላኽ ፍርሃዮ ደኣ።” ኢሉ ምዒዱና ኣሎ (መክ 5፡2-7)። እቲ ሎሚ ብኣፍና እንተፍኦ ሓዊ፡ ካብ ኣፍና ዚውርወር ብልሒ ሓጢኣት፡ ጽባሕ ንግሆ ናብ ገሃነም ሓሊፉ ጸኒሑ ኺልብልበናን ኪወግኣናን ኪነብር ስለ ዝዀነ፡ ሎሚ ንልሳንና ብፈሪሃ እግዚአብሔር ብቓላት ጽድቂ እንተ ለጐምናዮ’ዩ ዜሕሸና። ስለ’ዚ ኦም ህይወት ዝዀነት፡ ንሰማዒኣ ዀነ ንዋናኣ ጥዕና እትህብ ልሳን ንወንን። ንኣምላኽ እተኽብር፡ ንሰማዒኣ እትሃንጽ፡ ጸጋ ዝመልአት ልሳን ትሃልወና (ኤፌ 4፡29-31፣ ቈሎ 4፡6)። እግዚአብሔር ንእንዛረቦ ዅሉ ቓላት ጽን ኢሉ’ዩ ዚሰምዖ። ስለ’ዚ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ዘሎ ሰብ ጥራሕ ኣይንጠምት። ነቲ ኣብ ኵሉ ቦታ ዚርከብ፡ ከኣል-ኵሉን ፈላጥ-ኵሉን ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ንዘክር’ሞ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ንልሳንና ንልጐምን ነማእዝንን። ፍረ-ልሳንና ናይ’ቲ ንኣምላኽ ዘሎና ፍርሃት ወይ ንዕቀት መለክዒ’ዩ። እቲ ኣምላኽ ፍትሒ ዝዀነ እግዚአብሔር፡ ጽባሕ ንግሆ በቲ ቓላትና ዝሰፈርናሉ ልሳንና ኺሰፍረልና ስለ ዝዀነ፡ ልሳንና ንድሕነትና ቃላት ጽድቂ ትፈልፍል’ምበር፡ ጥፍኣት ክትወልደልናስ ሓጢኣት ክትፍልፍል ኣይንሕደጋ (ሉቃ 6፡38)።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ሕዳር 25, 2015 ግዕዝ (4 ታሕሳስ 2022 ፈ [መበል 13 ሰንበት: ቊ.፳/20, 2022) |
||
ምስባክ መዝ.88(89)፡11-12 “ዚአከ ውእቱ ሰማያት ወእንቲአከ ይእቱ ምድር። ዓለመኒ በምልኡ አንተ ሣረርከ። ባሕረ ወመስዐ ዘአንተ ፈጠርከ።” ወይ ከኣ መዝ.102(103)፣18-19 "ወይዜከሩ ትእዛዞ ከመ ይግበሩ። እግዚአብሔር አስተዳለወ መንበሮ በሰማያት። ወኵሎ ይኴንን በመንግሥቱ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
እብ 12፡22-ፍጻ |
ዲያቆን |
|
ያእ 3፡1-10 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 21፡27-33 |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 8፡23-ፍጻ |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘእግዚእነ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ