“ሽዑ መሊሶም ነቲ ዕዉር፡ ‘ንስኻኸ፡ ኣዒንትኻ ከፊቱልካ’ዩ’ሞ፡ ብዛዕባኡ እንታይ ትብል፧’ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ ‘ነብዪ እዩ’ በለ። ..... ሽዑ ነቲ ዕዉር (ዝነበረ) ሰብኣይ ካልኣይ ሳዕ ጸዊዖም፡ ‘እዚ ሰብኣይ’ዚ ሓጥእ ምዃኑ፡ ንሕና ንፈልጥ ኢና፡ ንኣምላኽ ክብሪ ሃብ፡’ በልዎ።” ዮሃ 9፡17,25።
እዚ ሰንበት’ዚ ራብዓይ ሰንበት ናይ ዘመን ኣስተምህሮ፡ ከምኡ’ድማ ሳልሳይ ሰንበት ናይ ጾመ ነብያት’ዩ። ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሕዳር 27 ክሳዕ ታሕሳስ 3 ዘሎ ቕንያት፡ “መፃጕዕ (መጻጕዕ)” ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። ከምኡ ዝተሰምየሉ ምኽንያት ከኣ ብዛዕባ ፈዋስነት ናይ ጐይታና ንኸነስተንትንን ንኸነመስግንን ዝተሰርዓልና ጊዜ ስለ ዝዀነ’ዩ። ብ”መጻጕዕ” ዚስመያ፡ ኣብ ዓመት ክልተ ሰሙናትን ሰናብትን’የን ዘለዋና። እታ ቐዳመይቲ፡ እዛ ናይ ጾመ ነብያት ሳልሰይቲ ሰንበት ክትከውን ከላ፡ ብዛዕባ ፍወሳ ናይ’ቲ ብዕዉሩ ዝተወልደ ሰብኣይን ንሱ ዘስዓቦ ክርክር ኣይሁድን እንመሃረላ’ያ። እታ ኻልኣይቲ ግና፡ ኣብ ራብዓይ ሰንበት ናይ ዓብዪ ጾም (ጾመ’ርብዓ) ዝተሰርዐት ብዛዕባ ፍወሳ ናይ’ቲ 38 ዓመታት ምሉእ ዝመጸጕዐ ሰብኣይ እንመሃረላ’ያ። ኣብ ኣርባዕቲኡ ወንጌላት ንዝተገብረ ዅሉ ናይ ፍወሳ ተኣምራት ኣብ ሓደ ረፍዲ ናይ ሰንበት ከነንብቦ ስለ ዘይንኽእል ደኣ፡ ሓደ ወካሊ ንባብ ተመሪጹልና’ምበር፡ እቲ ቐንዲ ኸነስተንትነሉን ክንመሃሮን ዚድለይ ዘሎ ኣርእስትስ፡ ፈዋስነት ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ። ማእለያ ዘይብሉ ሕማማት ኣብ ዝመልኣ ዓለም ንነብር ስለ ዘለና፡ ፈውስን ፈዋስነትን ንኣና ንደቂ ኣዳም ኣዝዩ ዜገድሰና ኣርእስቲ’ዩ። ናይ እግዚአብሔር ፈዋስነት ካብ ፍጥረት ጀሚሩ ዝተጋህደ መለኮታዊ ባህርይ’ኳ እንተ ነበረ፡ ኣዝዩ ጐሊሑ ዝተራእየ ግና እቲ “ኢየሱስ፡ ኣማኑኤል” ዝተሰምየ እግዚአብሔር ወልድ፡ ስጋና ለቢሱ ኣብ ማእከልና ምስ ሓደረ’ዩ ንርእሱ እቲ “ኢየሱስ” ዚብል ስም’ውን፡ “መድሓኒ፡ ፈዋሲ” ማለት’ዩ። ፈዋስነቱ ድማ ንሕማም ስጋ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ነቲ ዘለኣለማዊ ሞት ዜስዕብ ሕማም-ነፍሲ ንሓጢኣት’ውን ዚምልከት’ዩ። ጐይታና ኢየሱስ፡ ብኣካለ ስጋ ኣብ ማእከልና እንተ ዘየለ’ኳ፡ እቲ ፈዋስነቱ ግን ብምስጢረ ቀንዲል ገና ኣብ ማእከልና ኣሎ። እቲ ፈዋሲ ስሙ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቤተ ክርስትያን ይሰርሕ ኣሎ። እምበኣር እዚ ሰሙን’ዚ ብዛዕባ ናይ ጐይታ ፈዋስነትን ብዛዕባ ምስጢረ ቀንዲልን እንመሃረሉን ንኣምላኽ እንመስግነሉን እምነትና እነዕብየሉን ቅንያት’ዩ።
ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መዝሙር-ሰንበት “ይቤሉ እስራኤል” ዚብል’ዩ። ነቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል መሰረት ብምግባር ቅዱስ ያሬድ ዝደረሶ መዝሙር’ዩ። ህዝቢ እስራኤል፡ ብዕዉሩ ተወሊዱስ ብሰንበት ኣዒንቱ ከም ዝተኸፍታሉ ርእዮምን ሰሚዖምን ከም ዘይፈልጡ ኪምስክሩ ዚዕድም መዝሙር ከኣ’ዩ። ““ብዛዕባ’ቲ ዘሕወየካ እንታይ ትብል፧” በልዎ” ብምባል፡ ነቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ኣገዳስነት’ውን ኣጕሊሕዎ ኣሎ። ጐይታና ነቲ ዓይነ ስዉር ምስ ፈወሶ፡ ነዚ ተኣምር’ዚ ንዝተዓዘበን ዝሰምዐን ዘበለ ዅሉ ሰብ ብዙሕ ሕቶታት’ዩ ኣለዓዒሉሉ። መብዛሕትኡ ካብ’ቲ ሕቶ፡ ናብ መንነት ናይ’ቲ ገባሪኡ ዘተኰረ’ምበር፡ ናብ’ቲ ተኣምር ዘድሃበ ኣይነበረን። ምኽንያቱ ዕላማ ናይ’ቲ ዝተፈጸመ ተኣምር፡ ዚመርሕ ምልክትን ዚጽውዕ ደወልን ኰይኑ ኼገልግል’ምበር፡ ንርእሱ ሸቶ ዀይኑ ንኼገልግል ኣይኰነን። ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ተግባር፡ ዋላ ኽፉእ ተግባር ይኹን፡ እታ እትመጽእ ቀዳመይቲ ሕቶ፡ “መን’ዩ ገባሪኡ፡” እትብል’ያ። “ተቐቲሉ” እንተ ሰሚዕና፡ መጀመርታ እንሓትታ ሕቶ፡ “መን’ዩ ቐቲልዎ”’ያ። “ምዉት ሰብ ተንሲኡ” እንተ ሰሚዕና’ውን፡ “እንታይ ኢለ’የ ኽሓትት፧” ኢልና ኸይሓሰብናሉ’ኳ “መን ኣተንሲእዎ” ኢና ‘ንብል። ምኽንያቱ ኻብ’ቲ ፍጻመ ንላዕሊ ዜገድስ፡ መንነት ናይ’ቲ ፈጻሚ ምዃኑ፡ ኣብ ሕልናና ዝተቐርጸ ዘይሕከኽ ሓቂ ኣሎ።
ነታ ናይ መንነት ሕቶ ዚወሃብ መልሲ፡ ንናይ’ቲ መላሲ መንነት’ውን ጽቡቕ ገይሩ ይገልጾ’ዩ። ስለ’ዚ ኺፈልጥ፡ ኬጻርይ፡ ኬዋጥር፡ ኪኸስስ ወዘተ ዝደለየ ዅሉ ሰብ ዜልዕላ ሕቶ፡ “ንስኻ ብዛዕባኡ እንታይ ትብል፧ መን’ዩ ምበልካ፧” እትብል’ያ። ጐይታና ሓንቲ ተኣምር ምስ ፈጸመ፡ ወይ ሓንቲ ትምህርቲ ምስ መሃረ፡ እቲ ተዓዛብን ሰማዕን ህዝቢ ግን ኣዝዩ ዚረሓሓቕ ተጻራሪ ግብረ መልሲ ይህብ ነበረ። ገሊኦም “ነብዪ’ዩ፡ ሕያዋይ’ዩ ወዘተ” ኺብሉ ኸለው፡ እቶም ካልኦት ከኣ፡ “መስሓቲ’ዩ፡ ዕቡድ’ዩ፡ ጋኔን ኣለዎ” እናበሉ የኽፍእዎ ነበሩ (ዮሃ 6፡14 ፣ 7፡40 ፣ 7፡12 ፣ ማቴ 27፡63 ፣ 11፡28 ፣ 10፡21)። ከይተረድኦም ደኣ ዀይኑ’ምበር፡ ኵላቶም ብዛዕባኡ ዚዛረቡ ዘለዉ እናመሰሎም፡ ናይ ርእሶም መንፈሳዊ ሃለዋትን መንነትን’ዮም ዚገልጹ ነይሮም።
እቶም ፈሪሳውያን ንምንታይ’ዮም ብዛዕባ መንነት ክርስቶስ ናይ ሰባት ርእይቶ ዚሓትቱ ዝነበሩ፧ ንሳቶም መንነት ናይ ጐይታና ንምድዋን ዝተዓጥቁ ደቀ መዛሙርቲ ድያብሎስ ስለ ዝነበሩ፡ ሰባት ብዛዕባኡ ዘለዎም ርእይቶ ኣዝዩ የገድሶም ነበረ። ኣብ’ቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብና’ውን እቲ ሓቂ ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ኻብ ዑረቱ ዝተፈወሰ ሰብኣይ፡ “ብዛዕባኡ እንታይ ትብል፧” ተባሂሉ ምስ ተሓትተ፡ ብትብዓት “ነብዪ’ዩ” ኢሉ መለሰ። ንወለዱ ጸዊዖም ምስ ኣዋጠርዎም፡ ግና ብጥበብ ካብ’ቲ መፈንጠራኦም ኣምለጡ። ወንጌላዊ ዮሃንስ፡ እቶም ወለዲ ብዛዕባ መንነት ክርስቶስ ደፊሮም ከይዛረቡ ዝዓገቶም ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ኣነጺሩ ገሊጽዎ’ዩ።
“ኣይሁድ (ብዛዕባ ኢየሱስ)፡ “ንሱ ክርስቶስ’ዩ” ኢሉ ንዝመስከረ ኻብ ቤት ጸሎት ኪሰጕጉዎ ሓጊጎም ነበሩ’ሞ፡ እቶም ወለዱ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሁ’ዮም፡ እዚ ዝበሉ።” ዮሃ 9፡22 (12፡42,43)
እቲ ህዝቢ ነዚ ናይ ዓመጻ ሕጎም ፈሪሁ እምነቱ እንተ ዘየግሃደ’ኳ፡ ብዛዕባ መንነት ኢየሱስ ግና ናብ ቅኑዕ መደምደምታ ይበጽሕ ነበረ። እዚ ዅነታት’ዚ ንፈሪሳውያን ቅንኣት ጥራሕ ዘይኰነ ራዕዲ ይፈጥረሎም ነበረ። ንሳቶም እቲ ህዝቢ ተዓዚቡ ዝኸዓቦም ሰባት ስለ ዝነበሩ፡ ሓዲግዎም ከይከይድ’ሞ ህንጻ ጥራሕ ሒዞም በይኖም ከይተርፉ ኸቢድ ስግኣት ነበሮም። ስለ’ዚ ነቲ ብዛዕባ ኢየሱስ እወታዊ ግንዛበ (ርድኢት) ንዘጥረየ ዅሉ፡ ካብ’ቲ ሃይማኖቶም ብውግዘት ኪፈልይዎ ናይ ዓመጻ ሕጊ ሓጊጎም ነበሩ። እዚ ናይ ዓመጻ ሕጎም ግና ነቲ ህዝቢ ናብ ሓቂ ኻብ ምብጻሕ ኣይዓገቶን።
“ኣይሁድ ግና (ኣብ’ቲ መዓልቲ) በዓል፡ ‘ኣበይ ኣሎ ንሱ፧’ እናበሉ ይደልይዎ ነበሩ። እቶም እኩባት ህዝቢ ድማ፡ ገሊኦም፡ “ሕያዋይ’ዩ” ይብሉ፡ ገሊኦም ድማ፡ ‘ኣይኰነን፡ ንህዝቢ ደኣ የስሕት ኣሎ’ እናበሉ ብዛዕባኡ ይካትዑ ነበሩ። ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሁ ግና፡ ብዛዕባኡ ኣግሂዱ ዝተዛረበ የልቦን። . . . ብዛዕባ (ትምህርቱ) ድማ ኣብ ማእከል ኣይሁድ፡ ከም ብሓድሽ ምፍልላይ ኰነ። ሽዑ ኻባታቶም ብዙሓት፡ ‘ጋኔን ሒዝዎ ይዓብድ ኣሎ፡ (ንምንታይ) ኢልኩም ኢኹም እትስምዕዎ፧’ በሉ። ካልኦት ግና፡ “እዚ ዘረባ’ዚ ዘረባ ዕብድ ኣይኰነን። ጋኔንዶ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኸፍት ይከኣሎ’ዩ፧”“ በሉ (ዮሃ 7፡11-13፣ 10፡19-21)።
ንዅላቶም ሓደ ዓይነት ትምህርቲ እናተዋህበ፡ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም ሓደ ዓይነት ተኣምራት እናተፈጸመ፡ ብዛዕባ መንነቱ ዝነበሮም ኣረኣእያ ግን፡ እምብዛ ዝተረሓሓቐ ኰይኑ ተረኽበ (ዮሃ 7፡40-44፣ 8፡48,49,52፣ 18፡30,37፣ 19፡14፣ ማቴ 12፡23)። ኣብ ዕለተ ሆሳእና ብዓብዪ ዓጃባን ክብርን ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ኣተወ’ውን፡ ብዛዕባ መንነቱ ሕቶ ተላዒሉ ግቡእ መልሲ ረኺቡ’ዩ።
“ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ኣተወ፡ ብዘላ’ታ ኸተማ፡ ‘መን’ዩ’ዚ፧’ ኢላ ተበዓደት። እቶም ህዝቢ ድማ፡ ‘እዚ ነብዪ ኢየሱስ፡ ብዓል ናዝሬት ናይ (ኣውራጃ) ገሊላ’ዩ፡’ በሉ።” ማቴ 21፡10,11
እዚ ብዛዕባ ጐይታና ዝተላዕለ ሕቶ-መንነት ግን ነቶም ጸላእቱ ኣይሁድን ነቲ ህዝብን ጥራሕ ድዩ ዜገድስ፧ ኣይፋሉን!! ልዕሊ ዝዀነ ኻልእ ኣካል ዜገድሶ፡ ንባዕሉ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ። ሓደ እዋን ንቕዱሳን ደቀ መዛሙርቱ ብዜገርም ጥበብ ገይሩ ሓቲትዎምን፡ ኣገዳስነት ናይ’ቲ ሕቶ ኣነጺሩሎምን’ዩ።
“ኢየሱስ .....ንደቀ መዛሙርቱ፡ ‘ሰባት ንወዲ ሰብ መን’ዩ ይብልዎ (ኣለዉ)፧ ‘ ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ፡ “ገሊኦም ዮሃንስ መጥምቕ፡ ካልኦት ድማ ኤልያስ፡ ገሊኦም’ውን ኤርምያስ ወይ ከኣ “ሓደ ኻብ ነብያት’ዩ” ዚብሉ ኣለዉ፡” ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ኸኣ፡ “ንስኻትኩምከ መን’ዩ ትብሉኒ ኣለኹም፧” በሎም” ማቴ 16፡13-15
“ክርስቶስ’ዩ” ኢሉ ኣሚኑካስ ደድሕረኻ ይስዕብ ንዘሎ ህዝቢ ከም’ዚ ኢልካ ኽትሓትቶ ዘይቅቡል ሕቶ ኺመስል ባህርያዊ’ዩ። ንሳቶም’ውን “እታ ሕቶ ናባና ኽትምለስ’ያ” ኢሎም ከም ዘይተጸበይዎ ርዱእ’ዩ። እቲ ልቢ ዚምርምርን ፈላጥ-ኵሉ ዝዀነን ጐይታ ግን እቶም ቅዱሳንን ሕሩያትን ሃዋርያቱ’ኳ፡ እዚ ሕቶ’ዚ ኣዝዩ ኸም ዜድልዮም ስለ ዝፈለጠ ኣጥቢቑ ሓተቶም። ርእሰ-ሃዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ከኣ ብረድኤት መንፈስ ቅዱስ ንሓታቲኡ ዜዕግብ ብቑዕ መልሲ ብምሃቡ ተመጐሰ።
“ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፡ ‘ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ፡’ ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ከኣ መሊሱ በሎ፡ ‘ስምኦን ወዲ ዮና፡ (ነዚ ምስጢር’ዚ) እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ’ምበር፡ ስጋን ደምን ኣይገለጸልካን’ሞ፡ ብጹእ ኢኻ። ኣነ ኸኣ እብለካ ኣለኹ፡ ‘ንስኻ ጴጥሮስ (ከውሒ) ኢኻ፡ (ንቤተ ክርስትያነይ) ከኣ፡ ኣብ’ዛ ኸውሒ’ዚኣ ኽሃንጻ’የ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን’ዮም። መርሖታት መንግስተ ሰማያት’ውን ክህበካ’የ .......።” ማቴ 16፡16-1
ንቕዱስ ጴጥሮስ ናብ’ዚ ኽብሪ’ዚ ዘብቅዖ፡ ብዛዕባ መንነት ጐይታኡ ቕኑዕ ርድኢት ስለ ዝነበሮ’ዩ። ነዚ ሓቂ ብመንፈስ ቅዱስ ዝገለጸሉ ድማ፡ እግዚአብሔር ኣቦ ባዕሉ’ዩ። ስለ’ዚ ብዛዕባ ኢየሱስ ቅኑዕ ርድኢት ወይ ፍልጠት ረኺብና ማለት፡ ምስ ኢየሱስ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ምስ ቅድስት ስላሴ’ውን ኣብ ጽቡቕ መንፈሳውነት ከም ዘለና ዜረጋግጸልና’ዩ። ምኽንያቱ ጐይታና ባዕሉ፡
“........(ንወልድ) ብጀካ ኣቦ ሓደ’ኳ ዚፈልጦ የልቦን፡ ነቦ ኸኣ ብዘይካ (ወልድን) እቲ ወልድ ኺገልጸሉ ዚፈትውን፡ ዚፈልጦ የልቦን። . . . ናይ ሰማይ ኣቦይ ዘይተኸሎ ዘበለ ዅሉ ተኽሊ (ካብ) ሱሩ ኺምንቈስ’ዩ፡ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ዝሰሓቦ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን። .......እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰምዐን ዝተማህረን ዘበለ ኸኣ ናባይ ይመጽእ። .......ኣቦይ ዚህበኒ ዘበለ ናባይ ኪመጽእ’ዩ።”
ብምባል ገለጹልና’ዩ (ማቴ 11፡27፣ 15፡13፣ ዮሃ 6፡37,44,45)። ስለ’ዚ ብዛዕባ መንነት ክርስቶስ እቲ ቕኑዕ ኣፍልጦን ተኣምኖን እንተ’ልዩና፡ ኣብ እግዚአብሔር ኣቦ’ውን ፍሉጣትን ቅቡላትን ኢና ንኸውን። ከም’ቲ ንቕዱስ ጴጥሮስ ዝተነግሮ፡ ደቂ መንግስተ ሰማያት’ምበር፡ ደቂ ሲኦልን ገሃነምን ኣይንኸውንን ኢና። ጐይታና’ውን ነቲ ብቕኑዕ መንነቱ ዝፈለጦን ዝተኣመኖን’ምበር፡ ፈጺሙ ዘይከሓዶን ብእኡ ዘይሓፈረን ሰብ እንታይ ከም ዚገብረሉ ብንጹር ኣተስፍዩና’ዩ።
“ኣብ ቅድሚ ሰብ (“ክርስቶስ’ዩ”) ኢሉ ንዝተኣመነኒ ዅሉ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ’ቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክእመኖ’የ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኸሓደኒ ግና፡ ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ’ቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ (“ኣይናተይን’ዩ ኣይፈልጦን’የ”) ኢለ ክኽሕዶ’የ።” ማቴ 10፡32,33።
“ስለ’ዚ ኣብ (ማእከል’ዚ) ዘማውን ሓጥእን ወለዶ ብኣይን ብቓለይን ዝሓፈረ፡ ወዲ ሰብ ድማ፡ ብግርማ ኣቦኡ ምስ ቅዱሳን መላእኽቱ ምስ መጸ ብእኡ ኺሓፍር’ዩ።” ማር 8፡38።
እምበኣር ከም’ቲ ንቕዱሳን ሃዋርያቱን ደቀ መዛሙርቱን “ንስኻትኩምከ መን’ዩ ትብሉኒ፧” ኢሉ ዝሓተቶም፡ ኣብ መሰረት ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ዝተሃንጸ እምነት ዘሎና ክርስትያን ህዝቢ ኸም ምዃንና መጠን፡ መዓልቲ መጸ ወጊሑ ኽሳዕ ዚዓርብ እዚ ሕቶ’ዚ ብዘይ ምቁራጽ ይቐርበልና ኸም ዘሎ ኽንዝንግዖ ኣይግባእን’ዩ።
እቲ ዚሓትተናኸ መን’ዩ፧ “ኢየሱስ መን’ዩ፧ ብዛዕባኡ እንታይ ትብል፧” ዚብል ሕቶ ዝቐረበሉ ሰብ ኣብ ማእከልና ይርከብዶ ይኸውን፧ ነዚ ሕቶ’ዚ ተሓቲቱ ዚፈልጥ ከም ዘይብልና፡ ዳርጋ ሚእቲ ሚእታዊት (100%) ርግጸኛታት ኴንና ኽንዛረብ ንኽእል ኢና። ምናልባት ንገሌና፡ ካብ ሃይማኖትና ኼመዛብሉና ሃቂኖም፡ ሰብ ስሑት-እምነት ሓቲቶምና ይዀኑ። እቶም ንርእሶም “መሰኻክር የሆዋ (መሰኻክር ኣምላኽ)” ኢሎም ዚሰምዩ ኣርዮሳውያን፡ ክርስቶስ ፍጡር’ምበር ኣምላኽ ከም ዘይኰነ ንኼእምኑና፡ በዚ ሕቶ’ዚ ኣዋጢሮምና ይዀኑ። ቅዱሳን ደቀ መዛሙርቲ ዕድለኛታት’ዮም ነይሮም። ጸላእቶም ኣብ መጋባእያ ኣቕሪቦም ብሓለንጊ እናገረፉ ይሓትዎም ነይሮም። ይጐድእዎም ዘለዉ መሲልዎም’ምበር፡ ብዛዕባ መንነት ክርስቶስ ቅኑዕ ተኣምኖ ኺእመኑ ይድግፍዎምን የገልግልዎምን’ዮም ዝነበሩ። ጐይታና ባዕሉ’ውን፡ ኣገዳስነት ናይ’ቲ ሕቶ ንኼመልክቶም፡ ንሳቶም’ውን ኣርኣያኡ ስዒቦም ነዚ ወርቃዊ ሕቶ’ዚ ኣብ ልቢ ተገልገልቶም ንኼስርጽዎ፡ “ንስኻትኩምከ መን’ዩ ትብሉኒ ኣለኹም፧” ኢሉ ሓተቶም። ሎሚ’ውን እንተ ዀነ፡ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ነዚ ሕቶ’ዚ ናብ ልቦምን ናብ ልቢ ህዝቦምን ከም ዚሰርጽ ብምግባር፡ ንጐይታኦምን ንቕዱሳን ሃዋርያቱን ኪመስሉ’ዩ ዚግባእ። ጐይታና ነታ ሕቶ ሓንሳእ ምስ ሓተታ፡ ብድሕሪኡ ይደጋግመሎም ኣይነበረን። ምኽንያቱ ሓንሳእ ናብ ውሽጦም ምስ ኣስረጸሎም፡ ብድሕሪኡ እቲ ልቦም’ዩ ነቲ ሕቶ ኺደጋግሞ ዚግባእ። ከም’ቲ ቅዱስ ዳዊት ዝበሎ፡ ልብና ኣብ ክንዲ ኣምላኽ ኪኸውን’ዩ ዚግባእ። እቲ ሊቀ መዘምራንን ነብዪን ዝነበረ ኣሳፍ’ውን ከምኡ’ዩ ዝበለና።
“ልበይ ኣብ ክንዳኻ ኰይኑ፡ “ንገጸይ ድለይዎ” ይብለኒ ኣሎ፡ ዎ እግዚአብሔር ንገጽካ እደልዮ እኔኹ።”
“ኣብ ሰማይ ብጀካኻ መን ኣሎኒ፧ ንኣኻ ካብ ረኸብኩስ፡ ኣብ ምድሪ ዝደልዮ የብለይን። ስጋይን ልበይን እንተ ማህመነ’ኳ፡ ኣምላኽ ንዘለኣለም ከውሒ ልበይን ክፍለይን’ዩ።” መዝ 27፡8፣ 73፡25,26
ንክርስቶስ ሓንሳእ ኣብ ልብኻ እንተ ኣሕዲርካዮ፡ ብድሕሪኡ ልብኻ ነቲ ክርስቶስ ዚሓስቦን ዚዛረቦን ዚሓትቶን ጥራሕ’ዩ ኺሓስብ ዚግብኦ።
ነዚ ኽቡር መለኮታዊ ሕቶ’ዚ ብመልክዕ ቃላት ጥራሕ ድዩ ዚቐርበልና፧ ንሕናኸ ብቓላት ጥራሕ ዲና ንምልሶ ወይስ ካልእ ናይ ኣመላልሳ ኣገባብ ኣሎና’ዩ፧ ቃላዊ ተኣምኖ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኽፋል ናይ ክርስትያናዊ ህይወት ምዃኑ፡ ኪኽሕዶ ዚኽእል ዋላ ሓደ’ኳ የልቦን። አረ ትምህርቲ ናይ’ቶም ቅዱሳን ሃዋርያትሲ፡ ቃላዊ ተኣምኖ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ጥራሕ ዚፍጸምን ኬድሕን’ውን ዚኽእል ተኣምኖ ምዃኑ’ዩ ዚነግረና።
“ስለ’ዚ ብኣፍካ፡ “ኢየሱስ ጐይታ’ዩ” ኢልካ እንተ መስከርካ፡ ብልብኻ’ውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ። ከመይ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ መስኪሩ’ውን ይድሕን’ዩ። ......ስለ’ዚ ኸም’ቲ ብመንፈስ ኣምላኽ (ተመሪሑ) ዚዛረብ (ሰብ) “ኢየሱስ ርጉም’ዩ” ኪብል ዘይክእል፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ እንተ ዘይኰይኑ ድማ፡ ‘ኢየሱስ ጐይታ’ዩ፡’ ኪብል ዚኽእል ሓደ’ኳ ኸም ዘየልቦ፡ አፍልጠኩም ኣለኹ።” ሮሜ 10፡9,10 ካ.ት፣ 1ቈረ 12፡3 ካ.ት.
ስለ’ዚ ልሳናዊ ተኣምኖ መተካእታ-ኣልቦን (indispensable) ግድነታ’ውን ምዃኑ ፍጹም ዘየማትእ’ዩ። ክርስቶስ “ጐይታ፡ ኣምላኽ፡ መድሓኒ፡ ብርሃን ዓለም፡ እንጌራ ህይወት፡ ትንሳኤን ህይወትን፡ ወዘተ” ምዃኑ፡ ምስ ዚኣምንን ዘይኣምንን ሰብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰይጣንን ብዘይ ምቍራጽ ክንእመኖ፡ ክርስትያናዊ ግቡእና’ዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና “ጸሎተ ሃይማኖት (The creed)” ከምኡ’ውን “ኣመክንዮ ሃዋርያት (The Apostle’s Creed)” ዝሰርዓትልና ድማ ነዚ ተኣምኖና’ዚ ንምዕዛዝ’ዩ። ግን ከኣ ኣብ ልሳናዊ ተኣምኖ ጥራሕ ክንድረት ኣይተኣዘዝናን፡ “ጐይታ’ዩ” ኢልካ ምሉእ መዓልቲ ብልሳንካ ኽትእመን እናወዓልካ፡ ነቲ ናቱ ጐይትነት ግን ፈጺምካ ዘይትግዛእን ዘይትእዘዝን እንተ ዄንካ፡ ከም ላግጽን ጥበራን’ምበር፡ ከም እምነትን ተኣምኖን ከም ዘይቝጸረልካ ርዱእ’ዩ። ስለ’ዚዶ ኣይኰነን፦
“ፍቓድ ናይ’ቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር’ምበር፡ ‘ጐይታይ ጐይታይ’ ዚብለኒ ዅሉ (ሰብ)፡ መንግስተ ሰማያት ዚኣትው ኣይኰነን። .......ነቲ ኣነ ዝብሎ ዘይትገብሩስ ስለምንታይ ደኣ ‘ጐይታይ፡ ጐይታይ’ ትብሉኒ።”
ኢሉ ጐይታ ዝገሰጸና (ማቴ 7፡21፣ ሉቃ 6፡46 ካ.ት)። ድሕሪ’ዚ ኣብ ዘሎ ጥቕስታት ከኣ፡ እቲ ብልሳናዊ ተኣምኖ ጥራሕ ብጥበራ ዚነብር ሰብ፡ ንቤቱ ብዘይ መሰረት ኣብ ልዕሊ ሑጻ ዚሰርሕ ዓሻ ሰብ ምዃኑ፡ እቲ ብልሳናውን ግብራውን ተኣምኖ ዚነብር ክርስትያን ግን፡ ቤቱ ኣብ ጽኑዕ ከውሒ ኸም ዝሰረተን፡ ዋላ ብኸቢድ ፈተና’ኳ ካብ እምነቱ ነቕ ከም ዘይብልን ጽኑዕ ሰብ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ።
እቲ “ጐይታ’ዩ፡ ኣምላኽ’ዩ” ኢልና ብልሳንና ዝተኣመንናዮ ኢየሱስ ዝሃበና ብዙሓት ግብራውያን ትእዛዛት ኣለዉ። “ተዓገሱ፡ ኣፍቅሩ፡ ንዝበደለኩም ምሕረት ግበሩ ወዘተ” ዚብሉ ኪስገሩ ዘይግብኦም ትእዛዛት ኣለዉ። ስለ’ዚ ትዕግስቲ ዚጠልብ ኵነታት ኣብ ቅድሜኻ ኪኽሰት ከሎ፡ ብግብራዊ መገዲ “ብዛዕባኡ እንታይ ትብል፧” ዚብል ሕቶ ይቐርበልካ ኸም ዘሎ ኪስቈረካ ይግባእ። “ኢየሱስ ጐይታይ’ዩ” ዚብል ምሉእ ርትዒ እንተ’ልዩካ፡ ነቲ ንሱ “ተዓገስ” ዝበለካ ትእዛዝ ብምፍጻም ንጐይትነቱ ኣብ ህይወትካ እንተ ተገዛእካዮ፡ ብርግጽ ሓቀኛን ብልህን ክርስትያን ኢኻ፡ “ኣብ መልሓሰይ ደኣ’የ ዘግዝኦ’ምበር፡ ኣብ’ታ ህይወተይሲ ባዕለይ’የ ጐይታ ዝኸውን” ዚብል ክሕደታዊ መርገጺ እንተ ወሲድካ ግን፡ ነታ ትዕግስቲ ኸም ሓደ ብላሽ ኣቕሓ ደርቢኻ፡ ቍጥዓ፡ ባእሲ፡ ቂምታ፡ ሕምየት፡ ጸለመ ከም ክቡር ኣቕሓ ኣልዒልካ ብእኡ ኣብ ውግእ ትጽመድ። ስለ’ዚ እቲ ዕለት-መጸ እነዘውትሮ ሰናይ ባህርይን ግብርን፡ “ናይ ህይወተይ ጐይታ ኢየሱስ’ዩ” ዚብል ግብራዊ ተኣምኖ’ዩ። እዚ ግብራዊ ተኣምኖ’ዚ ምስ’ቲ ልሳናዊ ተኣምኖና ተደሪቡ፡ ዜጋታት መንግስተ ሰማይ ይገብረና። ኣይትተዓደሎ ዀይኑ፡ ልሳንናን ግብርናን ምስኡ ዘይቃደው ኰይኑ እንተ’ውዒሉ ድማ “ኢየሱስ ኣብ ህይወተይ ጐይታን ኣምላኽን ኣይኰነን፡ ኣብ ገዛእ ህይወተይ ጐይታን ገዛእን ዝኸውን ኣነ ባዕለይ ጥራሕ’የ” ዚብል መሰክሕ ጥልመት እናፈጸምና ልቡሰ-ስጋ ኣጋንንቲ ዄንና ንነብር ማለት’ዩ። ቅዱስ ዳዊትን ቅዱስ ጳውሎስን ነዚ ኣጸያፊ ሃለዋት’ዚ ዚገልጽ ግሩም ቃል ኣስፊሮምልና ኣለዉ።
“ዎ እግዚአብሔር (ቅኑዕ) ሰብ ተሳኢኑ፡ ካብ ማእከል ደቂ ሰብ’ውን እሙናት ጠፊኦም’ዮም’ሞ ኣድሕን። ነፍሲ ወከፎም ምስ ብጻዩ ሓሶት ይዛረብ፡ (ብጠባሪ) ኸንፈርን ብኽልተ ልብን ይዛረቡ ኣለው። እግዚአብሔር ንዅላተን (ጠበርቲ) ኸናፍርን፡ ነታ ዕቡይ (ቃላት) እትዛረብ መልሓስን፡ ነቶም፡ “ሳላ መልሓስና ንብርትዕ ኣለና፡ ከናፍርና ናትና’የን፡ መን’ዩኸ ጐይታና፧” ዚብሉን ኪምንቍሶም (ኬጥፍኦም)’ዩ።” መዝ 12፡1-4።
“(ባዕላቶም “ንኣምላኽ ንፈልጦ ኢና” ይብሉ)፡ ፍንፉናትን ዘይእዘዙን ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ዘይጠቕሙን ብምዃኖም ግና ብግብሮም ይኽሕድዎ ኣለዉ።” ቲቶ 1፡10
እምብኣር ቃል እግዚአብሔር ኰነ ዕለታዊ ናብራና፡ “ብልሳንካ ዀነ ብግብርኻ ብዛዕባ ክርስቶስ እንታይ ትብል፧” እናበለ መዓልቲ መጸ ይሓትተናን ይብድሃናን ኣሎ። ብመንጽር’ዚ ሕቶ’ዚ ዅላትና ደቂ ሰባት ኣብ ሰለስተ ምድባት ኢና ’ንኽፈል።
1ይ. ብልሳኖም ኰነ ብግብሮም ብግህዶ ዚኽሕዱ ኣረሜን
2ይ. ብልሳኖም ተኣሚኖም ብተግባሮም ዚኽሕዱ ጠበርቲ (ግቡዛት)
3ይ. ብልሳኖም ኰነ ብግብሮም ጐይትነቱ ዚእመኑ ፍጹማን
ናይ ኣየኖት ወገን ምዃንና፡ ንህይወትና ኣበይ ከም ዝመደብናያ ርእስና ንመርምር። መስጣ ናይ’ቶም ክልተ ቀዳሞት ናይ ክሕደት ጉጅለታት፡ ጽሕፍቶና ኣይግበሮ። ንኣታቶም ግብ ዝበለ ጸልማትን ዘየባትኽ ስቓይ ንንዘለኣለም ተዓቚሩሎም ኣሎ። ኣብ’ቲ ናይ’ቶም ፍጹማትን እሙናትን ደምበ እንተ’ሊና ግን፡ ነቲ ብቓሉ ዘለበመናን ብጸጋኡ ዘኽኣለናን ጐይታ፡ ክብሪ ንሃቦ። ደሓን ዘለና እናመሰለና ናብ ደምበ ጥፍኣት ከይነምርሕ ግን፡ ልብና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኰይኑ፡ “ንስኻኸ መን’ዩ ትብለኒ ኣለኻ፧” ኢሉ የቃልሕ ምህላው ነረጋግጽ። ነዚ ኽቡር ሕቶ’ዚ፡ ብቓልን ብግብርን እቲ ቕኑዕ መልሲ ንሃብ። ከመይሲ ኣብ’ታ ይግባይ ዘይብላ መጋባእያ-ፍትሒ ብስልጣን ዚፈርድ፡ እቲ “ብዛዕባይ እንታይ ትብል ኣለኻ፧” ኢሉ ሕጂ ዚሓትተና ዘሎ ጐይታ’ዩ!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ታሕሳስ 2, 2015 ግዕዝ (11 ታሕሳስ 2022 ፈ [መበል 14 ሰንበት: ቊ.፳፩/21, 2022] |
||
ምስባክ መዝ.6፡3-4 “ወአንተኒ እግዚኦ እስከ ማእዜኑ። ተመየጥ እግዚኦ ወባልሐ ለነፍስየ። ወአድኅነኒ በእንተ ምሕረትከ።” ወይ ከኣ መዝ. 4፡2,3 “ደቂቀ ዕጓለ እመሕያው እስከ ማዕዜኑ ታከብዱ ልበኩሙ። ለምንት ታፈቅሩ ከንቶ ወተሐሱ ሐሰተ። አእምሩ ከመ ተሰብሐ እግዚአብሔር በጻድቁ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
2ቈረ 4፡1-12 |
ዲያቆን |
|
1ዮሃ 5፡11-ፍጻ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 4፡14-23 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 9፡13-25 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘእግዚእነ ወይ ዘወልደ ነጐድጓድ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ