“እምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምሰሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚአብሔር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጻልኩም፡ ነቲ ቕድም ንኣኻትኩም እተሓርየ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኺሰድደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱን።” ግብ 3፡19,20
እዚ ዘለናዮ ወቕቲ፡ “ጾመ ነብያት” እንጾመሉ ዘለና ወቕቲ’ዩ። ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሕዳር 15 ክሳዕ ድሮ ልደት (ታሕሳስ 28 ወይ 27) ዘሎ ግዜ “ጾመ ነብያት” እንጾመሉ ቕንያት’ዩ። ካብ’ተን ዓበይቲ ኣጽዋማት ናይ ቤተ ክርስትያንና፡ ዘይለዋወጥ ቀዋሚ ዕለታት ዘለወን ኣጽዋማት፡ ጾመ ነብያትን ጾመ ፍልሰታን’የን። ኣብ ውሽጢ ጾመ ነብያት እትርከብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን እትጽወዓሉ ነናታ ስም ኣለዋ። ብእኡ መሰረት ካብ ታሕሳስ 7 ክሳዕ ታሕሳስ 13 ዘሎ ሰሙን፡ “ስብከት” ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። ነዚ ናይ ስብከት ሰንበት ተሰሪዑ ዘሎ መዝሙር ድማ፡ “ወልዶ መድኅነ ንሰብክ” ዚብል’ዩ። ካብ’ቶም ነዚ መዝሙር’ዚ መሰረት ብምግባር ዝተሰርዑ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ሓደ ድማ፡ እዚ ናይ ግብ 3፡19-ፍጻመ ንባብ’ዩ።
ቅዱሳን ሃዋርያት ጴጥሮስን ዮሃንስን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ንሓደ ኣብ ደገ ቤት መቕደስ ኰይኑ ይልምን ዝነበረ፡ ካብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትሒዙ ልሙስ ኰይኑ ንዝተወልደ ሰብኣይ ምስ ፈወሱ፡ ኵሉ’ቲ ህዝቢ እናጐየየ ናባታቶም ተኣከበ’ሞ፡ ንኽልቲኦም ሃዋርያት ብምግራም ተኲሩ ኺጥምቶም ጀመረ። ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ፡ እቲ ምጥማት ናይ’ቲ ህዝቢ ናብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኬቕንዕ፡ ሓጺር ግን ከኣ ሓያል መልእኽቲ ወንጌል ሰበኸሎም። በዛ ስብከት’ዚኣ ድማ ኣስታት ክልተ ሽሕ ሰባት ብክርስቶስ ኣሚኖም ናብ ቤተ ክርስትያን ተጸምበሩ። ናይ’ታ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሰበኻ ስብከት ሕመረት ወይ ማእከላይ ሓሳብ ድማ፡ እዛ ነዚ ዕለት’ዚ ኸም መሪሕ ጥቕሲ ተመሪጻትልና ዘላ ኽፍሊ ናይ’ቲ ንባብ’ያ።
በዚ መሪሕ ጥቕሲ’ዚ መሰረት፡ ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ብምምላስና እንረኽባ ዝዓበየት ረብሓ፡ ዘመን ዕረፍቲ ምርካብ’ያ። ዘመን ዕረፍቲ ኽንረክብ እንተ ዄንና ግን፡ እቲ ዕረፍቲ ዚኸልኣናን ንዕረፍትና ደምሲሱ ናብ ከቢድ ጻዕርን ስቓይን ዘእተወናን ሓጢኣት ኪድምሰስ ኣለዎ። ነዚ ዕረፍቲ ዚኸልእ ሓጢኣት ኪድምስስ ዚኽእል ድማ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ። እምበኣር ምስጢረ ንስሓ ኽሳዕ ክንዲ’ዚ ኣገዳሲ ምስጢር’ዩ። ዘይተነስሐ ሰብ ነዚ ዅሉ ጸጋታት’ዚ ኪረኽቦ ኣይክእልን’ዩ። ንስሓ ኻብ’ቲ ሓጢኣት ዚፈጥሮ ጻዕርን ጭንቀትን ኣናጊፉ፡ ኣብ ዕረፍቲ ኼንብረና ዝተሰርዓልና ምስጢር’ዩ።
ብርግጽ ግን ሓጢኣት ዕረፍቲ ይኸልእ ድዩ፧ ተልእኾ ናይ ሓጢኣት፡ ንወዲ ሰብ ካብ ዕረፍቲ ምውጻእን ምርሓቕን ምዃኑ፡ ገና ኻብ’ቲ ሓጢኣት ንመጀመርታ ጊዜ ኣብ ገነት ኤድን ዝተፈጸመሉ ጊዜ’ዩ ተጋሂዱ። ኣዳምን ሄዋንን ትእዛዝ ኣምላኽ ምስ ኣፍረሱ፡ እቲ ኸሊልዎምም ዝነበረ ጸጋን ክብርን ናይ ኣምላኽ ስለ ዝተገፍፈ፡ ዕርቃኖም ከም ዝወጹ ተፈሊጥዎም፡ ኣቝጽልቲ ኦም በለስ (Fig tree) ኣለጋጊቦም ናብ ዕርቃኖም ናይ ምኽዳን ከንቱ ጻዕሪ ኣተዉ። ካብ ሓድሕዶም ኰነ ካብ ኣምላኽ ናይ ምሕባእ ጻዕሪ ድማ፡ ሽዑ ምስ ጀመረ ኽሳዕ ሕጂ የድክመና ኣሎ። እግዚአብሔር ብኣካል መጺኡ ምስ ተዛረቦም ከኣ፡ ካብ’ቲ ስፍራ ዕረፍቲ ዝዀነ ገነት፡ ናብ’ታ ስፍራ ጻዕርን ውርደትን ዝዀነት ምድሪ ተሰጒጉ። ዓስቢ ሓጢኣት ጻዕርን ድኻምን ስለ ዝዀነ ድማ፦
“ንመከራኽን ጻዕሪ ጥንስኽን ከብዝሖ’የ፡ ደቂ ብጻዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ፡ .....ምድሪ ብሰንክኻ ርግምቲ ትኹን። ኵሉ ዘበን ህይወትካ እንጌራኻ ካብኣ ብጻዕሪ ኽትበልዕ ኢኻ።......ናብ’ታ ዝተፈጠርካላ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስ፡ እንጌራ ብርሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ።”
ዚብል መርገም ተቐበሉ (ዘፍ 3፡16,17)። ስራሕ ምስራሕ፡ ብሰሪ ሓጢኣት ዝመጸ መርገም ኣይኰነን። ምኽንያቱ ንሰብ ኣብ ገነት ኤድን ኪፈጥሮ ኸሎ፡ ንምድሪ ኺዓይያን ኪሕልዋን’ዩ ዝፈጠሮ (ዘፍ 2፡15 ፣ 3፡23)። እቲ ቕድሚ ውድቀት ኣብ ገነት ዝነበረ ጻዕሪ፡ ዕረፍቲ ዝመልኦ ዕዮ’ዩ ዝነበረ። ድሕሪ ሓጢኣት ምእታዉ ዚዕየይ ዕዮ ግን ናይ ጻዕሪ ዕዮ ዀነ። ናይ ጻዕሪ ዕዮ ድማ ኣብ ውሽጥኻ ዚፈጥሮ ናይ ውርደት ስምዒት ኣለዎ። ምኽንያቱ ሓጢኣት ንውርደት ርእስኻን ንውርደት ኣምላኽን ዚፍጸም ግብሪ ድያብሎስ’ዩ። ጻዕሪ፡ ውርደት ከም ዚስምዓካ ስለ ዚገብር’ዩ እግዚአብሔር ነቶም ብሓጢኣት ዘዋረድዎ ብጻዕሪ ኼዋርዶም ዝፈረደ።
“ጽድቂ ንህዝቢ ልዕል የብሎ፡ ሓጢኣት ግን ውርደት ህዝብታት’ዩ።” ምሳ 14፡34
“መዓልትታት ዓመታትና ሰብዓ ዓመት፡ እንተ በዝሐ ኸኣ ሰማንያ ዓመት’ዩ። ቀልጢፉ ይሓልፍ፡ ነፊርና’ውን ንኸይድ ኢና’ሞ፡ ክብረቱ ጻዕርን መከራን’ዩ። ........ ንቓል ኣምላኽ ስለ ዝተሃለለኽዎ፡ ንምኽሪ ናይ’ቲ ልዑል ከኣ ስለ ዝነዓቕዎ፡ ንልቦም ብጻዕሪ ኣዋረዶ፡ ወደቑ፡ ዚረድእ’ውን ሓደ’ኳ ኣይነበረን።” መዝ 90፡10 ፣ 106፡11,12
ብዛዕባ ኣየናይ ዓይነት ዕረፍቲ ኢናኸ ንዛረብ ዘለና፧ ብርግጽ ብዛዕባ ኽልቲኡ፡ ማለት ብዛዕባ ስጋውን መንፈሳውን ዕረፍቲ ኢና ንዛረብ ዘለና። ምኽንያቱ ሓጢኣት ንኽልቲኡ ዓይነት ዕረፍቲ’ዩ ዘሪፉና። እቲ ብሰሪ ሓጢኣት ዝሰኣንዮ ናይ ስጋ ዕረፍቲ ልዕል ኢልና ኽንርእዮ ጸኒሕና ኣለና። ጠንቂ ናይ’ዚ ስጋዊ ዕረፍቲ ምስኣንና፡ እቲ ስእነት ናይ ነፍሳውን መንፈሳውን ዕረፍቲ’ዩ። ካብ ጻዕርን ድኻምን ናይ ስጋ፡ ገለ ሒደት ሰባት ይነሓፉ’ዮም። ብምኽንያት ዘለዎም ዕዙዝ ሃብቲ፡ ዝዀነ ጻዕሪ ዘይብሉ ናብራ ኺነብሩ ይኽእሉ’ዮም። እዚ ማለት ግን እቲ ነፍሳዊ ወይ መንፈሳዊ ዕረፍቲ ኣለዎም ማለት ኣይኰነን። መብዛሕትኦም ማዕረ’ቲ ናይ ገንዘብን ንብረትን ሃብቲ፡ ብሓጢኣትውን ማዕሪኡ ስለ ዚህብትሙ፡ ኣብ ዝኸፍአ መንፈሳዊ ስቓይ’ዮም ዚነብሩ። ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ፡ ብዛዕባ’ቶም ካብ ጻዕሪ ስጋ ዓሪፎም፡ ሓንቂቖምን ጥዒምዎምን ዚነብሩ ሃብታማት ዝበሎ ቓል፡ እቶም ብስጋዊ ዕረፍቲ ዚነብሩ፡ ኣብ መንፈሳዊ ዕረፍቲ ኸም ዘየለዉ ዜረጋግጸልና’ዩ።
“ሕጂ ኸኣ፡ ኣቱም ሃብታማት ስምዑ፡ በቲ ዚመጻኩም ዘሎ መከራ፡ “ዋይ፡ ዋይ” እናበልኩም ብኸዩ። ሃብትኩም መሽሚሹ፡ ንኽዳውንትኹም’ውን ብልዒ በሊዕዎ፡ ወርቅኹምን ብሩርኩምን መሪቱ፡ እቲ ምምራቱ ኸኣ ኪኸስሰኩም’ዩ። ኣብ’ዛ ሓላፊት ዓለም’ዚኣ ሃብቲ ስለ ዝኣከብኩም ድማ፡ ንስጋኹም ከም ሓዊ ኺበልዖ’ዩ።.......ኣብ ምድሪ ሓንቂቕኩምን ጥዒምኩምን፡ ከም ንመዓልቲ ማሕረዲ’ውን ገዛእ ርእስኹም ኣስቢሕኩም ኣለኹም።” ያእ 5፡1-3,5 ካ.ት
እዚ ኣበሃህላ’ዚ፡ ምስ’ቲ ጐይታና፡ “ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚኣቱስ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ኽትሓልፍ ይቐልል” ዝበሎ ቓል ዚሳነይ’ዩ (ማቴ 19፡23,24)። ኣድህቦ ናይ’ዚ ሎሚ ኣርእስትና’ምበኣር፡ ናብ’ቲ መንፈሳዊ ዕረፍቲ ምዃኑ ብሩህ’ዩ። ሓጢኣት፡ ነፍሳውን መንፈሳውን ሕማም’ምበር፡ ኣካላዊ ኣይኰነን። እቲ ብኣካላትና እንገብሮ ሓጢኣት፡ ናይ’ቲ ነፍሳዊ ሕማምና ደጋዊ ምልክታት ጥራሕ’ዩ። ኣብ ምሉእ መንፈሳዊ ጥዕና ዘሎ ሰብ፡ ብጸጋ ኣምላኽ ልዕሊ ሓጢኣት ጸብለል ኢሉ ዚመላለሰሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። ጐይታና ባዕሉ ዀነ ቅዱሳን ነብያቱን ሃዋርያቱን፡ እቲ ብንስሓን ብጽድቅን ናብ ኣምላኽ ብምምላስና እንረኽቦ ዕረፍቲ፡ ነፍሳዊ ዕረፍቲ ምዃኑ ብንጹር ገሊጾምልና’ዮም።
“እግዚአብሔር ከም’ዚ ይብል ኣሎ፡ ‘ኣብ ጐደናታት ደው ኢልኩም ተመልከቱ፡ እቲ ጽቡቕ ጐደና ኣየናይ ምዃኑ ሕተቱ’ሞ፡ ብእኡ ተመላለሱ፡ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። ንሳቶም ግና፡ “ኣይንመላለሰሉን ኢና” ኢሎም መለሱ።” ኤር 6፡16
“ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ’የ ልበይ’ውን ትሑት’ዩ። ኣርዑተይ ፈኲስ፡ ጾረይ’ውን ቀሊል’ዩ’ሞ ኣርዑተይ ጹሩ፡ ኻባይ’ውን ተመሃሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።” ማቴ 11፡28-30
ካብ’ዚ ዝተጠቕሰ ጽሑፋት ከም እንርድኦ፡ ክርስቶስ ጐይታና ንሓጢኣትና ደምሲሱ ዜጐናጽፈና ዕረፍቲ፡ ነፍሳዊ ዕረፍቲ’ዩ። እዚ ዕረፍቲ’ዚ እግዚአብሔር ጥራሕ ኪህበና ዚኽእል ዕረፍቲ’ዩ። ባዕላትና እንሰርሖን እንረኽቦን ኣይኰነን። እቲ ዕረፍቲ ኻብ ኣምላኽ’ዩ ዚመጻልና። ብርግጽ ግን ዕረፍቲ ዓስቢ ናይ ምርጫናን ተግባርናን’ዩ። ንእግዚአብሔር እንተ ኣሚንናዮ፡ ነቲ ንሱ ዚህበና ትእዛዛት ከኣ ብእምነት እንተ ተኣዚዝናዮ፡ ንሱ ኸኣ ንውሽጥና ብዕዙዝ መንፈሳዊ ሓጐስን ሰላምን ብምምላእ፡ ናብ ፍጹም ነፍሳዊ ዕረፍቲ የእትወና። ጐይታናን ሃዋርያ ጳውሎስን ብዛዕባ’ቲ ዚወሃበና ሰላምን፡ ናይ’ዚ ሰላም’ዚ ፍሉይነትን ረብሓኡን ገሊጾምልና ኣለዉ።
“ሰላም እሓድገልኩም፡ ሰላመይ’ውን እህበኩም ኣለኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘለኹስ፡ ከም’ቲ ዓለም እትህቦ ኣይኰነን። ልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድን።” ዮሃ 14፡27
“እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ ኢየሱስ ኪሕልዎ’ዩ።” ፊል 3፡7
ነፍሲ ናብ ምሉእ ዕረፍቲ እትኣትው፡ ነቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ክርስቶስ እንተ ረኺባ ጥራሕ’ዩ። እዚ ሰላም’ዚ ብስጋዊ ሃለዋትና ፈጺሙ ዘይጽለው፡ ፍሉይ ሰላም’ዩ። እዚ ክርስቶስ ዚህበና ሰላም ዝዀነ ይኹን ኣካል ኬሕድገና ዘይክእል፡ በቲ ክርስቶስ ብዛዕባ ማርያም፦
“ካብኣ ዘይውሰድ ጽቡቕ ግደ ሓርያ ኣላ፡”
ዝበሎ ቓል ጥራሕ ዚግለጽ’ዩ (ሉቃ 10፡42)። ዋላ ነቲ ደቀ መዛሙርቱ ዚቕበልዎ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሓጐስ ኪገልጾ ኸሎ፡
“......ልብኹም ኪሕጐስ’ዩ፡ ንሓጐስኩም ድማ ካባኻትኩም ዚወስዶ የልቦን።”
ብምባል ኣረጋጊጹልና’ዩ (ዮሃ 16፡22)። ናብ ዘመን ዕረፍቲ ምእታውና ዜረጋግጸልና ድማ እዚ ኻባና ዘይውሰድ ሰላምን ሓጐስን’ዩ።
ረሲኣን ግና ነዚ ዕረፍቲ’ዚ ኣይረኽብዎን’ዮም። ምኽንያቱ፡ እቲ ዚእዘዝዎ ሰይጣን፡ ናይ ሰላም ጐይታ ኣይኰነን። ምናልባት በቲ ብስጋን ብሓጢኣትን ዚረኽብዎ ጊዝያውን በናንን ዝዀነ ሓጐስን ተድላን ኪጥብሮም ይኽእል ይኸውን። ነብዪ ኢሳይያስ፡ ብዛዕባ ሃለዋት ረሲኣን ዝተዛረቦ ቓል፡ ነቲ ሓቀኛ ምስልን ስእልን ናይ’ቲ ዜሰክሕ ናብራኦም ዚገልጽ’ዩ።
“እቶም ረሲኣን ግና ከም’ቲ ዚናወጽ ባሕሪ’ዮም፡ ኪሃድእ ኣይክእልን’ዩ’ሞ፡ ማያቱ ጭቃን ርስሓትን የውጽእ። “እቶም ረሲኣንሲ ሰላም የብሎምን” ይብል ኣምላኸይ።” ኢሳ 57፡20,21
ፍረ ሓጢኣት’ምበኣር፡ ነዚ’ዩ ዚመስል። እቲ ንሓጢኣቱ ብሓቀኛ ንስሓ ኼርሕቕን፡ ብጽድቂ ናብ ኣምላኽ ኪምለስን ናይ ዘይመረጸ ሰብ ናብራ ነዚ’ዩ ዚመስል።
ቅዱስ ጴጥሮስ “ዘመን ዕረፍቲ” ኢሉ ዝሰመዮ፡ ነየናይ ዘመን’ዩ፧ ንዕረፍቲ ኪኸውን ዝተመደበ፡ ፍሉይ ናይ ዕረፍቲ ዘመን ኣሎ ማለት ድዩ፧ “ካብ ክንዲ’ዚ ዓመተ ምሕረት ክሳዕ ክንዲ’ዚ ዓመተ ምሕረት “ዘመን ዕረፍቲ” ኪኸውን ዝተመደበ’ዩ” ኢሉ ዚነግረና ጽሑፍ ከም ዘየልቦ ርጉጽ ሓቂ’ዩ። ከምኡ ኺበሃል ከኣ ቅኑዕ ኣይኰነን። ምኽንያቱ ዅሉ ሰብ ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ዘመን ኣይነብርን’ዩ። ንዕረፍቲ ሓደ ውሱን ዘመን እንተ ተመዲብዎ ኸኣ፡ እቶም ካብ’ቲ ዘመን’ቲ ወጻኢ ዚነብሩ ሰባት፡ ዕረፍቲ ንኸይረኽቡ ዝተመደቡን ዝተዀነኑን ኪዀኑ’ዮም። ስለ’ዚ እቲ ዘመን፡ ኣብ ውሽጢ ኽሊ ዕድመ ናይ’ቲ ዝኣመነ ሰብ ዚርከብ’ዩ። ካብ’ቲ ብክርስቶስ ኣሚኑ ንጐይታኡ ኺስዕብን ኪእዘዝን ዝጀመረሉ ጊዜ ጀሚሩ ኻብኡ ንደሓር ብህይወት ዚነብረሉ ዅሉ ዘመን፡ ንእኡ “ዘመን ዕረፍቲ”’ዩ። ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ብህይወት ንዝነበረ ዅሉ ሰብ ዝተዋህበ ዕድል ከኣ’ዩ። ኣብ’ቲ ቅዱሳን ሃዋርያት ብህይወት ዝነበሩሉን ዘገልገሉሉን ዘመን ንዝነበሩ ሰባት እዚ ዘመን ዕረፍቲ’ዚ ተዳሊውሎምን ተዋሂብዎምን ነበረ። ካብ’ቲ ዘመን’ቲ ንደሓር ንዝተፈጠርና ዅላትና ደቂ ሰባት ከኣ፡ እዚ ዕድልን ጸጋን’ዚ ተዋሂቡና ኣሎ። ክሳዕ ምጽኣት ጐይታና ኣብ ዘሎ ጊዜ፡ ብድሕሬና ንዚፍጠሩ ዅላቶም ከኣ እዚ ደረት ኣልቦ ዕድል’ዚ ተዳልዩ ይጽበዮም ኣሎ።
ሓደ ሰብ ናብ ዘመን ዕረፍቲ ንኺኣትዉ ኪገብሮ ዚግብኦ፡ ብክርስቶስ ኣሚኑ ብንስሓ ካብ’ቲ መገዲ ጥፍኣት ምምላስን፡ ተረፍ ዘመን ህይወቱ ንክርስቶስ ተኣዚዙን ኣገልጊሉን ምንባር ጥራሕ’ዩ። ብምስጢረ ተክሊል ሓደ ኣካል ዝዀኑ ኽልተ ሰብ ኪዳን፡ ሓዲኦም ናብ ዘመን ዕረፍቲ ዝኣተወ፡ እቲ ሓደ ግና ካብ ዕረፍቲ-ኣምላኽ እምብዛ ርሒቑ ዚነብር ኪዀኑ ይከኣል’ዩ። ካብ ሓንቲ ማህጸን ዝፈረዩ ኣሕዋት’ውን፡ በቲ ኣብ ዘመን-ዕረፍቲ ዘለዎም ቦታ፡ ጓኖት ክሳዕ ዚመስሉ ኣዝዮም ኪፈላለዩ ይኽእሉ’ዮም። ስለ’ዚ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ’ዚ ዕረፍቲ’ዚ ኣዳላውን ወሃብን ደኣ ይኹን’ምበር፡ ናብ’ታ ዘመን ዕረፍቲ ኺኣትው ወይ ዘይኪኣትው ዚውስን እቲ ውልቀ ሰብ ባዕሉ’ዩ። ምኽንያቱ ጐይታና፡ ነዚ ዘመን ዕረፍቲ’ዚ ብዘይ ዝዀነ ኣድልዎ ንዅሉ ፍጥረት ሰብ ብማዕረ’ዩ ኣዳልይዎን ዓዲልዎን። ነቲ ብሕያውነቱ ዝሃበና ናይ ነጻ ፍቓድን ውሳነን መሰልና ግን ኣይግህሶን’ዩ። እዚ ማለት፡ ንዋላ ሓደ’ኳ ጐቲቱን ኣገዲዱን ናብ’ዚ ዘመን ዕረፍቲ ኣየእትዎን’ዩ። ናብ’ዚ ዘመነ ዕረፍቲ’ዚ ኺኣትው መሪጹን ወሲኑን ንዝመጸ ኸኣ ንሓደ’ኳ ኣይክልክሎን ወይ ኣይዕንቅፎን’ዩ። ስለ’ዚ ናብ ዕረፍቲ ናይ ምእታውና ዀነ ናይ ዘይምእታውና ተሓታትነት፡ ናትና ናይ በይንና ጥራሕ’ዩ።
ነዚ ዘመን ዕረፍቲ’ዚ ንኽንኣትዎ ወይ ንኸይንኣትዎ ምምራጽና፡ ውጽኢት ወይ ከኣ ሳዕቤን ኣለዎዶ፧ ከመይ ደኣ ዘይህልዎ!! ክትወድቕ እንተ መሪጽካ፡ ክትስበር፡ ክትቈስል ወይ ክትመውት መሪጽካ ኸም ዘለኻ፡ ዝዀነ ትንተናን ገለጻን ዘየድልዮ ርዱእ ሓቂ’ዩ። ኣብ ሃገርና “ሰብኣይን ደሊኽን ጭሕምን ጸሊእክን” ዚብል ምስላ ኣሎ። ንዘልዓልካዮ ምርጫ ምስናይ’ቲ ዘይተርፍ ሳዕቤኑ ኸም እትመርጾ ዜረጋግጸልና ብሂል ከኣ’ዩ። ስለ’ዚ ኣብ’ዛ ምድራዊት ዕድመና እንገብሮ ናይ ዘመን ዕረፍቲ ምርጫ፡ ዘለኣለማዊ ጽልዋ ዘለዎ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምርጫ’ዩ። እቲ ናብ ዘመን ዕረፍቲ ዝኣተወ ሰብ፡ ነቲ ዘለኣለማዊ ዕድሚኡ ኣብ ሰማያዊ ዕረፍቲ ኼሕልፎ ዝመረጸ ሰብ’ዩ። ግደ ሓቂ እዚ ምድራዊ ዘመን ዕረፍቲ፡ ነቲ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ብቑዓት ንምዃን እንዳለወሉ ጊዜ’ዩ’ምበር፡ ናይ መወዳእታን ዝለዓለን ዕረፍቲ ኣይኰነን። ጕዕዞ ክርስትና፡ ነዚ ምድራዊ ዘመን ዕረፍቲ ጥራሕ ተስፋ ብምግባር ዚኽየድ እንተ ዚኸውን፡ ኣዝዩ ዜሕዝንን ዜሕፍርን ዓሻ ምርጫ ምዀነ ነይሩ። ስለ’ዚዶ ኣይኰነን ቅዱስ ጳውሎስ፦
“ኣብ’ዛ ህይወት’ዚኣ ጥራይ ብክርስቶስ ተስፋ እንተ ገበርናስ፡ ካብ ኵሉ ሰብ እነደንግጽ ምዀንና ኔርና።”
ዝበለና (1ቈረ 15፡19)። ብዘይካ’ቶም ውሑዳት ካብ ዕድመ ቝልዕነቶም ኣትሒዞም ንኣምላኽ ዝፈለጡን ዝሰዓቡን ሰባት፡ መብዛሕትና እቲ ዝርካቡ ሓጺር ዕምርና ኣዝዩ ብዙሕ ዓመታት ምስ ተጓደሎ ኢና ናብ መንፈሳዊ ህይወትና ኣድህቦ እንገብር። ስለ’ዚ ይትረፍ ምእንቲ’ዘን ሒደት ዓመታት ኢልና፡ ምእንቲ’ቲ ምሉእ ምድራዊ ዕድመና ጥራሕ ኢልና ነዚ “ዘመን ዕረፍቲ” ኽንብህጎ፡ ዜደንግጹ ሰባት ካብ ምዃን ኣየድሕነናን’ዩ።
ቃል እግዚአብሔር ብንጹር ከም ዚገልጸልና፡ እዚ ምድራዊ ዘመን ዕረፍቲ፡ መእቶ ናይ’ቲ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ጥራሕ’ዩ። ነቲ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ዚኸውን ብቕዓት ከም ዘሎናን ከም ዘይብልናን እንምዘነሉ ናይ ትዕዝብቲ ዘመን’ዩ። ሓንቲ ፈጺምና ኽንስሕታ ዘይግብኣና ሓቂ ግና፡ እቲ ኣብ ምድሪ ብህይወት እናነበረ ኸሎ ናብ ዘመን ዕረፍቲ ዘይኣተወ ስማዊ ክርስትያን፡ ናብ’ቲ ተዳልዩልና ዘሎ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ኺኣትው ፈጺሙ ዘይክእል ምዃኑ’ዩ።
እቲ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲኸ ከመይ ዝበለ ዕረፍቲ’ዩ፧ ከም’ቲ ናይ ምድሪ ዘመን ዕረፍቲ፡ ስጋውን መንፈሳውን ኢልካ ዚፈላለይ ድዩ፧ ኣይፋሉን። እዚ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ’ዚ ኵለንተናዊ ዕረፍቲ’ዩ። ማለት ብዘሎ ምልኣት መንነትና፡ ማለት ስጋናን ነፍስናን መንፈስናን ዚዓርፈሉ ብዓይነቱ ፍጹም ብንውሓት ጊዚኡ ድማ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ’ዩ። ትንሳኤ ሙታን ዝተሰርዓሉ ምኽንያት ብዘሎ ስጋናን ነፍስናን መንፈስናን ናብ’ዚ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ’ዚ ምእንቲ ኺኣትው’ዩ። ኣብ’ዚ ምድሪ’ዚ እናሃለና ዚወሃበና መንፈሳዊ ዕረፍቲ፡ ንስጋና ዜጠቓልል ኣይኰነን። ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ ስጋና ብመሪር መከራን ስቓይን ኪሓልፍ ይኽእል’ዩ። ካብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ስለ ዘይኰንናን ዓለም ኣዝያ ስለ እትጸልኣናን፡ ብብዙሕ ናይ ስጋ ስቓይ ከተሕልፈና ትኽእል’ያ። ምሉእ ሓድሽ ኪዳን ከኣ ነዚ ሓቂ’ዚ’ዩ ዜረጋግጸልና። ጐይታና ባዕሉን ቅዱሳን ሃዋርያትን ቅዱሳን ኣቦታት ቤተ ክርስትያንን ሰማእታትን ናይ ስጋ ዕረፍቲ ኣይረኸቡን። ዋላ ግሁድ ናይ ስጋ ስቓይ እንተ ዘይወረደና’ኳ፡ በቲ ብዘይ ሓጢኣት ንምምልላስ እንገብሮ ዘየባትኽ ገድሊ፡ ስጋና ሰላምን ዕረፍትን ኣይረክብን’ዩ። ነቲ ብስጋ ዚወርደና መከራን ስቓይን ክንጻወሮ ዜኽእለና ድማ ኣብ ፍጹም ነፍሳዊ ዕረፍቲ ምህላውናን፡ ርጉጽ ዝዀነ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ተዳልዩልና ኸም ዘሎ ስለ እንፈልጥን’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ምድሪ ኸለና እንኣትዎ መንፈሳዊ ዕረፍትን፡ ብዛዕባ’ቲ ድሕሪ ትንሳኤ ሙታን እንኣትዎ ዘለኣለማዊ ዕረፍትን ኣዝዩ ረቂቕ ምስጢር ዝሓዘለ ዜለብምን ተስፋ ዜስንቕን ሓሳብ ገሊጹልና ኣሎ።
“እምብኣርሲ ናብ ዕረፍቱ ንምእታው ተስፋ ኻብ (ዚህልወና)፡ ምናልባሽ ሓደ ኻባኻትኩም ድሕሪት ተሪፉ ኸይህልው ንፍራህ። ....... “ከም’ቲ ብቝጥዓይ፡ ‘ናብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትውን’ዮም’ ኢለ ዝመሓልክዎ” ከም ዝበለ፡ ንሕና እንኣምንሲ ናብ ዕረፍቱ ንኣትው ኢና። ....... እምበኣርሲ ገለ ሰባት ዚኣትዉዋ (ዕረፍቲ) ተሪፋ ኣላ። እቶም ቅድም ብስራት (ናይ’ዛ ዕረፍቲ) እተነግሮም ድማ ብሰሪ ዘይምእዛዞም (ኣይኣተዉዋን)። .....እምብኣርሲ እቲ ናብ ዕረፍቱ (ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ) ዝኣተወስ፡ ከም’ቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዝዓረፈ፡ ንሱ’ውን ካብ ግብሩ ዓሪፉ ኣሎ’ሞ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት (ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ) ተነቢራትሎም ኣላ። ስለ’ዚ ሓደ’ኳ ናይ’ቲ ዘይምእዛዝ ኣርኣያ ወሲዱ ኸይወድቕ፡ ናብ’ታ ዕረፍቲ’ቲኣ ኽንኣትው ንጋደል።” እብ 4፡1,3,6,9-11
እምብኣር ብመሰረት’ዚ ሃዋርያዊ ቓል’ዚ፡ እቲ ገና ብህይወት እናሃለወ ድሮ ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ (ናብ ዘመን ዕረፍቲ) ዝኣተወ ሰብ፡ ዝዓበየት ዕረፍቲ ሰንበት (ዘለኣለማዊት ዕረፍቲ) ተዳልያን ተነቢራን ትጽበዮ ኣላ። ብዘይ ምእማንን ብዘይ ምእዛዝን ተዓንቂፉ ድሕሪት ከይተርፍ’ሞ፡ ናብ’ዛ ዕረፍቲ ሰንበት ከይኣተወ ኸይተርፍ ኣዝዩ ኺጥንቀቕ ይግባእ። ምኽንያቱ ናይ’ታ ሰማያዊትን ዘለኣለማዊትን ዕረፍቲ ኽብሪ ኣዝዩ ፍሉይን መግለጺ ኣልቦን’ዩ።
“ድሕርዚ ድማ ርአኹ፡ እንሆ፡ ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተኣከቡ፡ ሓደ’ኳ ኪቘጽሮም ዘይክእል ብዙሓት ሰባት፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም፡ ጨነፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም፡ ኣብ ቅድሚ’ቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ’ቲ ገንሸልን ደው ኢሎም ረኣኹ’ሞ፡ .....ካብ’ቶም ሽማግሌታት ሓደ ድማ፡ “እዞም ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑስ እንታዎት’ዮም፧ ካበይከ መጹ፧” ኢሉ (ሓተተኒ)። ኣነ’ውን፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ትፈልጥ፡” በልክዎ። ንሱ ኸኣ፡ ‘እዚኣቶም ካብ’ቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝመጹ’ዮም፡ ንኽዳውንቶም ከኣ ብደም እቲ ገንሸል ሓጺቦም ኣጻዕደዉ፡ ስለ’ዚ ኣብ ቅድሚ’ቲ ዝፋን ኣምላኽ’ዮም፡ ኣብ’ታ መቕደሱ’ውን ለይትን መዓልትን የገልግልዎ አለዉ። እቲ ኣብ’ቲ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኸኣ ንድንኳኑ ኣብ ልዕሊኦም ኪተኽሎ’ዩ። እቲ ኣብ ማእከል ዝፋን ዘሎ ገንሸል ስለ ዚጓስዮም፡ ናብ ዔላታት ማይ ህይወት ከኣ ስለ ዚመርሖም፡ ኣምላኽ’ውን ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ዘበለ ኺደርዘሎም’ዩ’ሞ፡ ደጊምሲ ኣይኪጠምዩን ኣይኪጸምኡን’ዮም፡ ጸሓይን ሃሩርን ድማ ከቶ ኣይኪረኽቦምን’ዩ፡’ በለኒ። .......... ካብ ሰማይ ከኣ፡ “ጽሓፍ፡ “እቶም ካብ ሕጂ ብጐይታ ዚሞቱ ምዉታት ብጹኣን’ዮም። እወ፡ ግብሮም ኪስዕቦም’ዩ’ሞ፡ ካብ ጻዕሮም ኪዓርፉ’ዮም፡” ይብል መንፈስ፡ ዚብለኒ ድምጺ ሰማዕኩ። ........... “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ’ዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ’ዩ’ሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊም’ውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን’ዩ፡” ኪብል ከሎ ሰማዕኩ”።” ራእ 7፡9,13-17 ፣ 14፡13 ፣ 21፡4
ብኣንጻሩ እቶም ብእምነትን ብንስሓን ብምእዛዝን ኣብ’ዛ ምድሪ ኸለዉ ናብ ዘመን ዕረፍቲ (ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ) ንኸይኣትዉ ዝሓንገዱ ግና፡ ድሕሪ ትንሳኤ ሙታን ዚጽበዮም ስቓይ፡ “ጽሕፍቶና ኣይግበሮ፡ እግዚአብሔር ይባልሃና” ዜብል’ዩ። ነቲ ኽቡር ዕድመ ነጺጎም ናብ ዘመን ዕረፍቲ ንዘይምእታው ንዕረፍቲ ኣምላኽ ስለ ዝተጸየፍዋ፡ ንሓንቲ ኻልኢት’ኳ ዕረፍቲ ብዘይብሉ ዘለኣለማዊ ስቓይ ኪሳቐዩ ኺነብሩ’ዮም። እዚ ቓል’ዚ፡ ንምፍርራህ ዝዓለመ ናይ ራዕዲ ድርሰት ዘይኰነስ፡ ባዕሉ’ቲ ፈራዲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገለጾ ሓቂ’ዩ።
“ድሕሪ’ዚ ኣብ ጸጋሙ ንዘለዉ ይብሎም፡ “ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሓቑ፡ ናብ’ቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ (ኪዱ)።......... እዚኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ፡ ጻድቃን ግና ናብ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ’ዮም።” ማቴ 25፡41,46
“ንሱ ድማ ካብ’ቲ ኣብ ጽዋእ ቍጥዓኡ ብዘይምሕዋስ እተቐድሐ ወይኒ መዓት ኣምላኽ ኪሰትይ’ዩ፡ ኣብ ቅድሚ ቅዱሳት መላእኽትን ኣብ ቅድሚ’ቲ ገንሸልን ከኣ ብሓውን ብዲንን ኪስቀይ’ዩ። ትኪ ስቓዮም’ውን ንዘለኣለም ኣለም ይወጽእ፡ እቶም ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ዚሰግዱ ዘለዉ፡ ሓደ ኸኣ ማሕተም ስሙ እንተ ተቐበለ፡ ለይትን መዓልትን ዕረፍቲ የብሎምን።” ራእ 14፡10,11
ነዚ ፍልጠት ሓቂ’ዚ ድሕሪ ምርካብና፡ ምርጫና እንታይ ከም ዚኸውን ዜጠራጥር ኣይኰነን። ንጊዜኡ ብሓጢኣት ክትጻወትን ባህ ኪብለካን ኢልካ፡ ካብ’ቲ ኣምላኽ ነቶም ዚእዘዝዎ ዘዳለዎ ዕረፍትን ክብርን ምትራፍ፡ ንገዛእ ርእስኻ ድማ ዕረፍትን መለሳን ንዘይርከቦ ዘለኣለማዊ ስቓይ ኣሕሊፍካ ምሃብ፡ ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረን ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎን ሰብ ዚመርጾ ኣይኰነን። ስለ’ዚ ኢና ክርስቶስ ንሓጢኣትና ደምሲሱ ኣባና ኺሓድርን ናብ’ቲ ዕረፍቱ ድማ ኼእትወና፡ ብንስሓ መገድና ኣቕኒዕና ናብኡ ኽንምለስ ዚግብኣና። ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኣብ’ታ ዕረፍቱ እንተ ነበርና፡ ነቲ ዘለኣለማዊ ኽብርን ዕረፍትን ብቑዓት ክንከውንን ክንውንኖን ኢና’ሞ፡ ሕጂ ኣብ ዕረፍቱ ምህላውና ነረጋግጽ!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ታሕሳስ 9, 2015 ግዕዝ (19 ታሕሳስ 2022 ፈ [መበል 15 ሰንበት: ቊ.፳፪/22, 2022] |
||
ምስባክ መዝ.143(144)፡7-8 “ፈኑ እዴከ እምአርያም። አድኅነኒ ወባልሐኒ እማይ ብዙኅ።ወእምእዴሆሙ ለደቂቀ ነኪር።” “ኣእዳውካ ኻብ ላዕሊ ዘርግሕ፡ ካብ ብርቱዕ ማያት፡ ካብ ኢድ ውሉድ ጓና ኣናግፈኒ። ካብ’ቶም ኣፎም ጥልመት ዚዛረብ፡ የማነይቲ ኢዶም ከኣ የማነይቲ ሓሶት ዝዀነት ባልሃኒ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
እብ 1፡1-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
2ጴጥ 1፡19-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 3፡19-ፍጻመ |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 1፡38-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘእግዚእነ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ