“ኣምላኽ ሰላም ግና ነቲ ብናይ ዘለኣለም ደም ኪዳን ዓብዪ ጓሳ ኣባጊዕ፡ (ዝዀነ) ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ምዉታት (ኣተንስኦ)። (ኣምላኽ ሰላም) ብኢየሱስ ክርስቶስ (ገይሩ) ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብሎ ኣባኻትኩም እናገበረ ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ፡ ፍቓዱ ኽትገብሩ የብቅዕኩም። ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንእኡ ኽብሪ ይኹኖ። ኣሜን።” እብ 13፡20-21።
እዚ ዘለናዮ ሰንበት’ዚ፡ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ (2015 ዓ.ም.ግ) መበል 17 ሰንበት ኪኸውን ከሎ፡ ናይ’ዚ ብጾም ተጸሚድናሉ ዘለና ጾመ ነብያት ድማ ሻድሻይ ሰንበት’ዩ። ጾመ ነብያት ካብ እንጅምር፡ እንሆ ሎሚ መበል 38 መዓልትና’ዩ። ነዘን ተሪፈናና ዘለዋ ሒደት መዓልታት ብረድኤቱ ብዓወት ኣፈጺሙ፡ ናብ በዓለ ልደቱ ኼብቅዓና ኸኣ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና። ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ታሕሳስ 21 ክሳዕ ታሕሳስ 27 ዘሎ ቕንያት፡ “ኖላዊ” ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። “ኖላዊ” ናይ ግእዝ ቃል ኰይኑ፡ ትርጕሙ “ጓሳ፡” ማለት’ዩ። “ኖላዊ” ዚበሃል ዘሎ ድማ፡ እቲ ንድሕነትና ኺብል ነዚ ድኹም ስጋና ዝለበሰ እግዚአብሔር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ጓሳና ኸም ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ብልሳኑ ኣብ’ዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ነጊሩና ኣሎ። ቅድሚ ብስጋ ምግላጹ ብቕዱሳን ነብያቱ፡ ድሕሪ ዕርገቱ ድማ ብቕዱሳን ሃዋርያቱ ገይሩ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ብኣጽንዖትን ደጋጊሙን ኣረጋጊጹልና’ዩ።
ኣብ’ዚ ናይ ኖላዊ ሰንበት፡ ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ናይ መዝሙር ሊቃውንቲ ዚዝምርዎ መዝሙር “ኖላዊ ዘመጽአ” ዚብል’ዩ። ነዚ መዝሙር’ዚ መሰረት ብምግባር ዝተሰርዑ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ድማ፡ ጕስነት ናይ ጐይታና ዜረጋግጹን ዚገልጹን ንባባት’ዮም። ኣብ’ቲ ናይ ዮሃ 10፡1-21 ንባብ፡ ጐይታና ብዛዕባ’ቲ ባዕሉ ዚፍጽሞ ጕስነቱ ብስፍሓትን ብንጹርነትን ገሊጹ ኣሎ። ነተን ኣባጊዑ በብስመን ከም ዚፈልጠን፡ ኬውፍረን ከሎ በብስመን እናጸውዐ ኸም ዜውፍረን፡ ኬውፍረን ከሎ ንሱ ቐቅድሚአን ከም ዚኸይድ ኣብሪሁልና ኣሎ። ሕያዋይ ጓሳ ምዃኑ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ናይ’ቲ ዚዕቈባሉ ደምበ ኣፍ ደገ ባዕሉ ኸም ዝዀነ፡ እተን ብእኡ ዚኣትዋን ዚወጻን ጥራሕ ካብ’ቲ ኣራዊት ከም ዚድሕና’ውን ነጊሩና ኣሎ። ህይወት ምስ ተረፉ ኸም ዚህበን፡ ካብ ኢዱ ኺምንዝዐን ዚኽእል ዝዀነ ኣራዊትን ሰራቕን ከም ዘየልቦ’ውን ኣረጋጊጹልና’ዩ። ደሙ ብምፍሳስን ህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣባጊዑ ብምሕላፍን ዚጓስይ ጓሳ’ዩ።
“እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ’የ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ንህይወተይ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ። .....ንነፍሰይ ከኣ በጃ’ተን ኣባጊዕ አሕልፋ። ......ኣነ ንነፍሰይ በጃ (ኣባጊዐይ) ከሕልፋ መሊሰ’ውን ክወስዳ’የ’ሞ፡ ስለ’ዚ ኣቦ የፍቅረኒ’ዩ። ባዕለይ’የ በጃ ዘሕልፋ’ምበር፡ ካባይ ዚወስዳስ የልቦን። በጃ ኸሕልፋ ስልጣን ኣሎኒ፡ መሊሰ ኽወስዳ’ውን ስልጣን ኣሎኒ።” ዮሃ 10፡11,15,17,18
ነፍሱ በጃ ብምሕላፍ ዜድሕነንን ዚጓስየንን ምዃኑ፡ ብዛዕባ ሳልሳይ መግለጺ መንነቱ ዜረጋግጸልና’ዩ። ጓሳን ኣፍደገን ጥራሕ ዘይኰነ ገንሸል ምዃኑ’ውን ብንጹር ተነጊሩና’ዩ። ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ፡ ጐይታና ንኺጥመቕ ናብኡ ገጹ ኺመጽእ ምስ ረኣዮ፡ “እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ” ብምባል መስኪሩሉ ኣሎ (ዮሃ 1፡29,36) ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን፡ “እቲ ገንሸል ፋሲካና (ዝዀነ) ክርስቶስ ተሰዊኡ’ዩ” ብምባል ገንሸልነቱ ኣበሰረና (1ቈረ 5፡7)። ቅዱስ ጴጥሮስ ከኣ “ብኽቡር ደም ናይ’ቲ ኣበርን ርኽሰትን ዘይብሉ ገንሸል ከም ዝደሓንና’ዩ ዘረጋገጸልና (1ጴጥ 1፡18,19)። ቅዱስ ዮሃንስ ኣብ’ቲ ዝረኣዮ ሰፊሕ ራእይ፡ “ተሓሪዱ ዝነበረ ዚመስል ገንሸል፡ ደም ናይ’ቲ ገንሸል፡ መዝሙር ናይ’ቲ ገንሸል፡ መርዓት ናይ’ቲ ገንሸል፡ መጽሓፍ ህይወት ናይ’ቲ ገንሸል፡ መርዓ ናይ’ቲ ገንሸል” እናበለ፡ ሓለፋ ዅላቶም ሃዋርያት ናይ ጐይታና ገንሸልነት ኣብሪሁ ኣርእዩና’ዩ (ራእ 5፡6፣ 7፡16,17፣ 12፡11፣ 14፡1,4፣ 15፡4፣ 17፡14፣ 19፡7,9፡21፡9,23,27)። ስለ’ዚ ከም ገንሸል በጃና ሓሊፉ ብደሙ ይጓስየና፡ ከም ጓሳ ይኣልየና ይናብየና፡ ከም ቀጽርን ኣፍ ደገን ኰይኑ ይሕልወና። እዚ ብደሙ ዚጓስይ ዓብዪ ጓሳ’ምበኣር ብኸም’ዚ’ዩ ዚናብየና። ንክርስትና ኻብ ካልእ ኵሉ እምነታት ዝተፈልየ ዚገብሮ፡ እዚ ፍሉይ ጕስነት’ዚ’ዩ። “ኖላዊ፡ ጓሳ፡ ሓላዊ” ዚብል ሰሙንን ሰንበትን ዝተሰርዓልና ኸኣ፡ ነዚ ረቂቕ ጕስነት’ዚ ኣጸቢቕና ኸነስተውዕሎ፡ ኣብ ትሕቲ’ዚ ጕስነት’ዚ ኣጽሊልናን ተዓቝብናን ምህላውና፡ ካብ’ተን ኣባጊዕ ናይ’ዚ ዓብዪ ጓሳ ዲና ወይስ ካብ’ተን ኣጣል ናይ’ቲ ብሞት ዚጓስይ ጨካን ኣራዊት ዝዀነ ዲያብሎስ ምዃንና ንኸነረጋግጽ’ዩ።
ቅዱስ ጴጥሮስ’ውን፡ ነዚ ብደም ናይ ዘለኣለማዊ ኪዳን ዚግበር ዓብዪ ጕስነት ዚድርዕ መለኮታዊ ምስጢር ገሊጹልና ኣሎ።
“ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕንጸይቲ ጾሮ፡ ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም። ከም እተባረራ ኣባጊዕ (ጠፊእኩም) ኔርኩም ኢኹም’ሞ፡ ሕጅ ግና ናብ’ቲ ጓሳኹምን ሓላው ነፍሳትኩምን ተመሊስኩም ኣለኹም።” 1ጴጥ 2፡24,25።
“ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም” ማለት “ብደሙ” ማለት’ዩ። ኣብ’ቲ ሓጢኣትና ዝጾረሉ ናይ ዕንጸይቲ መሰቀል ኪሰቕልዎ ኸለዉ’ዩ ዝቘሰለን ዝደመየን። ሕማምና፡ ንጽድቂ ምዉታት ንሓጢኣት ግን ህያዋን ኴንና ምንባርና’ዩ። ነቲ ቐታሊ ሕማምና፡ ንሓጢኣት ኣብ ዝባኑ ምስ ጾሮ ግና ምርጫና ጽድቂ ጥራሕ ኰይኑ ተረፈ። ናብ’ቲ ጓሳና ኽንምለስ ዘኽኣለና ኸኣ፡ እቲ ኻብኡ ዜዀብልለና ሕማምና ስለ ዝረሓቐልና’ዩ። ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ ዜሕልፍ ጓሳ፡ ብሓቂ ኣዝዩ ዓብይን ፍሉይን ጓሳ’ዩ።
እቲ ነዚ ዕለት’ዚ ዝተሰርዓልና ናይ መዝ 80፡1 ምስባክ’ውን፡ ነዚ ዓብዪ ጕስነት’ዚ ዚገልጽ ትንቢታዊ መዝሙር’ዩ። እቲ እግዚአብሔር ኣቦ በዚ ሓደን ቅዱስን ወዱ ኣብ ህዝቢ እስራኤል ዘርኣዮ ናይ ብሉይ ኪዳን ጕስነት፡ ናይ’ቲ ብኣካለ ስጋ ተገሊጹ፡ ብደሙ ኣብ ዘቘሞ ሓድሽ ኪዳን ዚገብሮ ጕስነት፡ ግብራዊ ትንቢት’ዩ ዝነበረ። ነፍሲ ወከፍ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝተፈጸመ መስዋእቲ፡ ግብራዊ ትንቢት ናይ’ቲ ክርስቶስ ጐይታና ብደሙ ዚፍጽሞ ዓብዪ ጕስነት’ዩ። እቲ ኣብ ናይ መዝ 80፡1 ምስባክና ተጠቒሱን ተገሊጹን ዘሎ መለኮታዊ ጕስነት፡ ብእኡ ብእግዚአብሔር ወልድ፡ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዝተፈጸመ ጕስነት ምዃኑ ክንስሕቶ ኣይግባእን’ዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ እግዚአብሔር ኣቦ ኺገብሮ ዚደልይ ኵሉ ግብርታት፡ በቲ ሓደ ወዱ ብእግዚአብሔር ወልድ ኸም ዝገበሮ፡ ብዘይ ብእኡ ዝተገብረ ዝዀነ ይኹን ተግባር ከም ዘየለ ቓል እግዚአብሔር ኣረጋግጹልና’ዩ (ቈሎ 1፡16,17፣ እብ 1፡2)።
“ብእኡ (ብወልድ) ኵሉ ዀነ፡ ካብ’ቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን።” 1፡3።
“ንሕናስ ኵሉ ካብኡ ዚኸውን፡ ንሕና’ውን ንእኡ እንኸውን ሓደ ኣምላኽ ጥራይ ኣቦ ኣሎና። ኵሉ ብእኡ ዚኸውን፡ ንሕና ኸኣ ብእኡ እንኸውን፡ ሓደ ጐይታ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሎና።” 1ቈረ 8፡6
በዚ ዝተጠቕሰ ቃለ እግዚአብሔር መሰረት፡ ኵሉ ካብ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ጀሚሩ ዝተገብረ መለኮታዊ ተግባራት፡ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕ’ዩ ተፈጺሙ። እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝተገብረ መስተንክር ጕስነት እስራኤላውያን፡ ብእግዚአብሔር ወልድ፡ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ ተፈጺሙ። እቲ ብኣካለ ስጋ ኣብ ማእከልና ተገሊጹ ብደሙ ዝፈጸሞ ቤዛዊ ጕስነት’ውን ብእኡ’ዩ ተፈጺሙ። ፍልልዩ እቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ጕስነት መለኮት ጥራሕ ከሎ ዝፈጸሞ፡ እቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ጕስነቱ ግን ብምስጢረ ተዋህዶ ስጋ ዝለበሰ መለኮት (ስግው መለኮት) ኰይኑ ብደሙ ዝፈጸሞ ጕስነት ምዃኑ ጥራሕ’ዩ።
ምስጢር ናይ’ዚ ብደም ዚፍጸም ጕስነት እንታይ’ዩ፧ ብኸመይ’ዩ ብደሙ ዚጓስየና፧ እዚ ብምስጢረ ተዋህዶ ዝተፈጸመ ረቂቕ መለኮታዊ ምስጢር’ዚ፡ ይትረፍ ነዚ ስጋ-ለበስ ፍጡር ዝዀነ ዘርኢ ሰብ፡ ነቶም ረቂቕ ኣእምሮ ዝተዓደሉ ቅዱሳን መላእኽቲ’ኳ ኣዝዩ ዜስተንክር ድንቅን መንክርን ምስጢር’ዩ። እዘን ንሕና እንውንነን በሃማት ኣባጊዕ ብበትሪ’የን ዚጓሰያ። ብበትሪ ዘይምከት ኣራዊት ኣብ ዘለዎ ኸባቢ ድማ፡ ከም ብዓል ቅዱስ ዳዊት፡ ብሰይፍን ብኻልእ ዕጥቅታትን ይጓስዩ ይዀኑ። ኣብ ጕስነት ኣባጊዕ፡ እቲ በትሪ ዀነ ኻልእ ዕጥቂ፡ ነቲ ጸላኢ ንኸተጥቅዓሉ’ምበር፡ ከም’ዚ ናይ ዓድና ሕሱም ጕስነት፡ ሕቘን መሓውርን ናይ’ተን ኣባጊዕ ክትሰብረሉ እትዕጠቖ ኣይኰነን።
ብኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዚፍጸም ጕስነት ግን መንፈሳዊ ጕስነት ስለ ዝዀነ፡ ብኣሰራርሓኡ ዀነ ብባህርዩ ኻብ’ቲ ናይ እንስሳ ጕስነት ኣዝዩ ዝተፈልየ’ዩ። ሰብኣዊ ተመክሮ ይኹን ቃል እግዚአብሔር ከም ዚገልጾ፡ ናይ ጕስነት ተልእኾን ናይ ጓሳ ተግባርን ክልተ’የን። እቲ ሕያዋይ ጓሳን ሓለቓ ጓሶትን ዝዀነ ጐይታና፡ ንርእሰ ሃዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ብእኡ ገይሩ ኸኣ ንዅላቶም ጓሶት ቤተ ክርስትያን ተልእኾ ጕስነትን ጓሳነትን ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።
1. ኣባጊዐይ ኣብልዕ
2. ኣባጊዐይ ሓልው- ዮሃ 21፡15-17
ጐይታና እዚ ትእዛዝ’ዚ ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዀይኖም ዚጓስዩ ጓሶት ቅድሚ ምሃቡ፡ ነቲ ጕስነት ባዕሉ ብግብሪ ፈጺሙ ኣርእዩና’ዩ። ብኸመይ፧
1. ምስጢረ ተዋህዶ (ምስጢረ ስጋዌ) ብምፍጻም፦
ጐይታና ፍጹም ሰብ ኰይኑ ዝተወልደሉ ምስጢር፡ ናይ’ቲ ብደሙ ዚፍጽሞ ጕስነት ቀዳማይ ስጕምቲ’ዩ። ምኽንያቱ ብደሙ ኺጓስየና እንተ ዀይኑ፡ ንመለኮት ደም ስለ ዘይብሉ፡ ስጋ ዝለበሰን ደም ዘለዎን ኣካል ኪኸውን ናይ ግድን’ዩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ንእስራኤላውያን ብደም እንስሳታት’ዩ ጓስይዎም። እንተ ዀነ ደም እንስሳታት ጊዜያዊ ዕርቅን ምሕረትን ጥራሕ’ምበር፡ ዘለኣለማዊ ስርየት ኬውሕስ ዚኽእል ኣይነበረን (እብ 10፡1-4,11፣ 9፡6-10,28)። ስለ’ዚ ናይ’ዚ ጸገም’ዚ እንኮ ፍታሕ፡ እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ፡ ሓንትን ዘለኣለማዊትን ህያውን መስዋእቲ ኪኸውን ናይ ግድን ኰነ። ነዛ ምስጢር’ዚኣ ኺፍጽም ዚኽእል ድማ፡ ፍጹም መለኮት ዝዀነ ኣካል ጥራሕ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ኣካል ቅድስት ስላሴ ዝዀነ እግዚአብሔር ወልድ፡ ብምስጢረ ስጋዌ ፍጹም ሰብ ኪኸውን ተገብኦ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ ምስጢር’ዚ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።
“እቲ ዅሉ ምእንትኡ ኵሉ’ውን ብእኡ ዝተፈጥረ (እግዚአብሔር ኣቦ)፡ ንብዙሓት ውሉድ ናብ ክብሪ ምእንቲ ኼእትዎም፡ ነቲ ናይ ድሕነቶም መራሒ (ዝዀነ ክርስቶስ)፡ ብስቓይ ፍጹም ኪገብሮ ተገብኦ። እቲ ዚቕድስ (ክርስቶስን) እቶም ዚቕደሱ (ሰባትን)፡ ካብ ሓደ መበቈል (ካብ ሓደ ስጋ)’ዮም። በዚ ምኽንያት’ዚ ኸኣ፡ “ስምካ ነሕዋተይ ክነግሮም’የ፡ .......” ስለ ዚብል፡ ‘ኣሕዋተይ’ ኢሉ ንምጽዋዖም ኣይሓፍርን’ዩ። .....እቶም ውሉድ፡ ስጋን ደምን ዝለበሱ ስለ ዝዀኑ፡ ኢየሱስ’ውን ከምኣቶም ሰብ ኰነ። እዚ ኸኣ ብሞቱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣን ዘለዎ ድያብሎስ ምእንቲ ኺስዕር፡ ነቶም ብናይ ሞት ፍርሃት ምሉእ ዕድሚኦም ባሮት ኰይኖም ዝነበሩ ኸኣ ሓራ ምእንቲ ኼውጽእ ኢሉ’ዩ። . . . ስለ’ዚ ርሕሩሕን እሙንን ንኣምላኽ ዜገልግል ሊቀ ካህናት ምእንቲ ኪኸውን፡ ንሓጢኣት ህዝቢ’ውን ስርየት ምእንቲ ኼውህብ (ምእንቲ ኼተዓርቕ) ነቶም ኣሕዋቱ ብዅሉ ኺመስሎም ተገብኦ።” እብ 2፡10-12,14-17
እቲ ፍጹም ኣምላኽ ዝዀነ ጐይታና፡ ስጋና ለቢሱ ፍጹም ሰብ ኪኸውን ዘድለየሉ ዕላማ፡ ብመስዋእቱን ብደሙን ኪጓስየና ምእንቲ ኪኽእል’ዩ። ምኽንያቱ ፍጹም ሰብ ከይኰነ፡ ደሙ ኼፍስሰልናን ብደሙ ኼድሕነናን ኣይክእልን’ዩ። ስለ’ዚ እዚ ኽንጽምብሎ እንጽበዮ ዘለና በዓል ልደት፡ ኣካል ናይ’ቲ ብክርስቶስ ዝተፈጸመ ግብሪ ጕስነት (ግብረ-ኖሎት) ምዃኑ ኸነስተውዕል ይግብኣና። ልደቱ፡ ኣካል ግብሪ ጕስነቱ ምዃኑ ኽንፈልጥ ይግባእ። ልደቱ፡ ኣካል ግብሪ ጕስነቱ ምዃኑ ምእንቲ ኼመልክተና ኸኣ፡ ብዛዕባ ልደቱ ብቐዳምነት ብስራት ዝተነግሮም፡ ኣብ መሮር (ኣብ በረኻ) ንዝሓደሩ ጓሶት ኰነ። ቅድስት ቤተ ክርስትያንና ነዚ ናይ ጾመ ነብያት ናይ መወዳእታ ሰሙን “ኖላዊ” (ሓላዊ፡ ጓሳ)” ኢላ ዝሰመየትሉ ምኽንያት፡ እቲ ብምስጢረ ስጋዌ ዝተፈጸመ ልደቱ፡ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግብሪ ጕስነትን ምስጢር ጕስነትን ምዃኑ ምእንቲ ኸነስተውዕልን ከነስተንትንን’ዩ።
2. ብሞቱን ትንሳኤኡን ዕርገቱን፦ ምስጢረ ተዋህዶ ዝተፈጸመ፡ ኣብ ክንዳና መስዋእቲ ዀይኑ ደሙ ምእንቲ ኼፍስሰልና’ዩ። ስለ’ዚ ጐይታና፡ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ኼብቅዕ፡ ደሙ ኣፍሲሱ እንተ ዘይሞተልና፡ ዋላ ሓደ ሰብ’ኳ ኺድሕን ኣይምኸኣለን ነይሩ። ምኽንያቱ፡ “ብዘይ ምፍሳስ ደም ሕድገት ሓጢኣት የልቦን፡” ተባሂሉ ብንጹር ተነጊሩና’ዩ (እብ 9፡22)። ንሓጢኣትና ደምሲሱ ዜንጽሃና፡ ደም ክርስቶስ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ሰብ ኰይኑ ኺውለድ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ምእንታና ደሙ ኣፍሲሱ ኺመውት ናይ ግድን ዝዀነ (እብ 9፡11-15 ፣ ሉቃ 7፡25)። ናይ ኵሉ ዘርኢ ኣዳም ዕዳ ሓጢኣት ኪኸፍል ዚኽእል ደምን ሞትን ናይ’ቲ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ዝዀነ ክርስቶስ ጥራሕ’ዩ (ዮሃ 3፡15,16፣ ሮሜ 5፡8፣ 1ዮሃ 4፡9)። እዚ ሓቂ’ዚ ትምህርቲ ናይ ቅዱሳን ሃዋርያትን፡ ጽኑዕ መሰረተ እምነት ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንናን’ዩ።
እንተ ዀነ ጐይታና ምእንታና ኽቡር ሞት ሞይቱ ኼብቅዕ፡ ካብ ሞት ከይተንስአ እንተ ዚተርፍ፡ ዋላ ሓደ ሰብ’ኳ ኺድሕን ኣይምኸኣለን ነይሩ። እተን ኣብ ዘመን ብሉይ ኪዳን ዚስውኣ ዝነበራ ብሚልዮናት ዚቝጸራ እንስሳታት፡ ካብ ሞት ስለ ዘይትንስኣ “ምዉት መስዋእቲ” ዀይነን ስለ ዚተርፋ’ዩ ፍጹም ድሕነት ኪርከብ ዘይተኻእለ። በብዝተሰውኣኦ መጠን ሞይተን ይተርፋ ስለ ዝነበራ፡ እቲ ህዝብን እቶም ካህናትን መዓልቲ መጸ ከየዕረፉ ኺስውኡ ይግደዱ ነበሩ (እብ 10፡1-4,11)። ጐይታና’ውን ሞይቱ እንተ ዚተርፍ፡ ኬድሕነና ኣይምኸኣለን፡ ንሕና’ውን ካልእ መስዋእቲ ኽንጽበይ ምነበርና ኔርና። ሳላ ዝተንስአ ግና፡ ዘይከም’ተን እተሰውኣ እንስሳታት፡ “ህያው መስዋእቲ” ኰነ። ስለ’ዚ ኸኣ እታ መስዋእቱ ሓንሳእን ንሓዋሩን እትኸውን ዘለኣለማዊት ስለ ዝዀነት፡ ካልኣይ ጊዜ ኺስዋእ ኣየድለዮን (እብ 7፡27፣9፡12,25-28፣ 10፡11,12፣ 1ጴጥ 3፡18)። እምበኣር ትንሳኤኡ’ውን ነቲ መስዋእቱ ህያውነትን ዘለኣለማውነት ዘልበሰ፡ ኣዝዩ ዓብዪ ግብሪ ጕስነት’ዩ።
ሕጂ’ውን ግብሪ ጕስነቱ ብትንሳኤ ጥራሕ ኣይዛዘምን’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ዝፈሰሰ ደም ምእንታና ዝተኸፍለ ደኣ ይኹን’ምበር፡ እቲ ተኸፋሊ ኣካል ግን እቲ ኣብ ሰማያዊት መቕደስ ኣብ ዝፋን ክብሩ ተቐሚጡ ዘሎ እግዚአብሔር ኣቦ’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ምእንታና ዝፈሰሰ ደም ናብ’ቲ ብፍትሓዊ ባህርዩ ተደሪኹ ሞት ቅዱስ ወዱ ዝፈረደ እግዚአብሔር ኣቦ ኺበጽሕ ናይ ግድን’ዩ። ብመሰረት’ቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ስርዓት፡ ነቲ ደም ናይ’ቲ ዝተሰውአ እንስሳ ሒዙ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ኣትዩ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዜቕርቦ እቲ ሊቀ ካህናት’ዩ። ንደም ክርስቶስ ሒዙ ናብ’ታ ሰማያዊት መቕደስ ዚኣትው ካልእ ሊቀ ካህናት ስለ ዘይነበረ፡ ርእሱ መስዋእቲ ገይሩ ዘቕረቦ ሊቀ ካህናት፡ ጐይታና ባዕሉ ነበረ። ስለ’ዚ ቅዱስን ፍጹምን ሊቀ ካህናት ኰይኑ ገዛእ ደሙ ሒዙ ናብ እግዚአብሔር ኣቦኡ ምእንቲ ኬቕርቦ፡ ብዕርገት ናብ ሰማያት ናብ የማን ኣቦ ኺድይብ ናይ ግድን ኰነ። ስለ’ዚ ዕርገቱ’ውን ኣካል ናይ’ቲ ብደሙ ዚፍጽሞ ግብሪ ጕስነቱ’ዩ። ስለ’ዚ’ዩ ኣብ ማእከል’ቶም ኣርባዕተ እንስሳን 24 ሽማግለታትን (ኣሕሉቕን) ተሓሪዱ ኸም ዝነበረ ዚመስል ገንሸል ኰይኑ ዝቘመ፡ በቲ ኽቡር ደሙ ዓዲጉ ድማ ናይ መንግስቱ ካህናት ዝገበረና (ራእ 5፡6፣ 1፡4-6)።
እሞ እዚ ኣብ ጐይታና ዝተፈጸመ ኻብ ልደቱ ኽሳዕ ዕርገቱ ዘሎ ፍጻመታት፡ ብኸመይ’ዩ ብደሙ ዚጓስየና፧ ብልደቱ ኺመውት ዚኽእል ስጋና ስለ ዝለበሰ፡ በቲ ዝለበሶ ስጋን ደምን ምእንታና ስለ ዝሞተልና፡ እቲ ብጥንሱን ብልደቱን ዝተፈጸመ ምስጢረ ተዋህዶ፡ ቀዳማይ ተግባር ናይ’ቲ ብደሙ ዝፈጸሞ ጕስነት’ዩ። ብደሙ ዋጋ ሓጢኣትና ስለ ዝኸፈለን፡ ንኣና ኻብ ሓጢኣትን ተሓታትነቱን ሓራ ስለ ዝገበረናን፡ ዓብይ ጕስነታዊ ተግባር’ዩ። ጐይታና ነዚ ተግባሩ’ዚ፡
“ኣነ ሕያዋይ ጓሳ’የ፡ ሕያዋይ ጓሳ ንህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ፧”
ብምባል እቲ ህይወቱ በጃ ምሕላፉ፡ ኣካል ናይ’ቲ ብሕያውነት ዚልለይ ጕስነቱ ምዃኑ ብልሳኑ ገሊጹልና’ዩ (ዮሃ 10፡11)። ብትንሳኤኡ ህያው መስዋእቲ ብምዃን ብዘይትድገም ሓንትን ዘለኣለማዊትን መስዋእቱ ዘለኣለማዊ ድሕነት ኣጐናጸፈና። ብማዕርግ መልከጸዴቅ ናይ ዘለኣለም ሊቀ ካህናት ስለ ዝዀነ ድማ፡ ደሙ ሒዙ ናብ ሰማያት ብምዕራግን በቲ ደሙ ሒዙ ብምቕራብ ዝፈጸሞ ቤዛዊ ማልዶቱ (Expiatory Intercession) ሕድገት ሓጢኣት ብምርካብ ድሕነት ጸገወና (ሮሜ 8፡31-34 ፣ ኤፌ 1፡19-21 ፣ 2፡1-7 ፣ ቈሎ 1፡20-23 ፣ 1ጢሞ 2፡5,6፣ እብ 7፡25 ፣8፡6፣ 9፡15 ፣ 10፡19,20 ፣ 1ዮሃ 2፡1,2)። ብደሙ ድማ ናብ እግዚአብሔር ኣቦኡ እንቐርበሉ ዕድልን ኣፍደገን ኰነልና (ኤፌ 2፡12,13,15-18፣ ቈሎ 1፡20-23፣ እብ 4፡14-16፣ 10፡19,20፣ 1ጴጥ 3፡18)። ምኽንያቱ ብክርስቶስ ኣቢሉ ዘይመጸ ናብ ኣቦ ኪቐርብን ኪበጽሕን ኣይክእልን’ዩ (ዮሃ 14፡6፣ 10፡1,9፣ እብ 7፡25)።
እተን ናይ ሓደ ጓሳ ድርብ ተልእኾታት ብኸመይ’የን ብደሙ ተፈጺመን፧ ነታ ነባጊዕካ ናይ ምምጋብ ናይ ሕያዋይ ጓሳ ሓላፍነቱ፡ ንርእሱ ዚብላዕ እንጌራ ህይወት ኰይኑ ብምቕራብ’ዩ ዝፈጸሞ። ኣይሁድ፡ ከም’ቲ ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ኣቦታቶም ዚብላዕ ደልዮም ንኣምላኽ ዝፈተንዎ፡ ሕጂ’ውን ንሳቶም “ነቲ እንጌራ’ቲ ዅሉ ሳዕ ሃበና” ኢሎም ምስ ፈተንዎ፦
“እንጌራ ህይወት ኣነ’የ፡ ናባይ ዚመጽእ ኣይጠምይን፡ ብኣይ ዚኣምን’ውን ከቶ ኣይጸምእን’ዩ። . . . እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነ’የ፡ ካብ’ዚ እንጌራ’ዚ ዝበልዐ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብር’ዩ። እዚ ኣነ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ’ዩ። . . . ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፡ ደሙ’ውን እንተ ዘይሰተኹምሲ፡ ህይወት ከም ዘይብልኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ስጋይ ዚበልዕ ደመይ’ውን ዚሰትይ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ። . . . ስጋይ ብልዒ ሓቂ’ዩ፡ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ’ዩ። እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይ’ውን ዚሰትይ፡ ኣባይ ይነብር፡ ኣነ’ውን ኣብኡ (እነብር)።”
ብምባል መለሰሎም (ዮሃ 6፡35,51,53-56)። ስለ’ዚ ከም ጓሳ-እንስሳ ነባጊዑ ኻልእ ነገር ዚምግብ ዘይኰነስ፡ ከም ጓሳ ነፍሳትና ገዛእ ስጋኡን ደሙን ብምምጋብ ዚጓስይ ፍሉይን ዓብይን ጓሳ’ዩ። ነቲ ኣብ መስቀል ምእንታና ዝቘረሶ ስጋኡን ምእንታና ዘፍስሶ ደሙን፡ ዚምግበና፡ በቲ ባዕሉ ብኣካል ዝሰርዖ ምስጢረ ቍርባን’ዩ (ማቴ 26፡26-30፣ 1ቈረ 11፡23-30)። ስለ’ዚ እቲ ኣማኒ ክርስትያን ክነሱ ኣብ ምስጢረ ቍርባን ዘይሳተፍ ሰብ፡ ካብ’ዚ ናይ ክርስቶስ መስተንክር ጕስነት ፈትዩ ዝዀብለለ ሰብ’ዩ። “ብደሙ ኣይጓሰይን” ኢልና ኽንኣብይን ክንሕሰሞን ከለና፡ “ዘለኣለማዊ ሞት’ምበር፡ ዘለኣለማዊ ህይወት ኣይደልን’የ” ንብል ከም ዘለና፡ በዚ ልዕል ኢልና ዘንበብናዮ ቓል ጐይታ ኣረጋጊጽና ኣለና። ኣብ’ቲ ኣርብዓ መዓልትን ለይትን እናጾመ ብድያብሎስ ዝተፈተነሉ እዋን’ውን፦
“ሰብ፡ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል’ምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን’ዩ።”
ብምባል ገሊጹ’ዩ (ማቴ 4፡4)። ነቲ ኻብ ኣፍ ኣምላኽ ዝወጸ ናይ ባህርይ ቃል’ዩ፡ “ቃል ስጋ ኰነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሓደረ” ዝተባህለሉ (ዮሃ 1፡14)። ስለ’ዚ ብኣካለ-ስጋ ምግላጹን ኣብ መስቀል ዝቘረሶ ስጋኡን ዘፍስሶ ደሙን ምግብና ኪኸውን ምሃቡን፡ ትግባረ ናይ’ቲ ነባጊዑ ናይ ምምጋብ ጕስነታዊ ተልእኾኡ ዜረጋግጸልና’ዩ።
እቲ ኻልኣይ ብደሙ ዝፈጸሞ ናይ ምሕላው ጕስነት ከኣ ኣብ ብሉይ ኪዳን ብግብራዊ ትንቢት ኣብ ሓድሽ ኪዳን’ውን ብግብራዊ ፍጻመ ዘረጋገጾ’ዩ። ካብ ባርነት ግብጺ ንእስራኤላውያን ሓራ ኸውጽኦም ከሎ በቲ ገንሸል ፋሲካ ካብ ቍጥዓ ኣምላኽ ብምሕላው’ዩ ዝጓሰዮም። እቲ ናብ ግብጺ ብእግዚአብሔር ዝተላእከ መልኣኽ ቍጥዓ ንግብጻውያንን እስራኤላውያንን ብዜግነቶም ኣይኰነን ዝፈላለዮም። ንደም ናይ’ቲ ገንሸል ኣብ ልዳት ናይ’ታ ዝተዓቝቡላ ቤት ከም ዚለኽዩ ብምግባር’ዮም ካብ’ቲ ጥፍኣት ናይ’ቲ ቝጥዓ ኣምላኽ ዝተሓለዉ (ዘጸ12፡1-5)። እቲ ብደም ናይ’ቲ ገንሸል ዝተገብረሎም ሓለዋ ኣብ ግብጺ ደኣ ይጀምር’ምበር፡ ኣብ ጕዕዞ ምድረ በዳ ዀነ፡ ነታ ምድሪ ተስፋ ንኸንኣን ምስ ወረሱ’ውን ኣየቋረጸን፡ ሕጊ ዘለኣለም ኰይኑ ደኣ ቐጸለ (ዘጸ 12፡17,24)። ሕጊ ኣይሁድ፡ ዘለኣለማዊ ኣይነበረን። ቤት መቕደሶም ፈሪሱ ዅሉ ስርዓቶም ካብ ዜቛርጽ’ኳ እንሆ ኣስታት 2000 ዓመታት ኰይኑ ኣሎ። ፋሲካ ኣይሁድ ዘለኣለማዊ ዝዀነ ብፋሲካ ክርስቶስ’ዩ። እቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ፋሲካ፡ ናይ’ቲ ናይ ክርስቶስ ፋሲካ ጽላሎት ምዃኑ ቅዱሳን ሃዋርያት ገሊጾምልና’ዮም (1ቈረ 5፡7)።
ሕጂ’ውን ብምስጢረ ቍርባን ካብ ስጋኡን ደሙን ዘይንካፈል እንተ ዄንና፡ ካብ’ቲ ብደሙ ዚገብረልና ሓለዋን ጕስነትን ንዅብልል ስለ ዘለና፡ ካብ መጥቃዕቲ ሰይጣንን ካብ ቍጥዓ ኣምላኽን ክንሕለውን ክንድሕንን ኣይከኣልን’ዩ። ቅዱስ ዳዊት ናብ እግዚአብሔር ኣምላኹ፡ “. . . ጸላእተይ ርእዮም ኪሓፍሩስ፡ ምልክት ደሓን ግበረለይ” ኢሉ ኸም ዝጸለየ፡ ንኣና ኻብ ጸላእትና ዜድሕነና ምልክት-ደሓን፡ ደም ናይ’ቲ ቅዱስ ገንሸል ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ (መዝ 86፡17)። ብደሙ ኻብ ተሓታትነት ናይ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእና፡ እቲ መስሓትን ከሳስን ድያብሎስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪኸስሰና ኣይክእልን’ዩ። ብደሙ ዝተዓደገ ሰብ፡ ናይ መወዳእታ ምዕራፉ መንግስተ ሰማያት’ዩ። ሳላ ደም ናይ’ቲ ገንሸል ኵሉ ጊዜ ንሰይጣን ስለ እንስዕሮ፡ ብእኡ ተሳዒርና ድራር ገሃነም ኣይንኸውንን ኢና (ራእ 12፡11)።
ካብ ክስሲ ሰይጣን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ካብ’ቲ ብሰሪ ሓጢኣትና ኣብ ልዕሌና ኺወርድ ዚግብኦ ፍርድን ቍጥዓን ናይ ኣምላኽ’ውን ብደሙ ኢና እንድሕን። ጐይታና ሊቀ ካህናት ኰይኑ ገዛእ ደሙ ሒዙ ብዕርገት ናብ’ታ ሰማያዊት መቕደስ ኪኣትው ዘድለየ፡ ነታ መቕደስ ካብ ፍርዲ ኣንጺሁ ምሕረት ምእንቲ ኼውሕሰልና’ዩ፡ ቅዱስ ጳውሎስ፦
“እምበኣርሲ (እቲ) ምስሊ (ናይ’ቲ) ኣብ ሰማያት ዘሎ ነገር (ዝዀነ ምድራዊ ቤት መቕደስ)፡ በዚ (ደም እንስሳታት) ኪጸርይ፡ እቲ ሰማያዊ (መቕደስ) ንርእሱ ግና ካብ’ዚ (መስዋእቲ እንስሳታት) ብዝሓሸ መስዋእቲ (ክርስቶስ) ኪጸርይ ናይ ግዲ ነበረ። ክርስቶስ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪረኣየልና፡ ናብ’ታ ምስሊ ሓቂ (ዝዀነት) ናብ’ታ ብኢድ (ሰብ) እተገብረት (ምድራዊት) መቕደስ ኣይኰነን ዝኣተወ።”
ብምባል፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ኣብሪሁልና ኣሎ (እብ 9፡23,24)። እቲ ምድራዊ ኰነ ሰማያዊ ቅድስተ ቅዱሳን ሓጢኣት ስለ ዘይብሉ፡ እቲ ደም ሓጢኣት ንኼጽርይ ኣይኰነን ናብኡ ዚኣትው። እቲ ሓጢኣት ዝወለዶ ፍርድን ቍጥዓን ናይ ኣምላኽ ግን፡ ካብኡ ኻብ’ዚ ቤት መቕደስ’ዩ ዚወጽእ። ስለ’ዚ እቲ ደም ምስ ፈሰሰ ቅድም ናብ’ቲ ሓጥእ ሰብ ይንጸግ። እቲ ዝተረፈ ደም ከኣ በቲ ሊቀ ካህናት ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ኣትዩ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ይንጸግ፡ ብድሕሪ’ዚ’ዩ እቲ ቝጥዓ ብምሕረት ዚትካእ (እብ 9፡17፡22)። ስለ’ዚ እዚ ብደሙ ዚፍጸም ጕስነት ብኸም’ዚ’ዩ ኻብ ክስሲ ሰይጣንን ካብ ቍጥዓ ኣምላኽን እናሓለወ ዚጓስየና። ደም ክርስቶስን እቲ ብደሙ ዚጓስዮ ሰብን ዚራኸቡ ኸኣ ኣብ ምስጢረ ቍርባን’ዩ።
እምበኣር ኣብ ትሕቲ ጽላል ናይ’ዚ ብደሙ ዚፍጸም ጕስነት ከም ዘለና ነረጋግጽ። ነቲ ብደሙ ዝተሰርዓልና ናይ ጸጋ ምስጢራት ንካፈሎ፡ ብደሙ ተሓጺብና ካብ ሓጢኣትናን ካብ ቍጥዓ ኣምላኽን ንድሕን ምህላውና ርግጸኛታት ንኹን። ካብ’ዚ እግዚአብሔር ብሕያውነቱ ዝመኸረልና ናይ ደሙ ጕስነት ኣይንውጻእ። ካብ ጕስነት ናይ’ዚ ሕያዋይ ኖላዊ እንተ ዀበለልና፡ ዕጫና ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ስለ ዚኸውን፡ ኣብ ትሕቲ ጕስነቱ ነጽልል። ምኽንያቱ ኸም’ቲ ቅዱሳን ሃዋርያትን፡ ቅዱስ ኣቡነ ሽኖዳን ዝበልዎ፡ “ብዘይ ደም ክርስቶስ ድሕነት ዚበሃል የልቦን”(Salvation in the Orthodox Concept)
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ታሕሳስ 23, 2015 ግዕዝ (1 ጥር/ጥሪ 2023 ፈ [መበል 17 ሰንበት: ቊ.፳፭/25, 2023] |
||
ምስባክ መዝ.79(80)፡1 “ኖላዊሆሙ ለእስራኤል አጽምእ። ዘይርዕዮሙ ከመ አባግዐ ዮሴፍ። ዘይነብር ላዕለ ኪሩቤል አስተርአየ።” “ዎ ጓሳ እስራኤል፡ ጽን በል። ንዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሖ፡ ኣታ አብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ፣ በሪህካ ተገለጽ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
እብ 13፡16-ፍ |
ዲያቆን |
|
1ጴጥ 2፡21-ፍ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 15፡13-21 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 10፡1-21 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘእግዚእነ |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ