“ፍቕሪ ንኣምላኽ ትእዛዛቱ ኽንሕልው’ዩ’ሞ፡ ትእዛዛቱ’ውን ኣይከቢድን’ዩ።” 1ዮሃ 5፡3
ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ካብ በዓል ጥምቀት ጥሪ 11 ክሳዕ ዓብይ ጾም ዚጅምረሉ መዓልቲ ዘሎ ቕንያት “ዘመነ ጥምቀት ወአስተርእዮ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ብግእዝ “ኣስተርእዮ” ማለት ብትግርኛና “ግልጸት ወይ ምግላጽ” (Revelation) ማለት’ዩ። ዓብዪ ጾም (ጾመ’ርብዓ) ዚጅምረሉ ጊዜ ምስ ዚቕልጥፍ ወይ ምስ ዚድንጕይ፡ ዘመን ጥምቀትን ኣስተርእዮን ድማ ኪሓጽር ወይ ኪነውሕ ይኽእል’ዩ። እዚ ዘመን’ዚ እንተ ሓጸረ 20 መዓልታት እንተ ነውሐ ድማ 53 መዓልታት’ዩ ዚኸውን። እቲ ዝሓጸረ ካብ ጥሪ 11 ኽሳዕ ጥሪ 30 ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ዝነውሐ ድማ ካብ ጥሪ 11 ክሳዕ መጋቢት 3 ምስ ዚኸውን’ዩ። ዘመን ጥምቀትን ኣስተርእዮን ካብ 20 መዓልታት ኣይሓጽርን’ዩ (ኣይወርድ)፡ ካብ 53 መዓልታት ከኣ ኣይነውሕን’ዩ (ኣይዓርግ)። ንኣብነት ኣብ’ዚ ዘለናዮ ናይ ግእዝ 2015 ዓ.ም ዓብይ ጾም ለካቲት 13 ስለ ዚጅምር፡ ዘመነ ጥምቀት ወአስተርእዮ ካብ ጥሪ 11 ኽሳዕ ለካቲት 13 ዀይኑ ናይ 33 መዓልታት ዘመን’ዩ ዚኸውን። ኣብ 2016 ዓ.ም.ግ ኸኣ ዓብይ ጾም መጋቢት 2 ስለ ዚጅምር ዘመነ ጥምቀት ወአስተርእዮ ናይ 52 መዓልታት ዘመን ይኸውን ማለት’ዩ። እዚ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብመዓልታት ወኪላቶ ዘላ ዘመነ ኣስተርእዮ፡ ነቲ ጐይታና ወዲ 30 ዓመት ኰይኑ ተጠሚቑ ኣገልግሎቱ ዝጀመረላ ዕለት ኣትሒዙ ናይ’ዛ ምድሪ ኣገልግሎቱ ኽሳዕ ዚውድእ ዘሎ ናይ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዚኸውን ጊዜ ዚውክል’ዩ። ጐይታና ኢየሱስ ተጠሚቑ ኣገልግሎቱ ኽሳዕ ዚጅምር እቲ “ክርስቶስ ወይ (መሲሕ)” ንሱ ምዃኑ ንዓለም ኣይተራእያን ኣይተጋህደላን ነይሩ። ትምህርቲ ኺህብን ተኣምራት ኪፍጽምን ምስጢራት ኪሰርዕን ምስ ጀመረ ግና ክርስቶስነቱ ተጋህደ (ተስተርአየ)። ስለ’ዚ እቲ ዘመን ናይ ኣገልግሎቱ፡ ንእኡ “ዘመነ ኣስተርእዮኡ’ዩ”። እዚ ተሰሪዑልና ዘሎ ናይ ዘመነ ጥምቀት ወአስተርእዮ ቕንያት ድማ፡ ነቲ ንሱ ኣብ ዘመን ኣስተርእዮኡ ዝመሃሮን ዝገበሮን ኵሉ ክንዝክር፡ ከነስተንትን፡ ክንመሃር፡ ክንእዘዝን፡ ስለ’ቲ ዝገበሮን ዝመሃሮን ኵሉ ድማ እቲ ዚግብኦ ክብርን ምስጋናን ምእንቲ ኸነቕርበሉ’ዩ። እዚ ዕለት’ዚ ቐዳማይ ሰንበት ናይ’ቲ ኣቲናዮ ዘለና፡ “ዘመነ ጥምቀት ወአስተርእዮ” ምዃኑ’ዩ። ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ (ክሳዕ ለካቲት 12) ሓሙሽተ ናይ ዘመነ ኣስተርእዮ ሰናብቲ ኺህልዋና’የን። እግዚኣብሄር ዝተባረኸ ዘመን ይግበረልና።
ካብ’ቶም ነዚ ዕለት’ዚ ተሰሪዖምልና ዘለዉ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ሓደ ኸኣ፡ እዚ ዘንበብናዮ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ መልእኽቲ’ዩ። እዚ ቕዱስ ሃዋርያ ኣብ መልእኽቱ ኻብ ዝሃበና ሓያሎ ኣርእስትታት ከኣ፡ እዚ ቕድስቲ ቤተ ክርስቲያን ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስቲ ትምህርትና ኪኸውን ዝሓረየቶ ሃናጽን ኣራምን መሪሕ ጥቕሲ’ዩ። እዚ መሪሕ ጥቕሲ’ዚ ዝምድና ፍቕርን ተኣዝዞን ዜርእየና ሃዋርያዊ ብርሃን’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፡ እዚ ምስጢር’ዚ ኻብ ልሳን ናይ’ቲ ዜፍቅሮ ጐይታኡ ኺወጽእ ከሎ ብተደጋጋሚ ሰሚዑ’ዩ።
“እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሓልዉ። . . . እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ’ሞ ዚሕልዎ፡ ንሱ’ዩ ዜፍቅረኒ። . . . ዜፍቅረኒ እንተ’ሎ፡ ቃለይ ይሕልው’ዩ። . . . እቲ ዘየፍቅረኒ ግና ንቓለይ ኣይሕልዎን’ዩ።”
ዚብል ቃል-ህይወት እናተመገበ ዝተሃንጸ ሃዋርያ፡ ኣብ ክንዲ ጐይታኡ ዀይኑ ኣብ ዜገልግለሉ እዋን፡ “ፍቕሪ ንኣምላኽ ትእዛዛቱ ኽንሕልው’ዩ” ኢሉ ኼስተምህር ናይ ግድን’ዩ (ዮሃ 14፡15,21,23,24)። ምኽንያቱ ነዚ ሓቂ’ዚ ኸም ስብከት ዚፈልጦ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ባዕሉ ብግብሪ ዝፈጸሞን ዝተመከሮን’ዩ። “ምእዛዝ እምነት ኪተክል”፡ ጸጋን ሃዋርያነትን ዝተቐበለ ሰብ፡ ፍቕሩ ብምእዛዝ ኣብ ምግላጽ እንተ ዘይተዓዊቱ’ሞ፡ ሃዋርያ ኺስመይ ኣይበቅዕን’ዩ (ሮሜ 1፡5)።
እግዚአብሔር ግና ንምንታይ ንምእዛዝ ከም መግለጺ ናይ’ቲ ንእኡ ዘለና ፍቕሪ ጌርና ኽንጥቀመሉ መሪጹ፧ ካልእ ፍዅስ (ቅልል) ዝበለ መገዲ የለን ድዩ፧ ምኡዝ ቃላትን፡ ዉዕዉዕ ስምዒትን ድሙቕ መዝሙርን ጣቕዒትን ንምግላጽ ፍቕሪ ኣይብቑዓትን ድዮም፧ ደሓር ከኣ እግዚአብሔር ልብን ኰላሊትን ዚምርምር ኣምላኽ ከም ምዃኑ መጠን ብዘይ ዝዀነ ተወሳኺ መግለጽን መርኣያን ነቲ መጠን ፍቕርና ባዕሉ ኺዕቅኖን ኪመዝኖን ኣይምኸኣለንዶ፧ እዚ ሕቶታት’ዚ ብርግጽ ኣገዳሲ’ዩ። ግን ከኣ ክብሪ ትእዛዛቱን ረብሓ ምእዛዝን ትርጕም ሓቀኛ ፍቕርን ከም ዚግባእ ናይ ዘየስተውዓለ ሰብ ሕቶታት’ዩ።
ፍቕሪ፡ እታ ዝዓበየትን ዝኸበረትን መንፈሳዊት ባህርይን ግብርን’ያ። ዝዀነ መንነት፡ ዝዀነ ግብሪ፡ ዝዀነ ተኣምራት ዘይዳረጋ’ያ። ዝዀነ ኻልእ ግብርን ባህርይን፡ ናይ ኣምላኽ መግለጺ ዀይኑ ቐሪቡ ኣይፈልጥ’ዩ። “ኣምላኽ፡ ዕጉስ’ዩ” እምበር “ኣምላኽ፡ ትዕግስቲ’ዩ፡ ትሕትና’ዩ፡ ልግሲ’ዩ ወዘተ” ተባሂሉ ኣይፈልጥን’ዩ። ናይ ኣምላኽ መግለጺ ባህርይ ጥራሕ ዘይኰነትሲ መግለጺ መንነት’ውን ኰይና ዝቐረበት፡ ፍቕሪ ጥራይ’ያ።
“ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ’ሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን’ዩ። . . . ንሕና’ውን ነታ ኣምላኽ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን ኣለና። ኣምላኽ ፍቕሪ’ዩ፡ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብር፡ ኣምላኽ’ውን ኣብኡ ይነብር።” 1ዮሃ 4፡8,16
ፍቕሪ፡ ንኣምላኽ ባህርዩን መንነቱን ጥራይ ዘይኰነትሲ፡ ትእዛዙ’ውን’ያ። ስለ’ዚ ኸኣ ኵሉ ጊዜ ኸም ሓድሽ ትእዛዝ ገይሩ ንሓድሕድና ኽንፋቐር ወርትግ ይእዝዘና። ማዕረ ህላዌኡ ጥንታዊት ክነሳ፡ ከም ብሉይ ዘይኰነ ዅሉ ጊዜ ኸም ሓድሽ ትእዛዝ ገይሩ የቕርባ።
“ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከም’ቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ከምኡ ጌርኩም ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አለኹ።” ዮሃ 13፡34
“ኣቱም ፍቁራተየ፡ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረኩም ናይ ቀደም (ብሉይ) ትእዛዝ’ምበር፡ ሓድሽ ትእዛዝ ኣይኰነን ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ። እቲ ናይ ቀደም ትእዛዝ ከኣ እቲ ድሮ ዝሰማዕኩምዎ ቓል’ዩ። እንተ ዀነ እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ ትእዛዝ ሓድሽ’ዩ። ናይ’ዚ ትእዛዝ’ዚ (ሓቅነት) ድማ ኣባኻትኩም ኰነ ኣብ ክርስቶስ ተራእዩ’ዩ። ከመይ ጸልማት ሓሊፉ’ዩ፡ ብርሃን ሓቂ’ውን ድሮ የብርህ ኣሎ። “ኣብ ብርሃን ኣለኹ” ዚብል ንሓዉ ኸኣ ዚጸልእ፡ ገና ኣብ ጸልማት’ዩ ዘሎ። እቲ ንሓዉ ዜፍቅር ኣብ ብርሃን’ዩ ዚነብር። . . .” 1ዮሃ 2፡7-9 ካ.ት.
“ሕጂ ድማ እመቤተይ፡ ሓድሽ ዘይኰነስ፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረና ትእዛዝ’የ ዝጽሕፈልኪ ዘለኹ፡ ማለት ንሓድሕድና ኽንፋቐር እልምነኺ ኣለኹ።” 2ዮሃ 5
ነዛ ብሉይን ሓድሽን ትእዛዝ እትኸውን መስተንክር ትእዛዝ’ዚኣ፡ ዝዀነ ኻልእ ትእዛዝ ኣይዳረጋን’ዩ። ኵሉ ትእዛዛት ኣብኣ ዚሕቈፍን ዚጠቓለልን ዓባይ ትእዛዝ’ያ (ማቴ 22፡35-40፣ ሮሜ 13፡8-10፣ 1ቈረ 13፡4-7፣ ገላ 5፡14)። ዝዀነ ኻልእ ውህበትን ኣገልግሎትን ድማ ኣይዳረጋን’ዩ (1ቈረ 13፡1-3)። ብዘይ ፍቕሪ ዚግበር፡ ዝዀነ ይኹን ተግባር፡ ትርጕም ዘይብሉ ኸንቱ’ዩ። ንዅሉ ተግባርና ፍጹምን ምሉእን ከም ዚኸውን ብምግባር ናብ ፍጹምነት እተዕብየና፡ ንሳ ፍቕሪ’ያ። “ኵሉ ግብርኹም ብፍቕሪ ይገበር።” 1ቈረ 16፡14
“ኣብ ልዕሊ’ዚ ዅሉ’ውን (ኣብ ልዕሊ ምሕረት፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ዓቕሊ፡ ትዕግስቲ) ፍቕሪ፡ ማእሰር ፍጻሜ’ያ’ሞ፡ ልበስዋ (bond of perfection)።” ቈሎ 3፡14
ፍቕሪ ኽሳዕ ክንድ’ዚ ዓባይ ምዃና’ሞ፡ ንምንታይ’ዩ ትእዛዝ ኣምላኽ ብምሕላው ጥራሕ ክትግለጽ ዜድልያ፧ ንዅሉ ነገር በቲ ዚምጥኖን ዚበቕዖን ጌርካ ኢኻ እትገልጾን እተኽብሮን። ንመጠን ዕብየቱ ብዘይበቅዕ ነገርን ተግባርን ጌርካ ኽትገልጾ እንተ ፈቲንካ፡ ከተሕስሮን ከተዋርዶን’ምበር ከተኽብሮ ኣይትኽእልን ኢኻ። “ኣምላኽ ፍቕሪ’ዩ” ኽሳዕ ዚበሃል፡ ፍቕሪ ኽሳዕ ክንድ’ዚ ዓባይ ካብ ኰነት፡ ንዕብየታ ብዚምጥን ዓብይ ነገር ጌርካ ጥራሕ’ያ ኽትግለጽ እትኽእል ማለት’ዩ።፡ ብመለኮታዊ መለክዒ ድማ ንፍቕሪ ኺገልጽ ዚኽእል ዕብየትን ክብርን ዘለዎ፡ ሕግን ትእዛዝን ናይ ኣምላኽ ጥራሕ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ እግዚአብሔር በቲ ዘይምርምር ኣእምሮኡ፡ ፍቕሪ ብምሕላው ትእዛዛቱ ኽትግለጽ፡ ፍቕሪ ድማ መደምደምታ ዅሉ ሕግታትን ማእሰር (መጥመሪት) ናይ ኵሉ ፍጹምነትን ክትከውን መኸረን ኣዘዘን። ምኽንያት ናይ’ዚ ትእዛዛት ድማ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።
“እምበኣርሲ እቲ ሕጊ ቕዱስ’ዩ፡ እቲ ትእዛዝውን ቅዱስን ጻድቕን ሰናይን’ዩ።” ሮሜ 7፡12
እምበኣር ነዛ ናይ መለኮታዊ መንነት መግለጺት ዝዀነት ሰናይን ቅድስትን ፍቕሪ ኺገልጻ ዚኽእል፡ እዚ ቕዱስን ጻድቕን ሰናይን ዝዀነ ትእዛዝ ኣምላኽ ምዃኑ፡ ትንተና ዘየድልዮ ርዱእ ሓቂ’ዩ። ትእዛዛቱ ንዘይሓለወ ሰብ እግዚአብሔር ብዘለኣለማዊ ስቓይ ሕነ ዚፈድየሉ ምኽንያት ከኣ፡ በቲ ዘይምእዛዝ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘለዎ ኽቱር ጽልኢ ስለ ዘግሃደ’ዩ። ተኣዝዞ እቲ ዝበለጸ ናይ ፍቕሪ መግለጺ እንተ ዀይኑ፡ ዘይምእዛዝ ከኣ እቲ ዝኸፍአን ዝመረረን መግለጺ ናይ ጽልኢ’ዩ። ንሓደ ትእዛዝ ናይ ኣምላኽ ክንጥሕስ ከለና፡ ነታ ትእዛዝ ንበይና ዘይፈተናያን ዝጸላእናያን’ምበር፡ ብዓብዩ ንኣምላኽ ከም ዝጸላእናዮ ንገልጽ ምህላውና ስለ ዘይነስተውዕል፡ ናይ ህይወት ተልእኾና ዘይምእዛዝ ክሳዕ ዚመስል ክሳዕ ክንድ’ዚ ኣበላሽዩና ይርከብ።
ንትእዛዛቱ ዘይምእዛዝና ኽልተ ኸቢድን ኣሉታዉን መልእኽቲ’ዩ ዜመሓላልፍ። እቲ ቐዳማይ፡ ነቲ ቕዱስ ትእዛዝ ከም ሓደ ዜፈንፍን ርኹስ ከም ዝረኣናዮ ኼመልክት ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ነቲ ትእዛዛቱ ብምሕላው ፍቕርና ኽንገልጸሉ ዚደልይ፡ ንሓደ ወዱ በጃና ንሞት ኣሕሊፉ ብምሃብ ፍቕሩ ዝገለጸልና ፈቃር ኣምላኽ ዕዙዝ ጽልኢ ኸም ዘሎና ዜመልክት’ዩ።
ንተኣዝዞ ኸም መግለጺ ናይ’ቲ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ኸይንቕበሎን ከይንጥቀመሉን ዚዕንቅፈና ዘሎ እንታይ’ዩ፧ ናይ’ዚ ሕቶ’ዚ መልሲ እንታይ ምዃኑ፡ መሪሕ ጥቕስና ጽቡቕ ገይሩ ኣሚቱልና ኣሎ። ንሱ ኸኣ “ትእዛዝ ኣምላኽ ከቢድ’ዩ” ዚብል ካብ ሰይጣን ዝቐሰምናዮን ብድኻም ስጋና ዝተመኽነየን ዝምቡዕ ኣተሓሳስባና’ዩ። ንፍቕሪ ዘሎና ግምት ኣዝዩ ትሑት፡ ንኣምላኽ ዘለና ፍቕሪ’ውን እምብዛ ውሑድ ስለ ዝዀነ፡ ነዚ ውሑድ ፍቕሪ’ዚ ብምእዛዝ ክንገልጾ እምብዛ ዚበዝሖ ዀይኑ ይስምዓና። ስለ’ዚ እቲ ንምእዛዝ ኣኽቢድና ምርኣይናን ዘይምምራጽናን፡ እቲ ኣብ ልብና ንኣምላኽ ዘለና ፍቕሪ ኣዝዩ ውሑድ ምዃና የቃልዓና ኣሎ። እዚ ቕዱስ ሃዋርያ ኣረጋጊጹልና ኸም ዘሎ ግና፡ ትእዛዛቱ ኸቢድ ኣይኰነን። ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ነዚ ሓቂ’ዚ ኣረጋጊጹልና’ዩ።
“ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ’የ፡ ልበይ’ውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኲስ፡ ጾረይ’ውን ቀሊል’ዩ’ሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይ’ውን ተመሃሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።” ማቴ 11፡28-30
“ኣርዑተይን ጾረይን” ዚብሎ ዘሎ ነቲ ዚህበና ትእዛዝ’ዩ። እቲ ባዕሉ ዝፈጠረና፡ ዓቕምና ዝሰፈረልና፡ ፍጥረትና ኣጸቢቑ ዚፈልጥ ጐይታ፡ “ፈኲስን ቀሊልን” ኢሉ ንዝሃበና ትእዛዛት ኢና ንሕና “ኸቢድ’ዩ” እናበልና ነኽፍኦን ዘይናቱ ንህቦን ዘለና። ዘይዓቕምኻ ዚህበካን ዜሰክመካን’ኮ ኪጐድኣካ ዚደልይ ጸላኢ’ዩ’ምበር፡ ፈታዊ ኣይኰነን። እግዚአብሔር ንዅሉ ኸከም ዓቕምና ሰፊሩ ኸም ዚህበና ድማ ደጋጊሙ ገሊጹልና’ዩ።
“ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፡ ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፡ ነቲ ኻልኣይ ክልተ፡ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ (መክሊት) ሂብዎም ገሸ።” ማቴ 25፡15
“ሰብ ኪጾሮ ዘይክእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን’ዩ’ሞ፡ ምስ’ቲ ፈተናኹም ምጻሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም ኣሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሓድገኩምን’ዩ።” 1ቈረ 10፡13
“ንግብርኻ እፈልጦ’ለኹ። ዓቕምኻ ሒደት’ዩ፡ (ብዓቕምኻ) ንቓለይ ሓሊኻዮ ንስመይ’ውን ኣይከሓድካዮን’ሞ፡ እንሆ ሓደ’ኳ ኺዓጽዎ ዘይክእል ክፉት ደገ ሂበካ ኣለኹ።” ራእ 3፡8
ስለ’ዚ፡ ነዚ ኸም’ዚ ዝበለ ዅሉ ዚፈልጥ፡ ብሕያውነትን ብፍትሕን ዚጓስይ ኣምላኽ፡ ከም ሓደ ሕሱም ገዛኢ፡ ትእዛዝ ከም ዘኽበደልካ ጌርካ ምሕሳብን ምዝራብን፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ህልዊ ግብራዊ ሓጢኣትካ ኻልእ ሓጢኣት ምድራብ’ምበር ካልእ ኣይኰነን። ብግብርና ዝበደልናዮ ኸይኣክል ብልሳንና ድማ ንወቕዖን ንዋግኦን ኣለና ማለት’ዩ። ስለ ዘይደለናዮ’ምበር ስለ ዝኸበደና ኣይኰንናን ዘይንእዘዝ። እስራኤላውያን ብኸምኡ ድርብ በደል እናበደሉ፡ ምስ ኣሽገርዎ፡ ብነብዪ ኢሳይያስ ከም’ዚ ዚስዕብ በሎም።
“ነዒንቲ ኽብሩ ኬቘጥዕወን ኢሎምሲ፡ ልሳኖምን ግብሮምን ንእግዚአብሔር ስለ እተጻረረ፡ ኢየሩሳሌም ሰንከልከል ትብል፡ ይሁዳ ኸኣ ትወድቕ ኣላ። ....ኣብ ርእሶም ሕሰም የምጽኡ ኣለዉ’ሞ ወይለኣ ንነፍሶም።” ኢሳ 3፡8,9
ስለ’ዚ፡ ነቲ ኸም ዓቕምና ፈኲስን ቀሊልን ገይሩ ዝሃበና ትእዛዝ፡ “ከቢድ’ዩ” ምባል ንእግዚአብሔር ብልሳንካ ምጽራር’ዩ። ብኸም’ዚ ዝበለ ልሳናዊ ተጻርሮ ላሕ ምስ ኣበልዎ፡ ብነብዪ ኤርምያስ ገይሩ’ውን ኣጠንቂቕዎም’ዩ። ነቲ ብነብያት ዚወሃቦም ቃል-ትእዛዝ፡ “ጾር” እናበሉ ይጽውዕዎ ነበሩ። እግዚአብሔር ከኣ ነዚ ናይ ላግጺ ነቐፌታዊ ኣበሃህላኦም ኪጾሮ ኣይከኣለን። ስለ’ዚ ኸም’ዚ ዚስዕብ ኢሉ ኣጠንቀቖም።
“እዚ ህዝቢ’ዚ ወይ ነብዪ ወይ ካህን፡ “ጾር እግዚአብሔር እንታይ’ዩ፧” ኢሎም እንተ ሓተቱኻ፡ “ኣየናይ ጾር’ሞ፧” ኢልካ ምለሰሎም። “ኣነ ኽድርብየኩም’የ፡” ይብል እግዚአብሔር። ነቲ፡ “ጾር እግዚአብሔር” ዚብል ነብይን ካህንን ህዝብን፡ ነዚ ሰብኣይ’ዝን ንቤቱን ክቐጽዖም‘የ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ፡ “እግዚአብሔር እንታይ ኢሉ’ዩ ዝመለሰ፧ እግዚአብሔርሲ እንታይ’ዩ እተዛረበ፧” ደኣ በሉ። ንቓል ህያው ኣምላኽ....ስለ ዝጠወኹምዎ፡ ንነፍሲ ወከፍ (እቲ እተዛረቦ) ቓሉ ጾሩ ኪዀኖ’ዩ’ሞ፡ ድሕርዚ “ጾር እግዚአብሔር” ኣይትበሉ። ....ግናኸ “ጾር እግዚአብሔር” እንተ በልኩም፡ ...ከይትብሉ ልኢኸ ነጊረኩም ክነሰይ፡ እዛ “ጾር እግዚአብሔር” እትብል ቃል ካብ እተውስኡ፡ ስለ’ዚ እንሆ ብጥራስ ክርስዓኩም፡ ካብ ገጸይ ኣርሒቐ ኽድርብየኩም’የ። ናይ ዘለኣለም ነውርን ዘይርሳዕ ናይ ዘለኣለም ሓፍረትን ኸውርደልኩም’የ።” ኤር 23፡33-40
ንሕና’ውን “ከቢድ’ዩ” ኽንብል ከለና፡ ምጻሩ ዘይምሽእ ከቢድ ጾር ምዃኑ ኢና ንዛረብ ዘለና። እዚ ኸኣ ንቓል ናይ’ቲ ልዑል ኣምላኽ ምጥዋይን ዘይመልክዑን ዘይባህርዩን ሂብካ ምክፋእን’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ንቤት እስራኤል ዘስክሐ ፍርዲ ንኣና’ውን ኣይኪንሕፈናን’ዩ። ንሕና ነቲ ቓል ክንእዘዞ’ምበር ካልእ ዝተዋህበና ሓላፍነት የልቦን። ስለ’ዚ እንተ ኸኣልና ንእዘዞ፡ እንተ ዘይከኣልና ኸኣ “ነቲ ርትዓዊ ቓልካ ዚኸውን ዓቕሚ ስኢነ’ሞ ዓቕሚ ሃበንን ዓቕሚ ኵነንን” ኢልና ነቲ ሕያዋይን ዜኽእልን ኣምላኽ ንልምን’ምበር፡ ንቓሉ “ከቢድ” ኢልና ኽንጠውይን ከነኽፍእን፡ ከቶ ዘየርብሓና እኩይ ሕርያ’ዩ።
ትእዛዝ እግዚአብሔር ከቢድ እንተ ዘይኰይኑ ደኣ፡ ንምንታይ’ዩ ኸቢድ ኰይኑ ዚስምዓናን ናይ ብሓቂ ኸኣ ዚኸብደናን፧ ብዘይ ቃል ዓለም፡ ገሊኣቶም ትእዛዛት ይኸብዱና’ዮም። ንኣብነት “ንጸላኢኻ ኣፍቅር፡ ኣኽቢዱ ንዝበደለካ ይቕረ በል፡ ንዚረግመካ መርቕ” ዚብሉ ትእዛዛት ቀለልቲ ኣይኰኑን። ኣሽንኳይ ክንእዘዞም ከኣ ነዛ ኽንዝክሮም’ኳ ዜፍርሁና’ዮም። ግና ብሓቂዶ እዞም ትእዛዛት’ዚኣቶም ከበድቲ’ዮም፧ ወይስ ካልእ ነገር’ዩ ዚኸብደና፧ እቲ ዘይከቢድ ትእዛዝ ከቢድ ኰይኑ ኺስምዓና ዚገብሩና ክልተ ጸገማት ኣለዉና።
1. ሓጢኣት፦ እቲ ቐዳማይ ንሓሳብናን ናይ ምምዛን ዓቕምናን፡ ዜጋግዮ ዘሎ ሓጢኣት’ዩ። ሓጢኣት ኣዝዩ ኸቢድ’ዩ። ንስጋን ነፍስን መንፈስን ዜድክም ሕማም’ዩ። ኣብ ርእሲ ኸቢድ ጾር፡ ዋላ ዝፈዀሰት ንእሽቶ ጾር እንተ ወሰኽካ ኣዝዩ ኪኸብደካ ባህርያዊ’ዩ። ኣቦታትና’ውን፡ “ንገመልሲ ሓንቲ ዕንጸይቲ ትሰብራ” (The last straw that breaks the camel’s back) ይብሉ’ዮም። ነዛ ኸባቢ ኽልተ ዅንታል ክትጸውር እትኽእል ገመል፡ ንበይና ሓንቲ ዕንጸይቲ ኽትሰብራ ኣይትኽእልን’ያ። ኣብ ርእሲ’ቲ ተጻዒናቶ ዘላ ኸቢድ ጾር፡ ሓንቲ ዕንጸይቲ እንተ ደረብካላ ግን ሕቘኣ ዓጠቕ ኣቢላ ኽትሰብራ ትኽእል’ያ። ንሕና’ውን ገና’ቲ ሰፍ ዘይብል ጾር ሓጢኣት ኣብ ዝባንና እናሃለወ ነቲ ፈኲስ ትእዛዝ ጐይታ ኽንጾሮ እንተ ፈተንና’ሞ እንተ ኸበደና ኣየገርምን’ዩ። ዜገርምሲ ነቲ ናይ ሓጢኣት ክብደት፡ ንትእዛዝ ኣምላኽ ከነልግበሉ እንተ ፈተናንና ጥራሕ’ዩ። ብጽልእን ቂምታን ልቡ ንዘሕረረ ሰብ፡ “ምሕረት ግበር፡ ይቕረ በል፡ ኣፍቅር” እንተ በልካዮ፡ ዓሰርተ ዅንታል ከም ዘጸዓንካዮ ኣዝዩ ኪኸብዶ ባህርያዊ’ዩ። እቲ ትእዛዝ ግና መደረብታ ናይ’ቲ ሓጢኣት ኪኸውን ዘይኰነስ፡ ነቲ ሓጥእ ጽዕነት ገልቢጡ መተካእታ ኪኸውን’ዩ ዝመጸ። ንሕና ግና ናብ ክልተ ወገን ክንሕንክስ፡ ንኽልተ ጐይተት ክንግዛእ እንደልይ፡ ሰብ ክልተ ልቢ ስለ ዝዀንና፡ ነቲ ሓጢኣት ከይደርበና ነቲ ትእዛዝ’ውን ክንጾሮ ስለ እንደልይ ኣዝዩ ይኸብደና። እቲ ሓጥእ ኣተሓሳስባና ስለ ዚገዝኣና ድማ ንኽብደት ናይ’ቲ ሓጢኣት ነቲ ዕረፍቲ ዚህብ ትእዛዝ ነልግበሉ። እዚ ኸኣ ኣብ ልብና ፍርሃት ኣምላኽ ዘይኰነስ ፍርሃት-ሰይጣን ይገዝእ ከም ዘሎ የቃልዓና ማለት’ዩ። ከም’ዛ ንዘጕሃያ ሰብኣያ ኽትወቅዕ ስለ ዘይከኣለት ንውላዳ እትወቅዕ ሰበይቲ ንኸውን ማለት’ዩ። ሓጢኣት፡ ከቢድ ጾር ምዃኑ ቅዱስ ዳዊት፦
“በደለይ ንርእሰይ ተዓዛዚርዎ፡ ከም ከቢድ ጾር ኣዝዩ ይኸብደኒ ኣሎ፡ .....ልበይ ትርግ ትርግ ይብል፡ ሓይለይ ይጠልመኒ ኣሎ፡ ብርሃን ኣዒንተይ ጠፊኡኒ’ዩ።
“ህይወተይ ብጓሂ፡ ዓመታታይ ብእህህታ ተወዲኡ፡ ሓይለይ ብኣበሳይ ላሕሊሑ፡ ኣዕጽምተይ’ውን ማህሚኑ’ዩ።”
ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (መዝ 38፡3,4,10፣ 31፡10)። ጐይታና’ውን “ኣቱም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን” ኢሉ ኺጽውዓና ኸሎስ፡ ነቲ ናይ ሓጢኣት ጾርን ክብደትን ኣመልኪቱ ይዛረብ ኸም ዘሎ ርዱእ’ዩ። ናይ ብሓቂ ንቓል እግዚአብሔር ከም ዜዕርፍ ጸጋ’ምበር፡ ከም ከቢድ ጾር ወይ መሰናኽል ከይንርእዮ ንደልይ እንተ ዄንና፡ ነቲ ናይ ሓጢኣት ጾር ብንስሓ ኻብ ልዕሌና ደርቢና፡ ነቲ ዜዕርፍ ጾርን ኣርዑትን ናይ ጐይታ ዝዀነ ትእዛዛቱ ጥራሕ ንሰከም።
2. ድኻምና፦ እቲ ትእዛዛት ኣምላኽ ከቢድ ከም ዝዀነ ገይሩ ዜደናግረና ኻልኣይ ጠንቂ ድማ ድኻምና’ዩ። ንድኹም ሰብ ካልእ ጾር ከይሃብካዮ’ውን ገዛእ ሰብነቱ’ዩ ጾር ኰይኑ ዚኸብዶ። ንኸም’ዚ ዝበለ ሕሱም ድኻም ኣሕሊፉ ዝሃበና ድማ ሓጢኣት’ዩ። ስለ’ዚ ብዘይ ረድኤት ኣምላኽ ዝዀነ ነገር ክንጾረሉ እንኽእል ዓቕሚ የብልናን። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ምሉእ ብምሉእ ኣብ እግዚአብሔር ምውካል ኣዝዩ ኣገዳሲ ዚኸውን። እቲ ኣብ ገዛእ ዓቕሙ ዚውከል፡ ኵሉ ጊዜ ናይ ውድቀት ታሪኽ ኪሰርሕ ጥራሕ’ዩ ዚነብር (መዝ 20፡7,8፣ ኤር 17፡5-8፣ 2ዜና 16፡1-9)። ጐይታ ድማ፡ “ብጀካይ ሓንቲ’ኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም”’ዩ ዝበለና (ዮሃ 15፡5)። ክእለትና ኻብ ኣምላኽ ጥራሕ’ዩ፡ ከኣልቲ ዚገብረና ንሱ ጥራሕ’ዩ (2ቈረ 3፡4-6)። ስጕምትና ባዕላትና ንበይንና ዄንና ኸነቕንዕ ንኽእል እንተ ንኸውን፡ ረዳእን ምድሓንን ኣይመድለየናን ነይሩ (ኤር 10፡23)። ብኢዱ እናመርሐ፡ ብጸጋኡ እናደገፈ፡ ንድኹም ሓይሊ እናሃበ፡ ንስኑፍ ብርታዐ እናወሰኸ ዓዲ ዜእትወና ንሱ’ዩ (መዝ 94፡18፣ ኢሳ 40፡29-31)። ኵላቶም ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ብናታቶም ሓይልን ዓቕምን ከም ዘይተዓወቱ፡ ነቲ ዝገበርዎን ዝዀንዎን ኵሉ ሳላ ጸጋዊ ረድኤት ናይ ኣምላኽ ከም ዝገበርዎ እናተኣመኑ ኣርኣያ ዀይኖምና’ዮም (1ቈረ 15፡9,10፣ 1ጢሞ 1፡12)። ስለ’ዚ ብሰሪ ድኻምና ምእዛዝ ዓቐብ እንተ ዀነና፡ “ኣነ’ድኹም ስለ ዝዀንኩ” ኢልና ርእስና ንንቀፍ’ምበር፡ “ትእዛዛቱ ኸቢድ ስለ ዝዀነ’ዩ” ኢልና ነቲ ንጹህ እግዚአብሔር ኣይንወንጅል። ድኻምና ኽንእመን ስለ ዘሎና ጥራሕ ደኣ ኸምኡ ንበል’ምበር፡ ንሓጢኣትና ከም ምኽንያት ጌርና ኽንጥቀመሉ ኣይግባእን ኣይቅቡልን ከኣ’ዩ። ምኽንያቱ ኻብ ድኻምና ኣዝዩ ዚዓብይ፡ ዜኽእል ጸጋ ተዳልዩልናን ተዓዲሉናን ኣሎ። ኣብ ሓጢኣት እንወድቕ ብሰሪ ድኻምና ጥራሕ ዘይኰነስ ነቲ ዜኽእል ጸጋ ኣምላኽ ክንጥቀመሉ ስለ ዘይደለና’ዩ።
እምበኣር ምልስ ኢልና ህይወትና ንመርምር፡ “ትእዛዝ ኣምላኽ ከቢድ’ዩ” ኢልና ንእግዚአብሔር ዘካፋእናሉ ንቓሉ ዝጠወናሉ መዓልታትናን ኣበሳናን ንዘክር። ብሓቀኛ ንስሓ ርእስና ነሕውይ ድሕሪ ሕጂ ድማ ካብ’ቲ ንትእዛዛት ኣምላኽ ከም ከቢድ ጌርካ ናይ ምሕሳብን ምዝራብን ዓመጸኛ ተግባር ርእስና ነንጽህ። ንእግዚአብሔር ብተኣዝዞና ነኽብሮ’ምበር ብልሳንናን ብግብናን ኣይንጻረሮ። ከምኡ እንተ ገበርና፡ ትእዛዙ ጾር ዘይኰነስ ጸጋን ሓጐስን ክብረትን ኪዀነልና’ዩ’ሞ፡ ነቲ ዜሕሽና ደኣ ንምረጽ።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ጥር 14, 2015 ግዕዝ (22 ጥር/ጥሪ 2023 ፈ [መበል 20 ሰንበት: ቊ.፳፰/28, 2023] |
||
ምስባክ መዝ.83(84)፡ 6-7 “እስመ መምህረ ሕግ ይሁብ በረከተ። ወየሐውር አምኃይል ውስተ ኃይል። ወያስተርኢ አምላከ አማልክት በጽዮን።” “ብለሰ ብኽያት ኪሓልፉ ኸለዉ፡ ዓይኒ ማያት ይገብርዎ፡ ዝናም አዝመራ’ውን ብበረኸት ይኸድኖ። ካብ ሓይሊ ናብ ሓይሊ ይኸዱ፡ ኣብ ጽዮን አብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቘሙ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
እብ 2፡1-11 |
ዲያቆን |
|
1ዮሃ 5፡1-13 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 10፡30-39 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 2፡1-11 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘዲዮስቆሮስ ወይ ዘ፫፻ት |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ