“ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ።” ዮሓ 6፡54።
ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ካብቲ ናይ ጐይታና ዝረቐቐን ዝኸበደን፡ ግን ከኣ ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘለዎ ትምህርቲ ዝተዋህበሉ ናይ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ ዝተወስደ’ዩ። እዚ ንሎሚ ኸነንብቦን ክንመሃረሉን ዝተመደበ ኽፍሊ፡ ናይዚ ምዕራፍ፡ ዚበዝሕ ክፋሉ ብዛዕባ’ቲ ነዚ ኣስተምህሮ’ዚ ዝሃብዎ መልሰ ግብሪ ዚገልጽ’ዩ። ኣብ ሕይወት ወሳኒ ተራ ዚህልዎ ድማ ዓይነት ናይቲ ትምህርቲ ጥራሕ ዘይኰነስ ዓይነት ናይቲ ንእኡ ዝተዋህበ መልሰ ግብሪ’ውን’ዩ። ሕይወት ዚህብ መልእኽቲ፡ ብሰሪ መልሰ-ግብሪ ናይቲ ሰማዒ፡ ሞት ኪወልድ ይኽእል’ዩ። መጽሓፍ ቅዱስና ነቲ ትምህርቲ ጥራሕ ዘይኰነስ ነቲ መልሰ ግብሪ’ውን ዝጸሓፈሉ ምኽንያትን ናይ መልሰ ግብርና ግደ ምእንቲ ኽንፈልጦን ከነስተውዕሎን ኢሉ’ዩ።
“ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፡ ‘ጐይታይ፡ ጠፋእና፡ ኣድሕነና’፡ እናበሉ ኣተንስእዎ። ንሱ ኸኣ፡ ‘ኣቱም ጕዱላት እምነት! ከመይከ እትፈርሁ፧’ በሎም። ሽዑ ተንሲኡ ንንፋስን ንባሕርን ገንሖም። ዓብዪ ህድኣት ከኣ ዀነ።” ማቴ 8፡26።
“ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲ’ውን ካብ ምዉታት ኪትንስእ፡ ብስሙ ኸኣ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚሩ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ኪስበኽ፡ ጽሑፍ’ዩ።” ሉቃ 24፡46,47።
“ንስኻ በጽሒ ኸለኻ፡ ባዕልኻ ተዓጢቕካ፡ ናብ ዝደለኻዮ ትኸይድ ኔርካ። ምስ ኣረግካ ግና፡ ኣእዳውካ ኸም እተልዕል’ሞ፡ ካልእ ከም ዜዕጥቐካ ናብ ዘይደለኻዮ’ውን ከም ዚወስደካ፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ”፡ በሎ።” ዮሃ 21፡18።
“ኢየሱስ ከኣ፡ “ነቲ መርበብ ናብ የማን ጃልባ ኣቢልኩም ደርብይዎ’ሞ፡ ክትረኽቡ ኢኹም” በሎም። ሽዑ ደርበይዎ’ሞ ካብ ብዝሒ’ቲ ዓሳ እተላዕለ ምስሓቡ ሰኣኑ። እቲ ኢየሱስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር ከኣ፡ ንጴጥሮስ፡ ‘ጐይታና’ምበር’ዩ’ በሎ።” ዮሃ 21፡6,7።
“እዚ ኢላ ንድሕሪኣ ግልጽ በለት እሞ ንኢየሱስ ደው ኢሉ ረኣየቶ። ኢየሱስ ምዃኑ ግና ኣይፈለጠትን። ኢየሱስ ከኣ፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብክየኪ ኣሎ፧ ንመንከ ትደልዪ አሎኺ፧” በላ። ንሳ ኸኣ ሓላው ኣታኽልቲ መሲልዋ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ኣልዒልካዮ እንተ ዄንካስ፡ ኣነ ኽወስዶ፡ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ ንገረኒ፡ በለቶ።” ዮሃ 20፡14,15።
እዚ ሳምናይ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርብዓ ሆሳእና ተባሂሉ ይጽዋዕ። ነቲ ጐይታና ብኽብሪ ናብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ዝተፈጸመ ታሪኽ፡ መንፈሳዊ ትርጉሙን መልእኽቱን እንሓስበሉ ግዜ ድማ እዩ።
“ኒቆዲሞስ ከኣ፡ “እዚ ደኣ ከመይ ኢሉ ኪኸውን ይከኣል፧” ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ድማ መሊሱ በሎ፡ ‘ንስኻ መምህር እስራኤል ኢኻ፡ እዚዶ ኣይትፈልጥን፧ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፡ እንፈልጦ ንዛረብ፡ ዝረኣናዮ’ውን ንምስክር ኣለና፡ ነቲ ምስክርና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም። . . .” ዮሃ 3፡9-11።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ