“ኢየሱስ ብዘመን ንጉስ ሄሮዶስ ኣብ ቤተልሄም ናይ ይሁዳ ምስ ተወልደ፡ እንሆ፡ ሰብ ጥበብ፡ “እቲ እተወለደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ፧ ኰዀቡ ኣብ ምብራቕ ርኢና’ሞ፡ ክንሰግደሉ መጺእና፡” እናበሉ ኻብ ምብራቕ ናብ ኢየሩሳሌም መጹ።” ማቴ 2፡1,2
ንዅላትና ርሑስ በዓል በዓል ልደት ይግበረልና። እግዚአብሔር ነዚ ኽቡር ናይ ጾመ ነብያት ቅንያት ብዓወት ኣስጊሩ ነዚ ዓብዪ በዓል’ዚ ኸነኽብር፡ ብልደቱ ዝገበረልና ምሕረትን ሕያውነትን ከነስተንትን፡ ብልደቱ ዝሃበና ዕዙዝ ናይ ትሕትና ኣርኣያ ኸነቕልበሎን ክንስዕቦን ብጥዕናን ብህይወትን ስለ ዝዓቘረና፡ እቲ ቅዱስን ክቡርን ስሙ ይመስገን። ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ሰንበት ከም ዝተመሃርናዮ፡ ጐይታና ስጋና ለቢሱ፡ ሰብ ኰይኑ ዝተወልደ፡ በቲ ኣብኡ ዝተፈጸመ ምስጢረ ተዋህዶ’ዩ። እቲ ናይ ባህርይ ኣምላኽ፡ እግዚአብሔር ወልድ፡ ብስራሕ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስን ብሓይሊ እግዚአብሔር ኣቦን፡ ኣብ ማህጸን ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ስጋ ለቢሱ፡ ምስ’ቲ ዝለበሶ ስጋ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ብምዃን፡ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ዝዀነሉ ምስጢረ ተዋህዶ’ዩ፡ ነዚ በዓለ ልደት ክዉን ዝገበረ። ንሕና ኸኣ ነዚ ብቕድስት ስላሴ ዝተፈጸመ ተዋህዶ ኢና እምነትናን ሃይማኖትናን ጌርናዮ ዘለና። ስለ’ዚ ብኻልእ ኣዘራርባ ንበዓለ ልደት “ሃይማኖትና ዝተወልደሉን ዝቘመሉን ዕለት’ዩ” ክንብል ንኽእል ኢና ማለት’ዩ። ኵላቶም ኣብ ክርስቶስን ብክርስቶስን ዝተፈጸሙ ፍጻመታትን ምስጢራትን፡ መሰረቶም እዚ ብልደት ዝተጋህደ “ቃል ስጋ ኰነ” ዝተባህለሉ ናይ ተዋህዶ ምስጢር’ዩ። ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተመሃርናዮ “ብደሙ ዚናብይ ጓሳ” ዘርእስቱ ትምህርቲ፡ ጐይታ ከማና ሰብ ኰይኑ ዝተወልደ፡ ሞትና ሞይቱ፡ በቲ ዘፍሰሶ ቅዱስን ክቡርን ደሙ ምእንቲ ኺጓስየና ምዃኑ ፈሊጥና ኣለና። ስለ’ዚ ነዚ ኽቡር በዓል’ዚ ብብልዕን መስተን፡ ብወርቅን ጨርቅን ኣብዒልና ኸነሕስሮ ዘይኰነስ፡ ነቲ ዓብይን ረቂቕን መንፈሳዊ መልእኽቱ ኣስተውዒልና፡ ንኣምላኽ ብዜሐጕሶ መንፈሳዊ ኣገባብ ከነብዕሎ’ዩ ዚግባእ።
ሎሚ ለይቲ ሊቃውንትና ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝዘመርዎ መዝሙር- ሰንበት፡ “ይሠርቅ ኮከብ” ዚብል’ዩ። “ይሠርቅ” ዚብል ናይ ግእዝ ቃል ብትግርኛ “ይወጽእ” ማለት’ዩ። እዚ መዝሙር’ዚ፡ ኣብ’ቲ ብነብዪ በልዓም ዝተነግረ ትንቢት መሰረት ብምግባር፡ ብቕዱስ ያሬድ ዝተደርሰ መዝሙር’ዩ።
“እርእዮ ኣለኹ፡ ሕጂ ደኣ’ይኰነን፡ እጥምቶ ኣለኹ፡ ግናኸ ቀረባ ‘ይኰነን፡ ካብ ያእቆብ ኰዀብ ይወጽእ፡ ካብ እስራኤል ከኣ በትሪ መንግስቲ ትትንስእ፡ .......ካብ ያእቆብ ገዛኢ ኺወጽእ’ዩ።” ዘሁ 24፡17-19
ኰዀብ፡ ሰማያውን ብርሃናውን ፍጥረት’ዩ። ስጋ ለበሰ ፍጡር ኰይኑ ብ ብኰዀብ ኪምሰል ዚኽእል ሰብ፡ ብዘይካ ክርስቶስ፡ ካልእ የልቦን። ካብ’ቲ ምድራዊ ያእቆብ ዚውለድ ግን ከኣ ብሰማያዊ ኰዀብ ዚምሰልን ዚግለጽን ሰብ፡ እቲ ብምስጢረ ተዋህዶ ፍጹም ሰብን ፍጹም ኣምላኽን ኰይኑ ዝተጋህደ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ። ስለ’ዚ እዚ ኻብ ያእቆብ ዚወጽእ ኰዀብ” ዚብል ቃል፡ ነቲ ስግው መለኮት ዝዀነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተባህለ ምዃኑ ብግህዶ ዜመልክት’ዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ’ዩ፡ ኣብ’ቲ ሎሚ ዝተነብበ ናይ ማቴ 2፡1-12 ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ እቶም ሰብ ጥበብ (ሰብኣ ሰገል)፡ ብኰዀብ ተመሪሖም ኣብ’ታ ጐይታና ዝተወልደላ መብልዕ ማል ዝመጹ። ንሳቶም፦
“እቲ እተወልደ ንጉስ ኣይሁዳ ኣበይ ኣሎ፧ ኰዀቡ ኣብ ምብራቕ ርኢና’ሞ፡ ክንሰግደሉ መጺእና።”
እናበሉ፡ ነቲ ቓል ትንቢት ዜጽንዕ ምስክርነት ሃቡ (ማቴ 2፡1,2)። ካብ ንጉስ ሄሮድስ ምስ ወጹ፡ ብዛዕባኦም፦
“. . . እንሆ፡ እቲ ኣብ ምብራቕ ዝረኣይዎ ኰዀብ፡ ኣብ ልዕሊ’ታ እቲ ህጻን ዘለዋ ቦታ መጺኡ ደው ክሳዕ ዚብል መርሖም። ነቲ ኰዀብ ምስ ረኣይዎ፡ ኣዝዩ ዓብይ ሓጐስ ተሓጐሱ።”
ተባህለ (ማቴ 2፡9,10)። ካብ ያእቆብ ብዙሓት ነገስታት’ዮም ወጺኦም። እንተ ዀነ፡ ብዘይካ ክርስቶስ፡ እቲ ንጉስ ነገስታት፡ ዋላ ሓደ ኻብኣቶም፡ ዋላ ንጉስ ዳዊት’ውን፡ ብኰዀብ ኣይተመሰለን። ጐይታና ግና ባዕሉ ብልሳኑ፦
“ኣነ ኢየሱስ፡ ኣብ’ተን ማሕበራት ነዚ ነገር’ዚ ኺምስክረልኩም ኢለ፡ ንመልኣኸይ ሰዲደዮ ኣለኹ። ኣነ ሱር ዳዊትን ዘርኡን፡ እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ’የ።”
ብምባል ባዕሉ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ራእ 21፡16)። ስለ’ዚ እቲ “ይሠርቅ ኮኰብ” ዚብል መዝሙር ኰነ፡ እቲ ብትንቢት “ኰዀብ ይወጽእ” ዚብል ቃል፡ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኼመልክት ዝተባህለ ቓል ምዃኑ ኸነስተውዕሎ ይግባእ።
ጐይታና ብኰዀብ ዝተመሰለሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ብኰዀብነቱ ብዛዕባ ርእሱ ዜመሓላልፎ መልእኽቲ እንታይ’ዩ፧ በቲ ኰዀብነቱ ዝተገልጸሉ ትንቢታዊ ቓል መሰረት፡ መልእኽቱ እዚ ዚስዕብ’ዩ፡
1. ንግስነቱ፦ ኣብ’ቲ ልዕል ኢልና ዘንበብናዮ ናይ ዘሁ 24፡17-19 ጥቅሲ እቲ ኰዀብ “በትረ መንግስቲ ዘለዎ ብንግስነት ዚገዝእ ንጉስ” ምዃኑ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። ጐይታና ዘለኣለማዊ ንጉስ ምዃኑ በትሪ መንግስቲ (ዘንጊ መንግስቲ) ኸም ዘለዎ ቅዱሳን ነብያት ብትንቢቶም ኣረጋጊጾምልና’ዮም። እቶም ብመዝሙር ዚንበዩ ዝነበሩ ደቂ ቆራሕ፡ ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ትንቢታዊ መዝሙር ገይሮም ንግስነቱ ገሊጾም ኣለው።
“ካብ ልበይ ጽቡቕ ነገር ይግንፍል፡ ‘ድርሳናተይ ንንጉስ’ዩ” እብል።. . .ካብ ደቂ ሰብ ንስኻ ትጽብቕ፡ ውቃበ (ጸጋ) ኣብ ከናፍርካ ፈሰሰ፡ ...... ዎ ኣምላኽ፡ ዝፋንካ ንዘለኣለመ ኣለም’ዩ፡ ዘንጊ መንግስትንኻ’ውን ዘንጊ ቕንዕና’ያ። ጽድቂ ትፈትው፡ ረሲእነት ትጸልእ። ስለ’ዚ እግዚአብሔር ኣምላኽካ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብኣካ።” መዝ 45፡1,2,6,7
ኣብ’ዚ ትንቢታዊ መዝሙር’ዚ እቲ ንጉስ፡ ሰብን ኣምላኽን ምዃኑ ንጹር መልእኽቲ ሰፊሩልና ኣሎ። እቲ ዝፋኑ ዘለኣለማዊ ምዃኑ ንርእሱ ናይ መለኮትነቱ መረጋገጺ’ዩ። ከናፍር ዘለዎ ኻብ ደቂ ሰብ ዚጽብቕ ምዃኑን፡ “ሓለፋ ብጾትካ” ምባሉ ድማ ሰብ ናይ ምዃኑ ዓብይ መረጋገጺ’ዩ። ስለ’ዚ እዚ ቓል’ዚ ብዛዕባ’ቲ ስግው መለኮት ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ይዛረብ ከም ዘሎ ንምርዳእ ኣየጸግምን’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን፡ እቲ ሓቂ ኸምኡ ምዃኑ ኣብ እብ 1፡8-12 ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ነብዪ ዳንኤል’ውን ብዛዕባ ንግስነት ጐይታና ዚገልጽ ትንቢት ሓዲጉልና’ዩ።
“ብራእያት ለይቲ እጥምት ነበርኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ወዲ ሰብ ዚመስል ብደበና ሰማይ ይመጽእ ነበረ፡ ናብ’ቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ በጽሐ። ናብ ቅድሚኡ’ውን ኣቕረብዎ፡ ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ኬገልግልዎስ፡ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ ተዋህቦ፡ ግዝኣቱ ዘይሓልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት’ዩ፡ መንግስቱ’ውን ከቶ ኣይክትጠፍእን’ያ። ዳን 7፡13,14,27
ነዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ብስራት ኪንገራ ኸሎ’ውን፡ ንግስነቱ ብንጹር’ዩ ተነጊርዋ።
“እንሆ ኽትጠንሲ፡ ወዲ’ውን ክትወልዲ፡ ስሙ ኸኣ “ኢየሱስ” ክትሰምይዮ ኢኺ። ንሱ ዓብዪ ኪኸውን፡ ‘ወዲ ልዑል’፡’ውን ኪበሃል’ዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ’ዩ። ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ’ዩ፡ ንመንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን።” ሉቃ 1፡31-33
ጐይታና ባዕሉ’ውን መንግስቲ ዘላቶ ንጉስ ምዃኑ ደጋጊሙ ተኣሚኑን ገሊጹን’ዩ (ሉቃ 22፡29,30፣ ዮሃ 8፡36,37)። እቶም ሰብ ጥበብ’ውን ነቲ ኣብ መብልዕ ማል ዝጸንሖም ናጽላ (Neonate) ኢየሱስ፡ “እቲ ዝተወልደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ፡” እናበሉ ኸም ዝመጹን፡ ምስ ረኸብዎ ድማ ኣብ መብልዕ ማል’ኳ ብገጾም ተደፊኦም ከም ዝሰገደሉን ኣይንረስዕ። ስለ’ዚ ኣብ’ዚ ልደቱ እንሓስበሉን እነኽብረሉን በዓል፡ ብዛዕባ’ዚ ብሰማይን ብምድርን፡ ብቕዱሳን ነብያትን መላእኽትን ዝተገልጸ ንግስነቱ፡ ኣዕሚቝና ኸነስተንትንን ነዚ ንግስነት’ዚ ብምልኣት ንግዛእ ከም ዘለና ኸነረጋግጽን ይግብኣና።
ብዛዕባ ንግስነቱ ኽንዝንግዖ ዘይግብኣና ነጥቢ ኸኣ ድርብ ንግስነት ምዃኑ’ዩ። ብቅድስቲ ድንግል ማርያም ካብ ዘርኢ ንጉስ ዳዊት ስለ ዝዀነ፡ ምድራዊ ንግስነት ናቱን ገንዘቡን’ዩ (1ዜና 17፡11-17)። ብመለኮትነቱ ድማ፡ ንግስነት ናይ ባህርይ ገንዘቡ’ዩ (ማቴ 4፡35 ፣ 18፡23 ፣ 21፡4-5 ፣ 25፡34,40)።
2. ብርሃንነቱ፦ ኰዀብ፡ ብርሃናዊ ኣካል’ዩ። እቶም ኣብ ሰማያት እንርእዮም ስፍርን ቍጽርን ዘይብሎም ከዋኽብቲ፡ ብርሃናውያን ስለ ዝዀኑ፡ ብብርሃኖም ግርማ ሰማይን ግርማ ለይትን ኰይኖም ኢና እንርእዮም። እታ ንኣና እተብርሃልና ጸሓይ’ውን ንርእሳ ኰዀብ’ያ። ብርሃን ድማ መለኮታዊ ባህርይ’ዩ (ዮሃ 1፡19 ፣ ዮሃ 3፡21 ፣ 2ቈረ 4፡6)። ክርስቶስ’ውን ከም ፍጹም መለኮት መጠን፡ ብርሃን’ዩ። ብርሃን ምዃኑ ኸኣ ባዕሉ ተኣሚኑ’ዩ (ዮሃ 8፡12 ፣ 9፡5)። ቅዱሳት ሃዋርያት’ውን ንብርሃንነቱ ብስፍሓት ሰቢኾምዎ’ዮም (ግብ 26፡22-23 ፣ 1ቈረ 4፡5 ፣ ኤፌ 5፡8-10)። ስለ’ዚ ልደቱ፡ ብዛዕባ ክርስቶስ ብርሃን ምዃኑ ብዕምቈት ከነስተንትነሉ ዚግብኣና ክቡር ጊዜን በዓልን’ዩ። ነዚ በዓልና’ዚ ክብርን ዕብየትን ዜልብሶ ኸኣ፡ ብርሃን ናይ’ዚ ኰዀብ’ዚ ኣብ’ቲ ዕለታውን ግብራውን ናብራና የብርሃልና እንተ’ልዩ ጥራሕ’ዩ። ኣብ ግብ ዝበለ ጸልማት እናነበርና፡ ብዛዕባ’ቲ ብርሃናዊ ኰዀብ ኣዝዩ ድሙቕ ጽምብል እንተ ገበርና እንታይ ዋጋ ኣለዎ፧ ግብዝነትና ይቐልዓልና፡ ንሕስያ ዘይብሉ ፍርዲ ኸኣ ይወልደልና’ምበር፡ ዋላ ሓንቲ ትርጕምን ረብሓን ኣይህልዎን’ዩ። ናይ ጐይታና ናይ ልደቱ ዕላማ ኣብ ህይወትና ብግህዶ እንተ ዘይተተግቢሩ፡ “ጸረ ልደት” እምበር፡ “ደቂ ልደት” ኪገብረና ኣይክእልን’ዩ።
ናይ ክርስቶስ ኰዀብ ምዃን፡ ኣብ ውልቃዊ ህይወትና ብኸመይ’ዩ ዚሰርሕ፧ ክርስቶስ ናይ ብሓቂ ኰዀብ ምዃኑ ከም እንኣምን ብኸመይ’ዩ ዚረጋገጽ፧ ነዚ ሕቶ’ዚ ንምምላስ ዚኸብደና ዘሎ፡ ነዚ ናይ ጐይታና ታሪኽን ግብርን ከም ናይ ሕሉፍ ዘመን ታሪኽ’ምበር፡ ናይ ሕጂ እዋናውን ህያውን ሓቂ ከም ዝዀነ ጌርና ዘይንርእዮን ዘይንነብሮን ምዃንና’ዩ። ብመልክዕን ቅርጽን ናይ ሰብ፡ ካብ ማህጸን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝተወልደሉ ፍጻመ ቅድሚ 2014 (ወይ ቅድሚ 2022) ዓመታት ዝተፈጸመ ታሪኽ ምዃኑ፡ ኪከሓድ ዘይክእል ታሪኻዊ ሓቂ’ዩ።
እዚ ልደት’ዚ ግን ካብ ታሪኻውነት ሕልፍ ዝበለ ዓብይ ትርጕምን ዕላማን ከም ዘለዎ ኺርሳዕ ኣይግባእን’ዩ። እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ ምዃኑ ዝተኣመነ ጐይታና ኣብ መብልዕ ማል ዝተወልደ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍና ምእንቲ ኺውለድ ምዃኑ ኸነስተውዕል ይግባእ። እቲ ኻብ ማህጸን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ መብልዕ ማል ዝተወልደ ኢየሱስ ኣብ ልብና ምስ ዚውለድ ጥራሕ ኢና፡ “ሓቀኛ ክርስትያን፡ ውሉድ ኣምላኽ፡ ከዋኽብቲ” ምዃንና ኺረጋገጽ ዚኽእል። ቅዱስ ጴጥሮስ፡ እዚ ብሩህ ኰኰብ ጽባሕ ኣብ ልብና’ውን ኪወጽእን ኬብርህን ከም ዚኽእል ኣረጋጊጹልና’ዩ።
“ኣዝዩ ዝጸንዐ ቃል ትንቢት’ውን ኣሎና። ምድሪ ኽሳዕ ዚወግሕ፡ ኰዀብ ጽባሕ’ውን ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዚወጽእ፡ (ነቲ ኰዀብ) ኣብ ስፍራ ጸልማት ከም ዜብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተ ኣስተብሃልኩምሉ፡ ሰናይ ትገብሩ ኣለኹም።” 2ጴጥ 1፡19
ናይ ልደቱ ቐንዲ ዕላማ፡ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍና ከም ኰዀብ ጽባሕ ወጺኡ ብርሃን ህይወት ኪዀነልናን ንኣና ንርእስና’ውን ብርሃናውያን ከዋኽብቲ ምእንቲ ኺገብረናን’ዩ። እዚ ኰዀብ ጽባሕ’ዚ ኣብ ልብኻ ዘየለ ኽነሱ፡ እዚ ኰዀብ ጽባሕ ካብ ማህጸን ቅድስቲ ድንግል ዝተወልደሉ መዓልቲ ብድምቀት ምኽባር፡ ዋላ ሓንቲ ረብሓ የብሉን። ነቲ ኰዀብ ጽባሕ ኣዝዩ ዓብይ ክብሪ ኸም ዘሎካ ዚረጋገጽ፡ ኣብ ልብኻ ኪወጽእን ኪገዝእን እንተ ፈቒድካሉ ጥራሕ’ዩ። እቲ ብርሃን ዝዀነ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ውሽጥና እንተ’ልዩ፡ ግብሪ ጸልማት (ሓጢኣት) ዘበለ ዅሉ ኻብ ህይወትና ይርሕቕ፡። ምኽንያቱ እቲ ንብርሃን ዜፍቅር፡ ንጸልማት ኣዝዩ’ዩ ዚጸልኦ። እዚ ብርሃን’ዚ ብርሃን-ህይወት ስለ ዝዀነ፡ ብዓይነት ናይ ህይወትና’ዩ ዚገሃድ። ወንጌላዊ ዮሃንስ ነዚ ሓቂ’ዚ ግሩም ገይሩ ኣብሪሁልና ኣሎ።
“ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቓል’ውን ኣምላኽ ነበረ።......ህይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት፡ ብርሃን ኣብ ጸልማት የብርህ፡ ጸልማት ግና ኣይሓዞን (ኣይሰዓሮን)። ....... ኵሎም ብእኡ ናብ እምነት ምእንቲ ኺበጽሑ ብዛዕባ ብርሃን ኪምስክር፡ (ዮሃንስ መጥምቕ) ንምስክር መጸ። ብዛዕባ ብርሃን ኪምስክር ደኣ መጸ፡’ምበር፡ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን። እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረ። (እቲ ብርሃን) ኣብ ዓለም ነበረ። ዓለም’ውን ብእኡ (ተፈጥረት)። ዓለም ግና ኣይፈለጠቶን። ናብ’ቶም ናቱ መጸ። እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን። ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም።” ዮሃ 1፡4,5,6-12
በዚ ቓል ወንጌል’ዚ መሰረት፡ “ኰዀብ ጽባሕ” ወይ “ብርሃን” ትስመይ ዘላ እታ ኻብ ኢየሱስ እንረኽባ ህይወት’ያ። ነዛ ብርሃናዊት ህይወት’ዚኣ ጸልማት ኪሕዛን ኪስዕራን ኣይክእልን’ዩ። ነዛ ብርሃን’ዚኣ ዘይፈልጣን ዘይቅበላን፡ እቲ ዓለማዊ (ናይ ዓለም ዝዀነ) ሰብ’ዩ። እቲ ዜሕዝን ከኣ “ናቱ፡ ህዝቡ፡ ኣመንቱ፡ ሰዓብቱ” እናተበሃልካ’ውን፡ ነዛ ብርሃን’ዚኣ ኸይትቕበል ትኽእል ምዃንካ’ዩ። እዚ ማለት ከኣ ክርስትያን ክነስኻስ፡ እቲ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ውሽጥኻ ዘይብልካ ምዃን ማለት’ዩ። እታ ናይ ክርስቶስ ህይወት ኣብ ውሽጥኻ እንተ ዘይብልካ፡ ክርስትያን ኣይኰንካን። “ናቱ” ዜብለካ ዘሎ፡ ስርዓታትን ምስጢራትን ናይ ቤተ ክርስትያን ዝተኻፈልካ ምዃንካ’ዩ። እዚ ዅሉ ተፈጺሙ ኼብቅዕ ግን፡ ክርስቶስ ዘይብልካ ክርስትያን እንተ ዄንካ፡ እቲ “ናቱ ኽነሶም ኣይተቐበልዎን” ዚብል ዜሕዝን ፍጻመ ኣባኻ ተኸሲቱ’ሎ ማለት’ዩ። እተን ሓሙሽተ ዓያሱ ደናግል፡ ናይ’ቲ መርዓዊ ወገን’የን ነይረን። እንተ ዀነ ዘይቲ ዘይብለን ኬብርሃ ዘይክእላ ዀይነን ስለ ዝተጸበያኦ፡ ነተን “ናቱ” ዚበሃላ ደናግል፡ “ከቶ ኣይፈልጠክንን’የ” ኢሉ ማዕጾኡ ኸፊቱ ኼእትወን ኣይፈቐደን (ማቴ 25፡1-13)። እቶም ገበርቲ ተኣምራትን ነብያትን ዝነበሩ ሰባት፡ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ “ናተይ” ኢሉ ብኽብሪ ኪቕበሎም እናተጸበዩ ኸለው፡ “ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈልጠኩምን’የ ካባይ ርሓቑ” ኢሉ ሰጐጎም (ማቴ 7፡20-23)። “ናቱ” ምዃኖም ኬረጋግጹሉ ብዙሕ መርትዖታት’ኳ እንተ ኣቕረቡሉ፡ ኪሰልጦም ግን ኣይከኣለን። ምኽንያቱ እታ ፈጺማ ዘይትንጸግን ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይትኣትውን መርትዖ፡ እታ ብርሃናዊት ህይወት፡ ብዓብዪ እቲ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ውሽጥኻ ዘለካ ምዃን’ያ። ነታ ጸባብ ደገ (ወይ ጸባብ ማዕጾ) ሓሊፍካ ኽትኣትው ዘየኽእል ረቕሒታት ምጽብጻብ፡ ዝዀነ ረብሓ ኣይርከቦን’ዩ። ክርስቶስ ዘይብሉ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ማለት፡ ህይወት ዘይብሉ ኣርቲፊሻል ዕምበባ ማለት’ዩ። እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ውሽጥኻ ዘይብልካ ክነስኻ፡ “ክርስትያን’የ” ምባልን በዓል ልደት ብድምቀት ምጽምባልን ድማ ኣምሰሉነት’ዩ ዜረጋግጽ።
“(ብወልድ) ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ። እቲ (ብወልድ) ዘይኣምን ግና ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር’ምበር፡ ንህይወት ኣይኪርእያን’ዩ። .....ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝሃበና፡ እቲ ምስክር እዚ’ዩ’ሞ፡ እዛ ህይወት’ዚኣ ኣብ ወዱ ኣላ። እቲ (ወልድ) ዘለዎ ህይወት ኣላቶ፡ ወዲ ኣምላኽ (ወልድ) ዘይብሉ ግን ህይወት የብሉን።” ዮሃ 3፡36፣ 1ዮሃ 5፡11,12
እዚ ኰዀብ ጽባሕ’ዚ ብኸመይ’ዩ ናብ ልብና ዚኣትውን ኣብ ልብና ዚበርቕን፧ ብዛዕባ’ዚ ነገር’ዚ፡ ናትና ግደን ናይ ኣምላኽ ግደን እንታይ’ዩ፧ ናይ ኵሉ ነገር ጀማርን ደምዳምን እግዚአብሔር ስለ ዝዀነ፡ እቲ ናቱ ግደ’ዩ ዚቕድም። እግዚአብሔር ኣዝዩ ስለ ዜፍቅረና፡ ነዚ ፍጹም መለኮት ዝዀነ ናይ ባህርይ ወዱ ከማና ሰብ ኪኸውንን ምእንታና በጃ ኪኸውንን ብምልኣኹ ነቲ ናቱ ግደ ድሮ ፈጺምዎ’ዩ። እዚ ኰዀብ ጽባሕ ዝዀነ ወዱ ድማ እቲ ንድሕነትና ዚኸውን ኵሉ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ናብ ልብና ንኸነእትዎ ኵሉ ጊዜ ኣብ ኣፍ ልብና ዀይኑ ይጽውዓናን ይዅሕኵሓናን ኣሎ።
“እንሆ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢለ (ኣብ) ማዕጾ (ልቢ) ዃሕኳሕ አብል ኣለኹ። ሓደ’ኳ ድምጸይ ሰሚዑ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ ናብኡ ኽኣትው ምስኡ ኣብ መኣዲ ክቕመጥ’የ። ንሱ’ውን ምሳይ ኪቕመጥ’ዩ።” ራእ 3፡20 ካ.ት
እዚ ቓል’ዚ ንመራሕ ቤተ ክርስትያን ዝተዘርበ ቓል’ዩ። እንተ ዀነ፡ ኣይውዑይ ኣይዝሑል፡ ልቡጥ ህይወት ዝነበሮ፡”ሃብታምን ፈሳስን’የ፡ ዚጐድለኒ ዀነ ዜድልየኒ የብለይን” ኢሉ ዚምካሕ፡ ግናኸ ብዓይኒ ክርስቶስ ከም ነዳይን (ድኻን) ዕዉርን ዕሩቕን ሰብ ነበረ። ብሰሪ’ዚ ዜሕዝን ህይወቱ ክርስቶስ ጡፍ ኢሉ ዜርሕቖን ዝረሓቖን ሰብ ኰነ። እንተ ዀነ ኣምላኽ ፍቕርን ኣምላኽ ምሕረትን ስለ ዝዀነ፡ ብንስሓ ዳግማይ ዕድል ሃቦ’ሞ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ልቡ ዀይኑ ናብኡ ኺኣትው ዳግማይ ልቡ ኪኸፍተሉ ኸየቋረጸ ይዅሕኵሖ ኣሎ። እዚ ሰብ’ዚ ወይ ካህን ወይ ከኣ ኤጲስቆጶስ’ዩ። ነዚ መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ሎዲቅያ ጥራሕ ዘይኰነ ንኻልኦት መራሕቲ ቤተ ክርስትያን’ውን ተመሳሳሊ ሓደጋ ኣጋጢምዎም ነበረ (ራእ 3፡1-3፣ ራእ 2፡1-5,12-16)። ስለ’ዚ ንምእመን ኰነ ንኣገልጋሊ ቤተ ክርስትያን ዘይንሕፍ ካብ ኰነ፡ እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ ዝዀነ ክርስቶስ ዘይብሉ ህይወት ንነብር ከይንህልው፡ ኣዚና ኽንፈርህን ክንጥንቀቕን ይግብኣና። ነቶም ክርስቶስ ዘይብሉ ህይወት ዚነብሩ ምእመናንን ኣገልገልትን ዝተዋህበት እንኮ ፍታሕ ከኣ ንስሓ’ያ (ራእ 2፡5,6፣ 3፡3,19)። “ሰዓሪ” ዚበሃል፡ እቲ ብንስሓ መገዱ ዜቕንዕ ሰብ ጥራሕ’ዩ። ነቲ ሰዓሪ ዝዀነ ሰብ ከኣ “ኰዀብ ጽባሕ ክህቦ’የ” ዚብል ቃል ተስፋ ተዋሂብዎ ኣሎ (ራእ 2፡28)። ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ነቶም ወንጌል ዝሰበኸሎም ህዝቢ፡ እንተ ተነስሑን መገዶም ኣቕኒዖም ናብ ኣምላኽ እንተ ተመልሱን፡ ነቲ ኰዀብ ጽባሕ ዝዀነ ክርስቶስ ናብ ልቦም ከም ዚሰድደሎም ነታ ዘይትጥለም ተስፋ ናይ ኣምላኽ ኣረጋጊጹ ነገሮም።
“እምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምሰሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚአብሔር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጻልኩም፡ ነቲ ቕድም (ቅድሚ ምስራት ዓለም) ንኣኻትኩም እተሓርየ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኺሰድደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱን።” ግብ 3፡19,20
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ብሓጢኣት ኣብ ዝጋዕዘየ ልቢ ኺሓድርን ብርሃን-ህይወት ኪህብን ኣይክእልን’ዩ። ብሓቀኛ ንስሓ ልቡ ኣብ ዘንጽሀ ሰብ ጥራሕ’ዩ ዚሓድር። ብደሙ ሓጺቡ ጽድቁ ኣልቢሱ፡ ኣብኡ ብምሕዳር መቕደሱ ይገብሮ። እዚ ብንስሓ ዝሰዓረ ሰብ’ዚ፡ እቲ ብርሃናዊ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ልቡ ስለ ዝሓደረ፡ ንርእሱ ብርሃን ይኸውን። ባህርይ ናይ’ዚ ብርሃናዊ ሰብ’ዚ እንታይ ከም ዚመስል ድማ ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጹልና ኣሎ።
“. . . ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹም’ሞ፡ ብጐይታ (በቲ ኰዀብ ጽባሕ) ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም፡ ንጐይታ ዜሐጕሶ እናመርመርኩም፡ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ፡ ግናከ (ነቶም ጸልማት ዝዀኑ) ግንሕዎም ደኣ’ምበር፡ ነቲ ፍረ ዘይብሉ ግብሪ ጸልማትሲ ኣይትሕበርዎ።” ኤፌ 5፡9-11
“......ነቲ ቓል ህይወት (ኣጽኒዕኩም ብምሓዝ)፡ .......ኣብ ማእከል’ዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ’ዚ መንቅብ ዘይብሎምን ግሩሃትን ሕፍቲ ዘይብሎም ውሉድ ኣምላኽ ኴንኩም፡ ከም ብርሃን (ከም ከዋኽብቲ) ኣብ ዓለም (ኣብርሁ) ......።” ፊሊ 2፡14-16
ንነብረላ ዘለና ዓለም፡ ብቔናንን ጠዋይን ኣካይዳ ዝተመልአት ስለ ዝዀነት፡ ንቡር ኰይኑ ዚስምዓና፡ እቲ ዘይቅኑዕ ኣካይዳ ጥራሕ’ዩ። እቲ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ልቡ ዘለዎ ክርስትያን ግን፡ ነቲ ኽፋእ ናይ ጸልማት ስለ ዚፈልጦ፡ ንርእሱ ብዘይ መንቅብን ብንጽህናን ብምሕላው፡ ንርእሱ ብርሃን ይኸውን፡ ነቶም ኣብ ከባቢኡ ዘለው ኸኣ ብርሃንን ኣርኣያን ይኸውን። ግብሪ ጸልማት እናገበርካ ናይ ብርሃን በዓል ምብዓል ግን፡ ብኣምላኽን ብሰብን ዜኽዕበና እኩይ ሕርያ’ዩ።
ስለ’ዚ እቲ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ልብና ሓዲሩን ኣብ ናብራና ተጋሂዱ ምህላዉን ዘይምህላዉን ርእስና ንመርምር። ነቲ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ልቡ ኣሕዲሩ፡ ንርእሱ ብርሃን ኰይኑ ዝተመላለሰ ሰብ፡ ድሕሪ ምጽኣት ጐይታ ከም ጸሓይ ደሚቑ፡ ነቲ ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዚነብር ኣምላኽ ኪመስል’ዩ (ማቴ 13 ፣ ዳን 12፡3)። እቲ ንብርሃን ጐይታ ተጸዪፉ ኣብ ጸልማት ኪነብር ዝመረጸ ግን፡ ስቓይ ኣብ ዝመልኦ ጸልማት’ዩ ዚነብር (ማቴ 8፡11,12፣ 13፡41,42፣ 22፡13፣ 25፡30)። ስለ’ዚ እቲ ዘለኣለማዊ መፈጸምታና ኺጽብቐልና፡ ማሕደር ናይ’ቲ ኰዀብ ጽባሕ ምዃንና ነረጋግጽ!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ታሕሳስ 30, 2015 ግዕዝ (8 ጥር/ጥሪ 2023 ፈ [መበል 18 ሰንበት: ቊ.፳፮/26, 2023] |
||
ምስባክ መዝ.88(89)፡ 27-28 “ወአነሂ በኵርየ እሬስዮ። ወልዑል ውእቱ እምነገሥተ ምድር። ወለዓለም አዓቅብ ሎቱ ሣህልየ።” “ኣነ’ውን በዅሪ፡ ካብ ነገስታት ምድሪ ልዕል ዝበለ ኽገብሮ’የ። ሳህለይ ንዘለአለም ክሕልወሉ’የ፡ ኪዳነይ’ውን ኪጸንዓሉ’ዩ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ሮሜ 11፡25-ፍጻ |
ዲያቆን |
|
1ዮሃ 4፡1-9 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 7፡12-22 |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 2፡1-12 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘዲዮስቆሮስ |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ