"ሓጢኣት የብልናን’ እንተ በልና፡ ንርእስና ንጥብራ ኣለና፡ እታ ሓቂ’ውን ኣባና የላን። ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና ግና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻ’ውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን’ዩ።” 1ዮሃ 1፡8,9
እዚ መበል 16 ሰንበት ናይ’ዚ ዓመት’ዚ፡ ናይ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ጾመ ነብያት ሻድሻይ ሰንበት’ዩ። ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ኸኣ፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ታሕሳስ 14 ኽሳዕ ታሕሳስ 20 ዘሎ ሰሙን “ብርሃን” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ’ዚ ዕለት’ዚ ብናይ መዝሙር ሊቃውንትና ዚዝመር መዝሙር ድማ “ኣቅዲሙ ነገረ በኦሪት” ዚብል’ዩ። እዚ ነዚ መዝሙር’ዚ መሰረት ገይሩ ዝተሰርዐ ንባባት ሓድሽ ኪዳንን፡ እቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ምስባክን ብምሉኡ ድማ ብርሃን-ጠቀስ ንባባትን ጥቕስታትን’ዩ። ካብ’ዚ ንባባት’ዝን ካልእ ተዛማዲ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስን ከም እንግንዘቦ፡ “ብርሃን ዓለም” ዝተሰምየን ዝዀነን፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ’ዩ (ዮሃ 8፡12)። እዚ ሰሙን’ዚ “ብርሃን” ዝተሰምየሉ ምኽንያት ድማ ብዛዕባ ብርሃን ክርስቶስ ብዕምቈት ከነስተንትንን ከነመስግንን፡ በዚ ብርሃን’ዚ ዝተገልጹልና ምስጢራት ከነለልይ፡ ከም’ቲ ቓሉ ዚእዝዘና ድማ ንርእስና ብርሃን ኴንና ግብሪ ብርሃን እናገበርና ንነብር ከም ዘለና ርእስና ንኽንምርምርን ዝተሰርዓልና ቕንያት ስለ ዝዀነ’ዩ። እቲ ቕድሚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ዜዘምናዮ ምስባክ፡ “ብርሃንካን ሓቅኻን ልኣኽ፡ ንሳተን ይምርሓኒ፡ ናብ ማሕደራትካ የብጽሓኒ” ዚብል ትንቢታዊ ጸሎት’ዩ። በዚ ብርሃን’ዚ ዘይተመርሐ ሰብ፡ ናብ’ታ ማሕደር ኣምላኽ ዝዀነት ሰማያዊት ኢየሩሳሌም፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ኣይበጽሕን’ዩ።
ብርሃን ንምንታይ ኣድለየ፧ ብኸመይ’ዩኸ ዜገልግለና፧ ረብሓን ጕድኣትን ናይ’ቲ በዒንቲ ስጋና እንርእዮ ብርሃንን ጸልማትን ብግብሪ ጽቡቕ ጌርና ስለ እንፈልጦ፡ እዚ ሕቶ’ዚ እምብዛ መባእታዊ ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል’ዩ። እንተ ዀነ እቲ ‘ንዛረበሉ ዘለና ብርሃን መንፈሳዊ’ምበር ኣካላዊ ብርሃን ስለ ዘይኰነ፡ ነዚ ኣገዳሲ ሕቶ’ዚ ኣቕሊልና ኽንርእዮ ኣይግባእን’ዩ። ብርሃን ጠፊኡ፡ ጸልማት ኪሰፍንን ኪገዝእን ከሎ፦
1.ዕንቅፋት ይበዝሕ፦ ጐይታና ነዚ ሓቂ’ዚ ገሊጹልና’ዩ፡
“እቲ ብመዓልቲ ዚኸይድ፡ ብርሃን’ዛ ዓለም’ዚኣ ዚርእይ ስለ ዝዀነ፡ ኣይዕንቀፍን’ዩ። እቲ ብለይቲ ዚኸይድ ግና ብርሃን ስለ ዘይብሉ፡ ይዕንቀፍ’ዩ።” ዮሃ 11፡9,10
እቲ እናተዓንቀፈ ናብ ሓጢኣት ዚወድቕ ሰብ፡ እቲ ብርሃን ክርስቶስ ዘይረኸበ ሰብ’ዩ። እቲ ብጥበራ ዚመላለስ፡ “ኣብ ብርሃን’የ ዘለኹ” እናበለ ግብሪ ጸልማት ዜዘውትር ሰብ፡ ዕንቅፋቱ ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ።
““ምስኡ ሕብረት ኣሎና” ኢልናስ፡ ኣብ ጸልማት እንተ ተመላለስና፡ ንሕስው፡ ሓቂ’ውን ኣይንገብርን ኢና ዘለና። ከም’ቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፡ ኣብ ብርሃን እንተ ተመላለስና ግና፡ ንሓድሕድና ሕብረት ኣሎና፡ ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱ’ውን ካብ ኵሉ ሓጢኣትና የንጽሃና’ዩ። .....እቲ “ኣብኡ እነብር ኣለኹ”፡ ዚብል፡ ከም’ቲ (ክርስቶስ) ዝተመላለሶ፡ ንሱ’ውን ከምኡ ዀይኑ ኺመላለስ ይግብኦ’ዩ።...... ጸልማት ሓሊፉ’ዩ’ሞ፡ እቲ ብርሃን ሓቂ’ውን ድሮ’ኳ የብርህ ኣሎ። “ኣብ ብርሃን ኣለኹ”፡ ዚብል፡ ንሓዉ ኸኣ ዚጸልእ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ጸልማት’ዩ ዘሎ። እቲ ንሓዉ ዜፍቅሮ ኣብ ብርሃን’ዩ ዚነብር፡ መዓንቀፊ’ውን ኣብኡ የልቦን።” 1ዮሃ 1፡6,7 ፣ 2፡6,8-10
2.ናብ እትኸዶ ኣይትፈልጥን፦ ጸልማት፡ መኣዝንካ ኸም ‘ትስሕትን፡ ናበይ ትኸይድ ከም ዘለኻ ከም ዘይትፈልጥን ዚገብር ሓደገኛ ኵነት’ዩ። ብጸልማት ዚጐዓዙ ሰባት ናብ ዘይሓሰብዎ ሓደጋ’ዮም ዚወድቁ። ኣብ ጸልማት ለይቲ ዚጐዓዙ ሰባት፡ ምሉእ ለይቲ ትጕዕዝ ሓዲሮም፡ ኣብ መወዳእታ ናብ’ታ ዝተበገሱላ ቦታ ብምምላስ፡ ድኻሞም ከንቱ ዚዀነሉ እዋን ብዙሕ’ዩ። ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ኰይኑ ናይ እምነት ጕዕዞ ዚገብር ሰብ’ውን ካብ’ዚ ዝተፈልየ ዕጫ የብሉን።
“ገና ንቕሩብ መዓልቲ፡ ብርሃን ኣብ ማእከልኩም ኣሎ፡ ጸልማት ከየርከበኩም፡ ብርሃን ከሎኩም ተመላለሱ። እቲ ብጸልማት ዚመላለስ ናብ ዚኸዶ ኣይፈልጥን’ዩ። ደቂ ብርሃን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ብርሃን ከሎኩም ብብርሃን እመኑ።” ዮሃ 12፡35,36
“እቲ ንሓዉ ዚጸልእ ኣብ ጸልማት’ዩ ዘሎ፡ ኣብ ጸልማት’ውን ይመላለስ፡ ጸልማት ነዒንቱ ስለ ዘዕወሮ ድማ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ኣይፈልጥን’ዩ።”1ዮሃ 2፡11
3.እኩይ ግብሪ ይዓዝዝ፦ እኩይ ግብሪ ዚገብር ሰብ፡ ዳርጋ ኵሉ ጊዜ፡ ዚሕብኣሉ ኸውሊ ይደልይ’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ተግባሩ ተቐባልነት ከም ዘይብሉ፡ ብሰባት ከም ዜኽዕቦ፡ ብሕጊ’ውን ኬሕትቶ ኸም ዚኽእል ይፈልጥ’ዩ። ንገበርቲ እከይ ድማ ጸልማት፡ እቲ ዝበለጸ ኸውሊ’ዩ። ስለ’ዚ’ዩ ከትሪ፡ ስርቂ፡ ቅትለት፡ ምንዝርና ወዘተ ኣብ ጊዜ ጸልማት ዚዝውተር። ህላወ ጸልማት’ምበኣር ንግብረ እከይ ዜተባብዕ፡ ክፉእን ሓደገኛን ኵነተ-ህላወ’ዩ። ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ዘሎ ሰብ ከኣ፡ ብዝበለጸ መጠን ሓጢኣት ንምግባር’ዩ ዚተባባዕ። ብርሃን ከኣ፡ ነቲ ነውሩ ስለ ዚቐልዓሉ፡ ኣይፈትዎን’ዩ። ቃል እግዚአብሔር፡ ብርሃን ስለ ዝዀነ፡ ሓጢኣት ዜፍቅር ሰብ ቃል እግዚአብሔር ምስማዕ ኣዝዩ ስለ ዜጽልኦ፡ ነቲ ዚነግሮ ሰብ’ውን ኣይዕገሶን’ዩ።
“......ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፡ ሰባት ግና፡ ግብሮም ክፉእ’ዩ’ሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ’ዩ’ሞ፡ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍ፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን’ዩ። እቲ ሓቂ (ጽቡቕ) ዚገብር ግና፡ ብኣምላኽ እተገብረ’ዩ’ሞ፡ ግብሩ ምእንቲ ኺግለጽ ናብ ብርሃን’ዩ ዚመጽእ።” ዮሃ 3፡19-21
ብመሰረት’ዚ ዝረኣናዮ ሰለስተ ነጥብታት’ምበኣር፡ መንፈሳዊ ብርሃን ኣብ ህይወት ሓደ ክርስትያን ኣዝዩ ልዑል ኣገዳስነት’ዩ ዘለዎ። ስለ’ዚ ኢና፡ ከም ቅዱስ ዳዊት፡ ኣዘውቲርና፡ “ብርሃንካ ለኣኸለይ፡ ብብርሃንካ ምርሓኒ” ኢልና ኽንምሕጸኖ ዚግብኣና።
እዚ ናይ ብርሃን ኣርእስቲ፡ ምስ’ዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ጥበራ ኣርእስቲ ብኸመይ’ዩ ዚዛመድ፧ እዚ ኣገዳሲ ሕቶ’ዚ፡ ናብ’ቲ ራብዓይ ሕሰም ናይ ጸልማት ዚመርሓና’ዩ። መሪሕ ጥቕስና፡ ጥበራና ብኸመይ ከም ዚግለጽ ኣብሪሁልና ኣሎ። ድኹም ስጋ ዝለበሰ’ሞ ኣብ’ዛ ውድቕቲ ዓለም ዚነብር ሰብ፡ “ሓጢኣት የብለይን” ክሳዕ ምባል እንተ በጺሑ፡ ናብ’ቲ ዝለዓለ ጥርዚ ናይ ጥበራ ኸም ዝበጽሐ ርዱእ ሓቂ’ዩ። እዚ ዕሉል ጥበራ’ዚ ድማ ናይ’ቲ ዘለዎ ድቕድቕ ጸልማት መግለጺ’ዩ። ኣብ ጸልማት ዘሎ ሰብ ንኽዳውንቱ ወይ ንኣካላቱ ኣባላሽዩ ንዘሎ ርስሓት ኪርእዮ ፈጺሙ ኣይክእልን’ዩ። ስለ’ዚ ሰብነቱ ዀነ ኽዳውንቱ ጽሩይ ከም ዘሎን ብርስሓት ከም ዘይተበላሸወን እንተ ሓሰበ ዜገርም ኣይኰነን። “ርስሓት የብለይን፡ ኣይተጸየቕኩን” ኢሉ ኽሳዕ ምዝራብ ኪደፍር ግን ኣይግብኦን’ዩ። “ኣብ ጸልማት ስለ ዘለኹስ ኣበይ’ሞ ርእየዮ፧ ተጸዪቐ ክኸውን እኽእል’የ” እንተ በለ ግና፡ ካብ’ቲ ርስሓት’ኳ እንተ ዘይደሓነ፡ ካብ ጥበራን ድፍረትን ግን ይድሕን’ዩ። ስለ’ዚ “ጥበራ፡ ድርብ ወይ ዕጽፊ ጸልማት’ዩ” ኺበሃል ይከኣል’ዩ። ኣብ ጸልማት ምህላዉ ኽሒዱስ፡ እቲ ጥበራ ናብ ድፍረትን ድርቅናን ኣድሂቡሉ ኣሎ ማለት’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ከም ቃኤልን ይሁዳን ናብ ምዃን’ዩ ዚግስግስ ዘሎ። ጥበራ፡ ሕሱም’ዩ። በዳሊ ኽነስኻስ፡ ንርእስኻ ከም ቅኑዕን ንጹህን ሰብ ክትርእያ ዚገብር’ዩ። ስለ’ዚ ኻልእ በደል ንኽትውስኽ ደኣ የተባብዓካ’ምበር፡ ብንስሓ ንኽትምለስ ኣይድርኸካን’ዩ። ስለ’ዚ ምስጢረ ንስሓ ናይ ኣምላኽ ጸጋ ኪኸውን ከሎ፡ ጥበራ ድማ ናይ ኣጋንንቲ ምስጢርን ጸጋን’ዩ። ንስሓ እንፍጽመሉ ዓቕሚ ጸጋ እንተ ስኢንና፡ ዓቕሚ ጥበራ ዓጢቕና ኣለና ማለት’ዩ።
ግደ ሓቂ፡ “ሓጢኣት የብለይን፡ ንጹህ ሰብ’የ” ክሳዕ ምባል ብጥበራ ዝተጠቕዐ ሰብ ይርከበና ድዩ፧ ብርግጽ ኣሎ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ሰብ’ኳ ደኣ!! ከምኡ ዚብል ሰብ ብቝጽሪ ብዙሕ እንተ ዘይከውን፡ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ከምኡ ንምባል ዚሃልከሉን ንቕዱሳን ባሮቱ ዜህልኸሉን ምኽንያት ኣይምሃለወን ነይሩ። ቃል እግዚአብሔር ከምኡ ዚብል ሰብ ከም ዘሎን፡ ጥበራ ኣዝዩ ዝውቱር ባህርይን ክስተትን ምዃኑ’ዩ ዜረጋግጸልና።
“ሰብሲ ዅሉ መገዱ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ንጹህ’ዩ፡ ........ ‘ንልበይ ኣጽርየዮ፡ ካብ ሓጢኣተይ ነጺሀ’የ” ኪብል ዚኽእል መን’ዩ፧ ....... ርኽሰቱ ዘይተሓጽበስ፡ “ኣነ ንጹህ’የ” ዚብል ወለዶ ኣሎ። ........ ኣመንዝራ ሰበይቲ’ውን መገዳ ኸምኡ’ዩ፡ በሊዓ (ኽነሳ) ኣፋ ሕብስ ኣቢላ፡ ‘ገለ እከይ’ኳ ኣይገበርኩን’ ትብል።”
“ከመይ ኢልኪ ኢኺ፡ “ኣይረኸስኩን፡ ንጣኦት በዓል’ውን ኣይሰገድኩን” ትብሊ ዘለኺ፧ ኣብ’ቲ ለሰ ዘሎ ኣሰር ሓጢኣትኪ ተመልከቲ፧ ዝገበርክዮ’ውን ዘክሪ።......... ዘፈር ክዳንኪ ድማ ብደም ጐሓሉት ዘይኰነስ፡ ብደም’ቶም ዝቐተልክዮም ንጹሃት ድኻታት ተጸዪቑ እንሆ። ምስናይ’ዚ ዅሉ ግና፡ “ኣነ ንጽህቲ’የ፡ ቍጥዓ እግዚአብሔር ካባይ ኣዝዩ ርሑቕ’ዩ”፡ ትብሊ ኣለኺ። ኣነ ግና እንሆ፡ “ሓጢኣት የብለይን” ስለ ዝበልኪ ክቐጽዓኪ’የ (ምሳኺ ኣብ ፍርዲ ኽኣትው’የ።” ኤር 2፡23,34,35 ካ.ት
“ኤፍሬም (እስራኤል) ከኣ፡ “ኣነ ሃብተምኩ፡ ገንዘብ ኣጥረኹ፡ ኣብ ኵሉ ጻዕረይ፡ ሓጢኣት ዚኸውን ኣበሳ ኣይርከበንን’ዩ፡” በለ።”
ቃል እግዚአብሔር፡ ኣብ ኵሉ ቦታን ኣብ ኵሉ ሰብን ህዝብን ወርትግ ሓቂ’ዩ። ኣባና’ውን፡ ከም ውልቀ ሰባት ኰነ ኸም ህዝቢ፡ እዚ ኣበሳ’ዚ ዝውቱርን ግኑንን’ዩ። ቃሉ ኣረጋጊጹልና ኸም ዘሎ፡ እዚ፡ “ሓጢኣት ዘይብለይ ንጹህ’የ” ናይ ምባል ኣበሳ፡ ናይ ኣመንዝራ ባህርይ’ዩ። ኣመንዝራሲ፡ ብዘይካ እከይ ካልእ ግብሪ የብላን። እንጌራኣን ረብሓኣን ካብ’ቲ እከይ ግብራ’ዩ። ነቲ እከያ ድማ ሰብን እዝግን ዚፈልጦ ናይ ኣደባባይ ምስጢር’ዩ። ንሳ’ውን ጽቡቕ ጌራ’ያ ትፈልጦ። እንተ ዀነ “ገለ እከይ’ኳ ኣይገበርኩን” ኢላ ኣሉ ቐጣን ትብል። ስለ’ዚ ነቲ ጽዩፍ ግብራ፡ መሊሳ ኽሕደት ትውስኸሉ ኣላ። እምበኣር ንሕና’ውን ሓጢኣት ከም ዘይብልና ንጹሃት ጌርና ንርእስና ኽንርእያ ወይ ክንመጻደቐላ ኸለና፡ ከም’ቲ መሪሕ ጥቕስና ዝገለጾ፡ ሓሰውቲ ንኸውን፡ ካብኡ ሓሊፍና’ውን ዕሉላት ከሓድቲ ኢና ንኸውን።
እዚ ኽሕደታዊ ምምጽዳቕ ዚወልድ ጥበራ’ዚ ብኸመይ ብኸመይ’ዩ ዚግለጽ፧ ብዘይካ ብቓላት ብኻልእ መገዲ ኽንገልጾ ይከኣል ድዩ፧ ብርግጽ ይከኣል’ዩ። አረ እቲ ብብዝሒ ዚግለጸሉ ኣገባብሲ፡ ናይ ቃላት መግለጺ ኣይኰነን። ንኸናፍርና ደፊሩን ጥሒሱን ዚወጻሉ ጊዜ ኣዝዩ ዝወሓደ ምዃኑ ርዱእ’ዩ። ብዙሕ ጊዜ ትሑታት መሲልና ኽንረኣይ ስለ እንደልይ፡ ኣብ ቅድሚ ሰባት ብዛዕባ ርእስና ኣዚና ሓጢኣተኛታት ምዃንና ኽንገልጽ ኢና ንርከብ። እግዚአብሔር፡ ልብን ኰላሊትን ዚምርምርን ኵሉ ዚፈልጥን ኣምላኽ ምዃኑ ፈቲና ስለ ንርስዖ፡ ነዚ ናይ ጥበራ ድራማና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ’ውን ድሕር ኣይንብለሉን ኢና። ህዝቢ እስራኤል ብተመሳሳሊ ጥበራ የሸግርዎ ስለ ዝነበሩ፡ ብልሳንን ብርዕን ናይ ቅዱሳን ነብያቱ ገይሩ ነቲ ጥበራኦም ይቐልዖ ነበረ።
“ግናኸ ኣብ በረኻ ነቲ ልዑል ተሃላሊኾም እናቐጸሉ በደልዎ። ንትምኒቶም ዚብላዕ እናደለዩ፡ ብልቦም ንኣምላኽ ፈተንዎ። ...... ኪቐትሎም ከሎ ሽዑ ይደልይዎ ነበሩ፡ ተመሊሶም ከኣ፡ ኣንጊሆም ንኣምላኽ ደለይዎ። ብኣፎም ኣቀባጠሩሉ፡ ብመልሓሶም ድማ ሓሰዉሉ። ልቦም ናብኡ ኣይቀንዐን፡ ብኺዳኑ’ውን እሙናት ኣይነበሩን።” መዝ 78፡17,18,34,36,37
“........ንስኺ ግና ገጽ ኣመንዝራ ስለ ዘሎኪ ምሕፋር ኣበኺ። ሕጂኸ፡ “ኣቦይ፡ ንስኻ መሓዛ ንእስነተይ ኢኻ፡ ንሓዋሩ ኣይክትቍጥዓን ኢኻ፡ ክሳዕ መወዳእታ’ውን ቍጥዓኻ ኣይኪነድድን’ዩ” ትብልኒዶ ኣየለኽን፧ እንሆ ኸም’ዚ ኢልኪ ትዛረቢ፡ ግናኸ ኽሳዕ ዚኣኽለኪ ኽፉእ ትገብሪ ኣለኺ። ........ ምስናይ’ዚ ዅሉ ኸኣ፡ እታ ጠላሚት ሓብታ ይሁዳ ብግብዝና’ምበር፡ ብምሉእ ልባ ናባይ ኣይተመልሰትን” ይብል እግዚአብሔር።” ኤር 3፡3-5,10 (ቀ.ት + ካ.ት)
“እዚ ህዝቢ’ዚ፡ ብኣፉ የምልኸኒ፡ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ካባይ ርሑቕ’ዩ። ንኣይ ከኣ በቲ ዝተማህርዎ ባህሊ ሰብ ገይሮም’ዮም (ዜምልኹኒ) ዘለዉ።” ኢሳ 29፡13 ካ.ት
“ከም’ታ በዕዋፍ ዝመልአት እንዳ ዑፍ፡ ከምኡ ድማ ቤቶም ብምጥባር ምሉእ’ዩ። .......... እትነብረሉ ዘለኻ (ኣብ) ማእከል ጥበራ’ዩ። ብሰሪ ጥበራ ድማ ምፍላጠይ ኣበዩ።” ኤር 5፡27 ፣ 9፡6
እዚ ዘንበብናዮ ጥቕስታት፡ ጥበራ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ዝምድና ማዕረ ኽንደይ የበላሽዎን የዕንዎን ከም ዘሎ ዜረጋግጸልና’ዩ። እምበኣር ነቲ “ሓጢኣት ዘይብለይ ንጹህ’የ” ዚብል ጥበራን፡ ካብ ብቓላት ንላዕሊ በቲ ግብራዊ ኣካይዳና ኸም እንገልጾ ብሩህ ኰይኑልና ኣሎ።
መሪሕ ጥቕስና’ውን ኣግሂዱ ነጊሩና ኸም ዘሎ፡ ጥበራና ዚግለጸሉ ዝኸፍኣ ግብራዊ መገዲ፡ ዘይምንሳሕና’ዩ። እታ ሓጢኣት ከም ዝፈጸመን ሓጢኣተኛ ምዃኑን ወዲ-ሰብ ዚእመነላ ኣሉ ዘይትበሃል ግብራዊት መገዲ፡ ንስሓ ምእታው’ያ። ኣካላቱ፡ ክዳውንቱ ወይ ንብረቱ ዝረስሐ ሰብ፡ ነቲ ርስሓቱ ናይ ብሓቂ ኸም ዝኣመነሉ ዜረጋግጸሉ መገዲ፡ ንኺሕጸብ ኰነ ንኺሓጽብ እንተ ፈጠነን እንተ ተግሀን ጥራሕ’ዩ። ብዛዕባ’ቲ መንፈሳዊ ርስሓት ዝዀነ ሓጢኣት’ውን፡ እቲ ሓቂ ንሱ’ዩ። ዘይምንሳሕ፡ ናይ’ቲ “ሓጢኣት የብለይን” ዚብል ጥበራን ክሕደትን፡ ኣሉ ዘይበሃል ግብራዊ መግለጺ’ዩ።
ሓጢኣት ከም ዝገበረን ሓጢኣተኛ ምዃኑን ብቕንዕናን ካብ ውሽጢ ልቡ ዚኣምን ሰብ ዘይንሳሕ ምስ ዚኸውን፡ ልክዕ ከም’ቲ፡ “ቀታሊ ሕማም ኣሎኒ፡ ሕሙም ምዃነይ ዘይከሓድ ሓቂ’ዩ፡ ናብ ሓኪም ምቕራብ ይኹን መድሃኒት ምውሳድ ግን ኣየድልየንን’ዩ። ካብ ሓኪምን መድሃኒትን ንላዕሊ ሕማመይ’ዩ ዜሕሸኒ። ንሕማመይ አፍቅሮ’የ” ኸም ዚብል ሕሙም ሰብ’ዩ። ብዛዕባ ሕማም-ስጋና፡ ከም’ዚ ዝበለ ሓሳብ ጥቓ ሓንጐልና’ኳ ሓሊፉ ኸም ዘይፈልጥ፡ ወይ’ውን ከምኡ ዝበለ ምርጫ ዝመረጸ ሰብ ከም ዘሎ ሰሚዕና ኸም ዘይንፈልጥ ሚእቲ ሚእታዊት ርግጸኛ ዄንካ ኪምሓል ዚከኣል’ዩ። ብዛዕባ መንፈሳዊ ሕማሙ፡ ማለት ብዛዕባ ሓጢኣቱ ኸም’ዚ ዘመሰለ ዕዉር ውሳነ ዚወስድ ግን “ዳርጋ ዅሉ ሰብ’ዩ” ኽንብል ዜድፍረና’ዩ። እዚ ኸኣ ንምእመናን ጥራሕ ዘይኰነ ንኣገልገልቲ’ውን ብማዕረ ዚምልከተና ኣርእስቲ’ዩ። ስለ’ዚ ነፍሲ ወከፍ ንስሓ ኸይኣተናን ምስጢረ ንስሓ ኸይፈጸምናን እንሓልፋ መዓልቲ፡ “ሓጢኣት የብለይን” ኢልና ብወግዕን ብድፍረትን ዝኣወጅናላ መዓልቲ-ጥበራ ምዃና’ምበኣር፡ ኣብ ኵላትና ይፈለጥ። ጽዉዓት ብዙሓት፡ ሕሩያት ግና ሒደት ክንከውን ዚገብር ዘሎ ኸኣ እዚ ኽሕደታዊ ጥበራ ምዃኑ፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኸውን ጥርጥር ኣይሃልወና። ከም’ቲ ቅዱስ ኣጕስጢኖስ ዝበሎ፡ ምሕጣእ ሰብኣዊ’ዩ፡ ምንሳሕ መንፈሳዊ፡ ዘይምንሳሕ ከኣ ሰይጣናዊ ባህርይን ተግባርን’ዩ። ስለ’ዚ ሰብኣዊ ሓጢኣትና ያኢ ውሒዱስ፡ ሰይጣናዊ ሓጢኣት ናብ ምፍጻም ንምዕብል ከም ዘለና ነስተውዕሎዶ ኣለና፧ ጥበራ’ምበኣር፡ ከም’ዚ ገይሩ’ዩ ዜበላሽወና ዘሎ፧
ንስሓ፡ ንዘርኢ ኣዳም ዝተዋህበ መለኮታዊ ኽብሪ ምዃኑ ንፈልጥዶ ንኸውን፧ መጽሓፍ ቅዱስን መሰረተ እምነት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንን፡ መላእኽቲ መንፈሳውያን ፍጡራት ምዃኖም’ዩ ዜስተምህረና። ብእግዚአብሔር ስለ ዝተፈጥሩ ብህልውናኦም ምስ እግዚአብሔር ዘይዳረጉ’ኳ እንተ ዀኑ፡ ዘለኣለማውያን ፍጡራት ምዃኖም ዝተረጋገጸ ሓቂ’ዩ። ሕማቕ ዕድል ኰይኑ ግን፡ ሳጥናኤል ዝመራሒኦም ብዙሓት መላእኽቲ፡ ብናይ ትዕቢት ሓጢኣት ተጠሊፎም ስለ ዝወደቑ ማዕርጎምን ስፍራኦምን ለቐቑ። እግዚአብሔር ከኣ ነቶም ዝወደቑ መላእኽቲ ንስሓ ኣይሃቦምን።
“ኣምላኽ፡ ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ መላእኽቲ፡ ብመቝሕ ጸልማት ተኣሲሮም ፍርዶም ኪጽበዩ ናብ ገሃነም እሳት ደርበዮም’ምበር፡ ኣይነሓፎምን። ........ነቶም ሰፈሮም ዝሓደጉ፡ ማዕርጎም ዘይሓለዉ መላእኽቲ’ውን በታ ዓባይ መዓልቲ ምእንቲ ኺፍረዱ፡ ብናይ ዘለኣለም መቝሕ ኣብ ጸልማት ኣሲሩ ዓቝርዎም ኣሎ።” 2ጴጥ 2፡4 ፣ ይሁ 6 ካ.ት
ቅዱስ ጳውሎስ’ውን፡ “ንዘርኢ ኣብርሃም (ንወዲ ሰብ)፡ ኣልዓሎ’ምበር፡ ንመላእኽትስ ኣየልዓሎምን፡” ብምባል፡ እግዚአብሔር ካብ መላእኽቲ ንላዕሊ ንወዲ ሰብ ከም ዘኽበረ ብመንፈስ ቅዱስ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (እብ 2፡16)። እግዚአብሔር ንወዲ ሰብ ካብ ውድቀቱ ኣልዒሉ ናብ መንግስተ ሰማያት ዘእተዎ ኸኣ፡ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ብምሃብ’ዩ (ግብ 5፡31)። ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ድማ ብምስጢረ ስጋዌ፡ ማለት እቲ ፍጹም ኣምላኽ እግዚአብሔር ወልድ፡ ስጋና ለቢሱ ፍጹም ሰብ ብምዃኑን ምእንታና ብሙማትን ዝተረኽበ መለኮታዊ ሓለፋን’ዩ (ፊሊ 2፡7)። ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ምእንቲ ኽንረክብ፡ መለኮት’ዩ ብስጋ ሞይቱልና። ምስጢረ ተዋህዶ ዝተፈጸመ፡ ንሕና ንመላእኽቲ’ኳ ዘይተዋህበ ናይ ንስሓ ዕድልን ክብርን ምእንቲ ኽንረክብ’ዩ። ስለ’ዚ ንንስሓ ኽንሕሰሞ ኸለና፡ ነዚ ብመለኮት ዝተኸፍለ መሪርን ከቢድን ዋጋ ነስተናዕቕን ንረግጽን ምህላውና ኣይንዘንግዕ። ዘይምንሳሕና፡ “ሓጢኣት የብለይን” ዚብል ክሕደት ጥራሕ ዘይኰነ፡ “ክርስቶስ፡ ነዚ ዘየድልይ ንስሓ፡ ንኸንቱ’ዩ እዚ ዅሉ ዋጋ ዝኸፈለ” ዚብል ንምስጢረ ተዋህዶ ዜቃልልን ዜዋርድን መልእኽቲ’ዩ ዜመሓላልፍ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ “ዘይምንሳሕ፡ ሰይጣናዊ’ዩ” ዝተባህለ። ዘይምንሳሕ፡ ክብሪ መለኮት ተሓሲምካስ፡ ጥፍኣት ኣጋንንቲ ምምናይን ምምራጽን’ዩ።
ዘይምንሳሕና ጥራሕ ድዩ ጥበራ ዚኸውን፧ ጥበራ፡ ንንስሓና ዜበላሽወሉ ተኽእሎ ኣሎ ድዩ፧ ብርግጽ ኣለዎ፧ ሰይጣን፡ ነቶም ካብ ዘይምንሳሕ ዘምለጡ ሰባት ክሳዕ ዕለተ ሞቶም ኣይቀብጾምን’ዩ። ስለ’ዚ ነታ ዚፍጽምዋ ንስሓ’ውን ብጥበራ ኺብክላን ኬበላሽዋን ብዅሉ ጥበቡን ሓይሉን ክሳዕ’ታ ናይ መወዳእታ ሕልፈተ ህይወት’ዩ ዚጋደል። ቅድሚ ዅሉ ብዛዕባ’ቲ ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ምሉእ ጓህን ጣዕሳን ከም ዘይስምዓናን ኣቕሊልና ንኽንርእዮን’ዩ ዚጋደል። “ዒራ ኽንስሓሉ’የ” እናበልና፡ ሓጢኣት ንምፍጻም ድሕር ከም ዘይንብል፡ በቲ ናይ እግዚአብሔር ናይ ሕያውነትን ምሕረትን መለኮታዊ ባህርይ እንጻወትን እንሕንቅቕን ብልሹዋት ክርስትያን ይገብረና። ከም’ቲ እግዚአብሔር ብዛዕባ ሓጢኣትና ዚጕህዮ ጌርና ዘይንጕህይ እንተ ዄንና፡ ካብ ብዛዕባ ሓጢኣትና እንጠዓሶ፡ ብዛዕባ ንስሓና እንጠዓሶ’ዩ ዚበዝሕ። ነቲ ዝተነሳሕካሉ ሓጢኣት ትደጋግሞ እንተ ዄንካ፡ ነቲ ሓጢኣትካ ኣብ እትደግመሉ ዅሉ እዋን፡ ብዛዕባ’ቲ ዝኣተኻዮ ንስሓ ትጠዓስ ኣለኻ ማለት’ዩ። ከልቢ ምስ ተፍአ፡ “ነዚ ዚመስል ምግቢ ድየ ተፊአዮ” ኢሉ ነቲ ትፋኡ ተመሊሱ ይምገቦ። ሓሰማ ድማ ነቲ ርስሓት ሰብነታ ስለ እትፈትዎ፡ ዋናታታ ምስ ሓጸብዋ፡ እቲ ምጽራያ ኣጕህይዋ፡ ኣብ’ቲ ሓመድ ብምንግርጋር ካብ’ቲ ቕድም ብዝኸፍአ ትረስሕ። ናይ ጥበራ ንስሓ ድማ፡ ልክዕ ከም ከልብን ከም ሓሰማን’ዩ ዚገብረካ። ኣብ ቅድሚ ሓጢኣት ክትቀውም ከለኻ፡ ብዛዕባ ንስሓኻ ብምሉእ ልቢ ትጠዓስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክትቀውም ከለኻ ድማ ብዛዕባ ሓጢኣትካ ብግብዝነት ትጠዓስ። ጥበራስ ክንደይ ኰን ሕሱም’ዩ፧
“ተጠቢርካ” ማለት “ተዓሺኻ፡ ተታሊልካ” ማለት’ዩ። ኣምላኽ ፈጺሙ ኣይጥበርን ኣይዕሸውን ከኣ’ዩ። ንርእሱ ኣይጥብርን’ዩ። ብዝዀነ ኻልእ ኣካል ድማ ኣይጥበርን’ዩ። እቲ ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረን፡ ነቲ ዝወረሶ መልክዕ ዝዓቀበን ክርስትያን ድማ ኣይጥበርን’ዩ፡ ኪጥበር ከኣ ኣይግብኦን’ዩ። ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ’ቲ ልዕሊ መላእኽቲ ዘኽበሮ ናይ ንስሓ ሓለፋን ክብርን፡ ንጥበራ ዚኸውን ነቓዕ ኪህብ ኣይግባእን’ዩ። ምኽንያቱ ብዛዕባ ሓጢኣትን ንስሓን ተጠቢርካ ማለት፡ ካብ ሰብኣዊ ውድቀት፡ ናብ’ቲ ዝኸፍአ ሰይጣናዊ ውድቀት ጸዲፍካ ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ይትረፍ ንርእስና ኽንጥብር፡ ብጥበራ ሰይጣን ከይንድህለል’ውን ብኣጽንዖት ንጠንቀቕ!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ታሕሳስ 16, 2015 ግዕዝ (25 ታሕሳስ 2022 ፈ [መበል 16 ሰንበት: ቊ.፳፫/23, 2022] |
||
ምስባክ መዝ.42(43)፡3 "ፈኑ ብርሃነከ ወጽድቀከ። እማንቱ ይምርሐኒ ወይሰዳኒ ደብረ መቅደስከ። ወውስተ አብያቲከ እግዚኦ።" "ብርሃንካን ሓቅኻን ልኣኽ፡ ንሳተን ይምርሓኒ፡ ናብ ቅድስቲ ኸረንካን ናብ ማሕደራትካን የብጽሓኒ።" |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ሮሜ 13፡8-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
1ዮሃ 1፡1-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 26፡12-23 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 1፡1-18 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘእግዚእነ |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ