ኣብ ዘመነ ንጉሥ ዘርዓ ያዕቆብ
ተኣምረ ማርያም ዝበሃል መጽሓፍ ብዘመን ሃጸይ ዘርኣ ያዕቆብ’ዩ ካብ ዓረብ ዝተተርጐመ መጽሓፍ ተባሂሉ ዝተሰነደ። ኣንስቲ ዓድና ኣብ ግምባረንን ኣብ ጉምቦ ኢደንን ውቃጦ መስቀል ከዘውትራ ዝጀመራ ኸኣ ኣብዚ ዘመን እዚ ነበረ። ነዚ ንጉሥ እዚ ግን ሓድገምበስ ዝበሃል ትግራዋይ ፈላሲ በዓል ዓዲ ስቡሓ፡ ስግደትን ኣምልኾን ንኣምላኽ ጥራይ እምበር ንኻልእ ማንም ኣይወሃብን ብምባል ድቃስ ከሊእዎ ነበረ። ሃጸይ ዘርኣ ያዕቆብ ትፈልጥዎ ትኾኑ፡ ሓድገምበስ ግን መን እዩ?!
ልደት ሓድገምበስ
ኣዲኡ ሳራ ኣቡኡ ድማ ብርሃነመስቀል ዝበሃል ጅግናን ተዋጋእን ሰብኣይ ነበረ። ብርሃነ መስቀል ገጽ ውሉዱ ከይረኣየ እዩ ዝዓረፈ። ኣብቲ ዓዲ ብዘይ መጠን ግኑንን ስሙይን ብምንባሩ ግን እቲ ኣብ ማሕጸን ዝሓደጎ ዕሸል ምስ ተወልደ፡ እቶም መቕርብ ነቲ ሕጻን ሕዳገ-ኣንበሳ ወይ ሕዳግ ኣንበሳ (በዘልማድ ግን ሓድገምበስ) ኢሎም ሰመይዎ። እዚ ብ1380 ኣቢሉ ነበረ፡ ቅድሚ 633 ዓመታት ኣቢሉ ምዃኑ እዩ።
ኣብ ወዲ 13 ዓመት ዲቁና
ገለ ጽሑፋት ወዲ 18 ዓመት ምስ ኮነ እዩ ዲቁና ዝተቐበለ ይብሉ እዮም። እዚ ይኹን እቲ ብዘየገድስ ግን ነቲ ማዕርግ ካብ ኢድ ኣቡነ በርተሎሜዎስ’ዩ ተቐቢልዎ። ሓድገምበስ፡ ነገረ ሃይማኖት ሕዝ ከብልን ስለምድሓን ነፍሱ ክጭነቕን ሓደ ኮነ። መቕርቡ ከም ኣቦኡ ጅግና ተዋጋኢ ክኾነሎም እዩ ትምኒቶም ዝነበረ። ሓድገምበስ ግን ናብ ነገረ ሃይማኖት ብምዝንባል፡ ቈየስጣ ኣብ ዝበሃል ገዳም ኣትዩ መነነ።
ኣብ ወዲ 30 ዓመት ምንኵስና
ሓድገምበስ ወዲ 30 ዓመት ምስ ኮነ፡ ኣባ እስጢፋኖስ ብዝብል ስም ማዕርገ-ምንኵስና ተቐበለ። ከጽድቕ ይኽእል’ዩ ዝበሎ ኩሉ እናገበረ ኸኣ፡ ሓለፋ እቶም ካልኦት ብጾቱ ፈለስቲ ይጸውምን፡ ይጽልን፡ ኣብ ኩሉ መካነ ቅዱሳት ድማ ይነግድን ነበረ። ነፍሱ ግን ገና ነቲ ከዕርፋ ዝኽእል ልባዊ ሰላምን ዕረፍትን ኣይረኸበቶን ነበረት።
ሌላ ምስ ኣባ ገብረናዝራዊ፡ እቶም ሰባኺ ወንጌል
ኣባ እስጢፋኖስ ምስ ኩሉ ሕቶታቱ እናስተንተነ እንከሎ፡ ሓደ እዋን ኣባ ገብረናዝራዊ ምስ ዝተባህሉ ሰባኺ ወንጌል ተራኸቡ። ኣባ ገብረናዝራዊ ምድሓን ብጐይታና የሱስ ጥራይ እዩ ዝርከብ፡ ኢሎም ኣብ ሸዋን ከባቢአን ብምስባኾም፡ ድሕሪ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ናብ ትግራይ ንኽስደዱ ዝተገደዱ ኣቦ ነበሩ። ንኣባ እስጢፋኖስ ምስ ረኸብዎ ድማ፡ ብዛዕባ ምድሓን ነፍሱ ብጽሑፋት ኣረድእዎ። እቲ ናብ እግዚኣብሄር ኣቦ ከብጽሓና ዝኽእል እንኮ መገዲ፡ እቲ እንኮ ሓቂ፡ እቲ እንኮ ህይወት ክርስቶስ በይኑ ጥራይ እዩ ብምባል ድማ ነቲ ኣብ ልቢ ኣባ እስጢፋኖስ ተቐሚጡ ዝነበረ ሕቶ ብዘዕግብ መገዲ መለሱሉ።
ኣባ እስጢፋኖስ ንትምህርተ ወንጌል ኣስተንተነ
“መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ፡ ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዝመጽእ የልቦን” ዮሃ 14፡6 ዝብል ቃል ምድሓን፡ ባዕሉ ጐይታና የሱስ ዝተዛረቦ ከምዝኾነ ሓሰበ እሞ፡ ዝይዳ ኣስተንቲኑ ድማ ነቲ ዕረፍቲ ዝህቦ ቃል ምድሓን ብእምነት ተቐበሎ። ደጋጊሙ ድማ ቃል ቅዱስ ጽሑፋት መርመረ። ብፍላይ እኳ ንመልእኽትታት ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብምንባብ ከኣ ትርጉም ሓድሽ ኪዳንን ወንጌልን እንታይ ማለት ከምዝኾነ በርሃሉ፡-
ሕጊ ሙሴ ምፍጻም የድሊ ድዩ? ወይስ ኣየድልን
ንዳሕረዋይ ታሪኽ ኣባ እስጢፋኖስ ብምምልካት፡ ምናልባት ኣባ እስጢፋኖስ ኣብቲ ብ1999 ዝተዳለወ ሓድሽ ትርጉም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መእተዊ ናይ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ ተጻሒፉ ንዘሎ፡ ምግላጽ እዩ ተረዲእዎ ዝኸውን ዝብል ግምት ከነሕድር ንኽእል ኢና፡- እቲ መልእኽቲ ናብ ሰብ ገላትያ ዝተጻሕፈ መእተዊ ከምዚ’ዩ ዝብል፡-
ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ዝምህር ቃል ወንጌል እናተሰብከ፡ ኣብ ሞንጎ እቶም ኣይሁድ ዘይኮኑ ሰባት ከኣ ተቐባልነት እናረኸበ ክኸይድ ከሎ፡ “ሓቀኛ ክርስቲያን ንምዃን፡ ሕጊ ሙሴ ምፍጻም የድሊ ድዩ? ወይስ ኣየድልን ዝብል ሕቶ ተላዕለ። ጳውሎስ ከኣ ክርስቲያን ንምዃን ሕጊ ሙሴ ምፍጻም ኣየድልን እዩ፡ እኳ ደኣ ብክርስቶስ ሓድሽ ህይወት ንምርካብ መሠረቱ እምነት እዩ። ሰባት ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክጸድቁ ዝኽእሉ ብእምነት ጥራይ እዩ ብምባል ይማጐት። እንተኾነ ኣብ ሞንጎ እተን ኣብ ገላትያ ዝነበራ ኣብያተ ክርስቲያን ዝነበሩ ሰባት፡ “ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክጸድቕ ዝኽእል ብኢየሱስ ብምእማን ጥራይ ዘይኮነስ ሕጊ ሙሴ ኸኣ ክፍጽም ግቡእ እዩ” እናበሉ ብምምሃር ንጳውሎስ ይቃወምዎ ነበሩ።
ናይ ኣባ እስጢፋኖስ ቀዳማይ ስጉምቲ
ኣባ እስጢፋኖስ ምድሓን ብጐይታና የሱስ ጥራይ ምዃኑ ምስ በርሃሉ፡ እቲ ንኣምላኽ ዘለዎ ፍቕርን ተወፋይነትን ንምግላጽ፡ ኣልኮላዊ መስተ ካብ ምጥዓም ተሓረመ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ብምጽሓፍን ኣብ ጥቓኡ ዝነበሩ መነኰሳትን ንህዝቢ ብምምሃርን ድማ ሰፊሕ ተቐባልነት ክረክብ ጀመረ። ንድኻታት ምርዳእ፡ ንጽጉማት ምሕጋዝ ስርሐይ ኢሉ ተተሓሓዞ፡ በዚ ኸምዚ ነቲ ዝተረድኦ እምነት ብቓልን ብግብርን ተወፍዩ ከገልግል ጀመረ’ሞ ብመጠን እቲ ዝረኸቦ ተቐባልነትን ኣኽብሮትን፡ ገለ ፈለስቲ ግን በቲ ኣከያይዳ ናይ ኣባ እስጢፋኖስ ሕጉሳት ኣይነበሩን’ሞ ተቓወምዎ።
ደቂቀ እስጢፋኖስ ወይ እስጢፋኖሳውያን --> እዋናዊን ተመሳሳልን ኣርእስቲ
ኣባ እስጢፋኖስ ብሰንኪ እምነቱ ብዙሕ ግዜ ይእሰር ነበረ እሞ፡ እቶም ንትምህርቱ ዝስዕቡ ዝነበሩ ድማ ድሕሪ ማእሰርቱ ነቲ ዝነበሮም ሕብረት ብስም ኣባ እስጢፋኖስ፡ እስጢፋኖሳውያን ሓደው ደቂቀ እስጢፋኖስ ብምባል ሰመይዎ። ኣባ እስጢፋኖስ ካብ ማኣሰርቲ ምስ ወጸ፡ ትምህርተ ወንጌል ናብ ምሉእ ዓዲ ንምዝርጋሕ ትሽዓተ ዓበይትን 15 ንኡሳን ማሕበራትን መስሪቱ ትምህርተ እምነት ቀጸለ። እቲ ተቓውሞ ድማ ብእኡ መጠን ዓበየን ዓብለለን።
ገለ ካብ ናይ ኣባ እስጢፋኖስ ተቓውሞ
መነኰሳት፡ መንፈሳዊ ደኣ እምበር ዓለማዊ ስልጣን ክሕዙ ኣይግባእን
ጽላት ዘሙሴ ኣብ ኢትዮጵያ እያ ዘላ ዝብል ጽውጽዋይ እምበር ሓቅነት የብሉን
ስግደት ንኣብ ንወልድ፡ ንመንፈስቅዱስ እምበር ንማንም ካልእ ኣይወሃብን፡ ኣይግባእን ከኣ
ኣብ ቅድሚ ናይ ዝኾነ ይኹን ስእልን ምስልን ምስጋድ ነውሪ እዩ
ንንጉሠ ነገሥት ዘኣኽሱም፡ ኣይሰግድን ዝብል ነበረ
ቁጥዐ ዘርኣ ያዕቆብ
ካብ 1434- 1468 ኣብ ኣኽሱም ነጊሱ ዝነበረ ሃጸይ ዘርኣ ያዕቆብ ንምህሮን ጽንዓት እምነትን ናይ ኣባ እስጢፋኖስ ናብ ንግስነቱ ዘድሃበ ውልቃዊ ተቓውሞ ጌሩ ወሰዶ። ንዕዑን ንደቀ መዛሙርቱን ድማ ደጋጊሙ ብምእሳርን ንኽትሰምዖ ብዘሰቅቕ ብምግራፍን ኣሳቐዮም። ኣባ እስጢፋኖስ ይኹን እቶም ሰዓብቲ ግን እምነቶም ደኣ መሊሱ በርትዐ እምበር፡ በቲ ዝበጽሖም ዝነበረ መግረፍቲ እምነቶም ኣይሓደጉን።
ዕረፍቲ ኣባ እስጢፋኖስ
ኣብ ሻብዓይ ወርሒ ናይታ መወዳእታ ማእሰርቱ ኣባ እስቲፋኖስ ድሕሪ ብዙሕ ስቓይ ብዓቢ ድምጺ ሰለስተ ግዜ “ክርስቶስ፡ ክርስቶስ፡ ክርስቶስ” ኢሉ ድሕሪ ምጽዋዕ ኣብ ዓቢ ስቕታ ኣተወ፡ ነፍሱ ድማ ወጸት።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ