S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዘይከውን ዘረባ ኣባጅጎ ቀረባ

ጅጎዝበሃል ኣምላኽ ከምዘሎ፡ ሰሚዐን ኣንቢበን ኣይፈልጥንየ።ኣባ ጅጎ፡ መብልዒ ጐጎ፡ ማይ ጃሕ ኣብሎክንብል ግን ይዝከረኒ። 

ስለዚ እቲኣባጅጎዝብል ስያሜ፡ ምናልባት ካብቲጐይታዝትርጉሙ፡እግዚእ፡ እግዚኦዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝተወርሰ ኣበሃህላ ክኸውን ከምዝኽእል ክግምቶ እኽእልየ። ሱር ሓሳበይ ግን ካብቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊሊጲ፡እግዚኣብሄር ቀረባኢሉ ዝጸሓፎ መልእኽትን ካብቲ ዓበየይ ትነግረኒ ዝነበረትዘይከውን ዘረባ ኣባጅጎ ቀረባዝብል ኣበሃህላን ንሓድሕዱ ስለዘይተቓደወለይ ክጽሕፍ ተደሪኸ ዘለኹ። ብመሰረት እታ ናይ ዓባየይ ኣበሃህላ፡እግዚኣብሄር ቀረባ እዩ!” ኢልካ ምሕሳብ፡ ትርጉም-ኣልቦ ዘረባ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ሰብ ምስ እግዚኣብሄር ሕብረት ወይስ ሓድነት ክህልዎ ይኽእል ኢልካ ምሕሳብሲ፡ ፍጹም ዘይከውንን ዘይከኣልን ማለት! “እህም!” በልኩም! እንታይ ደኣ ክትገብሩ!!

እቲ በኺኻ ዘይጽገበሉ ዝንቡዕ ሓሳብ ግን፡ ከምዚ ዝዓይነቱ መረዳእታን መርገጽን ዘለዎም፡ ኣብዚ ዘለናዮ ዘመነ ሓድሽ-ኪዳንውን ምህላዎም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ኣስተበቍዐክሙ ኣኃዊነ በሣህሉ ለእግዚኣብሔር…. ወሐድሱ ልበክሙእናበለ  ኽንሱ ኸኣ፡ ኣብ ክንዲ ተነሲሕካ ናብ እግዚኣብሄር ምቕራብ ከምዝግባእ ዝምህሩ፡ ኣብ ሞንጐ ሰብን እግዚኣብሄርን ያኢ ወዲ ሰብ ክበጽሖ ዘይክእል ዓቢ ጋግ ከምዘሎ ጥራይ ጌሮም ዝምህሩን አረ ዝግዕሩን ምህላዎምዩ። ሰብ ብሞንጎኛ ኣቢሉ እንተዘይኮይኑ ባዕሉ ምስ እግዚኣብሄር ሕብረት ክገብር ዝኽእል የልቦን፡ ዝዓይነቱ ሰረተ-ዝንቡዕ ምህሮ እናሰዓቡ ክንሶም ከኣ ዘረባ ተረኺቡለይ ድማ ያኢ፡ ተሓድሶ ኣየድልየናን ኸኣ ይበሃለለይ!!

እግዚኣብሄር ቀረባ ድዩ ርሑቕ?

ነቶም ንኽርስቶስ በቲ ኣማኑኤል ዝብል መጸውዒኡ ዝፈልጥዎን ተረዲኦም ከኣ ዝኣምንዎን ዘበሉ፡ እቲ ኣብ ሞንጐ እግዚኣብሄርን ኣብ ሞንጎኦምን ዘሎ ፍልልይ፡ ከምቲ ኣብ ሞንጎ ምድርን ብርኪ ወዲ ሰብን ዘሎ ፍልልይ እዩ፡- ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ምስ ኣምላኾም ንምርኻብ ብርኮም ምዕጻፍ ጥራይ እዩ ዘድልዮም። ብሓቂ ድማ እቲጸውዓኒ ክመልሰልካ፡ ዘይትፈልጦ ዓብዪን ስዉርን ነገር ድማ ከፍልጠካዝበለ ጐይታ ኸኣ ደበኽ ይብለሎም።

ኣማኑኤል ማለት፡ እግዚኣብሄር ምሳና ማለት እዩ

ሃዋርያ ዮሃንስ፡ሕብረትና ምስ ኣቦን ምስ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ፡ኢሉ ብምሉእ ምርዳእ ክጽሕፍ ከሎ፡ህይወት ተገሊጻ እያ፡ ንሕና ኸኣ ርኢናያ ኢናእናበለ እዩ ዝትንትን፡ (1ዮሃ12-3) ጐይታናን መድሐኒናን የሱስ ክርስቶስ ድማ፡ " ኣቦይ፡ ከምቲ ንስኻ ኣባይ ዘለኻ፡ ኣነውን ኣባኻ ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ምእንቲ ኽኾኑ እልምን ኣለኹኢሉ ጸለየ፡ (ዮሃ1721) ኣብ መወዳእታ ክፋነዎም ከሎ ድማእንሆ ኣነ ኸኣ ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ኩሉ መዓልቲ ምሳኹም እየ፡ ኢልዎም ዝኸደ፡ ማቴ 2820 ስለምንታይ ደኣ ኣቦ ከምዘይብሎም ዘኽታማት ኴንና ንኣምላኽ ኣብ ዘይርከብ ሰማይ ጥራይ ከምዝሰፈረ ጌርና ኣብ ርሑቕ እነቐምጦ?!

ካብ እግዚኣብሄር ዝፈላልየና ሓጢኣት እዩ

እግዚኣብሄር ብኣፍ ነቢይ ኢሳይያስ ኣቢሉ፡ኣብ መንጎይን ሞንጎኹምን ኮይኑ ዝፈላልየናስ ሓጢኣትኩም እዩኢሉ ሓበረ። ክብሪ ነቲ በጃ ሓጢኣት ኩሉ ዓለም ኣብ መስቀል ዝተሸንከረ ጐይታ ይኹን እሞ፡ ክርስቶስ ድማ ነቲ ኣብ ሞንጐ ዝነበረ ከልካሊ ቀጽሪ ኣፍሪሱ ሰላም ኣወጀልና!! ስለዚ ድማ ምስ ኣምላኽ ብጐይታና መድሐኒናን የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዕርቂ ኮነልና! በዚ መሰረት ከኣ ንስሓ ሳሙና ሓጢኣት ንብል።ምስኡ ሕብረት ኣለና እናበልና ኣብ ጸልማት እንተነበርና ንሕሱ፡ ሓቂውን ኣይንገብርን ኢና ዘለና፡ …. ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኩሉ ሓጢኣት የንጽሃና እዩ፡ሓጢኣትና እንተተናዘዝና፡ ኣምላኽ እሙንን ጻድቕን ስለዝኾነ ንሓጢኣትና ይቕረ ክብለልና፡ ካብ ኩሉ በደልናውን ኬንጽሃና እዩ፡ተባሂሉ ድማ ተጻሕፈልና፡ (1ዮሃ16-9)

ስለዚ እግዚኣብሄር ቀረባ

ሎሚ ብምኽንያት እዚ ጀሚርናዮ ዘለና ዓቢይ ጾም፡ እቲ ብመጀመርያ ከነረጋግጾ ዘድልየና ነገር፡ እግዚኣብሄር ነቶም ብሓቂ ዝጽውዕዎ ቀረባኦም ከምዝኾነ እዩ። ገለ ከምዝጨንቆ ነቲ ከሃሌ-ኩሉ ዝኾነ ኣምላኽና ኢድ ሰብ ኣይተገልግሎንያ፡ ስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ሒዝካ ምቕራብ ጥራይ ድማ ዝደሊሞ፡ ኣቱም ኩልኹም እትጽዕሩን፡ ጾር ዝኸበደኩምን ናብቲ በይኑ ከዕርፈኩም ዝኽእል ናብ ጐይታና መድሐኒናን የሱስ ክርስቶስ ኣቢልኩም ክትጥምቱ፡ ከም ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ጌረኣስተበቍዐክሙ ኣኃዊነ በሣህሉ ለእግዚኣብሔርእናበልኩ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም ኣለኹ።

እግዚኣብሄር ይደግፈና!

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div