ስብከተ ወንጌል ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - Sermon from the lectern of the Church
“ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ’ያ። ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ-ሕይወት፡ እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ-ፍርዲ ኺወጹ እዮም’ሞ፡ በዚ ኣይትደነቑ።” ዮሃ 5፡28,29።
Archangel Gabriel Eritrean Orthodox Church of NY ቤተ ክርስቲያን ምስ ዋሽንግቶን እንታይ ዘራኽብ ኣለዋ? ዝብል ሓታቲ እንተተረኽበ ዘገርም ኣይኮነን። ከምቲ ዓደቦና ‘‘ኣሉላን ዘሎ ዓዲ ተኽላይ፡ ጣልያንን ዘሎ ስግር ቀላይ’’ ዝብልዎ፡ እቲ ኣብ መንጎአን ዘሎ ርሕቀት ኣዝዩ ርሑቕ’ዩ።
ስብከተ ወንጌል ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - Sermon from the lectern of the Church
“ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሓደግናሎም በደልና ሕደገልና። . . .ንሰብ በደሎም እንተ ሓደግኩምሎም፡ ንኣኻትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ኪሓድገልኩም’ዩ። ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሓደግኩምሎም ግና፡ ንኣኻትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይሓድገልኩምን’ዩ።” ማቴ 6፡12,14,15።
ሕጂ ድማ እቶም ዓቢይ ኦርቶዶክሳዊ ሊቅ መጋቤ ምሥጢር መብራህቱ መባእ ዓሪፎም ዝብል መርድእ ይስማዕ ኣሎ። ሓቂ ንኸይከውን እዝንና ዓጺናን ዓይንና ዓሚትናን ከነሕልፎ እንተ ንኽእል ክንደይኮን ደስ ምበለና!! ከም ትምኒትና ክኾነልና ግን ዝኽእል ኣይኮነን። እቶም ዓቢይ ሊቅ ሓሊፎም እዮም። ነቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ዘሎ ህልው ኵነታት ክጻወርዎ ስለዘይከኣሉ፡ ገዲፎሞ ክኸዱ መሪጾም።
ስብከተ ወንጌል ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - Sermon from the lectern of the Church
ኢየሱስ ከኣ በሎም፡ <እቶም ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ እዚ ኻብ እግዚኣብሔር ኰነ፡ ኣብ ኣዒንትና’ውን ግሩም’ዩ፡> ዚብል ጽሑፋትዶ ከቶ ኣየንበብኩምን፧> ማቴ 21፡42።
ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው ዮርክን ከባቢኣን ክቡራን ሕዝበ ክርስቲያን እስከ ነዚ ዝስዕብ ጥቕሲ ህድእ ኢልና ነንብቦ እሞ ነቲ ኣብ ኣኅዋትና ዘሎና ሓቀኛ ኣረኣእያ ንመርምርን ንተዓዘብን። ሓዋርያ ዮሓንስ ኣብ መልእኽቱ ‘‘ኣብ ብርሃን ኣሎኹ’’ ዚብል ንኃዉ ኸኣ ዚጸልእ ገና ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ። እቲ ንኃዉ ዘፍቅር ኣብ ብርሃን እዩ ዚነብር። ኣብኡውን መዓንቀፊ የልቦን።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ