S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዓመታዊ ክብረ በዓል ደብረ ግእዛን መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ኣትላንታ

ደብረ ግእዛን መድኃኔ ዓለም ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣትላንታ። ናብ ክቡራት ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን:
ንዕለት 4 ሚያዝያ 2009 ዓመታዊ ክብረ በዓል ደብረ-ግእዛን መድኃኔ ዓለም ቤተክርስቲያን ኣትላንታ ዝኽበረሉ እዩ። ብተወሳኺ፣ መበልዓስራይ ዓመት ቤተክርስቲያንና ስለ ዝኾነ ኩሉኹም ነዚ ድርብ መንፈሳዊ በዓልን ምኽባር ኽትሓብሩና ብኽብሪ ንዕድም። ትርጉም እዚ በዓል መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ኢሉ ክብሪ ሰማያት ራሕሪሑ ሥጋና ለቢሱ ከድሕነና ዝኸፈሎ ዋጋ ዘዘክረና ዕለት እዩ። ከምቲ ቅዱስ ወንጌላዊ ዮሓንስ ኣብ ወንጌል 3፡16 ዝብሎ ”በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዘበለ ዅሉ ናይ ዘልዓለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር ከይጠፍእሲ ኣምላኽ ንወዱ በጃ ክሳዕ ዝህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” ስለዚ ንድሕነትና ዝተኸፍለ ዋጋ እናዘከርና ነዚ በዓል ተሳተፍቱ ንኹን።

ሰዓታት መደብና

ዓርቢ 3 ሚያዝያ 2009:- ዋዜማ: ሰዓት 6፡00- 8፡00 pm

ቀዳም 4 ሚያዝያ 2009

1. ስብሓታትን ማሕሌትን 5፡00 - 8፡00 ንጉሆ

2. ጸሎተ ቅዳሴ 8፡00 - 10፡00 ንጉሆ

3. ስብከትን ዑደት 10፡00 - 12፡00 ቀትሪ

4. ምሳሕ ንግደትን መዛሙርን 12፡00 - 5፡00 ድ/ቀትሪ

ብተወሳኺ፣ ንናኣሽቱን መንእሰያትን ዝኸውን ዝተፈላለየ መደባት ተሰሪዑ ኣሎ።

በረኸት ኣምላኸ-ሰላም መድኃኔ ዓለም ምስ ኩልና ይኹን !

እግዚኣብሔር የሰንኹም

ሰበኻ ጉባኤ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div