“ንሱ ግና፡ ‘እቲ ዘሕወየኒ’ዩ፡ ‘ዓራትካ ኣልዕል’ሞ ኪድ’ ዝበለኒ’፡ ኢሉ መለሰሎም። ..... ድሕሪዚ ኢየሱስ ኣብ ቤት መቕደስ ረኸቦ’ሞ፡ “እንሆ ሓዊኻ፡ ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካስ፡ መሊስካ ኣይትበድል” በሎ። እቲ ሰብኣይ ከይዱ፡ ንኣይሁድ እቲ ዘሕወዮስ ኢየሱስ ምዃኑ ነገሮም። ስለዚ፡ ... ኪቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ።” ዮሃ 5፡11,14-16።
ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና እዚ ራብዓይ ሰንበትን ሳምንትን ናይዚ ዓብይ ጾምና (ጾመ-ኣርብዓ) “መጻጕዕ” ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። ብትግርኛና፡ “መጽጕዐ” ማለት “ለመሰ፡ ተደነሰ” ማለት’ዩ። እቲ ነዚ ዕለት’ዚ ዝተሰርዓልና ንባባት ሓድሽ ኪዳንን፡ ምስባክን መዝሙርን’ውን ብዛዕባ’ዚ ኣርእስቲ’ዚ ዜመልክቱና’ዮም። እዚ ዕለትን ሳምንትን’ዚ ብዛዕባ’ቲ ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ስጋኡ ዝጾሮ፡ ኣብ መስቀሉ ዝጾሮን፡ በቲ ናይ ፈውሲ ተኣምራቱ ዝጾሮን ሕማማትና እንዝክረሉን ንኣምላኽና እነመስግነሉን፡ ብዛዕባ’ቲ ሕጂ ብስጋ ዜጋጥመና ሕማማት’ውን እምነትናን ጸሎትናን እነዕብየሉ ቕንያት’ዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ብዛዕባ ሕማም ዘለዋ ኣስተምህሮ፡ ኣብቲ ምስጢረ ቀንዴል ዝተሰምየ ትምህርታን ስርዓታን ብዕምቈት ተገሊጹልና ኣሎ።
ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብንጹር ተገሊጹ ኸም እንረኽቦ፡ ሕማምን ድኽነትን ካልእ ኵሉ ማሕበረ ቝጠባዊ ጸገማትን ብሰሪ ሓጢኣትና ዝወረደና’ዩ። ምድሪ ብሰሪ ሓጢኣትና እሾዅን ተዀርባን ከም ዘብቈለት፡ እታ ኻብ ሓመድ ምድሪ ዝተሰርሐት ስጋና ኸኣ ናቱ እሾዅን ተዀርባን ዝዀነ ሕማማት ኣብቈለ። ሰብን ሓጢኣትን ኣብዛ ዓለም’ዚኣ ኽሳዕ ዘለዉ ዚቕጽል ዘየቋርጽ ተርእዮ ድማ’ዩ። እግዚኣብሔር ወልድ ስጋና ለቢሱ ኣብ ማእከልና ምስ ሓደረ፡ ሓጢኣት ደኣ’ዩ ዘይገበረ’ምበር፡ ነቲ ብሰሪ ሓጢኣት ኣብ ስጋ ዚወረድ ኵሉ ሳዕቤናት ግን ተቐቢልዎን ጸይርዎን’ዩ። ድኻም፡ ጥምየትን ጽምኣትን፡ ድኽነት፡ ሕማም፡ ሞት፡ ወዘተ ጐይታና ዝተኻፈሎም ሳዕቤናት ሓጢኣት’ዮም። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦
“እምበኣር ናብ ሰማያት ዝዓረገ ዓብይ ሊቀ ካህናት፡ ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ ካብ ዚህልወና፡ ኣብ እምነትና ንጽናዕ። ከመይ ሓጢኣት ዘይገበረ ኸሎስ ከምዚ ኸማና ብዅሉ ተፈተነ። ስለዚ ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይክእል ሊቀ ካህናት ኣይኰነን።”
“ስለዚ ሓጢኣት ህዝቢ ምእንቲ ኼተዓርቕ፡ ብናይ ኣምላኽ ዘበለ ደንጋጽን እሙንን ሊቀ ኻህናት ምእንቲ ኪኸውን ብዅሉ ነቶም ኣሕዋቱ ኺመስሎም ተገብኦ። ንሱ ባዕሉ ኺፍተን ከሎ ተሰቕዩ እዩ’ሞ፡ ነቶም ዚፍተኑ ኺረድኦም ይከኣሎ’ዩ።”
ብምባል ገሊጹሎና ኣሎ1። ሕማምን ድኽነትን ካልእ ኵሉ ማሕበረ-ቝጠባዊ ጸገማትን፡ ሳዕቤን ናይ ሓጢኣት’ምበር፡ ናይ ዘመንና መምህራን ሓሶት ከም ዜስተምህርዎ፡ ሓጢኣት ኣይኰነን። ሕማምን ድኽነትን ሓጢኣት ነይሩ እንተ ዚኸውን፡ ጐይታ ኣይምሓመመን ኣይምደኸየን ነይሩ። ካብ ጽድቁን ቅድስናኡን ከይጐደለ፡ ንዅሉ ሳዕቤናት ሓጢኣት፡ ክሳዕ ሞት’ኳ፡ ጾረ። ጐይታ ብኸመይ’ዩ ሕማምና ዝጾረ፧ እቲ ቐዳማይ ዝጾረሉ ኣገባብ፡ ከምቲ ንሕና እንሓምሞ፡ ብስጋኡ ብምሕማም’ዩ። ካብ ናብ ነብዪ ኢሳይያስ ስእላዊ ኽንብሎ እንኽእል ትንቢታት ከም እንርድኦ፡ ጐይታና ኸቢድ ዝዀነ ሕማም ስጋ ጸይሩ ይመላለስ ከም ዝነበረ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና።
“.... መልክዕን ውቃበን ኣይነበሮን፡ ምስ ርኣናዮ፡ ዜብህገና ትርኢት ኣይነበሮን። ንዑቕን ብሰብ ድርቡይን’ዩ፡ ብዓል ስቓይ፡ ብሕማም ልዱይ፡ ከምቲ ኣብ ቅድሚኡ ገጾም ዜጐልብቡሉ ሰብ እተዋረደ’ዩ፡ ንሕናውን ገለ’ኳ ኣየቋጸርናዮን። ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፡ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ፡ ንሕና ግና ከም እተወቕዐን ብእግዚኣብሔር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን ጌርና ኣቋጸርናዮ።” ኢሳ 53፡2-4
ኣብ ኣርባዕቲኡ ወንጌላት፡ ጐይታና ብስጋ ብዛዕባ ምሕማሙ ዚገልጽ ጽሑፍ እንተ ዘየልቦ’ኳ፡ ነቲ ብነብያት ብዛዕባኡ ዝተዘርበ ዅሉ ኸም ዝፈጸሞ ግን ብንጹርን ብተደጋጋምን ተገሊጹልና’ዩ። ንሕማምና’ውን ኣብ ስጋኡ እንተ ዘይጾሮን እንተ ዘይምከሮን ድማ፡ ቅዱሳን ሃዋርያት “ብኹሉ ኸምዚ ከማና ዝተፈተነ” ምዃኑ ኣይምጸሓፉልናን ነይሮም። ብስጋ ኸይሓመመ እንተ ዚሓልፎ ድማ፡ “ንድኻምና ጾሮ” ኽንብል ኣምኸኣልናን። እቲ ቕዱስ ነብዪ ግና፡ “በዓል ስቓይ፡ ብሕማም ልዱይ” ክሳዕ ዚበሃል ሓለፋ ዅላትና ነቲ ብሰሪ ሓጢኣትና ዝመጸ ሕማም ከም ዝጾሮ ኣነጺሩ ገለጸልና። እዚ ንዛረበሉ ዘለና ሕማም፡ እቲ ብባህርያዊ ምኽንያት ንእንሓምሞ ሕማማት ዚምልከት’ዩ።
እቲ ኻልኣይ ጐይታና ዝጾሮ ሕማምና ድማ፡ ሕማማት መስቀል’ዩ። እዚ ድማ ብባህርያዊ መገዲ ዘይኰነስ፡ ብኢድ ሰባት ዝወረደ ሕማም’ዩ። ነዚ ሕማማተ መስቀል ኣመልኪቱ ኸኣ፡ ነብዪ ኢሳይያስ ብንጹር ተነብዩልና ኣሎ።
“ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕናውን ብስምራቱ ሓዌና።” ኢሳ 53፡5
ከምቲ ንኣና፡ ባህርያዊ ሕማማትና ናብ ሞት ዜብጽሓና፡ ብኢድ ሰባት ብዝወረደና ጕድኣትን ሕማምን ድማ ናብ ሞት ንበጽሕ ኢና። ጐይታና’ውን ኣብ መወዳእታ፡ ሰባት ብዘውረዱሉ መግረፍትን ምሽንካርን’ዩ ብመድመይትን ብሕሱም ቃንዛን ዝሞተ። ነቲ ንሕና ብሰሪ ሓጢኣትና ዀነ ብሰሪ እምነትና ዚወርደና ቐታሊ ስቓይን ጕድኣትን ብምልኣት ተቐቢሉልናን ጸይሩልናን’ዩ።
እቲ ሳልሳይ ንሕማምና ዝጾረሉ መገዲ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ሕማማት ብመለኮታዊ ኸኣልነቱ ብምፍዋስ’ዩ። ብሕያውነቱ ኻብ ሕማምና ኺፍውሰና ኸሎ፡ ሕማምና ይጾረልና ኸም ዘሎ ኸነስተውዕል ይግብኣና’ዩ። እዚ፡ “ንሕማምና ጾሮ” ዚብል ትንቢታዊ ቓል፡ ነቲ ንሱ’ውን ሕማምና ብምሕማም ዝጾሮ ጹረት ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ነቲ ናይ ምፍዋስ ተግባሩ’ውን ከም ዝዀነ፡ ወንጌላዊ ማቴዎስ ምስቲ ትንቢታዊ ቓል ብምዝማድ ብንጹር ኣብሪሁልና ኣሎ።
“ምሸት ምስ ኰነ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ብዙሓት ናብኡ ኣምጽኡ። እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ <ንሱ ድኻምና ወሰደ፡ ሕማምና’ውን ጾረ፡> እተባህለ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ብቓሉ መናፍስቲ ኣውጽአ፡ ሕማም ንዘለዎም ኵሎም ድማ ኣሕወዮም።” ማቴ 8፡16,17
ካብዚ ኣገላልጻ ናይ ወንጌላዊ ማቴዎስ እምበኣር፡ እቲ ናይ ምፍዋስ ተግባሩ፡ ሕማምና ናይ ምጻሩ መርኣያ ምዃኑ ኸነስተውዕሎ ንኽእል ኢና። እግዚኣብሔር ምሕረት ገይሩ ኻብ ሕማምና ኺፍውሰና ኸሎ፡ ዚበዝሕ ጊዜ፡ “እግዚኣብሔር ምሒሩኒ፡ እግዚኣብሔር ኣሕውዩኒ” እምበር፡ “እግዚኣብሔር ሕማመይ ጸይሩለይ” ኣይንብልን ኢና። እዚ ድኻምና’ዚ ድማ፡ ናብቲ ኽንበጽሖ ዚግብኣና ደረጃ ናይ ፍልጠት-ሓቂ ዘይምብጻሕና ዜመልክት’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ እግዚኣብሔር ኵሉ ሰብ ናብ ፍልጠት-ሓቂ ኺበጽሕ ዚፈትው ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ንሕና’ውን ናብ ፍልጠት-ሓቂ ንምብጻሕ ክንጋደል ይግብኣና። ብፍልጠት-ሓቂ ብዝጐደልናይዮ መጠን፡ ብሓጢኣት እናወሰኽና ኢና እንኸይድ2። ከመይሲ፡ ብዘይ ፍልጠት-ሓቂ ናብ ፍጹምነት ኪብጻሕ ኣይከኣልን’ዩ።
እዚ “መጻጕዕ” ዝተሰምየ ሰንበትን ሳምንትን እምበኣር፡ ብዛዕባ’ዚ ጐይታ ሕማምና ብምጻር ዘርኣየና ሕያውነት ንምስትንታን ዝተሰርዓልና’ዩ። ኣብዚ ናይዚ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል ተዘንትዩልና ዘሎ ታሪኽ ድማ ናይ ሓደ ንሰላሳን ሾሞንተን ዓመት ዚኣክል ዝመጽጕዐ (ዝለመሰ) ሰብኣይ ናይ ሕውየት ታሪኽ’ዩ። እዚ ሰብኣይ’ዚ ብናይ ጐይታ ምሕረት ብተኣምር ድሕሪ ምሕዋዩ። ዓራቱ ጸዊሩ እናኸደ ኸሎ እቶም ናይ ሕጊ ኣይሁድ ተጣበቕቲ ኣብ መገዲ ረኺቦም፡ ሕጊ-ሙሴ ብምፍራሱ ኣዋጠርዎ። በቲ ዝቐረበሉ ሕቶታት፡ እዚ ሰብኣይ’ዚ ነቲ ዝተገብረሉ ምሕረትን ነቲ ዝመሓሮ ጐይታን ከም ዘየስተውዓለ ተቐልዐ። ካብቲ ናይ ነዊሕ እዋን ድናሰ ዘሕወዮ ሰብ ብመልክዕ ኰነ ብስም ኪፈልጦ ዝዀነ ግዳሰ ኣየርኣየን። ኣብ ቤት መቕደስ ገጽ ንገጽ ምስ ተራኸቡ ኸኣ፡ ጐይታ ነቲ ኸም ኣርእስትን መሪሕ ጥቕስን ተጠቒምናሉ ዘለና ኣገዳሲ ምኽሪ ሃቦ። በቲ ፈላጥ ኵሉ ባህርዩ ተደሪኹ፡ ደጊሙ ኺብድልን ካብቲ ዝቐደመ ሕማሙ ዚኸፍእ ነገር ኬጋጥም ኸም ዚኽእል ስለ ዝፈለጠ፡ “ካብዚ (ረኺብካዮ ዝነበርካ) ዚገድድ ከይረኽበካስ፡ መሊስካ ኣይትበድል” ኢሉ መዓዶ። እዚ ኻብ ስጋዊ ሕማሙ’ምበር ካብ ሕሱሙን ዘይምስትውዓሉን ዘይሓወየ ሰብ ግና፡ ብኡንብኡ ንጐይታ ናብ ምብዳል ተጓየየ። ናብቶም ንጐይታ ኪኸስሱን ኬፈንጥሩን ዚጽዕቱ ዝነበሩ ሰባት ከይዱ እቲ ብሰንበት ዓራቱ ኺጸውር ዝኣዘዞ፡ ንሱ ኢየሱስ ምዃኑ ነገሮም። ከይዶም ንጐይታ ምስ ተዛረብዎ፡ ንሱ ኸኣ፡ “ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይገብር፡ ኣነ’ውን እገብር ኣለኹ” ኢሉ መለሰሎም። በቲ ዝገበሮን ዝመለሶን ኣሳቢቦም ድማ ንጐይታ ኬሳጕጕዎን ንምቕታሉ ኺህንደዱን ጀመሩ። እቲ ዝተፈወሰ ሰብኣይ፡ መሊሱ ንኸይብድል እናተነግሮ፡ ነቲ ናይ በደል ጽልምኣቱ “ኣሃዱ” ኢሉ፡ በቲ ዝፈወሶ ጐይታ ጀመረ። “ንሰላሳን ሸሞንተን ዓመታት ካብ ምምጽጓዕ ዚኸብድ ሕማም ስጋ ኣሎ” ኽትብል ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ። ካብ ሕማም ስጋ ዝኸበደ፡ በደል ምፍጻም’ዩ። ይንዋሕ ይኽበድ፡ ሕማም ስጋ ካብ ዕድመ ሰብ ዚነውሕ ዕድመ፡ ካብ ሞት ስጋ ዚኸብድ ሳዕቤን የብሉን። በደል (ሓጢኣት) ግን ሞት ስጋን ነፍስን ዜውርድ እቲ ዝኸፍአ መንፈሳዊ ሕማም’ዩ። ዓይነት ናይቲ ሞት ከኣ ዘለኣለማዊ ሞት’ዩ። ከም ሞት ስጋ ኣብ መቓብር ምድቃስን ምብስባስን ዘይኰነስ፡ ሓዉ ኣብ ዘይጠፍእ ሓሰኻኡ ኣብ ዘይመውት ገሃነመ እሳት ንዘለኣለም እናተሳቐኻ ምንባር’ዩ3። ስለዚ ዘለኣለማዊ ሞት ዜስዕብ በደል ከይብድል’ዩ ዘጠንቀቖ።
እዛ “መሊስካ ኣይትበድል” እትብል ስምዕታ፡ እቲ ዝቐደመ ሕማሙ’ውን ብሰሪ በደሉ ዝተዋህቦ መቕጻዕቲ ምዃኑ እተረጋግጸልና’ያ። እዚ ሰብኣይ’ዚ ግና ንኽብደት ናይቲ ዝፈጸሞ ቐዳማይ በደልን ነቲ መሪር ናይ 38 ዓመታት ሳዕቤኑን ዘስተውዓሎ ኣይመስልን’ዩ። ኣስተውዒልዎ እንተ ዚኸውን፡ ነቲ ዝኸፍአ ሳዕቤን ዚህልዎ ኻልኣይ በደል ንምፍጻም ኣይምተሃንደደን ነይሩ። ኣብቲ መስተንክር ሕውየት ዝረኸበሉ ቕንያት ማዕረ ኽንድዚ ንምብዳል ዝተሃወኸስ፡ እቲ መዓልታት ነዊሑ ሓሚሙ ምንባሩ ኽሳዕ ምርሳዕ እንተ በጺሑ ደኣ፡ በደሉ ንምብዛሕ ክንደይ ኣብዚሑ ዀን ኪተግህ’ዩ!! ካብ ከምዚ ዝበለ ትሪ ልብን ናይ ዘምስትውዓል ጸልማትን ኪስውረና ብልቢ ተጊህና ኽንጽልይ ይግብኣና’ዩ።
ንኣምላኽን ንሰብን ምብዳል፡ ብሓቂዶ ጠንቂ ሕማም-ስጋ ይኸውን’ዩ፧ ብርግጽ!! ናብ ዓለምናን ናብ ኵሉ ሰብን ሕማም ዝተኣታተወ ብሰሪ’ቲ ኣዳምን ሄዋንን ዝፈለምዎ፡ ንሕና ኸኣ ፈቲና ዝሰዓብናዮ ናይ ዕልወት ሓጢኣትዶ ኣይኰነን፧ እግዚኣብሔር ሰናይን ሕያዋይን ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ሓጢኣትና ኸቢድ ሳዕቤኑ ድማ መሪር ምዃኑ ኣስተውዒልና ብንስሓ ናብኡ ኽንምለስ ይደልየና’ዩ። ስለዚ ኸኣ’ዩ ብቕዱሳን ነብያቱ ገይሩ ብኸምዚ ዚስዕብ ዜለብመና።
“ካብ ጥንቲ ጀሚረ ኣርዑትኪ ሰበርኩ፡ መኣሰርኪ በጠስኩ፡ ኣይግዛእን ድማ በልኪ፡ ኣብ ኲሉ (ቦታ) .... ንዝሙት ጠንቀላዕላዕ በልኪ’ሞ፡ ክፍኣት ርእስኺ ኪቐጽዓኪ፡ ዘይእምንቲ ምዃንኪ ድማ ኪግስጸኪ’ዩ። እምበኣረይ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽኪ ምሕዳግን ንኣይ ዘይምፍራህን ክንደይ ክፉእን መሪርን ምዃኑ ፍለጥን ረኣይን፡.....።” ኤር 2፡19,20
ሳዕቤን ሓጢኣት መሪር ምዃኑ ንኼርእየና ኻብ ዚጥቀመሎም ኵነታት ሓደ ድማ ኣካላዊ ሕማም (ሕማም-ስጋ)’ዩ። ናብቲ ዝኸፍአ ዘለኣለማዊ ቕጽዓት ካብ ምእታው ምእንቲ ኼድሕነና ኢሉ ብሕያውነቱ ተደሪኹ ዚህበና ቐሊል መግናሕቲ’ዩ። ብኸምዚ ዘመሰለ ግብሪ-ሕያውነት ኪገንሓና እንተ ዘይፈቐደ፡ ኪኖ ደረት ንስሓ ሓሊፍናስ ንሓዋሩ ቐቢጹና’ሎ ማለት’ዩ። ብርግጽ ንዜፍቅሮም ሓጥኣን ዚገንሓሉ ጥበቡ፡ ሕማም ጥራሕ’ዩ ማለትና ኣይኰነን። ነዚ ናይዚ ዕለት ትምህርትና ዝተመርጸ ኣርእስቲ ንሱ ስለ ዝዀነ’ዩ፡ ብዛዕባኡ ጥራሕ ንዛረብ ዘለና። ስለዚ ሓደ ሰብ ኣካላዊ ሕማም ምስ ዜጋጥሞ፡ መጀመርታ ኺገብሮም ካብ ዚግባእ ኣገደስቲ ስጕምትታት፡ “ኣበየናይ ሓኪም እንተ ኸድኩ ይሕሸኒ፧” ዘይኰነስ፡ “እግዚኣብሔር በዚ ሕማም’ዚ ኼመሓላልፈለይ ዝደለየ መልእኽቲ እንታይ’ዩ፧ ነዚ ሕማም’ዚ ኼቃልዓኒ ዚኽእል፡ እንታይ ዝፈጸምክዎ ኣበሳ ዀን ይህልወኒ፧” ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ብዕቱብነትን ብዕምቈትን ምምርማር’ዩ። ብሓጢኣት ዝተወቕዐ ኣእምሮ ናይ ምስትውዓል ዓቕሙ ስለ ዚድፈን፡ ኣብቲ ናትና ርእስና ናይ ምምርማር ዓቕሚ ኽንውከል ኣይግባእን’ዩ። ከም ቅዱስ ዳዊት፦
“ዎ ኣምላኽ፡ መርምረኒ፡ ልበይ ከኣ ፍለጥ፡ ፈትነኒ፡ ሓሳበይ’ውን ፍለጥ፡ መገዲ ዓመጻ እንተ’ልዩኒ ርአ፡ ናብቲ ናይ ዘለኣለም መገዲ ምርሓኒ።”
ኢልና ኽንጽልይን ንኣምላኽ ክንምሕጸኖን ይግባእ4። ምኽንያቱ፡ ከምቲ ቕዱስ ዳዊት ደጊሙ፦
“ንጌታቱ ዚፈልጥ መን’ዩ፡ ካብቲ እተሰወረኒ (ኣበሳይ) ኣንጽሃኒ።”
ዝበሎ፡ ኪስወረና ዚኽእል ኣበሳ ብዙሕ’ዩ5። ኵሉ ጊዜ ምስትውዓልና ኸይጐደለ ዚነብር እንተ ዚኸውን’ሞ ናብ ሓጢኣት ፈጺምና ኣይምወደቕናን ኔርና።
ርእስና ብረድኤት መንፈስ ቅዱስ ከም ዚግባእ መርሚርና፡ ነቲ ሕማምና ጠንቂ ዚኸውን ሓጢኣት እንተ ሰኣንና’ኳ፡ በዚ ተግባርና’ዚ ዝዀነ ኸይረባሕና ጥራሕ ኢድና ኣይንወጽእን ኢና። እቲ ምስ ሓመምና ቕድሚ ዅሉ ንኣምላኽ ምዝካርናን ገዛእ ሕይወትና ብዕምቈት ምምርማርናን፡ ኣዝዩ ዓብዪ መንፈሳዊ ረብሓ’ዩ። ምኽንያቱ ንኣምላኽ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድሜና ጌርና እንመላለስ፡ ጥዑይ ልቢ፡ ሰናይ ሕልና፡ ብሱል መንፈሳውነት ከም ዘሎና ኣሉ ዘይበሃል መረጋገጺ ነቕርብ ከም ዘለና ኣይንዘንግዕ። እዚ ኸኣ ናይቲ ኣብ ልብና ኣዕሚቑ ዝሰረተ ፈሪሃ-እግዚኣብሔር መርኣያ’ዩ። እቲ ስጋኡ ብሕማም ምስ ተወቕዐ፡ ብዛዕባ ኣምላኹን ብዛዕባ መንፈሳዊ ሕይወቱን ንማለት’ኳ ኺሓስብ ዚጽገም ሰብ ግና ኣብ ዓሚቝ መንፈሳዊ ድንዛዘ ኸም ዘሎ ኽንፈልጥ ይግባእ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ቅድሚ ዅሉ ናብ ዘመናዊ ወይ ናብ ባህላዊ ሕክምና፡ ወይ’ውን ናብ ኣጋንንታዊ ጥንቈላ እንተ ኸደ ኣየገርምን’ዩ። ምኽንያቱ እዚ ሰብ’ዚ ንኣምላኽ ካብ ስእሊ ኣእምሮኡ ዝደምሰሶ መልክዕ ናይቲ ዝፈጠሮ ኣምላኽ ካብ ሕይወቱ ዝሓኸኸ ሰብ’ዩ። ብዛዕባ ኣብ ሕይወትካ ዝገጠመካ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ኵነታት፡ ንኣምላኽ ፈጺምካ ዘይትሓስቦ (ዘይትዝክሮ) ወዝቢ እንተ ሓሰብካዮ ድማ ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ጥራሕ ትሓስቦ እንተ ዄንካ፡ ኣብ ሓደገኛ መንፈሳዊ ዅነት ከም ዘለኻ ምርዳእ ሰናይን ጠቓምን’ዩ። ነቲ ዝገጠመካ ዅነታት ብመንጽር ኣምላኽ መርሚርካ፡ ብዛዕባ ናቱ ፍታሕ ኣብ ኣምላኽ ተወኪልካ ነቲ ዅነታትካ ኸተመሓድሮ እንተ ኽኢልካ ግን፡ ነቲ ቕድሚ- ዅሉን ልዕሊ ዅሉን ዝዀነ ኣምላኽ እቲ ዚግብኦ ቦታን ክብርን ስለ ዝሃብካዮ፡ እቲ ሕማም ብሞት እንተ ተዛዘመ’ኳ ናብ ሕቝፊ ናይቲ ዘኽበርካዮ ኣምላኽ ዜሰጋግር፡ ኣብ የማኑ ናይ ምዃም ክብሪ ዜጐናጽፍ ጕልቡብ ምርቓ’ዩ ዚኸውን።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና፡ ነቶም ካብ መንፈሳዊ መገዶም ዘላገሱ ሰባት፡ እግዚኣብሔር ብሕማም ስጋ ገይሩ ኬቕንዖምን ኪመልሶምን ብሕያውነቱ ኸም ዝተጋደሎም ዜመልክቱ ሓያሎ ኣብነታት ተተሪኾምልና ኣለዉ። ሓደ ኻብኣቶም ከኣ ንጉስ ኣሳ’ዩ። እዚ ንጉስ’ዚ፡ ኣሰር ኣቦኡ ንጉስ ዳዊት ዝሰዓበ ብጹእ (ምስጉን) ንጉስ’ዩ ዝነበረ። ሓደ እዋን፡ ሓደ ሓጥእ ንጉስ ናይ ሰሜናዊ መንግስቲ እስራኤል ምስ ተላዕሎ፡ ከም ቀደሙ ኣብ እግዚኣብሔር ክንዲ ዚውከል፡ ኣብቲ ጐረቤቱ ኣብ ንጉስ ሶርያ ተወከለ። እምብዛ ናብ ጥፍኣት ከይረሓቐ ከሎ ኺመልሶ ኢሉ፡ እግዚኣብሔር ብሓደ ነብዪ ገይሩ ገሰጾ። ኣሳ ግና ገጹ ናብ ኣምላኽ ብንስሓ ኣብ ክንዲ ዚመልስ፡ ልቡ ኣትሪሩ፡ ሓጢኣት ኪውስኽ ተራእየ6። እቲ ናይ ባርያኡ ድሕነት ዚፈትው ጐይታ ድማ፡ ደጊሙ ብሕማም ገሰጾ። ንጉስ ኣሳ ነዚ ኽቡር ካልኣይ ዕድል’ውን ብኸመይ ከም ዝኸሰሮ፡
“ኣሳ ኸኣ ኣብ መበል 39 ዓመት መንግስቱ፡ ኣእጋሩ ሓመመ። እቲ ሕማሙ ኣዝዩ ብርቱዕ ኰነ፡ በቲ ሕማሙ ግና ንሓኪማት’ምበር ንእግዚኣብሔር ኣይደለዮን። ኣሳ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ’ሞ፡ ኣብ መበል 41 ዓመት መንግስቱ ሞተ።”
ብዚብል ቃል ተገሊጹ ንረኽቦ7። ንጉስ ህዝቅያስ ቀታሊ ብዝዀነ ሕማም ምስ ተታሕዘ ግና፡ ናብ ዋላ ሓደ ሓኪም ከይከደ፡ ብመሪር ብኽያት ናብ ኣምላኽ ጸለየ። ኣምላኽ ከኣ ጸሎቱ ሰሚዑ፡ ካብ ሕማሙ ፈወሶ’ሞ ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመታት ወሰኾ8። ኣብ ሰብ ምውካልን ኣብ ኣምላኽ ምውካልን እንታይ ዝዓይነቱ ፍልልይ ከም ዜምጽእ ካብዚ ታሪኽ ናይዞም ክልተ ነገስታት ብንጹር ክንመሃሮ ንኽእል ኢና።
እንተ ገና ኸይሓወና፡ እንተ ምስ ሓወና ኣብ እግዚኣብሔር ምውካልን ንእኡ ምእዛዝን ኣቢና፡ መመሊስና ኣብ ምብዳል እንተ ተጸመድና፡ ኣብዛ ምድሪ’ዚኣ ዀነ ኣብታ እትመጽእ ዘለኣለማዊት ዓለም፡ ዚገድድ’ምበር ዚሓይሽ ክንጽበይ ኣይግባእን። ዝሓሸ ነገር ዝገበረ፡ ዝሓሸ ጻማ ኺጸንሖ’ዩ። ዚገድድ እናገበረ፡ ዚሓይሽ ኪቕበል ዚጽበይ ሰብ፡ ከምቲ ኽርዳድ ዘሪኡ ስርናይ ኪዓጽድ ዚጽበይ ዓሻ ሓረስታይ’ዩ። ንኸምዚ ዝበለ ዘይክውንነታዊ ትጽቢት፡ “ዕሽነት” ዚብል ቃል ይንእሶ’ምበር ኣይምጥኖን’ዩ። ስለዚ ብምሕማም ኰነ ብምሕዋይ፡ ኵሉ ጊዜ ኻብቲ ዝቐደመ ዚሓይሽ ነገር ንምግባር ከም ዝመረጽናን ከም ዝተደረኽናን ነረጋግጽ። እቲ ድሒርና ኽንዓጽዶ እንደልይ ዝሓሸን ዝበለጸን ኵነታት፡ ሕጂ ፈቲና ንዝርኣዮ። እግዚኣብሔር ነቲ ብሕያውነቱ ዚህበና ሕማምን ፈውስን፡ ዚሓይሽ ነገር ንምግባር ኪድርኸና ኢሉ’ዩ ዚገብሮ’ሞ፡ ነቲ ሰናይ ፍቓዱን ምኽሩን ንጠቐመሉ። እቲ ዚወሃበና ናይ ሕማም ኰነ ናይ ጥዕናን ሕውየትን ጊዜ፡ ንኣምላኽ ዜሐጕስ ንምግባር ዝተሰርዓልና ምዱብ ጊዜ’ዩ። ንስሓ፡ ምስጋና፡ ትውክልቲ፡ ሰናይ ግብሪ፡ ወዘተ ኽንገብረሉ ዚግብኣና ጊዜ እንተ ዀይኑ፡ ንእኡ ንምግባር ኣዚና ንትጋህ። ክንንስሓሉ ኣብ ዚግባእ ጊዜ ዝገደደ ንምሕጣእ እንተ ተጠቒምናሉ፡ “ፍቓድካ ይኹን” ኢልና ኸነመስግነሉ እናተገብኣና፡ ብምጕርምራም መዓልትና እንተ ኣጸልሚትናያ ግና፡ ብተግባርና “ካብዚ ዚገድድ ኣምጽኣለይ” ኢልና ንኣምላኽ ንፈታተኖ ኸም ዘለና ብምስትውዓል፡ ካብዚ ዓሻን እኩይን ምርጫ ርእስና ነድሕን!! ኣምላኽ ነቲ ዚሓይሽ ይግለጸልና!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ መጋቢት 17, 2013 ግዕዝ (28 መጋቢት 2021) - መበል 28 ሰንበት: ቊ.35 (፴፭) |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል፡ |
ቅዳሴ፡ |
ዕብ 12:11-17 |
ያዕ 5፡14-ፍጻ |
ግብ 3፡1-12 |
ዮሓ 5፡1-18 |
ዘዮሐንስ ወልደ ነጐድጓድ (ሃቤከ) |
መዝ 6 : 2–3 ተሣሀለኒ እግዚኦ እስመ ድውይ አነ። ወፈውሰኒ እስመ ተሀውከ አዕጽምትየ። ወነፍስየኒ ተሀውከት ፈድፋደ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ማህሚነ እየ እሞ፣ ምሐረኒ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣዕጽምተይ ተሸቢረን እየን እሞ፣ ኣጥዕየኒ። ነፍሰይውን ኣዝያ ተሸቢራ፣ ንስኻኸ፣ ዎ እግዚኣብሄር ክሳዕ መአዝ፧ |
1እብ 4፡14,15 ካ.ት ፣ 2፡17,18:22ጢሞ 3፡5-7:3ማር 9፡43-48:4መዝ 139፡23,24 5መዝ 19፡12:62ዜና 15፡16-19 ፣ 16፡1-10 72ዜና 16፡12,13 8ኢሳ 38፡1-5
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ