“ፈራሕ ነዲኡ ይኣትዋ” እትብል ምስላ ካብ ቅድም ኣትሒዘ ካብቲ ብተደጋጋሚ ዝሰምዖ ዝነበርኩ ምስላታት ሓንቲ ኢያ። ወላ እኳ ሓደሓደ እዋን ኣነ ፈራሓት እዮም ዝብሎም ዝነበርኩ ሰባት ኣንጻር ናይዚ ምስላ እዚ ከጋጥሞም እርኢ
እንተነበርኩ፡ ንዕኡ ዝጻረር ሓሳብ ግን ኣብ ሓንጐለይ ፈጺሙ መጺኡኒ ኣይፈልጥን ኢዩ። አብዚ ቀረባ እዋን ግን ሓደ ኣቦ ብዛዕባ ፍርሒ ኣመልኪቶም ክምህሩ ከለዉ ምስ ሰማዕኩ፡ ምናልባት ፈራሕ ናብ ኣዲኡ እንተኣተወ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ’ከ ክኣትዋ እኽእልዶ፧ ዝብል ሓሳባት መጺኡኒ። ንስኻትኩምከ ከምዚ ዝበለ ሓሳብ ሓሲበኩም’ዶ ትፈልጡ፧ ገሌኹም እኮ ድሮ ሓሲብኩምስ ንፍርሒ ሲዒርኩም አብ ትብዓት ትነብሩ ሰባት ከምዘለኩም ርግጸኛ እየ። ከምዚ ክብል ከለኹ ግን ነቲ ንፍርሓት እግዚአብሄር ዘማራይ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ (111:10) “ፍርሃት እግዚኣብሄር መጀመርያ ጥበብ እዩ” ክብል ዝዘመሮ ዝጻረር ከምይዘኮነ ብሩህ ኢዩ። እሞ ከምቲ ንፈታዊና ንደላይ ጽቡቕናን ሰብ ንኸይነቐይሞ እንፈርሆ፡ ነቲ ለዋህ ገባሪ ሰናያት ኣምላኽና ትእዛዛቱ ብምፍራስ ከይነቐይሞስ ንፍራሓዮ ደኣ። ደቂ ሰብ ግን ስለምንታይ ኢና ብዘያካ እቲ ፍርሃት አምላኽ ኢለ ዝገለጽክዎ፡ ኣብ መንፈሳዊ ሂወትና አብ ዓወት ከብጽሓና ዘይክእል ፍርሒ ንፈርሕ እስከ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ገለ ኣብነት ንውሰድ፦
1. ትእዛዝ አምላኽ ምስ እተፍርስ (አምላኽ ዝበለካ ምስ ዘይትገብር)
እቲ ፈሪሑ ዘይፈልጥ ዝነበረ አቦና አዳም እቲ ዝተባህሎ ገዲፉ፡ ካብታ ኣይትብላዕ ዝተባህሎ ፍረ ስለዝበልዐ ንመጀመርያ ፍርሒ ናብ ወለድኡ ማለት ናባና ኣምጽአ። “ንሱ ኸኣ፥ ድምጽኻ ኣብ ገነት ሰሚዔ ፈራህኩ ጥራየይ ከኣ እየ እሞ፡ ተሓባእኩ፡ በለ”።(ዘፍ 3:10)
2. ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምስ ዘይትውከል
እቶም ነብይ ሙሴ ንምድሪ ኸነኣን ንኪስልዩ ዝሰደዶም ሰባት፡ እግዚኣብሄር ነቦታቶም ዝመሓለሎም ምድሪ ከምዝኮነት እንዳ ፈለጡ፡ እታ ሃገር ብሓቂ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምካና’ውን እንዳመስከሩ፡ ነገር ግን ኣብታ ሃገር ዚነብር ህዝቢ ሓያል ብምካኑ፡ አብ አምላኽ ብዘይምውካሎም ፈሪሆም ንሕዘቢ ክምዘነዓዕብዎ ኢና ነንብብ (ዘህል 13)።
3. ገዛእ ርእስካ ምስ ዘይትክሕድ(ርእሰ ምፍታው)
ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ እቶም ሰባት፡ ንስኻውን ካብቶም ደቂ መዛምርቲ ኢየሱስ ኢካ ክብልዎ ከለዉ፡ ኣይኮንኩን ዝበለ ወዲ መዝሙር ጎይታ ምኻን ስለዝጸልኣ ኣይኮነን። እንታይዳኣ ከምቲ ንጎይታ ዝበጸሖ ሽግር ከይበጽሖ ስለ ዝፈርሐ’ዩ። ጎይታ ግን ኣቀዲሙተዛሪቡ ኔሩ፡ “ነቶም ህዝቢ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ድማ በሎም፡ ዝዀነ ይኹን ደድሕረይ ኪስዕበኒ ዚደሊ እንተሎ፡ ገዛእ ርእሱ ይቕበጽ መስቀሉ የልዕል እሞ ይስዓበኒ” (ማር8:34 ) በሎም። ብዝኮነ ናብ ቀንዲ ኣርእስተይ ከብለኩም ፦
ንፍርሒ ብዝምልከት ሓደ ወዲ ብዝገበሮ ታሪክ እየ ክጅምሮ፡ እዚ ወዲ ብግዜ ንእስነቱ ትምህርቲ ክመሃር ይምድብ እሞ እንተኮነ ግን ቅድሚ ትምህርቲ ምጅማሩ ሓደ ነገር ከጨንቆ ጀመረ። እዚ ጭንቒ እዚ ትምህርቲ ምስ ጀመርኩ ክተርፍ’ዶ እከውን ዝብል ፍርሒ እዩ ኔሩ፡ ከይተርፍ ስለ ዝስግኣ ድማ ትምህርቲ ክይተማሃረ አቆረጾ። ፍርሂ ናይ እዚ ወዲ እዚ በዚ ኣየብቕዐን፡ ቀጺሉ ኣብ መነባባሮ ሂወቱ ገንዘብ ከድልዮ ብግዲ ስለዝኮነ ሸቀጥ ክጅምር ወጠነ። ሕጂ ውን እንተኮነ ከይከስር ስለ ዝፍረሐ ነዚ ስራሕ እዚ ውን ከይጀመረ ኣቃረጾ። ብድሕሪ እዚ ተመርዕዩ ሓዳር ክገብር ንስድርኡ ይነግሮም እሞ ስድርኡ ንሓዳር ትከውን እያ ዝበለዋ ጽብቅትን ወረጃን ጎርዞ ኣምጽእሉ፡ እንትኮን ግን ምስ ተመርዓኹ ምናልባት ምስ ሰበይተይ እንተዘይተስማሚዕና ክነፋታሕ ኢና ዝበል ፍረሒ ስለ ዝሓዞ ከይተመርዓወ ሓለፎ። አብ መወዳእታ ዝመጾ ሓሳብ ኣገልጋላይ ቤተክርስትያን ክኸውን እዩ ኔሩ። ሕጂ ውን እንተኾነ ኣብ ኣገልግሎት ምስ ኣተወ ምናልባት ኣብ ኣገልግሎቱ ሰባት ዘይደልይዎ ከይገብር እሞ፡ ሰባት ብሰንኩ ካብ ቤተክርስትያን ከይጠፍኡ ኢሉ ስለዝሓሰበ ኩሉ ዝሓሰቦ ሓሳብ ፍርሒ ንከይገብሮ ኣጽኒዑ ሓዞ።
ኣነ ብዛዕባ እቲ ኣብ መወዳእታ ዘጋጠሞ ፍርሒ እየ ክዛረብ ደልየ ዘለኩ። እዚ ሰብ እዚ ወላኳ ነቲ አገልግሎት ቤተክርስትያን አብ መወዳእታ ሰሪዕዎ እንተነበረ፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ክኸውን ምሕሳቡ ግን ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ (1ይጢሞ3፡1)
“እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፡ ሓደ እኳ መዓርግ ኤጲስቆጶስ እንተ ደለየ፡ ሰናይ ግብሪ ይምነ አሎ” ዝበሎ ስናይ ሓሳብ ኢዩ ሓሲቡ። ኣብ ግብሪ እንተዘውዕሎ ካአ ዝበለጸ ምኾነ። አብቲ ዝበለጸ ዝብሎ ዘለኩ ንከይበጽሕ ዝኸልከሎ ህዝቢ ብሰንኩ ከይጠፍኡ ዝብል ፍርሒ ኢዩ ኔሩ፡፡ ሓደ ዘየስተውዓሎ ነገር ግን ኔሩዎ፡ ንስኩምከ ኣስተውዒልክሙሉ’ዶ ኣለኹም፧ እቲ ኣብ ቤተክርስትያን ዝእከብ ሰብ ንመን ደልዩ እዩ ዝእከብ፧ መን ኢዩ’ኸ ዝእክቦ፧ ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብስጋ ተገሊጹሉ ኣብ ዝነበረሉ ግዚ ነቶም ዘግረምሩሙ ዝነበሩ ሰባት አመልኪቱ ዝተዛረቦ ዘረባ ከምዚ እብል፦ “ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተዘይኰይኑ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን። ኣነ ድማ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ከተንሲኦ እየ” (ዮሃ 6፡44-45)። ስለዚ ኣምላኽ ኢዩ ዝእክበና ናቱ ንክንከውን ድማ’ዩ ዝእክበና። ካልእ ዘየስተውዓሎ ሓደ ዓቢ ነገር እውን ኔሩ ኢዩ። ንሱ ከኣ ኣነ ኣገልጋላይ ምስኮነኩ ብኣገልጉሎተይ እግዚኣብሔር ኣምላኽ እሕጎስ’ዶ እኸውን ኢሉ ዘይምሕሳቡ እዩ። መጀመረያ ኣገልጋላይ እትኾነሉ ምክንያት እኮ ምእንቲ ገዛእ ርእስካ ኢዩ፡፡ ከምዚ ክብል ከለኹ ንኣምላኽ ብምግልጋል ዓስቢ ካብ አምላኽ ስለ እትረክብ ማለተይ ኢየ። እዚ ሰብ እዚ ግን ትርጉም ኣገልግሎት ዝተረደኦ ኣይመስለንን፡ እንተዝርድኦ ብዛዕባ ሰብ ኣይምተጨነቀን፡ እንታይ ዳኣ ኣምላኽ ዝደልዮ ኣገልግሎት ከመይ ዝበለ ምኻኑ ንክፈልጥ ምሃቀነ። ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ክምዕድ ከሎ ከምዚ ዝበሎ፦ “እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዘብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም ኣሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ ” (ሮሜ 12:1) እዚ ዲንቂ ዝኮነ ማዕዳ እዚ ድማ ምተማዕደ። እንተኮነ ግን ኣምላኽ ብኣገልግሎተይ እሕጎስ’ዶ እኸውን ኢሉ ሳኣን ምሕሳቡ ተሪፍዎ።
እሞኸ’ዳኣ እቲ ኣገልጋላይ ንባዕሉ ክብል ኣገልጋላይ ካብ ኮነ፡ እቲ ዝእከብ ሰብ ውን ዝእክቦ አምላኽ ካብ ኮነ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቲ እግዚአቢሄር ኣምላኽ ዝእክቦ ስብ ብከመይ ነገልግሎ፧ በቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ሓቂ’ዶ ወላስ ብፍርሒ ዝኣክል ብምጥባርን ብከምቲ ደቂሰባት ዝደልይዎ መንገዲ ብምኻድን፧ መቸም ደቂ ሰባት ካብ ኣምላኽ ንላዕሊ ንምድሓን ናይ ሰባት ከምዘይንሓስብ ዘማጉት ኣይኮነን፡፡ ገለ ገለ ሰባት ግን ነዚ ነገር’ዚ ዝዘንግዕዎ እመስለኒ፡ ንህዝቢ ኣምላኽስ ልዕሊ እቲ ፈጣሪኡን በጅኡን ዝኮነ ኣምላኽ ከም ዝሓስብሉ ምርኡያት ኮይኖም ሰብ ከምዚ እንተኾነኸ፡ ከምዚ’ዶ….. እንዳበልካ ብስንኩፍ ምኽንያት ሸለል ምባል፡ አምላኽ እንተ አዚዙ ሕራይ ኢልካ ምግባር ኢዩ እቲ ዝሓሸ፡፡ ስለዚ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ በዚ ምክንያት እዚ ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ክትሕድሶ አዘክረካ አሎኹ። “ከመይ ኣምላኽ መንፈስ ሓይልን ፍቕርን ገዛእ ርእስካ ምግታእን እምበር፡ መንፈስ ፍርሃት ኣይሃበናን“ (2ይጢሞ 1:6-7) ዝበሎ ንዓና ከምዝበሎ ፈሊጥና ኣብኡ ንንበር። ከምዚ ምስ እንገብር ብዙሓት ነብሳት ክድሕና እየን። ስለዚ’ዩ ጥበበኛ ሰለሙን “ሓቀኛ ምስክር ነፍሳት የድሕን፡ ሓሶት ዚዛረብ ግና ምጥባር ጥራይ እዩ” ምሳ (14:25) ዝበለ። ስለዚ ነብሳት ክድሕና ንደሊ እንተኼና ኵላትና ንኣገልግሎት እቶም ምድሓን ኪወርሱ ዘለዎም ዚለኣኹ መንፈሳውያን ምኳና ተረዲእና ንነፍሳት ናብ ሓቂ ንምርሓየን።
እዚ ክንገብር ኣምላክ ብጸግኡ ይደግፈና። አሜን።
ኣናጉኒስጢስ ሙሉጌታ ኪዳነ
Birmigham -England
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ