ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን።
ኣኅዋትና፥ እምነትኩም ኣዝያ ትዓቢ ስለ ዘላ እታ ኣብ ንሓድሕኩም ዘላ ናይ ነፍስ ወከፍኩም ፍቕሪ ኸኣ ትስስን ስለ ዘላ፥ ብኣኻትኩም ኵሉ ጊዜንኣምላኽ ከነመስግኖ ይግብኣና እዩ። እዚ ኸኣ ቅኑዕ እዩ። ስለዚውን ንሕና ባዕልና ብጽንዓትኩምን እምነትኩምን፥ በቲ ኣብ ስደትን ጸበባን እትዕገሥዎ ዘሎኹምን፥ ኣብተን ኣብ ኣምላኽ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን፥ ብኣኻትኩምን ንምካሕ ኣሎና።
መከራ ትጸግቡ ዘሎኹም፥ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ብቑዓት ኴንኩም ምእንቲ ክትርከቡ እዩ። እዚ ኹሉ ከኣ መረዳእታ ናይቲ ቅኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ እዩ። ኣምላኽ ቅኑዕ እዩ። ነቶም ዘሳቕዩኹም፥ ስቓይ ኪፈድዮም እዩ። ንዓኹም ነዞም እትሳቐዩ ዘሎኹም ከኣ ዕረፍቲ ክህበኩም እዩ። ንዓናውን ከምኡ።እዚ ኹሉ ጎይታና ኢየሱስ ምስቶም ኃያላት መላእኽቱ ብነበልባል ሓዊ ካብ ሰማይ ምስ ተገልጸ ኪኸውን እዩ። ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን፥ነቶም ንወንጌል ጎይታና ኢየሱስ ዘይእዘዝዎን ከኣ ክቐጽዖም እዩ። ነቲ ዝመስከርናልኩም ስለዝተቐበልኩምዎ፥ በታ ብቕዱሳኑ ዝኸብረላን፥ በቶም ዚኣምኑ ዘበሉ ኩሎም “ግሩም ኢኻ” ዝብሃለላን መዓልቲ፥ ንሳቶም ካብ ገጽ ጎይታ ኾነ ካብ ግርማ ኃይሉ ኪርሕቁ፥ ብናይ ዘለዓለም ጥፍኣት ከኣ ኪቕጽዑ እዮም። ነዚ ብምሕሳብ፥ ኣምላኽና ንጽውዓኡ ብቑዓት ምእንቲ ኺገብረኩም፥ ብኃይሉ ኸኣ ነቲ ሠናይ ቍርጺ ፍቃድን ናይ እምነትኩም ተግባርን ኩሉ ምእንቲ ኪፍጽመልኩም፥ ከየብኮርና ምእንታኻትኩም ንጽሊ ኣሎና። ከም መጠን ጸጋ ኣምላኽናን ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ስም ጎይታና ኢየሱስ ኣባኽትኩም ምእንቲ ኪኸብር፥ ንስኻትኩም እውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትከብሩ ንጽሊ ኣሎና (2ተሰ 1፡2-12)።
ደቂቀ እንጦንዮስ
ተመሃሮ መንፈሳዊ ኮለጅ ሥነ-መለኮት ተዋህዶ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ