ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ብዘውጽኦ ናይ ጾምን ጸሎትን ኣዋጅ መሰረት፣ ኣብ ኩለን ቤተ ክርስቲያናት ብሰላም ተፈጺሙ። ቀንዲ መሪሕ ጽሑፍ ናይዚ ዝተገብረ ጸሎት ካብ መዝሙር ዳዊት ብዝተወስደ እዩ ተማእኪሉ።
ንሱ ድማ "ሬሳ ባሮትካ ንምግቢ ኣዕዋፍ ሰማይ፡ ስጋ ጻድቃን ንኣራዊት መሮር ሃብዎም፡ ደሞም ኣብ ዙርያ ምድሪ ኤርትራ ከም ማይ ኣፍሰስዎ፡ ቀባሪውን ኣይነበረን” (መዝ. 79፡ 2-3) ብዝብል እዩ።
እቲ ንሰለስተ መዓልቲ ዝተገብረ ጸሎት፣ ሰንበት 21 ሰነ 2009 ዓ.ም ምእንቲ እቶም ንፍትሕን ናጽነትን ሰላምን ኢሎም ክብርቲ ህይወቶም ዝወፈዩ ስዉኣት ኤርትራ ብጸሎተ-ፍትሓት ተዛዚሙ።
ምእመናን ብተናጸልን ብሕብረትን ጸሎት ድሕሪ ምግባር ድማ ንሃገርና ብፍትሒ፣ ርትዒ፣ ሰላምን ፍቕርን እግዚኣብሔር ክበጽሓ ጸሎቶም ኣብጺሖም።
እግዚኣብሔር ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ መግሥተ ሰማያት ንኩሎም ስዉኣት፡ ንዝተረፍና ድማ ሰላምን ራህዋን ፍትሕን ይሃበና።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን-ኤርትራ: ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ