“እዚ ኢላ ንድሕሪኣ ግልጽ በለት እሞ ንኢየሱስ ደው ኢሉ ረኣየቶ። ኢየሱስ ምዃኑ ግና ኣይፈለጠትን። ኢየሱስ ከኣ፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብክየኪ ኣሎ፧ ንመንከ ትደልዪ አሎኺ፧” በላ። ንሳ ኸኣ ሓላው ኣታኽልቲ መሲልዋ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ኣልዒልካዮ እንተ ዄንካስ፡ ኣነ ኽወስዶ፡ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ ንገረኒ፡ በለቶ።” ዮሃ 20፡14,15።
እዚ ዕለት’ዚ ዕለት ትንሳኤ’ዩ። ነዚ ወርሓት ዓብዪ ጾም ብዓወት ኣስጊሩ፡ እንኳዕ ናብ ብርሃነ-ትንሳኤኡ ኣብቅዓና። ንዅላትን ድማ፡ ርሑስ በዓል ትንሳኤ ይግበረልና። እዚ ዕለት’ዚ ኣዝዩ ዜሐጕስና፡ ካብ ነዊሕ ጾም ተገላጊልና፡ ዝመረጽናዮ መግቢ ናይ ምብላዕን ነቲ ብጾም ዝሓስአ ኣካላትና ናይ ምጽጋንን ምጥያስን ዕድል ስለ ዝረኸብና ኣይኰነን። ብርግጽ ነዚ ውዱቕን ድኹምን ስጋና፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ፈኵስ ሓሳብ እንተ ተቐልቀሎ ዜገርም ኣይኰነን። ምኽንያቱ ስጋና፡ ንመንፈስና ቐጺዑ ንሱ እንተ ሓንቀቐን እንተ ኣማራጸን’ዩ ደስ ዚብሎ። ስለዚዶ ኣይኰነን ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 8፡5-9 ከምኡ’ውን ኣብ ገላ 5፡16,17፦
“ስጋውያን ዘበሉ ነቲ ናይ ስጋ’ዮም ዚሓስቡ፡ መንፈሳውያን ግና ነቲ ናይ መንፈስ’ዮም ዚሓስቡ። እቲ ሓሳብ ስጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ፡ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን ኣይኰነሉን ድማ’ዩ’ሞ፡ ስለዚ ሓሳብ ስጋ ሞት’ዩ፡ ሓሳብ መንፈስ ግና ሕይወትን ሰላምን’ዩ። እቶም ብስጋ ዘለዉ ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይኰነሎምን’ዩ። ንስኻትኩም ግና፡ መንፈስ ኣምላኽ ሓዲሩኩም እንተ ኣልዩስ፡ ብመንፈስ’ምበር፡ ብስጋ ኣይኰንኩምን ዘለኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዜብሉ ሰብ ግና፡ ንሱ ናቱ ኣይኰነን።” ሮሜ 8፡5-9
“ኣነስ፡ “ብመንፈስ ተመላለሱ’ሞ ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም፡” እብለኩም ኣለኹ። ስጋ ነቲ ምስ መንፈስ ዚጻረር ይምነይ፡ መንፈስ’ውን ነቲ ምስ ስጋ ዚጻረር’ዩ ዝምነይ። ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚኣቶም መጻርርቲ’ዮም።” ገላ 5፡16,17
ኢሉ ዘስተምሃረና። ስለዚ ስጋና ንኣምላኽ ብጾምን ጸሎትን ከንስምሮ ስለ ዘይደልይ፡ በዚ መንፈሳዊ ስነ ምግባር’ዚ ኣይሕጐስን’ዩ። እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዓለወኛ ስጋኡ ምልኪ ዝተጐናጸፈ ክርስቲያን ግና፡ ምሉእ ዕድሚኡ በዚ መንፈሳዊ ጸጋ’ዚ ንእግዚኣብሔር ኬገልግል’ውን ኣይጸልእን’ዩ።
ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ጾም ከም ልጓም’ዩ ዚግለጽ። ብርግጽ ከኣ ናይ ስጋ ልጓም’ዩ። ነቲ ዝተሰርዓልና ጾም ብዓወት ምስ ወዳእና ኸኣ፡ “እንኳዕ ልጓም- ጾም ፈትሓልኩም” ንበሃሃል። ካብ ምንታይ ለጕሙ ስለ ዘትረፈና ኢና ኸምኡ ንብል፧ ካብቲ ምስ ኣምላኽ ዜጻልኣና ሓሳብ ስጋን ግብሪ ስጋን ስለ ዜትርፈና’ዩ። ሓሳብ ስጋን ግብሪ-ስጋን ከኣ ናይ መወዳእታ ፍሪኦም ሞትን ጥፍኣትን’ዩ። ጐይታና ድማ ካብዚ ሞትን ጥፍኣትን ምእንቲ ኼድሕነና’ዩ ስለ ሓጢኣትና ሞይቱ ስለ ጽድቅና ዝተንስእ1። በዚ ሞቱን ትንሳኤኡን’ዚ ኸም ዝደሓንን እንፈልጥ ድማ ሓሳብ ስጋ ኽትሓስብን ግብሪ ስጋ ኽትገብሮን ካብ ምድላይ ምስ እንናገፍ’ዩ። ስለዚ ሞቱን ትንሳኤኡን ናይ ድልየት ለውጢ ኼጐናጽፈና’ዩ ዝተፈጸመ። ከምቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦
“ንሕና ዅላትና ኸኣ፡ ነቲ ናይ ስጋን ናይ ሓሳባቱን ድልየት እናገበርና፡ ቀደም ብትምኒት ስጋና ምሳታቶም (ምስቶም ብበደሎምን ብኣበሳኦምን ምውታት ዝነበሩ) ንነብር ነበርና። ከምቶም ካልኦት’ውን ብባህርይና ደቂ ቝጥዓ ነበርና።”
“(ንኣኻትኩም) ቀደም (ካብ ኣምላኽ) ፍሉያት ብሓሳብኩምን ብኽፉእ ግብርኹምን ጸላእቲ (ን)ዝነበርኩም ከኣ፡ ኣበርን ነቐፋን ዘይብሎም ቅዱሳን ገይሩ፡ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኬቚምኩም፡ ሕጂ ብሰብነት ስጋኡ ብሞቱ ገይሩ ዓረቐኩም።”
“ንሕና’ውን ቀደምሲ ዓያሱ፡ ዘይእዙዛት፡ ግጉያት፡ ንብዙሕ ፍትወት ስጋን ትምኒትን እተገዛእና፡ ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር ፍንፉናት፡ ንሓድሕድና እንጻላእን ነበርና። እቲ ናይ መድሓኒና፡ ናይ ኣምላኽ ሕያውነትን ፍቕሩ ንሰብን (ብክርስቶስ) ምስ ተገልጸ ግና፡ ንሱ ብምሕረቱን ብምሕጻብ ሓድሽ ልደትን (ብጥምቀት) ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን (ብሜሮን) (ኣድሓነና) . . .” ብምባል፡ ምድሓን ማለት ካብቲ ኣቐዲሙ ኺመልከካን ኪምርሓካን፡ ምስ ኣምላኽ ኬጻልኣካን ኣብ ሞት ኬንብረካን ዝጸንሓ ናይ ስጋ ሓሳባትን ድልየትን ትምኒትን ፍትወትን ግብርን ምንጋፍ ማለት ምዃኑ ዝነገረና፡ ንሕና’ውን ትንሳኤ ኸነብዕል እንኽእል፡ ናይ ብሓቂ ትንሳኤ ዚብጽሓና ውሉድ ትንሳኤ ምዃንና ብኸምኡ ብምርግጋጽ’ዩ ዚግብኣና2። ናይ ድልየት ለውጢ ኸይገበርና ናይ ኣካይዳን ናይ ግብርን ለውጢ ኽንገብር ኣይከኣልን’ዩ። ሳላ’ዚ ኽቡር ሞቱን ትንሳኤኡን፡ ብደም ክርስቶስ ተሓጺብናን ተዓዲግናን፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሕናን ተደጊፍናን ናይ ድልየትን ትምኒትን ለውጢ እንተ ጌርና ግን፡ ኣብ’ዛ ዕለት’ዚኣ ትንሳኤ ክርስቶስ ጥራሕ ዘይኰነ ገዛእ ትንሳኤ’ውን ነብዕል ኣለና ማለት’ዩ። ካብዚ ብሓሳብናን ብግብርናን ምስ ኣምላኽ ዜጻልኣናን ምዉታት ዚገብረናን ድልየት ስጋ ኸይተናገፍና በዓለ ትንሳኤ ነብዕል እንተ’ሊና ግና፡ ከምቶም ዘይምልከቶምን ዘይብጽሖምን በዓል ዜብዕሉ ናይ መንፈስ ዓያሱ ኢና እንኸውን። ንሕና ዘይሓበርናዮ ንሕና’ውን ዘይተንሳእናሉ ትንሳኤ እንተ ኣብዓልና እንታይ ትርጕም፡ እንታይ ዋጋኸ ኣለዎ፧ ብስጋ ዝሞተ ሰብ ስቕ ኢሉ ደኣ ሓመድ-ድቤኡ ይጽበይ’ምበር ኬብዕልዶ ይኽእል’ዩ፧ እቲ ብመንፈስ ዝሞተ፡ ብድልየት ስጋ ርእሱ ዝቐተለ ሰብ ነዚ ናይ ትንሳኤ በዓል ኬብዕል ኣይክእልን’ዩ። ኣይግብኦን ከኣ’ዩ። እንተ ኣብዓለ ኸኣ ነቲ ኽቡር ትንሳኤ ናይ ብላዕ-ስት ስጋዊ በዓል ገይሩ የቕልሎ’ምበር ኣየኽብሮን’ዩ። ካብ መንፈሳዊ ሞት ከይተሳእካ ትንሳኤ ክርስቶስ ምብዓል፡ ኣብቲ ኽቡር ሞትን ትንሳኤን ናይ ክርስቶስ ዚፍጸም ላግጺ ኪበሃል ዚኽእል’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ “ክርስቲያን” ኪ ስመይ ዚበቅዕ፡ እቲ ብሞቱን ብትንሳኤኡን ብዕርገቱ ኸይተረፈ ዝሓበሮን ዝመስሎን ሰብ ጥራሕ ምዃኑ ብኸምዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።
“እምብኣርሲ እንታይ ክንብል ኢና፧ ጸጋ ምእንቲ ኺዓዝዝሲ፡ ኣብ ሓጢኣትዶ ንጽናዕ፧ ያእ ኣይፋልናን፡ ንሕና ኻብ ሓጢኣት ዝሞትና፡ ከመይ ኢልና ሕጂ ኣብኡ ኽንነብር፧ ወይስ ብክርስቶስ ኢየሱስ እተጠመቕና ዘበልና ዅላትና፡ ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምብኣርሲ ኸምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ሕይወት (ብትንሳኤ) ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና። ሞትና ንሞቱ መሲሉ ሕቡራቱ እንተ ዄንናስ፡ ከምኡ ኸኣ ብትንሳኤኡ ኽንሓብሮ ኢና። እቲ (ምስ ክርስቶስ) ዝሞተ፡ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ’ዩ’ሞ፡ እዚ (ሰብ’ዚ) ደጊም ንሓጢኣት ከይግዛእ፡ እቲ ናይ ሓጢኣት ስጋ (እቲ ድልየት ስጋ እቲ ሓጥእ ኣዳማዊ ባህርይ) ምእንቲ ኺጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብና ምስኡ ከም እተሰቕለ፡ ፈሊጥና ኣለና። . . . ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ካብ ሓጢኣት ከም ዝሞትኩም፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ግና፡ ንኣምላኽ ሕያዋን ከም ዝዀንኩም፡ ርእስኹም ቊጸሩ።” ሮሜ 6፡1-7,11
“ብጥምቀት’ውን ምስኡ ተቐበርኩም፡ ብግብሪ’ቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ድማ፡ ምስኡ ተንሳእኩም። ንብዘሎ ኣበሳና ይቕረ ኢሉ፡ ብኣበሳኹምን ብዘይ ግዝረት ስጋኹምን መዊትኩም ንዝነበርኩም፡ ንኣኻትኩም’ውን ምስኡ ሕያዋን ገበረኩም።” ቈሎ 2፡12,13
“ግናኸ እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝዀነ ኣምላኽ፡ ምእንቲ’ታ ብእኣ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፡ ንኣና፡ ብበደልና ምዉታት ከለናስ፡ ምስ ክርስቶስ ሕያዋን ገበረና፡ ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም፡ ምስኡ’ውን ኣተንስኣና ኣብቲ ዚመጽእ ዘመናት ብሕያውነቱ እቲ ብሉጽ ሃብቲ ጸጋኡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣባታትና ምእንቲ ኼርእይ፡ ኣብ ሰማያት ብክርስቶስ ኢየሱስ ምስኡ ኣቐመጠና።” ኤፌ 2፡4-7
እዚ ሃዋርያዊ ቓል’ዚ፡ ብዛዕባና ብዛዕባ’ዞም ብወልድ ዋህድ፡ በቲ ብስጋ እተገልጸ ኣምላኽ፡ ብምስጢር ተዋህዶ እንኣምን ሰባት ዝተባህለ ቃል-ተስፋን ቃል- ምስክርን’ዩ። እዚ ቓል’ዚ ኣብ ሕይወትና ብግብሪ ይርአ ደዀን ይህሉ፧ ንምዃኑኸ ኣምላኽናን ሃይማኖትናን ነዚ ኸም ዚጠልበና ንፈልጥ ዲና፧ “ተጠምቀ” ማለት “ምስ ክርስቶስ ካብ ሓጢኣት ሞተ፡ ንጽድቂ ተንሲኡ ሕያው ኰነ፡ ምስ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጥ” ማለት’ዩ። ኵላትና ኸኣ ዓሪጉ ብስም ኣብን ወልድ መንፈስ ቅዱስን ዝተጠመቕና ኢና፡ ብርግጽዶ ካብ ሓጢኣት ዝሞትና፡ ንጽድቂ ኸኣ ዝተንሳእና ኢና፧ መልስና፡ “ብርግጽ፡ ከምኡ’ዩ” እንተ ዀይኑ፡ ብሓቂ ትንሳኤ ክርስቶስ ዚምልከቶምን ዚብጽሖምን ደቂ ትንሳኤ ኢና’ሞ፡ ብዓልና ብልዑል ሓጐስን ምስጋናን ነብዕል! ከመዮ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ሓጢኣት (ኣባይ) ሕያው ኰነ፡ ኣነ ኸኣ (ብሰሩ) ሞትኩ” ዝበሎ፡ ታሪኽና ታሪኽ ሞት ኰይኑ፡ ኣብ ዘመነ ምሕረትን ድሕነትን ገና ምዉታት ኴንና ንመላለስ እንተ’ሊና ግና፡ ብዕቱብን ህጹጽን ንስሓ፡ ካብዚ ደምበ ሞት ነምልጥ!!
ዝተንሳእናን ዘይተንሳእናን፡ ብሓቂ ውሉድ ትንሳኤ ምዃንናን ዘይምዃንናን ግን ብኸመይ ኢና እንፈልጥ፧ ክርስቶስ ጐይታና ብምጽኣቱ ኣብ መንበር ፍርዲ ምስ ተቐመጠ ኺነግረና ዲና ኽንጽበይ፧ ወይስ “ተንሲአ እኸውን’የ’ ብዚብል ግምታዊ ናብራ ኢና ኽንመላለስ፧ ጐይታናን ቅዱሳን ሃዋርያቱንከ፡ ኣይኣብዚ ኣይኣብቲ ኣብ ረምበዞ (ሰንፈላል)፡ ኣብ ሓዲግ ኣንጠልጢሎም ድዮም ሓዲጎምና፧ ኣይፋሎምን፡ ጭቡጥ መርትዖን መረጋገጽን’ባ ሓዲጎምልና። ትንሳኤ ብኸመይ ከም እነረጋግጽ። ሃዋርያ ጳውሎስ፦
“ደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ። መዊትኩም ኢኹም፡ እታ ሕይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ’ሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን።” ብምባል ብንጹር ገሊጽልና’ዩ3። ሓሳባትናን ድልየታትናን ከም ተመን ብምድረ- ምድሪ የንፋሑኸና እንተ’ልዩ፡ ኣብ ትንሳኤ የለናን፡ ትንሳኤ ክርስቶስ ኣይበዓልና ኣይታሪኽና ዀይኑ ተሪፉ ማለት’ዩ። ሓሳባትናን ድልየትናን ከም ንስሪ ብላዕለ- ላዕሊ የንሳፍፈና እንተ’ልዩ ግና፡ ብርግጽ ዝተንሳእና ደቂ ትንሳኤ ኢና፡ ትንሳኤ ክርስቶስ ከኣ በዓልና ጥራሕ ዘይኰነ ገዛእ ታሪኽና’ውን እዩ። ካብዚ ዚቐልልን ዚበልጽን መረዳእታ የድልየናዶ ይኸውን፧ ከቶ ኣየድልየናን’ዩ!!
ኣብዚ’ምበኣር’ዩ ዕብየት ኣርእስትና ጐሊሑ ዚረኣየካ!! “እንታይ የብክየኪ ኣሎ፧ ንመንከ ትደልዪ ኣለኺ፧” ዚብል ሕቶ፡ ናይ ክርስቶስ ናይ ድሕረ-ትንሳኤ በዅሪ ሕቶ’ዩ። ነቶም “ክርስቲያን’የ” ኢልና በዓለ-ትንሳኤ ብድምቀት ንምጽንባል እንተግህ ኵላትና፡ እዛ በዅሪ ሕቶ ትንሳኤ ኣብ ቅድሜና ደው ኢላ ትብድሃና ኣላ። ኣብዛ ዓለም’ዚኣ ክሳዕ ምብካይ፡ ክሳዕ ምጭናቕ፡ ክሳዕ ቅብጸት ዜጒህየና ዘሎ እንታይ’ዩ፧ ንድቃስና ረቢሹ ልዋም ከሊኡ፡ ኣዕዋፍ ጩቕ ከይበላ ጸሓይ ብጭቕ ከይበለት ንምርካቡ ዘተንስኣና፡ ዘጓይየና፡ ዕረፍቲ ዚኸልኣና ድልየትናኸ እንታይ’ዩ፧ ንቕድስቲ ማርያም መግደላዊት፡ ብኽያታ ንኢየሱስ ም ስኣን፡ ድልየታ ንኢየሱስ ምርካብ ተልእኾ ሕይወታ ኸኣ ንእኡ ምድላይ ጥራሕ ነበረ። ካብኡ ኽትፍለይ ፍጹም ዘይኰነላ ስለ ዝነበረት ፈቐዶ ኸተማታትን ዓድታትን ኪዘውር ከሎ ደድሕሪኡ ትዘውር ነበረት4። ኵላቶም እቶም ምርኡያትን ኣዕኑድ መስልትን ሃዋርያት ንበይኑ ሓዲጎምዎ ኣብ ዝሃደሙሉ ሰዓት፡ ካብኡ ኸይረሓቐት ክሳዕ’ታ ነፍሱ ዝወጸትላ ሰዓት ምስኡ ኰነት5። ሞይቱ ኻብ መስቀል ኬውርድዎ፡ ብኽቡር በፍታን ምስ ከርበን ዓልወን ብእተሓወሰ ሽቱን ቀቢኦም ኪገንዝዎ ኸለዉ፡ ተሰኪሞም ወሲዶም ኣብ ውቕሮ መቓብር ንኽቡር ስጋኡ ኼንብሩ ኸለው፡ ካብኡ ኸይተፈልየት ኣብ ዘእተውዎ እናኣተወት ኵሉ ረኣየት6። ካብኡ ዝፈለያ እቲ ኺጠሓስ ዘይከኣል ሕጊ-ሰንበት ጥራሕ’ዩ7። ድሕሪ ሳልስቲ ኸኣ፡ ኣንጊሃ ገና ኸይበርሀ ኸሎ ናብቲ መቓብር ምስ ብጾታ ኸደት። እቲ ንእኣ ስዒቡ ናብ መቓብር ዝኸደ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ ኣብቲ መቓብር ንሳ በይና’ምበር ካልኦት ምስኣ ኸም ዝነበራ ኣይጠቐሰን። ንሱን ሃዋርያ ጴጥሮስን ነቲ ዚረኣይ ርእዮም ምስ ተመልሱ’ኳ፡ ንበይና ኣብኡ ተሪፋ ናብቲ ዝተነብረሉ መቓብር ደኒና እናጠመተት ገና ትበክይ ነበረት8። እቲ ፍትሓዊ ጐይታ ድማ ነዛ ልዕሊ ዅሉ ሰብ ተገዲሳ ዝደለየቶ፡ ልዕሊ ዅሉ ኻልእ ድልየታታ ዝስርዓቶ ሰብ፡ ቅድሚ ዅላቶም ብኣካል ኪረኣያን፡ በዅሪ ምስክር ትንሳኤኡ ኺገብራን ብጽድቂ ወሰነን ፈቐደን። ክብሪ ነቲ መስተንክር ጽድቁን ፍትሑን ይኹን!! ንሕናኸ ብምርጫ ናይዛ ቕድስቲ መግደላዊት ርእስና ዘኽበርና ሰባት ደዀን ንኸውን፧ ንጐይታ ኣሽንኳይ ብሕይወቱ ኸሎ፡ ብምዉቱ ኸሎ’ኳ ምድላዩን ምስዓቡን ኣየቋረጸትን። ዝተሰርቀ’ምበር ዝተንስአ ስለ ዘይመሰላ፡ ነቲ ሕያው ኣብ ማእከል ምዉታት ትደልዮ’ኳ እንተ ነበረት፡ ብዘይካ ንክርስቶስ ንኻልእ ከይትደልይ ምኽራ ቈሪጻ ነበረት9። ቋምቋኣ ሓንቲ’ያ ዝነበረት፡ “ንጐይታይ ወሲዶም፡ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኸኣ ኣይፈልጥን”፡ ንኣሕዋታ ሃዋርያትን ነቶም ዝሓተትዋ መላእኽትን ዘረባኣ ንሳ ነበረት። ኣበይ ከም ዚንበርዎ ዘይምፍላጣ ኣዝዩ ዝኸበዳ፡ ናብቲ ዝኸዶ ዅሉ ኽትስዕቦ ስለ ዘየኽእላ’ዩ። እንተ ረኸበቶ እንታይ ክትገብሮ ኸም ዝደለየት፡ ነቲ ሓላው ኣታኽልቲ ዝመስላ ጐይታኣ፡ “ንስኻ ኣልዒልካዮ እንተ ዄንካስ፡ ኣነ ኽወስዶ፡ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ ንገረኒ” ኢላ ባህጊ ልባ ገለጸት። ጐይታና፡ ገና ብዮሃንስ መጥምቕ ተጠሚቚ ንኣገልግሎት ኣብ ዝወጸሉ እዋን፡ ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቀ-መለኮት “እንሆ ገንሸል ኣምላኽ” ኢሉ መስከረሉ። ነዚ ምስ ሰምዑ፡ እንድርያስ ዚርከቦም ክልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ንእኡ ሓዲጎም ደድሕሪ ጐይታ ሰዓቡ። እቲ ምስዓቦም ዝተዓዘበ ጐይታ ድማ፡ ንድሕሪት ግልጽ ኢሉ “እንታይ ትደልዩ ኣለኹም፧” ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ፡ “መምህር፡ ኣበይ ሰፊርካ ኣለኻ፧” በልዎ። “ንዑ ርኣዩ” ምስ በሎም ከኣ ዝሰፈረሉ ርእዮም ምስኡ ወዓሉ። ካብ ውዕሎኦም ምስ ተመልሱ ኸኣ፡ ዕዉት ናይ ድልያ (እለሻ) ጊዜ ኸም ዝነበሮም፡ “ንክርስቶስ ረኺብናዮ ብዚብል ባህ ዜብል ምስክርነት ገለጽዎ10። ኢየሱስ ነቶም ብሓቂ ዚደልይዎ ዚርከበሎም ኣምላኽ’ዩ። ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ምስቶም ዚደልይዎ ዚነብር ጐይታ’ዩ11። ሰፈር ክርስቶስ፡ ልቢ ናይቶም ዚደልይዎ’ዩ። ስለዚ ኸኣ፦ “በታ መዓልቲ’ቲኣ ኣነ ኣብ ኣቦይ፡ ንስኻትኩም ከኣ ኣባይ፡ ኣነ’ውን ኣባኻትኩም ምህላወይ ክትፈልጡ ኢኹም።”
ኢሉ ኣረጋገጸልና12። ቅዱሳን ሃዋርያት’ውን ከምኡ’ዮም ዘረጋገጹልና13። እቲ ንክርስቶስ ብምሉእ ልቡ ዚደልዮ ንልቡን ሕይወቱን ማሕደር ክርስቶስ ከም ዚኸውን ገይሩ የዳልዎ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ከኣ ጐይታና፦ “እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ’ሞ ዚሕልዎ፡ ንሱ’ዩ ዜፍቅረኒ፡ ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ’ዩ፡ ኣነ’ውን አፍቅሮ፡ ርእሰይ ከኣ እገልጸሉ። . . . ዜፍቅረኒ እንተ’ሎ ቓለይ ይሕሉ’ዩ ኣቦይ ድማ የፍቅሮ፡ ናብኡ’ውን ንመጽእ፡ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና።”
ብምባል ኣረጋገጸልና14። ስለዚ ንእግዚኣብሔር ኵሉ ጊዜ ምስ እንደልዮ፡ ቀዋሚ ማሕደሩን መቕደሱን ስፍራኡን ይገብረና15። እቲ ሓቀኛ ደላዪ፡ ከምቲ ቅዱስ ዳዊት ዝበሎ፡ ልቡ ኣብ ክንዲ ጐይታ ዀይኑ እንታይ ከም ዚብሎ፦ “ልበይ ኣብ ክንዳኻ ኰይኑ፡ “ንገጸይ ድለይዎ” ይብለኒ ኣሎ። ዎ እግዚኣብሔር ንገጽካ እደልዮ እኔኹ።” ብምባል ቅዱስ ዳዊት ገሊጹልና ኣሎ16። ናይ ሕይወቱ መርገጽን መደምደምታን ከኣ፦ “ኣብ ሰማይ ብጀካኻ መን ኣሎኒ፧ ንኣኻ ካብ ረኸብኩስ፡ ኣብ ምድሪ ዝደልዮ የብለይን።” ዚብል’ዩ ዚኸውን17።
ስለዚ’ምበኣር፡ ኣብዛ ቕድስቲ ናይ ትንሳኤ ዕለት፡ ጐይታ፡ “ንመን ትደልይ ኣለኻ፧ ንስኺኸ ንመን ትደልዪ ኣለኺ” ኢሉ ይሓትተና ኣሎ። እዚ በዅሪ ሕቶ ትንሳኤ’ዚ፡ ነዚ በዓልና’ዚ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንዅሉ ሕይወትና ኼማእዝን፡ ንዅሉ መገድናን ኣካይዳናን’ውን ኬቕንዕ በቲ ንጉስ ትንሳኤ ዝተዋህበና ኣማእዛኒ (ቀላሲ) ሕቶ’ዩ’ሞ፡ “ንመን እደልይ ኣለኹ፧” ኢልና፡ ሕይወትናን ኣካይዳናን ንፈትሸሉ። ናይ ትንስኤና መረጋገጺ ንግበሮ። ከም መዘምር ኣሳፍ፡ “ንኣኻ ካብ ረኸብኩስ ኣብ ምድሪ ዝደልዮ የብለይን” ንምባል ክሳዕ እንተብዕ፡ ነቲ ናይ ላዕሊ ዘበለ ዅሉ ብብርቱዕ ባህጊ ንድለዮ። ነቲ ንዘለኣ ለም ዚቕትለናን ካብቲ ናይ ዘለኣለም ብሉጽን ምሉእን ረዚንን ክብሪ ዜትርፈናን ዘበለ ሓሳብ ስጋን ግብሪ ስጋን ርእስና ነንጽህ። ከም ቅድስቲ ማርያም መግደላዊት ንክርስቶስ ብምልኣት ክሳዕ እንረኽቦ፡ ነቲ ንእኡ ናይ ምድላይ ባህግናን ጻዕርናን ነሓይሎ። ከም ስጋ እንተ ተመላለስና፡ ብመንፈስ ክንመውት ስለ ዝዀንና፡ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዀይኑ ዚህውኸና ግብሪ ስጋ ብመንፈስ ንቕተሎ። ከመይሲ ብስጋ ኽንነብር፡ ነቲ ስጋስ ሰብ ዕዳኡ ኣይኰንናን18። ካብ ሓጢኣት ሞይትና ንጽድቂ ሕያዋን ኴንና ተንሲእና፡ ንክርስቶስ ወርትግ ንድለዮን ንርከቦን!! በዚ ግብርና’ዚ ድማ ደቂ ትንሳኤ ምዃንና ነረጋግጽ!!
ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ሚያዝያ 24, 2013 ግዕዝ (2 ግንቦት 2021) - መበል 34 ሰንበት: .ቊ.51(፶፩) |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
1ቈረ 15፡20-41 |
1ጴጥ 3፡14-ፍጻ |
ግብ 2፡22-36 |
ዮሃ 20፡1-18 |
ዘዲዮስቆሮስ |
መዝ 78፣65-66 ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም። ወከመ ኃያል ወኅዳገ ወይን። ወቀተለ ፀሮ በድኅሬሁ። ሽዑ እግዚአብሄር ከም ደቂሱ ዝነበረ፣ ከምቲ ብወይኒ ሰኺሩ ዚጭድር ጅግና ዀይኑ ተንስኤ። ንጸላእቱ ድማ ኣብ ድሕሪኦም ወቕዖም |
1ቲቶ3፡3-5:2ኤፌ 2፡1-3፣ ቈሎ1፡21-23፣ ቲቶ3፡3-5:3ቈሎ 3፡1-3፥ 4ሉቃ 8፡1-3 ፥ 5ማቴ 27፡55,56 ፥ 6ማቴ 27፡59-61፣ ሉቃ 23፡53-56፣ ዮሃ 19፡ 38-42፣ ማቴ 26፡56,69-75፣ ዮሃ 16፡32 ፥ 7ሉቃ 23፡56 ፥ 8ዮሃ 19፡10,11 ፥ 9ሉቃ 24፡5:10ማር 11፡12-14 11ሉቃ 19፡41-44:10ዮሃ 1፡35-42 ፥ 11ማቴ 18፡19,20፣ 28፡19,20 ፥ 12ዮሃ 14፡20፣ 17፡21-23፣ 6፡53 131ዮሃ 3፡ 24፣ 4፡12,13፥ 14ዮሃ 14፡21,23፥ 15ኢሳ 55፡6፣ 2ዜና 15፡2,4 ፥ 16መዝ 27፡8፥ 17 መዝ 73፡25 18ሮሜ 8፡12-13
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ