ሰብ ይዕበ ይንኣስ ይውሓድ ይብዛሕ ኣብ ህይወቱ ዘይጭነቕ ወይ ዘይሓስብ ኣሎ ክብል ኣይደፍርን እየ፡
ኣብ ህይወትና ብምጭናቕና ዘይኮነ እቲ ጸገም፡ እቲ ጭንቅና ካልእ መልኽዕ ሒዙ ናብ ተስፋ ምቑራጽ ፡ህይወትና ናብ ምዝራግን ክኸይድ ከሎ ግና ፡እቲ ሓደ ኣምላኽ ካብ ዝጸልኦ ነገር ኮይኑ ይርከብ። ኣብ ዕለታዊ ህይወትና ዘጨንቑና ብዙሓት ክኾኑ ይክእሉ እዮም፡ ሰብ ሓዳር ብሓዳሮም፡ ተማሃራይ ድማ ብትምህርቱን ብመጻኢ ህይወቱን፡ ወላዲ ብውልዱ፡ ኣብ ስደት ዝነብር ድማ ብስደቱ ........ወዘተ፡ ከምቲ ዝበልክዎ ምኽንያት ንጭነቐሉ ብዙሕ ክከውን ይኽእል እዩ። እንተኮነ ኣብዚ ቀዳምነት ሂብና ክንሰርዖ ዝግባኣና ነገር ኣብ ግዜ ሽግርናን ጸበባናን ንእግዚኣብሔር ቀዳምነት ምሃብ እዩ ፡ ነዚ ህያው ቃል ኣምላኽ’ዚ ከረዳኣና’ዩ ሓዋርያ ጳውሎስ “ንኩሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ ” ብምባል ዝምዕደና ዘሎ፡ ምክንያቱ ካብ እግዚኣብሔር ወጺእካ ዝፍታሕ ሽግርን ጸበባን ብፍጹም ክህሉ ኣይክእልን እዩ። እቲ ጥበበኛ ከምዚ ይብለና “ስጉምቲ ሰብ ብእግዚኣብሔር እዩ ዝምራሕ ሰብዳኣ ከመይ ጌይሩ እዩ ንመገዱ ዘስተውዕላ” (ምሳ 20፡24 ኣንብብ )፡ ስለዚ ንሕና ስጉምትና ብእግዚኣብሔር ከም ዝምራሕ ካብ ዘይ ምፍላጥ ዝተላዕለ ጭንቀት ክንጭነቕ ከነማርር ከምዘይብልና ቃል ኣምላኽ ይምህረና (ማቴ 11፡28-30 ኣንብብ) ቀንዲ ምክንያት ድማ ብጭንቅና ከነምጽኦ ንኽእል ፍታሕ የለን፡ ቃል ወንጌል ከምዚ ይብል “ ካባኻትኩም ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቁመቱ ሓንቲ እመት ክውስኽ ዝኽእል መን ኣሎ ?” (ማቴ 6፡27 ኣንብብ) ስለዚ እዚ ክንገብር ካብዘይከኣልና፡ ምርጫና ናብቲ ኩሉ ዝኽእል እግዚኣብሔር ምጽጋዕ ጥራሕ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ንሓደ ባሕሪ ንምስጋር መርከብ / ጃልባ ከም ዘድልየካ፡ ሽግርን መከራን ብዓወት ንኽትሓልፎ ድማ ግድነት ናብ እግዚኣብሔር ምጽጋዕ ከድልየና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል “ካብ ኣብ ሰብ ምውካልሲ ኣብ እግዚኣብሔር ምምዕቋብ ይሓይሽ” (መዝ 118፡8)። መቸም ርግጸኛ’የ ሰብ ኣብ ትሕቲ ጽላል እቲ ኩሉ ዝኽእል ጎይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ እንተዳኣ ተዓቍቡ፡ ኣብ ህይወቱ ካልእ ጽላል ኣይክጽበን እዩ፡ እቲ ምንታይ’ሲ እቲ ኩሉ ዝኽእል ምስኡ ስለ ዘሎ (ፊሊ 4፡12-13 ኣንብብ)፡ ኣምላኽና ድማ ይካኣሎ እዩ ንኩሉ ሓይሊ ጸላኢ ሰይሩ ናጻ ከውጻኣና (ገላ 5፡1 ኣንብብ)
ኣብ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ንረኽቦ ታሪኽ’ውን ነዚ ዘረጋግጽ እዩ፡ ጌደዎን ንደቂ እስራኤል መሪሑ ኣንጻር ሚድያናውያን ክዋጋእ ከሎ በቶም ውሑዳት ደቂ እስራኤል ማለት 300 ነቶም ብዙሓት ሚድያናውያን ሰዓሮም፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ጌደዎን ኩሉ ሓይሉ ብእግዚኣብሔር ስለ ዝተኣመነ እዩ። ዘማራይ ዳዊት ከምዚ ኢሉ ኣሎ “ ጾርካ ናብ እግዚኣብሔር ደርብዮ ንሱ ካኣ ክድግፈካ እዩ” (መዝ 55፡22 ኣንብብ) ዝብል ቃል ናይቲ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽና ክንሰምዕ ከለና ፡ እቲ ዝመጽኣና ፈተና ቀሊልን ልዕሊ ዓቊሙና ከምዘይኮነን ክንኣምን ይግባኣና። ሓዋርያ ጳዉሎስ ከምዚ ኢሉና ኣሎ “ሰብ ክጸሮ ዘይክእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን፡ ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ክትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይርልኩም ኣሎ፡ ካብ ዓቕሙኩም ንንዮው ክትፍተኑ ኣይሓድገኩምን እዩ” (1 ቆሮ10፡13 ኣንብብ)። ታሪኽ ጻድቅ ኢዮብ እንተተመልኪትና’ውን ነዚ ኣጸቢቑ እዩ ዘብርሃልና (ኢዮ 1፡1—2፡13 ኣንብብ)። ብምቅጻል ሓዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ይብል “በቲ ንርእስና ካብኣምላኽ እንጸናንዓሉ ምጽንናዕ፡ ነቶም ኣብ ጸበባ ዘለው ኩላቶም ከነጻናንዕ ምእንቲ ክካኣለናስ፡ ብጸበባና ዘበለ ዘጸናንዓና ንሱ እዩ ” ( 2 ቆሮ 1፡3- ኣንብብ)። ስለዚ ኣብ ግዜ ሽግርናን ጸገምናን እቲ ሓደ ፍታሕ ናብ ኣምላኽ ዘቅርበና ጸሎት ምካኑ ኣሚና፡ ናብ እግዚኣብሔር ጸሎትና ነብጽሕ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል “ ድለትኩም ዘበለ ብጸሎትን ልማኖን ምስ ሰናይ ምስጋና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ ”(ፊሊ 4፡6 ኣንብብ)፡ ቀጺሉ’ውን ከምዚ ይብል “ ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፡ ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ ንመዓልቲ ክፍኣታ ይኣኽላ” (ማቴ6፡34 ኣንብብ)። ስለዚ ነቲ ኩሉ ዝመጸና ሽግርን ጸበባን መፍቲሒኡ ብተስፋን ጸሎትን ምኻኑ ሓዋርያ ጳውሎስ ኣነጺሩልና ኣሎ “ብተስፋ ተሓጎሱ ብጸበባ ተዓገሱ ከየቋረጽኩም ድማ ጸሎት ኣዘውትሩ” (ሮሜ 12፡12 ኣንብብ)። ብተስፋ ምጽላይ ኣብ ህይወትና ሓደ ናይ ግድን ክንላማመዶ ዘለና መንፈሳዊ ህይወት እዩ። ብተስፋ ምጽላይ ክንብል ከለና ከመይ ማለት እዩ? የሱስ ክርስቶስ ከም’ዚ ይብለና “ስለዚ እትጽልይዎን እትልምንዎን ዘበለ ከምዝረኸብኩሞ እመኑ እሞ ክወሃበኩም እዩ እብለኩም ኣለኹ” (ማር 11፡24 ኣንብብ)። ነዚ ኩሉ ምስ እንገብር ብርግጽ እቲ ርህሩህ ኣምላኽና ክረድኣናን ካብ ኩሉ እከይ ድማ ከናግፈናን እዩ። እግዚኣብሔር ንኩሉ ሰናይ’ዩ፡ ርህራሄኡ ካኣ ኣብ ኩሉ ግብርታቱ’ዩ (መዝ 145፡9 አነብብ)።
ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንኩሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ ፦
ኣብ ጸገምና ንኣምላኽ እንተ ዘይዓዲምናዮ ናብ ዝኸፍአ ጸገም ክመርሓና እዩ፡ ኣብ ጸገምና ንእግዚኣብሔር እንተ ዓዲምናዮ ካብ ኩሉ ሓራ ከውጸኣና ይኽእል እዩ። ተስፋኻ ኣብ ኣምላኽ ግበር ልብኻ ሓጎስን ደስታን ክመልኦ እዩ። ሮሜ 12፡12 ነብይ ዳኒኤል ልቡ ብቃል ኣምላኽ ስለዝጸንዐ፡ ካብ ኣናብስ ኣይፈርሐን፡ ከም ውጺኢቱ ድማ ዲሒኑ፡ ከምዚ ኢሉ ካኣ አመስገነ “ኣብ ቅድሚኡ ንጹህ ኰይነ ተረኺበ እየ፣ ኣብ ቅድሜኻ ኸኣ ኣይበደልኩን እሞ፣ ኣምላኸይ መልኣኹ ልኢኹ፣ ኣፍ ኣናብስ ዓጸወ፣ ከቶውን ኣይጐድኡንን ”(ዳኒ 6፡22 ኣንብብ ) እቶም ሰለስተ ብጾት ዳኒኤል ካብቲ እሳት ሓዊ ክፈርሑ ዘይካኣሉ፡ ኩሉ ሓልዮቶም ናብ ኣምላኽ ስለ ዘረከቡን፡ ንቃል ኣምላኽ ብግቡእ ስለዝተረዱኡን፡ እቲ ዝሓልየሎም ኣምላኽ ድማ ከናግፎም ከሎ ንርኢ “እንሆ ኣነ ኣርባዕተ ፍቱሓት ሰባት፡ ገለ እካ ኸይተጐድኡ፡ ኣብ ማእከል ሓዊ ኺመላለሱ እርኢ ኣሎኹ፡ ትርኢት እቲ ራብዓይ ድማ ወዲ ኣምላኽ ይመስል” (ዳኒ 3፡25ኣንብብ)
ንጉስ ዳዊት ብዝነበሮ እምነትን ጽንዓትን፡ ኩልነትናኡ ንኣምላኽ ብምርካብ ኣብ መዝምሩ እግዚኣብሔር ጓሳይየይ እዩ ዝጎድለኒ የብለይን..... እንዳ በለ ብሓጎስን ደስታን ንእግዚኣብሔር እምባኡን ጽግዑን ብምግባር፡ ኩሉ ሓልየቱ ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር ብምምዕቋቡ፡ ካብ ናይ ጎልያድ ጃህራን ከንቱ ትምክሕትን ክፈርሕን ክጭነቕን ኣይራአናዮን፡ እኳ’ዳኣ ብስም እግዚኣብሔር ብምባል እምኑ ደርበየ እሞ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ ሰባት ዝፍራሕ ዝነበረ ጎልያድ ናብ ምድሪ ጻሕ በለ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል “እቲ ውግእሲ ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ብሴፍን ብዅናትን ከምዘይኰነ ዜድሕን፡ ብዘላ እዛ ማሕበር እዚኣ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ንሱ ንኣኻትኩም ኣብ ኢድና ኺህበና እዩ ” (1 ሳሙ 17፡48 ኣንብብ )
ስለዚ ንሱ ይሓልየልና እዩ እሞ ኩሉ ሓልዮትና ናብ ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ነውድቆ “እግዚኣብሄር ካብ እከይ ዘበለ ኺሕልወካ፣ ንነፍስኻ ኺሕልዋ እዩ ፡ እግዚኣብሄር ካብ ሕጂ ንዘለአለም ምውጻእካን ምእታውካን ኪሕሉ እዩ” (መዝ 121፡7-8 ኣንብብ)
ስለዚ ልቢ ኣምላኽ ዳዊት ከም ዝበሎ “ንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ ገይረዮ፣ ብየማነይ ስለ ዝዀነ፣ ኣይክናወጽን እየ” (መዝ16፡8)፡ ኩሉ ግዜ ንእግዚኣብሔር ኣብ ቅድሜና ብምግባር፡ ኩሉ ሰከምናን፡ ኩሉ ሓልዮትናን ኣብኡ ከነውድቖ ንሱ ድማ ከጸሮልና ሰናይ ፍቓዱ ይኹነልና።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ