በስመ ኣብ ወወልድ መንፈስ ቅዱስ ሓደ ኣምላኽ! ኣሜን::
ሰብ ብባህርያቱ መንፈሳዊ ስለዝዀነ ከምልኽ ዝደሊ ባህርያዊ ዝምባሌ ዘሎዎ ፍጡር እዩ። ውሉድ ንወላዲኡ ከም ዝሓትት፡ ሰብ ድማ ብሕልንኡ ብዛዕባ ህይወቱ ኩሉ ሳዕ ንፈጣሪኡ እናሓተተ እዩ ዝነብር። እስከ ንበል መኪና እንተ ተበላሸወትና ናብ መካኒክዶ ኣይኮናን ንወስዳ፧ ሰዓት እንተ ተባላሸወትናኸ ናብ ዓራይ ሰዓትዶ ኣይኰናን ንወስዳ፧ ህይወትና እንተ ተበላሸወትናኸ ናበይ ንውስዳ፧ ናብቲ ከዕርያ ዝኽእል ፈጣሪኣ ክንወስዳ ግድን እዩ። ሰዓትን መኪናን እንተዘይ ተዓርየን ይድርበያ፡ ሰብ ድማ ናብ ፈጣሪኡ ከይዱ እንተዘይተዓረየ ከምቲ ንሰዓትን መኪናን እንድርብየን ከምኡ ክድርበ ናይ ግድን እዩ።
ጥምቀት፡ ብዙሕ ዓይነት መልክዕ እኳ እንተ ሃለዎ፡ ጥምቀት ኣብ መንጎ እግዚኣብሔርን ሰብን ብእምነት ዝእቶ ኪዳን እዩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝተዋህበና ጥምቀት፡ ብማይ ምሕጻብ፡ ብደመና ምሕላፍ፡
"ኣምላኽን ነቦን ስለ ዅሉ ነገር ብስም ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኵሉ ሳዕ እናኣመስገንኩምዎ፡ ንሓድሕድኩም ብፍርሃት ክርስቶስ እዙዛት ኩኑ።"ኤፌ 5፡20,21
![]()
ኣብ ጥንታዊትን ሓዋርያዊትን ኣጽናፋዊትን ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ታሪኽን ህልውናን ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ዘሕፍርን ዘጸይፍን ተግባር ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብምኽሳቱ፣
ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፣ ብሓላፍነትን ዋንነትን ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ንኽትሕተም ካብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ሕጋዊ ፍቓድ ረኺባ። እዚ፣ ንኹለን ኃይማኖታት ዝውሃብ መሰል'ውን እዩ።
““ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ’የ፡ ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲ’ውን ከፍርስ’የ፡” ዚብል ጽሑፍ’ዩ’ሞ፡ ቃል መስቀል፡ ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት’ዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና፡ ሓይሊ ኣምላኽ’ዩ።" 1ቈረ 1፡18,19።
እንድርያስ ወዲ ዘብዴዎስ ሓደ ካብቶም 12 ደቀ መዛሙርቲ ናይ ጎይታ ኮይኑ እቲ ቀዳማይ ንኢየሱስ ክርስቶስ ዝሰዓበ ሓዋርያ እዩ። ንሱ ብመጀመርታ ንክርስቶስ ምስ
ብብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ዝተመርሑ፡ ካብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ኣመሪካ ተዓዲሞም ዝመጹ ሊቃውንቲ ኣቦታትን ብብዝሒ ምእመናን ብክብ ዝበለ ፍስሓን ሓጎስን ዝተጸንበለ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣስተርእዮታ፡ ካብ ዓርቢ ክሳብ ሰንበት (ጥሪ 29 - 31/ 2010 ፤ ጥሪ ፳፩ - ፳፫ 2002 ዓ.ም. ግእዝ) ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደባት ሓቚፉ ኔሩ።
ረቡዕን ሓሙስን ክካየድ ብዝወዓለ ናይ ግብጺ ኣዕናዊ ግጭት ኣሕዋት፡ ዛጊት ኣብ መላእ እታ ሃገር 525 ሰባት ተቐዚፎም፡ 3,717 ከኣ ቈሲሎም ኣለዉ፡ ክብል ቢቢሲ ሓቢሩ'ሎ። ኣባላት እስላማዊ ሕውነት ከምዝገልጽዎ ግን እቲ ናይ ምዉታት ኣሃዝ ልዕሊ 2000 ከምዝበጽሕ እዩ። ጠንቂ ናይቲ ግጭት እንታይ ከምዝነበረ፡ ቢቢሲ ከምዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ኣቕሪቡ'ሎ።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ