S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሰብ ይዕበ ይንኣስ ይውሓድ ይብዛሕ ኣብ ህይወቱ ዘይጭነቕ ወይ ዘይሓስብ ኣሎ ክብል ኣይደፍርን እየ 

እዛ ሣልሰይቲ ሰንበት ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ዓብይ ጾም እዋንምኵራብተባሂላ ትጽዋዕ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከአ፡ቦአ ኢየሱስ ምኵራበ አይሁድ ወመሀረ ቃለ ሃይማኖት፡ ወይቤሎሙ ምጽዋተ ኣበድር እመሥዋዕት። አነ ውእቱ እግዚኦ ለሰንበት ወአቡሃ ለምሕረት፡ እግዚእ ውእቱ ለሰንበት ወልደ ዕጓለ እመሕያው። ኢትግበሩ ቤተ ኣቡየ ቤተ መሥያጥ፡ ቤትየሰ ቤተ ጸሎት ይሰመይ። ቦአ ምኵራብ ወገሠፆሙ። አንከሩ ምህሮቶ ሞገስ ቃሉ ወጣዕመ ነገሩ። ወሣዕሣዓ አፋሁ። ትርጉም ኢየኡስ ናብ ኣይሁድ ምኵራብ ከደ ቃል ሃይማኖት መሃረ ካብ መስዋእትስ ምጽዋት ይበልጽ በሎም። ጐይታ ሰንበት ኣቦ ምሕረት ኣነ እየ በሎም። ወዲ ሰብ ከኣ ጐይታ ሰንበት እዩ በሎም። ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ፡ ቤተይ ቤት ጸሎት እዩ ኢልዎም ናብ ምኵራቦም አተወ፡ ስቅ ክብሉ ገንሖም። ትምህርቱን ሓይሊ ቃሉን ሞገስ፡ ናይቲ ነገር ምፍታው ናይ ቃሉ ላዛን አድነቁ። ኢሉ ጐይታናን መድኃኒናን ኣብ ምኵራብ ምምሃሩ ቅዱስ ያሬድ ዘመረ።

"ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ” (1 ቆሮ 1.18)

“ሃይማኖት ኣይመሓየሽን’ዩ” ኢሎም ናይ ዝትንትኑ ገለ ጽሑፋት ትሕዝቶ ምስ ኣንበብኩ’የ ነዛ “ጸሓይ ከም በዲራ ህሌት” እትብል ኣበሃህላ ዘኪረ። 

ናይ ወዲ ሰብ ናይ ህይወት ዕላማ፡ ንምስሊ ኣምላኽ ምንጽብራቕ እዩ። ፍጥረት ሰብ ብመልክዕን ምስልን ናይ እግዚኣብሄር ዝተፈጥረ ፍጡር እዩ። እዚ ዘርእየና ድማ፡ ወዲ ሰብ ንመልዕን ምስልን ኣምላኽ ከንጸባርቕ ዝተፈጥረ ፍጡር ምዃኑ እዩ። ስለዚ ብፍጥረት ተካፈልቲ ባህሪይ ኣምላኽ ዀንና። ብምኽንያት እታ ዝተገብረት ኣበሳ እዚ መልክዕን ምስልን ኣምላኽ ኣባና ተበላሸወን ተደወንን። እንተዀነ ኣምላኽ በዚ ዝተበላሸወ መልኽዕ ንሓዋሩ ክንነብር ኣይሓደገናን። እንታይ ደኣ ነቲ ዝተበላሸወ መልኽዕና ከሐድሶ፡ ንዝጠፍአ ነገርና ክመልስ ወዲ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ወረደ። ነዚ ወረደ ዝብል ሓሳብ ሒዝና ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ከነስተንትን ቐኒና ክንከውን ተስፋ ይገብር። ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማይ ዝወረደሉ ዕላማ ነቲ ዝተፈጠርናሉን፡ ናይ ህይወትና ተልእኾውን ዝዀነ፡ ንኣምላኽ እነንጸባርቐሉን መልኽዕናን ምስልናን ንምሕዳስ እዩ።

ልኡኽ ሃገረ-ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ድሮ በዓል መስቀል ማለት 26 መስከረም 2009 (፲፮ መስከረም ፳፻፪ . ግእዝ) ምስ ፖፕ ሺኖዳ 3 ሊቀ ጳጳሳት ቤተክርስቲያን ምስሪ ተራኺቡ ተዘራሪቡ። ኣብ ርክብ፣ ኣብ መንፈሳዊ ክልቲአን ኣሓት ኣብያተ ክርስቲያን ዘተኮረ ዝርርብ ድሕሪ ምልዛቦም፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ከምኡውን ብዛዕባ ኩነታት ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን-ኤርትራ ዕሙቕ ዝበለ ልዝብ ኣካይዶም።

ጸሓፊ፡ ብመሠረት ቆሎሴ 414 እቲ ሓኪም ዝነበረ፡ ካብ ወገን ኣሕዛብ ዝዀነ ክርስቲያን ግሪኻዊ ወንጌልን ግብረ ሓዋርያትን ዝጸሓፈ ሉቃስ ዝተባህለ መሰነይታ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝነበረ እዩ።

ስሕለት ሴፍ ዘምለጠ፡ ሰሃራ እናበልዖ፡ ሰሃራ ዘምለጠ ሲናይ ተቐቢሉ ባሕሪ እናወሓጦ፡ ደቂ ህዝበይ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ከም ባሮት ተሸይጦም፡ 

“ርኣዩ፡ ውሉድ ኣምላኽ ክንብሀል፡ እቲ ኣቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ሃበና፡ ከምኡውን ኢና። ስለዚ ኸኣ ዓለም ንእኡ ኣይፈለጠቶን እሞ፡ ንኣና ኣይትፈልጠናን እያ።” (1ዮሃ 3:1)።

መእተዊ፥  እዚ ሰንበት እዚ ጾመ ኣርብዓ ዝኣትዋሉ ሰንበት እዩ። ጾመ ኣርብዓ እቲ ዝዓበየ ናይ ቤተ ክርስትያንና ናይ ጾም እዋን እዩ። በብሰሙኑ ድማ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ምውራዱ ጀሚሩ ክሳብ ትንሳኤኡ ዝሓለፎ ህይወት ብምስትንታን እንዝክረሉ ኣብቲ ናቱ ስራሕ ሓቢርና ምህላውና ድማ ርእስና እንምርምረሉ ክቡር ግዜ እዩ። ኣብ ናይ ሎሚ ትምህርትና እምበኣር ሕጽር ዝበለ ትምህርቲ ብዛዕባ ጾምን ብዛዕባ ትርጉም እዛ ሰንበት ተሰምያትሉ ዘላ መጸውዒ “ዘወረደ” ብዛዕባ ምውራድ ወልድ ዋህድን ዕላማ ምስጋዉን ክንርኢ ኢና።

ትምህርቲ ስነ-መለኮት ቀውዒ 2005 ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰመስተር ብዝውሃብ ትምህርትታት እንዳዓሞቐን እንዳሃብተመን ድሕሪ ምምጻእ፡

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div