እቶም ቀዳሞት ምሁራት ውሉደ ክህነት ናይ ኣርባዕተ ዓመት ትምህርቶም ኣብ ዝዛምሉ እዋን፡ ኣብ ስደት ተወሊዶም ዝዓበዩ ሓደስቲ ድያቆናትን መማህራን ቤት/ትምህርቲ ሰንበትን ኣሰሮም ይስዕቡ ኣሎዉ። ትመሃሮ ስነ-መለኮት ኣብ ራብዓይ ዓመቶም ዘቕርብዎ፡ ኣብ ትምህርትን ኣገልግሎትን ቤተክርስትያን ዘድሃበ፡ ኣገደስቲ መጽናዕታዊ ጽሑፋትውን ኣብ ታሪኽ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ናይ መጀመርያ ብምዃኑ ፍሉይ ኣገዳስነት ኪህልዎ እዩ። ብተወሳኺ “ተማሂርካ ምስትምሃር” ብዝብል ቴማ፡ ደቂቀ እንጦንዮስ፡ ትምህርቲ ስነ-መለኮት ናብ ዝሰፍሐ ኣካል ቤተክርስትያንና (ናብ ውሉደ ክህነት፡ ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ምእመናንን) ዝበጽሓሉ ብመጽናዕቲ ዝተሰነየ መደባት ኣብ ምድላው ይርከቡ።
ልዑል ዘመናዊ ትምህርቲ ዝቐሰሙ ካህናት፣ ድያቆናትን መማህራን ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ናይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤ.ክ ኤርትራ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ተጠቀምቲ ናይዚ ኣብ ኮለጅ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዚውሃብ ፍሉይ መደብ ካብ ዚኾኑ ራብዓይ ዓመቱ ጌሩ ኣሎ። ኮለጅ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኣብ ሕቡራት ሃገራት አመሪካ: ክፍለ ሃገር ቴክሳስ ዚርከብ ብጂኦግራፍያዊ ኣቐማምጣኡ ይኹን ብትሕዝቶኡ ከም ሽሙ ነታ ብጽርየት ስነ-መለኮታዊ ትምህርቲ እትፍለጥ መንበረ ማርቆስ ዚውክል ቅዱስ ናይ ትምህርትን ጸሎትን ቦታ እዩ።
ኣብዚ ሰመስተር እዚ: ትምህርቲ ብሉይ ኪዳን 3ይ ን 4ይ ክፋል (Old Testament parts 3 and 4)፤ ከምኡውን ታሪኽ ቤተክርስትያን ካብ 8ይ ክሳብ 21 ክፍለ ዘመን (Church History, 8th century to present day) የጠቓልል።
ትምህርቲ ብሉይ ኪዳን 3ይ ክፋል መጽሓፍ ካብ መጽሓፍ ምሳሌ ክሳብ መሃልየ መሃልይ (poetic or Wisdom Books) ዘጠቓልል ኪኸውን ከሎ፤ ራብዓይ ክፋል ከኣ ዓበይትን ንኡሳትን ናይ ነብያት መጻሕፍቲ (Prophetic Books)፡ ካብ ትንቢት ኢሳያስ ጀሚሩ ክሳብ ትንቢት ሚልክያስ የጠቓልል። ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ ነፍሲ ወከፍ መጽሓፍ፤ ንመንን ብመንን መኣስን ንምንታይ ዕላማን ከምዝተጸሓፈ፤ ምስክርነት ኣቦታት ቤተክርስትያን፣ ውሽጣውን፤ ደጋውን፤ ኣርኪኦሎጂካውን መርትዖታት ንተቓወምቲ (Critics) ይሓቑፍ።
እቲ ሳልሳይ ኮርስ፡ ታሪኽ ቤተክርስትያን ካብ 8ይ ክሳብ መበል 21 ክፍለ ዘመን፡ ስለ እምነት ክርስቶስ ዝተሓልፈ ገድሊ፡ ሰማዕትነት መራሕቲ ቤተክርስትያንን ምእመናን፤ ሎሚውን እንተኾነ ስለቤተክርስትያን ብኸቢድ ፈተና ዝሓልፉ ኣሰር ኣቦታቶም ዝስዕቡ መራሕቲ ከምዘሎዉን በሪሁ። ካብዚ ኮርስዚ እትግንዘቦ ሓቂ እንተሎ ቤተክርስትያን ካብ ናይ ውሽጥን ግዳምን ፈተና ኣዕሪፋ ከምዘይትፈልጥን፤ ኣብ መጨረሻ ግን፡ታሪኽ ከምዝምስክሮ፡ ቤተክርስትያንን እቶም ሰብ ሓቅን ተዓዊቶም ከምዝወጹ የስተምህር።
ካልእ ኣገዳሲ ነጥቢ “ተማሂርካ ምስትምሃር” ብዝብል ቴማ ኣብዚ ፍልጠት ቴክኖሎጂ ሰፊሑ፡ ብመራኸቢ ብዙሓን ዳርጋ ናብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ኪብጻሕ ኣብ ዝክኣለሉ እዋን፡ ተመሃሮ ስነ-መለኮት ትምህርቶም ናብ ዝሰፍሐ ኣካል ህዝብና ዝበጽሓሉ መገድታት ብዕምቆት ተዛራሪቦም። ንኡስ ሃገረስብከት ንመንእሰያትን ውሉደ ክህነትን ዝዓለመ ዓመታዊ ናይ ስልጠና ማእከላት ብውሑድ ዓቕሚ ድሮ ጀሚርዎ ከምዝሎ ይፍለጥ። እቲ ናይ መንእሰያት መደብ ኣብ ምብራቓውን ምዕራባውን ዞባታት ኣመሪካ ዝውሃብ ኮይኑ፡ መንፈሳዊ፡ ማሕበራዊ፡ ስነ-ጥዕናን ሞያውን ምኽርታት ሓቊፉ ንሰለስተ መዓልትታ ዝካየድ ሰፊሕ መደብ እዩ። ስልጠና ውሉደ ክህነት ክኣ ብተመሳሳሊ፣ ውሉደ ክህነት ብመንፈሳውን ማሕበራውን ፍልጠት ንምዕጣቕን፡ ኣብዚ ናይ ፈተና እዋን ውሉደ ክህነት ነንሕድሕዶም ዝባላልሕሉን መደብ ኮይኑ ን 2-3 መዓልትታት ይካየድ። ከምቲ ነብዪ ሆሴእ “ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ። ፍልጠት ስለ ዝኣቤኻ፡ ኣነ ድማ ካህን ከይትኾነኒ ኽኣብየካ እየ”(ሆሴእ 4፡6) ዝበሎ ቀንዲ ጸገም ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ድሕረት ትምህርቲ (ዘመናውን ሃይማኖታውን ትምህርቲ) ብምዃኑ ነባሪ ፍታሕ ዚርከብ፡ ዓለም ለኻዊ መምዘኒ ዘማልአ ናይ ስነ-መለኮት ኮለጅ” ብምኽፋት ንኣገልገልትን ምእመናን ብምስትምሃር ምዃኑ ዳርጋ ኩሎም እቶም ንቤተክርስትያንና ብቐረባ ዝፈልጥዎ ምሁራትን ለባማትን ዝሰማምዕሉ ነጥቢ እዩ። ምኽንያቱ ኣብዚ ፍልጠት ዝገነነሉ ዘመን፡ ኣብ ርድኢትን ብቑዕ ትምህርትን ዘይተሰረተ፡ ብርቱዕን ጽኑዕን እምነት ኪህሉ ኣይከኣልን፤ ቀጻልነት ቤተክርስትያንውን ኣብ ሓደጋ ኪወድቕ ከምዝኽእል ምግንዛብ የድሊ።
እዚ ኤርትራውያን ካህናትን ድያቆናትን እንዳተሳተፍዎ፣ ብመዓልታዊ ቅዲሴ፣ ጸሎተ ነግህን ጸሎተ ሰርክን እንዳተሰነየ ዝወሃብ ጽዑቕ ትምህርቲ ብሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ዮሴፍ እንዳተመርሐ፣ በቶም ዝተፈልጡ መማህራን ስነ-መልኮት ዝወሃብ ኣዝዩ ዓሚቕ ትሕዝቶ ዘሎዎ ትምህርቲ’ዩ። ካብቲ ክልሰ-ሓሳባዊ ትምህርቲ ንላዕሊ ድማ ካብ ህይወት’ቶም ኣገልገልቲ ቤተክርስትያን ዓቢ ትምህርቲ ትምሃር። ምኽንያቱ ንቓል እግዝኣብሔር ብዕምቆት ይፈልጥዎ ጥራይ ዘይኮኑስ ይነብርሉ ድማ እዮም።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጸሎት ድማ ስለቶም ስለ እምነት ተዋህዶን፣ ሕጊ ቤተክርስትያንን ምእንቲ ከይጠሓስ ኪብሉ ህይወቶም ዚወፈዩ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤ.ክ ኤርትራ፤ ሕጊ ቤተክርስትያን ኣይንግህስን ብምባል ኣሰሮም ስለዝሰዓቡ፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝበልዩ ዘሎዉ፤ ኣጸድ እታ መዋእሎም ምሉእ ዘገልገልዋ ቤተክርስትያን ከይረግጹ፡ ካብ ቅዱስ ቁርባን ተፈልዮም ኣብ ገዝኦም ኪዕጸዉ፡ ብብዓል ግዜ ሓደ ጭዋ ሰብ ዝተገደዱ ሊቃውንትን ፍሉይ ጸሎት ይግበር ኔሩ።
እዚ ብሉጽ መደብ፡ ኣብ ከባቢና ዓይነታዊ ኣገልግሎት ከነብርክት ዚድግፍ ብምዃኑ፡ ክሉኹም ኪትምሃሩ ትኽእሉ ኣቦታት ካህናት፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ መደብኩም ከተእትውዎ ንላቦን ንመክርን።
ክ/ስነ ጽሑፍ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ
ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ