“ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ።” ዮሓ 6፡54።
ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ካብቲ ናይ ጐይታና ዝረቐቐን ዝኸበደን፡ ግን ከኣ ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘለዎ ትምህርቲ ዝተዋህበሉ ናይ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ ዝተወስደ’ዩ። እዚ ንሎሚ ኸነንብቦን ክንመሃረሉን ዝተመደበ ኽፍሊ፡ ናይዚ ምዕራፍ፡ ዚበዝሕ ክፋሉ ብዛዕባ’ቲ ነዚ ኣስተምህሮ’ዚ ዝሃብዎ መልሰ ግብሪ ዚገልጽ’ዩ። ኣብ ሕይወት ወሳኒ ተራ ዚህልዎ ድማ ዓይነት ናይቲ ትምህርቲ ጥራሕ ዘይኰነስ ዓይነት ናይቲ ንእኡ ዝተዋህበ መልሰ ግብሪ’ውን’ዩ። ሕይወት ዚህብ መልእኽቲ፡ ብሰሪ መልሰ-ግብሪ ናይቲ ሰማዒ፡ ሞት ኪወልድ ይኽእል’ዩ። መጽሓፍ ቅዱስና ነቲ ትምህርቲ ጥራሕ ዘይኰነስ ነቲ መልሰ ግብሪ’ውን ዝጸሓፈሉ ምኽንያትን ናይ መልሰ ግብርና ግደ ምእንቲ ኽንፈልጦን ከነስተውዕሎን ኢሉ’ዩ።
ጐይታና፡ ኣብዚ ናይ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ ሽዱሽተ ትምህርቱ፡ ብዛዕባ ስጋኡን ደሙን’ዩ ዘስተምሃረ። እዚ ኣስተምህሮ’ዚ፡ ድሕሪ’ቲ ንልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ሰባት ብተኣምር ምምጋብ’ዩ ዘስተምሃሮ። እቲ ብመለኮታዊ ተኣምራቱ ኸም ቅጽበት ዓይኒ ዘዳልዎ ምግቢ መቂርዎም ናብ ዝኣተዎ ኺኣቱ ምስ ረኣዮም፡ ነቲ ሕሱር ሃቐናን ድርኺትን ልቦም ስለ ዘንበቦ፡ በቲ ንእኡ ምድላዮም ብዙሕ ኣይተሓጐሰን። ንሱ ኽልተ ዓይነት መኣዲ’ዩ ዘቕረበሎም፡ እቲ ሓደ እንጌራ- ሕይወት ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ እንጌራ-ስጋ’ዩ። ናቱ መሰረታዊ ተልእኾ፡ እንጌራ ሕይወት ምምጋብ’ዩ ዝነበረ። እግረ-መገዱ ኸኣ፡ ናይቶም መልእኽቱ ኺሰምዑ ዝተኣከቡ ውልቀ ሰባትን ህዝብን ማሕበራዊ ጸገማት ይፈትሕ ነበረ። ንዝሓመሙ ይፍውስ፡ ንዝጠመዩ ይዕንግል፡ ንዝሞቱ የተንስእ ነበረ። ምኽንያቱ፡ እቲ መለኮታዊ ሕጊ፦
“ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ደለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ (ብድሕሪኡ) ይውስኸልኩም።”
ዚብል’ዩ1። ነዚ መለኮታዊ ቕደም-ተኸተል’ዚ እንተ ኣፍሪስካዮን እንተ ገልቢጥካዮን ግን፡ መንፈሳዊ ጥዕናኻ ኣዝዩ ሕማቕ ከም ዘሎን፡ ብምስትውዓል ይኹን ብዘይ ምስትውዓል ኣንጻር ኣምላኽ ዓጢቕካን ገጢምካን ከም ዘለኻ ምስትውዓል ይግባእ። እዞም ብመስተንክር መጋቢነቱ ዝኣኽሎም በሊዖም ዘትረፉ ሰባት፡ ንጽባሒቱ ናብታ ዝነበራ እንተ መጹ ኣይጸንሖምን። ናበይ ከም ዝኸደ ኣጣዪቖም ምስ ፈለጡ፡ ብጃልባ እግረ-እግሩ ስዒቦም ኣርከብዎ። ምስ ረኣይዎ ድማ “መምህር፡ መዓስ ደኣ ናብዚ መጺእካ” በልዎ። እቲ ሃቐና ልቢ ኼንብብ ዘይጽገም ጐይታ ድማ፡ በቲ ንእኡ ዚደልዩሉ ዕላማ ሕጉስ ኣይነበረን። ስለዚ ኣግህድ ኣቢሉ፦
“እትደልዩኒ ዘለኹምሲ እንጌራ ስለ ዝበላዕኩምን ስለ ዝጸገብኩምን ኢኹም’ምበር ተኣምራት ስለ ዝረኣኹም ከም ዘይኰንኩም፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”
በሎም2። እዛ ቓል’ዚኣ ንርእሳ ተኣምራዊት’ያ። ምኽንያቱ ዅሉ ዚፈልጥን ልቢ ዚምርምርን ጐይታ ምዃኑ፡ ኣምላኽነቱ እተረጋግጽ መልእኽቲ’ያ። ካብዚ ናይ ጐይታና ኣበሃህላ ኸም እንርድኦ’ምበኣር፡ ብዛዕባ’ታ ናብ ከብዶም እትኣቱ እንጌራ እምበር፡ እታ እንጌራ’ቲኣ ካበይ ከም ዝመጸት ብኸመይ ከም ዝመጸት ኪፈልጡ’ኳ ዝዀነ ግዳሰን ባህግን ኣይነበሮምን። እዞም ሰባት’ዚኣቶም ኣብ ዝተዳለወ ውራይ ኣይኰኑን ዚምገቡ ዘለዉ። ምግቢ ዓዲግካ ኽትዕንገለሉ ኣብ ዘይትኽእለሉ ጭው ዝበለ በረኻ’ዮም ፍጊዕ ክሳዕ ዚብሎም በሊዖም ዘትረፉ። ከብዶም ምስ መልኡኸ፡ “ኣቱም ሰባት፡ ነዚ ዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ምግቢ ደኣ ኻበይ መጸ፧” ኢሎም ዘይሓተቱ እንታይ ኰይኖም’ዮም፧ ብሰብ፡ ብገመል ወይ ብኣድገ በቕሊ ተጻዒኑ ኺመጽእ ኣይረኣዩን። ስለዚ ብዛዕባ ኸብዶም’ምበር፡ ብዛዕባ’ቲ ኸብዶም ዜዐንግል ምግቢ ንኺረኽቡ ዝተገብረ ተኣምር ፈጺሞም ኣይተገደሱን። እቲ ዝተገብረ ተኣምራት ኣብ ርድኢቶም ኰነ ኣብ እምነቶም ዝዀነ ጽልዋ ኣየሕደረን። ካብ’ዚ ኸቢድ መንፈሳዊ ድንዛዘ’ዚ ምእንቲ ኺፍውሶም ጐይታና፦
“. . . ነቲ ንሱ (ወዲ ሰብ) ዚህበኩም ንዘለኣለም ሕይወት ዚነብር ብልዒ’ምበር፡ ነዚ ሓላፊ ብልዒ (ብልዕኩም) ኣይትግበሩ።”
ኢሉ መዓዶም3። ካብዚ ቓል ጐይታና ኸም እንርድኦ’ምበኣር፡ ንወዲ ሰብ ክልተ ዓይነት ብልዒ ተዳልዩ ኣሎ። እቲ ሓደ፡ “ነባሪ-ብልዒ” ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ፡ “ሓላፊ ብልዒ” እዩ። እዞም ሓለፍቲ ሰባት ነዚ ነባሪ-ብልዒ ብልዕና እንተ ገበርናዮ ኣብ ዘለኣለማዊ ሕይወት ንነብር። ሓለፍቲ ስለ ዝዀንና፡ ነቲ ንኣና ዚመስል ሓላፊ ብልዒ ጥራሕ እንተ መረጽና ድማ፡ ካብ ዘለኣለማዊ ሕይወት ንበኵር። ካብ ዘለኣለማዊ ሕይወት በዅርካ ማለት ግን ኣብ ዘለኣለማዊ ሞትን ስቓይን ተረኺብካ ማለት ምዃኑ ኺዝንጋዕ ኣይግባእን።
እቶም ሰባት ነዚ መሳጢ መልእኽቱ ምስ ሰምዑ፡ “ጐይታይ፡ ነቲ እንጌራ’ትስ ኵሉ ሳዕ ሃበና፡” ኢሎም ለመንዎ። ንሳቶም ምግቢ ኻብ ምምእራር ንሓዋሩ ምእንቲ ኺዓርፉ ተመንዮም’ዮም ከምኡ ዝሓተቱ። ነዚ ድማ፡ እቲ ነባሪ-ብልዒ እንታይ ምዃኑ ምስ ተነግሮም፡ ብዝሃብዎ መልሰ-ግብሪ’ዩ ዝተረጋገጸ። ጐይታና ድማ ነቲ ዘቕረቡሉ ሕቶ (ልመና)፦
“እንጌራ ሕይወት ኣነ’የ። ናባይ ዚመጽእ ኣይጠምን፡ ብኣይ ዚኣምን ከኣ ከቶ ኣይጸምእን’ዩ። ግናኸ ከምቲ ዝበልኩኹም’ዩ፡ ርኢኹምንስ ኣይኣመንኩምንን። . . . እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ሕይወት ኣነ’የ። ካብ’ዚ እንጌራ’ዚ ዝበልዐ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብር’ዩ። እዚ ኣነ ምእንቲ ሕይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ’ዩ።
ብምባል መለሰሎም4። ነቲ ዝተፈላለየ ዓይነት መልሰ-ግብርታት ዝወለደ ቓል ድማ እዚ’ዩ። ክንደይ ዓይነት መልሰ-ግብሪ’ዩ ተራእዩ፧ እቲ ነባሪ ብልዒ ዚሰማምዖን ዘይሰማምዖን ሰብ ኣየናይ ምዃኑ በዚ ቓል’ዚ’ዩ ዝተቐልዐ። ነዛ ግህድትን ዕጽምትን ኣስተምህሮ’ዚኣ ዝተዋህበ መልሰ ግብሪ፡ ሰለስተ ዓይነት’ዩ። እቲ ኽልተ ናይ ተቓውሞ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ሓደ ግን ናይ ምቕባል’ዩ።
ቀዳማይ መልሰ-ግብሪ፦ በቶም ሓላፊ ብልዒ ደልዮም ደድሕሪኡ ዝሰዓቡ ዘይኣመኑ ኣይሁድ ዝተዋህበ’ዩ። ጭራሽ፡ ምብላዕ-ሰብa ይምህር ከም ዘሎ ገይሮም ተረድእዎ። ካብ ሕሉፍ ምግራም ዝተላዕለ ድማ፡ “እዝስ፡ ስጋኡ ኽንበልዕ ከመይ ገይሩ ኺህበና ይከኣሎ፧” ኢሎም ንሓድሕዶም ተኻትዑ። እዚ “ስጋኡን ደሙን ምብላዕ” ዚብል መንፈሳዊ ኣምር፡ ዋላ’ቲ ዚብላዕ ሕብስትን ወይንን ምዃኑ እናተፈልጠ’ኳ፡ ከም “በላዕቲ-ሰብ” ተቘጺሮም ኣብ ዘመነ-ሰማእታት ስሞም ዝኸፍአን ዝተቐትሉን ኣመንቲ ማእለያ የብሎምን። ኣብ ዘመንና’ውን እንተ ዀነ ብኸምዚ ዝበለ ዝምቡዕ ርድኢትን መልሰ-ግብርን ንክርስትና ዜቃልሉ ሰባትን እምነታትን ብዙሓት’ዮም።
ካልኣይ መልሰ-ግብሪ፦ እዚ ድማ ኣመንትን ደቀ መዛሙርትን ብዝነበሩ ሰባት ዝተዋህበ መልሰ ግብሪ’ዩ። ኣብ መወዳእታኡ ድማ ንድሕሪት ብምምላስ’ዩ ተዛዚሙ። ምስቲ “ዝኣመንዎ” ጐይታ ኪቕጽሉ ስለ ዘይከኣሉ፡ ኣማራጺ ገይሮም ናብ ዝረኣይዎ ናብ ካልእ ጐይታን ናብ ካልእ መገድን ኣላገሱ። ነዚ ረቂቕ ምስጢር’ዚ ኻብ ልሳን ጐይታኦም ምስ ሰምዑ፦
“እዚ ዘረባ’ዝስ ጭንቂ’ዩ፡ መን ኪሰምዖ (ኪቕበሎ) ይኽእል፧”
ኢሎም መለሱ፡ ጐይታ ነዞም ሰባት’ዚኣቶም “ዘይኣምኑ” ኢሉ ብምጽዋዕ፡ “ዘይኣምኑ ደቀ መዛሙርቲ” ምዃኖም ገለጾም። በዚ መሰረታዊ ትምህርቲ’ዚ ኺዕንቀፉ ትጽቢት ዘይግበረሎም ኣመንቲ” ስለ ዝዀኑ ኸኣ፡ “እዚዶ የዐንቅፈኩም ኣሎ፧” በሎም። እቲ ዝኸበደ ኽትኣምኖ ዜጸግም ምስጢር ዕርገት’ምበር ምስጢረ ቊርባን ዘይምዃኑ ንምግላጽ ከኣ፦
“ወዲ ሰብ ናይቲ ቐደም ዝነበሮ (ናብ ሰማይ) ኺድይብ ከሎ እንተ ትርእይዎ ደኣ፡ እንታይ ምበልኩም፧”
በሎም። እዞም በዚ ምስጢር’ዚ ዝተዓንቀፉ ሰባት፡ ንጐይታ ዚኸውን ትዕግስቲ ስኢኖም’ምበር፡ ስጋኡን ደሙን ብኸመይ ከም ዚህቦም ክሳዕ ዜርእዮም እንተ ዚጽበዩ ኻብ ምዕንቃፍ ምድሓኑ ነይሮም። ብሕይወት እናሃለወ፡ ካብ ሰብነቱ ብካራ ስጋ ቘሪጹ ብምውሳድ “ብልዑ” ኢሉ ኸም ዘይህቦም ርዱእ ነገር’ዩ። ምስ ሞተ ንስጋኡ ኸም መኣዲ ሰሪዖም እንተ ኣቕረበሎም ድማ፡ ኪበልዕዎ ዜገድዶም ኣካል ስለ ዘየለ፡ ሽዑ ምኣበይዎ። እቲ ዝኣመንዎ ጐይታ ትግባረ ናይቲ ዝገለጾ ምስጢር ክሳዕ ዜርእዮም ኪዕገስዎ እንተ ዘይክኢሎም ደኣ፡ ንመን’ዮም ኪዕገሱ፧ እንተ ዀነ፡ ከምቲ ጐይታ፡ “ዘይኣመኑ ግና ኣብ ማእከልኩም ኣለዉ” ዝበሎም፡ ዘይኣምኑ ስለ ዝነበሩ፡ በቲ ዝሃብዎ መልሰ ግብሪ ንጥፍኣቶም ተዓንቀፉ፡ እቲ ጐይታና፡ “እቲ ኻብ ኣቦይ እተዋህቦ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚክእል የልቦን” ዝበሎ ቓል ድማ ኣባታቶም ተፈጸመ5።
ሳልሳይ መልሰ-ግብሪ፦ እዚ ድማ እቲ ብቕዱሳን ሃዋርያት ዝተዋህበ መልሲ’ዩ። እዚ መልሰ-ግብሪ’ዚ በቶም ናብ ሕርየት ዝበቕዑ ሰባት ጥራሕ ዚወሃብ’ዩ። ነዚ ምስጢር’ዚ ክንድ’ቲ ዚግብኦ ተረዲእዎም ከይኸውን ይኽእል’ዩ። ምኽንያቱ ሕጂ እቲ ትምህርቲ’ዩ ተዋሂቡ’ምበር፡ ብኸመይ ስጋኡን ደሙን ከም ዚህቦም ብግብሪ ስለ ዘይረኣይዎ፡ እቲ መስርሕ ምግላጽን ምርዳእን ገና ኣይተወድአን። ስለ ዘይተረድኦም ግና ከቶ ኣይተዓንቀፉን። ምኽንያቱ ኻብ ምዕንቃፍ ናብ ዜድሕን ናይ ብጹሓት ርድኢትን ውሳነን በጺሖም ነበሩ። ናብዚ ብሱል መልሰ- ግብሪ ኺበጽሑ ዝሓገዞም ርድኢት እንታይ’ዩ፧
1ይ. ብስጋ ዝተገልጸ ኣምላኽ ምዃኑ ብምሉእ ልቦም ኣሚኖም ዝተቐበልዎ ሓቂ’ዩ። ነዚ ኸኣ፡ “ንስኻስ ክርስቶስ ወዲ ሕያው ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚንናን ፈሊጥናን ኣለና” ብዚብል ቃል፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ገሊጽዎ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ’ውን ጐይታና “ንስኻትኩምከ መን’ዩ ትብሉኒ ኣለኹም፧” ኢሉ ምስ ሓተቶም፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው ኣምላኽ ኢኻ” ኢሉ ንጹርን ጽኑዕን ርድኢቱን እምነቱን ገሊጹ እዩ። ናብዚ ርድኢትን እምነትን’ዚ ዚበጽሕ፡ እቲ እግዚኣብሔር ኣቦ ብመንፈሱ ገይሩ ዝገለጸሉ ሰብ ጥራሕ’ዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ እምነት ዝተሰረተት ቤተ ክርስትያን ኰነ ውልቀ ሰብ፡ ደጌታት ሲኦል ዘይሕይልዎ ጽኑዕ ከውሒ’ዩ ዚኸውን6። ይትረፍ ብትምህርቲ ጐይታኡ ብፈተና ሰይጣን’ኳ ኣይዕንቀፍን’ዩ። ንኣይሁድ እዛ ርድኢ’ዚኣ’ያ ምውሓጥ ኣብያቶምን ንጐይታ ኽሳዕ ምቕታል ኪዕንቀፉ ዝገበረቶምን7። እቶም ዝተዓንቀፉ’ሞ ንድሕሪት ዝተመልሱ ደቀ-መዛሙርቲ ናብዚ ደረጃዚ ዓብዮም እንተ ዚዀኑ፡ በዚ ዕጹም ትምህርት’ዚ ኣይምተዓንቀፉን ነይሮም። ምኽንያቱ፡ ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ ኪጋገይን ኬጋግዮምን ከም ዘይክእል ምበጽሕዎ ነይሮም።
2ይ. ብዛዕባ ቓላቱ ዝነበሮም ምርዳእ’ዩ። “ናይ ዘለኣለም ሕይወት ቃል ኣሎካ” ዚብል እምነት ስለ ዝነበሮም፡ ነቲ ቓሉ ኸም ቃል ተራ ሰብ ዘይኰነስ፡ መለኮታዊ ቓል ምዃኑ ተቐቢሎምዎ ነበሩ8። እዚ ርድኢትን መርገጽን’ዚ እንተ ዘይብልካ ግና፡ እቲ ትምህርቲ እናዓጸመ ምስ ከደ፡ ኣብ ሓደ ነጥቢ ምስ በጻሕካ ምውሓጥ ኣብዩካ ምዕንቃፍካ ዘይተርፍ’ዩ። ጐይታና’ውን ነቶም ብዛዕባ ትምህርቱ ዘጒረምረሙን ንድሕሪት ኪምለሱ ዚደናደኑ ዝነበሩን፡
ካብ ምዕንቃፍ ንኼድሕኖም፡ ብዛዕባ’ቲ ንሱ ዚዛረቦ ቓል ኬረድኦም’ዩ ዝፈተነ። “መንፈስ’ዩ (መለኮት’ዩ) ሕያው ዚገብር፡ ስጋስ ገለኳ ኣይጠቕምን’ዩ። እዘን ኣነ ዝነገርኩኹም ቃላት መንፈስ’የን ሕይወት’ውን’የን።” ዮሃ 6፡63
እዚ ርድኢት’ዚ ዘይብልካ ናይ ምዃን ሓደጋ እንታይ’ዩ፧ ብዛዕባ ቓል ጐይታ ከም’ዚ ዝበለ ርድኢት እንተ ዘይብልካ፡ ምዕንቃፍ ቅዲ-ሕይወትካ ዀይኑ’ዩ ዚተርፍ። እዚ ቓል’ዚ ግና ርስቲ ምስ ቅዱሳን ዜውርስ ትኹል ቃል ምዃኑ ናይ ኵሉ ጊዜ ጽኑዕ እምነትና ኪኸውን ይግባእ9።
እምበኣር፡ እዚ ድርብ መንፈሳዊ ርድኢት’ዚ’ዩ፡ ናብቲ “ናብ መን’ሞ ኽንከይድ፧” ዚብል ጽኑዕ ሃዋርያዊ መርገጺ ዘብጽሐ። ቅዱሳን ሃዋርያት፡ እቲ ትምህርቲ ይለምልም ይዓጽም፡ እቲ መገዲ ይኽበድ ይቕለል፡ ካብ ጐይታና ወጻኢ ኻልእ ኣምራጺ ኸይህልዎም ዝወሰኑ ሰባት’ዮም። ነቲ ብኽብሪ ዝሓረዮም ጐይታ ጥራሕ’ምበር ካልእ ሕርያ ኪህልዎም ኣይፈቐዱን። እቲ ምሕራይ ብእኡ’ምበር ብኣታቶም ኣይጀመረን። ንሳቶም ከኣ ነቲ ዝሓረዮም ሓረዩ (ዮሃ 15፡16)። ነዛ እንኮ ምርጫኦም ምዃኑ እትገልጽ “ናብ መን’ሞ ኽንከይድ፧” እትብል ቃል ምስ ሰምዐ፡ ጐይታና፡ “ኣነስ ንዓሰርተው ክልቴኹምዶ ሓርየኩም ኣይኰንኩን፧” ብምባል ኣረጋገጸሎም (6፡70)። እዚ ናብ “መን’ሞ ኽንከይድ፧” ዚብል ቃል፡ ናይ መንፈሳዊ ብስለትን ርትዕን ዝለዓለ መለክዒ’ዩ። እቲ ናብ’ዚኣ ዘይበጽሐ ክርስትያን፡ ብስሑት ትምህርቲ፡ ብመከራ ዀነ ብሓጢኣት ኪርታዕን ኪስነፍን ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ልዑል’ዩ። በዚ ኣሉታዊ ሓደጋታት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ከምዚ ናይዞም ዝተዓንቀፉ ደቀ መዛሙርቲ፡ ዋላ በቲ ጥዑይ ግን ከኣ ዕጹም ትምህርቲ ወንጌል ምዕንቃፉ’ውን ኣይተርፎን’ዩ። ስለዚ ዕውትን ኣምላኽ ዚቕበሎን ዜኽብሮን መንፈሳዊ ሕይወት ኪህልወና እንተ ዀይኑ፡ ኣብዛ ሃዋርያዊት ብስለትን መትከልን’ዚኣ፡ ኣብ ከውሒ ቘይሙ ኸም ዝጸንዐ ሰብ ኴንና ደው ክንብል ይግብኣና።
“ናብ መን’ሞ ክኸይድ፧” ክንብለሎም ዚግብኣና ዅነታት እንታይ እንታይ እዮም፧ እዛ መንፈሳዊት መትከል’ዚኣ ዘይትምልከቶ ገጻት ሕይወት ኪህሉ ኣይክእልን’ዩ። ንዅሉ በብሓደ ኽንዝርዝሮ ስለ ዘይከኣል ግና፡ ኣብዞም ዚስዕቡ ክፍልታት ጠርኒፍና ኽንድህስሶ ኢና።
1. ጒዳይ መሰረተ-እምነት፦ እዚ ነርእስትና ምኽንያት ኰይኑ ዘሎ ዛንታ፡ ናይ መሰረተ-እምነት ጒዳይ’ምበር ካልእ ኣይኰነን። ምስጢረ ቊርባን፡ ካብቶም ዓበይቲ ናይ መሰረተ እምነት ትምህርትታት (ኣርእስትታት) ሓደ’ዩ። ዘለኣለማዊ ሕይወት ኣብ ምርካብን ምስኣንን ወሳኒ-ግደ ዘለዎ ኣርእስቲ’ዩ። ስለዚ ካብቲ ኣስተምህሮኡ ጀሚርና ኽሳዕ ትግባረኡ፡ ጽኑዕ መርገጺ ኽንወስደሉ ዚግብኣና፡ ናብ ዀን-ደዀን ወይ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱ ኣርእስቲ’ዩ። ክርስቶስ፡ ነቲ ኻብ ስርናይ ዝተሰርሐ፡ ሰባት ሰንኪቶም ዘዳለውዎ ሕብስቲ፡ “እዚ ስጋይ’ዩ” እንተ ኢሉ፡ ነቲ ኻብ ተኽሊ ወይኒ ተቐንጢቡ ዝተዳለወ ወይኒ ድማ፡ “እዚ ደመይ’ዩ” እንተ ኢሉ፡ ካልእ ኣምራጺ ሓሳባትን ሕቶታትን ብዘይብሉ መገዲ-ኣሜንን እወን ኢልና ብእምነት ኽንቅበሎ ጥራሕ’ዩ ዘለና። ነዛ ሓቂ’ዚኣ ምቕባል ጭንቂ ዀይኑናስ፡ ብዛዕባኡ “ነዚ መን ኪቕበሎ ወይ ኪኣምኖ ይኽእል፧” እንተ’ልና “ካብ ትምህርቲ ጐይታ’ሞ ናበይ ክንከይድ፧” ዚብል መንፈሳዊ መርገጺ ኣይበጻሕናዮን ወይ ንድሕሪት ተመሊስና ኣለና ማለት’ዩ። ካልኦት ብቐሊሉ ኽንርድኦም ዘይንኽእል ከበድቲ ኣርእስትታ’ውን ኣለዉ። ስለዚ ብዛዕባ’ቲ ሓቀኛ ትምህርቲ ወንጌል ጽኑዕ መርገጺ ኺህልወና ይግባእ። ካብ ምህሮ ክርስቶስ ጐቦ ዜዝብል፡ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ኺፈታተና ኸሎ’ውን፡ ከምቲ ጐይታና ባዕሉን ቅዱሳን ሃዋርያቱን ዝመሃሩና፡ ንምህሮ ጐይታ ገዲፍና ናብ ምህሮ ኣጋንንቲ ኸይንኸይድ፡ ነዚ ሃዋርያዊ መርገጺ ተጠቒምና ርእስና ኽንሕሉ ይግባና10።
2. ጒዳይ መከራ፦ ሰይጣን፡ መከራ ዜምጽኣልና ካብቲ “ናብ መን’ሞ ኽንከይድ፧” ዚብል መርገጺ ምእንቲ ኺነቕለና’ዩ። ንህድማ፡ ንኽሕደት፡ ንምምስሳል ከም ኣማራጺ መገድን ጥበብን ርኢና፡ ናብኡ ኽንመጽእ የተባብዓና። እንተ ኣበና ድማ በቲ መከራ ገይሩ የገድደና። ብመከራ ኻብዚ ሃዋርያዊ መትከል’ዚ ዚርሕቕ ሰብ ማእለያ የብሉን። እቲ ብመከራ ዚኽሕድን ንድሕሪት ዚምለስን ሰብ፡ እቲ ንጐይታ መተካእታ ኸም ዘይብሉ እንኮ ኣማራጺኡ ገይሩ ዘይረኣዮ ሰብ ጥራሕ’ዩ። ቅድሚ መከራ፡ ዘይንቕነቕ ውሳኔና ዝዀነ ዀይኑ ኺስምዓና ይጸንሕ። መከራ ዓይኑ ኣፍጢጡ ምስ መጸና ግን፡ ነቲ “ካባኻ ሓሊፈ ናብ መን’ሞ ክኸይድ፧” ኢልና ብመዝሙርን ብኻልእ መገድን ክንእመነሉ ዝጸናሕና ጐይታ፡ ልክዕ ከም ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ነዚ ሰብኣይ’ዚ፡ ነዚ እትብልዮ ዘለኺ” ኢልና ነዛ ስሙ’ኳ ኸይንጠቅስ እናፈራህና ንኽሕዶ11። ከም ነብዪ ዳንኤልን ሰለስተ ኣዕሩኽቱን ብጽንዓት ደው ምባል ንስእን12። ጐይታ ግና ኣብ እዋን መከራ ደው ኢልና ብትብዓትን ብጽንዓትን እንተ ተኣመንናዮ፡ ኸም ዚእመነና፡ እንተ ኸሓድናዮ ግን ከም ዚኽሕደና ብንጹር ኣፍሊጡና’ዩ13። እቶም “ናብ መን’ሞ ኽንከይድ፧” ኢሎም ኪጸንዑ ዚኽእሉ፡ እቶም ከም ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ንኣይ ሕይወተይ ክርስቶስ’ዩ። ሙማት’ውን ረብሓይ’ዩ። . . . ከምቲ ዅሉ ሳዕ ሕጂ’ውን ብትብዓት ደኣ፡ ብሕይወት እንተ ዀይኑ ወይስ ብሞት፡ ክርስቶስ ብስጋይ ኪኸብር’ዩ። ዚብል ጽኑዕ ሃዋርያዊ መርገጺ ዘለዎም ጥራሕ’ዮም14።
3. ጒዳይ ሓጢኣት፦ ነፍሲ ወከፍ ክንፍጽማ እትፍትነና ሓጢኣት፡ ነቲ “ናብ መን’ሞ ክኸይድ፧” ዚብል ሃዋርያዊ መርገጺና ኽትፍትሽን ከተናውጽን’ያ እትመጽእ። ትዕግስቲ ሓዲግና ቚጥዓን ባእስን እንተ መረጽና፡ ነቲ ጐይታ ሰላም ሓዲግና ናብቲ ጐይታ ዕግርግር ኽንከይድ መሪጽና ኣለና ማለት ምዃኑ ኽንዝንግዖ ኣይግባእ። ጐይታ ብዛዕባተን ገፋሕን ቀጣንን መገድታት ኪምህር ከሎ፡ ብዛዕባ ጽድቅን ሓጢኣትን’ዩ ዚምህር ዘሎ። እታ ቐጣን መገዲ ናብ ጐይታ እትወስደና መገዲ ጽድቂ’ያ። እታ ገፋሕ ግና ናብ ሰይጣንን ገሃነምን እተእቱ ናይ ሓጢኣት መገዲ’ያ። እቲ ንጐይታና፡ “ካባኻ ሓሊፈ’ሞ ናብ መን ክኸይድ’የ፧” ዚብል ሃዋርያዊ መርገጺ ዘለዎ ሰብ ኣብታ ገፋሕ መገዲ ፈጺሙ ኣይርከብን’ዩ። ኣብታ ቐጣን መገዲ ጽድቂ ብጥንቃቐ እናተጓዕዞ ኸሎ፡ ጸላኢ ንዜጥብቐሉ ሓጢኣት ከኣ፡ ብምሉእ ንስሓ ብደም ክርስቶስ ሓጺቡ ብኡንብኡ የጽርዮ’ምበር ኣየውዕሎን ኣየሕድሮን’ዩ። ምኽንያቱ ናይ ሰይጣን ናይ ዋንነቱ ማሕተም፡ ሓጢኣት’ዩ። ጽድቂ ድማ ናይ ዋንነት ጐይታ ማሕተም’ዩ። ድሙቕ ማሕተም ሓጢኣት እናሃለወካ፡ “ናብ መን’ሞ ክኸይድ፧” ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብ ሰፈር ሰይጣን ኴንካ፡ “ናብ መን’ሞ ክኸይድ፧” ምባል ድማ መደረብታ ናይ ግብዝነት ሓጢኣት ምውሳኽ ጥራሕ ስለ ዚኸውን፡ ዘይምባሉ’ዩ ዚሓይሽ።
እምበኣር፡ በዚ ሃዋርያዊ ቓል’ዚ ርእስና ንፈትሽ። ካብቶም ብመትከልን ብቓልን ብግብርን “ናብ መን’ሞ ኽንከይድ፧” ንብል ዲና፧ ወይስ ካብቶም ድሮ ኸይዶም ክነሶም፡ የለውን ንኸይበሃሉ ዚብልዎ ኢና፧ ብጒዳይ መሰረተ እምነትና፡ ብዚገጥመና መከራ ዀነ ብዚፈታተና ዅሉ ሓጢኣት ኵሉ ጊዜ፡ ኣብ ኵሉ ዅነታት፡ ኣብ ኵሉ ቦታ ነዛ “ናብ መን’ሞ ኽንከይድ፧” እትብል ሃዋርያዊ መትከል ወርትግ ንጠቐመላ። ጐይታ ድማ “ሕሩያት” ምዃንና ኼረጋግጸልናን፡ ነቲ ንሕሩያቱ ዝተሓዝአ ዅሉ ሰማያዊ ኽብርን መሰላትን ድማ ኬጓናጽፈና’ዩ። ነቶም ኣብ ኵሉ ጊዜን ኵነታትን “ናብ መን’ሞ ኽንከይድ፧” ኢሎም ብእሙንነት፡ ብትብዓትን ብጽንዓትን ከኣ ዚቘሙሉ፡ ንሱ’ውን “ካብኡ ሓሊፈ’ሞ ንመን ክሓሪ’የ፡” ኢሉ’ዩ ዜኽብሮም’ሞ ነዚ ሃዋርያዊ መትከል እንኮ ምርጫና ንግበሮ። ከቶ ኣይኪሓስመናን ከኣ’ዩ!!፡
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ነሓሰ ፲፮, ፳፻፲፫ ግዕዝ (22 ነሓሰ 2021 ፈረ). መበል 48 ሰንበት: ቊ.77/፸፯. |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
ዕብ 9፡11-21 |
1ዮሓ 1፡1-6 |
ግብ 11፡1-10 |
ዮሓ 6፡47-58 |
ዘእግዚእነ(ነአኩተከ) |
መዝ ፵፭፡፬-፭። ቀደሰ ማኅድሮ ልዑል ፤ እግዚአብሔር ውስተ ማእከላ ኢትትሀወክ ፤ ወይረድአ እግዚአብሔር ፍጽመ። መዝ 46፡ 4-5። ወሓይዙ ንኸተማ ኣምላኽ፣ ነታ ቕድስቲ ቦታ ማሕደር እቲ ልዑል ዜሐጕስ ርባ ኣሎ። ኣምላኽ ኣብ ማእከላ ኣሎ፣ ኣይክትናወጽን እያ፣ ኪወግሕ ከሎ፣ ኣምላኽ ኪረድኣ እዩ። |
1ማቴ 6፡33 ፥ 2ዮሃ 6፡26:3ዮሃ 6፡27 4ዮሃ 6፡35,36,51 acannibalism:5ዮሃ 6፡65 6ማቴ 16፡15-18 ፥ 7ዮሃ 5፡18፣ 10፡33፣ 6፡42 ፥ 81ተሰ 2፡13:9ግብ 20፡32፣ ያእ 1፡21 10ገላ 1፡6-10፣ 2ቈረ 11፡4፣ ኤፌ 4፡14,15፣ 1ጢሞ 4፡1፣ 1ዮሃ 4፡1-6፣ 2ዮሃ 7፡11:11ማቴ 26፡69-74፣ ማር 6፡66-71፣ ሉቃ 22፡55-60 ፥ 12ዳን 3፡16-30፣ 6፡10-28 ፥ 13ማቴ 10፡32-33፣ ማር 8፡38 ፥ 14ፊሊ 1፡20,21
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ