S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዜና ሕይወት መጋቤ ምሥጢር መብራህቱ መባእ

መጋቤ ምሥጢር መብራህቱ መባእ፡ ካብ ኣቦኦም ኣቶ መባእ ቶምቦሳ፡ ኣዲኦም ወ/ሮ ቅዱሳን ልጃም ብ1938 ዓ.ም. ኣብ በራቒት ንኡስ ዞባ ቆሓይን ዞባ ደቡብ ተወልዱ። ወዲ 14 ዓመት ምስ ኮኑ፡

ብምኽንያት ሕማም ክልተ ኣዕይንቶም ስለ ዝዓወሩ፡ ናብ ገዳም እንዳ ኣቡነ መርቆሬዎስ ከይዶም፡ ካብ መባእታ ፊደል ክሳብ ጾመ ዱጉዓ (ዱጋ) ካብ መምህር ወልደሚካኤል ኣጻፊፎም ተማህሩ። ናብ ማይ ለሓም መራጉዝ ብምኻድ ድማ ካብቶም ናይ ቅኔ ሊቅ ዝኮኑ የነታ በርሀ ግእዝ ቅኔ ምስ ኣገባቡ ብዝግባእ ኣጻፊፎም ድሕሪ ምቕናዮም፡ ናይ ኣቋቋም ትምህርቲ ንምምሃር ናብ ዓዶም ቆሓይን ብምኻድ ካብ የነታ ዳንኤል ነቢዩ፡ ኣቋቋም ተማህሩ፡ ዝያዳ ናይ ኣቋቋም ትምህርቶም ንምጽፋፍ ድማ፡ ናብ ከተማ ኣሥመራ መጺኦም ኣብ ደብረ ግእዛን መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ኣሥመራ ኣብ የነታ መሓሪ ካሕሳይ፡ ናይ ኣቋቋም ትምርቲ ኣጻፊፎም ወድኡ።

መጋቤ ምሥጢር መብራህቱ ድሕሪ ናይ ቅኔ ግእዝ ትምህርቲ ምምሃሮም፡ ምሉእ ዝምባሌኦም ኣብ ትርጓሜ መጻሕፍቲ ዘተኮረ ፍሉይ ህያብ ስለ ዝነበሮም ዝንባሌኦም ምሉእ ኣብኡ ብምግባር፡ ናይ ትርጓሜ መጻሕፍቲ ትምህርቲ መምህር ዝነበሩ መምህር ዘኣማኑኤል ተፈሪ ዘደብረ ኣባይ ብምኻድ፡ ትርጓሜ መጻሕፍቲ፡ ሓዲሳትን፡ መዝሙር ዳዊትን፡ ከምኡውን ትርጉም ውዳሴ ማርያም ቅዳሴ ማርያምን ትምኅርተ ኅቡኣትን ኪዳንን ዘሎ ካልእ ትርጉማትን ኣዝዩ ብዘዕግብ መገዲ ን15 ዓመታት ምሉእ ተማሂሮም። ናይ ምሉእ ሃገር ሊቅ ኮይኖም ድሕሪ ምምራቖም፣ ብቑዕ ናይ ኣብነት መምህርን ኮይኖም ካብታ ዘምሃረቶም ማኅበረ ሓዋርያት ናይ ምስጋናን ምስክርን ወረቐት ተቐበሉ።

ናይ ትርጓሜን ስብከተ ወንጌልን መምህር ኮይኖም ድማ ኣብታ ዝተማህሩላ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ግእዛን መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን፡ ኣገልግሎቶም ጀመሩ። ቀጺሎም ናብ ደብረ ብሥራት ቅዱስ ገብርኤል ኣኽርያ ተቐይሮም ንዓሰርተ ዓመት ብስብከተ ወንጌልን ብመምህርነትን ብስፍሓት ቀጸልዎ። ብፍላይ ድማ ኣብ መንእሰያት፡ ኣዝዩ ልዑል ጽልዋ ኣኅደሩ። ዝናኦም ዝያዳ እናሰፍሐ ስለ ዝኸደ ንዝዓበየን ዝሰፍሐን ኣገልግሎት ተሓርዩ።

ስብከተ ወንጌልን ምምህርና ቅዱሳት ጽሑፋትን ኣዝዩ እናሰፍሐ ስለ ዝኸደ፡ መጋቤ ምሥጢር መብራህቱ መባእ፡ ንዝለዓለ ኣገልግሎት፡ ብ1974 ዓ.ም ቆጻጽራ ግእዝ. ናብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ኣሥመራ ተመዲቦም፡ ክሳብ ዕረፍቶም 31 ሓምለ  2009 ዓ.ም. ብመምህርነትን ስብከተ ወንጌልን ከገልግሉ ጸኒሖም። ጎድኒ ጎድኒ ኣብዚ ናይ ስብከትን ትምህርትን ስርሖም ድማ ኣብ ምትርጓም መጻሕፍቲ፡ ብስፍሓት ክሰርሑ ጸኒሖም። ምስ ትምህርቲ ሰንበት ናይ ፍኖተ ብርሃንን ናይ መካነ ህይወት መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያንን ብምትሕብባር ድማ መጻሕፍቲ ተርጒሞም። በዚ ድማ እዚ ሕጂ ብዙኃት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ዝመሃሩሉ ዘለዉ ትርጉም ኣርባዕተ ወንጌል ብግእዝን ትግርኛን ኣዳልዮም ኣቕሪቦም። ከምኡውን ንብዙኃት ምእመናን ኣብ እምነቶም ደው ዘብል “መሠረተ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ቀዳማይን ካልኣይን ጊዜ ብ1998 ዓ. ተመሓይሹ ተሓቲሙ ምእመናን ይጥቀሙሉ ኣለዉ።

ተዳልዮም ንሕትመት ዝቐረቡ መጻሕፍቲ።

  1. መቅድመ ወንጌል
  2. ምሉእ ሓዲስ ኪዳን ዳግማይ ተኣሪሙ ንሕትመት ተዳልዩ ኣሎ።

መጋቤ ምሥጢር መብራህቱ መባእ፡ ብፍላይ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣዝዩ ልዑል ፍልጠት ስለ ዝነበሮም ብስም ቤተ ክርስቲያን፡ ይኹን ብውልቂ ዝሕተሙ መንፈሳውያን መጻሕፍቲ ኣብ ትሕቲ መጋቤ ምሥጢር መብራህቱ መባእ ከይተራእዩን ከይተኣረሙን ዝሓለፉ መጻሕፍቲ ኣለዉ ኢልካ ምዝራብ ዚከኣል ኣይኮነን።

ቅድሜ ሃገርና ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ብሠለስቲኤን ኣብያተ ክርስቲያን ተሓቲሙ ኣብ ዝተዘርግሓሉ ጊዜ ኣብ ምእራም ኃላፊ ኮሚቴ ኮይኖም ሰሪሆም።ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ’ውን ጊዚያዊ ሲኖዶስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ጀሚሮም ሓላፊ ናይ ዝምርመሩ (ሳንሱር) ብምዃን ንምሉእ ቤተ ክርስቲያን ወኪሎም ኪዓዩ ጸኒሖም እዮም።

መጋቤ ምሥጢር መብራህቱ መባእ፡ ኣዝዮም ዓቃል፡ ፈቃር፡ ትሑት፡ እሩም ጠባይ ዝነበሮም፡ ምስቲ ዝነበሮም መንፈሳዊ ፍልጠትን ብስለትን፡ ምስቲ ንቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዘበርከትዎ ኣስተዋጽኦን ክርአ እንከሎ፡ ሓበንን መመክሕን ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም ምንባሮም ዝኾነ ሰብ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ።መጋቤ ምሥጢር መብራህቱ መባእ፡ ናይቶም መጓዕዝቶምን መኻፍልቲ ቃሎምን ብፍልጠትን መንፈሳውነትን ኃዎም፡ መምህር ዓንደብርሃን ገብረማርያም ኣሰር ተኸቲሎም ናብቲ ብህይወቶም ዝጸመውሉን ዘገልገልዎን ኣምላኾም “ሠናይ ገድለ ተጋደልኩ፡ በድርየኒ ፈጸምኩ፡ ወሃይማኖትየኒ ዓቀብኩ እንከሰ ጽኑሕ ሊተ ኣክሊለ ጽድቅ ዘየዐሥየኒ እግዚኣብሔር። “ሠናይ ገድሊ ተጋዲለ ጉያይ ወዲአ፡ ነታ እምነትውን ሓልየያ እየ፡ ደጊም እቲ ቅኑዕ ፈራዲ ዝኾነ ጐይታ በታ መዓልቲ እቲኣ ዝህበኒ ኣኽሊል ተዳልዩለይ ኣሎ።” (2 ጢሞ.4፡ 7-8) ዝበሎ ፈጺሞም፡ ዕለት 31 ሓምለ 2009 ዓ.ም. ካብዛ ዓለም እዚኣ ናብታ ዘይትሓልፍ ሰማያዊት ሃገሮም ናብ ኣምላኾም ግዒዞም። ንስድራ ቤቶም፣ ፈተውቶምን ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶን ኣምላኽ ጽንዓት ይሃብ። እግዚኣብሔር ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ይሃቦም።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div