“ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ፡ ፍረ እናፈረኹምን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓበኹምን ብዅሉ ንእግዚኣብሔር ባህ ከተብሉ ንእኡ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ፡ ንጽልይ ኣለና። ቈሎ 1፡10።
እዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትን መሪሕ ጥቕስን ካብ’ቲ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዚ መዓልቲ’ዚ ዝተዳለወ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ መልእኽቲ ዝተወስደ’ዩ። እዛ ቈሎሴ እትበሃል ከተማ፡ ኣብ’ቲ ዘመን’ቲ ንኡስ እስያ (Asia Minor)፡ ኣብ’ዚ ዘመን’ዚ ድማ ቱርኪ ተባሂላ ኣብ እትጽዋዕ ሃገር እትርከብ ከተማ’ያ። ሕጂ ንቕርሲ ዚኸውን ዑና’ምበር፡ እታ ኸተማ ህላወ የብላን። እታ ኣብ ቈሎሴ ዝነበረት ቤተ ክርስትያን፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብቐጥታ ባዕሉ ዝመስረታ’ኳ እንተ ዘይኰነት፡ ካብተን ሓላፍነተን ወሲዱ ባዕሉ ዚጓስየን ኣብያተ ክርስትያን ሓንቲ’ያ ዝነበረት። ኣብ’ቲ ነዛ መልእኽቲ’ዚኣ ዝጸሓፈሉ እዋን፡ ካብ ናይ ኣይሁድን ኣህዛብን እምነታት ዝመበቈሉ ስሑት ትምህርትታት እታ ቤተ ክርስትያን ትናወጸሉ ዝነበረት እዋን’ዩ ዝነበረ። ካብ’ዚ ስሑት ትምህርቲ ርእሶም ሓልዮም፡ ንኣምላኽ ብቑዓት ኰይኖም ኪመላለሱ ዚምዕዶም ዘሎ ኸኣ ብእኡ ምኽንያት’ዩ። ዓይነት ናይ’ቲ ዜጋጥመና ፈተና ብዘየገድስ፡ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብቑዓት ካብ ምዃን ኪዕንቅፈና’ዩ ዚመጽእ። ንሕና ድማ ነዚ ዕላማ ናይ’ቲ ፈታኒና ድያብሎስ ኣስተውዒልና፡ ኵሉ ጊዜን ኣብ ኵሉ ዓይነት ኵነታትን ንኣምላኽ ብቑዓት ኴንና ንመላለስ ከም ዘለና ኸነረጋግጽ ይግብኣና። እግዚኣብሔር ፍትሓዊ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ኵሉ ኣሰራርሓኡ ኣብ ብቕዓት ዝተመርኰሰ’ዩ። ንዘይግብኦን ንዘይበቕዖን ሰብ ብምሃብ ንጸጋኡ ኣየቕልል’ዩ። ስለ’ዚ’ዩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና “ብቕዓት” ዚብል ቃል ብብዝሒ ተደጋጊሙ እንረኽቦ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ድማ ንኣገዳስነት ናይ’ዚ ኣርእስቲ’ዚ ኸም ዚግባእ ብምግንዛብ፡ ነዚ ትምህርቲ’ዚ ኣዳልያትልና ትርከብ።
ብቕዓት ኣብ መንፈሳዊ ህይወት ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ኵሉ ገጻት ናይ ህይወት ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። ትምህርቲ፡ ሞያ ስራሕ፡ ኣገልግሎት፡ ኣቕሓ (ንብረት)፡ ብብቕዓቱ’ዩ ዚምዘን። ብቕዓቱ ንኺፍለጥ ድማ ብቕዓቱ ዚምዘነሉ ፈተና ይዳለወሉ’ዩ። ብቕዓት እናለዓለ ብዝኸደ መጠን፡ ክብሩ ድማ ብእኡ መጠን እናለዓለ ይኸይድ። ብቕዓት እናጐደለ ብዝኸደ መጠን ከኣ ተደላይነቱ ስለ ዚጐድል ክሳዕ ምድርባይ ኪብጻሕ ይኽእል’ዩ።
መሪሕ ጥቕስና ሰለስተ ብቑዓት ዚገብሩ ረቛሒታት ጠቒሱልና ኣሎ። ንሳቶም ከኣ፦
1. ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ፍረ ምፍራይ፡
2. ብፍልጠት ኣምላኽ ምዕባይ፡
3. ብዅሉ ንእግዚኣብሔር ባህ እተብሎ ምዃን እዮም።
ብቚጽሪ ደኣ ሰለስተ ይምስሉ’ምበር፡ እቲ ሳልሳይ ረቛሒ ዚሓቚፎ ኻልእ ብዙሕ ረቛሒታት ከም ዘሎ ብሩህ’ዩ። እቲ “ብዅሉ” ዚብል ቃል ንብዙሕ ረቛሒታት ዚሓቊፍን ዜጠቓልልን’ዩ። ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስና ተዘርዚሩ ዘሎ ንኣምላኽ ባህ ዜብል ተግባራትን ባህርያትን ይትረፍ ተንቲንካ፡ ጠቒስካዮ ምሕላፉ ጥራሕ’ኳ ብዙሕ’ዩ። ዋላ’ቶም ቀዳሞት ክልተ ረቛሒታት’ውን ኣብኡ ኺጠቓለሉ ይኽእሉ’ዮም። እምበኣር ናይ ኵሉ እንገብሮ ተግባራት ናይ መወዳእታ ውጽኢቱ እግዚኣብሔር ባህ ከም ዚብሎን ከም ዚሕጐስን ምግባር’ዩ። “ሰብ ንእግዚኣብሔር ዜሐጉስ ነገር ኪገብር ይኽእል’ዩ” ኽትብል ዚኸብድ’ኳ እንተ ዀነ፡ እግዚኣብሔር ብደረጃ መለኮትነቱ ዘይኰነስ ብደረጃ ስጋ ብዓቕምና ስለ ዚመዝነና ብቕንዕናን ብፍታውን ብዝገበርናዮ ዅሉ መንፈሳዊ ወስታታት (gestures) ብልዑል መጠን’ዩ ዚሕጐስ። ነቶም ኣብ’ቲ ሓጺር ምድራዊ ዕድሚኦም ዘሐጐስዎ ዅሎም፡ ብዘለኣለማውን መለኮታውን ሓጐስ ዚጻምወሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። ነቶም ብዝተዋህቦም መክሊት እሙናት ኰይኖም ዘሐጐስዎ፡ ካብ’ቲ ናቱ ሓጐስ ኪካፈሉ ብቑዓት ኰይኖም ስለ ዝተረኽቡ፦
“ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ፡ እሙን ባርያ፡ ብሒደት ተኣሚንካ ኢኻ’ሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሽመካ’የ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እተው።” ብምባል ኣኽበሮም (ማቴ 25፡21,23)። እምበኣር ካብ’ቲ መለኮታዊ ሓጐስ ተኻፈልቲ ምእንቲ ኽንከውን፡ ነቲ ሰናይና ዚፈትው ኣምላኽ ብዜሐጉሶ ብቕዓት ክንመላለስ ይግብኣና። መጽሓፍ ቅዱስና ብቑዓት ኴንና ክንመላለሰሎም ዚግባና ነጥብታት ጠቒሱልና ስለ ዘሎ ንገለ ኻብኡ ከም ኣብነት ክንርእዮ ኢና።
1. ንጽውዓኻ ብቑዕ ምዃን፦ መንፈሳዊ ህይወትን ጉዕዞን ኵሉ ጊዜ ብጽውዓ’ዩ ዚጅምር። ኣምላኽ ነቲ ቅድሚ ምስራት ዓለም ዝመደበልና ንኺህበና፡ ብጽውዓ’ዩ ዚጅምሮ። ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ፦
“ነቶም ቀደም ዝፈለጦም፡ ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋትሲ በዅሮም ምእንቲ ኪኸውን፡ ንምስሊ ወዱ ኺመስሉ ቐደም መደቦም። ነቶም ቀደም ዝመደቦም፡ ንኣታቶም ከኣ ጸውዖም። ነቶም ዝጸውዖም፡ ንኣታቶም ድማ ኣጽደቖም። ነቶም ዘጽደቖም፡ ንኣታቶም ድማ ኣኽበሮም።” ብምባል ኣብሪህዎ ኣሎ (ሮሜ 8፡29,30)። እግዚኣብሔር ነቲ ጥንታዊ መደቡ ብጽውዓ ይጅምሮ’ምበር፡ ኣብኡ ኣይውዳእን’ዩ። ድሕሪ ጽውዓ፡ ምጽዳቕን ምኽባርን ኣሎ። ነዚ ዳሕራይ ንምርካብ ግን፡ ቅድም ነቲ ጽውዓኻ ብቑዕ ክትከውን ናይ ግድን’ዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ከኣ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦ “ደጊም ኣነ እሱር ብጐይታ፡ ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ጽውዓ ብቑዓት ኴንኩም ክመላለሱ እምዕደኩም ኣለኹ።” ብምባል መዓደና (ኤፌ 4፡1)። ንጽውዓኻ ብቑዕ ዘይምዃን፡ ነቲ እግዚኣብሔር ዝመደበልካ ጥንታዊ መደብ የዐንቅፎ። ንርእስኻውን ካብ’ቲ ተዳልዩልካ ዘሎ ድሕሪ ጽውዓ ዚርከብ ጸጋን ክብርን የብኵረካ። ድሕሪ ጽውዓ፡ ብቚዕ ኴንካ ምስ ተረኸብካ ናብ ጽድቂ ናብ ሕርየት ኢኻ እትበቅዕ። ነቲ ዝተጐናጸፍካዮ ሕርየት ክሳዕ ምጽኣቱ ወይ ክሳዕ ዕለተ ሞትካ እንተ ኣጽናዕካዮ ድማ ናብ ሰማያዊ ኽብሪ ትበቅዕ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ፡
“ስለ’ዚ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንጽውዓኹምን ምሕራይኩምን ከተጽንዕዎ ኣዚኹም ተጋደሉ። እዚ እንተ ገበርኩምሲ፡ ከቶ ኣይከተንደልህጹን ኢኹም። ከምኡ’ውን ናብ’ቲ ናይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ምእታው ብምልኣት ኪወሃበኩም’ዩ።” ዚብል ቃል ምዕዶን ቃል ተስፋን ተዋህበና (2ጴጥ 1፡10,11)። ብዙሓት ሰባት ነቲ ጽውዓ ብሓጐስ ተቐቢሎምዎ ኼብቅዑ ናብ ብቕዓት ክሳዕ ዚበጽሑ ስለ ዘይጋደሉን ንጽውዓኦም ስለ ዘየጽንዕዎን፡ ካብ ሕርየት ይበዅሩ። እቲ ጐይታና፦ “ጽዉዓት ብዙሓት’ዮም፡ ሕሩያት ግና ሒደት’ዮም።” ዝበሎ ቓል ድማ ኣባታቶም ይፍጸም (ማቴ 20፡18፣ 22፡14)። እግዚኣብሔር ኪጽውዓና ኸሎ ተገቢኡና ዘይኰነስ ብጸጋኡ’ዩ ዚጽውዓና። ኣብ’ቲ ንሰብ ገላትያ ዝጸሓፎ መልእኽቱ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዀነ፡ ብዛዕባ’ቶም ናብ ካልእ ወንጌል ዝዘምበሉ ሰባት ነዚ ሓቂ’ዚ ደጋጊሙ ገሊጽዎ’ሎ።
“ካብ’ቲ ብጸጋ ክርስቶስ ዝጸውዓኩም ከም’ዚ ቐልጢፍኩም ናብ ካልእ ወንጌል ምግልባጥኩም ይገርመኒ’ሎ።
“እቲ ኻብ ከርሲ ኣደይ ጀሚሩ ዝፈለየኒ፡ ብጸጋኡ’ውን ዝጸውዓኒ ኣምላኽ ግና፡ ኣነ ኣብ ኣህዛብ ወንጌል ምእንቲ ኽሰብኽ ኢሉ፡ ንወዱ ኣባይ ኪገልጾ . . . ፈተወ።” ገላ 1፡6,16,17
ስለ’ዚ ንጽውዓኻ ዘይምብቃዕ ማለት ነቲ ዝተጸዋዕካሉ ደም ክርስቶስ ዝዋጋኡ ኽቡር ጸጋ ምንዓቕን ምድርባይን ማለት’ዩ። ንጽውዓኡ ብቑዕ ናይ ዘይኰነ ሰብ ኣብነት፡ ኣብ’ቲ ናይ ጐይታ “ምስላ መርዓ ዝገበረ ንጉስ” መሃሪ ብዝዀነ መገዲ ተገሊጹ ኣሎ (ማቴ 22፡1-14)። እቲ ንጉስ ነቲ ዘቕረበሎም ክቡር ጽውዓ ብዝነጸጉ ሰባት ዝጐሃዮ ኸይኣክል፡ ነቲ ጽውዓኡ ኣኽቢሮም ንዝመጹ ኺርእይ ኢሉ ናብ’ቲ ኣደራሽ ምስ ኣተወ ድማ፡ ንጽውዓኡ ብቑዕ ዘይኰነ ሰብ ረኸበ። ኣብታ መዓልቲ ሓጐስ ድማ ኣብ’ቲ ንርእሱን ዓዳሚኡን ዘሕሰረ ሰብ ኪፈርድ ተገደደ። ከም’ቲ ናብ መርዓ ዝተዓደመ ነቲ ዕድመ ዚበቅዕ ልብሲ ዚለብስ፡ እቲ ናብ ክርስትና ናብ መንግስተ ሰማያት ዝተጸውዐ (ዝተዓደመ) ድማ፡ ንጽውዓኡ ዚበቅዕ ህይወትን ኣካይዳን ኪለብስ ናይ ግድን፡ዩ።
2. ንመንግስቲ ኣምላኽ ብቑዕ ምዃን፦ ናይ ኵሉ ጽውዓ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ፡ መንግስተ-ሰማያት’ያ። ስለ’ዚ ንጽውዓና ናብ መንግስቱ ኸም እተእትወና ጌርና ብብቕዓት ክንነብራ ይግባእ። ኣብ’ቲ ልዕል ኢልና ዘንበብናዮ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ መልእኽቲ፡ ንጽውዓና ብብቕዓትና እንተ ኣጽናዕናዮ፡ ናይ መወዳእታ ዓስብና፡ ናብ’ታ ዘልኣለማዊት መንግስቱ ምእታው ብምልኣት ከም ዚወሃበና ተነጊሩና ኣሎ። ስለ’ዚ ኣብ መንፈሳዊ ዀነ ኣብ ማሕበራዊ ህይወትና መዓልታዊ “ንህይወተይ ወይ ንጽውዓይ ናብዛ ዘለኣለማዊት መንግስቲ ብዜብቅዓኒ መገዲዶ እነብራ’ለኹ፧” ኢልና ኽንሓትት’ዩ ዚግባእ። እግዚኣብሔር፡ ኵላቶም ኣብ ህይወት ዜጋጥሙና ብድሆታትን ምከራታትን (tests)፡ ፈተናታትን (temptations)፡ ንመንግስቱ ብቑዓት ምዃንና ኸነረጋግጸሎም’ዩ ዚሰርዓልና። ነዛ ሓቂ’ዚኣ እንተ ዘየስተውዓልናያ’ሞ ንዅሉ’ቲ ዚገጥመና ኸም ዝመስለናን ቅኑዕ ኰይኑ ኸም ዝተራእየናን ንሓልፎ እንተ ዄንና፡ ገና ኣእምሮና ናብ መንግስተ ሰማያት ከም ዘይተቓነየ፡ (kingdom minded ዘይምዃንና)’ዩ ዜመልክተና። ቅዱሳን ሃዋርያት ግና ንህይወትናን ኣካይዳናን ናብ መንግስቱ ኸም ዜብቅዓና ጌርና ኸነቕንዖን ክንመርሖን’ዮም ብዝተፈላለየ መገድታት ምዒዶምና። ካብኡ ሓሊፎም’ውን ነቲ ሽዑ ኣብ ኢዶም ዝነበረ መጓሰ በዚ ኣገባብ’ዚ ይጓስይዎ ነበሩ።
“ከም’ቲ እትፈልጥዎ፡ ነቲ ንመንግስቱን ክብሩን ዚጽውዓኩም ኣምላኽ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ፡ ንነፍሲ ወከፍኩም ከም ኣቦ ንውሉዱ ኸመይ ጌርና ንምዕደኩምን ነፋጥነኩምን ንምስክረልኩምን ነበርና።” 1ተሰ 2፡11,12። እዚ ሃዋርያዊ ቓል’ዚ፡ ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ኰነ ናይ ኣገልገልታ ተልእኾን ሸቶን ናይ ኣገልግሎቶም፡ ንመጓሰኦም ናብ መንግስቱን ክብሩን ንምእታው ብቑዓት ከም ዝዀኑ ጌርካ ምድላው ኪኸውን ከም ዘለዎ ዜመልክተና’ዩ። ህንጻን ቀጽርን ናይ ቤተ ክርስትያን ዜጻብብ ቊጽሪ ህዝቢ ኣኪብካ ኸተብቅዕ፡ ካብ’ቲ ህዝቢ’ቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዚበቅዕ ዋላ ሓደ እንተ ዘየለ ወይ ኣዝዩ እንተ ወሓደ ኣዝዩ ኸቢድ ወጽዓ’ዩ። ስለ’ዚ ንዅሉ ሰጊሩ፡ ነታ ቐጣን መገዲ ብዓወት ፈጺሙ፡ በታ ጸባብ ኣፍደገ ኣትዩ ናብ መንግስቱን ክብሩን ዚበቅዕ መጓሰ ምህናጽና ኸነረጋግጽ ይግባእ።
ዋላ ዅሉ’ቲ ኣብ’ዚ ምድሪ ብምኽንያት እምነትና እንሓልፎ መከራ’ውን፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብቑዓት ኪገብረና’ዩ ዚወሃበና። ብርግጽ ሰይጣን በቲ ብናቱ ኣተግባርነት እንቕበሎ መከራ፡ ዘይብቑዓት ኪገብረና’ዩ ዚጋደል። ጐይታ ድማ በቲ እንሓልፎ ብርቱዕ ጸባባ ንመንግስቱ ብቑዓት ክንከውን’ሞ ብኢዱ ኣኽሊል ዓወትን ጽድቅን ክብርን ኪደፍኣልና’ዩ ዚደልይን ዚድግፈናን።
“ነታ ብዛዕባኣ መከራ እትጸግቡ ዘለኹም መንግስቲ ኣምላኽ ብቑዓት ኴንኩም ምእንቲ ኽትቊጸሩ፡ እዚ መከራኹም ግሉጽ ምልክት ናይ’ቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ’ዩ።” 2ተሰ 1፡5 ቀ.ት
“መከራ እትጸግቡ ዘለኹም ንመንግስቲ ኣምላኽ ብቑዓት ዄንኩም ምእንቲ ኽትቊጸሩ’ዩ። እዚ ዅሉ ኸኣ መረዳእታ ናይ’ቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ’ዩ።” 2ተሰ 1፡5 ካ.ት
ኣብ’ቲ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ዝረኣዮ ራእይ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸድኑ፡ ጨናፍር ስየ ኣብ ኢዶም ዝሓዙ፡ ሓደ’ኳ ኪቈጽሮም ዘይክእል ብዙሓት ሰባት ኣብ ቅድሚ ዝፋን ናይ ኣቦን ናይ’ቲ ገንሸልን ደው ኢሎም ይዝምሩን ይውድሱን፡ እናሰገዱ ድማ የምልኹ ነበሩ። ናብ ኸም’ዚ ዝበለ ኽብሪ ዘብቅዖም እንታይ ምዃኑ ነቲ ሃዋርያ ንኼመልክቶ፡ “እንታዎት’ዮም፧” ኢሉ ሓተቶ። ባዕሉ ድማ “እዚኣቶም ካብ’ቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝመጹ’ዮም” ኢሉ፡ ምእንቲ እምነትካን ጐይታኻን ሓሳረ-መከራ ምቕባል፡ ናብ መንግስቱ ኸም ዜብቅዕን፡ ኣብ ቅድሚ’ቲ ዝፋን ናይ ምቛምን ናይ ምንባርን ክብሪ ኸም ዜጐናጽፍን ገለጸሉ (ራእ 7፡9-17)። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኣብ ልስጥራ ዝተባህለት ከተማ እናገልገለ ኸሎ፡ ኣብ’ቲ ኸባቢ ኻብ ዝነበራ ኸተማታት ዝተኣኻኸቡ ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ፈጽፊጾም ዝሞተ መሲልዎም፡ ካብ ማእከል ከተማ ናብ ወጻኢ’ታ ኸተማ ጐቲቶም ኣውጽእዎ። ገዲፎምዎ ምስ ከዱ ኻብ ድቃሱ ኸም ዝተበራበረ ሰብ ብድድ ኢሉ ኽዳውንቱ ነጊፉ ናብ ከተማ ናብቶም ኣመንቲ ኣሕዋቱ ኣተወ’ሞ “ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንኣትው ይግብኣና’ዩ።” ብምባል ብጸበባ ምሕላፍን ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታውን ዘለዎ ጥቡቕ ዝምድና ዚረጋግጽ ሃዋርያዊ ምዕዶ ሃቦም (ግብ 14፡19-22)።
እቲ መከራ ምቕባልና ጥራሕ ድዩ ዜእትወና ወይስ ኣብ ውሽጢ’ቲ መከራ ኺረኣይ ዚግብኦ ውጽኢት ኣሎ’ዩ፧ ብርግጽ ስለ ዝተሳቐኻ ጥራሕ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ዜእትው ብቕዓት ኣየውሕሰልካን’ዩ። ብኣንጻሩ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ’ቲ እትሓልፎ ዘለኻ መከራ እተርእዮ ባህርይ’ዩ ብቕዓት ዜጐናጽፈካ። እቲ ኣብ መከራ እተርእዮ ብሓጐስ ዝተሰነየ ትዕግስቲ፡ ነቶም መከራ ዜጽግቡኻ ሰባት እተርእዮ ፍቕርን እትገብሮ ምሕረትን፡ በቲ መከራ ኸይተዓንቀፍካ ኣብ’ቲ ኵለንተናዊ ኣገልግሎትካ እተዕዝዞ ትግሃት፡ ኣብ ውሽጥን ድሕርን ናይ’ቲ መከራ እተርእዮ ትሕትናን ርእስኻ ምኽሓድን ወዘተን’ዩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብቑዕ ዚገብረካ’ምበር ሓሳረ-መከራ ስለ ዝጸገብካ ጥራሕ ኣይኰነን። እግዚኣብሔር ብመከራ ኽንሓልፍ ዚፈቅድ፡ ነቲ ናቱ ባህርያት ኣባና ምእንቲ ኺተክልን ኪሃንጽን ኪገልጽን’ዩ። መብዛሕትኡ መንፈሳዊ ባህርያት (40) ብዘይ መከራ ኣይግለጽን’ዩ። ኣብ እዋን ሰላም ኵሉ ሰብ ዕጉስን ፈቃርን መሓርን’ዩ። እቲ ሓቀኛ መንነት ግና ኣብ እዋን መከራ’ዩ ዚገሃድ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ቃል እግዚኣብሔር ከም’ዚ ዚስዕብ ኢሉና’ሎ።
“ግናኸ፡ እቲ ጸበባ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና ብጸበባ ድማ ንምካሕ’ምበር፡ በዚ (ተኻፈልቲ ኽብሪ ኣምላኽ ስለ ዝዀንና) ጥራሕ ኣይኰነን። ብትዕግስቲ ድማ ጽንዓት፡ ብጽንዓት ከኣ ተስፋ ይርከብ።” ሮሜ 5፡3,4 ካ.ት
“ኣሕዋተየ፡ በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም፡ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቊጸርዎ። (ምኽንያቱ) እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም (ዜፍርይ) ፈሊጥኩምሲ ብሓንቲ’ኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሃልዋ።” ያእ 1፡2-4።
ፍጹማትን ምሉኣትን ዚገብረና እቲ ፈተና ዘይኰነስ፡ እቲ በቲ ፈተና ዚገሃድ ትዕግስትን ካልእ ኵሉ ፍጹም ግብርታትን’ዩ። ናይ’ቲ ፈተና ጥቕሚ፡ እዚ ባህርያት’ዚ ዚግለጸሉ ብሉጽ መድረኻትን ዕድላትን ዚፈጥር ምዃኑ ጥራሕ’ዩ። ብኣንጻሩ፡ እቲ ዚወርደና መከራ ብሰይጣናዊ ባህርያት፡ ማለት ብሓጢኣት ክንግለጽ ዚገብረና ሰባት’ውን ውሑዳት ኣይኰንናን። እዚ ድማ ነቲ መከራና ከንቱን ወጽዓን’ዩ ዚገብሮ። ነዚ ሓቂ’ዚ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ግሩም ገይሩ ኣብሪሁልናን ገሊጹልናን ኣሎ።
“ሓደ ‘ኳ ተዓሚጹ ኸሎ ምእንቲ ኣምላኽ ኢሉ እንተ ተዓገሰ (እዚ) ብኣምላኽ ቅቡል’ዩ። በደል እናገበርኩም መውቃዕቲ እንተ ተዓገስኩምከ እንታይ ሓበን ኣለዎ፧ ሰናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዓገስኩም ግና እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል’ዩ። ንስኻትኩም’ውን ነዚ ኢኹም ዝተጸዋዕኩም፡ ክርስቶስ ድማ ኣስኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ ኢሉ ምእንታኹም መከራ ተቐበለ፡ ኣርኣያ’ውን ሓደገልኩም፡ ንሱ (ኣብ እዋን መከራኡ) ሓጢኣት ኣይገበረን፡ ሓሶት’ውን ኣብ ኣፉ ኣይተረኽበን። ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ኣይጸረፈን መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ፡ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ኣምላኽ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሃበ’ምበር ኣየፈራርሀን።” 1ጴጥ 2፡19-23 ካ.ት
ሓደ ሰብ ብመከራኡ ኻብ ኣምላኽ ጻማ ዚረክብ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ ጊዜ መከራኡ ዘንጸባረቖ ባህርይ ምስ ዜንጸባርቕ’ዩ። ጐይታና መስቀልና ኽንጸውር ጥራይ ኣይጸውዓናን። መስቀልና ጸዊርና ደድሕሪኡ ኽንስዕብ’ዩ ዝኣዘዘና። “(ኣብ ጊዜ መከራ) ንሰብ እቶም ቤተ ሰቡ ጸላእቱ ኪዀኑ’ዮም። እቲ ኻባይ (ንላዕሊ) ነቦኡን ነዲኡን ዜፍቅር ንኣይ ኣይበቅዕን’ዩ። ካባይሲ ንወዱ ወይ ንጓሉ ዜፍቅር ድማ ንኣይ ኣይበቅዕን’ዩ። መስቀሉ ኣልዒሉ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንኣይ ኣይበቅዕን’ዩ።” ማቴ 10፡36-38
ካብ’ዚ ቓል ጐይታ ኸም እንርድኦ እምበኣር፡ ካብ ንስድራና ንላዕሊ ንኣምላኽ ዘለና ፍቕሪ ኣዝዩ ዝበለጸ ምዃኑ እነረጋግጸሉ እዋን፡ እቲ ናይ መከራ እዋን’ዩ። ስለ’ዚ ንጽውዓናን ንመንግስቲ ኣምላኽን ዘለና ብቕዓት ኣስኣሰር ኣርኣያ ክርስቶስ ብምስዓብ ኢና እነረጋግጾ። ንሕናን ክርስቶስን ናብ ሓደ መኣዝን ገጽና ምጒዓዝና ኣይኰነን ብቑዓት ዚገብረና፡ ወይ’ውን ኣሰርና ጥቓ ኣሰር ክርስቶስ ምጽግዑ ኣይኰነን። ብትኽክል ኣሰርና ኣብ ልዕሊ’ታ ናቱ ኣሰር ምርጋጹ ጥራይ’ዩ። ንኣሰርና ዝተዓዘበ ዘበለ ዅሉ፡ “እዚኣ ናይ ክርስቶስ ኣሰር’ያ” ብምባል ኪፈልዮ’ምበር፡ ናይ እከለ ወይ እከሊት ኢሉ ኺፈልዮ ኽሳዕ ዘይክእል ኪኸውን ይግባእ። እቲ ብኸም’ዚ ዝተጓዕዘ ሰብ፡ ብሓቂ ብቑዕ’ዩ’ሞ ናብ’ታ ክርስቶስ ዝኣተዋኣ ኺኣትውን ኣብኣ ኺነብርን’ዩ። እቲ ጐይታና ናብ እግዚኣብሔር ኣቦኡ፦ “ዎ ኣቦይ፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም፡ ኣፍቂርካኒ ኢኻ’ሞ፡ እዞም ዝሃብካኒ (ሰባት) ነቲ ዝሃብካኒ ኽብረይ ምእንቲ ኺርእዮስ፡ ኣብ’ቲ ኣነ ዘለኽዎ፡ ንሳቶም’ውን ኣብኡ ምሳይ ኪህልዉ እደልይ ኣለኹ።” ኢሉ ዝጸለዮ ጸሎት’ውን ፍጻሜ ኺረክብ’ዩ (ዮሃ 17፡24)። መሪሕ ጥቕስና’ውን፡ ናይ ሰናይ ግብሪ ፍረ እናፈረና ንኣምላኽ ብቑዓት ኴንና ኽንመላለስ ተማሕጺኑና ኣሎ።
እምበኣር ነፍሲ ወከፍና ንሕሉፍን ህልዊን ህይወትና ንመርምር’ሞ ኣብ ብቕዓት ምህላውናን ዘይምህላውናን ነረጋግጽ። ክርስቶስ ብዛዕባና እንተ ዚሕተት <ንኣይ ኣይበቅዕን’ዩ”ዶ ምበለ፧ ወይስ ምስቶም ፡ “ክዳውንቶም ዘይጸየቑ ሒደት ሰባት ኣለዉኻ፡ ንሳቶም ብቑዓት’ዮም’ሞ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም ምሳይ ኪመላለሱ’ዮም” ዝተባህለሎም ንስራዕ ንኸውን (ራእ 3፡4)። እምበኣር፡ “ነዚ ነገር’ዚ ብቑዕ’የ” ዚብልከ መን ኣሎ፧” ዚብል ሃዋርያዊ ሕቶ ይቐርበልና ኣሎ’ሞ፡ ነዚ ዘይስገር ሕቶ’ዚ ሕጂ ብኣግኡ ብብቕዓት ንመልሶ (2ቈረ 2፡16)!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ጥቅምት ፳፰, ፳፻፲፬ ግዕዝ (7 ሕዳር 2021 ፈረ). 8ይ ሰንበት: ቊ.12/፲፪ |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
ቈሎ 1፡1-11 | ያእ 1፡1-12 | ግብ 28፡7-17 | ሉቃ 12፡22-34 | ዘእግዚእትነ ማርያም |
መዝ ፩፡፫ /1፡3 "ወይከውን ከመ ዕፅ እንተ ትክልት ኀበ ሙኃዘ ማይ። እንተ ትሁብ ፍሬሃ በበጊዜሃ። ወቈጽላኒ ኢይትነገፍ።" "ንሱ ኸምታ ፍሬኣ በብጊዜኣ እትህብ፡ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፡ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ።" |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ