ጸሓፊ፡ ብመሠረት ቆሎሴ 4፡14 እቲ ሓኪም ዝነበረ፡ ካብ ወገን ኣሕዛብ ዝዀነ ክርስቲያን ግሪኻዊ ወንጌልን ግብረ ሓዋርያትን ዝጸሓፈ ሉቃስ ዝተባህለ መሰነይታ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝነበረ እዩ።
ናብ መን ተጻሕፈ፡ ናብቲ ንኣምላኽ ዘፍቕር ዝነበረ፡ ኵሉ ሓቂ’ውን ክሰምዕን ክፈልጥን ዝበሃገ ቴዎፍሎዎስ ዝተባህለ ግሪኻዊ ክርስቲያን ተጻሕፈ።
ዕላማ መጽሓፊ፡ ብዛዕባ እቲ ትኽክለኛ ታሪኽ ሕይወት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ክፈልጥ ከምኡ’ውን ክርስቶስ እቲ ሓቀኛን ፍጽም ሰብን ፍጹም ኣምላኽን መድኃኒን ምዃኑ ምእንቲ ክሕብሮ ንቴዎፍለዎስ ጸሓፈሉ።
ዝተጻሕፈሉ ቦታ፡ ምስ ጳውሎስ እና ተጓዕዘ ከሎ፡ ኣብ ሮማ ኰይኑ ጸሓፎ።
ዝተጻሕፈሉ ዕለት፡ 60-63 ዓም. ከይኰነ ኣይተርፍን።
ዝተጻሕፈሉ ቦታ፡ ኣብታ ኣብ ኢዮሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ኣምላኽ።
ቀንዲ ሓሳባት
ቅድሚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምውላዱ ክልተ ሽሕ ዓመታት ኣቢሉ ይገብር፡ እግዚኣብሔር ኣምላኽ፡ ነቲ ካብ ሃገር ከለዳውያን ዝሓረዮ ኣብርሃም፡ ኣብ መንጐይ ኣብ መንጐኻን ኣብ መንጐ ዘርእኻን ኪዳን ይኹን፡ እዚ ኪዳን እዚ ድማ፡ ኣብ ቤትካ ዝተወልደ ዘበለ ሥጋ ዕልቦኦ ይገዘር፡ ዝተገዝረ ዘበለ ድማ ኣብዚ ኪዳን እዚ ምእንቲ ክህሉ ምልክት ይኹን። ኢሉዎ ነበረ። በዚ ኪዳን እዚ መሠረት ድማ፡ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣብርሃም ስለ ዝዀነ ዮሴፍን ን ኣዲኡን ኣብ ሻሙናይ መዓልቲ ገዘርዎ። ከም ልማድ ኣይሁድ ድማ ኣብ ኣርብዓ መዓልቲ ናብ ቤተ መቅደስ ኣምጽእዎ።
መግለጺ
መእተዊ፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ኣብ መበል ሻሙናይ መዓልቱ ምስ ተገዝረ፡ ስሙ ኢየሱስ ኢሎም ሰመይዎ። እቲ ኢየሱስ ዝብል ስም ብቛንቛ ጽርኢ እዩ። ብቛንቛ እብራይስጢ ግና ኢያሱ ማለት እዩ። ትርጉሙ ከኣ መድኃኒ ማለት እዩ። ስድራኡ ድማ ኣብ ቤት ልሔም ይቕመጡ ነበሩ።
ኢየሱስ ወዲ ኣርብዓ መዓልቲ ምስ ኰነ ግና፡ ወለዱ ከምቲ ኣብ ሕጊ ኣይሁድ ተጻሒፉ ዘሎ፡ ናብ ኣምላኽ ከወፍይዎ ናብ ቤት መቅደስ ወሰድዎ።
ሎሚ ቤተ ክርስቲያን፡ ነቲ ኣብ ሌዋውያን 12 ዘሎ፡ ብቅድስት ድንግል ማርያምን ዮሴፍን ዝተፈጸምዎ ሕጊ መሠረት ገይራ ብጥምቀት ተኪኣ ትጥቀመሉ ኣላ።
ንውላድካ ካብ ጊዜ ጥምቀቱ ኣትሒዝካ ንእግዚኣብሔር መስዋእቲ ጌርካ ምቕራቡ፡ እቲ ዝዓበየ በረኸት እዩ። ወለዲ ንደቆም፡ ውህበት ኣምላኽ ምዃኖም ተረዲኦም፡ ካብ ጊዜ ንእስነቶም ንእግዚኣብሔር ብልቦም ክውፍይዎም ይግባእ። ኣብቶም ቆልዑ እቲኣቶም፡ ንጽቡቕ ወይስ ንኹፉእ፡ ኣብ ገዛእ ርእሶም ዀነ ኣብ ካልኦት፡ ብዙሕ ክእለት ተዓቝሩ ኣሎ። ቆልዓ ካብ ክቡር ዕንቒ ኣዝዩ ይበልጽ። ዋግኡ ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ብሸለልትነት ነፍሱ ከይነጥፍእ ኣዚና ክንትንቀቕ ይግብኣና። እቲ ዝበለጸ ንሓደ ቆልዓ ክንገብረሉ እንኽእል፡ ናብ እግዚኣብሔር ምውፋኑ እዩ። ኹሉ ጊዜ ናብቲ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሔር ምስ እንወስዶ፡ ከመይ ጌርና ብግቡእ ከም እነዕብዮ እግዚኣብሔር ባዕሉ ክድግፈና እዩ። ከምዚ ብምግባርና ኸኣ ሕይወት ናይቲ ቆልዓ’ቲ ካብ ብዙኅ ድንገትን ዕሽነትን ነድኅኖ። ምስ ኣኸለ ኸኣ ባዕሉ ገዛእ ርእሱ ኣገልግሎት እግዚኣብሔርን ሓልዮት ንሰብን ክውፊ ኣይክጽግሞን እዩ።
ከምኡ’ውን ንሕና ርእስና ወትሩ ንእግዚኣብሔር ብምውፋይ ጥራይ ኢና በረኸት ክንረክብ እንኽእል። እቲ ዝበለጸ በረከት ኣብ ሕይወት ክንረክብ እንኽእል፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ በረኸት፡ ድሕሪ ሞት ድማ ናይ ዘለዓለም ሕይወት እዩ።
1.ምስሊ ዝተወፈየ ሕይወት ዝነበረ ኣረጊት ሰብኣይ (ጥ.25-27)
ብዛዕባ ስምኦን ዝብሃል ሰብኣይ ብጀካ ኣብዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ኣብ ካልእ ወገን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነንብብን። ካብዚ እነንብቦ፡ ስምኦን ንነዊሕ ዓመታት ቅዱስ ሕይወትን ወትሩ ሕብረት ምስ ኣምላኽን ዝነብሮ ሰብኣይ ከም ዝነበረ ክንርዳእ ንኽእል።
ስምኦን ጻድቕ ሰብኣይ ነበረ። ንኹሉ ሕግታት ሙሴ ዝፍጽም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብቕንዕና ዝነብር፡ ብሰብ ሰብ ዝተመስከረሉ ለዋህን ሕያዋይን ዝዀነ ሕይወት ድማ ነበሮ።
ሃይማኖታዊ ሰብኣይ ነበረ። ብውሽጡ ብመንፈስን ብሓቅን ዝሰግድ ሰብኣይ ነበረ። እቲ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ዘለዎ ሰብ፡ ጽድቂ ኪገብር ባህሩ እዩ።
“ምልኣት ናይ ተስፋን እምነትን ከኣ ነበረ”። ስምኦን ምጽንናዕ እስራኤል ይጽበ ነበረ። ምድኃን እስራኤል በቲ እተተስፈወ መሲሕ እዩ ዝመጽእ ኢሉ ወትሩ ቁሊሕ ይብል ነበረ ኣብ መውዳእታኡስ እቲ ዝደልዮ ድኣ ረኸበ። ንሕናውን ኣብቲ ድቕድቕ ጸልማት ዝመስል ለይቲ፡ ወጋሕታ ከም ዘሎ ኣሚና ብተስፋ ክንጽበ ይግብኣና። ኣብ ማእከል ውድቀትን ዕልወትን ዝመልኦ እዋን ከይተረፈ፡ ትንሣኤን ምብርባርን ከነምጽእ ብእምነት ክንቃለስ ተጸዊዕና ኣሎና። ብጐይታኣናን መድኃኒናንኢየሱስ ክርስቶስ ዓወት ከም ዝሎ ምእማን፡ ምልክት ናይ ሓቀኛ መንፈሳዊ ክርስቲያን እዩ። ስምኦን ፍታሕ ካብ እግዚኣብሔር ክመጽእ ይጽበ ነበረ። ንሕና ድማ ንምፍጻም ተስፋታት ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንምጽኣት መንግሥቱን፡ ንዳግማይ ምንቕቓሕ ክርስቲያናዊ ሕይወትን ደግነትን ኣብ ሃገርና ንምዕባይ፡ ከምቲ ናይ ስምኦን ዝበለ ኣጸባብያ፡ ብቕዱስ ናብራን፡ ብእተወፈየ ፍቕርን እምነትን፡ ምስ እንጽበ ጥራይ ኢና ፍታሕ ክንረክብ ንእግዚኣብሔር ንጽበ ኣሎና ክንብል እንኽእል።
“መንፈስ ቅዱስ ድማ ነበሮ።” ምሥጢር ናይቲ ንኽትርእዮ ዘብህግ ሕይወትን፡ ሚዛን ዘለዎ ኣመልን ናይ ነብይ ስምኦን ሕይወት እምበኣር እዚ እዩ።“መንፈስ ቅዱስ ድማ ነበሮ።” ኣብ መንጐ እቲ ብኣፍ ጥራይ ክርስቲያን እየ ዝብልን፡ ኣብ መንጐ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ እተመልኤ ክርስቲያንን ፍልልዮም ኣብ ሕይወቶም መንፈስ ቅዱስ ኣሎዶ የለን እዩ። እቲ ሕይወቱ ንእግዚኣብሔር ዝወፈየ ክርስቲያንን ነቲ ዝብሎ ስለ ዝነብረሉ፡ ምስ ንፋስ ኣይጐይን። እቲ ንሕይወቱ እንተስ ንጥቕሙ ኣንተስ ንጥቕሚ ካልኦት ዝውፈየ ክርስቲያን ግና መንፈስ ቅዱስ የብሉን እሞ፡ ምስ ንፋስ እዩ ዝጐዪ። ዓስቡ ድማ ውርደትን ክሳራን ጥራይ እዩ። ስምኦን መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌኡ ስለ ዝነበረ፡ ንእግዚኣብሔር ብተስፋ ተጸበየ። ነቲ ክርእዮ ኢሉ ንሰለስተ ሚኢቲ ዓመታት ዝተጸበዮ ሕጻን ክርስቶስ ብምርኣዩ ዓስቡ ተቐበለ። ንሕና ኸኣ እንተድኣ ንክርስቶስ ብዳግማይ ምጽኣቱ ክንርእዮ ንጽበ ኣሊና ኰይና፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊእና፡ ብጽድቂ ዝነብር ሕይወት ክህልወና ይግባእ።
“ብመንፍስ ቅዱስ ተገሊጽሉ ነበረ።” ስምኦን መንፈስ ራእይ ዝነበሮ ሰብኣይ ነበረ። ብመሠረት እቲ ንሱ ኣቐዲሙ ምድኃን እስራኤል ከይረኣየ ከይመውት ንእግዚኣብሔር ዝለመኖ። እግዚኣብሔር ድማ ነቲ ዝውለድ ሕጻን ከይረኣየ ከም ዘይመውት ቓል ኣትይሉ ስለ ዝነበረ፡ ስምኦን ነቲ ዘይእመን ዝመስል ኣመነ። እሞ ክፍጸም ከሎ ረኣየ። ነዚ ትጽቢት እዚ ግና ብኃይሊ መንፈስ ቅዱስ እምበር ብኃይሊ ባህርያዊ ሥጋ ኣይከውንን እዩ እሞ፡ መንፈስ ቅዱስ ንኣእምሮና ከብርሃልና፡ ነቲ ክንዮው እዚ ዘለናዮ ግብ ዝበለ ጸልማት ዝመስል ብርሃን ከርእየና ክንጽሊ ይግብኣና።
መንፈስ ቅዱስ ዝምራሕ ሰብኣይ ነበረ። ስምኦን ክሳዕ ክንድዚ ዝኣክል ንኣምላኽ የኽብሮ ስለ ዝነበረ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ይምራሕ ዝነበረ። በቲ ናብ ቤተ መቕደስ ከይዱ ዘይሰግደሉ እዋን ከይተረፈ፡ መንፈስ ቅዱስ ናብ ቤተ መቕደስ ኪኸይድ ደረኾ። ንሱ ኸኣ በቲ መንፈስ ቅዱስ ዝመርሖ መገዲ ከደ። ነቲ ሕጻን ድማ ኣብ ሕቁፊ ኣዲኡ ከሎ መን ምኳኑ ኣለለዮ። እቲ ንስምኦን ዝመርሕ ዝነበረ መንፈስ ቅዱስ፡ ኣይተቀየረን እሞ፡ እቶም ኣብ ጊዜና ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ዝዀኑ ቅዱሳት ሰባት፡ ንሱ ኣብ ዝመርሖም እዮም ዝጓዓዙ። ወረ ክሳዕ ሞት ከይተረፈ ፈቓድካ ይኹን ኣዮም ዝብሉ። እቶም ብስምዒቶም ዝነብሩ ክርስቲያናት ግና፡ ነውሮም ክብረቶም፡ ስለ ዝዀነ፡ ፈቓዶም ድኣ ይፍጽሙ እምበር፡ ፈቓድ ኣምላኾም ዘፈጽም መንፈስ የብሎምን።
2.ንክርስቶስ ስለ ዘርኣዮ ንኣምላኽ ኣመስገነ (ጥ. 28-32)
ስምኦን ነዚ ሕጻን’ዚ ምስ ሓቆፎ፡ እቲ ንሰለስተ ሚኢቲ ዓመታት ዝጽበዮ ዝነበረ መሲሕ ምዃኑ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣለለዮ። ምስ ኣለለዮ፡ ልቡ ብታሕጓ መልኤ። ካብ ኣፉ ድማ ምስጋና ክውሕዝ ጀመረ። ክሳዕ ነዚ መድኅን ኩላ ዓለም ዝዀነ መሲሕ እዚ ዝርእዮ፡ ካብዛ ዓለም እዚኣ ክፍለ ኣይደለየን። ምስ ረኣዮ ድማ ኣምላኽ ብሰላም ከፋንዎ ለመነ። ሰብ ኣብ ኃጢኣት ካብ ዝወድቕ ኣትሒዙ፡ ኣምላኽ ነዚ ዓቢ ምድኃን’ዚ ኣዳልይዎ ነበረ። ኹሉ ዛንታ እዛ ዓለም እዚኣ ቅድሚ ምጽኣት ክርስቶስ፡ ናብ ምጽኣት መሲሕ የመልክትን ይጥምትን ነበረ። ከመይሲ ንሱ በይኑ ጥራይ ተስፋ ዓለም ስለ ዝዀነ። ስምኦን ከም ብርሃን ዓለም ጌሩ ረኣዮ። ብርሃን ብባህርያቱ ምሥጢራዊ እዩ። ኣብ ኩሉ ድማ ይርከብ። ቀልጢፉ ድማ ንጸልማት ይስንጥቖ። ብርሃን ክረክስ ከቶ ኣይከኣሎን እዩ። ብርሃን ምንጪ ሕይወትን መልክዕ ሙቐትን ምቾትን ሓጎስን ጥዕናን ኃይልን እዩ። ብርሃን ምስ ዚመጽእ፡ ዅሉ ጸልማት ከም ዘይነበረ ይሃድም። ዓለም ብዘይ ብርሃን ኣዝያ ቆራሪትን ጸልማትን ጥራይ ዘይኰነትሲ ስፍራ ስቓይን ሞትን ምዀነት ነይራ። ከምቲ ብርሃን ንሥጋዊ ኣካላትና ኩሉ ክርኢ ዝገብሮ፡ ክርስቶስ ድማ ንነፍሳትናን ብሓቂ የብርሃሉ። ቅዱስ ዮሴፍን ቅድስት ድንግል ማርያምን ነቲ ሕጻን ሕጊ ሙሴ ክፍጽም ናብ ቤት እግዚኣብሔር ምስ ኣምጽእዎ፡ እዚ ሕጻን እዚ ካብቲ ሥጋዊ ብርሃን ኪገብሮ ዝኽእል ንላዕሊ ንደቂ ሰባት ምሉእ ዘይጉዱል ዝዀነ ምድኃን ከም ዘምጽኣሎም ንስምኦን ተረድኦ። ቤተ ክርስቲያን ነቲ ስምኦም ንጐይታ ዝሓቆፎ ምስሊ ክኸውን ክሳዕ ሕጂ ሕጻናት ክጥመቑ ናብ ቤት እግዚኣብሔር ምስ መጹ ኣባልገ ትገብረሎም ኣላ።
3.ስምኦን ዝተነበዮ በረኽት (ጥ፡33፡38)
ንቅዱስ ዮሴፍን ንቅድስት ድንግል ማርያምን እቲ ስምኦን ብዛዕባቲ ሓቒፎሞ ዝነበሩ ሕጻን ዝበሎ ዘገርም ዝዀነ ቓላት ኣዝዩ ኣደነቖም። ንኽልቲኦም ምስ ባሮኾም ድማ፡ እቲ ካብዚ ሕጻን’ዚ ዝመጽእ በረኸት ብትንቢት ነገሮም። “እዚ ንብዙሓት ኣብ እስራኤል ንምዳቖምን ምትንሥኦምን ንትእምርቲ ምጽራር’ውን ንቡር እዩ።” ኃጥኣን ኣብ ቅድሜኡ ኪወድቁ እዮም። እቶም ዝኣምንዎ ግና ክሳዕ እቲ ዝለዓለ ወገን ጽድቂ ሓፍ ክብሉ እዮም። ኃጥኣን ነዚ ትምእምርቲ እዚ ኪጻረሩ እዮም። እዚ ኹሉ ዘገርም በረኸት ናይ’ዚ ሕጻን’ዚ ግና፡ ንቅድስት ድንግል ማርያም ብዙኃት ፈተናታትን ሥቅያትን ከም ዘምጽኣላ ኣብኡ ከሎ ነገራ። እቲ ዝዓበየ ስቅያት ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ብጊዜ ስቕለት ወዳ ነበረ። ግናኸ ንዓኣ ንጊዜኡ ስቅያት ዘምጽኣላ እኳ እንተ ነበረ፡ ስቕለቱስ ንብዘላ ዓለም ብርሃን ምድኃን ዓለም ድኣ ኣምጽአ።
ክንሓስበሉ ዝግባእ ነገራት
ሕቶታት
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ