"ምናልባሽ ንስኻ፡ “ኣነ ምእንቲ ኽትከል’ዮም እቶም ጨነፍር እተሰብሩ፡” ትብል ትኸውን። ጽቡቕ፡ ንሳቶም ሰኣን ምእማኖም ተሰብሩ፡ ንስኻ ግና ሳላ ዝኣመንካ ደው ኢልካ ኣለኻ። ፍራህ ድኣ’ምበር ብልብኻ ኣይትተዓበይ።" ሮሜ 11፡19-20
ነዚ ሰንበት’ዚ ተሰሪዖምልና ኻብ ዘለዉ ንባባት ሓድሽ ኪዳን፡ እቲ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናይ ሮሜ 11፡13-28 ሓደ’ዩ። እዚ ምዕራፍ’ዚ ኸኣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ዘይኣመኑ ኣይሁድ ይምክሑ ንዝነበሩ ኣመንቲ-ኣህዛብ ካብ’ቲ ዘይቅኑዕ መገዲ ንምምላሶም ዝዓለመ ትሕዝቶ ዝሓዘ’ዩ። “ኣህዛብ (Gentiles) ዚበሃሉ ዘለዉ፡ እቶም ካብ ዓሌት እስራኤል ወጻኢ ዝነበሩ፡ ብጣኦታት ዚኣምኑ ህዝብታት’ዮም። ናይ’ዞም ኣህዛብ መንፈሳዊ ሃለዋት እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦
“እምበኣር ንስኻትኩም እቶም ቀደም ብትውልድኹም ኣህዛብ ዝነበርኩም፡ እቶም “ ግዙራት” (ኣይሁድ)፡ በታ ኣብ ስጋ እትግበር ግዝረት ብምምካሕ፡ <ዘይግዙራት> ኢሎም ይጽውዑኹም ከም ዝነበሩ ዘክሩ። በቲ ዘመን’ቲ ካብ ክርስቶስ ዝረሓቕኩም፡ ካብ ሕብረት እስራኤል ፍሉያት፡ ነታ ኪዳን ተስፋ ኣጋይሽ፡ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኸኣ ብዘይ ኣምላኽ፡ ተስፋ ዘይብሎም ከም ዝነበርኩም ዘክሩ።”
ብዚብል ቃል ገሊጽዎ ኣሎ (ኤፌ 2፡11,12 ካ.ት)። እግዚኣብሔር ብምሕረቱን ሕያውነቱን፡ ወንጌል ነህዛብ ኪሰብኽ ምስ ፈቐደ ኣሚኖም ስለ ዝተቐበልዎ ኸኣ፡ ናብ ኣምላኽ ኪቐርቡ፡ ናይ’ታ ኪዳንን ተስፋን ናይ ኣምላኽ ተኻፈልቲ ኪዀኑ በቕዑ። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ነዚ ዝረኸብዎ መንፈሳዊ ሓለፋ፦
“ንስኻትኩም ግና ደግነት ናይ’ቲ ኻብ ጸልማት ናብ’ቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም (ኣምላኽ) ምእንቲ ኽትነግሩ፡ ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነት (ናይ ንጉስ ካህናት)፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ ኢኹም። ንስኻትኩም ቀደም ህዝቢ (ኣምላኽ) ዘይነበርኩም ሕጂ ግና ህዝቢ ኣምላኽ ኢኹም። ዘይተመሓርኩም ዝነበርኩም፡ ሕጂ ግና ምሑራት ኢኹም። . . .ከም እተባረራ ኣባጊዕ ኔርኩም ኢኹም’ሞ፡ ሕጂ ግና ናብ’ቲ ጓሳኹምን ሓላው ነፍሳትኩምን ተመሊስኩም ኣለኹም።”
ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (2ጴጥ 2፡9,10,25)። እዚ ዓብይ መንፈሳዊ ዝላን ለውጥን ኣምጺኡሎም ዘሎ፡ ነቲ ዝተሰብከሎም ክርስቶስን ወንጌሉን ብእምነት ስለ ዝተቐበልዎ’ዩ። ኣይሁድ ግና፡ እቲ ንኣሽሓት ዓመታት ብተስፋ ዝተጸበይዎ መሲሕ፡ ብኣካል ኣብ ማእከሎም ምስ ተጋህደ፡ ኣይኣመንዎን ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ሒዞም ቀተልዎ (ማቴ 21፡29 ፣ ዮሃ 7፡19 ፣ 8፡40,44 ፣ ግብ 2፡23 ፣ 3፡13-15 ፣ 4፡10 ፣ 5፡30-32)። እዚ ዘይምእማኖም’ዚ፡ ነታ ተስፋ ኣጋይሽን ጓኖትን ገበሮም። ክርስቶስን ኣምላኽን ዘይብሎም ኰይኖም ተረፉ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ’ዚ ምእንቲ ኼብርህ ናይ ኦምን ጨናፍሩን ስእላዊ መግለጺ ተጠቕመ። እቲ ጕንዲ ወይኒ፡ ክርስቶስ’ዩ (ዮሃ 15፡1)። እቶም ብእኡ ዚኣምኑ ኸኣ ጨናፍር’ዮም። ኣይሁድ ብምኽንያት’ቲ እምነት ኣቦታቶም፡ ከም ባህርያውን ጨናፍር ነበሩ። ብክርስቶስ ምእማን ምስ ኣበዩ ግና፡ ካብ’ቲ ጕንዲ ተሰይሮም ተደርበዩ። ኣህዛብ ግና ብምኽንያት’ቲ ጣኦታዊ እምነቶም ጨናፍር ናይ’ቲ ጕንዲ ዘይኰነስ፡ ናይ ካልእ ኣውልዕ በረኻ ጨንፈር ነበሩ። ብክርስቶስ ምስ ኣመኑ ግና፡ ኣብ ክንዲ’ቶም ዝተሰብሩ ኣይሁድ ኰይኖም ኣብ’ቲ ጕንዲ ወይኒ ተተኽሉ።
እቲ ዜሕዝን ግና፡ ከም’ቲ ቐደም ኣይሁድ ዘይተሰብሩ ጨናፍር ከለዉ ዚምክሑሎም ዝነበሩ፡ እዞም ኣህዛብ ከኣ ኣካል ናይ’ቲ ጕንዲ ምስ ኰኑ፡ ነቶም ብሰሪ ዘይምእማኖም ካብ’ቲ ጕንዲ ተቘሪጾም (ተሰቢሮም) ዝተደርበዩ ኣይሁድ ኪምክሑሎም ጀመሩ። ካብ’ዚ ጌጋኦም’ዚ ምእንቲ ኺእርሞም ከኣ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ምዕራፍ’ዚ ኺጽሕፈሎም ናይ ግድን ኰነ። ምኽንያቱ ትምክሕቲ፡ ተቘሪጽካ ኽትድርበይ ዚገብር ከቢድ ሰይጣናዊ ባህርይ’ዩ። ሓደ ጽቡቕ መንፈሳዊ ሓለፋ ኽትረክብ ከለኻ፡ ፍርሃት ኣምላኽን ትሕትናን ደኣ’ምበር፡ ትምክሕትን ትዕቢትን ኪስምዓካ ኣይግባእን’ዩ። ምኽንያቱ እምነት ካብ ኣምላኽ’ምበር፡ ካብ ሰብ ስለ ዘይኰነት፡ ብእምነትካ ምምካሕ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽውን ኢኻ እትምካሕ። ነቲ ደገ እምነት ዝኸፈተልካን ብቓሉን ብመንፈሱን ኣባኻ እምነት ዘሕደረን ኣምላኽ እንተ ተመኪሕካሉ፡ በቲ ዝተዋህበካ ጽቡቕ ዕድል ኣብ ክንዲ ትረብሕ፡ ብእኡ ተዓንቂፍካ ትወድቕ ኣለኻ ማለት’ዩ። ካብ’ዚ ዚኸፍእ ወጽዓን ዕሽነትን ከኣ የልቦን። ስለ’ዚ’ዩ ቅዱስ ጳውሎስ፦
“ኣምላኽ ነቶም ካብ ባህርዮም ጨነፍር ዝነበሩ ካብዘይነሓፎም፡ ንዓኻውን ኣይኪንሕፈካን’ዩ።. . . ንሳቶም ኣብቲ ዘይምእማኖም እንተዘይጸንዑ ግና፡ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ኪተኽሎም ይኽእል’ዩ’ሞ፡ ኺትከሉ’ዮም። ንስኻ ካብ’ታ ብባህርያ ኣውልዕ በረኻ ተቖሪጽካ ብዘይመገዲ ባህርይ ኣብታ ጽብቕቲ ኣውልዕ ካብ ተተኸልካስ፡ እቶም ብባህርዮም ጨነፍር ዝነበሩ ግዳ ከመይ ኣብታ ኦም ኣውልዖም ኣጸቢቖም ዘይትከሉ።”
ብምባል ናብ ልቦም ኪመልሶም ዝተጋደለ (ሮሜ 11፡21,23,24)። ሳላ እምነት ተተኺልካ ኸተብቅዕ፡ ብሰሪ ኣጕል ትምክሕቲ ምቝራጽ ድማ፡ ብሱሩ ካብ’ቲ ዘይምእማን ኣዝዩ ዝኸፍአ’ዩ።
ዘይምእማን ንመን’ዩ ዜጥቅዖ፧ ካብ’ዚ ተመክሮ ናይ ኣይሁዳውያን ከም እንግንዘቦ፡ ዘይምእማን ብዝያዳ ዜጥቅዖ፡ ነቲ “ኣማኒ’የ” ኢሉ ዚሓስብ ውልቀ ሰብን ህዝብን’ዩ። ኣይሁድ፡ “ንሕና ደቂ ኣምላኽ፡ ደቂ’ቲ ኣማኒ ኣብርሃም ኢና” ኢሎም ዚምክሑ ህዝቢ’ዮም ዝነበሩ። ጐይታ ግና ደቂ ድያብሎስ ከም ዝዀኑ ይነግሮም ነበረ (ዮሃ 8፡37-44 ፣ ማቴ 23፡33)። ንኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎን ከም ዚኣምንዎን እናተዛረቡ ኸለዉ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝለኣኾ፡ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ኪቕበልዎን ኪኣምንዎን ኣይከኣሉን። እግዚኣብሔር ከኣ ከም ናቱ ይፈልጦም ስለ ዝነበረ፡ ንክርስቶስ ቅድም ናባታቶም ለኣኾ (ዮሃ 1፡11,12 ፣ ግብ 3፡19,20,25-26 ፣ ሮሜ 9፡4,5)። ንሳቶም “ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ኢና” ይብሉ ነበሩ (ዮሃ 9፡27,28)። ሊቀ ነብያት ሙሴ፦
“ሙሴ ድማ፡ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ከም ዝኸማይ ዝበለ ነብዪ ኻብ ኣሕዋትኩም ኬተንስኣልኩም’ዩ’ሞ፡ ንሱ ዚብለኩም ዘበለ ዂሉ ስምዑ። ኪኸውን ከኣ’ዩ፡ “ነቲ ነብዪ እቲ ዘይትሰምዕ ዘበለት ነፍሲ ኻብ ህዝባ ኽትምንቈስ’ያ፡” በለ።” ኢልዎም ስለ ዝነበረ ግና፡ እቲ “ነብዪ” ዝተባህለ ክርስቶስ ምስ መጸ ኪቕበልዎ ይግባእ ነይሩ (ግብ 3፡22,23)። በዚ ተግባሮም’ዚ ግና፡ ዋላ ንሙሴ’ውን ከም ዘይኣምንዎ ተቓልዑ። ጐይታ’ውን፡ ነዚ ሓቂ’ዚ፦
"ኣነ ኣብ ኣቦ ዝኸሰኩም ኣይምሰልኩም። ዚኸስኩምሲ አሎ፡ ንሱ ኸኣ እቲ ንስኻትኩም ተስፋ እትገብርዎ ሙሴ’ዩ። ንሙሴ እንተ ትኣምንዎስ፡ ንሱ ብዛዕባይ ጽሒፉ አሎ’ሞ፡ ንኣይ ድማ ምኣመንኩምኒ ኔርኩም። ነተን ጽሑፋቱ ኻብ ዘይትኣምንወን ግና፡ ከመይ ኢልኩም ደኣ ንቓለይ ክትኣምንዎ፡”
ብምባል ኣረጋጊጹሎም’ዩ (ዮሃ 5፡45-47)።
እምበኣር ንሕና’ውን ካብ’ዚ ሓቂ’ዚ ብዙሕ ክንመሃርን ርእስና ኽንምርምርን ይግብኣና’ዩ። ከመይሲ ኣማኒ ዝዀንካ እናመሰለካ፡ ዘይኣማኒ ዄንካ ኻብ ምርካብ ዚኸፍእ ጥበራ የልቦን። ናይ ጐይታና ደቀ መዛሙርቲ፡ ብጐይታና ዚኣምኑ ሰባት ክነሶም፡ ዘይምእማን ግን ብዙሕ ይፈታተኖም ከም ዝነበረ ቅዱስ ወንጌል ደጋጊሙ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ጐይታናውን “ኣቱም ጕድላት እምነት” እናበለ ይግስጾም ነበረ። ብዘይምእማኖም ኪጭነቑ ኣብ ዝረኣዮም እዋን፡ “እታ እምነትኩም ደኣ ኣበይ ኣላ፧” ዝበሎም ኣጋጣሚ’ውን ነይሩ’ዩ (ሉቃ 8፡25 ፣ ማቴ 6፡30 ፣ 8፡26 ፣ 14፡31 ፣ 16፡8 ፣ 17፡20)። ድሕሪ ትንሳኤኡ፡ ብኣካል ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ እናዘራረቦም ከሎውን፡ “ተንሲኡ” ኢሎም ኪኣምኑ ስለ ዝተጸገሙ ድማ፡ ወንጌላዊ ማርቆስ፡ “ስለ’ቲ ዘይምእማኖም ትርሪ ልቦምን ዘለፎም” ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ማር 16፡14)። ከይቀበጽካ ከይተሓለልካ ክትጽልይ ናይ ዘይምኽኣልና መሰረታዊ ጠንቂ ዘይምእማን’ዩ። ካብ’ዚ ውድቀት’ዚ ምእንቲ ኼናግፈና ብኣብነታዊ ምስላ ድሕሪ ምስትምሃሩ፡ ጐይታና፦
“እንተ ዀነ ግዳ ወዲ ሰብ ምስ መጸ፡ እምበርዶ ኣብ ምድሪ እምነት ኪረክብ’ዩ፧”
ብምባል ብዛዕባ ዘይምእማንና ብኣስተንክሮ ተዛረበ (ሉቃ 18፡8)። ከይቀበጽካ ብዛዕባ ምጽላይ ኣብ እምነት ንዘየለዉ ኣረማውያን ዘይኰነስ፡ ንኣመንቲ ዚወሃብ ትምህርቲ’ዩ። እዚ ኸኣ ገና ኣብ እምነት ዘለና እናመሰለና፡ እምነት-ኣልቦ ዄንና ኸይንርከብ ክንፈርህን ክንጥንቀቕን ዜለብመና ምህሮ’ዩ። ከመይሲ እቲ ሃዋርያዊ ቓል፦
“ስለ’ዚ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ፡ ከይወድቕ ይጠንቅቕ።”
ኢሉ ምዒዱና ኣሎ (1ቈረ 10፡12)። ኣዝዩ ጽፉፍን ጽቡቕን መሰረተ-እምነት ሃልዩካ፡ ኣብቲ ዕለታዊ ናብራኻ ግን ብዘይ እምነት ትመላለስ ምዃን፡ “ኣብ እምነት ኣለኹ” ኬብለካ ኣይክእልን’ዩ። ከም’ተን፡ ልክዕ ከም ብጾተን፡ ጽቡቕ ቀንዴል ኣብ ኢደን እናሃለወን፡ ግናኸ ዘይቲ ዘይነበረን፡ ኬብርሃ ዘይከኣላ ሓሙሽተ ዓያሱ ደናግል ኴንካ ኢኻ እትተርፍ። እቲ መርዓዊ ድማ፡ “እንተ ወሓደ ቀንዴል ኣብ ኢደን ዘለወን፡ ደናግል ኰይነን ንኣይ ኪጽበያ ዝጸንሓ’የን” ኢሉ ብድንጋጸ ኣይረኣየንን። “ኦ ጐይታ፡ ኣርሕወልና ዀታ!” ኢለን ምስ ለመናኦ፡ “ብሓቂ ኣይፈልጠክንን’የ” ደኣ በለን (ማቴ 25፡1-13)። ቀንዴል ሃልዩካ ዘይቲ ዘይብልካ ምዃንን፡ ሃይማኖት ሃልዩካ እምነት ዘይብልካ ምዃንን፡ ንመፈጸምታኻ ዜበላሽው፡ ምርጫ ዓያሱ’ዩ። በዚ ዓሻ ምርጫ’ዚ ኣብ መወዳእታ ጉድ ምእንቲ ኸይንኸውን ከኣ’ዩ፡ ቅዱስ ጳውሎስ፦
“ኣብ እምነት ምህላውኩምን ዘይምህላውኩምን ምእንቲ ኽትርድኡ፡ ንገዛእ ርእስኹም መርምሩ፡ ከምኡ’ውን ፈትኑ። ጨሪስኩም ኣብ ምርመራ ወዲቕኩም እንተ ዘይኴንኩምሲ፡ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ከም ዘሎ ኸተስተውዕሉ ኢኹም። ንሕና ግና ኣብ ምርመራ ኸም ዘይወደቕና ኽትፈልጡ ተስፋ እገብር ኣለኹ።”
ኢሉ ዝመዓደና (2ቈረ 11፡5,6 ካ.ት)። “ኣብ ምርመራ ወዲቕካ” ማለት፡ ርእስኻ ምስ መርመርካስ እምነት ዘይብልካ ዄንካ ጸኒሕካ ማለት’ዩ። ኣብ ምርመራ ተዓዊትና ማለት ከኣ ብእምነት ምሉእ ኴንና ተረኺብና ማለት’ዩ፡ ህላወ እምነት ከኣ፡ ክርስቶስ ኣብ ውሽጥና ይነብር ከም ዘሎ ዜረጋግጽ’ዩ፡ ኣብ’ቲ ዘይኣመኖን ዝኸሓዶን ሰብ ግና ክርስቶስ ኪነብር ኣይክእልን’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ገዛእ ርእሱ መርሚሩስ ብእምነት ምሉእ ከም ዝዀነ ዘረጋገጸ ሃዋርያ ነበረ። ንሕና’ውን ሃዋርያዊ ሃይማኖት ዘሎና፡ ኣብ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ዝተሰረትና ክርስትያን እንተ ዄንና፡ ብዘይ ምቍራጽ ርእስና እንምርምርን፡ ኣብ’ታ ምርመራ ኸኣ ብዓወት ከም እንሳገርን ከነረጋግጽ ናይ ግድን’ዩ። ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ቕዱስ መርዓዊ፡ ብምጽኣቱ ምስ ተገልጸ፡ ሽዑ ናይ ምርመራ ጊዜ ዘይኰነስ፡ ጻማ ባዶነትካ እትፍደየሉ ሕሱም ጊዜ’ዩ። መሓውር ብእርጋን ምስ ተጸምደ፡ ሽዑ ኣይኰነን ርእስኻ ዚምርመር። ምኽንያቱ እቲ እርጋን ነእምሮኻን ነተሓሳስባኻን ድማ’ምበር፡ ንመሓውርካ ጥራሕ ኣይኰነን ዚጸምድ። ብሕማም ይኹን ብሓደጋ ንሞት ምስ ተቓረብካ ነቲ ምርመራ ኽትገብሮ ኸይትትስፈው ከኣ፡ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ኣእምሮ ብዛዕባ ንስሓን እምነትን ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ’ቲ ትንፋስ ዚኸልእ ቃንዛን ስቓይን’ዩ ዚሓስብ። ምሉእ ዘመኑ ብዛዕባ እምነቱ ንማለቱ’ኳ ዘኪሩ ዘይፈልጥ ኣእምሮ፡ ኣብ’ታ ህሞት’ቲኣ በየናይ ተኣምር ኪሓስቦ ይኽእል፧ ብህይወትካ እናሃለኻ ዘመን ንስሓኻን ዘመን ምሕረትካን ምጽንቃቕ ከም ዘሎ’ውን’ኮ ኺዝንጋዕ ኣይግባእን’ዩ (ሉቃ 19፡42-44 ፣ እብ 6፡4-6 ፣ 10፡26-29 ፣ 12፡15-17)። ስለ’ዚ ኢና መዓልቲ መጸ ናይ እምነት ምርመራ ኽንገብር ዚግብኣና።
ኣብ እምነት ምህላውናን ዘይምህላውናን ብኸመይ ኢና ነረጋግጽ፧ ብእምነት ንመላለስ ከም ዘለና እነረጋግጽ፡ ንዅሉ ተግባራትናን ዘረባናን ኵነታትናን ዝምድናታትናን ብእምነት ነመሓድሮ እንተ’ሊና ጥራሕ’ዩ። ዝዀነ ነገር ክንገብር ወይ ክንዛረብ ከለና፡ “ነዚ ነገር’ዚ ኽገብር ወይ ክዛረብ እምነተይ የፍቅደለይ ድዩ፧” ወይ ከኣ፡ “እምነተይ ብዛዕባ’ዚ ጕዳይ’ዚ እንታይ ክገብር ወይ እንታይ ክዛረብ’ዩ ዚእዝዘኒ፧” ክንብል ይግባእ። ንኣብነት ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሌና ሓደ በደል ምስ ዚፍጽም፡ እቲ እንህቦ ግብረ-መልሲ ኣብ እምነትና’ዩ ዚምርኰስ። እቲ ብእምነት ክርስቶስ ዝመልአ ሰብ፡ “እንታይ’የ ኽገብር ዚግብኣኒ፧” ኢሉ ርእሱ እንተ ሓቲቱ፡ ቃል እግዚኣብሔር ኰነ መንፈስ ቅዱስ፡ “ተዓገሶ፡ ኣፍቅሮ፡ ብዛዕባ’ቲ ዝበደለካ ምሕረት ግበረሉ፡ ካብ’ዚ ኣትይዎ ዘሎ ናይ ገሃነም ዜፍርዶ ኣበሳ ኣናግፎ” ኢሉ’ዩ ዚምልሰሉ። ንሱ ኸኣ ንእምነቱ ዚእዘዝ ሰብ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ዝተባህሎ ዅሉ ይትግብሮ። እቲ ኣብ እምነት ዘየለ ሰብ ግና፡ እንታይ ኪገብር ከም ዚግብኦ፡ እቲ ሽዑ በቲ በደል ዝተራሰነ ስምዒቱ ደኣ’ዩ ዚእዝዞ’ምበር፡ ንኣምላኹን ንእምነቱን ዚዝክረሉ ዓቕምን ፍቓድን የብሉን። እቲ ዝተቓጸለ ስምዒቱ ኸኣ፡ “ሕነ ፍደይ፡ ጽልኣዮ፡ ክሰሶ፡ ተፈለዮ፡ ሕመዮ” ይብሎ’ምበር፡ ብጽድቂ ኺዋሳእ ኣየኽእሎን’ዩ።
ህላወ እምነትና ዚፍትሹ ኵነታት’ውን ኬጋጥሙና ይኽእሉ’ዮም። ሕማም፡ ስእነት፡ ምጕዳል ፍትሒ፡ ከቢድ ክሳራ፡ ስእነት ውላድ፡ ፍትሕ፡ ሞት ቀረባ ሰብካ (ውላድ፡ መጻምድቲ ወላዲ ወዘተ) ገለ ኻብቶም ህላወ እምነትና ብዘይ ንሕሰያ ዚፍትሹን ዜቃልዑን ኵነታት’ዮም። እቲ ቕዱስ ወንጌል ደጋጊሙ ዜዘንትወልና መሃርቲ ፍጻመታት፡ ምስ ሕማም ዝተተሓሓዘ እምነት ዚጠልቡ’ዮም። “እምነትኪ ኣድሓነትኪ፡ እምነትኪ ዓባይ’ያ፡ እምነት ከም ዘላቶ ርእዩ” ወዘተ ዚብሉ ምስክርነታት ተዋሂቦም ኣለዉ (ማቴ 9፡2,22 ፣ 15፡28 ፣ 8፡10)። ንኣና’ውን ሕማም ብብዝሕን ብዝኸበደን ደኣ የጋጥመና ኣሎ’ምበር፡ ኣይነሓፈናን። ዳርጋ ዅላትና ድማ እምነት-ኣልቦ ምዃንና የቃልዓና ኣሎ። ንሕክምና ናይ ሰባት’ምበር፡ ነቲ ፈዋስነት ናይ ኣምላኽ ዝረሳዕናዮ ንመስል። ምስ ሓመምና ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ዘይኰነስ ብቴሌፎን ናብ ሓካይም ክንድውል ይቐልለና። ካህናትና ብምስጢረ ቀንዴል ኬገልግሉና ፈጺምና ኣይንጽውዕን ኢና። ቤተ ክርስትያንና በዚ ምስጢር’ዚ ንሕሙማት ከም እተገልግል ዚፈልጥ’ውን ዳርጋ የብልናን ንምባል’ውን ዜስክፍ ኣይኰነን። በዚ ምስጢር’ዚ ኼገልግሉ ዚተብዑን ዚተግሁን ካህናት’ውን በጻብዕ ዚቝጸሩ ውሑዳት’ዮም። ካህናት ኰንና ምእመናንና ብእምነት ተዳኺምና ኸም ዘለና ዜርእይ ኣዝዩ ዜሰክፍ ተርእዮ ኸኣ’ዩ። ካልኦት በዳህቲ ማሕበራዊ ጸገማት ኬጋጥሙና ኸለዉ ኸኣ፡ ብዛዕባ ሰብኣዊ ፍታሕ’ምበር፡ ብዛዕባ ኣምላኻዊ ናይ እምነት ፍታሕ ምሕሳብ ንሽገር ኣለና። ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ፡ “ክርስትያን’የ” እናበለ ናብ ጠንቈልትን ኣስማተኛታትን ዜዘውትር ህዝብና ይበዝሕ። እዚ ኸኣ ኣባና ኻብ እምነት ኣምላኽ ንላዕሊ እምነት ሰይጣን እናሓየለ ይኸይድ ከም ዘሎ ዜረጋግጽ’ዩ።
ቃል እግዚኣብሔር ግና፡ ብእምነት ዘይንገብሮ ዘበለ ዅሉ ተግባር፡ ሓጢኣት ምዃኑ፡ ብዘይ እምነት ከኣ ንኣምላኽ ከነስምሮ (ኸነሐጕሶ) ኸም ዘይንኽእል ብንጹር ኣረጋጊጹልና’ዩ። ካብ እምነት ብዝጐደልና መጠን፡ ካብ ኣምላኽ እናረሓቕና ንኸይድ ከም ዘለና ኸነስተውዕል ይግባእ።
“ግናኸ ካብ እምነት ዘይኰነ ዘበለ ዅሉ ሓጢኣት’ዩ’ሞ፡ እቲ እናተወላወለ ዚበልዕ፡ ብእምነት ስለ ዘይበልዐ፡ ይዅነን።” ሮሜ 14፡23
“ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን’ዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደልይ፡ ንሱ ኸም ዘሎ ዘሎን፡ ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን፡ ኪኣምን ይግብኦ’ዩ።” እብ 11፡6
ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ብህይወት ክሳዕ ዘለና፡ ናይ ዘይምእማንና ፍረን ውጽኢትን ከይረኣየና ይኽእል’ዩ። ብኣንጻሩ ንዘይምእማን ከም ጅግንነትን ረብሓን፡ ንምእማን’ውን ከም ዕሽነትን ሕመቕን ክንቈጽሮ ንኽእል ኢና። ግደ ሓቂ ብዘይ እምነት ምንባር ክንመርጽ ዚጥብረናን ዜጋግየናን ዘሎ’ውን ንሱ’ዩ። ነብዪ ኣሳፍ’ውን በዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ተፈቲኑ’ዩ (መዝ 73፡2-12,15-22 ፣ ምሳ 23፡17,18 ፣ 24፡19,20 ፣ መዝ 37፡1,2,7-11,34-38)። እቲ ናይ መወዳእታን ዘለኣለማውን ፍዳ ናይ ዘይኣምኑ ግና ኣዝዩ ዜሰክሕ’ዩ።
“እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ።” ራእ 21፡8
ስለ’ዚ ብመንጽር’ዚ ዜስክሕ መፈጸምታ ናይ ዘይምእማን’ዚ ርእስና ኽንምርምር፡ ግብርናን ናብራናን ዘረባናን ዝምድናታትና ዅነታትናን ብምልኣት እምነት ንነብሮን ነመሓድሮን ከም ዘለና ኸነረጋግጽ ይግብኣና።
ክፋእ ናይ ዘይምእማን እንታይ’ዩ፧ ክፋኡ ኣብ ሓጺር ዓንቀጽ ገሊጽካ ዘይውዳእ እንተ ዀነ፡ ነዘን ሒደት ነጥብታት እንተ ጠቐስና ይኣኽለና’ዩ።
1. ኣእምሮኻን ሕልናኻን የርክስ ምዃኑ፦ ንዅሉ ነገርና በእምሮና ስለ እነመሓድሮ፡ ኣእምሮናን ሕልናናን እንተ ረኺሱ፡ ኵለንተናና’ዩ ዚረክስ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ኣብ ቲቶ 1፡13-16 ካ.ት ጽቡቕ ገይሩ ገሊጹዎ ኣሎ።ንኸም’ዚ ዝበለ ዜፈንፍን ርኽሰት ኣሕሊፉ ዚህበና ኸኣ፡ ዘይምእማን ስለ ዝዀነ፡ ካብ’ዚ ኣጋንንታዊ ባህርይ’ዚ ኽንሃድም ይግብኣና።
2. ቍጥዓ ኣምላኽ ኣባኻ ኪነብር ይገብር ምዃኑ፦ እግዚኣብሔር ነቶም ኣብ ዘይምእማን ዚነብሩ፡ ቍጥዓኡ ንዘለኣለም ኣባታቶም ከም ዚነብር ይገብር። ቍጥዓ ኸኣ ኣሽንኳይ ናይ ኣምላኽ ኰይኑ፡ ናይ ሰብ’ኳ ኽትጾሮ ዚከኣል ኣይኰነን። ኣብቶም ንእምነቶም ዘይእዘዙ ዘይኣመንቲ ሰባት ቍጥዓ ኣምላኽ ዘየምልጡሉ ጽሕፍቶኦም’ዩ (ኤፌ 5፡6 ፣ 1ተሰ 2፡15,16 ፣ ዮሃ 3፡36)።
3. ናብ’ታ ሰማያዊ ዕረፍቲ ኸይንኣትው ዚዕንቅፍ ምዃኑ፦ ነቶም ብስጋ እስራኤላውያን ዚዀኑ፡ ዕረፍቶም ኣብ’ታ ምድሪ ተስፋ (ከንኣን)’ዩ ዝነበረ። ናይ ክርስትያን ዕረፍቲ ግን ኣብ መንግስተ ሰማያት ኣብ’ታ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም’ዩ። ናብ’ዛ ተስፋ’ዚኣ ኸይንኣትው ዚኽልክለና ኸኣ ዘይምእማን’ዩ። ዘይምእማንና ኸኣ በቲ እነዘውትሮ ሓጢኣትን ዘይምእዛዝን’ዩ ዚገሃድ።
“ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፡ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን’ዮም።” 1ቈረ 6፡9-10
“እምብኣርሲ ናብ ዕረፍቱ ንምእታው ተስፋ ኻብ ዚተርፈልና፡ ምናልባሽ ሓደ ካባኻትኩም ድሕሪት ተሪፉ ኸይህሉ፡ ንፍራህ።....ግብሩ ኻብ ምስራት ዓለም ተወዲኡ ኽነሱ፡ ከምቲ ብቝጥዓይ፡ ናብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም፡ ኢለ ዝመሐልክዎ፡ ከም ዝበለ፡ ንሕና እንእምንሲ ናብ ዕረፍቱ ንኣቱ ኢና። .... ስለዚ ሓደ እኳ ናይቲ ዘይምእዛዝ ኣርኣያ ወሲዱ ኸይወድቕ፡ ናብታ ዕረፍቲ እቲኣ ክንኣቱ ንጋደል።” እብ 4፡1,3,11
ካብ ዘይምእማን ክንድሕንከ እንታይ ንግበር፧ እቲ ቐዳማይ መፍትሒ ጸሎት’ዩ። ቅዱሳን ደቀ መዛሙርቲ እምነቶም ምሉእ ዘይምዃኑ ዘይምእማን ብቐጻሊ ይፈታተኖም ከም ዘለዉ ምስ ተገንዘቡ፡ ንጐይታና “እምነት ወስኸና” ኢሎም ለመንዎ (ሉቃ 17፡5)። ንሕና’ውን ነዚ ጸሎት’ዚ መዓልቲ መጸ ኸነዘውትሮ፡ ዘይምእማን ኬጥቅዓና ኸሎ ኸኣ፡ “ንዘይምእማነይ ደግፎ” እናበልና ኽንምሕጸን ይግብኣና (ማር 9፡22,24)። ከመይሲ እምነት ህያብ ኣምላኽ’ያ (ግብ 17፡30,31 ፣ ይሁ 3)። ንሱ ኸኣ ነቶም ብቕንዕና ዚልምንዎ ኸየስተሓፈረ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ምዃኑ ንዘክር (ያእ 1፡5)። እቲ ኻልኣይ ክንገብሮ ዚግባእ ከኣ ብእምነትካ ርእስኻ ኽትሃንጽ ምኽኣል’ዩ።
“ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ በታ ኻብ ኵሉ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሀነጽኩም፡ ብመንፈስ ቅዱስውን እናጸሌኹም፡ ነቲ ናብ ህይወት ዘለኣለም ዜብጽሕ ምሕረት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እናተጸቤኹምሲ፡ ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ።” ይሁ 20፡21
ብስፖርት ኣካላቱ ዝሃነጸ ሰብ፡ ብዝዀነ ኣካላዊ ፈተና ኸም ዘይግዳዕ፡ እቲ ብእምነት ርእሱ ዝሃነጸ ሰብ ከኣ፡ ብዚገጥሞ ዅሉ ዓይነት መንፈሳውን ስጋውን ፈተና ኣይናወጽን’ዩ። ሰይጣን ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ብሓሳረ መከራ እንተ ተጋደሎ’ኳ፡ ብእምነት ጸኒዑ ይዋግኦን ይስዕሮን’ምበር፡ ከቶ ኣይስነፍን’ዩ (1ጴጥ 5፡8,9 ፣ 2ቈረ 10፡4,5)። ዘይምእማን ግን ናብ መንፈሳዊ ስንፍና’ዩ ዜእትወካ። ኣካሉ ዝማሰነ ሰብ ኣብ ውግእን ባእስን ኪዕወት ኣይክእልን’ዩ። እምነቱ ዝማሰነ ሰብ ከኣ ኵሉ ጊዜ ብሓጢኣት ኪሰዓር’ዩ ዚነብር። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ቃል እግዚኣብሔር፡ ንርእስና ኻብ ዘይምእማን ክንሕልው ዚእዝዘና።
“ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ሎሚ ኺብሃል ከሎ፡ ኣብ ጸጽባሕ ንሓድሕድኩም ተመዓዓዱ’ምበር፡ ሓደ’ኳ ኻባኻትኩም፡ ሓጢኣት እናኣዓሸዎ ኸይተርር’ሞ፡ ምናልባሽ ኣብ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ህያው ኣምላኽ ዜርሕቕ፡ እኩይ ዘይኣምን ልቢ ኸይህልው፡ ተጠንቀቑ።” እብ 3፡12,13
እምበኣር ንርእስና ኣዕሚቝና ብምምርማር፡ ኣብ ከመይ ዝበለ መንፈሳዊ ሃለዋት ከም ዘለና ንፍለጥ። ካብ’ቶም “እንድዒ፡ እምበርዶ እምነት ክረኽበሉ’የ፧” ዚበሃሉ ኸይንኸውን ርእስና ንሓልው። ከም’ቲ እስራኤላውያን፡ ስኣን ምእማኖም ካብ’ቲ ጕንዲ ሓቂ ዝተደርበዩ ኸይንኸውን ንጠንቀቕ። ብሰሪ ዘይምእማን ኣእምሮኻ ምርኻስን፡ ካብ’ቶም ቍጥዓ ኣምላኽ ኣባታቶም ዚነብር ደቂ ቝጥዓ ምዃንን፡ ንጕድኣት ርእስኻ ተዓጢቕካ ደው ምባል’ዩ። ዘይምእማን ናብ ቀላይ ሓዊ ንዘለኣለም ዜደርብይ ኣበሳ ምዃኑ ወርትግ ንዘክር። ንኣምላኽ ዘይምእማን ማለት ንኣምላኽ ምንዓቕን ምቅላልን ማለት ስለ ዝዀነ፡ ሰይጣን በዚ ኣበሳ’ዚ እናዘንግዐ ናብ ገሃነም ኸይከትተና ወርትግ ርእስና እናመርመርና ጐደሎና ንመልእ። ከምተን ለባማት ደናግል ንኹን!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ጥቅምት ፲፬, ፳፻፲፬ ግዕዝ (24 ጥቅምት 2021 ፈረ). 7ይ ሰንበት: 10/፲ ] |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
ሮሜ 11፡13-28 | ያእ 1፡9-21 | ግብ 7፡23-ፍጻ | ማቴ 20፡1-16 | ዘእግዚእትነ ማርያም |
መዝ ፻፲(፻፲፩)፡፬-፭ "መሐሪ ወመስተሣህል እግዚአብሔር። ወወሀቦሙ ሲሳዮሙ ለእለ ይፈርህዎ። ወተዘከረ ኪዳኖ ዘለዓለም።" "ንተኣምራቱ መዘከርታ ገበሮ፡ እግዚኣብሔር መሓርን ርሕሩሕን’ዩ። ንዚፈርህዎ ምግቢ ይህቦም፡ ኪዳኑ ንዘለኣለም ይዝክር።" |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ