“ኣቱም ጐይተት’ውን፡ ከምኡ ግበሩሎም፡ እቲ ጐይታኦም ጐይታኹምን ኣብ ሰማይ ምህላዉ’ሞ፡ ኣብኡ ኣድልዎ ገጽ ከም ዘየልቦ ፈሊጥኩም፡ ምፍርራህ ሕደጉ።” ኤፌ 6፡9።
ኣብ’ዚ ዕለተ ሰንበት’ዚ ተሰሪዖምልና ኻብ ዘለዉ ንባባት ሓድሽ ኪዳን፡ እቲ ናብ ናይ ኤፌሶን ቤተ ክርስትያን ዝተጻሕፈ መልእኽቲ ሓደ’ዩ። ኣብ’ዚ ኽፍሊ ንባብ’ዚ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ኽልተ ኣገደስቲ ዝምድናታት ዚምልከቱ፡ ኣዝዮም ጠቐምትን ወሰንትን ሓቅታት ኣስፊሩልና ኣሎ። እቲ ቐዳማይ፡ ናይ ወላድን ውሉድን ዝምድና ዚምልከት ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ንዝምድና ጐይታን ግዙእን ዚምልከት’ዩ። ኣብ’ቲ እዚ መልእኽቲ’ዚ ዝተጻሕፈሉ ዘመን ዝነበረ ስርዓት ናይ ሕብረተ-ሰብ፡ መስፍናዊ ስርዓት’ዩ። ሰብ፡ ከም ዝዀነ ኻልእ ንብረት ናብ ዕዳጋ ወሪዱ ዚሽየጠሉ ስርዓት’ዩ ዝነበረ። ኣብ’ዚ ዘለናዮ መበል 21 ክፍለ ዘመን፡ ከምኡ ዓይነት ስርዓት ስለ ዘየለ፡ እዚ ኽፍሊ ንባብ’ዚ ነዞም ኣብ’ዚ ዘመን’ዚ ዘለና ሰባት ዘይምልከት ንባብ ጌርና ኽንወስዶ ኣይግባእን’ዩ። ምኽንያቱ ዋላ ናይ ጐይታን ባርያን ዝምድና እንተ ዘይሃለወ’ኳ፡ ናይ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ዝምድና ግን ኣሎ። ስለ’ዚ እቲ ኣብ ዘመነ ሃዋርያትን ነብያትን ንጐይታን ባርያን ኣመልኪቱ ዝተዋህበ ዅሉ መልእኽታት፡ ኣብ ዘመንና ኸኣ ንኣስራሕትን ሰራሕተኛን ይምልከት ማለት’ዩ። “ኣስራሕን ሰራሕተኛን” ኪበሃል ከሎ ኸኣ ብደረጃ ዓበይቲ ትካላት ጥራሕ ክንሓስብ ኣይግባእን’ዩ። ኣብ መንጎ ሓንቲ ሰራሕተኛ-ገዛን ኣብ መንጎ ሓንቲ ስድራ ቤትን ዘሎ ዝምድና፡ ናይ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ዝምድና’ዩ። ብዓል ውዕለት ኰይኑ፡ ንብረት ዚስከመልና፡ ክዳውንቲ እትሓጽበልና፡ ገዛ ሕብሪ ዚለኽየልና’ውን፡ ዋላ ደኣ ናይ ሓጺር ጊዜ ዝምድና ይኹን’ምበር ናይ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ዝምድና’ዩ። ከከም እንነብረሉ ሃገርን፡ እንነብሮ ዓይነት ማሕበራውን ባህላውን ናብራ፡ ዝምድና ኣስራሕን ሰራሕተኛን ዝተፈላለየ ኪኸውን ይኽእል’ዩ። እቲ ናይ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ዝምድና ግን ዓለምን ሰብን ክሳዕ ዝሃለዉ፡ ኵሉ ጊዜ ኺህልው’ዩ።
ንምንታይ’ዩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣስራሕን ሰራሕተኛን ዚምልከት ትምህርትን ትእዛዝን ብስፍሓት ዚርከብ፧ እቲ መሰረታዊ ምኽንያት፡ ናይ ኵሉ ዝምድናታት መስራትን ማእከልን ባዕሉ እግዚኣብሔር ምዃኑ’ዩ። ንእግዚኣብሔር ዘየማእከለን ዘየኽብርን ኵሉ ዝምድናታት፡ ሓጥእ ዝምድናታት’ዩ። ኣብ’ዛ እንነብረላ ዘለና ዓመጸኛ ዓለም፡ ናይ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ዝምድና፡ ሰብ ጥራሕ ዘይኰነ፡ እግዚኣብሔር’ውን ብዝለዓለ ዚብደለሉ’ዩ። እቶም ዚብድሉ ኸኣ እቶም ኣስራሕቲ ጥራሕ ዘይኰኑስ እቶም ሰራሕተኛታት’ውን’ዮም። ክልቲኦም ወገናት ንሓድሕዶም ጥራሕ ዚብድሉ ዘለዉ ይመስሎም ይኸውን፡ ክልቲኦም ንሓድሕዶም ብምብድዳሎም፡ ንኣምላኽ ንምብዳል ይተሓጋገዙ ኸም ዘለዉ ግን ፈጺሞም ኣየስተውዕልዎን’ዮም። ናብ’ዚ ሰባብ ኣበሳ’ዚ ዜውድቖም ዘሎ ኸኣ፡ መስራትን ማእከላይን ናይ’ቲ ጸሚድዎም ዘሎ ዝምድና፡ እግዚኣብሔር ምዃኑ ዘይምፍላጦም’ዩ።
እግዚኣብሔር ብኸመይ’ዩ ማእከልን መስራትን ናይ ኵሉ ዝምድናታት ዚኸውን፧ እግዚኣብሔር ነዞም ብስራሕ ዝተዛመዱ ሰባት እንተ ዘይፈጥሮምን ብህይወት እንተ ዘየንብሮምን፡ ናይ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ዝምድና ኺህልዎም ኣይክእልን’ዩ። ምኽንያቱ ህላወ እንተ ዘየልቦ፡ ዝምድናታት ኪህልው ኣይክእልን’ዩ። ነቲ ሓደ ገንዘብን ስራሕን፡ ነቲ ኻልኣይ ከኣ ጕልበትን ሞያን እንተ ዘይህቦ፡ ኬራኽቦም ዚኽእል ምኽንያት ኣይምሃለወን ነይሩ። እግዚኣብሔር፡ ተባዕታይን ኣንስታይን ገይሩ እንተ ዘይፈጥር፡ ኪዳናዊ ዝምድና ኣይምሃለወን። እቲ ብመውስቦን ብምውላድን ዚፍጠር ማእለያ ዘይብሉ ዝምድናታት ከኣ ንኣሰር’ኳ ኣይምሃለወን። ስለ’ዚ ፈጣርን መላግቦን ናይ ኵሉ ዝምድናታት በይኑ እግዚኣብሔር ምዃኑ፡ ንሓንቲ ኻልኢት’ኳ ኽንዝንግዖ ኣይግባእን’ዩ። ምኽንያቱ እዛ ዝንጋዐ’ዚኣ’ያ፡ ምስ ኣምላኽ ብቐንዱን ምስ ኵሉ ሰብን ዘሎና ዝምድናታት በታቲኻ ኣበሰኛታት እትገብረና።
እግዚኣብሔር ንምንታይ’ዩ ዝምድናታት ኣብ ምፍጣር ኣዝዩ ዚግደስ፧ ስለምንታይከ’ዩ ነቲ ሰብኣዊ ዝምድናታትና፡ ከም መግለጽን መለክዕን ናይ’ቲ ምስኡ ዘሎና ዝምድና ገይሩ ዚጥቀመሉ፧ ሕመረት ናይ’ዚ ናይ ሎሚ ኣርእስትና፡ ኣብ’ዚ ኣገዳሲ ሕቶ’ዚ’ዩ ዚምርኰስ። እግዚኣብሔር ንሰብ ብመልክዑን ብምስሉን’ዩ ፈጢርዎ (ዘፍ 1፡27)። እግዚኣብሔር ኣካላዊ ሰብነት ዘይብሉ ረቂቕ መንፈስ ወይ መለኮት ስለ ዝዀነ፡ እቲ ንእኡ እንመስለሉ መልክዕና መንፈሳዊ’ዩ። ስለ’ዚ ኻብ’ቲ ናቱ ባህርይን ክእለትን ንሰብ ብዚኸውን መጠን ኣካፊሉና’ዩ። ነዚ ኸኣ ንኣዳም ካብ ሓመድ ምድሪ ፈጢሩ፡ ኡፍ ኢሉ ኻብ መንፈሱ ብምክፋል ህያው ነፍሲ ገይሩ ኼቝመና ኸሎ ገበሮ (ዘፍ 2፡7 ፣ እዮ 33፡4 ፣ 32፡8 ፣ 35፡10,11)።
እግዚኣብሔር፡ ንዅሉ መለኮታዊ ባህርዩ ኣባናን ኣብ ኵላቶም መንፈሳውያንን ስጋውያንን ፍጡራቱን፡ ኣብ ህያዋንን ግኡዛንን ፍጥረቱን’ዩ ዚገልጾ። ንሕና’ውን ነቲ ኻብ እግዚኣብሔር ብመንፈስ ቅዱስ ዝወረስናዮ ባህርይን ክእለትን እንገልጸሉ መድረኽ ኪህልወና ናይ ግድን’ዩ። እዚ መድረኽ’ዚ ኸኣ እቲ ኣብ ሓድሕድና ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ዝምድናታት’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ጐይታና፡ “ካብ’ዞም ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ እንተ ገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ . . .እንተ ዘይገበርኩምሉ ኸኣ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምለይ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።” ብምባል፡ እቲ ኣብ ሓድሕድና ዘሎ ዝምድና፡ ናይ’ቲ ምስኡ ዘሎና ዝምድና መለክዕን መግለጽን ምዃኑ ብዘየማትእ ዝገለጸልና (ማቴ 25፡40,45)። እቲ ንዚርእዮ ሓዉ ዘየፍቀረ፡ ነቲ ዘይርእዮ ኣምላኽ ከም ዜፍቅሮ እንተ ሓሰበ ወይ ብድፍረት እንተ ተዛረበ፡ ሓሳዊ ምዃኑ፡ ነቲ ሓጢኣቱስ ካልእ ሓጢኣት ከም ዝደረበሉ ተነግረና (1ዮሃ 4፡12,20,21 ፣ 3፡16-18 ፣ 5፡1)። እቲ ንሰብ ዚንዕቕ ንእኡ ኸም ዚንዕቕ፡ እቲ ንሰብ ዚቕበልን ዜኽብርን’ውን ንእኡ ኸም ዚቕበል ደጋጊሙ ገሊጹልና ኣሎ (ማቴ 10፡40 ፣ ሉቃ 10፡16 ፣ ዮሃ 13፡20 ፣ 1ተሰ 4፡8 ፣ 1ሳሙ 8፡7 ፣ ዘሁ 16፡29,30)
እግዚኣብሔር ንምንታይ’ዩ ንኣድልዎ ኣዝዩ ዚጽየፎ፧ እቲ መሰረታዊ ምኽንያት፡ ባህርዩ ዘይምዃኑ’ዩ። ኣብ እግዚኣብሔር ፍትሒ’ምበር፡ ኣድልዎ ዚበሃል የልቦን። ኣድልዎ፡ ፍትሒ ኣጋንንቲ’ዩ። እግዚኣብሔር ኣብ’ቲ ብመልክዑን ምስሉን ዝፈጠሮ ሰብ፡ ንሱ ዘየውረሶ ኣድልዎ ሰሪጹን ንዅሉ ዝምድናታት ኬዕንውን ኬበላሽውን ኪርእዮ ኸሎ፡ ነዚ ሰይጣናዊ ባህርይን ነቶም ዜዘውትርዎን ኪጽየፎም ናይ ግድን’ዩ። ኣብ እግዚኣብሔር ኣድልዎ ኸም ዘየልቦ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተደጋጋሚ ተገሊጹልና ኣሎ። ሓደ ኻብኡ፡ እዚ ኸም መሪሕ ጥቕሲ ተጠቒምናሉ ዘለና ቓል’ዩ። ቅዱሳን ሃዋርያት ነዚ ሓቂ’ዚ ደጋጊሞም’ዮም ዚጠቕስዎ።
<<ኣብ ዝዀነ ይኹን ሃገር ንኣምላኽ ዚፈርህን ቅንዕና ዚገብርን እንተ’ሎ፡ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል’ዩ’ምበር ኣብኡ ኣድልዎ ኸም ዘየልቦ ብሓቂ (ኣስተብሃልኩ)።>>
<<እከይ ንዚገብር ዘበለ ዅሉ ሰብ፡ ስቓይን ጸበባን ኪወርዶ’ዩ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንግሪኻዊ፡ ሰናይ ንዚገብር ዘበለ ዅሉ ግና ግርማን ክብርን ሰላምን ኪወሃቦ’ዩ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንግሪኻዊ። ከመይ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ የልቦን።>> ሮሜ 2፡9-11 ካ.ት
እግዚኣብሔር ኣድልዎ ዚገብር እንተ ዚኸውን፡ እምነት ክርስትና ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ሃይማኖት ምዀነ ነይሩ። ንእግዚኣብሔር፡ ጻድቕ ሰብ ካብ ሓጥእ ሰብ ንላዕሊ ከም ዚቐርቦን ከም ዜሐጕሶን ርጉጽ ሓቂ’ዩ። እንተ ዀነ፡ ይግብኦ ስለ ዝዀነ ደኣ ብፍትሒ ይገብረሉ’ምበር፡ ሓለፋ ናይ’ቲ ሓጥእ ብኣድልዎ ዚገብረሉ ዋላ ሓንቲ ነገር የልቦን። ሓጢኣት እንተ ገይሩ’ውን ማዕረ ናይ’ቲ ሓጥእ ከም ግብሩ ደኣ ይፍረድ’ምበር፡ ከቶ ኣይነሓፍን’ዩ።
<<. . .ጽድቂ ናይ’ቲ ጻድቕ በታ ንሱ ዚእብሰላ መዓልቲ ኣይኬድሕኖን’ዩ። ረሲእነት ናይ’ቲ ረሲእ ከኣ፡ በታ (ንሱ) ኻብ ረሲእነት ዚምለሰላ መዓልቲ ኣይኬውድቖን’ዩ። እቲ ጻድቕሲ፡ በታ ዚእብሰላ መዓልቲ በቲ ጽድቁ ብህይወት ኣይኪነብርን’ዩ።>> ህዝ 33፡12
እዚ መለኮታዊ ቓል’ዚ፡ እግዚኣብሔር ናብ’ቲ ጻድቕ ዜዛዝዎ፡ ቀረባኡን ዜሐጕሶን ሰብ ስለ ዝነበረ ንሓጢኣቱ ዓይኑ ዓሚቱ ወይ ሸለል ኢሉ ኺሓድገሉ ዚገብሮ ኣድልዎ ኸም ዘይብሉ ዜረጋግጸልና’ዩ።
ኣድልዎ ናይ ሰብከ ብዓይኒ ኣምላኽ ብኸመይ’ዩ ዚረኣይ፧ ሰብ ዚገብሮ ኣድልዎ፡ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ድርብ በደል’ዩ ዚፍጽም። እቲ ቐዳማይ በደል፡ ብቐጥታ ግዳይ ኣድልዎና ብምዃኑ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ፡ ናይ ኣድልዎ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ገይሩ ዘይባህርዩ ዜልግበሉ ምዃኑ’ዩ።
1ይ እግዚኣብሔር፡ ግዳይ ኣድልዎና ምዃኑ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ከም ዜመልክተና፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ እንፍጽሞ ዅሉ በደል፡ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ጥራሕ ዚፍጸም’ዩ። ንጉስ ዳዊት ስልጣኑ ተጠቒሙ ንበዓልቲ ኪዳን ሰበይቲ ብጾታዊ ዓመጽ ምስ ኣነወረን ነቲ ንጹህ ሰብኣያ ብተንኰል ምስ ኣቕተለን፡ እግዚኣብሔር ብነብዪ ናታን ገይሩ፡ “ንኣይ ኢኻ ዝነዓቕካኒ” ኢሉ ኽብደት ኣበሳኡ ኣፍለጦ (2ሳሙ 12፡9,10)። እታ ናይ ኣምላኽ መልእኽቲ ጽቡቕ ገይራ ስለ ዝተሰቈረቶ፡ ንጉስ ዳዊት ኣብ ንስሓኡ “ኣነ ንኣኻ ጥራይ በደልኩ፡ ኣብ ቅድሜኻ እከይ ገበርኩ።” ብምባል፡ ነቲ መልእኽቲ ኣምላኽ ኣነጸሮ (መዝ 51፡4)። እስራኤላውያን ንጉስ ኪቐብኣሎም ንነብዪ ሳሙኤል ብርቱዕ ጸቕጢ ምስ ገበሩሉ፡ ኣዝዩ ጐሃየ’ሞ ናብ እግዚኣብሔር ጸለየ። ከምኡ ገይሩ ዘጕሃዮ ኸኣ ንግስነት ኣምላኽ ንዒቖም ንግስነት ሰብ ምምራጾም’ዩ። እግዚኣብሔር ከኣ፡ “ኣነ ኸይነግሶም ንኣይ’ዮም ዝነዓቝ’ምበር፡ ንኣኻ ኣይኰኑን ዝነዓቑ፡ . . .” ብምባል ነቲ ሓቂ ኣግሃደሉ (1ሳሙ 8፡7)። ጐይታና ነቲ ንደቀ መዛሙርቱ ዜሳድደሉ ዝነበረ ሳውል፡ “ንምንታይ ንደቀ መዛሙርተይ ተሳድዶም ኣለኻ፧ . . .ኣነ፡ እቲ ንስኻ እተሳድዶ ዘለኻ ኢየሱስ’የ፡” ኢሉ ተዛረቦ (ግብ 9፡4,5 ካ.ት)። እቲ ኣቐዲምና ኣብ ማቴ 25፡40,45 ዝጠቐስናዮ፡ እቲ ኣብ ሰብ እንገብሮን ዘይንገብሮን ኵሉ፡ ኣብ ልዕሊ ክርስቶስ ከም እንፍጽሞ ዚገልጽ ሓሳብ’ውን፡ ነዚ ንገልጾ ዘለና ሓሳብ ዚድርዕ’ዩ።
እምበኣር እቲ ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ እንፍጽሞ ኣድልዎ’ውን፡ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ጥራይ ዝተፈጸመ ኣድልዎ ምዃኑ ኺርድኣና ይግባእ። ንሰብ እንተ ጸረፍና፡ እንተ ወቓዕና ወይ ዝዀነ ኻልእ በደል እንተ ፈጸምና፡ ኣብ’ቲ ሰብ ዘይኰነ ኣብ ኣምላኽ ከም ዝፈጸምናዮ እንተ ዘይኣስተውዒልና፡ ነቲ ድሮ ዝፈጸምናዮ ኣበሳስ፡ መሊስና ተወሳኺ ናይ ክሕደት (ኣሉታ) ኣበሳ ደሪብናሉ ማለት’ዩ። ኣብ’ቲ ጊዝያዊ ፍጥረት ዝዀነ ሰብ ንዝተፈጸመ ኣበሳ፡ ናይ ዘለኣለም ሞት ዚፍረደሉ ምኽንያት ግዲ እንታይ’ዩ፧ እቲ በደል ኣብ’ቲ ጊዝያዊ ሰብ ዘይኰነስ ኣብ’ቲ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ስለ ዝተፈጸመ’ኮ’ዩ። ኣበሳና ኣብ ሰብ ጥራሕ ዚፍጸም እንተ ዚኸውን፡ ፍርድና ካብ ዕድመ ሰብ ንላዕሊ ኣይምነውሐን ነይሩ። ኣብ’ቲ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ስለ ዝተፈጸመ ግና፡ ብዕድመ ኣምላኽ፡ ብዘለኣለማዊ ሞት ይፍረደና ኣሎ። እግዚኣብሔር መንፈስ’ምበር ስጋ ኣይኰነን (ዮሃ 4፡23,24)። ኣብ’ቲ መንፈስ ዝዀነ ኣምላኽ ንብድል ስለ ዘለና ድማ’ዩ ብመንፈሳዊ ሞት እንቕጻዕ።
ኣድልዎ ኸነዘውትር ከለና’ምበኣር፡ ኣድልዎና ኣብ’ቲ ኣድልዎ ዚጽየፍ ፍትሓዊ ኣምላኽ ይወድቕ ከም ዘሎ፡ ምስ ዘይግጠም ንገጥም፡ ምስ ዘይንኽእሎ ንበኣስ ከም ዘለና ኽንዝክር ይግባእ። እቲ ብኣድልዎ ዘሳቐናዮ ሰብ፡ ትሕቲ ዓቕምና ዝዀነ ድኹም ሰብ’ዩ። እቲ ድኻሙ ድማ’ዩ፡ ብንዕቀት ኣብ ልዕሊኡ ኣድልዎ ኽንፍጽም ዚድርኸና። እቲ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ንርእዮ ዘለና ድኹም ሰብ፡ ከም’ቲ ቅዱስ ዳዊት፡ “ጸርፊ’ቶም ዝጸረፉኻ ኣባይ ወደቐ” ዝበሎ፡ እቲ ኣብ ኣምላኽ ዝፈጸምናዮ ኣድልዎ ኣብኡ ዝወደቐ ሰብ’ዩ’ምበር፡ እቲ ቐንዲ ግዳይ ኣድልዎና ንሱ ኣይኰነን (መዝ 69፡8,9)።
ነዚ ዝተገልጸ ሓቂ ናይ ዘይምርዳእናን ብምሉእ ልቢ ናይ ዘይምቕባልናን ሳዕቤን እንታይ’ዩ፧ እቲ ቐዳማይ ሳዕቤኑ፡ ሓጢኣት ንምፍጻም ድሕር ዘይንብል ደፋራት ዚገብረና ምዃኑ’ዩ። ብመገዲ ሰብ ጌርና ንኣምላኽ ብቐጥታ ንብድሎ ኸም ዘለና እንተ ዚርድኣና፡ ንሓጢኣት፡ ይትረፍ ከነዘውትሮ ብወዝቢ’ኳ ኣይምወዓልናዮን ኔርና። እቲ ኻልኣይ ሳዕቤኑ ድማ፡ ፈጺምና ኸይንንሳሕ፡ እንተ ተነሳሕና ኸኣ፡ ኣምላኽ ዚቕበሎ ብቑዕ ንስሓ ኸይንንሳሕ ይዕንቅፈና ምህላዉ’ዩ። ቍጽሪ በደልናን ቍጽሪ ንስሓናን ይመጣጠን ደዀን ይኸውን፧ ይትረፍ ኪመጣጠን፡ ንስሓ ዚበሃል ከም ዘይንፈልጥ ዳርጋ ዅላትና ዘይንኽሕዶ ሓቂ’ዩ። ዝኣተናዮ ንስሓ እንተ’ልዩ፡ እቲ ዝርካቡ ንስሓና፡ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ከም ዝተፈጸመ ኣበሳ ጌርናዶ ተነሲሕናሉ ንኸውን፧ ብዛዕባ ሓጢኣትና ኸም’ቲ ኣምላኽ ዝጐሃዮ ጌርና ደዀን ጕሂና ንኸውን፧ ወይስ ምስ ውሽጣዊ ስምዒትና ዋላ ሓንቲ ምትሕሓዝ ብዘይብሉ “ይቕረ በለለይ” ብዚብላ ናይ ግብዝነት ቃላት ጥራሕ ሓሊፍናዮ ንኸውን፧
2ይ ስም ኣምላኽ ዜጽርፍ ምዃኑ፦ ብኣምሳል ስላሴ ዝተፈጠርና ኸም ምዃንና መጠን ኣብ ክንዲ ኣምላኽ ኴንና ንዅሉ’ቲ ተወራሲ ዝዀነ ባህርያቱ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኸነንጸባርቕን ከነተግብርን’ዩ ዚግብኣና። ስለ’ዚ ብኣድልዎ ኽንመላለስ ከለና፡ እቲ ብኣምሳሉ ዝፈጠረና ኣምላኽ ንርእሱ ኣድልዎ ኸም ዘለዎን ኣድልዎ ኸም ዚገብርን ጌርና ንገልጾ ኣለና ማለት’ዩ። ሓደ “ክርስትያን’የ” ወይ’ውን “መንፈሳዊ’የ” ኢሉ ዚእመን ሰብ ኪገብሮ ዘይግባእ ሓጢኣት ምስ ዚፍጽም፡ ንሱ ጥራይ ዘይኰነ ክርስቶስ’ውን’ዩ ዚጽረፍን ዚንቀፍን። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ፦
<<ከም’ቲ፡ “ብሰርኹም ስም ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ይጽረፍ (ኣሎ)”፡ ዚብል ተጻሒፉ ዘሎ፡ ኣታ ብሕጊ እትምካሕ፡ ሕጊ ብምፍራስካዶ ንኣምላኽ ተሕስሮ ኣለኻ፧>>
ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ሮሜ 2፡23,24)። እዚ ኣበሃህላ’ዚ “እቲ ዝበደለን ሕጊ ዘፍረሰን ሰብ ድኣ ይጽረፍን ይሓስርን’ምበር፡ ንምንታይ’ዩ ኣምላኽ ዚሓስር፧” ዚብል ሕቶ ኼልዕለልና ይኽእል’ዩ። እዚ ግና ብምኽንያት’ቲ ኻብኡ ዝተኻፈልናዮ መልክዑን ምስሉን፡ ኣካል ናይ እግዚኣብሔር ከም ዝዀንና ኻብ ዘይምስትውዓል ዚመጽእ ሕቶ’ዩ። እዚ ምስ እግዚኣብሔር ብመንፈስ ዘሎና ሓድነት ድማ፡ ክርስቶስ ስጋና ለቢሱ ኣብ ማእከልና ድሕሪ ምምልላሱ ብምኽንያት’ቲ ስጋዊ ሓድነትና እቲ ሓድነትና ድርብን ጽኑዕን’ዩ ዀይኑ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ’ዚ፦
<<እቲ ስጋኹም ኣካል ክርስቶስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ . . . እምብኣርከ ንስኻትኩም ስጋ ክርስቶስ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ በብኽፍሉ ኣካላቱ ኢኹም።>>
ብምባል ኣብሪህዎ ኣሎ (1ቈረ 6፡15 ፣ 12፡27)። ኣካል ክርስቶስ ክነስኻ፡ ክርስቶስ ዘይገብሮ እንተ ገበርካ፡ እቲ ዚወርድ ነቐፋን ውርደትን ናትካ ጥራሕ ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ። ንጉስ ዳዊት ኣብ ባትሴባ ምስ ነወረ፡ ዋላ’ኳ ብምኽንያት’ቲ ቕኑዕን ቅቡልን ንስሓኡ ተበዪኑሉ ዝነበረ ናይ ሞት መቕጻዕቲ እንተ ተረፈሉ፡ ብግብሩ ንእግዚኣብሔር ስለ ዘጽረፈ ግና፡
<<ግናኸ በዚ (ግብርኻ)’ዚ ንጸላእቲ እግዚኣብሔር ኣዚኻ መላገጺ ስለ ዝሃብካዮም፡ እቲ ተወሊዱልካ ዘሎ ወዲ ብርግጽ ኪመውት’ዩ።>>
ዚብል ፍርዲ ተዋህቦ (2ዜና 12፡14)። ኣይሁዳውያን ብሰሪ’ቲ ዝፈጸምዎ ኣበሳ፡ “እዚኣቶም ያኢ ህዝቢ እግዚኣብሔር’ዮም፡” እናተባህሉ ይጽረፉ ስለ ዝነበሩ፡ እግዚኣብሔር “ነቲ ቕዱስ ስመይ ኣርከስዎ” በለ (ህዝ 36፡20,22)።
ስለ’ዚ እግዚኣብሔር ዘይፈትዎን ባዕሉ ዘይገብሮን ግብሪ ኽንገብር ከለና፡ ንሕና ጥራሕ ዘይኰነ እቲ ኣካሉ ዝዀንና እግዚኣብሔር’ውን ከም ዚጽረፍን ከም ዚሓስርን ከነስተውዕል ይግባእ። “ክርስትያን” ተባሂልና ብስሙ ዝተጸዋዕና ስለ ዝዀንና፡ በቲ ኣበሳና ነቲ ጼርናዮ ንነብር ዘለና ስሙ ኢና ነርክሶን ነሕስሮን። ሰዓብቲ ናይ’ቲ ኣድልዎ ዚጽየፍ ኣምላኽ ክነስና፡ በቲ ሰይጣናዊ ናይ ኣድልዎ ባህርይ ብምምልላስ፡ ንእግዚኣብሔር ዘይባህርዩን ዘይመልክዑን ካብ ምሃብ ክንቍጠብ ይግባእ። እዚ እኩይ ኣበሳ’ዚ ዘይትንክፎ ዝምድና የለን። ንዝምድናታት ዜፍርስን ዚበታትኽን ፍቱን ናይ ሰይጣን ኣጽዋር ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ኵሉ ተግባራትናን ኣብ ኵሉ ዝምድናታትናን ኬስርጸልና’ዩ ዚጋደል። ደቂ ኣምላኽ ስለ ዝዀንና፡ ንዅሉ ተግባርናን ዝምድናታትናን በቲ ኣምላኽ ዘውረሰና ናይ ፍትሒ ባህርይ ከነመሓድር’ዩ ዚግብኣና። ጐይታና ኢየሱስ፡ ፍትሒ ካብ’ተን ሕጊ ኣምላኽ ዚእዝዘን ኣውራ ባህርያት ቀዳመይቲ ገይሩ ድሕሪ ምስርዑ፡ ነቶም ዚሓድግዋ “ወይለኹም” ብምባል ኣጠንቂቑ’ዩ (ማቴ 23፡23,24 ካ.ት)። እግዚኣብሔር ብሓይሊ፡ ብፍርዲ፡ ብፍትሒ ኣዝዩ ዓብይን ስልጡንን ስለ ዝዀነ፡ ንሓደ’ኳ ኣይንዕቅን፡ ኣይጭቍንን ከኣ’ዩ (እዮ 37፡23 ፣ 36፡5)። ንሕና’ውን ብመልክዑ ዝተፈጠርና፡ ባህርያቱ ንኸነግህድ ስለ ዝዀነ፡ ንኣድልዎ ወጊድ ኢልና፡ ንፍትሒ ኽንለብሳ ይግብኣና። ቅዱስ እዮብ፦“ንጽድቂ ለቢሰያ፡ ንሳውን ለቢሳትኒ፡ ፍትሐይ ከም ባርኖስን ዘውድን ነበረት።”
ከም ዝበለ፡ ንሕና’ውን ኣድልዎ ኣርሒቕና፡ ብፍትሒ ንኣምላኽናን ንዅሉ ዝምድናታትናን ንርእስናን ነኽብር (እዮ 29፡14)። ከመይ’ሲ፡ ኣድልዎ፡ ዘለኣለማዊ ውርደት ዜልብስ ሰይጣናዊ ባህርይ’ዩ!!።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ጥቅምት ፯, ፳፻፲፬ ግዕዝ (17 ጥቅምት 2021 ፈረ). 6ይ ሰንበት: 9//፱ ] |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
ኤፌ 6፡1-9 | 1ጴጥ 1፡17-ፍጻ | ግብ 17፡23-ፍጻ | ማቴ 6፡19-ፍጻ | ዘእግዚእትነ ማርያም |
መዝ.፻፪፡፲፬-፲፭። "ተዘከር እግዚኦ ከመ መሬት ንሕነ። ሰብእሰ ከመ ሣዕር መዋዕሊሁ። ወከመ ጽጌ ገዳም ከማሁ ይፈሪ" መዝ 103፡14-15 "ፍጥረትና ይፈልጥ’ዩ’ሞ፡ ሓመድ ምዃንና ይዝክር’ዩ። ሰብሲ መዓልትታቱ ኸም ሳዕሪ’ዩ፡ ከም ዕምባባ መሮር ይዕምብብ።" |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ