S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዚ ኣብ ኣርእስቲ ተገሊጹ ዝርከብ ዘሎ ቃል፣ ነቶም ኣብ ምጉሳይ ከብቲ ዝሓደሩ፣ ጓሶት ቤተ-ልሔም ዝተነግረ ናይ ብሥራት ቃል`ዩ። ከመይሲ ንሳቶም እቶም ጓሶት፣ ምድሪ ደሓን ኣሎ ኢሎም ደቂሶም ኣብ ዝነበሩሉ ከውታ ለይቲ። ክብሪ እግዚኣብሔር ኣብ ዙርያኦም በርሀ፣ በቲ ኩነት ከኣ ኣዚዮም ፈርሁ። መልኣከ-እግዚኣብሔር ብሃንደበት ናብኣቶም መጺኡ ከኣ “-እንሆ ንኹሉ ሕዝቢ ዝኸውን፣ ዓቢይ ሓጎስ አበሥረኩም ኣሎኹ` ኣይትፍርሁ። ምኽንያቱ ድማ ሎሚ መድኃኒ-ክርስቶስ ጎይታ ተወሊዱልኩም ኣሎ-” ተባሂሉ` ዝተነግሮም። እቶም ጓሶት ግና ዝፈልጡዎ ነገር ኣይነበሮምን። ስለዚ ድማ በቲ እቲ መልኣኽ ዝበሎም ተሓቢሮም፣ ንቤተ-ልሔም ኣቢሎም ኣቕኒዖም`ዮም ዝኸዱ። (ሉቃ-2/6)

ወርሓዊ እትሕተም ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ወግዓዊት ልሣን ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ: እንሆ ኣብዚ ኣንብብዋ።

የ(ለ)ካቲት 2022 [፳፻፲፬ . ግእዝመበል 67 ዓመት ቍ 513

ጳጳስ ዲበ ኵሉ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝመርሕዎ ልኡኽ ኣሕጉረ ስብከታትን፡ ብብፁዕ ኣቡነ ሲኖዳን ዚመሓደሩ ልኡኻትን፡ ምስ ፖፕ ቴዎድሮስ ዳግማዊ፡ ፓትርያርክ ዘመንበረ ማርቆስ እስክንድርያ 18 መጋቢት 2022 ተራኺቦም፡ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ዕረፍቲ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሰማዕትን፥ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቦም። ኣብቲ ርክብ፡ መንበረ ማርቆስ ንሰማዕትነት ቅዱስ እንጦንዮስ ኣብ ሕቶ ከም ዘይተእትዎን፥እንጦንዮስ ሰማዕት እንበለ ደም”, "Antonios the Confessor" ተባሂሎም ኪጥቀሱ ከም ዝግባእን፡ እዚ ኸኣ ንመላእ ሕዝበ ክርስቲያን ኪሕበር ከም ዘለዎን፡ ፖፕ ቴዎድሮስ ዳግማዊ፥ ኣፍሊጦም። ቅዱስነቶም፡ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ፍቕርን ሓድነትን ንምስፋን ብዝከኣሎም ዘበለ ኪሰርሑ ምዃኖም'ውን ገሊጾም ኣለዉ።

በዚ ምኽንያት ኩለን ኣብያተክርስቲያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ፥ እንጦንዮስ ሰማዕት እንበለ ደም”, "Antonios the Confessor" እናበላ ጸሎት ከዕርጋ ብኽብሪ ንሕብር። ብተመሳሳሊ ኣገባብ፥ ምእመናን'ውን እንጦንዮስ ሰማዕት ብዘይ-ደም” እናበሉ ስሞም ወግዒ ክጽውዕዎም ጸሎቶም ከዕርጉን ንሕብር።

እግዚኣብሔር ቤተክርስቲያንናን ህዝቢ ኤርትራን ይባርኽ

ንኽብሪ ንዘክር ማዓልቲ ቅዱስ ዮውህንስ

ውላድ ካብ ኤልሳቤጥ ምስ ካህን ዘካርያስ

ቀረባ ቤተሰብ ንጎይታና እየሱስ ክርስቶስ

ህዝቢ ከጥምቕ ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ

ብግፍዒ ተቐትለ ብንጉስ ሄረዶትስ።

 ሕጂ ድማ (ክርስቶስ ጐይታና) ናብ የማን ኣምላኽ ልዕል ምስ በለ፡ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣቦ ምስ ተቐበለ፡ ነዚ ንስኻትኩምትርእይዎንትሰምዕዎን ዘለኹም ንሱ ኣፍሰሶ።ግብ 233 (መዝ 5110-12)

Download {audio}images/stories/mp3/sermon/TimketAbuMakarios.mp3{/audio} ጥምቀት ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ሊቀ ጳጳስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ መንበረ-ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ, 17 ጥሪ 2010

ናይቲ ብፓትርያርክ-እንጦንዮስ ዝወረደ ቀኖናዊ-መንበር፣ ዓቃቤ-መንበር ዝኾኑ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ። ነቲ ኣብ ሃገረ-ስዊዲን ከካይዱዎ ዝቐነዩ ሓዋርያዊ-ዑደት ብምቕጻል፣ 23/09/ ናብ ሃገረ-ጀርመን ከተማ-ፍራንክፎርት ኣትዮም። በዚ ኣጋጣሚ` ድማ ውሉደ-ክህነትን ማኅበረ-ምዕመናንን፣ “-ባርከነ ኣባ-መቃርዮስ-” እናበሉ፣ ንሓደ መንፈሳዊ ኣቦ ክግበር ብዝግባእ፣ ኣባታዊ-ፍቕርን ኣኽብሮትን ተቐቢሎሞም።

1. ትምህርቲ፥ ንውሉደ ክህነት

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣግኣዚት ቤተ ክርስቲያን ዓውዲ ፍልጠት፥ ቋንቋን ትምህርትን፥ ዓቃቢት ታሪኽን ቅርስን ኮይና ንዘመናት ዝጸንሐት ምዃና ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ምስ ምትእትታው ዘመናዊ ትምህርቲ ግን ብብዙሕ ምኽንያታት፥ ዘመን ዝጠልቦ ስጉሚ ኣይሰጎመትን። ውሉደ ክህነት ሕድሪ ኮይኑዎም ዓቕሞም ዘፍቅዶ ይገብሩ እኳ እንተሎዉ፥ ነዚ ኣብዚ ዘመን ዘሎ ሕዝብን ንኡስ ወለዶን ንምጉሳይ ዘብቕዕ ስልጠናን ሓገዝን ኣይረኸቡን። ንመበል ፪፩ (21) ክፍለ ዘመን ዘገልግሉ ብመንፈሳውነቶም ረዘንቲ፡ ሓዋርያውን ቀኖናውን ሰረቶም ዓምዪቕ፡ ዶግማ ቤተክርስትያን ኣጽርዮም ዝፈልጡ፡ ዝምድንኦምን ፍልልዮምን ምስ ካልኦት ናይ ክርስትያን ማሕበራት (ቤተ እምነታት) ብግቡእ ዝርድኡ፥ እቲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፥ እቲ ናይ ኣምላኽ ድማ ንኣምላኽ ኪህቡ ነቲ ሰፊሕን ዓምዩቕን ትምህርቲ ኦሮቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን (ስነ መልኮት)፥ ምስ ዘመናዊ ትምህርቲ ብምትእስሳር ብደንቢ ኪምሃርዎ፥ ነቲ ብስጋን መንፈስን ኣብ ቅልውላው ዝርከብ ሕዝቦም ብብቕዓት ኪመርሑ፥ ጓሶትውን ጉስነት ይደልዩ እዮም። ትምህርትን ሃብታም ተሞክሮን ኣሓት ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ሳላ ተክኖሎጅን መርበብ ሓበሬታን፡ ኪምሃር ርእሱ ንዘዳለወ እቲ ዕድል ሰፊሕ እዩ።

ብምኽንያት መበል 10 ዓመት ዝኽሪ ናይቶም ኣብ 2013 ዓመት ኣብ ገማግም ደሴት ላምፐዱሳ ህልቂት ዘጋጠሞም ዜጋታትና፡ ንሰንበት 8 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ኩለን ቤተ ክርስቲያንናትና ብሓባር ጸሎት ፍትሓት ዝካየደሉ ዕለት እዩ። በዚ መሰረት፡ ስለቶም፡

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div