S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጳጳስ ዲበ ኵሉ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝመርሕዎ ልኡኽ ኣሕጉረ ስብከታትን፡ ብብፁዕ ኣቡነ ሲኖዳን ዚመሓደሩ ልኡኻትን፡ ምስ ፖፕ ታዋድሮስ ዳግማዊ፡ ፓትርያርክ ዘመንበረ ማርቆስ እስክንድርያ ብ18 መጋቢት 2022 ተራኺቦም፡ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ዕረፍቲ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሰማዕትን፥ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቦም። ኣብቲ ርክብ፡ መንበረ ማርቆስ ንሰማዕትነት ቅዱስ እንጦንዮስ ኣብ ሕቶ ከም ዘይተእትዎን፥ “እንጦንዮስ ሰማዕት እንበለ ደም”, "Antonios the Confessor" ተባሂሎም ኪጥቀሱ ከም ዝግባእን፡ እዚ ኸኣ ንመላእ ሕዝበ ክርስቲያን ኪሕበር ከም ዘለዎን፡ ፖፕ ታዋድሮስ ዳግማዊ፥ ኣፍሊጦም። ቅዱስነቶም፡ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ፍቕርን ሓድነትን ንምስፋን ብዝከኣሎም ዘበለ ኪሰርሑ ምዃኖም'ውን ገሊጾም ኣለዉ።

በዚ ምኽንያት ኩለን ኣብያተክርስቲያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ፥ “እንጦንዮስ ሰማዕት እንበለ ደም”, "Antonios the Confessor" እናበላ፥ ጸሎት ከዕርጋ ብኽብሪ ንሕብር። ብተመሳሳሊ ኣገባብ፥ ምእመናን'ውን “እንጦንዮስ ሰማዕት ብዘይ-ደም” እናበሉ ስሞም ብወግዒ ክጽውዕዎምን ጸሎቶም ከዕርጉን ንሕብር።

እግዚኣብሔር ቤተክርስቲያንናን ህዝቢ ኤርትራን ይባርኽ።

Regarding the installation of Aba Basilios as patriarch of the Eritrean Orthodox Tewahdo Church

Tigrigna | English

ክንዝክረኪ ዝኸበርኪ ወላዲት ንስኺ ብርኽቲ አደ:

ኩሉ ዝፈትወኪ ዘፍቅረኪ ካባኺ ዝተወልደ:

ህጻን ቆልዓ ብኣኺ ዝዕንገል ፍቕርኺ ዝለመደ:

ምዕባለ ምስ ማዕርነት ኣብ ገለ ሰባት ገና ዘይተዛመደ:

ንማዕርነት ዝጻረሩ አለናዮ ገለ ሰባት በዓል ዳንደ:

እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ፡ መበል 42 ሰንበት ናይ ዘመነ ሓዋርያት’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ፡ ካብ ሰነ 18 ኽሳዕ ሰነ 25 ዘሎ ቕንያት "ዘመነ ኣስተምህሮ" ይብሃል። እዚ ዘመን’ዚ ርእሱ ዝኸኣለ ዓብይ ዘመን’ምበር፡ ናይ ዘመነ ሓዋርያት ንኡስ ዘመን ኣይኰነን። ኵላትና ኸም ንፈልጦ፡ ኣብ ሓደ ዓመተ-ግእዝ ክልተ ናይ ኣስተምህሮ ዘመናት’ዩ ዘሎና።

ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከተማ ሻርሎት ሰሜን ካሮላይና ከምቲ ልሙድ ዓመት መጸ ብኽብሪ ዝበዓል ሎሚ ዓመትውን ብቀዳም ዕለት 20 ሕዳር 2021 ኣ.ፈ (፲፩ ሕዳር ፳፻፲፬ ዓ.ም) ብዝደመቐን ምዕሩግ ኣገባብን ንመበል 12ተ ግዜኡ ተኸቢሩ ውዒሉ። እዚ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ ብዝመጹ ብብዝሒ ኣጋይሽ ነጋድያን፥ ምእመናን ነበርቲ ከተማ ሻርሎት፥ ውሉደ ክህነትን መንእሰያት ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበትን ዝተሳተፍዎ፥ ዓቢይ መንፈሳዊ ክብረ በዓል ብኃይሊ ኣምላኽን፥ ብረድኤት ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክትን ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ተስፋን በረኸትን ብዝመልኦ ድሙቕ ኣገባብ እዩ ተኸቢሩ ውዒሉ።

1. ትምህርቲ፥ ንውሉደ ክህነት

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣግኣዚት ቤተ ክርስቲያን ዓውዲ ፍልጠት፥ ቋንቋን ትምህርትን፥ ዓቃቢት ታሪኽን ቅርስን ኮይና ንዘመናት ዝጸንሐት ምዃና ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ምስ ምትእትታው ዘመናዊ ትምህርቲ ግን ብብዙሕ ምኽንያታት፥ ዘመን ዝጠልቦ ስጉሚ ኣይሰጎመትን። ውሉደ ክህነት ሕድሪ ኮይኑዎም ዓቕሞም ዘፍቅዶ ይገብሩ እኳ እንተሎዉ፥ ነዚ ኣብዚ ዘመን ዘሎ ሕዝብን ንኡስ ወለዶን ንምጉሳይ ዘብቕዕ ስልጠናን ሓገዝን ኣይረኸቡን። ንመበል ፪፩ (21) ክፍለ ዘመን ዘገልግሉ ብመንፈሳውነቶም ረዘንቲ፡ ሓዋርያውን ቀኖናውን ሰረቶም ዓምዪቕ፡ ዶግማ ቤተክርስትያን ኣጽርዮም ዝፈልጡ፡ ዝምድንኦምን ፍልልዮምን ምስ ካልኦት ናይ ክርስትያን ማሕበራት (ቤተ እምነታት) ብግቡእ ዝርድኡ፥ እቲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፥ እቲ ናይ ኣምላኽ ድማ ንኣምላኽ ኪህቡ ነቲ ሰፊሕን ዓምዩቕን ትምህርቲ ኦሮቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን (ስነ መልኮት)፥ ምስ ዘመናዊ ትምህርቲ ብምትእስሳር ብደንቢ ኪምሃርዎ፥ ነቲ ብስጋን መንፈስን ኣብ ቅልውላው ዝርከብ ሕዝቦም ብብቕዓት ኪመርሑ፥ ጓሶትውን ጉስነት ይደልዩ እዮም። ትምህርትን ሃብታም ተሞክሮን ኣሓት ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ሳላ ተክኖሎጅን መርበብ ሓበሬታን፡ ኪምሃር ርእሱ ንዘዳለወ እቲ ዕድል ሰፊሕ እዩ።

“ነፍሰይ ደሃይ መለኸትን ሕማም ውግእን ትሰምዕ ኣላ እሞ፥ ትም ኣይብልን።” ኤርምያስ 4:19

እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ መበል 11 ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤ፡ ሓምሻይ ሰንበት ናይ ዘመነ ዕርገት፡ ከምኡ’ውን ሳልሳይ ሰንበት ናይ ዘመነ ሓዋርያት’ዩ። ነዚ ዕለት’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ዝተዳለወ መዝሙር ድማ፡ "ዘምሩ ለእግዚአብሔር ጻድቃኑ" (ጻድቃኑ ንእግዚአብሔር ዘምሩሉ) ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕም ትሕዝቶኡ ኸኣ፦ 

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div