“ነፍሰይ ደሃይ መለኸትን ሕማም ውግእን ትሰምዕ ኣላ እሞ፥ ትም ኣይብልን።” ኤርምያስ 4:19
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ አሜን።
መግለጺ ኣህጉረ ስብከታት ብዛዕባ ኣብ ዞባና ዝውቃዕ ዘሎ ነጋሪት ኲናት።
ኣብዚ እዋን እዚ፥ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፥ ናይ ኲናት ነጋሪት ይውቃዕ ኣሎ። ብክልቲኡ ወገን ድማ ናብ ጥፍኣት፥ ሞትን ስንክልናን ዝዕድም እምበር ኣብ ሓቅን መትከልን ውዑልን ዝተመሥረተ፥ ንሕዝቢ ሩፍታ፡ ሰላምን ርግኣትን ምዕባለን ዘምጽእ ዜና፥ ኣብ እእዛንና ኣይስማዕን ኣሎ።
እዚ ብብዙኅ ነገር ተመሳሳልነትን ሓድነትን ዘለዎ ሕዝቢ፥ ካብ ኲናትን ወረ ኲናትን ወጺኡ፥ ሰላም ከስፍኑ ዝኽእሉ መራሕቲ ሃገር ብዘይምዕዳሉ፥ ዝተወልደ ኩሉ፥ ዓቢ፥ ማእከላይን ሕሳስ ልደን፥ ብተደጋጋሚ አብ ዝውላዕ ኲናት ዕጫኦም ሞትን ስንክልናን፥ በሰላ ኣእምሮን (trauma) ተሰኪሙ ክነብር ተገዲዱ ኣሎ።
ኲናት ዕንወት እምበር ረብሓ ከም ዘይብሉ ኩሉ ዝኣምነሉን ዝቕበሎን ሓቂ እዩ። ብፍላይ ድማ ሕዝቢ እዘን ክልተ ሃገራት፥ ንልዕሊ 100 ዓመታት፥ “በሎ በሎ (ገዳየ ገዳየ)” ዝብል ጽልኢ ዝጽሕትር ሰብ ቀቲሉ ዝሽልል፥ ነዚ ድማ ብጅግንነትን ሕራነን ዝገልጽ፥ ደም ሰብ እናጎጽጎጸ ዝነብር ኣካል ኅብረተ ሰብ ፈርዩ፥ ዓለም ዘደንጸወ ኮይኑ ኣሎ።
ውጽኢቱ ድማ እዩ ሕጂ ብዛዕባ ኲናትን ዓይነት ኲናትን፥ ኣሃዱን ብርጌድን ክፍለ ሰራዊትን ጥራይ ዝሓስብ፥ ካብ ምዕባለ ዓለም ዝተኣገደ፥ ኩሉ ጊዜ ዝተጠጃኣሉ ክሑን ጽልኢ ጸሚቑ ዝሰቲ፥ ውሉፍ ኲናት፥ ካብ ዓዲ ኲናት ወጺኡ ኣብ ሓንጎሉ ባዕሉ ኲናት ተኺሉ ኣብ ኲናት ዝሓድር፥ ኃውን ኃፍቱን ቀቲሉ ኣእዳዉ ንሰንሰለት ዘዳሉ፥ ፖለቲካውያን መራሕቲ ኣእምሮኡ ዝሰለብዎ፥ ቅተል እንተ ተባህለ ምሕረት ብዘይብሉ ጭካነ ዝቐትል፥ ተፋቐር እንተ በልዎ፥ ብንብዓት ተሓቛቚፉ ዝሰዓዓም፡ ኩን ዝበልዎ ዝኸውን ውኑን ኣእምሮ ዝተበደለ ኅብረተ ሰብ ንርኢ ኣሎና።
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ሕዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን፥ እቶም ትማሊ በዂርን ማእከላይን ኣጥፊኦምን ኣሰንኪሎምን ኣብ ጣውላ ውስኪ ዝተጨባበጡ መራሕቲ ሃገር፥ ሕጂውን ሕሳስ ልደን ተረፍ እንተሎ ሕጻንን ኣራርዮም ኣብ ጉሁር ሓዊ ክጠብስዎ ይጓዝሙ ኣለዉ። ደቅኻ ኣጥፊኦም፥ ንስኻ ኣብ ሓዘን ሰበይትኻን ጓልካን ተደርሚመን፥ መርዓት ወድኻ፥ ሕቑፊ መርዓዊኣን ዘመን ሕጽኖታ ከየስተማቐረት ማእሚና፥ ብዘይውሉድን ሓደን ሒዛ ዘመን ውሉድ ምርካባ ዝተኾልፋ፥ ወዲ ወድኻ ዘኽቲሙ፥ ዕድል እንተ ጌርካ በጽሒ ወድኻ ኣካላቱ ተቖራሚሙ፥ ንብረትካን ትካልካን በሪሱ ምስ ተኾርመኻ፥ ንቡር መርድእን ንቡር ቀብሪ ውላድካ ዘይረኸብካ፥ ብኣገቦርን ካልኣይ ቀብርን እትድበሱ ወላድን ወላዲትን፥ ኣቦየ ኣደየ ኢሉ ብንቡር ዝብከዮ ጠፊኡ፥ ወደየ ጓለየ ዘይንቡር ንቡር ዝኾነሉ፥ ብዝጎበዘ ውሉድካ እትሽቑረረሉ፥ ዘመናት ኣሕሊፍካ፥ ሕጅውን እዚ ከቢድ ምረት ኣብ ልዕሌኻ ክወርድ ይሕንሕኑልካ እዮም ዘለዉ። ንሳቶም ግን ጽባሕ ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሎም ክስሕቁን ክሰትዩን እዮም። ኲናት ብእኦምን ብደቆምን ስለ ዘይጅመር፥ ዘይስንኻ ሕጻ ቆርጥመሉ ከም ዝበሃል፥ ብደም ደቂ እቶም ድኻታት እዮም ሓዊ ክጋጫጨቡ።
እምቢ ንዂናት እምቢ ንኲናትሞት እትብለሉ እዋኑ ሕጂ እዩ። ኲናት መጀመርታኡ እምበር መወዳእታኡ ኣይፍለጥን። ሰብካን ንብረትካን ለኻኪሙካ ከይጠፍአ፥ ብእዋኑ ደው ኢልካ እምቢ ንዂናት ክትብል ይግባእ። ረብሓካ ካብ ሰላም እምበር ካብ ኲናት ከም ዘይኮነ፥ ብተግባር ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ዝፍጸም ዘሎ መዓልታዊ ተርእዮ ስለ ዝኾነ፥ ምግላጽ ኣየድልዮን እዩ።
ስለዚ ከምቲ ነቢይ ኤርምያስ “ነፍሰይ ደሃይ መለኸትን ህማም ውግእን ትሰምዕ ኣላ እሞ፥ ትም ኣይብልን።”(ኤርምያስ 4:19) ዝበሎ፥ እዚ ዝውቃዕ ዘሎ ነጋሪት ኲናት ደው ክብል: ኣህጉረ ስብከታትና ይጽውዕ። ሰላም ዝደልዩ ወገናት ኩሎም፥ ንኲናት ዝውግዝ ተመሳሳሊ መርገጽ ክወስዱ ንምሕጸን። ህዝብና ድማ: ውግእን ወረ ውግእን እናሰማዕካ ተዓዚምካ ኣብ ዝተዳለወልካ መጋሃርያ ኲናት ከይትጥበስ፥ "ሰላም እምበር ውግእ ኣይደልን" ብምባል ንሰላም ክትጽውዕን ክትጽዕርን ንላቦ። መራሕቲ ፖለቲካ'ውን ካብ ዝሓለፈ ጌጋኹም ተመሃሩ። ካብ ምፍሳስ ደም-ሰብ ኢድኩም ክትስሕቡ፥ ብዘተን ብልዝብን ጉዳይኩም ክትፈትሑ ጸዋዒትና ነቕርብ።
አብዚ ዓብዪ ጾም ኩላትና ሓቢርና ናብ ልዑል ኣምላኽና ንማህለል። ውግእን ወረ ውግእን ይኣኽለና፥ ታሪኽና ቀይረልና ንበሎ ንኣምላኽ፡፡ ናይ ሥጋን መንፈስን ሕሰምና ከብቅዕ፡ ከም ኩሉ ሕዝቢ ዓለም ንቡር ረኺብና፡ አብ ውሽጥናን ምስ ጎረባትናን ብሕግን ፍትሕን ስኒትን ክነብር፡ ብንስሓ ኣብ እግሩ ወዲቕና ደጋጊምና ንለምኖ።
እግዚኣብሔር ንሕዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላሙ ይልኣኽ።
የካቲት ፳፮, ፪፻፲፯ ዓ.ም |5 March 2025
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ