S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቅድስቲ ድንግል ማርያም ካብ ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ኣዝያ ዝተባረኸት:

ጉንበት ሐደ ኣብ 16 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣብ ገሊላ ዝተወልደት:

ካብ ኣቦኣ ያቄምን ኣዲኣ ሃናን ዝተባረኹ ስድራ ቤት:

ኣብ ሰለስተ ዓመት ዕድሚኣ ንቤት መቕደስ ዝተዋህበት:

ንዓሰርተ ክልተ ዓመታት ኣብ ቤት መቕደስ ዝዓበየት:

ኣብ 15 ዕድሜኣ ንዮሴፍ ከም ሓላዊኣ ተሓጼት:

ኣብ ንኡስ ዕድሜኣ ወዲ ኣምላኽ ከምትወልድ ተነግረት:

እቲ ውላድ ኢየሱስ ከምትብሎ ብቅዱስ ገብርኤል ተበሰረት:

ሰብኣይ ከይፈለጥኩስ ከመይ ኢሉ ክኾነለይ ኢላ ተወከሰት: 

ብቅዱስ ገብርኤል ኩሉ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ክኸውን'ዩ ተባህለት:

ማርያም እነኹ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር ከምቲ ዘረባኻ ይዅነለይ በለት:

መጋቢት 29 እቲ ስጉው ቃል ኣምላኽ ኣብ ማህጸና ሓዲሩ ጠነሰት:

ናብ ኤልሳቤጥ በዓልቲ-ቤት ካህን ዘካርያስ ከይዳ ነገረታ እቲ ብስራት:

ኤልሳቤጥ ውን ኣብቲ እዋን ንቅዱስ ዮሃንስ መጥመቅ ጥንስቲ ነበረት:

ኣብ 16 ዓመት ዕድሜኣ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ወለደት:

ኣብ ታሕሳስ 29 ንኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መብልዕ ማል ሓረሰት:

ህጻን ኢየሱስን ማርያምን ክርእዩ መጹ መራሕቲ ሰበስልጣን እንተላይ ጓሶት:

እቶም ንህጻን ኢየሱስ በጻሕቲ ወርቂ ከርበ ዕጣን ኣምጹእሉ ከም ገጸበረከት:

ንጉስ ሄሮዶስ ንህጻን ኢየሱስ ክቀትሎ ከምዝደሊ ፈለጠት:

ንኢየሱስ ሒዛ ምስ ዮሴፍ ናብ ግብጺ ናብ ስደት ኣምርሐት:

ንሰለስተ ዓመትን ፈረቃን ምስ ስድርኣ ኣብ ግብጺ ጸንሐት:

ንጉስ ሄረዶስ ምስሞተ ስድርኣ ሒዛ ናብ ናዝሬት ተመልሰት:

ኣብ 45 ዓመት ዕድሜኣ ዮሴፍ ካብኣ ተፈልየ ብሞት:

ኣብቲ እዋን'ቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ነይሩ 30 ዓመት:

ኢየሱስ ኣብ 30 ዓመት ዕድሚኡ ካብ ወላዲቱ ቤት ወጸ ድሕሪ ናቱ ጥምቀት:

ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ 33 ዓመት ዕድሚኡ ተሰወአ ብስቅለት:

ኢየሱስ ክርስቶስ ክስቀል ከሎ ቅድስቲ ማርያም 48 ዓመት ገበረት:

ድሕሪ ስቅለት ኢየሱስ ቅድስት ማርያም ምስ ሐዋርያ ዮሃንስ ከደት:

ቅድስት ድንግል ማርያም ን16 ዓመት ምስ ሐዋርያ ዮሃንስ ተቐመጠት:

ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ 64 ዓመት ዕድሚኣ ብሞት ተፈልየት:

ነሓሰ 16 ኣብ 48 ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ብኽብሪ ናብ ላዕላይ ሰማይ ገዓዘት:

ናብ ላዕላይ ሰማይ ክትግዕዝ ከላ ንሐዋርያ ቶማስ ጨርቂ ሃበቶ ክኣምን ከይሓትት:

ማርያም ክትግለጸሎምሐዋርያት ን16 መዓልቲ ተጸበዪ ብጾም ብጸሎት:

ኣብ መበል 16 መዓልቲ ጾመ ፍልሰታ ማርያም ንሐዋርያት ብኣካል ተገልጸት:

ፍልሰታ ዝተባህለ ቅድስት ማርያም ካብ ዓለምና ናብ ሰማይ ስለ ዝገዓዘት:

ቅድስት ማርያም ኣብ ጎኒ ውላዳ ኢየሱስ ኣብ መንግስተ ሰማይ ከምትነብር ኮነት:

ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ቤተክርስትያናት ትዝከር ትኽበር ወርሓዊ ብ21 ዕለት:

ኢየሱስ ይሰምዕ'ዩ ጸሎት ቅድስቲ ማርያም ንድሕነት ደቂ ሰባት ዝምልከት:

ናብ ቅድስቲ ማርያም ንጸሊ መታን ከተማልደልና ክንረክብ ምሕረት።

 

ክብርን  ምስጋናን ንልዑል ኣምላኽና

ክብረትን ሞጎስን ንቅድስቲ ማርያም ኣዴና

ራህዋን ሰላምን ንሓላል ህዝብና

ዕድመን ጥዕናን ይውረድ ኣብበ ኩላህና።

ዝኽሪ ሓጺር ታሪኽ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማያም

 

ዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን

6 ሰ 2025

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div