መልሲ ነቲ ኣብ ኣሥመራ ብዝነብሩ ጳጳሳት ኤርትራ ዝተዋህበ ውሳኔ፡
“እስከ ትበጽሕ ለሞት ተበአስ በእንተ ጽድቅ፥ ወእግዚኣብሔር አምላክከ ይትበአስ በእንቲአከ።”|“ምእንቲ ሓቂ [ጽድቂ] ክሳብ ሞት ተቓለስ፥ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ ድማ ምእንታኻ ክቃለስ እዩ።”ሲራክ 4:28፡፡
ሒደት ጳጳሳትን ልኡኻት መንግሥትን ዝመሃዝዎ፥ ካብ ጥሪ ፲፱፻፺፯ |January 2005 ዓ. ምሕረት፥ ዝጀመረ ግህሰት ቤተ ክርስቲያን፥ ካብ ምእሳር ካህናት፥ መነኮሳት ሕሉፍ ሓሊፉ ክሳብ ሞት ሰማዕት እንበለ ደም ቅዱስ እንጦንዮስ፥ ስደት ምእመናንን ካህናትን፥ ዝበጽሐን ዝበጽሕ ዘሎ መከራን፥ ካብ ዓይኒ ኩሉ ሕዝቢ ዝተሰወረ ኣይኮነን። እዚ ኩነታት ካብ ዝጀመረሉ፥ ዓገብ ክንብልን፥ ብዝከኣለና ኣብ ስደት ዘሎ ሕዝብና ከነጸናንዕን ክንጓስን ጸኒሕና ኢና፡፡

"ከምቲ ሰብነት ሓደ ኸሎስ ብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፡ እቲ ኣካላት ከኣ ብዙሕ (ክነሱስ) ሓደ ሰብነት ዝዀነ፡ ክርስቶስ ከኣ ከምኡ’ዩ። ከመይ ንሕና፡ ኣይሁድ ኰንና ግሪኻውያን፡ ባሮት ኰንና ጭዋታት፡ ኵላትና ሓደ ሰብነት ምእንቲ ኽንከውን፡ ብሓደ መንፈስ ተጠመቕና፡ ሓደ መንፈስ’ውን ሰተና። . . . "እንሆ፡ ኣሕዋት ብሓደ ሓቢሮም ኪነብሩስ፡ ክንደይ ሰናይን ክንደይ ጥዑምን’ዩ።" 1ቈረ12፡12,13 ካ.ት ፣ መዝ133፡1
ተሞክሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ኣብ ናይ ሓበሻ ኣብያተ ክርስቲያናትን (ኣብያተ ክርስቲያናት ኤርትራን ኢትዮጵያን) ብመንጽር ግብጻዊት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን
ወርሓዊ እትሕተም ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ወግዓዊት ልሣን ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ: እንሆ ኣብዚ ኣንብብዋ።
ጳጳስ ዲበ ኵሉ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝመርሕዎ ልኡኽ ኣሕጉረ ስብከታትን፡ ብብፁዕ ኣቡነ ሲኖዳን ዚመሓደሩ ልኡኻትን፡ ምስ ፖፕ ቴዎድሮስ ዳግማዊ፡ ፓትርያርክ ዘመንበረ ማርቆስ እስክንድርያ ብ18 መጋቢት 2022 ተራኺቦም፡ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ዕረፍቲ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሰማዕትን፥ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቦም። ኣብቲ ርክብ፡ መንበረ ማርቆስ ንሰማዕትነት ቅዱስ እንጦንዮስ ኣብ ሕቶ ከም ዘይተእትዎን፥ “እንጦንዮስ ሰማዕት እንበለ ደም”, "Antonios the Confessor" ተባሂሎም ኪጥቀሱ ከም ዝግባእን፡ እዚ ኸኣ ንመላእ ሕዝበ ክርስቲያን ኪሕበር ከም ዘለዎን፡ ፖፕ ቴዎድሮስ ዳግማዊ፥ ኣፍሊጦም። ቅዱስነቶም፡ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ፍቕርን ሓድነትን ንምስፋን ብዝከኣሎም ዘበለ ኪሰርሑ ምዃኖም'ውን ገሊጾም ኣለዉ።
በዚ ምኽንያት ኩለን ኣብያተክርስቲያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ፥ “እንጦንዮስ ሰማዕት እንበለ ደም”, "Antonios the Confessor" እናበላ፥ ጸሎት ከዕርጋ ብኽብሪ ንሕብር። ብተመሳሳሊ ኣገባብ፥ ምእመናን'ውን “እንጦንዮስ ሰማዕት ብዘይ-ደም” እናበሉ ስሞም ብወግዒ ክጽውዕዎምን ጸሎቶም ከዕርጉን ንሕብር።
እግዚኣብሔር ቤተክርስቲያንናን ህዝቢ ኤርትራን ይባርኽ።
ስደት ትባሃል ስደት፡
ዘይብላ ክብረት፡
ብዘይካ ውርደት፡
ኣብ ደቂ ሃገር ቅትለት፡
ብዝተሳሕለ ካራ ንሞት፡
ናይ ስነ-ምግባር ጉድለት፡
ካብ ዘይምርዳእ ሕውነት፡

"ኣነ ኸኣ ንኣቦ ኽልምኖ’የ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ (መንፈስ ቅዱስ) ኪህበኩም’ዩ። . . . ንስኻትኩም (ብክርስቶስ) ቃል-ሓቂ፡ ናይ ምድሓንኩም ወንጌል፡ ምስ ሰማዕኩም ብእኡ’ውን ምስ ኣመንኩም፡ ብናይ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ተሓተምኩም። (መንፈስ ቅዱስ) ንምድሓን ጥሪቱ፡ ንውዳሴ ኽብሩ፡ ዕርቡን ርስትና’ዩ።"ዮሃ 14፡16 ፣ ኤፌ1፡13,14
እቲ ሕግን ቀኖናን ብምትሕልላፍ፣ ኣብ 1998 ዓ/ም(2006) ብጸቕጢ ፖለቲካ፣ ተገይሩ ዝነበረ ፓትርያርክነት ኣባ-ዲዮስቆሮስ፣ ንሶም ናይ ሰማይ መጸዋዕታ መጺኡዎም ድሕሪ ምሕላፎም፣ እቲ ብዮፍታሔ ዝምራሕ ዝነበረ መንበረ-ፓትርያርክ፣ ንዕኦም ንምትካእ ተባሂሉ ዝኾነ ነገር ክግበር ኣይተራእየን። ከመይሲ እቲ ናቶም ሽመት ብሕዝቢ ተዋሕዶ ኮነ፣ ብማኅበረ-ሰብ ዓለም ተቐባልነት ስኢኑ፣ ከቢድ መንጸግትን ተነጽሎን ኣስዒቡ ስለ-ዝነበረ፣ ደፊሮም ክኣትዉዎ ይኽእሉ`ዮም ኢልካ ክሕሰብ ዝኽእል ኣይነበረን። ስለዚ`ውን እዚ ኣርእስቲ`ዚ፣ ዝግደሰሉ ከም-ዝስኣነ ርሱዕ ኣጀንዳ ኮይኑ`ዩ፣ ተቐሚጡ ጸኒሑ ክበሃል ይከኣል።
ናይቲ ብፓትርያርክ-እንጦንዮስ ዝወረደ ቀኖናዊ-መንበር፣ ዓቃቤ-መንበር ዝኾኑ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ። ነቲ ኣብ ሃገረ-ስዊዲን ከካይዱዎ ዝቐነዩ ሓዋርያዊ-ዑደት ብምቕጻል፣ 23/09/ ናብ ሃገረ-ጀርመን ከተማ-ፍራንክፎርት ኣትዮም። በዚ ኣጋጣሚ`ዚ ድማ ውሉደ-ክህነትን ማኅበረ-ምዕመናንን፣ “-ባርከነ ኣባ-መቃርዮስ-” እናበሉ፣ ንሓደ መንፈሳዊ ኣቦ ክግበር ብዝግባእ፣ ኣባታዊ-ፍቕርን ኣኽብሮትን ተቐቢሎሞም።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ