S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እስመ ኣልቦሙ ለኣግብርቲከ ሞት ኣላ ፍልሰት!” ኦ ጎይታ! ንኣገልገልትኻ ምግዓዝ እምበር ሞት የብሎምን፥ ዝብል ናይ ተስፋ ቃል፥ ኣብ ጸሎተ-ፍትሓት (እግዚኣ ሕያዋን) ብመንፈሳውያን ኣቦታትና ተጻሒፉ እንረኽቦ ጸሎት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ እዩ። በዚ መሠረት: 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሰማዕት እንበለ-ደም፥ ብዙሕ ግፍዕን ማእሰርትን ተዓጊሶም፥ እምነቶም ኣጽኒዖም፥ መንፈሳዊ ገድሎም ወዲኦም፥ ካብ ምድራዊ ሰማያዊ፥ ካብ ጊዚያዊ ዘለዓለማዊ፥ ካብ ሥጋዊ መንፈሳዊ ክብርን ኣኽሊልን መሪጾም ኣብ መበል 96 ዓመት ዕድመኦም፥ ብ9 የካቲት 2022 ዓ/ፈ እዮም ዓሪፎም።

ንኣቦና ቅዱስ እንጦንዮስ ብወግዒ ንዘክሮም:

ነዞም ቅዱስ መራሒ ብግቡእ ነኽብሮም:

 ነዞም ቅዱስ ሃዋርያ ብኽብሪ ነልዕሎም:

ናይ'ዞም ቅዱስ ፈላሲ ነቃልሕ በረኸቶም:

ናይ'ዞም ቅዱስ መምህር ነመስግን ለውሃቶም:

ናይ'ዞም ቅዱስ ኣቦና ነዘንቱ ታሪኾም:

ዝተባረኹ ቅዱስ ፓትሪያርክ መዘና ዘይብሎም::

  ደጊም ምስ ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሲእኩም ኢኹም ቀልብኹም ኣብ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገር ኣብ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ ግበሩ። ኣእምሮኹም ናብ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኮነስ፡ ናብ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ። ከመይ ሞይትኩም ኢኹም፡ ህይወትኩም ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ።ቈሎ 31-3 . (2ቈረ 104,5)

ኣነስ ነቶም ዘኽብሩኒ ኣኽብሮም፥ ነቶም ዝንዕቁኒ ኸኣ ኣሕስሮም ይብል እግዚኣብሔር። (1 ሳሙ 230) ንዝብል ኃይለ-ቃል ብምስትውዓል እንተ ተረዲእናዮ፡ ንልዑል እግዚኣብሔር ብተወፋይነት ዘገልገለ፥ ዝተኣዘዘ፥ ምእንቲ ስሙ ውርደትን ስደትን ዝተቐበለ፥ እሙን ሰብ ካብ መጀመርታኡ ዳሕረዋዩ ከም ዝጽብቕ፥ ታሪኹ ከኣ ከም ወርቒ መመሊሱ ከም ዝዅላዕ፥ ካብ ታሪኽ ዮሴፍ ወዲ ያዕቆብን፡ ካብቲ ዝሓለፈ ሮቡዕ ዝነበረ ጽንብል ዕለተ-ልደት ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ዲበ-ኵሉን ብግልጺ ርኢናዮ ኢና። ክብሪ ንኣምላኽና ይኹን። ናይ በረኸትን ብዙሕ ታሪኽን ዝኽርን ዝተነግሮ ግሩም ምሸት።

ርሑስ በዓለ መስቀል

ፈቐዶኡ፡ ሊባ ምዕራብ

መስዕ ባሕር ደቡብ

ምሥራቕ ሰሜን ኣዜብ

እቲ ኣብ ሃገረ-ስዊስዘርላንድ ክገብሩዎ ዝጸንሑ ዑደት ድሕሪ ምፍጻም፣ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ ብዕለት 03/10/2021 ኣብታ ርእሰ-ከተማ ዓባይ-ብሪጣንያ ዝኾነት ከተማ-ሎንዶን`ዮም ዝኣተዉ። ኣብዚ ከኣ ናይ ቤተ-ክርስቲያን ቅድስቲ-ማርያም ሎንዶን ማኅበረ-ምእመናን፣ባርከነ ኣባ-መቃርዮስእናበሉ፣ ብዓቢይ ክብሪ ተቐቢሎሞም።

ተሞክሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ኣብ ናይ ሓበሻ ኣብያተ ክርስቲያናትን (ኣብያተ ክርስቲያናት ኤርትራን ኢትዮጵያንብመንጽር ግብጻዊት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን።
ክቡራት ኣገልገልቲ ካህናትን ድያቆናትን ኩላትኩም ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ ሰላም ኣምላኽ ምስ ኩላትኩም ይኹን።
ኣምላኽ ረዲእና፡ መመዝገቢ መሕተት (ፎርም) ናይ  2ይ ክፍለ ዓመት ዓመተ ትምህርቲ 2024 ንሰደልኩም ኣሎና። ምዝገባ ካብ 15 ክሳብ 27 ሚያዝያ 2024 ዓም ክካየድ እንኮሎ፡ ትምህርቲ ድማ ኣብ  05 ግንቦት 2024 ዓም ክጅምር እዩ።
መላግቦ መመዝገቢ፥ https://forms.gle/8yjHTkh2u57WVj5o7
 
ክፍሊ ጉዳያት ተምሃሮ
ኮለጅ ስነመለኮት ተዋሕዶ

ግናኸ ዝዀነ ይኹን ጥሪት ናይ ዓለምዚኣ ዘለዎ (ኽነሱ) ሓዉ ተሸጊሩ ኸም ዘሎ እናረኣዮ እንተ ዘይደንገጸሉ (‘ እንተ ዘይረድኦ) ከመይ ኢሉንኣምላኽ አፍቅርኺብል ይኽእል፡ ኣቱም ደቀየ፡ ብግብርን ብሓቅንምበር ብቓልን ብልሳንን (ጥራሕ) ኣይንፋቐር።” 1ዮሃ 317,18 .

ሰብኡት፡- ኦ ዘወረድከ እምማይ በእንቲነ።ኣንስቲ፡- ስምነ ኣምክነ ወመድኒነ።

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div