S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

 "ምሸት ምስ ኰነ፡ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ብዙሓት ናብኡ ኣምጽኡ። እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ “ንሱ ድኻምና ወሰደ፡ ሕማምና’ውን ጾረ፡” ዝተባህለ ምእንቲ ኽፍጸም፡ ብቓሉ መናፍስቲ ኣውጽኣ፡ ሕማም ንዘለዎም ኵሎም ድማ ኣሕወዮም።" ማቴ 8:16,17።

ከም-ዝፍለጥ ንሕና ከም ክርስቲያን መጠን፣ ምስ መስቀል ፍሉይ ፍቕሪ ዘሎና ሕዝቢ ኢና። ካብ መስቀል ዝተፈልየ ሕይወት ኣሎና ክንብል`ውን ኣይንኽእልን። ስለዚ ድማ ኢና “-መስቀል- ኃይልነ-! መስቀል-ጽንዕነ-! መስቀል-ቤዛነ-! መስቀል-መድኃኒተ-ነፍስነ-!-” ብምባል፣ መስቀል ኩሉ ነገርና ምዃኑ ከነንጸባርቖ እንርከብ ዘሎና። ኣብቲ ወርሓት መስከረም`ውን “-መስቀል ዘይበለ ካባና ይፈለ-” ዝብል ባህሊ ከም-ዘሎና ዝፍለጥ`ዩ። ስለዚ መስቀል ንዓና ኩሉ ነገርና`ዩ እንተ-ተባህለ፣ ተጋጊኹም ከይንበሃል እንስከፈሉ ምኽንያት የብልናን።

መበል 24 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ኣብ ከተማ ሲያትል ክፍለግዝኣት ዋሽንግቶን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ብርሃን ቅድስቲ ሥላሴ ስያትል ካብ 14 ክሳብ 17 ሓምለ 2022 (July 14 to July 17 2022) ጀሚሩ ይካየድ ኣሎ። በመገዲ ፍኖተ ብርሃን Facebook https://www.facebook.com/EritreanOrthodoxChurch ክትከታተሉ ንሕብር።

ሰላመ እግዚኣብሔር ምሳኻትኩም ክኸውን ንምነ።

ቀጻሊ ትምህርቲ ድማ ካብ 3 መስከረም 2022 ክጅመር እዩ። በዚ መሠረት፥ ኩልኹም ተመሃሮ ኣብ ክትምዝገቡ ኣቲኹም ክትምዝገቡ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንሕብር።

ምምሕዳር ክፍሊ ተመሃሮ ሥነ መለኮት ተዋሕዶ።

ኣብ ሂወት ደቂ ሰባት ወትሩ ከም ዘጋጥም: ሰብ ዘኽበረ ይኸብር ሰብ ዘሕሰረ ይሓስር:: ንሰባት እንተ ኣኽቢርና ንገዛእ ርእስና ንኸብር ንሕፈር:: ግን  ንሰባት እንተዘይኣኽቢርና ንገዛእ ርእስና ንሓስር ንድፈር:: እዚ ማለት ከኣ ንዝኾነ ሰብ እንተኣኽቢርና እቲ ዘኽበርናዮ ሰብ የኽብረና:: ንዝኾነ ሰብ እንተዘይኣኽቢርና ግን እቲ ዘየኽበርናዮ ሰብ የሕስረና:: ስለዚ: ንገዛእ ርእስና ክንከብር ወይ ክንሓስር ዝድሩኹ ምኽንያታት ኩሎም ካብ ገዛእ ርእስና ዝነቅሉ እዮም:: ክብረት ኣብ ነፍስወከፍና ክህሉ ዝኽእል ኣብ ሕድሕድና ምክብባር  ክህሉ ከሎ ጥራይ ምዃኑ ንረዳእ:: 

 ""ኖህ ብዛዕባ’ቲ ገና ዘይተራእየ ነገር ራእይ ምስ ረኣየ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ብእምነት’ዩ ንምድሓን ቤቱ ‘ትኸውን መርከብ ዘዳለወ፡ (በታ መርከብ) ገይሩ ንዓለም ኰነና። ናይ’ቲ ብእምነት ዚርከብ ጽድቂ ኸኣ ወራሲ ዀነ።"እብ11፡7

ሬድዮ ቃለ ኣዋዲ ኵሉ ጊዜ ቀዳም ካብ ሰዓት 11፡30; 12፡00 ናይ ንጉሆ ብ 1120 WUST RADIO ብሓልዮት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን መድኃኔ ዓለም ዋሽንግቶን ዲሲ እናተዳለወ ኣብ ዲሲን (Washington DC) ከባቢኣን ዝመሓላለፍ መንፈሳዊ ትምህርቲ እዩ።

To Listen to Qale Awadi 1120 WUST...LIVE SAT 11፡30; 12፡00 PM

on Your Cell Phone!

 

 

Call (712) 432-6620 and Listen


ንሕና ከም ሕዝቢ፣ ማለት ከም ሕዝቢ-ሓበሻ መጠን፣ ናይ ሞት መጸዋዕታ ክመጸና ከሎ፣ ምቕባሉ ዝኸብደና ሕዝቢ ምዃንና ኢና እንፍለጥ። ኣብ ዝኾነ ግዜ እቲ “መርድእ” ዝበሃል ዜና ክመጽእ ከሎ፣ እቲ ክግበር ዝርአ ናይ ኣበኻኽያ ባህልና፣ መግለጺ ክርከበሉ ይኽእል`ዩ ክበሃል`ውን ኣይከኣልን። ብሓጺሩ ሞት ኣብ ሕዝብና፣ ዳርጋ ከም መወዳእታ ዓለም ኮይኑ`ዩ ዝርአ እንተ-ተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እዚ ልማድ`ዚ ከኣ ግዜ ክቕይሮ ዘይከኣለ፣ ዳርጋ ኣብ ደምና ከም-ዝተወሃሃደ ውርሻ ኮይኑ`ዩ፣ ኃቢሩና ክጎዓዝ ዝርከብ ዘሎ።

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div