S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ስደት ትባሃል ስደት፡

ዘይብላ ክብረት፡

ብዘይካ ውርደት፡

ኣብ ደቂ ሃገር ቅትለት፡

ብዝተሳሕለ ካራ ንሞት፡

ናይ ስነ-ምግባር ጉድለት፡

ካብ ዘይምርዳእ ሕውነት፡

“ነፍሰይ ደሃይ መለኸትን ሕማም ውግእን ትሰምዕ ኣላ እሞ፥ ትም ኣይብልን።” ኤርምያስ 4:19

 እዚ ናይ ልግሲ ኣገልግሎትኩም፡ ጐደሎ ናይቶም ቅዱሳን ምምላእ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ሰብ ንእግዚአብሔር ዝዓዘዘ ምስጋና ኸም ዜቕርብ ይገብርዩ።” 2ቈረ 912 .

ጳጳስ ዲበ ኵሉ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝመርሕዎ ልኡኽ ኣሕጉረ ስብከታትን፡ ብብፁዕ ኣቡነ ሲኖዳን ዚመሓደሩ ልኡኻትን፡ ምስ ፖፕ ታዋድሮስ ዳግማዊ፡ ፓትርያርክ ዘመንበረ ማርቆስ እስክንድርያ 18 መጋቢት 2022 ተራኺቦም፡ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ዕረፍቲ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሰማዕትን፥ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቦም። ኣብቲ ርክብ፡ መንበረ ማርቆስ ንሰማዕትነት ቅዱስ እንጦንዮስ ኣብ ሕቶ ከም ዘይተእትዎን፥እንጦንዮስ ሰማዕት እንበለ ደም”, "Antonios the Confessor" ተባሂሎም ኪጥቀሱ ከም ዝግባእን፡ እዚ ኸኣ ንመላእ ሕዝበ ክርስቲያን ኪሕበር ከም ዘለዎን፡ ፖፕ ታዋድሮስ ዳግማዊ፥ ኣፍሊጦም። ቅዱስነቶም፡ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ፍቕርን ሓድነትን ንምስፋን ብዝከኣሎም ዘበለ ኪሰርሑ ምዃኖም'ውን ገሊጾም ኣለዉ።

በዚ ምኽንያት ኩለን ኣብያተክርስቲያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ፥ እንጦንዮስ ሰማዕት እንበለ ደም”, "Antonios the Confessor" እናበላ ጸሎት ከዕርጋ ብኽብሪ ንሕብር። ብተመሳሳሊ ኣገባብ፥ ምእመናን'ውን እንጦንዮስ ሰማዕት ብዘይ-ደም” እናበሉ ስሞም ወግዒ ክጽውዕዎም ጸሎቶም ከዕርጉን ንሕብር።

እግዚኣብሔር ቤተክርስቲያንናን ህዝቢ ኤርትራን ይባርኽ

ከም-ዝፍለጥ ንሕና ከም ክርስቲያን መጠን፣ ምስ መስቀል ፍሉይ ፍቕሪ ዘሎና ሕዝቢ ኢና። ካብ መስቀል ዝተፈልየ ሕይወት ኣሎና ክንብል`ውን ኣይንኽእልን። ስለዚ ድማ ኢና “-መስቀል- ኃይልነ-! መስቀል-ጽንዕነ-! መስቀል-ቤዛነ-! መስቀል-መድኃኒተ-ነፍስነ-!-” ብምባል፣ መስቀል ኩሉ ነገርና ምዃኑ ከነንጸባርቖ እንርከብ ዘሎና። ኣብቲ ወርሓት መስከረም`ውን “-መስቀል ዘይበለ ካባና ይፈለ-” ዝብል ባህሊ ከም-ዘሎና ዝፍለጥ`ዩ። ስለዚ መስቀል ንዓና ኩሉ ነገርና` እንተ-ተባህለ፣ ተጋጊኹም ከይንበሃል እንስከፈሉ ምኽንያት የብልናን።

ሰላም ንበል ብዘይ ሓደ ንሕስያ፡

ዓው ኢልና ብፍቕሪ ንስመያ፡

ስማ ጥዕምቲ ኣምላኽ ዝሓረያ፡

ቅድስቲ መንፈስ ኩሉ ሰብ ዝደለያ፡

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን።

ክቡራት ኣገልገልቲ ካህናትን ድያቆናትን ኩላትኩም ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ ሰላም ኣምላኽ ምስ ኩላትኩም ይኹን።

ኣምላኽ ረዲእና፡ መመዝገቢ መሕተት (ፎርም) ናይ  2 ክፍለ-ዓመት ዓመተ-ትምህርቲ 2025 ንሰደልኩም ኣሎና። ምዝገባ ካብ ሰንበት 13 ክሳብ ቀዳም 26 ሚያዝያ 2025 ዓም ክካየድ እንኮሎ፡ ትምህርቲ ድማ 04 ግንቦት 2025 ዓም ክጅምር እዩ።

መላግቦ መመዝገቢ፥  https://forms.gle/JtiC9rbo38FJu6c38 

ክፍሊ ጉዳያት ተምሃሮ

ኮለጅ ስነመለኮት ተዋሕዶ

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div