“መንግስተ ሰማያት ንወዱ መርዓ ዝገበረ ንጉስ ትመስል። ነቶም ናብ መርዓ እተዓደሙ ኺጽውዑ ባሮቱ ለኣኸ፡ ግናኸ ምምጻእ ኣበዩ። . . . ‘(ስለ`ዚ) ናብ ቀራና መገድታት (Cross roads) ኪዱ`ሞ፡ ንዝረኸብኩምዎ (ዅሉ) ናብ መርዓ ጸውዑ’ በሎም። እቶም ባሮት ናብ መገዲ ወጺኦም፡ ንዝረኸብዎ ዅሉ፡ ንሕሱማትን፡ ንሕያዎትን፡ ኣከብዎም። እቲ ዳስ መርዓ ብተቐማጦ መልአ። እቲ ንጉስ ነቶም ተቐማጦ ኺርእይ ናብ`ቲ ዳስ ምስ ኣተወ፡ ክዳን መርዓ ዘይተኸድነ ሰብኣይ ረኣየ`ሞ ፡ ‘ኣታ ዓርከይ፡ ክዳን መርዓ ኸይተኸደንካ ኸመይ ኢልካ ናብ`ዚ ኣተኻ፧” በሎ። ንሱ ግና ኣጽቀጠ። ሽዑ`ቲ ንጉስ ንገላዉኡ፡ ‘ኣእዳውን ኣእጋሩን ኣሲርኩም፡ ናብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽንያት ምሕርቃም ኣስናንን ይኸውን። ጽውዓትሲ ብዙሓት`ዮም፡ ሕሩያት ግና ሒደት`ዮም’። በሎም” ማቴ 22፡2,9,14
ንስኻትኩም ግና እቲ ዕዮኹም ዓስቡ ኺረክብ እዩ እሞ፡ ጽንዑ; ብቀሺ ዲበ። ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ፡ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን; ብቀሺ ቴድሮስ። ኣባይ ጽንዑ ኣነውን ኣባኻትኩም; ብቀሺ ሓለፎም Read More...
መበል 24 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ኣብ ከተማ ሲያትል ክፍለግዝኣት ዋሽንግቶን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ብርሃን ቅድስቲ ሥላሴ ስያትል ካብ 14 ክሳብ 17 ሓምለ 2022 (July 14 to July 17 2022) ጀሚሩ ይካየድ ኣሎ። በመገዲ ፍኖተ ብርሃን Facebook https://www.facebook.com/EritreanOrthodoxChurch ክትከታተሉ ንሕብር።
ሰላመ እግዚኣብሔር ምሳኻትኩም ክኸውን ንምነ።
ቀጻሊ ትምህርቲ ድማ ካብ 3 መስከረም 2022 ክጅመር እዩ። በዚ መሠረት፥ ኩልኹም ተመሃሮ ኣብ ክትምዝገቡ ኣቲኹም ክትምዝገቡ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንሕብር።
ምምሕዳር ክፍሊ ተመሃሮ ሥነ መለኮት ተዋሕዶ።
ንሕና ከም ኦርቶዶክሳውያን ወይ ከም ክርስቲያን መጠን፣ መስቀልን ታሪኽ መስቀልን ንዓና ሓዲሽ ነገር ኣይኮነን። ከመይሲ እቶም ቀዳሞት ኣቦታትና፣ ካብ ዘመነ-ብሉይ ኣትሒዞም፣ ኣብ እምነት እግዚኣብሔር ሠረት ዝገበረ ኣምልኮ ሒዞም`ዮም እናተጎዓዙ መጺኦም። ስለዚ`ውን መስቀልን ታሪኽ-መስቀልን ንዓና ከም ሕዝቢ፣ ጋሻ ክኾነና ዝኽእል ኣይኮነን።
ብምኽንያት መበል 10 ዓመት ዝኽሪ ናይቶም ኣብ 2013 ዓመት ኣብ ገማግም ደሴት ላምፐዱሳ ህልቂት ዘጋጠሞም ዜጋታትና፡ ንሰንበት 8 ጥቅምቲ 2023፡ ኣብ ኩለን ቤተ ክርስቲያንናትና ብሓባር ጸሎት ፍትሓት ዝካየደሉ ዕለት እዩ። በዚ መሰረት፡ ስለቶም፡
“ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ’የ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም’ዩ። ነቲ መንፈስ ሓቂ ዓለም ዘይትርእዮን ዘይትፈልጦን ስለ ዝዀነት፡ ክትቕበሎ ኣይኰነላን’ዩ። ንስኻትኩም ግና፡ ምሳኻትኩም ይሓድር ኣባኻትኩም’ውን ኪነብር’ዩ’ሞ፡ ትፈልጥዎ ኢኹም። . . . እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰድዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ኵሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለ’ውን ኬዘክረኩም’ዩ።” ዮሃ 14፡16,17,26 ካ.ት
ወ/ሮ ጽገወይኒ መኮነን: በዓልቲ ቤቶም ንኣቦይ ቀሺ ገብረ-መድህን ገብረ-ጊዮርጊስ፡ ብቀዳም 4 ሰነ 2022 ዓሪፈን። ወ/ሮ ጽገወይኒ፥ ኣደ ጽንዓት ናይ ጸሎት ኣደ ከምዝነበራ ብዙሓት ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ። በዓል ቤተን ኣቦይ ቀሺ ገብረ-መድህን ገብረ-ጊዮርጊስ ካብ ዝእሰሩ 18 ዓመታት እኳ እንተቕጸረ፡ ንሰን ግን ንኣምላኽ እናለመና፡ ብጽንዓትን ብጸሎትን “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ክርስቶስ፡ ንዅሉ እኽእሎ እየ።” (ፊሊጲ 4.13) እናበላ ብትዕግስቲ ክጽበያ ጸኒሐን እየን። ንደቀን ክንዲ ኣደን ኣቦን ኮይነን እናዕበያኦም፡ ን18 ዓመታት ገጽ በዓል ቤተን ክርእያ ሃረር እናበላ እንከለዋን እየን ብሞት-ስጋ ተፈልየን።
እግዚኣብሔር ንስድራቤት ምጽንናዕ ይሃቦም። ንኣዴና ወ/ሮ ጽገወይኒ ድማ ኣብቲ ግደ ርስቲ ቅዱሳን ዝኾነ መንግስቲ ብርሃን የዕርፈን። “ኦ እግዚኦ! ኣዕርፍ ነፍሰ ዓመትከ ጽገወይን”
ነቶም ን18 ዓመታት ብዘይ ፍትሒ ተኣሲሮም ዘለዉ ድማ ሓርነት ይኣውጀሎም ኣምላኽ።
መርበብ ሓበሬታ ተዋህዶ
ቀኖናዊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ