S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ዲበ-ኵሉ ዝምራሕ፡ ካብ ሠለስተ ኣኅጉረ ስብከታት ዝተዋጽአ ላዕለዋይ ምምሕዳር መንፈሳዊ ጉባኤ፡ ካብ ዕለት 10 ሚያዝያ 2021 ኣትሒዙ ብቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ወግዓዊ ስራሑ ከም ዝጀመረ፡ ፈጻሚ ኣካል ናይቲ ቈይሙ ዘሎ ላዕለዋይ ምምሕዳር መንፈሳዊ ጉባኤ፡ ትማሊ 22 ግንቦት 2021 ንመላእ ኣባላት ሓለፍቲ ክፍልታት ኣኅጉረ ስብከታት ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባኡ ሓቢሩ።

እቲ ሕግን ቀኖናን ብምትሕልላፍ፣ ኣብ 1998 ዓ/ም(2006) ብጸቕጢ ፖለቲካ፣ ተገይሩ ዝነበረ ፓትርያርክነት ኣባ-ዲዮስቆሮስ፣ ንሶም ናይ ሰማይ መጸዋዕታ መጺኡዎም ድሕሪ ምሕላፎም፣ እቲ  ብዮፍታሔ ዝምራሕ ዝነበረ መንበረ-ፓትርያርክ፣ ንዕኦም ንምትካእ ተባሂሉ ዝኾነ ነገር ክግበር ኣይተራእየን። ከመይሲ እቲ ናቶም ሽመት ብሕዝቢ ተዋሕዶ ኮነ፣ ብማኅበረ-ሰብ ዓለም ተቐባልነት ስኢኑ፣ ከቢድ መንጸግትን ተነጽሎን ኣስዒቡ ስለ-ዝነበረ፣ ደፊሮም ክኣትዉዎ ይኽእሉ`ዮም ኢልካ ክሕሰብ ዝኽእል ኣይነበረን። ስለዚ`ውን እዚ ኣርእስቲ`ዚ፣ ዝግደሰሉ ከም-ዝስኣነ ርሱዕ ኣጀንዳ ኮይኑ`ዩ፣ ተቐሚጡ ጸኒሑ ክበሃል ይከኣል።

“This is the sign which previously Jesus had promised to give them when they asked for it, saying, “An evil and adulterous generation seeks for a sign, but no sign shall be given to it, except the sign of the prophet Jonah.”

 መዘከርታ ጻድቕ ንዘለዓለም ይነብር(ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይኄሉ መዝ 112.6.

ሰንበት 12 የካቲት 2023 (5 የካቲት 215 ግእዝ) ዝኽሪ ቦኽሪ ዓመት "ሰማእት እንበለ ደምቅዱስ እንጦንዮስ: ኣብ ኩለን ኣብያተ-ክርስቲያን ኣሕጉረ ስብከታት መስዋዕተ-ቅዳሴን ጸሎተ-ፍትሓትን ክግበር ንሕብር። ሰንበት 29 ጥሪ 2023'ውን: ኣብ ቤተክርስቲያን ቅድስት ማርያም ኦክላንድ, ካሊፎርንያ ብሕብረት ዝኽሪ ቦኽሪ ዓመቶም ከምዝተፈጸመ ይፍለጥ።

"ሰማእት እንበለ ደም" ቅዱስ እንጦንዮስ፥ 3ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ: ረቡዕ 9 የካቲት 2022 ዓ.ም. ፈ.(2 የካቲት 2014 ዓ.ም.ግ) ኣብ ማሕዩር ከምዝዓረፉ ይዝከር

እግዚኦ! ኣዕርፍ ነፍሰ ቅዱስ እንጦንዮስ፥ ወኣንብር ለነ ህየንቴሁ ሔረ ወመራሔ

ቀኖናዊ ኣሕጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን

  ኣብ ህይወትዚኣ ጥራይ ብክርስቶስ ተስፋ እንተ ገበርናስ፡ ካብ ኵሉ ሰብ እነደንግጽ ምዀንና ኔርና።” 1ቈረ 1519

ዓመታዊ ርክበ ካህናት መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ፡ ሎሚ ዓመት'ውን ንመበል 9 ዓመት ንሠለስተ መዓልታት ክካየድ እዩ። እቲ ካብ ረቡዕ 3 መጋቢት ክሳብ ዓርቢ 5 መጋቢት (March 3-5) 2021 .. ብናይ ርሕቀት መስመር ክካየድ እዩ። ኣብዚ መደብ ክትሳተፉ እትደልዩ ውሉደ ክህነት፥ ኣብዚ መመዝገቢ'ዚ [Form] ብምጥዋቕ ክትምዝገቡ ነዘኻኽር።

ብሓዋርያዊ መሪሕነት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ 3 ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ዝምእከልን ብቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ-ዲበኵሉ ዝመሓደርን ቀኖናዊ ንኡስ ሃገረ ስብከት ካናዳ ካብ ጥሪ 2021 . ብወግዒ ቆይሙ መንፈሳዊ ሥርሑ ጀሚሩ ኣሎ። ነዚ ንኡስ ሃገረ ስብከት እዚ ንምቛም ብመንበረ-ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ዝተመደቡ ኣቦታት ካህናት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዞም ምስ ኩሎም ኣቦታት ውሉደ-ክህነት ነበርቲ ካናዳ ዝኾኑ መንፈሳዊ ዘተን ልዝብን ከካይዱ ድሕሪ ምጽናሕ፥ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ብርትዓዊ መገዲ ሰለስ ኣባላት ዝሓዘት ጊዚያዊ መንፈሳዊ ምምሕዳር ብምምራጽ እዩ ብወግዒ ቆይሙ ዘሎ።

ከም-ዝፍለጥ ኣብ ዋዜማ በዓል ሓዲሽ-ዓመት ኢና ንርከብ ዘሎና። እዚ ማለት ድማ ነቲ ምሳና ክጎዓዝ ዝጸንሐ፣ 2013 ዓ/ም ዘመነ-ማቴዎስ ኣፋኒና፣ 2014 ዓ/ም ዘመነ-ማርቆስ ክንቕበል ማለት`ዩ። ነዚ ተኸቲሉ`ውን፣ ኣብቲ ክንቕበሎ ዘሎና ሓዲሽ-ዓመት፣ ብዙሕ ዝዓይነቱ ተስፋን ትጽቢትን ክህልወና ከም-ዝኽእል፣ ከም ርዱእ ዝውሰድ እዩ። ከመይሲ ሃይማኖት ዘለዎ ሰብ፣ ኩሉ ግዜ እምነቱ ኣብ እግዚኣብሔር ብምግባር`ዩ፣ ብተስፋ ዝነብር። ከምኡ ስለ-ዝኾነ ድማ`ዩ ቅዱስ-ዳዊት`ውን “-እስመ በተስፋ ኀደረ ሥጋየ-” ክብል እንሰምዖ።

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን።

ክቡራት ኣገልገልቲ ካህናትን ድያቆናትን ኩላትኩም ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ሰላም ኣምላኽ ምስ ኩላትኩም ይኹን።

ኣምላኽ ረዲእና፡ መመዝገቢ ፎርም 1ይ ሰመስተር 2023/24 ንሰደልኩም ኣሎና። ምዝገባ ካብ ነሓሰ 01 ክሳብ 21 2023 ክካየድ እንኮሎ፡ ትምህርቲ ድማ ኣብ መስከረም 03 2023 ክጅምር እዩ። መላግቦ መመዝገቢ፥ Link

ካብ ጉዳያት ተመሃሮ 

ኮለጅ ስነ መለኮት ተዋህዶ

 

ሎም ፍስሓ ኮነ

ርሑስ ልደት፡ ክርስቶሰ

ርሑስ ልደት፡ የሱሰ

ርሑስ ልደት፡ ንጉሠ

ዘለዓለማዊ ናትና ንጉሠ

ዘለዓለማዊ ናትና ንጉሠ

ዘለዓለማዊወ ናትና ንጉሠ።

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div