ኣብ ቤተክርስትያን ሃገርና እንታይ ዘይግበር
እቲ ስርዓት ኣብ ቤተክርስትያን ጉዳይ ከምድልየቱ ክዕንድር
እንተ ደለየ ክሸይም እንተደለየ ከዐስክር
እንተደለየ ክመክር እንተደለየ ክምድር
አንተደለየ ክፍክር አንተደለየ ከኣስር
ሃለዋት ሃገርና ክውረ ክሳብ ባሕሪ ስግር
“ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ’የ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም’ዩ። ነቲ መንፈስ ሓቂ ዓለም ዘይትርእዮን ዘይትፈልጦን ስለ ዝዀነት፡ ክትቕበሎ ኣይኰነላን’ዩ። ንስኻትኩም ግና፡ ምሳኻትኩም ይሓድር ኣባኻትኩም’ውን ኪነብር’ዩ’ሞ፡ ትፈልጥዎ ኢኹም። . . . እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰድዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ኵሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለ’ውን ኬዘክረኩም’ዩ።” ዮሃ 14፡16,17,26 ካ.ት
ናይቲ ኣብቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዑ ዝርከብ ዘሎ መንበር፣ ዓቃቤ-መንበር ዝኾኑ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ፣ ብድሕሪ ጀርመን ቀጺሎም ዝኸዱዎ ሃገረ-ስብከት ስዊስዘርላንድ እዩ። በዚ መሠረት`ዚ ድማ ብዕለት 27/09/2021 ከተማ-ባዝል ክኣትዉ ክኢሎም።
መግለጺ ፋልማይ ውሁድ ዓመታዊ ጉባኤ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤ/ክ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ናይ ሰማዕት እንበለ ደም ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ ቅድስና ተኸቲለን ኣብ ትሕቲ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስን፥ ብፁዕ ኣቡነ ሲኖዳን ዝነበራ ኣብያተ ክርስቲያናት ብ29 ሚያዝያ 2023 ብመሪሕነት ክልቴኦም ብፁኣን ጳጳሳት፡ ሓያለ ጳጳሳት ናይ ኣሓት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ኣብ ኒው ዮርክ ብመስዋእቲ ቅዳሴ ዝተዛዘመ ውህደት ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንና ዓብዪ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። ድሕሪዚ ታሪኻዊ ዕለት፡ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ (ሕብራት ሃገራት ኣመሪካን ካናዳን) ሕጉ ኣጽፊፉ፡ ውሁድ ምምሕዳር ተኺሉ፡ ክሳብ ሕጂ መሠረት ኣብ ምንጻፍ እዩ ጸኒሑ፡ ብኣብዝሓ ሸነኹውን ብጽቡቕን ተስፋ ብዝህብን መንፈሳዊ ጎደና ይጉዓዝ ኣሎ።
ይዝከረኒ ኣብ ዓድና ከለኹ ንእሽተይ፡
ቀደም ክጻወት ምስ ኩሎም የዕሩኽተይ፡
ሻኲ ተወሰጥ ቃርሳ ምስ ያህለለይ:
ሸደድ ገበጣ እንተላይ ሓንዳይ፡
ሕንቂል ሕንቅሊተይ ሰሰናቢተይ፡
እንካ ኣዝግነኒ ሻነ ብምንታይ፡
ተባሂሉ ክጽወት ኣብ ዓደይ፡
ደስ ይብለኒ ክዝክር ባህለይ።
“ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ፡ ካብ`ዚ ዚዓብይ ፍቕሪ የልቦን። ንስኻትኩም ነዚ ዝኣዘዝኩኹም ዘበለ ዅሉ እንተ ገበርኩም፡ ኣዕሩኸይ ኢኹም፡ ነቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ዘበለ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም`የ ‘ኣዕሩለይ’ ዝበልኩኹም። ባርያስ ጐይታኡ ዚገብሮ ኣይፈልጥን`ዩ`ሞ፡ ደጊም ‘ባሮት’ ኣይብለኩምን`የ።” ዮሃ 15፡13-15
ጾመ-ኣርብዓ፡ ሰኑይ 8 ለካቲት 2010 ዓ.ም ክጅምር እዩ።
ጾም ማለት ንነፍስኻ ካብ ዝብላዕ፣ ዝስተን ክፉእ ነገራትን ገቲእካ፣ ምስ እግዚኣብሄር እትራኸበሉ ህሞት እዩ። ጾም ርእስኻ ኣዋሪድካ፣ ናይ ጸሎት፣ ናይ ሓዘን፣ ናይ ንስሓን ምንዛዝን እዋን ከምዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፣ READ MORE...
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ