ፍቕረይ ደሪኽዎ እቲ ዘይሓምም ሓመመ፣ ዘይተሓዝ ተሰቕለ፣ ዘይመውት ሞተ። ኣየ ፍቕሪ!
እቲ ካብ ሓሙሽተ ኣብያተ ክርስቲያናት ብዝመጹ፡ ኣስታት 280 ዝኾኑ መንእሰያትን ወለድን፡ ብካህናት ተመሪሖም ዘካየድዎ ካብ ሓምለ 01 ክሳብ ሓምለ 04፣ 2022 ኣብ ይጅን ኦረገን ዩኒቨርሲትይ ኦፍ ኦረገን (University of Oregon, Eugene, OR) ዝተጋብአ፡ ኣዝዩ ኣገደስቲ ትሕዝቶ ዘሎዎ ትምህርትታት፥ ሰሚናራት፥ ዘተን ዎርክሾፕን ሓጸርቲ ድራማታትን ዝሓቖፈ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብጸሎት ነግህን ጸሎተ ሰርክን ዝተዛዘመን ነይሩ።
እዚ ቃል ብሥራት`ዚ፣ ቅድሚ 2000-ሽሕ ዓመት ነቶም ከብቶም ሒዞም፣ ኣብ መሮር ዝሓደሩ ጓሶት ቤተ-ልሔም ዝተነግረ ቃል`ዩ። ከመይሲ እቲ ነቢይ-ኢሳይያስ ኣብ ትንቢቱ “-እንሆ ድንግል ክትጠንስ፣ ወዲ`ውን ክትወልድ፣ ስሙ ድማ ኣማኑኤል ኢላ ክትሰምዮ ኢያ-” ብምባል ተነብዩዎ ዝነበረ ትንቢት ምእንቲ ክፍጸም`ዩ፣ እቲ መድኃኒ-ዓለም ዝኾነ፣ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ-ክርስቶስ ክውለድ ዝኸኣለ። (ኢሳ-7/14)
Regarding the installation of Aba Basilios as patriarch of the Eritrean Orthodox Tewahdo Church
"ኣብርሃም ናብ`ቲ ንርስቲ ኪቕበሎ እተኣመመሉ ስፍራ ኺወጽእ ምስ ተጸውዐ፡ ብእምነት ተኣዘዘ። ናበይ ከም ዚኸይድ ከይፈለጠ`ውን ወጸ። ነታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝሰራሒኣን፡ መሰረት ዘለዋ (ናይ ሰማይ) ከተማ ይጽበይ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ`ታ ምድሪ ተስፋ (እናነበረ ኸሎ)፡ ኣብ ምድሪ ጓና (ይነብር ከም ዘሎ) ዀይኑ ብእምነት ተቐመጠ`ሞ፡ ምስ`ቶም ናይ`ዛ ተስፋ`ዚኣ መዋርስቱ (ዝዀኑ) ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ። . . . እዚኦም ኵላቶም . . . ኣብ`ዛ ምድሪ`ዚኣ ኣጋይሽን ስድደተኛታትን ምዃኖም እናተኣመኑ፡ ብእምነት ሞቱ።" እብ11፡8-10,13
ሬድዮ ቃለ ኣዋዲ ኵሉ ጊዜ ቀዳም ካብ ሰዓት 11፡30; 12፡00 ናይ ንጉሆ ብ 1120 WUST RADIO ብሓልዮት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን መድኃኔ ዓለም ዋሽንግቶን ዲሲ እናተዳለወ ኣብ ዲሲን (Washington DC) ከባቢኣን ዝመሓላለፍ መንፈሳዊ ትምህርቲ እዩ።
To Listen to Qale Awadi 1120 WUST...LIVE SAT 11፡30; 12፡00 PM
on Your Cell Phone!
Call (712) 432-6620 and Listen
ሓሙሽተ መነኮሳት ገዳም ደብረ ጽጌ ኣቡነ ዮናስ ኣብዚ ቀረባ እዋን ተኣሲሮም። ንሳቶም፡
1. መምህር ዕንቈ-ብርሃን ተወልደ
2. ኣባ የማነ ብርሃን
3. ኣባ ተክለብርሃን
4. ኣባ ኣብርሃም
5. ኣባ ዮናስ ዝተባህሉ መነንቲ መነኮሳት ክእሰሩ እንከለዉ፥ ድሒሮም’ው ሓደ መነኮስ ተወሲኾምዎም ኣለዉ።
ከም-ዝፍለጥ ኣብቲ ኩሉ ዝግበር ናይ ሕይወት-ጉዕዞ፣ ምውራድን ምድያብን ከጋጥም ባህርያዊ እዩ። ስለዚ`ውን ሓደ ሰብ ኮነ ሓደ ሕዝቢ፣ ብፈተና ተፈቲኑ ዘይሓልፍ ኣሎ ክበሃል ዝከኣል ኣይመስልን። ከመይሲ ኣብቲ ክግበር ዝኽእል ናይ ሕይወት ጉዕዞ፣ ብፈተና ዘይፍተን ሕይወት ኣሎ ክበሃል ስለ-ዘይከኣል እዩ። ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ፈተና ስዒሩ ክወጽእ ዝኽእል ግና፣ ኩሉ`ዩ ምባል ዘኽይድ ኣይኮነን። ስለዚ`ውን እቶም ብሥነ-ምግባር ዝተሓንፀ ስብእና ዘለዎም ኩሎም፣ ነቲ ክገጥሞም ዝኽእል ፈተና ብዓወት ስዒሮሞ ክወጹ ከለዉ፣ ብኣንጻሩ እቶም ናይ ሥነ-ምግባር ውድቀት ዘጋጥሞም ድማ፣ ብፈተና ተረቲዖም ክወድቁ፣ ክተርፈሎም ዘይክእል ዕዳ`ዩ ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ