S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሰላም ኣምላኽ ምሳኻትኩም ክኸውን እናተመነና፡ ብረዲኤት እግዚኣብሄር ምዝገባ 3ይ ሰመስተር ናይ 2022/23 ንምጅማር ተዳሊና ኣለና። ከምቲ ቅድሚ ሕጂ እትገብርዎ፡ እቲ ሓበሬታ ናብ ብዙሓት ምእንቲ ክበጽሕ፡ ኣብ መስመራት መራኸቢ ቤተ ክርስትያንና ክትዝርግሕዎ፡ መላግቦ ናይቲ መመዝገቢ ቅጥዒ ንሰደልኩም ኣለና።

ነባራት ተመሃሮ፥ Link

ሓደሽቲ ተመሃሮ፥  Link

ምምሕዳር ኮለጅ ስነመለኮት ተዋህዶ

ብሩኽ በዓለ ቅዱስ ዮሓንስን ሓድሽ ዓመተ ምሕረት [2018 ግእዝ] ይግበረልና።

ዎ ጎይታ ሰላምካ ሃበና፥ ካብ ኢድ ጸላእትና ኣናግፈና፥ ካብ ሕማምና ፈውሰና፥ ንስኻ ኩሉ እትኽል ኣምላክ ኢኻ'ሞ ንህዝብኻ ባርኮምን ሓልዎምን። ከምኡ'ውን፥ በቲ ዘይውዳእ ፍቕርኻ፥ ኣኽሊል ናይዚ ዓመት ባርኽ፥ ወሓዝን ፈልፋሊ ማያትን ባርኽ፥ ዘርእን ኣታኽልቲ ናይ'ዛ ምድሪ'ውን ባርኸልና። ኣሜን።

ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ ግቡእ መንፈስ ምትሕብባር ክህሉ ወይ ዘይክህሉ ናይ ደቂ ሰባት ድሌትን ብስለትን ምርጫን ይውስኖ። ኣብ ደቂ ሰባት ቅኑዕ መንፈስ ምትሕብባር ክህሉ ከሎ ኣብ ሂወቶም ረብሓ ኣለዎ። ኣብ ሕድሕዶም: ክብረት: ሓድነት: ጥምረት: ስምረት: ቅሳነት: ዕርቂ የኸትል። ከምኡ ውን ካብ ኣምላኽ ግቡእ ዓስቢ ኣይስኣንን። በንጻሩ ኣብ ደቂ ሰባት ምዕሩይ መንፈስ ምትሕብባር እንተ  ዘይሃልዩ ግን ኣብ ሂወቶም ክሳራ ኣሎዎ። ኣብ ሕድሕዶም  ሕስረት: ውርደት: ፍሽለት: ጥልመት ክፍኣት: ክሕደት የስዕብ። ብእኡ መጠን ከኣ ካብ ኣምላኽ ጸጋን በረኸትን ኣይርከብን። ኣብ ሕብረተሰብና ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ዓንቀፍቲ ምኽንያታት (ከም ኣብ ሕድሕድ ምንኻስን ምክሳስን) ኣብ ዕለታዊ ሂወትና ነዘውትሮ መንፈስ ምክብባርን ምትሕባርን ዛሕቲሉ ይርኤ ኣሎ። እቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ዘገርም ኣብ ገለ ደቂ ሰባት ዘይኮኑ ፍጥረታት ግን ኣብ ሕድሕዶም መንፈስ ምትሕብባር ከዘውትሩ ከም ባህርያዊ ተውህቦኦም መሲሉ ይርአ። ካብዞም ዝስዕቡ ደቂ ሰባት ዘይኮኑ ፍጥረታት ኣብ ሂወቶም መንፈስ ምትሕብባር ከመይ ኢሉ ከምዘገልግል ክንርኢ ኢና። ከምኡ’ውን ንሕና ደቂ ሰባት ስነ-ልቦና ሓዘል ትምህርቲ ገለ ኣይፍለጥን ካብዞም ዘይደቂ ሰባት ገለ እንተተማሃርና እንተቀሰምና ሓደ ሓደ ኣብነታት ከም መረዳእታ ንከታተል።

 "ከይርአኹምዎ ተፍቅርዎ፡ ሕጂ’ውን ከይርአኹምዎ ብእኡ ትኣምኑ ኣለኹም፡ ነቲ ናይ እምነትኩም መደምደምታ ዝዀነ ድሕነት ነፍስኹም ምስ ተቐበልኩም ከኣ ብኺንገር ዘይከኣል ክቡር ሓጐስ ትሕጐሱ ኣሎኹም።" 1ጴጥ 1፡ 8-9 ካ.ት (ዮሓ 20፡ 26-29)

ከም-ዝፍለጥ ኣብቲ ኩሉ ዝግበር ናይ ሕይወት-ጉዕዞ፣ ምውራድን ምድያብን ከጋጥም ባህርያዊ እዩ። ስለዚ`ውን ሓደ ሰብ ኮነ ሓደ ሕዝቢ፣ ብፈተና ተፈቲኑ ዘይሓልፍ ኣሎ ክበሃል ዝከኣል ኣይመስልን። ከመይሲ ኣብቲ ክግበር ዝኽእል ናይ ሕይወት ጉዕዞ፣ ብፈተና ዘይፍተን ሕይወት ኣሎ ክበሃል ስለ-ዘይከኣል እዩ። ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ፈተና ስዒሩ ክወጽእ ዝኽእል ግና፣ ኩሉ`ዩ ምባል ዘኽይድ ኣይኮነን። ስለዚ`ውን እቶም ብሥነ-ምግባር ዝተሓንፀ ስብእና ዘለዎም ኩሎም፣ ነቲ ክገጥሞም ዝኽእል ፈተና ብዓወት ስዒሮሞ ክወጹ ከለዉ፣ ብኣንጻሩ እቶም ናይ ሥነ-ምግባር ውድቀት ዘጋጥሞም ድማ፣ ብፈተና ተረቲዖም ክወድቁ፣ ክተርፈሎም ዘይክእል ዕዳ`ዩ ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል።

ንኣርባዕተ መዓልታት ክካየድ ዝቐነየ መበል 24 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ኣብ ከተማ ሲያትል ክፍለ ግዝኣት ዋሽንግቶን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ብርሃን ቅድስቲ ሥላሴ ይካየድ ድሕሪ ምቕናዩ  ብጸሎተ ቅዳሴ ብሰላም ተዛዚሙ።

ሰላመ እግዚኣብሔር ምሳኻትኩም ክኸውን ንምነ።

ናይ ዝሓለፈ ሰሚስተር፡ ዓመተ ትምህርቲ 2022/23፡ ብረዲኤት እግዚኣብሔር ብዓወት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2022 ተዛዚሙ። 

ቤት ትምህርቲ ስነ መለኮት ተዋሕዶ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ምምሕያሽ እንዳተገብረሉ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፥ ሰሙናዊ ብማንዛ (zoom) ስሩዕ ትምህርቲ ይወሃብ ኣሎ። ናይ ካልኣይ ሰመስተር ትምህርቲ ድማ ካብ 1 የካቲት 2023 ክጅምር እዩ። ቀዳማይ ሰሙን መእተዊ ናይዚ ሰመስተር ኮይኑ፡ እቲ ትምህርቲ ክሳብ ግንቦት 2023 ክቅጽል እዩ። በዚ መሠረት፥ ኩልኹም ዝነበርኩምን ሓደስትን ተመሃሮ  በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ መላግቦ ኣቲኹም ክትምዝገቡ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንሕብር።

1) ነባራት ተመሃሮ፡ ነባራት መምዝገቢ ቅጥዒ

2) ሓደስቲ ተመሃሮ፡ ሓደስቲ መምዝገቢ ቅጥዒ

ምምሕዳር ክፍሊ ተመሃሮ ሥነ መለኮት ተዋሕዶ።

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን።

ክቡራት ኣገልገልቲ ካህናትን ድያቆናትን ኩላትኩም ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ ሰላም ኣምላኽ ምስ ኩላትኩም ይኹን።

ኣምላኽ ረዲእና፡ መመዝገቢ መሕተት (ፎርም) ናይ 3ይ ክፍለ-ዓመት ዓመተ-ትምህርቲ 2025 ንሰደልኩም ኣሎና። ምዝገባ ካብ ሰኑይ 11 ክሳብ  ሰንበት 24 ነሓሰ 2025 ዓም ክካየድ እንኮሎ፡ ትምህርቲ ድማ 31 ነሓሰ 2025 ዓም ክጅምር እዩ። መላግቦ መመዝገቢ፥  https://forms.gle/C5ryVX43tzRQoSWt8

ክፍሊ ጉዳያት ተምሃሮ

ኮለጅ ስነመለኮት ተዋሕዶ

ምስጋና ነዘውትር ኣብ ዝኾነ እዋን:

ንኣደታትና ንኣንስትና ብጉቡእ ነመስግነን:

ደቂ ኣንስትዮ ይመስገና ብሓባር ኩለን:

እዘን ብሩኻት ኣሓትና መዘና ዘይብለን:

ንዝዓበና ንዝነኣስና ኣለይትና ንሰን:

ንዓና ኩርዓትና ሓበንና ንሳተን :

ክብሪ ንኣምላኽና ሞገስ ንዓታተን::

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div