S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ትምህርቲ ትምህርቲ ስማ ጥዕምቲ:

መብልዒት እንጀራ ቀለብ ሊቃውንቲ:

መጥፊኢት ድንቁርና ኣጽዋር ናይ መሃዝቲ:

ህያብ ናይ ፈጣሪ ምርኩስ ናይ መራሕቲ:

ብርሃን ናይ ነበርቲ ሻቁሎት ናይ ዓመጽቲ:

ጉዝጓዝ ናይ ደቂ ሰብ ናይ ስድራ ሕብስቲ:

ማሕበራዊ ክብረ-ጸጋ ቁጠባዊ ርስቲ:

ናይ ሓሳር መፍትሒ ዘይጠፍእ መብራህቲ:

ናይ መነባብሮ ብልሓት ናይ ስራሕ ናውቲ:

ናይ ፖለቲካ ልሳን ንሓቂ መማጎቲ:

ናይ መንእሰይ ተስፋ ናይ ሂወት ስጉምቲ:

ናይ ቁሩብ ዓመት ሽግር  ንሓዋሩ ሃብቲ:

ተማሃሩ  መንእሰያት ኩልኹም ናእሽቲ:

ዕድመ ኣይውስንን እንተላይ ዓበይቲ:

ክማሃር ኣለዎ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ:

ነጋዳይ ሓረስታይ ሓዊስካ ሹማምንቲ:

እርጋን ከየርከበ ከይከደ መዓልቲ።

ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር ኣሎ፡ እንተ ዘይህልው ግና ምነገርኩኹም ነይረ፡ ሕጂ ግና ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ ኣለኹ። ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም፡ ኣብ ኣነ ዘለኽዎ፡ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትህልው፡ ተመሊሰ ኽመጽእሞ፡ ምሳይ ክወስደኩምየ። ናብ ኣነ ዝኸደ መገዱ ትፈልጥዎ ኢኹም።  . . . መገድን ሓቕን ህይወትን ኣነየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።ዮሃ 142-4,6 .

ብመሰረት እምነትን ስርዓትን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ስሩዕ መንፈሳዊ ትምህርቲ፡ ቀኖና ቤተክርስቲያን፡ ማሕበራዊ ኣስተምህሮታት፡ መደባት ዜናን ሓበሬታን ብምድላው፡ ነቲ ጥዑይ ኦርቶዶክሳዊ እምነት ክርስትና ከም ዝዕቀብን ከም ዝሰፍሕን እናገበርካ፡ ንምእመናን ምምሃር: ምህናጽን ምጽንናዕን ብዝብል፡ ቲቪ ተዋሕዶ: ብሓድሽ መስመር ሳተላይት ክትጅምር እያ። በዚ መሰረት፡ ኣብዚ መላግቦ ብምጥዋቕ[Gofundme]፡ ሓገዝኩም ከተበርክቱ ብትሕትና ንሓትት።

ካብ ዓርቢ 24  ክሳብ ሰንበት 26  ሕዳር 2023 (ሕዳር ፲፬ - ፲፮ ሕዳር ፳፻ ዓ. ም ግእዝ) ንሰለስተ መዓልቲ ዝካየድ ሱባኤ (ጾምን ምህልላን) ክግበር ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ መንበረ-ጵጵስና ኣብ ስደት ንህዝቢ ኤርትራ ኣውጁ ኣሎ። እዚ ብምኽንያት እቲ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዘንጸላሉ ዘሎ ደበና-ኲናትን ወረ-ኲናት እዩ። ናይ ትማሊ ንብዓት ዓይኑ እናዛረየ፥ ዳግማይ ከምዚ ኩነት ክፍጠር ኣዝዩ ዘሻቐል እዩ። ስለዚ ምሕረት ምእንቲ ክንቅበል፡ ብጊዜ ጸበባውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ኽንረክብ፡ ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ።” ዕብራውያን 4 - 16።

መድኃኔ-ዓለም ኣምላኽና ሱባኤና ተቐቢሉ ሰላም ይሃበና። ኣሜን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: ቀኖናዊ መንበረ-ጵጵስና ኣብ ስደት
20 ሕዳር 2023

ምሉእ ትዝሕቶ ኣዋጅ ሱባኤ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: ቀኖናዊ መንበረ-ጵጵስና ኣብ ስደት

ብዙሕ ህዝቢ ይብሉኺ ሰላም

ብግእዝ ይብሉኺ ሰላም

ብኣራማይክ ይብሉኺ ሰላም

ብትግረ ይብሉኺ ሰላም

ብትግርኛ ይብሉኺ ሰላም

ብኣምሓርኛ ይብሉኺ ሰላም

ብዓረብ ይብሉኺ ሰላም

ብእብራይስጢ ይብሉኺ ሰላም

ካልኦት ውን ይብሉኺ ሰላም

ተደላይት ቃል ኣብ ኩሉ ዓለም።

ግናኸ ናይ ኵሉ ነገር መወዳእታ ቐሪቡዩ፡ ስለ ጸሊኹም ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ርእሶም ዚገትኡን ጥንቁቓትን ኩኑ። . . . ጊዜ ፍርዲ ቐሪቡዩ፡ ዚጅምሮ ኸኣ በቶም ኣብ ቤት ኣምላኽ ዘለዉዩ። ብኣና ዚጅምር ካብ ኰነኸ፡ እቶም ንወንጌል ኣምላኽ ዘይእዘዙ ደኣ መወዳእታኦም እንታይ ኪኸውንዩ፧ እቲ ጻድቕ (ብብዙሕ ጭንቂ) ዚድሕን ካብ ኰነኸ፡ እቲ ዓማጽን ሓጥእን ደኣ እንታይ ኪኸውንዩ።” 1ጴጥ 47,17,18 .







ዝተፈላለዩ መደባት ኣገልግሎት ዝሓቖፈ ዓመታዊ ጉባኤ 2021 መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ: ሎሚ ዓመትውን ብርሕቀት (Virtual Conference) ክካየድ'ዩ። ነዚ ብርሑቕ ዝወሃብ መንፈሳዊ ኣገልግሎትምእመናን ክትከታተልዎን ብጸሎት ክትሓብሩናን ብኣኽብሮት ንዕድም። እዚ መንፈሳዊ ኣገልግሎት፥ ካብ ሓሙስ 29 ሓምለ - ክሳብ ቀዳም 31 ሓምለ ((July 29 - 31) 2021 ካብ ርሑቕ ብቐጥታ (Live): ካብ ሰዓት 12:00 - 8:00 ምሸት ብምብራቓዊ (10:00 - 6:00 . ቀትሪ ብምዕራባዊ ) ኣቆጻጽራ ክዝርጋሕ እዩ።

Live https://www.facebook.com/EritreanOrthodoxChurch or https://www.facebook.com/tewahdoChurch

Live https://www.tewahdo.org/

መሪሕ ጥቕሲ - Theme Verse: - “ህድእ በሉ እሞ ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ኣስተብህሉመዝ 4610

ጉባኤ ዝካየደሉ: - ብርሕቀት - Virtual Conference

Conference 2021

Zoom Meeting: https://us02web.zoom.us/j/84005020278 

By phone, One tap mobile:

+13017158592,,84005020278#

+13126266799,,84005020278#

ገለ ካብ ትሕዝቶታት ዓመታዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ 2021

  1. ህድእ ምባል እንታይ ማለት እዩ? ቀሲስ ሓለፎም ዓ/ማርያም
  2. ኦርቶዶክሳዊ መገዲ ኣተኣላልያ መንእሰይ (2ይ ክፋል) ብቀሺ ቴድሮስ ተስፋይን ዲያ ተመስገን ኣስፈሃን

ዝርዝር መደባት ፕሮግራም- Program Detail - Click below to see detail

 

ዝሓለፉ ዓመታዊ ጉባኤታት

  ጉስነት ንኡስ ወለዶን ብድሆታቱን - 2ይ ክፋል

1. ቤት ትምህርቲ ዓለም ለኻዊ ትካል ኪኸውን ከሎ ስርዓተ ትምህርቲ (Curriculum) ግን ከመይ ዓይነት ወለዶ ኪፈሪ እዩ ዝድለ ዘሎ ተባሂሉ እዩ ብጥንቓቐ ዝቕረጽ።

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div