
"ምሸት ምስ ኰነ፡ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ብዙሓት ናብኡ ኣምጽኡ። እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ “ንሱ ድኻምና ወሰደ፡ ሕማምና’ውን ጾረ፡” ዝተባህለ ምእንቲ ኽፍጸም፡ ብቓሉ መናፍስቲ ኣውጽኣ፡ ሕማም ንዘለዎም ኵሎም ድማ ኣሕወዮም።" ማቴ 8:16,17።
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ሓሙሻይ ሰንበት ናይ’ዚ ዘመነ ክረምት’ዩ። ብመሠረት ሥርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሓምለ 24 ክሳዕ ሓምለ 29 ንዘሎ ቕንያት ዝተዳለወ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ፡ "በሰንበት ቦኣ ኢየሱስ" ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕም ትሕዝቶኡ ድማ፦
“ኣብ መዓልቲ ሰንበት ኢየሱስ ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣተወ። "ሰንበተይ ኣኽብሩ" ኢሉ‘ውን መሃሮም። ብሰንበት ኣጋንንቲ ኣውፅአ፡ ብቓሉ ለምጻማት ኣንጽሀ። ኣብ ሰንበት ኣብ ምድሪ ጡፍ ኢሉ፡ ጸብሪ ገበረ፡ ብጥፍጣፉ ዕዉር ኣሕወየ። እቲ ዚዘርእን ዚዓጽድን ሓቢሮም ምእንቲ ኺሕጐሱ፡ ደበናታት ናብ ኵላ ምድሪ ዝናም ምእንቲ ኼውርዱ፡ በቲ ንሱ ዚደልዮ መገዲ ይእዝዞም። ምድሪ ርእያ ኣመስገነቶ፡ ባሕሪ ድማ፡ ሰገደትሉ።
ንማይ ባሕሪ ብቓሉ ይጽውዖ፡ ናብ ገጽ ምድሪ ድማ፡ ይኽዕዎ ንሱ ጐይታኣ ንሰንበት’ዩ። ሰላም ይጽግው፡ በብዓመት ንዅሉ ፍጥረት ክረምቲ ይኸፍት።” ማለት’ዩ። እዚ ቕንያት’ዚ ናይ’ቲ "መብረቅ፡ ነጐድጓድ፡ ባሕር፡ ኣፍላግ" ዝተሰምየ ካልኣይ ንኡስ ዘመን፡ ካልኣይ ንኡስ ክፍሊ’ዩ። እቲ ነዚ ቕንያት’ዚ ተሰሪዑ ዘሎ መዝሙር፡ ጐይታና ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ከም ዝኣተወ ድሕሪ ምግላጹ፡ ክልተ ዓበይትን ኣገደስትን ግብርታት ናይ ጐይታ ጠቒሱ ኣሎ። እቲ ቐዳማይ ኣብ ልዕሊ ኣካላውን መንፈሳውን ሕማማት ዘርኣዮ ናይ ፍወሳ ተኣምራት ኪኸውን ከሎ፡ ካልኣይ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ሰማያትን ደበናታትን ዘለዎ መለኮታዊ ስልጣኑ ዚገልጽ’ዩ። ነዚ ዅሉ ድማ፡ ብቓሉ ኣዚዙ ኸም ዚትግብሮ ገሊጹልና ኣሎ። እቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ማቴ 8፡14-34 ንባብ ናይ ቅዱስ ወንጌል ድማ፡ ነቲ ጐይታና ኣብ ልዕሊ ሕማምን ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮን ዘለዎ መለኮታዊ ሥልጣን ዚገልጽ ትሕዝቶ ዘለዎ’ዩ። ክልቲኡ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ምስባክ፡ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ሓይሊ መልእኽቲ ናብ’ቲ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዘግሃዶ መለኮታዊ ሥልጣን ከነድህብ ዚመርሓና’ዩ። ምኽንያቱ ዘመነ ክረምት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ናይ’ዚ ንኡስ ዘመን መጸውዒ ስም’ውን ናብኡ ዘድሃበ’ዩ። ቅዱስ ያሬድ ብዛዕባ’ቲ ጐይታና ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዘለዎ ምልክን ሥልጣንን ድሕሪ ምጥቃሱ፡ "ምድርኒ ርእየቶ ወአእኰተቶ። ባሕርኒ ሰገደት ሎቱ" ብምባል "ዘመነ አኰቴት" ምዃኑ ገሊጹልና ኣሎ። "አኰቴት" ናይ ግእዝ ቃል ኰይኑ፡ ብትግርኛ ምስጋና ማለት’ዩ። ምኽንያቱ ነቲ ናይ ጐይታና፡ "እቲ ዘራእን እቲ ዓጻድን ብሓንሳብ ምእንቲ ኪሕጐሱ ኸኣ፡ ንዘለኣለም ህይወት (ዚኸውን) ፍረ ይእክብ" ዚብል ቃል መሠረት ብምግባር ዝበሎ’ዩ (መዝ 8:1,19:1, 50:6, 89:5, 97:6,148:3, 150:1-6፣ ራእ 4:8, 15:3-4)። በቲ ሰብ ዚጥቀመሉ ኣገባብ’ኳ እንተ ዘይኰነ፡ ሰማይን ምድርን፡ ብሓፈሻ ዅሉ ግኡዝን ህያውን ፍጥረት፡ ንእግዚአብሔር ይእዘዝን ክብሪ ይህብን’ዩ። እዚ ሓቂ’ዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብስፍሓት ተገሊጹ’ዩ። ስለ’ዚ እዚ ግኡዝ ምድርን ባሕርን ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ ግብሪ መለኮት ብቛንቋኡ የመስግንን ይውድስን እንተ’ልዩ፡ ንሕና’ዞም በርኣያ ሥላሴ ዝተፈጠርናኸ ደኣ፡ ማዕረ ኽንደይ ብምስትውዓልን ብምሉእ ሓጐስን ከነመስግኖን ከነኽብሮን ዘይግብኣና!! ነዛ "ጽቡቕ ማይ ሃሪሙና ጥሉል ክራማት ኰይኑልና" ኻብ ምባል ዘይሓልፍ፡ ነቲ ብልግሲ ዝዓደለና ሃያብ ኣምላኽ ምስጋና ዚነፍግ ኣረማዊ ኣካይዳ ኽንጽየፎ ዚግባእ’ዩ። ኣብ ባህልና፡ "ንወሃብ ጸባዶ ትኸልኦ ማይ ጸባ" ኸም ዚብሃል፡ ካብ’ዚ ዜሕፍርን ዜፍርድን ኣካይዳና ብንስሓ ኽንሓውይ ይግብኣና’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ካብ’ዚ ናይ ማቴ 8፡14-ፍጻመ ንባብና ዝተወስደ’ዩ።
መበቆላዊ ዕላማ እግዚኣብሄር ኣብ ሰብ፡ ሰላምን ድሓንን ጥዕናን በረኸትን’ዩ ዝነበረ። እንተ ዀነ ግን፡ ሰብ ነቲ ግሩም ምኽሪ ኣምላኽ ኬድንቖ ስለ ዘይከኣለ፡ ሕሱር ምርጫ መረጸ። "ሕማቕ ዘሎ ጽቡቕ ዘሎ ይመስሎ፡ ጽቡቕ ዘሎ ድማ ሕማቕ ዘሎ ይመስሎ" ከም ዝበሃል፡ እቲ ጽቡቕ ዝነበረ ሰብ፡ ኣእምሮኡ ኬጸልምት ካብ ምፍቃዱ ዝተላዕለ፡ ሕማቕ ዝነበረ ኰይኑ ተሰምዖ። እዚ ኣብ ክውንነት ዘይተመስረተ ባዶ ስምዒት ድማ፡ ግጉይ ሓሳብ ካብ ምሕሳብ ሓሊፉ፡ ግጉይ ስጕምቲ ኣብ ምውሳድ በጽሐ። እዚ ምብጻሕ’ዚ፡ ክውን ካብ ዝዀነሉ ስዓት ጀሚሩ ድማ፡ እቲ ይትረፍ ብግብርስ፡ ብወረ’ኳ ሰሚዕዎ ዘይፈልጥ ዝነበረ ኵሉ ክፉእ ነገር፡ ብፍጥነት ኣብ ህይወቱ ስጋ ኪለብስ ጀመረ። ህድኣት ብማዕበል፡ ሰላም ብውግእ፡ ጽጋብ ብጥምየት፡ ርውየት ብጽምኢ፡ ምልባስ ብዕርቃን፡ ሃብቲ ብድኽነት፡ ራህዋ ብጸበባ፡ ፍትሒ ብዓመጽ፡ ጥዕና ብሕማም፡ ሓርነት ብባርነት፡ ህይወት ብሞት ተተከኦ። እዚ ዅሉ ክፉእ ነገራት ናብ ሰብ ዘይኰነ መጺኡ ሰብ’ዩ ብምርጫኡ ናብኡ ከይዱ። እግዚኣብሄር በዚ ስጊንጥራዊ ዝዀነ ምርጫ ሰብ ማዕረ ኽንደይ ጓሂ ከም ዝተሰምዖ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘንበበን ዘጽነዐን ሰብ ንኺርድኦ ዜሸግሮ ኣይኰነን። ዋላ’ኳ እቲ ጕዳይ ብቐጥታ ንሰብ ዚምልከቶ እንተ ዀነ፡ ንእግዚኣብሄር ድማ ተሰሚዕዎ’ዩ። እዚ ስምዒት እግዚኣብሄር፡ ሓቀኛ ስምዒት ስለ ዝነበረ ድማ፡ ሰብ ናብ’ቲ ዝነበሮ ክብሪ ዝምለሰሉ ምኽሪ መኸረ። ዋላ’ኳ እቲ ዝተመኽረ ምኽሪ ከቢድን ህይወት ሓደ ወዱ ዘኽፍልን እንተ ዀነ ፡ ኪጓዓዞ ደኣ ወሰነ።
መሰረትን ድርኺትን ናይ’ዚ ውሳኔ’ዚ ግን እንታይ’ዩ ነይሩ፧ መሰረትን ድርኺትን ናይ’ዚ ውሳኔ’ዚ፡ “ፍቕሪ”’ዩ ዝነበረ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣብ ሰብ ዝነበሮን ዘለዎን ፍቕሪ፡ ብቓላት እቲ ድኹም ሰብ ኪግለጽ ዚኽእል ኣይኰነን። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብፍሉይ ፍቕሪ ዜፍቅሮ ንዝነበረ፡ ሃዋርያን ወንጌላውን ዝዀነ ኣቦና ዮሃንስ፡ ብዛዕባ’ዚ ፍቕሪ’ዚ ኪገልጽ ከሎ፡ ከምዚ ይብል፦ "ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዂሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።" ዮሃ 3:16
እዚ ፍቕሪ’ዚ ፍሉይ ፍቕሪ’ዩ። ሰብ ብኣእምሮኡ ሓሲብዎ ዘይፈልጥ፡ በዒንቱ ርእይዎ ዘይፈልጥ፡ በእዛንኑ’ውን ሰሚዕዎ ዘይፈልጥ፡ ፍሉይ ፍቕሪ’ዩ። ምኽንያቱ እዚ ፍቕሪ’ዚ፡ ንጸላእትኻ ዘፍቅር ፍቕሪ’ዩ። ጸላእትኻ ብህይወት ንኺነብሩ፡ ንገዛእ ርእስኻ መስዋእቲ ዘግብር ፍቕሪ’ዩ። ብመሰረት ቃል ኣምላኽ እታ ሓቀኛን ኣምላኻዊትን ፍቕሪ ብኸምዚ ዚስዕብ ኣገላልጻ’ያ ተገሊጻ ዘላ፦ "ፍቕሪ ዓቃል’ያ፡ ፍቕሪ ለዋህ’ያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕን፡ ኣይተስተሓፍርን፡ ናታ ኣይትደልን፡ ኣይትምረርን፡ ኣይትቕየምን’ያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ’ምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላን። ኵሉ ትጸውር፡ ኵሉ ትኣምን፡ ኵሉ ተስፋ ትገብር፡ ኵሉ ትዕገስ። ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን’ያ።" 1ቈረ 13:4-8
እዛ ፍቕሪ’ዚኣ ድማ ነቲ ብባህርይኡ መንፈስን ረቂቕን ዘይረአን ዝኹነ እግዚኣብሄር ወልድ፡ ስጋ ሰብ ለቢሱ ከም ዝጋሃድ ኣግበረቶ። ካብ ስላሴ ሓደ ኣካል ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ስጋ ሰብ ዝለበሰሉ ምስጢር፡ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም እቲ ዚዓበየን ብቓላት ሰብ ኪግለጽ ዘይከኣልን ፍሉይ ጥበብ ኣምላኽ’ዩ። እዚ ፍቕሪ’ዚ ንሰብ እኳ ዓቢይ ምድሓን እንተ ኣምጸኣሉ፡ ንጐይታ ዘኽፈሎ ዋጋ ግን፡ ከቢድን መሪርን ምዃኑ ኪዝንጋዕ ዘይግብኦ ሓቂ’ዩ። ነዚ ምድሓን’ዚ ኣብ ህይወትና ብግብሪ ክንዝርዝሮ ከለና፡ ካብቲ ብዙሕ ሒደት፡ ንድኻምና ምውሳዱን ንሕማምና ምጻሩን ክንርእይ ንኽእል ኢና።
ድኻም እንታይ ማለት’ዩ፧ ትርጕም ድኻም ዝብል ቃል ክንርእይ ከለና፦ ሓይሊ ናይ ኣካላት ዚንክየሉ እዋን፡ ሓይሊ ምስኣን፡ ስንፍና፡ ሕመቕ፡ ጐደሎነት። ብተመሳሳሊ ድማ ጕድለት፡ መንቅብ፡ ሕመቕ (ኣብ ኣሰራርሓ፡ ኣተሓሳስባ፡ ውሳነ ወዘተ) ዘስምዕ’ዩ። ትርጉም ድኻም እዚ ካብ ኰነ፡ ሰብ ኣብ ጽድቂ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንግብሪ ጽድቂ ብዘይ ዝዀነ ድኻም ይገብሮ ከም ዝነበረ ኢና እንርዳእ። ድሕሪ ውድቀት ግን፡ እዚ ሓይሊ’ዚ ብድንገት ጠፍአ። ክብሪ ነቲ ንሕና ሓይሊ ምእንቲ ክንረክብ ኢሉ ኣብ መስቀል ዋጋ ዝኸፈለልና ጐይታ ኢየሱስ። እቲ ኣዝዩ ባህ ዘብለካ ድማ፡ ሰብ ንጽድቂ ዝኸውን ሓይሊ እንተ ደኣ ረኺቡ፡ ብእኡ መጠን ድማ ንሓጢኣት ዝዀኖ ሓይሊ ዚስእን ምዃኑ’ዩ። መጽሓፍ ቅዱስና ብዛዕባ’ዚ ሓቂ’ዚ ብዙሕ ተዛሪቡ’ሎ።
ኣቦና ሙሴ፡ ነቲ ኣብ ኵሉ ጕዕዞ ህይወቶም ዚረድኦም እግዚኣብሄር ኬመስግኖ ከሎ፡ ከምዚ ዚስዕብ በለ፦ "ግብጻውያን ግና ክፋእ ገበሩና፡ ኣጥቅዑና፡ ብርቱዕ ዕዮ ድማ ጸዐኑና። ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና ኸኣ ተማህለልና፡ እግዚኣብሄር ድማ ቃልና ሰምዔ፡ ምጥቃዕናን ድኻምናን ምጽቃጥናን ከኣ ረኣየ። እግዚኣብሄር ድማ ብሓያል ኢድን ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ብዓበይቲ መፍርህን ብትእምርትታትን ብተኣምራትን ካብ ግብጺ ኣውጽኣና።" ዘዳ 26:6-8
ድኻም ኣብ ህይወት ሰብ፡ ክንዮ’ቲ ኣብ ኣካልና ማለት ኣብ ስጋና ዜስዕቦ ኣሉታዊ ጽልዋ፡ ኣብ ስነ-ኣእምሮና ዚገብሮ ተጽዕኖ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ። እዚ ክባደት’ዚ ድማ፡ ነቲ ኣብ ስጋና ዘሎ ድኻም ብተዓጻጻፊ ከም ዚውስኽ’ዩ ዝገብሮ። ሰብ ዕድመ እናደፍአ ብዝኸዶ መጠን፡ ስጋኡ እና ደኸመ ከም ዝኸይድ እቲ ሕጂ ዘሎ ተፈጥሮና ይነግረና’ዩ። እዚ ጉዳይ’ዚ ዜጨንቖ ሰብ፡ ነቲ ዘጋጥሞ ዘሎ ድኻም ብምጕርምራም ስለ ዚቃለሶ፡ ቅድሚ ስጋኡ ኣእምሮኡ ኪደክም ብግዲ’ዩ። ኣእምሮ ምስ ደኸመ ድማ፡ ድኻም ናይ ኣካል ማለት ስጋኡ ብተዓጻጻፊ ፍጥነት ኪጓዓዝ ግድን ኪኸውን’ዩ።
ናይ ኣምላኽ ሰባት ግን፡ ንእግዚኣብሄር ካብ ምጥማቶም ዝተላዕለ፡ ኣንጻር’ቲ ንቡር ናይ ተፈጥሮ ሕጊ፡ ብሓይሊ’ቲ ሕጊ ዘቖመ እግዚኣብሄር ኪጓዓዙ ክኢሎም’ዮም። እዛ ምጥማት’ዚኣ ኣብ ጊዜ ድኻምካ፡ ሓይሊ እተውህበካ ፍልይቲ ምጥማት’ያ። እዛ ምጥማት’ዚኣ ሓይሊ ከም ዝተውህበካ ኣብ’ዚ ዚስዕብ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስና ክንርእ ንኽእል ኢና፦
"ንድኹም ሓይሊ ይህብ፡ ንስኑፍ ከኣ ብርታዐ ይውስኽ። ኣጒባዝ ይደኽሙን ይሕለሉን፡ ኣባጽሕ ድማ ሰንከልከል ኢሎም ይወድቁ፡ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ’ሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ’ሞ ኣይደኽሙን።" ኢሳ 40:29
"ንድኹም ብቓል ገይረ ምጽንናዕ ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ምሁራት ልሳን ሃበኒ። ኣብ ጸጽባሕ የንቅሕ፡ ከም ተመሃሮ ኽሰምዕስ፡ ንእዝነይ የንቅሖ፡ ከም ተመሃሮ ኽሰምዕስ፡ ንእዝነይ የንቅሖ።" ኢሳ 50:4።
ኣብዘን ክልተ ጥቕስታት ትዕዝብቲ እንተ ደኣ ወሲድና፡ ግደ እግዚኣብሄርን ግደ ሰብን ጐሊሑ ተራእዩ ከም ዘሎ ከነስተውዕል ንኽእል ኢና። ግደ እግዚኣብሄር ሓይልን ጽንዓትን ከምኡ’ውን ንቕሓትን ናይ ምሁራት ልሳንን ምሃብ ኪኸውን ከሎ፡ ናይ ሰብ ግደ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ከይተሓለልካ ምጽባይ’ዩ። እግዚኣብሄር ንዚጽበይዎ ዘበሉ ዘየሐፍር እሙን ኣምላኽ’ዩ። ሰባት ከይተሓለሉ ኪጽብዩ ፍቓደኛታት እንተ ዘይኰይኖም ግን ኣብ ህይወቶም ዚኸስርዎ ክሳራ ማእለያ የብሉን።
ብዙሓት ቅዱሳን፡ ነዚ ቓል’ዚ ካብ ምእማኖም ዝተላዕለ፡ ንጊዜ ድኻሞም ብሓይሊ ኪሰግርዎ ክኢሎም’ዮም። ገለ ካብኦም ድማ ኣቦና ካሌብ ክንጠቕሶ ንኽእል ኢና።
“ደቂ ይሁዳ ድማ ናብ ጊልጋል ናብ እያሱ ቐረቡ፡ ካሌብ፡ ወዲ የፋነ እቲ ቀኔዛዊ፡ ከኣ በሎ፡ “እግዚኣብሄር ንሙሴ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ኣብ ቃዴስ - ባርኔዓ ብዛዕባይን ብዛዕባኻን” ዝበሎ፡ ንስኻ ትፈልጥ ኣለኻ። እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ነታ ምድሪ ኽስልይ፡ ካብ ቃዴስ - ባርኔዓ ኺሰደኒ ኸሎ፡ ኣነ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ነበርኩ’ሞ ከም’ቲ ኣብ ልበይ ዝነበረ ቓል መለስኩሉ። እቶም ምሳይ ደዪቦም ዝነበሩ ኣሕዋተይ ንልቢ እቲ ህዝቢ ኣሸበርዎ፡ ኣነ ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ ፈጺመ ሰዐብክዎ። ሙሴ ድማ በታ መዓልቲ’ቲኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ ፈጺምካ ሰለ ዝሰዓብካዮ፡ እታ እግርኻ ዝረገጸታ ምድሪ ንኣኻን ንደቅኻን ንዘለኣለም ርስቲ ትኹን፡ ኢሉ መሓለ። ሕጂ ድማ እንሆ፡ እቲ እስራኤል ኣብ በረኻ ኺመላለስ ከሎ፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ እዚ ቓል’ዚ ኻብ ዚነግሮ፡ ከም’ቲ ዝበሎ፡ እግዚኣብሄር እዘን ኣርብዓን ሓሙሽተን ዓመት ብህይወት ኣጽንሓኒ። ሕጂ ኸኣ፡ ኣነ ሎሚ ወዲ ሰማንያን ሓሙሽተን ዓመት ኰይነ ኣለኹ። ከም’ታ ሙሴ ኺልእከኒ መዓልቲ፡ ሎሚ ኸኣ ሓይለይ ከምኡ ኣሎ፡ ንውግእ ኰነ፡ ንምውጻኣ ኰነ፡ ንምእታው ኰነ፡ ሓይለይ ከም’ቲ ሽዑ ዝነበሮ፡ ሕጂ ሓይለይ ከምኡ ኣሎ። ሕጂ ኸኣ፡ ከም’ቲ እግዚኣብሄር በታ መዓልቲ’ቲኣ ዝተዛረቦ፡ እዚ ኸረን’ዚ ሃበኒ። ዓናቃውያንን ዓበይትን ዕሩዳትን ከተማታት ድማ ከም ዘለውዋ፡ ንስኻ በታ መዓልቲ’ቲኣ ሰሚዕካ ኢኻ’ሞ፡ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ምሳይ ይኸውን፡ ከም’ቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸኣ፡ ክሰጎም’የ። እያሱ ድማ ንካሌብ ወዲ የፋነ መረቖ፡ ኬብሮን ከኣ ንርስቲ ሃቦ። ካሌብ፡ ወዲ የፋነ እቲ ቄኔዛዊ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ፈጺሙ ስለ ዝሰዐቦ፡ ኬብሮን ክሳዕ ሎም መዓልቲ ርስቱ ዀነት። ቀደም ስም ኬብሮን ቂርያት ኣርባ ነበረ። ኣርባ እቲ ኣብ ማእከል ዓናቃውያን ዚዐብዮ ዝነበረ ሰብኣይ እዩ። እታ ሃገር ድማ ካብ ውግእ ዓረፈት” ኢያ 14:6-15
ኣቦና ካሌብ ኣብ ብሉይ ኪዳን ካብ ዝነበሩ ጀጋኑ ናይ እምነት ኣቦታት ሓደ’ዩ። ስለ ዝዀነ ድማ’ዩ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ከሎ ዝነበሮ ሓይሊ ከይጐደለ፡ ንኣርባዓን ሓሙሽተን ዓመት ስለ ዘጓዓዞ’ዩ፡ ወዲ ሰማንያን ሓሙሽተን ዓመት ኣብ ዝነበረሉ ዕድመ ብሓይሊ ኪኣትውን ኪወጽእን ዚኽእል ዝነበረ። እቲ ብእምነት ንክርስቶስ ካብ ርሑቕ ርእዩ ተሳሊሙ ዝሓለፈ ቅዱስ ኣቦ፡ ክሳዕ ክንድዚ ካብ ድኻም ተገላጊሉ ሓይሊ ኪዕጠቕ ካብ ከኣለ፡ እቶም ናይ ሓድሽ ኪዳን ኣመንቲ፡ ነቲ ድኻምና ወሲዱ ሓይሊ ዝሃበና ክርስቶስ ብቐረባ ዝረኣናዮን ዝረምሰስናዮን ድኣ ክሳዕ ክንደይ ክንሕይል ዘይግብኣና። ብተመሳሳሊ’ውን ብዛዕባ’ቶም ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበሩ ቅዱሳን ማዕረ ኽንደይ ካብ ድኻም ሓራ ከም ዝነበሩ፡ ከምኡ ድማ ብሓይሊ ምሉኣት ከም ዝነበሩ ብኸምዚ ኣገላልጻ ገሊጽዎም ኣሎ፦
"ንሓይሊ ሓዊ ኣጥፍኡ፡ ካብ ስሕለት ኣስያፍ ደሓኑ፡ ካብ ድኻም በርትዑ፡ ኣብ ውግእ ሓየሉ፡ ንሰራዊት ኣህዛብ ኣህደምዎም።"
መጽሓፍ ቅዱስና ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኪጠቅስ ከሎ፡ ንድኻምና ኺድንግጸልና ዝኽእል ኣምላኽ ምዃኑ’ዩ ጠቒሱልና ዘሎ። እዚ ድንጋጸ ጐይታ’ዚ፡ ኣባና ኬስልጥን ህያውን ንኽኸውን፡ እቲ ካባና ንእኡ ዘድልዮ ነገር፡ ንእኡ ምእማን ጥራሕ ምዃኑ’ዩ ተነጊሩና ዘሎ፦
"ደጊም ብዘይ ሓጢኣትሲ፡ ብዂሉ ኸም’ዚ ኸማና እተፈተነ’ዩ’ምበር፡ ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይኽእል ሊቀ ኻህናት የብልናን’ሞ፡ ብሰማያት ዝሓለፈ ዓብዪ ሊቀ ኻህናት፡ ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ ካብ ዚህልወና፡ ምእማንና ነጽንዕ።" እብ 4:14,15
መጽሓፍ ቅዱስና፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ’ቲ ኣርዑት ህይወት ዝዀነ “መንፈስ ድኻም” ከም ዝፈወሰና ነጊሩና ኣሎ። ጐይታ፡ ነቲ ኣብ ስጋ ሰብ ዝሓደረ መንፈስ ድኻም፡ እንተ ዘይወቒዕዎ፡ ክሳዕ ሞት ኬብጽሕ ዚኽእልን ንዅለንትናኻ ዚጨባብጥን ክፉእ ኣርዑት ምዃኑ ካብ ቅዱስ ቃሉ ሰሚዕና ኣለና። ናይ’ዚ ኣብነት ድማ እታ ንኣስታት ዓሰርተው ሸሞንተ ዓመታት ሕቑኣ ዝጐበጠት ጓል ኣብርሃም’ያ። እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝዀነ ጐይታ፡ ነታ ምቕናዕ ስኢና ክነሳ፡ ግን ከኣ ከይተሓለለት ናብ ቤት ጸሎት ብድንንታ ትመላለስ ዝነበረት ጓል ኣብርሃም፡ ሓደ መዓልቲ ጊዜ ምቕንዓ በጽሐ። ንመንፈስ ድኻም ኣሊዩ፡ መንፈስ ሓይሊ ኣብ ህይወታ ኣተወ። እታ ጐቢጣ ዝነበረት ድማ ቀንዐት። ሎሚ’ውን ኣብ ህይወትና ኣብቲ ስጋዊ ይኹን መንፈሳዊ ኣካልና ዘይቀንዐ፡ ማለት ዝጐበጠ ነገር እንተ ደኣ ኣሎ ኰይኑ፡ ኬቕንዓና ዝኽእል ንሱ በይኑ ጐይታ ምዃኑ ተረዲእና ንእኡ ካብ ምጥማት ኣይነቋርጽ። ወንጌላዊ ሉቃስ ነዚ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ ምድሓን ጓል ኣብርሃምን ከምኡ’ውን ውርደት ሰይጣንን ከይጠቀሶ ኪሓልፍ ኣይደለየን። መንፈስ ቅዱስ’ውን ካብ’ዚ ፍጻመ’ዚ ’ንምሃረሉ ነገር ከም ዘሎ ፈሊጡ’ዩ ንሉቃስ ከም ዚጽሕፎ ዝገበሮ።
"ብሰንበት ኣብ ሓንቲ ቤት ጸሎት ኰይኑ ይምህር ነበረ። እንሆ፡ ኣብኣ ኻብ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ሒዙ መንፈስ ድኻም ዝሐደራ ሰበይቲ ነበረት። ንሳ ኸኣ ጕቢጣ ነበረት፡ ክትቀንዕውን ከቶ ኣይተኻእላን። ኢየሱስ ምስ ረኣያ፡ ጸዊዑ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ ካብ ሕማምኪ ተፈቲሕኪ ኣሎኺ፡ በላ። ኢዱ ኣንበረላ፡ ብኡብኡ ቐንዔት፡ ንኣምላኽ’ውን ኣመስገነቶ።" ሉቃ 13:10-13።
ካብ ድኻም ምእንቲ ክንድሕን፡ ክንገብሮ ዝግብኣና እንታይ’ዩ፧ ድኻምና ብሓይሊ ኪትካእ እንተ ደኣ ደሊና፡ ክንገብሮም ካብ ዘለና ነገራት ሓደ፡ ጸሎት’ዩ። ኣብ ጸሎት ረድኤት መንፈስ ቅዱስ ኵሉ ጊዜ ህሉው’ዩ። እዚ ረድኤት’ዚ ንድኻምና ዚድግፍ’ዩ። ስለዚ ድማ’ዩ ቃል ኣምላኽ ከም’ዚ ዝብለና፦ "መንፈስ ድማ ከምኡ ንድኻምና ይድግፎ’ዩ። ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ኸም ዚግብኣና፡ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ስለ’ዚ እቲ መንፈስ ባዕሉ’ዩ ብዘይንገር እህህታ ዚልምነልና።" ሮሜ 8:26
እቲ ንሎሚ ’ንርእዮ ካልኣይ ፍረ ወይ ውጽኢት መስቀል ድማ ንሕና ምእንቲ ክንፍወስን ክንጥዕን ኢሉ ንሕማምና ከም ዝጾሮ’ዩ። እዚ ጐይታ ኣባና ዚፈጸሞ ፍጻመ ብልክዕ ክርድኣና ምእንቲ ክኽእል ግን ሕማም እንታይ ምዃኑ ክንፈልጦ ግቡእ’ዩ።
ሕማም እንታይ ማለት’ዩ፧
1.ጥዕና ምስኣን፣ ምጽላእ።
2.ጽላለ፣ ቅጥዒ ዘይብሉ ናብ ሓደ ነገር ምግዳስ።
3. ዕንቅፋት፣ ሽግር፣ ሕማቕ ኣመል፡ ወልፊ ወዘተ። ሕማም ዝብል ቃል ክንምርምሮ ከለና ብውሕዱ እዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ትርጕማት ከም ዘለውዎ ክንርዳእ ንኽእል ኢና።
ብዛዕባ ጥዕና ምስኣን፡ ኣፍልጦ ዘይብሉ ሰብ ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ኣይከኣልን’ዩ። ምኽንያቱ ሰብ ኣብዛ ምድሪ’ዚኣ ክሳዕ ዝሃለወ፡ መጠኑን ዓይነቱን፡ ማለት ክብደቱ ደኣ ይፈላለ ይኸውን’ምበር፡ ምስ ሕማም ግብራዊ ዝዀነ ሌላ ዘይብሉ ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ነዚ ሕማም’ዚ ወሲዱ’ዩ፡ ነቲ ናቱ ጥዕናን ፈውስን ሂቡና። ክንዮ ኵሉ ዓይነት ሕማማት፡ ሞትና ከይተረፈ’ውን’ዩ ወሲዱ፡ ኣብ ክንድኡ ህይወት ዝሃበና። እቶም ካልኦት ዓይነት ሕማማት’ውን፡ ማለት ጽላለ ይኹን ዕንቅፋት ተተርጕሙ ዘሎ ኵሉ ዓይነት ሽግር፡ ጐይታ ኣብ መስቀል ወሲዱልና’ዩ።
ኣብዚ ክንርድኦ ዝግብኣና መሰረታዊ ሓቂ ግን ኣሎ። ንሱ ኸኣ እዚ ለቢስናዮ ዘለና ስጋ ኪሓጥእን ኪሓምምን ኣብ መወዳእታ ድማ ኪመውትን ዚኽእል ምዃኑ’ዩ። ኣብ እንሓጥኣሉ ይኹን እንሓመሉ እዋን ብትሕትናን ብንስሓን ንጐይታ ንጠምት። ምንጻህን ፈውስን ካብኡ ክንረክብ ኢና። በዚ ዅሉ ሓሊፍና ክነስና ምናልባት ስጋና ከይተፈወሰ ከም ኣቦና ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ እንተ ጸናሕና ግን፡ ንሕማምና ብጸጋ ክንቅበለሉ ዘኽእለና ዕዙዝ ጸጋ ከም እተዋህበና ክንግንዘብ ይግባእ። ኢድ እግዚኣብሄር ንፈውሲ ሓጻር ዘይኰነት ክነሳ፡ ስለምንታይ ደኣ’ዩ ከምዚ ዓይነት ጥበብ ዚጥቀም ዝብል ሕቶ ምሕታትና ኣይተርፍን’ዩ። እቲ መልሲ፡ ንሱ ጥራይ’ዩ በቲ ልኡላዊ ፍልጠቱ ዚፈልጦ ዝብል’ዩ።
ስለዚ ኣብ መደምደምታ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ካብ ዝወዓለልና ውዕለት፡ ንድኻምና ምውሳዱን ንሕማምና ምጻሩን ገለ ካብቶም ብዙሓት ውዕለቱ ከም ዝዀኑ ፈሊጥና፡ ብርድኢትን ብምስትውዓልን ከነመስግኖን ከነኽብሮን ይግብኣና’ዩ።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
|
2 ነሓሰ 2026 | ሓምለ 26, 2018 ግዕዝ (መበል 47 ሰንበት) |
||
|
ምስባክ መዝ: ፷፬(፷፭)፡፱ "ሐወጽካ ለምድር ወአርወይካ። ወአብዛኅኮ ለብዕላ። ፈለገ እግዚአብሔር ምሉእ ማያተ።" "ንምድሪ ትበጽሓን ዕልቕልቕ ተብላን፡ ኣዚኻ ተሀብትማ፡ ርባ ኣምላኽ ማይ መሊኡ’ዩ። ንምድሪ ኸምዚ ጌርካ ምስ ኣዳሎኻያ፡ እኽሊ ተዳልወሎም።" |
ንባባት |
ኣንባቢ |
| ቈሎ 1፡1-11 |
ዲያቆን |
|
| ያእ 1፡5-14 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
| ግብ 27-12-20 |
ንፍቅ ካህን |
|
|
ማር 6፡47-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
|
ቅዳሴ ፦ ዘእግዚእነ| መዝሙር፦ አርውዮ ለትለኒሃ |
|
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ