S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።

ፍቁራን ማሕበረ ምእመናንን ምእመናትን ሕዝበ ክርስቲያን፣ እንቋዕ ናብ ጥንታዊ ሓድሽ ዓመት ቤተ ክርስቲያን፡ በዅሪ ዕለትን ወርሕን ዓውደ ዓመት ግእዝ ኣብጽሓኩም።

ሓደ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ።ኣነ ክርስቶስእናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጽዮም፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱዮም። ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም። ኣስተውዕሉ፡ (ግናኸ) ኣይትሰምብዱ። እዚ ዅሉ ኪኸውን ናይ ግድንዩ። እንተ ዀነ መወዳእታ ሽዑ ኣይኰነን። ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺለዓልዩ። ኣብ ኵሉ ቦታታት ከኣ (ጥምየትን ፌራን) ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውንዩ። እዚ ዅሉ መጀመርታ ቕልውላውዩ።ማቴ 244-8 .

ዓመታዊ ርክበ ካህናት መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ፡ ሎሚ ዓመት'ውን ንመበል 9 ዓመት ንሠለስተ መዓልታት ክካየድ እዩ። እቲ ካብ ረቡዕ 3 መጋቢት ክሳብ ዓርቢ 5 መጋቢት (March 3-5) 2021 .. ብናይ ርሕቀት መስመር ክካየድ እዩ። ኣብዚ መደብ ክትሳተፉ እትደልዩ ውሉደ ክህነት፥ ኣብዚ መመዝገቢ'ዚ [Form] ብምጥዋቕ ክትምዝገቡ ነዘኻኽር።

ብሓዋርያዊ መሪሕነት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ 3 ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ዝምእከልን ብቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ-ዲበኵሉ ዝመሓደርን ቀኖናዊ ንኡስ ሃገረ ስብከት ካናዳ ካብ ጥሪ 2021 . ብወግዒ ቆይሙ መንፈሳዊ ሥርሑ ጀሚሩ ኣሎ። ነዚ ንኡስ ሃገረ ስብከት እዚ ንምቛም ብመንበረ-ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ዝተመደቡ ኣቦታት ካህናት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዞም ምስ ኩሎም ኣቦታት ውሉደ-ክህነት ነበርቲ ካናዳ ዝኾኑ መንፈሳዊ ዘተን ልዝብን ከካይዱ ድሕሪ ምጽናሕ፥ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ብርትዓዊ መገዲ ሰለስ ኣባላት ዝሓዘት ጊዚያዊ መንፈሳዊ ምምሕዳር ብምምራጽ እዩ ብወግዒ ቆይሙ ዘሎ።

ነበሥር ቅዱስ ብሥራት

ከም ማርያም መግደላዊት፡

ኣይንደንጒ ንሓንቲ ኻልኢት

ብዝተወገዙ ፓትርያርክ ዝሽየሙ ጳጳሳት: ንመርገም እምበር ንበረኸት ኣይኮኑን።

“ኣቦኻ ቀቲሎም ኣቦ ኣይሃቡኻ” ዝብል ብሂል ኣበው፥ ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ኤርትራ ተራእዩ ኣሎ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ተፈጺሙ ዘሎ ገበን ኣብ ታሪኽ ዓለም መጀመርታ ዝተፈጸመ ግፍዒን ብድዐን እዩ። ከመይሲ ብመሪሕነት ዝለዓለ ሥልጣን ቤተ ክርስቲያን፥ ብዕድመ ወዲ 96 ዓመት፥ ብግፍዒ ተኣሲሮም ብፖሊስ ዝሕለዉ፥ ከሰስቶም፥ ዳነይቶም ፈረድቶም፥ ሓደ ዝኾኑ፥ ኣብ ታሪኽ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ እዮም።

ከም-ዝፍለጥ ኣብ ዋዜማ በዓል ሓዲሽ-ዓመት ኢና ንርከብ ዘሎና። እዚ ማለት ድማ ነቲ ምሳና ክጎዓዝ ዝጸንሐ፣ 2013 ዓ/ም ዘመነ-ማቴዎስ ኣፋኒና፣ 2014 ዓ/ም ዘመነ-ማርቆስ ክንቕበል ማለት`ዩ። ነዚ ተኸቲሉ`ውን፣ ኣብቲ ክንቕበሎ ዘሎና ሓዲሽ-ዓመት፣ ብዙሕ ዝዓይነቱ ተስፋን ትጽቢትን ክህልወና ከም-ዝኽእል፣ ከም ርዱእ ዝውሰድ እዩ። ከመይሲ ሃይማኖት ዘለዎ ሰብ፣ ኩሉ ግዜ እምነቱ ኣብ እግዚኣብሔር ብምግባር`ዩ፣ ብተስፋ ዝነብር። ከምኡ ስለ-ዝኾነ ድማ`ዩ ቅዱስ-ዳዊት`ውን “-እስመ በተስፋ ኀደረ ሥጋየ-” ክብል እንሰምዖ።

እምበኣርስ ንኣምላኽ ተገዝእዎ፡ ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎሞ፡ ንሱ ኻባኻትኩም ኪሃድምዩ።"ያእ 47

2023/4 ዓ.ም (2016 ዓ.ም ግእዝ)

በዓል ዕለት ብግእዝ Fast or Feast ዕለት ፈረንጂ
ርእሰ ዓውደ ዓመት 1 መስከረም St John Feast - New Year)    12-Sep
መስቀል 17 መስከረም Feast of the Cross 28-Sep
ጾመ ነብያት 15 ሕዳር - 28 ታሕሳስ Nativity Fast Nov. 25 -Jan 6

Fasts 

and

Feasts

 

2024

ልደት 29 ታሕሳስ 29 The Holy Nativity Feast 7-Jan
ግዝረት 6 ጥሪ 6 The Circumcision Feast 15-Jan
ጥምቀት 11 ጥሪ 11 The Holy Epiphany 20-Jan
ጾመ ነነዌ 18 -20 ለ(የ)ካቲት  Jonah's (Nineveh) Fast Feb 26-28
ዓብዪ ጾም 2 መጋቢት - 27 ሚያዝያ Holy Great Fast March 11 – May 5
ሆሣዕና 1 ሚያዝያ Hosanna Sunday 28-Apr
ስቅለተ ክርስቶስ 6 ሚያዝያ Good Friday 3-May
ትንሣኤ 8 ሚያዝያ Resurrection 5-May
በዓለ ዕርገት 6 ሰነ Feast of Ascension 13-Jun
በዓለ መንፈስ ቅዱስ 16 ሰነ Pentecost 23-Jun
ጾመ ኃዋርያት 17 ሰነ - 4 ሓምለ Apostles' Fast June 24 – July 11
ጾም ፍልሰታ 1 -15 ነሓሰ St. Mary’s Fast August 7-21

በዓላትን ኣጽዋማትን (Past)

ተመስገን ኣምላኸይ ሓለቓ ናይ ጓሶት

ተመስገን ኣምላኸይ ሓለቓ ናይ ጓሶት፡

ንህዝቡ ዚመርሕ ብብዙሕ ብሒደት፡

መጓሰ ምስ ተዘርወ፡ ብትልሚ ናይ ሓሶት:

 እንጦንዮስ ወመቃርዮስ ዘትረፍካልና ሰረት።

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div