ቅዱስ ሓዋርያ ጴጥሮስ ኣቐዲሙ፥ ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ ከም ዝግባእ ሓቢሩና እዩ። ብዙሕ ኣማኒ ክርስቲያን ድማ ነዛ ኣገዳሲት ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እንዳ ኣንበባን እንዳ ፈለጣን ከሎ እዩ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ካብታ ጸባብ መገዲ ሓቂ ከንደልህጽ ዝርአ።
ዝተፈላለዩ መደባት ኣገልግሎት ዝሓቖፈ ዓመታዊ ጉባኤ 2021 መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ: ሎሚ ዓመት’ውን ብርሕቀት (Virtual Conference) ክካየድ'ዩ። ነዚ ብርሑቕ ዝወሃብ መንፈሳዊ ኣገልግሎት: ምእመናን ክትከታተልዎን ብጸሎት ክትሓብሩናን ብኣኽብሮት ንዕድም። እዚ መንፈሳዊ ኣገልግሎት፥ ካብ ሓሙስ 29 ሓምለ - ክሳብ ቀዳም 31 ሓምለ ((July 29 - 31) 2021 ካብ ርሑቕ ብቐጥታ (Live): ካብ ሰዓት 12:00 - 8:00 ምሸት ብምብራቓዊ (10:00 - 6:00 ድ. ቀትሪ ብምዕራባዊ ) ኣቆጻጽራ ክዝርጋሕ እዩ።
Live https://www.facebook.com/EritreanOrthodoxChurch or https://www.facebook.com/tewahdoChurch
መሪሕ ጥቕሲ - Theme Verse: - “ህድእ በሉ እሞ ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ኣስተብህሉ” መዝ 46፡10
ጉባኤ ዝካየደሉ: - ብርሕቀት - Virtual Conference
Conference 2021
Zoom Meeting: https://us02web.zoom.us/j/84005020278
By phone, One tap mobile:
+13017158592,,84005020278#
+13126266799,,84005020278#
ገለ ካብ ትሕዝቶታት ዓመታዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ 2021
ዝርዝር መደባት ፕሮግራም- Program Detail - Click below to see detail
ብምኽንያት መበል 10 ዓመት ዝኽሪ ናይቶም ኣብ 2013 ዓመት ኣብ ገማግም ደሴት ላምፐዱሳ ህልቂት ዘጋጠሞም ዜጋታትና፡ ንሰንበት 8 ጥቅምቲ 2023፡ ኣብ ኩለን ቤተ ክርስቲያንናትና ብሓባር ጸሎት ፍትሓት ዝካየደሉ ዕለት እዩ። በዚ መሰረት፡ ስለቶም፡
ኣብ ቤተክርስትያን ሃገርና እንታይ ዘይግበር
እቲ ስርዓት ኣብ ቤተክርስትያን ጉዳይ ከምድልየቱ ክዕንድር
እንተ ደለየ ክሸይም እንተደለየ ከዐስክር
እንተደለየ ክመክር እንተደለየ ክምድር
አንተደለየ ክፍክር አንተደለየ ከኣስር
ሃለዋት ሃገርና ክውረ ክሳብ ባሕሪ ስግር
"ደጊም ምስ ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሲእኩም ኢኹም’ሞ፡ ቀልብኹም ኣብ’ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት፡ ኣብ’ቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ ግበሩ። ናብ’ቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኰነስ፡ ኣእምሮኹም ናብ’ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ። ምኽንያቱ መዊትኩም ኢኹም፡ ህይወትኩም’ውን ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ።. . . ስለ’ዚ ነቲ ስጋዊ ስምዒትኩም. . . ቅተሉ።" ቈሎ 3፡1-3,5ካ.ት

ቅዱስ-ዳዊት ኣብ መዝሙሩ፣ ንትንሣኤ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ ኣመልኪቱ፣ ብመንፈስ ትንቢት ተመሊኡ ክዝምር ከሎ፣ “-እግዚኣብሔር ኣብ ድቃስ ከም-ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ተንሥአ” ብምባል`ዩ ገሊጹዎ ዘሎ። እወ እቲ ሕያው ዝኾነ ዘለዓማዊ ኣምላኽ፣ ሞት ኣጽኒዑ ክሕዞ ዝኽእል ስለ-ዘይነበረ፣ ክትንሥእሲ ናይ ግድን`ዩ ነይሩ። ንምዃኑኸ ስለምንታይ`ዩ ክመውት ዝኸኣለ-? ንዝብል ሕቶ፣ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ብኸምዚ ዝስዕብ መሊሱዎ ኣሎ። “-ግናኸ ንሕና ገና ኃጥኣን ከሎና፣ ክርስቶስ ክንዳና ሞይቱ እዩ`ሞ፣ ኣምላኽ እታ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ በዚ የርኢ ኣሎ ብምባል`ዩ ገሊጹዎ ዘሎ። (ሮሜ-5/8)።
ኣነስ ነቶም ዘኽብሩኒ ኣኽብሮም፥ ነቶም ዝንዕቁኒ ኸኣ ኣሕስሮም ይብል እግዚኣብሔር። (1 ሳሙ 2፡30) ንዝብል ኃይለ-ቃል ብምስትውዓል እንተ ተረዲእናዮ፡ ንልዑል እግዚኣብሔር ብተወፋይነት ዘገልገለ፥ ዝተኣዘዘ፥ ምእንቲ ስሙ ውርደትን ስደትን ዝተቐበለ፥ እሙን ሰብ ካብ መጀመርታኡ ዳሕረዋዩ ከም ዝጽብቕ፥ ታሪኹ ከኣ ከም ወርቒ መመሊሱ ከም ዝዅላዕ፥ ካብ ታሪኽ ዮሴፍ ወዲ ያዕቆብን፡ ካብቲ ዝሓለፈ ሮቡዕ ዝነበረ ጽንብል ዕለተ-ልደት ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ዲበ-ኵሉን ብግልጺ ርኢናዮ ኢና። ክብሪ ንኣምላኽና ይኹን። ናይ በረኸትን ብዙሕ ታሪኽን ዝኽርን ዝተነግሮ ግሩም ምሸት።
እቲ ኣብ ሃገረ-ስዊስዘርላንድ ክገብሩዎ ዝጸንሑ ዑደት ድሕሪ ምፍጻም፣ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ ብዕለት 03/10/2021፣ ኣብታ ርእሰ-ከተማ ዓባይ-ብሪጣንያ ዝኾነት ከተማ-ሎንዶን`ዮም ዝኣተዉ። ኣብዚ ከኣ ናይ ቤተ-ክርስቲያን ቅድስቲ-ማርያም ሎንዶን ማኅበረ-ምእመናን፣ “ባርከነ ኣባ-መቃርዮስ” እናበሉ፣ ብዓቢይ ክብሪ ተቐቢሎሞም።
ካብ ዓርቢ 24 ክሳብ ሰንበት 26 ሕዳር 2023 (ሕዳር ፲፬ - ፲፮ ሕዳር ፳፻ ዓ. ም ግእዝ) ንሰለስተ መዓልቲ ዝካየድ ሱባኤ (ጾምን ምህልላን) ክግበር ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ መንበረ-ጵጵስና ኣብ ስደት ንህዝቢ ኤርትራ ኣውጁ ኣሎ። እዚ ብምኽንያት እቲ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዘንጸላሉ ዘሎ ደበና-ኲናትን ወረ-ኲናት እዩ። ናይ ትማሊ ንብዓት ዓይኑ እናዛረየ፥ ዳግማይ ከምዚ ኩነት ክፍጠር ኣዝዩ ዘሻቐል እዩ። “ስለዚ ምሕረት ምእንቲ ክንቅበል፡ ብጊዜ ጸበባውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ኽንረክብ፡ ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ።” ዕብራውያን 4 - 16።
መድኃኔ-ዓለም ኣምላኽና ሱባኤና ተቐቢሉ ሰላም ይሃበና። ኣሜን።
ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: ቀኖናዊ መንበረ-ጵጵስና ኣብ ስደት
20 ሕዳር 2023
ምሉእ ትዝሕቶ ኣዋጅ ሱባኤ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: ቀኖናዊ መንበረ-ጵጵስና ኣብ ስደት
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ