S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ትዕግስቲ (ምጽማም) ኣብ ልዕሊ ቅንኣትን ቅብጥሮትን ናይ ቤተሰብን ዘመድን:ፍቕሪ ኢያ። ትዕግስቲ ኣብ ልዕሊ ኩራን ቆይቁን ናይ ካልኦት ሰባት: ክብረት እያ። ትዕግስቲ ኣብ ልዕሊ ዓቅምን ዓቕሊን ናይ ገዛእ ርእስኻ፡ ነብሰ ተኣማንነት ኢያ። ትዕግስቲ ኣብ ልዕሊ  ትጽቢት ንረዲኤት ካብ ልዑል ኣምላኽ: እምነት ኢያ። ትዕግስቲ  ግብረ-ሰናይ ናይ ደቂ ሰባት ስነ-ልቦና ኢያ። ትዕግስቲ ከም መንፈሳዊት ልጓም ወይ ቀፊር ናይ ስነ-ምግባር እያ:: ትዕግስቲ መዝሓሊት ናይ ህውከት መቐረት ናይ ሂወት ኢያ። ትዕግስቲ ዝገብር ሰብ ኣብ ሂወቱ ይኸብር።

እምነት ኣብ ናይ ደቂ ሰባት ሂወት መንፈሳዊት ኪዳን  ወይ ጽላት ኢያ። እምነት ኣብ ሂወትና ወሳኒ ተራ ወይ ሓይሊ ኣሎዋ። ሓቀኛ እምነት ዘሎዎ ሰብ፡ ሰላምን

ርግኣትን ህድኣትን ቅሳነትን ዘለዎ ሂወት የሕልፍ። ጎደሎ እምነት ዘለዎ ሰብ: ከምቲ ዕርቃኑ ወጺኡ ኣብ ኣደባባይ ዝዕንድር ሰብ ኢዩ። እምነት ኣብ ሂወት ደቂ ሰባት: ከምታ ቃልኪዳን ኣብ ሓዳር: መንፈሳዊ ክብረትን ክብደትን ኣለዋ። ቅንዕቲ እምነት መሰረት ናይ ሂወትን ከፋቲት ኣፍደገ ማዕጾ ናይ ምድረ-ገነትን እያ:: ኣብደቂ ሰባት እምነትን ጽንዓትን እንተሎ: ካብ ልዑል ኣምላኽ ምሕረትን ድሕነትን ኣሎ።ሓቀኛ እምነት ዘለዎ ሰብ ኣብ መንግስቲ  ኣምላኽ ይነብር።

ሕርቃን (ቁጠዐ) ናይ ውሽጣዊ ስምዒት ነድሪ ካብ ዘይምቁጽጻር ዝነቅል ናይ ስነ-ምግባር ጉድለት ኢዩ። ሕርቃን ብመሰረቱ ኣብ ሂወትካ ጎዳኢ ኢዩ። ክትሓርቕ ከሎኻ ንስኻ ንባዕልኻ ጥራይ ኢኻ ትጉዳእ። ናይ ሕርቃን ናህሪ ዝቛጻጸር ባህሪ ምጥራይ ካብ ኣካላውን ማሕበራውን ጉድኣት የድሕን።ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ብዝኾነን ዘይኮነን ምኹራይ ምቑጣዕ ምሕራቕ ኣብ ቅድሚ ሕበረተሰብካ ብኣሉታዊ መለክዒ ከምትምዘን ከምትስፈር ከምትፍረድ ይገብረካ። ንደቂ ሰባት ዘኽብር ንገዛእ ርእሱ ይኸብር።

ተሃዊኾም ይኽዕውዎ ኮፍ ኢሎም ይኣርይዎ ዝብል ኣገዳሲ ባህላዊ ምሳሌ ኣሎ። እዚ ማለት እኹልን ጽፉፍን ሓበሬታ ወይ ከኣ ቅኑዑን ጽኑዑን መረዳእታ ከይሓዝካ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ብታህዋኽ ወይ ቀልጢፍካ ምፍራድ ኣብ ዘይተደልየ ሽግር የእትወካ። እቲ ዝተገብረ ፍርዲ ዘስዕቦ ጸገም ንምጽጋኑ ከየሸገረ ኣይተርፍን። ሃንደፍ ኢልና ኣይንፍረድ ክይፍረደና:: ኣብ ሕድሕድና ልዙብ ዝኾነ ዘተ ምዝውታር ንዘጋጥም ጸገም ብሰላም ይፈትሕ። ኣስተውዒሉ ሓሲቡ ዝዛረብ ሰብ ቁምነገር ይላዘብ። ከየስተውዓለ ብታህዋኽ ዝብገስ ሰብ ኣብ መገዱ ይዕንቀፍ ካብ ዕላምኡ ይኹለፍ ይኽሸፍ። ዘስተውዕል ዝዕገስ ሰብ ኣብ ሂወቱ ይቕደስ ይሕጎስ።

ኣብ ሕድሕድና ናይ ጠባያት ባህርያት ድሌታት ሓሳባት እምነት ወዘተ ፍልልይ ኣሎና። ኣብ ሕድሕድና ኣብ ንዋሳኣሉ ኣጋጣሚታትን ኩነታትን ዝተፈላለዩ ዓይነት ግርጭታት ክፍጠሩ ናይ ግድን እዩ። ግርጭታት ከም ባእሲ ጽልኢ ቂምታ ቅርሕንቲ ወዘተ ኣብ ሂወትና ክኽሰቱ ንቡር እዩ። ግቡእ ኣፈታትሓ ግርጭታት ምፍላጥ ምዕባሌ የምጽእ። ኣፋታትሓ ግርጭታት ክንፈልጥ ከሎና ሰላም ዕርቂ ምርድዳእ ምስምማዕ ከነውሕስ ንኽእል። ኣብ ሕድሕድና ሽምግልና ንመተዓረቒ ንመራዳድኢ ከገልግል ዝኽእል ናይ ኣፋታትሓ ግርጭታት ጠቕሚ መስርሕ ወይ ኣገባብ እዩ። ተቓዳዲምና ናብ ኣብያተ ፍርዲ ወይ ፖሊስ ካብ ንጓየ  ወይ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሓዳርና ትም ኢልና ካብ ንቛሰል: ሽምግልና ናይ ወለድና ቅርሲ ወትሩ ኣብ ሂወትና ክንጥቀመሉ ንኽእል ቅዱስ ባህሊ ወይ ተበግሶ ኢዩ። ዓገብ ኢሉ ዝገንሕ ሽማግለ ክርከብ ከሎ መገዲ ኣምላኽ ይመርሕ።

ኣብ ሕሉፍን ክውንን ኩነታት ኣድሂብካ ምሕሳብን ምስቁርቛርን ጓህን ንብዓትን ጥራይ ኢዩ ዘስዕበልካ። ንመጻኢ እዋን ንዝኸውን ኣትሪርካ ምሕሳብን ምሽቓልን ፍርሕን ጭንቀትን ጥራይ ኢዩ ዘምጽኣልካ። ካብ ዓቅምኻ ንላዕሊ አይትሕሰብ : ሕልናኻ ከይጉዳእ። ዝሓለፈ ኩነት ኣይምለስን ዝመጽእ ኩነት ኣይፍለጥን። ንዝሓለፈ ኩነታት ክትቅይሮ እንተዘይተኻእለ ዘይምጭናቕ። አብ ተመክሮኻ ኣተክሮ ብምግባር  ክትማሃር ዘይምስልካይ። ኣብ መጻኢ እዋን ንዝኸውን ከኣ ኣቐዲምካ ብቅኑዕ መንፈስ ካብ ምድላውን ምቅርራብን ዘይምዝንጋዕ። ብዛዕባ ዘለኻዮ እዋን ምሕሳብ ግን ብሰላም ምንባርካ ጥራይ ንልዑል ኣምላኽካ ምምስጋን መንፈሳዊ ዕግበትን ዕብየትን ይህበካ::

ንዝኾነ ፈተነ (ጸገም) ኣብ ሂወት ከም ኣማላኽታኻ ዝውሰድ ኢዩ። እቲ ዘኃንፍ ፈተነ ክጎድኣካ ወይ ከርብሓካ ይኽእል ኢዩ። እብ ልዕሊ እቲ ፈተነ ትገብሮ ኣቓልቦ ኩሉ ካብ ንጹሩን ትኩርን ኣጠማምታኻ ዝብገስ ኢዩ። ስለዚ እቲ ኣብ ዕለታዊ ሂወትካ  ንዘጋጥመካ  ፈተነ ብብልሓት ብትግሃት ብትብዓት ብህድአት ክትፈትሖ ትኽእል ኢኻ:: ግናኸ

ገና ብገና ብቀሊሉ ተዳሂልካ ተስፋ እንተቆረጽካ ክትዕወት ኣይትኽእልን ኢኻ። ብዙሕ ግዜ ግን ንዝኾነ ፈተነ ፍታሕ ኣለዎ። ብልሓትን ትግሃትን ትብዓትን ዓቅልን ዓቅምን ጥራይ ኢዩ ዝሓትት። ይኹን እምበር ኣብቲ ኩሉ ዝከኣሎ ልዑል ኣምላኽ ዝተጸግዔ ሰብ ወትሩ ረዲኤት ከምዝረክብ ምርዳእን ምዝካርን የድሊ።

ንዝዓረፉ ወይ ንዝሞቱ ቤተሰብ ዘመድ ወዘተ ኣምሪርና ንበኪ ብዙሕ ንሓዝን።  ከምኡ ውን ንዝተናወሐ እዋን ንበኪ ንሓዝን። ነቶም  ዝዓረፉ ንሕና ኢና ንስዕቦም እንበር ንሳቶምሲ  ኣይምለሱናን እዩም። ስለዚ ቀጻሊ ምብካይን ምሕዛንን ኣካላዊ ጉድኣት ከስዕበልና እንተዘይኮይኑ ጥቕሚ የብሉን። መሪር ብኽያትን ሓዘንን ምዝውታር ተለኻኺምካ ክሳብ ሞት ኢዩ ዘብጽሕ። ኣብ ክንዲ ብኽያትን ሓዘንን ንዝሞቱ መንግስተ ሰማያት ከውርሶም ንበተ ሰብ ከኣ ጽንዓት ክህቦም ናብ ልዑል ኣምላኽ ምጽላይ ኢዩ እቲ ዝሓሸ መንፈሳዊ መንገዲ።

ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት ዝነቐሉ ልቦና ዝሓዘሉ  ምዕዶን ምኽርን ነንብብ ንሰምዕ ንመሃር ኢና። ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓል ናይ ኩላትና ሓላፍነትን ተበግሶን ኢዩ። ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ እንከለና ኣብ ሕድሕድና ሰላምን ፍቕርን ሲኒትን ምክብባርን ይህሉ። ኣብ ሕድሕድና ምክብባር ክህሉ ከሎ ኣብ ሕድሕድና ምትሕልላይን ምትሕብባርን ይፍጠር። ምትሕብባር ክህሉ ከሎ እብ ሂወትና ዓወትን ኣሳልጦን ንረክብ። ኣብ ማትዮስ 18:20 "ክልተ ይኹኑ ሰለስተ ኣብ ሓደ

ብስመይ ዝተሓባበሩ ኣነ ኩሉ ግዜ ኣብ መንጎኦም ኣለኹ" ኢሉ ኣምላኽና ምሳና ምህላዉ ኣረጋጊጹልና እዩ::

ክብርን ምስጋናን ንልዑል ኣምላኽና፡

ራህዋን ሰላምን ንሓላል ህዝብና፡

ዕድመን ጥዕናን ይውረድ ኣብ ኩላህና፡

ተማሂርና ተረዲእና ከነተግብር ይኹን ዕላማና።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div